Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ጎኑ ደው ንበል (ብደብረ)

መበገሲ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ “ጋዜጣዊ መግለጺ ቊ. 5 ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ ህግደፍ ተደምሲሳ።” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጸሓፈ ብስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ዝተጸሓፈ ‘ዩ። ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከድምቆ ስለዝደለኹ ‘ምበር ሓዲሽ ሓሳብ ኮይኑ ኣይኮነን። ኣብቲ መእተዊ

መበገሲ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ “ጋዜጣዊ መግለጺ ቊ. 5 ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ ህግደፍ ተደምሲሳ። ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጸሓፈ ብስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ዝተጸሓፈ ‘ዩ። ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከድምቆ ስለዝደለኹ ‘ምበር ሓዲሽ ሓሳብ ኮይኑ ኣይኮነን። ኣብቲ መእተዊ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ “ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፣ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣካይዶም ንሓንቲ ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ ደምሲሶም ንብረቶም ሰሊቦም ብሰላም ንቦትኦም ተመሊሶም ኣለዉ።” ዝብል ከም ናይ ዜና ብስራት ቃና ዘስምዕ ተንብብ። ደምሲሶም ትብል ቃል ተሰንብደካ ‘ያ። ደምሳሲ፣ ተደምሳሲ፣ ክሊቲኦም አሕዋት። ልብኻ ብሓዘን ዝጎድእ ፍጻመ።

እዚ ዜና ‘ዚ ንገሌና ዘሕጉስ፡ ንገሌና ዘሕዝንን ዘጉሂን፡ ንገሌና ከኣ ስሚዒት ከይህበና ይኽእል ይኸውን። ንዓይ ግን ካብ ማዕሙቕ ልበይ ዝፈልፈለ ንብዓት ወረር ክብለኒ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣነ ንኤርትራ ንዒ ሃገረይ ተጠሊዕኺ የእዊይ፡ ኣብ መሬት ፈፈው ኢልኪ ኣብ ርእስኺ ሓመድ ነስኒስኪ ብኸይ፡ ደም ዝንባዕ ከዓዊ ምበልክዋ። ደቃ ነንሕድሕዶም ዝበላልዕሉ እዋን ጊዚኡ ጸብጺቡ መጺኡ ስለዘሎ። ክሊቲኦም ግዳያት ኤርትራዊያን ስለዝኾኑ።  ሓንቲ ሰብኣያ ብሓዋ ዝተቀተለ፡ ከመይ ኢላ ከምትበኪ ዝሓርበታ ሰበይቲ ዓይነት እዩ ነገሩ። ንዓና ከኣ እቲ በቲ ሓደ ሸነክ ዝመውት ኤርትራዊ እቲ በቲ ሓደ ሸነኽ ዝመውት ከኣ ኤርትራዊ ስለዝኾነ። ከይፈተኻ ትኣትዎ ሕድሕዳዊ ምቅትታል።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምቅጻል ምክንያት መደምሰሲኦም ክገልጽ ከሎ፡ “ቀንዲ ስርሖም ዶባት ኤርትራ ዝሰግሩ ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ምህዳን ተዋፊሮም ንገለ ይኣስሩ ንገለ ድማ ክቐትሉ ብደም ንጹሃት ክጻወቱ ዝጸንሑ እዮም።” ብማለት እቲ ዝተወሃቦም ዕማም ምቅታል ኣሕዋቶም ምዃኑ ይገልጽ። ቀታሊ ሓዉ ትብል ከነስምረላ። ብኣንጻሩ ከኣ ስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ነዚኦም ኣሕዋቶም ዝቀተሉ ሓለውቲ ውልቀ ምልኪ ዝኾኑ ኣሕዋት ደቂቅ መጽናዕቲ ብምግባር ከምዝደምሰሶም እዩ ዝገልጽ። ዓይኒ ብዓይኒ፡ ስኒ ብስኒ፡ ግናይ ተግባር።

