Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዳላስ፡ ብ “ደቀ-ኣንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ” ዝፍለጣ ማሕበር፡ ልቢ ደቀ-ተባዕትዮ ማሪኸን ኣምስየን

ትማሊ ቀዳም፡ 5 መጋቢት፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ ዝመጹ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ዳላስ ቴክሳስ ተረኺቦም ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ፡ ኣኽቢሮም። እቲ ኣኼባ ብምትሕብባር ደቀ-ኣንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ኮሙኒቲ ኣብ ዳላስ ዝተዳለወ፡

ትማሊ ቀዳም፡ 5 መጋቢት፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ ዝመጹ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ዳላስ ቴክሳስ ተረኺቦም ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ፡ ኣኽቢሮም።
እቲ ኣኼባ ብምትሕብባር ደቀ-ኣንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ኮሙኒቲ ኣብ ዳላስ ዝተዳለወ፡ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዘለዋ ማሕበረ ኮማት ወኪሎም ዝመጹ መራሕቲ፡ ዝተላለይሉን ተመኵሮ ዝተለዋወጥሉን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።
Dawit

Dawit Maasho

ኣቦ ወንበር ኮሚኒቲ ዳላስ፡ ዳዊት መዓሾ ኣብ መእተዊ ናይ’ቲ መደብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ማእከል ንምምራቕን፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ

aynealem

Hadishalem Haile

ደቀንስዮን ንምብዓል፡ ኣዚዩ ብዙሕ ህዝቢ ምእካቡ ከም ዘሐጎሶን ዘኹርዖን ገሊጹ።  “በቲ ክቡር ናይ ኣሓዋትናን ኣሓትናን መስዋእቲ ኣብ’ዚ በጺሕና ኣሎና። ኣብ ሃገርና ብዘይ ተወፋይነትን ጻዕርን ናይ ደቀንስትዮ፡ ቃልስና ክዕወት ኣይምኽኣለ ነይሩ” ኢሉ። ንሱ ብምቕጻል፡ “እዚአን፡ ካብ’ተን ኣለዋና ኢልና ንኮርዓለን ዋዓሩ ኣሕዋትና እየን” ክብል ነተን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጻ ኣባላት ደቀንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣሞጕሱ። ዳዊት፡ ብዛዕባ’ቲ ማእከል ኣመልኪቱ ኸኣ፡ ኣብ ጉዳያት ፍትሒ ጥራይ ዘይኮነ ፡ ነቲ ባይታ መፍትሒ ሽግርና ክጥቀምሉ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ኣባል መሪሕነት ናይ ዳላስ ኮሚኒቲ፡ መንእሰይ ሓድሽዓለም ሃይለ ብወገኑ፡ ሓድነት ብግብሪ ይሰርሕሉ ከምዘለዉ አዩ ዘረድእ። “ኣብ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ዘሎ ፍልልያት ወጺእና፡ ንሕናን ንስኹምን ከይበልና፡ ምስ ኣያታትናን ኣቦታትናን ሓድነት ፈጢርና ንሰርሕ ኣሎና“ ኢሉ።
ናይ’ቲ ኣኼባ ናይ ክብሪ ዕድምቲ ጋሻ፡ ሲስተር ኣዘዘት ሃብተዝጊ፡ ኣብ’ቲ ካብ እስራኤል ብስካይፕ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ጽጉማት ዜጋታቱ ክረድእ ተላብያ። “ኣብቲ ዘለኹሞ ከተማታት፡ ኣብ ሞንጐኹም፡ ዝሰምዖምን ዝርእዮምን ዝሰኣኑ፡ ዝተሸገሩ፡ ብዙሕ ጭንቀትን ጸገማትን ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ነጻ ኮይንኩም፡ ማሕመር መስሪትኩም ክትሕግዝዎም ኣለኩም” ኢላ። ሲስተር ኣዘዘት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ፡ ምስ ጾታዊ ዓመጽን፡ ምንጻል ጥንስን ብዝተተሓሓዘ ኣዚዩ ከቢድ ጸገም ከምዝወርደን ኣረዲኣ። ካብ ሽግር ዝተበገሰ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብዓመጽ ንዝተወልዱ ህጻውንተን፡ ከዕብዩለን ንእስራኤላውያን ከም ዝህበኦም ሲስተር ኣዘዘት ሓቢራ።
ብድሕሪ’ዚ፡ እተን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጻ ኣባላት ደቀንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ሓበራዊ ዘተ ኣካይደን። ኣድያም ሃይለ፡ ካብ ሳንድያጎ ካሊፎርንያ፡ ሰምሃር ሓጐስ ካብ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ ሮዛና በሉት፡ ካብ ደንቨር ኮሎራዶ፡ ኤልሳ ተስፋ ካብ ቬጋስ ነቫዳ፡ ሮዛ ወልዱ ካብ ህይስቶን ቴክሳስ፡ ኣለም ኣብርሃ ካብ ፓትላንዳ፡ ስምረት ሃይለ ካብ ስያትል ዋሽንግቶን እየን።
Adiam