ኣብ ጽልኢ ኣይነጎሃህር ራብዓይን መወዳእታን ክፋል ዝብል ጽሑፈይ ኣብ ትሕቲ ንኡስ ኣርእስቲ መደምደምታ ኣብ ቁጽሪ ሰለስተ ተጻሒፉ ዘሎ ነዚ ከምናይ መወዳእታ ኣማራጺ ንኣትዎ ንምግላጽ ዘስፈርክዎ ርእይቶ ‘ዩ። እቲ ጽሑፍ “እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ተፈጻምነቱ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ እንቲ ከይፈተኻ እትኣትዎ ውግእ ህሕድሕድ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢሳያስን ሰራዊት ተቃወምትን ‘ዩ ክመጽእ። እንተወሓደ ነቶም ብትእዛዝ ኢሳያስ ኣሕዋቶም ዝቀትሉ ቀተልቲን፡ እቶም ኣሕዋቶም ዝኣስሩ ኣሰርትን ሰዓብቲ ኢሳይያስ ብምልላይ፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ክከኣል ኣለዎ።  እቲ ጽሑፍ ብቅጻልዝቀተለ ክቅንጸል፡ ዝኣሰረ ክእሰር እንተኾይኑ ኢሳይያስ ክርዕድን ስልጣኑ ከይፈተወ ክገድፍን ዝኽእል።” ብማለት ነቲ ሓስብ የስምረሉ። ብውግእን ወረ ውግእን ዝላደየ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓሳብ እዚ ይድግፎዩ ማለት ኣይኮነን። ኤርትራዊያን ውግእ ሕድሕድ ኣብ መንጎ ጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ዝተመኮሩሉን ዘስካክሖም ናይ ቀረባ ተዘክሮታት ስለዘለዎም። እንተኾነ ሕድሕዳዊ ውግእ ዕረ እንዳጠዓመካ፡ ኣማራጺ ምስ ሰኣንካ ከይፈተኻ ትኣትዎ ባእሲ ኣሕዋት ‘ዩ።  እቲ ሓቂ ግን እቲ ሚዛን ሓይሊ ብሓደ ሸነኽ ጥራይ እንተዘዚዩ፡ እቲ ሓደ ከምድላዩ ስርዓትን ሕግን ረጊጹ ክዕንድር እቲ ካልእ ከኣ ተሸቁሪሩ ክግዛእ ማለት ኣይኮነን።

ኣብቲ በቲ ግንባር ዝቀረበ መግለጺ እቲ ግንባር ብንጹር “ ስርሒትና ብፍሉይ ታርጌት ዘተኮረ እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ቀንዲ የማናይ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ገበናት ካብ ምፍጻም ዘይቁጠቡ ዉሑዳት ሰብ ረብሓ ዘተኮረ ምዃኑ ዕላማና ኣነጺርና ክንገልጽ ንፈቱ።” ብማለት ዒላምኡ የነጽር። ኢሳይያስ ንበይኑ ኣይኮነን ገበን ዝገብር ዘሎ። ኣብ ትሕቲኡ ዝእዘዙ ድኹማት ብግዚኣዊ ጥቅሚ ዝተዓሸዉ ዕሱባት ኣለዉዎ። እዞም ብግዝያዊ ረብሓ ተታሊሎም ሕልንኦም ሸይጦም መሳርሒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮይኖም፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝበደሉ መዓረ ኢሳይያስ ገበነኛታት እዮም። ንጹሃት ምዃኖም እንዳፈልጥካ፡ ምሕደራ መሪርዎም ከም ኣማራጺ ዓዶም ገዲፎም ስለተሰደዱ ጥራይ ሃዲንካ ክትቀትሎም ኣብ መጻኢ ብሕጊ ዘሕትቶም ምዃኑ እንዳፈለጥካ፡ ንምንዋሕ ዕድመ ውልቀ ምልኪ ምስራሕ ገበን ‘ዩ። እቲ ግንባር ነዚኦም ከምዚ ዓይነት እከይ ተግባር ዝገብሩ ብሕውንውታዊ መንገዲ ተግባሮም ደው ከብሉ ይጽውዕ።

ነዚ ናይ መልሲ ተግባር ዘጉሃዮም ይህልዉ እዮም። እቲ ምጉሃይ ግን ብወገን ተቃወምቲ ስለተተግበረ ክኸውን የብሉን። እቲ ዘጉሂ ከይተፈተወ ዝተኣተወ ሕድሕዳዊ ውግእ ምዃኑ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ንኢሳይያስን ሰዓብቱን ናይ መግዛእቲ ዕድመ ዘናውሑ ዘለዉ ንሳቶም ስለዝኾኑ፡ ወይ ክቅንጸሉ ኣለዎም ወይ ከኣ ንትእዛዝ ጎይትኦም ጢሒሶም ምስ ህዝቦም ክሓብሩ ኣለዎም። ብሰላማዊ መንገዲ ነቲ ዘሎ ጸገማት ክፈትሕ ዘይከኣለ በቲ ዝርድኦ መንገዲ ጥራይ እዩ ክእለ ዝኽእል ዝብል ናይ ቡዙሓት ርእይቶታት ኣሎ። ነዞም ኣረመን ልኡኻት ህግደፍ ከምኣ ጥራይ ኢያ ትርድኦም። ካልእ ኣማራጺ ኣይህልዎምን እዩ። ኩሉ ሰብ ከዕርፍ ነቲ ንኸምዚ ዓይነት ተግባር ኣብጺሒና ዘሎ ወገን ምእላይ ንጽባሕ ዘይንብሎ ተግባር እዩ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና ዘሎ። ምእላይ ስርዓት ኢሳይያስን ሰዓብቱን።

ስሙር ድሞክራሳዊ ግንባር ኤርትራ ጌና ሓይሉ ኣብ ምድልዳል ዘሎ ተስፋ ዘለዎ ግንባር ይመስል። ብዙሕ ስርሓትን ጥንቃቀታትን ዝጽበዮን ዘድልዮን ስለዝኾነ ደላይ ፍትሒ ኣብዘለኹም ሃሊኹም ከይነግደዕም ክላቦ እደሊ። እቶም ኣማዕዲና ንቃለስ ዘሎና ብኸመይ ምስ እዚኦም ተወሃሂድና ንሰርሕን ደጀን ንኸውንን ክንላዘብን ይግባእ። ሕጂ ኢደይ ኢድካ ንብለሉ ጊዜ ኣኺሉ ‘ዩሞ ኣይንሕመቅ።

ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ በዚ ተተሓሒዝኩሞ ዘለኹም፡ ቃልሲ ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ደው ክብል እዩ። ብንዋት ይኹን ብፋይናንስ ይኹን ሎጅስቲክ ይኹን ብሞያ ሞራል ከዕጥቀኩም ምዃኑ እምነት ኣሎኒ። ዘድልየናን ዘድልየኩም ከኣ እሱ ‘ዩ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም

ደብረ VA:F [1.9.22_1171]

please wait…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Tes March 12, 2015

    Debre,

    Kubur Hawi It is right the two brothers are in to different comps fighting each other. Having said that the one who are willingly serving the evil organization are legitimate target. They are not someone we care about them. They are no more part of us. You put it correctly below

    “ነዚ ናይ መልሲ ተግባር ዘጉሃዮም ይህልዉ እዮም። እቲ ምጉሃይ ግን ብወገን ተቃወምቲ ስለተተግበረ ክኸውን የብሉን። እቲ ዘጉሂ ከይተፈተወ ዝተኣተወ ሕድሕዳዊ ውግእ ምዃኑ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።”

    I salute the fighters who are brave enough and I am sure they are going to win the population. I am in if they ask any help in any way. What they need is encouragement not the slightest criticism.