Adiam Haile Rufael

ነቲ መድረኽ ትመርሕ ዝነበረት፡ ኣደ ወንበር ናይ ደቀንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ መንእሰይ ኣድያም ሃይለ፡ ኤርትራ ዝሓሸ ሕብረትሰብ ክህልዋ፡ ደወንስትዮ ንቕድሚት ወጺአን ተሳትፎአን ከረጋግጻ ከም ዘለወን ኣረዲኣ። “ንደቀንስትዮ የሐይሉና። ንሕና ኸኣ ከነሐይለኩም ኢና” ክትብል ንደቀተባዕትዮ ተላብያ። ንሳ ከም ሕብረተሰብ ክንዓቢ እንተዀይና ኣብ ሕብረተሰብና ዘለዉ ዝተፈላልዩ ጸገማት ወይ ብድሆታት ክንፈትሖም ከም ዘሎና ኣገንዚባ። ኣድያም ብተወሳኺ፡ ናይ ኤርትራውያነት መንነት ንኸይጠፍእ ባህሊ፡ ልምዲ ቋንቋን ክንመሃርን ክንዕቑቦን ከምዘሎና ናብ መንእሰያት ኣተኵራ ተላብያ።

ሓንቲ ካብ’ተን ተዛተይቲ፡ ሰሚራ ሓጐስ፡ ኤርትራውያን ውልድ ምስ በላ አትሒዘን ወጽዓ ከም ዘጓንፈን ገሊጻ። “ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ብባህሊ፡ ብሃይማኖት ወጽዓ ኣለወን። ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢን እንዳ ተጸቐጣ ይነብራ። ክውለዳ ከለዋ ኣትሒዘን ሽግር የጋጥመንን እዩ” ክትብል ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ከም ኣብነት ጠቒሳ።
ሰሚራ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎና፡ ቁሩብ ድኽመታት ኣሎና። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዱሳንን ካለኦት ሃገራት ዘለዉ ህዝብና፡ ዘጓንፎም ዘሎ ሽግር፡ እንዳ ረኣና ከም ዘይረኣና፡ እንዳ ሰማዕና ከም ዘይሰምዕና ንነብር ኣሎና” ብምባል፡ ማሕበረ-ኮማት ንስደተኛታት ክረድኣ ክጅምራ ከምዘለወን ኣተሓሳሲባ።
ኣለም ኣብርሃ ብወገና፡ ብምኽንያት እቲ ዕለት፡ ነተን ስለ ኤርትራ ዝተቓለሳ ኤርትራውያን ኣመስጊና። “ ነተን ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ኤርትራ ዝተቓለሳ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ዋላኳ ሓርነት እንተ ዘይሃለወና፡ ነተን ሃገር ኣላትኒ ክንብል ዘብቅዓና ኣሕዋት፡ ኣዲታት፡  ምስጋና ይብጽሓየን” ኢላ። ኣለም ብተወሳኺ፡ ናይ ኤርትራውያን ተሳትፎ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣዚዩ ልዑል ተሳትፎን ኣበርክቶን ከም ዝነበረን ገሊጻ። ካብ ዝተፈላለያ መርበብ መራኸቢ ብዙሓን ዝኣከበቶ፡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሕ ተራ ዝተጻወታ ደቀንስትዮ ስም ዝርዝር ኣቕሪባ።
ነቲ ሓበራዊ ዘተ ዝተኸታተሉ ኣኼበኛታት ኸኣ፡ ኣብ’ቲ እተን ደቀንስትዮ ዝሃበኦ ሓሳባት ኣመልኪቶም፡ ዝነበሮም ሕቶ፡ ርእይቶን ኣወንታዊ ነቐፌታን ኣቕሪቦም።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንማሕበረ-ኮማት ዝወከሉ፡ በሪሁ መላኣከ ካብ ዳላስ፡ ጸሃየ ስዩም ካብ ህዩስተን፡ ሻዕባን መሓመድ ካብ ፖርትላንድ፡ ይኩኖ ባህታ ካብ ላስ ቬጋስ፡ ሮዛና በሉትስ ካብ ደንቨር፡ ኣድያም ሃይለ ካብ ሳን ዲያጎን፡ ሰሚራ ሓጎስ ካብ ኣትላንታ፡ ናይ ከባቢኦም ጸብጻባት ከቕርቡ መደብ ተታሒዙ ነይሩ፡ እንተ ኾነ ብሕጽረት ግዜ ኣይተገብረን። ናይ ተመኵሮን ሓሳባትን ምልውዋጥ ከም ዘካየዱን፡ ዝምድናታቶም ንምቕጻል ከም ዝተረዳድኡ ግና፡ ኣደ ወንበር ደቀንስትዮ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣድያም ሃይለ ሓቢራ እያ።
ኣብ’ቲ ዕለት፡ ብዳዊት መዓሾ ዝተዳለወ፡ ንታሪክን ባህሊን ኤርትራ ዝገልጹ፡ ዝተፈላለዩ፡ ቅርስታትን ሰነዳትን ንምርኢት ቀሪቡ፡ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣኼበኛታት ብደርፍን ሳዕሲዒትን ክለሃዩ ሓዲሮም።
 
ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ፡ ካብ ዳላስ
6 መጋቢት 2016።
 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! March 6, 2016

    Glad to see progress in the making after we lost it for a while . And
    I am sure we will also see the rebirth of our lost community centers in
    diaspora .
    For our brave sisters ; congratulations for well done job .

  • k.tewolde March 6, 2016

    The role of women in building a rock solid ,just,vibrant, and progressive society is not only indispensable,it is a prerequisite.My mother is a quintessential example.

  • wedifre March 7, 2016

    Good job all of you.
    Particularly the leadership of the Women for Change spearheaded by the dedicated and selfless Adiam Haile Rufael.

    Please keep it up and the change is imminent for sure!!!

  • Isayas Sium March 9, 2016

    Well done American-Eritrean Dallas and Fort-wroth community center for reaching this mile-stone after so many years of hardwork. Congrats. Great work as well by our Women for Change and the different community centers who traveled there to make the event a success. Nice reporting Teddy.

  • meg March 13, 2016

    Congra Dallas and Adiam haftey keep going.

POST A COMMENT