  • Zeray March 12, 2015

    Thank you Debre for the balanced report.

    An outside enemy unites us but an inside enemy (PFDJ) divides and brings utter confusion amongst us. Which enemy is worse? This worst enemy “brother” then deserve to be completely stopped. Eritreans do not deserve the daily harassment, false imprisonments and the afflictions they are getting from their own “brothers”. We will not stop until the country is free and is able to have a government that abides by a constitution that the people enact.

    Peace and Freedom to all.

  • Aida March 12, 2015

    WHAT a joke u taking we have to kill them, because hgdef they kill all my young genrtation and our hero jaganu Tegadelti in jail, what we waiting for they do very well if they are real Eritrean they have to leave the Evil Isaias Wadi Medhen Berade with his mafia group,otherways we must kill them the Eviless, smerr hizbi Eritrea and support the hero our Juganu

  • ኣርዓዶም March 12, 2015

    እዚ ደብረ ዝበልካዮ ሓበጀረቕ ኣድኪምና ኣሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣዚኻ ከም ዝሓዘንካ ትነግረና፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ሓጋዚ ናይ`ዞም ጀጋኑ ተቓለስቲ ትመስል። ሓሳብካ ዝኾነ ሓበጀረቕ ኢዩ`ሞ፡ ቕድም ንርእስኻ ኣበይ ከም ዘለኻ ረኺብካ እንተትጽሕፍ ይሓይሽ ነይሩ። እዚ ናትካ ጽሑፋት ነቶም፡ ህግደፍ ብዘይጎነጽ ክወርደሎም ዝጽበዩ ምስልያት ተደናገጽቲ መሰል ኢዩ ዝድግፍ።
    ህግደፍ ግን ንልዕሊ 11 ዓመታት ተለሚኑ ኣብዩ`ዩ። በቲ ዝርድኦ ክንገጥሞ ድማ ግዚ ኡ ኣኺሉ ጥራይ ዘይኮነስ ሓሊፍዎ ከማን። ብቐምሽ ኣደይ ሓንዅልኒ ዘረባ ቓልሲ ንዓመታት የዕቢርክሞ ኢኹም። ሕጂ ግዜ ተግባራዊ፡ እምበር ግዜ ምስሉዩነት ኣብቒዑ ኢዩ።

    ስሙር ግምባር፡ ኣጆኹም ቐጽሉ፡ ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኣሎ።

    ኣርዓዶም።

  • ERITRAWIT March 12, 2015

    Debre,
    N Isaias ms newramat “yehwat” zbahalew weyo zdskom terekebew dem hzbi skab mas k-feses amlak msom ykewn ab gonom alena.

  • semere March 12, 2015

    ARADOM TSUBUK ALEKA ETI GIZIE HIJI EYU . KAB ZIGERMEKA ETI NAY HGDEF SLEYA ZEKALI’E LIST MIS AMBEBKU

    ZFELTO SEB KEYREKIB TESHAKILE NIERE KISAB HIJI DEHAN ALEKU SILZI ABTOM SEBATN BIETESEBOMN KEBID SHAKILOT

    ALO MALET EYU .EZI NAY MIQINTSAL SUGUMTI DIMA ABIY AWET EYU GEJIF SUGUMTI N KIDMIT EYU .N WUGI’E HIDHID

    AYNSGA’E NMINTAY EZI KULU AB MIKLIKAL ZELO HZBNA B KUNTARO SEBAT EYU TETAHIZU ZELO KULU DIMA DELAYI

    LEWUTI EYU .N MITKILAL SMUR GMBAR AJOKUM KETSILUWO AMLAK YHAGZKUM AMLAK NAY LIBI EYU ZIRI’E NAY HZBI

    ERITREA DILIYET SELAM KISANET EYU KITEWEYU EKUM .KAB ZIGERMENI GIN NSUKUM EQUA B ABIU HIWETKUM ENDAHABKU

    NAY DEBRE ZEREBA DEHAN KEM WAZA N RIAYO .HIWET KEBID EYU ….NIAY TSEBA ASTIKUMNI EKHUM .AMLAK /REBI

    MISAKUM YKUN .

  • berhe March 13, 2015

    Bitaemi zehizin kunetat tehaxibika nab chika koynu negeru.

  • Debre March 13, 2015

    ክቡር ኣርዓዶም
    ብመጀመርታ ሕውነታዊ ሰላምታይ ይብጻሕኻ!

    ሓበጀረቕ ዝበልካዮ ኣይተረዳኣትንን። ሓበጀረቕ ዝብል ቃልም ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ካልእ ተመሳሳሊ ቃል እንተትረኽበላ ጽቡቕ ነይሩ። ወይ ከኣ ካልኦት ነዛ ቃል ዝፈልጡ እንተሃሊዮም ክነግሩኒ እሓትት።

    ነዚ ርእይቶ ዝሃብካሉ ጽሑፍ ብትክክል ዝተረዳኣኻዮ ኣይመስለንን። ናተይ ሓዜነታ ዝፍልፍል ከምቲ ንስኻ ክትገልጾ ዝፈተካዮ ኣይኮነን። ካብ ተህዋኽ ህድእ ኢልካ ካብ ዘይምንባብ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ናተይ ሓዜኔታ ዝፍልፍል እቲ ምቅታታል ኣብ መንጎ የሕዋት ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ክሊቲኦም ግዳይ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ምዃኖም ‘ዩ። ብፍላይ እቶም ብሸነኽ ኢሳይያስ ዘለዉ እንተ ተገዲዶም እንተ ብናእሽቱ ጥቕማጥቅሚ ተዓሽዮም፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ደይማለቶም፡ ንምንዋሕ ውልቀምልኪ ክቃለሱ ሂይወቶም ክእስእኑ ዕጽፊ ኪሳራ እዩ።

    ዝኾነ ደላይ ፍትሒን ኣንጻር ኢሳይያስ ዘለዉ፡ ፈትዮም ሓወኦም ክቀትሉ ከም ኣባል ስድራቤት ኣይደልይዎን ‘ዮም። ግን ከኣ ምርጫ ምስ ሰኣኑ ከይፈተዉ ሓዎም ክቀትሉ ይግደዱ። ኣነ ነዚ ምርጫ ኣይተቃወምኩን። ኣነ ከም ኣባወራ ናይ ስድራይ ክርእይዮ ከለኹ፡ እቲ ሓደ ወደይ ምስ ተቃወምቲ፡ እቲ ሓደ ወደይ ምስ ኢሳይያስ ኮይኖም ክቀታተሉ ክርኢ ከም ወላዲ እሓዝን እወ። ወላዲ ኣብ ውሉዱ ፍልልይ ኣይገብርን እዩ። ናትካ ርእይቶ ግን “ደይስንኻ ሕጻ ቆርጥመሉ” እዩ ዝመስል። ምናልባሽ ስድራኻን ደቅኻን ኣብ ውሑስ ቦታ ኣስፊርካ ብዛዕባ ካልኦት ትዛረብ እንተሃልኻ ደጊምካ ክትሓስበሉን ቅኑዕ ዝኾነ ርእይቶ ክትህበሉ እመኽረካ። ንነፍስኻ ኣብ ቦታ እቶም ኣብ መዋጥር ኣትዮም ዘለዉ ስድራቤታት ኣቀሚጥካ ርኣያ ‘ሞ ሽዑኡ ክበርሃልካ ‘ዩ።

    “ብቐምሽ ኣደይ ሓንዅልኒ ዘረባ ቓልሲ ንዓመታት የዕቢርክሞ ኢኹም።” ኢልካ ንዝከሰስካኒ ግን ጽሑፋተይ ኣንቢብካ እንተኾንካ፡ ከምዚ ዓይነት ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ናይ ቃላት ደንጎላ ኣይምተዛረብካን። ጽልኢ ኣይነጎሃህር ራብዓይ ክፋል እንተ ኣንቢብካ እቲ መልሲ ኣብኡ ምረኸብካዮ።

    ክመኽረካ ዝደልዮ ነገር ኣለኒ። ቅድሚ ንሰባት ደይናቶም ንምሃብ ትህወኽ፡ ደጋጊምካ ሕሰብ። ነቲ ጽሑፍ ደጋጊምካ ኣንብቦ። ስሚዒታዊ ኣይትኹን። ንሰባት ተወከስ። እርግጸኛ ምስኮንካ ምስ ጭብጡ ተዛረብ። ስሚዒታዊ ኣይትኹን።
    ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ
    ደብረ

  • Mesinas March 14, 2015

    ክቡር ሓው ደብረ፡ ብመጀመርያ ነዚ ብቐጻሊ ኣብ ኣሰና ትገብሮ ዘሎኻ ሓያል ኣበርክቶ ብስመይን ብስም ኩሉ ደላይ ፍትሕን ከምኡውን ብስም እታ ብተሳትፎ ኣባላታ እትስስን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከመስግነካ ፍቐደለይ? የቐንየልና ክቡር ሓው። ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።

    እዚ ብንጹር ቃላት ገሊጽካዮ ዘለኻ ሓሳብ ኣነውን እድግፎ’የ። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ናትካ ስምዒት፡ ማለት እቶም ተገዲዶም ጠበንጃ ምልኪ ተሓንጊጦም ዘለዉ ዜጋታትና፡ ግዳያት ከይኮኑ ብምስጋእ፡ ጎነጻዊ ቃልሲ መፍትሒ ሽግርና ከምዘይኮነ’የ ዝኣምን። ስለዚ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ነቲ ህግደፍ ብሓሶት ኣብ ሓንጎሉ ዝዝራኣሉ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ሓጺብካ ንመሰሉን ንሓርነቱን ክቃለስ ብምንቃሕ፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ብሓባር ንምልኪ ክኣሊ ኣበርቲዕካ ክስራሕ ኣለዎ ኢለ ስለ ዝኣምን ወትሩ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምትግባር ዘተባብዕ ጽሑፋት፡ ብቐጻሊ ዘበርክት ዘለኹ። ኮይኑ ግን ነዞም ሕጂ ብጀጋኑ ሰራዊት ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ስጉምቲ ተወሲዱሎም ዘሎ ሰባት፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብፈዳኢን ጀብሃን ሻዕብያን ኣብ ልዕሊ ከዳዓት ዝውሰድ ዝነበረ ቅንጸላ ስለ ዝሪኦ ቅቡል’ዩ ዚብል እምነት’ዩ ዘሎኒ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ነቶም ብተመልከተለይ ዜጋታትና ክቕንጽሉ ቅጭ ሕርሙ ዝተባህለ ኣነጻሪ መሳርያ ዝተዋህቦም ሰተይቲ ደም ሰብ፡ ኣራዊት ልኡኻት ምልኪ ስለ ዝጸረጉ ምስጋና ንጀጋኑ ይኹን! ብዙሕ ኣብ ቀጻሊ ብኣታቶም ክጠፍእ ዝነበሮ ንጹህ ህይወትውን ኣድሒኖም ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኩሉ ደለዪ ፍትሒ ኣብ ጎድኒ’ዞም ውሕሉልን ጽፉፍን መጽናዕቲ ብምክያድ ንተዂላ ካብ ኣባጊዕ ፈልዮም ዘጥቅዑ ዘለዉ ሃምበላት ሰራዊት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ደው ክብል እጽውዕ? የቐንየለይ።

    ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

    ሓው መሲናስ

POST A COMMENT