Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ጽልግልግ ዝኣተወት ሃገርና፡ ካብ ኣፈርክቡ ዕርበት ነድሕና!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን ( ከምሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ.መ.ኣ.) ********      ዝኸበርኩም ኣሕዋንትን ኣሓትን ተቓለስቲ ንሓርነትን ንፍትሕን፡- ኣብዚ ሰለም ዘየብል ተኣፋፊ ኩነታት ሃገርና፡ ብሰሪ ጕድለት ጥዕና ብርዐይ ከየልዓልኩ ደሃይ እትፊኣ ጸኒሐ። ሕጂ`ውን ምሉእ ጥዕናይ ተመሊሱ ክብል እኳ እንተ ዘይደፈርኩ፡ ብዘሎኒ

ዑቕባይ ገብረመድህን ( ከምሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ.መ.ኣ.)

********

     ዝኸበርኩም ኣሕዋንትን ኣሓትን ተቓለስቲ ንሓርነትን ንፍትሕን፡- ኣብዚ ሰለም ዘየብል ተኣፋፊ ኩነታት ሃገርና፡ ብሰሪ ጕድለት ጥዕና ብርዐይ ከየልዓልኩ ደሃይ እትፊኣ ጸኒሐ። ሕጂ`ውን ምሉእ ጥዕናይ ተመሊሱ ክብል እኳ እንተ ዘይደፈርኩ፡ ብዘሎኒ ዓቕሚ ገለ ክብል ግድነት ኮይኑኒ። ሓዲስ ነገር ዝበሃል የለን፣ ዝዳጋገም ኣውያት ንቓልሲ ኢዩ።

ኣብ ህይወት፡ እቲ ዝዓበየ ጥፍኣት  ሞት ኣይኮነን።

እቲ ዝዓበየ ጥፍኣት እቲ እናነበርና ከለና ኣብ ውሽጥና ዝመውት ኢዩ።

(“Death is not the greatest loss in life. The greatest loss is what dies inside us while we live.” Norman Cousins)

********

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ! ኣብ ዓለም መዳርግቲ  ዘይርከቦ እንታይ ዝበለ መልመስቲ ኢዩ ወሪሱና ዘሎ?!!! እዛ መሬት ግዝኣተ ሕግን ስርዓትን፡ መሬት ጅግንነትን ትብዓትን ዝነበረት ልዋም ሃገርና፡ ኣማኢት ኣሽሓት ብሉጻት ደቃ ንናጽነት መስዋእቲ ከፊላ ተዓዊታ ከተብቅዕ፡ ከመይ ኢላ ኢያ ሎሚ ብሰሪ ደቃ ንስደት ጐሪፎም ትባድም፡ ብሓደ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኣካላን ባሕራን ንባዕዳውያን ትማሳሕ ዘላ?!!! “ እንተ በላዕኩ መዓስ ይወርደለይ፣እንተ ደቀስኩ መዓስ ይወግሓለይ፣ እንተ ተኸደንኩ መዓስ የምሕረለይ፣ ንኤርትራ ኢዩ ዝሓስብ ኣእምሮይ“ ተባሂሉ ከም ዘይተዘየመላ፡ ከመይ ኢላ ኢያ ሎሚ ወላድ መኻን ኮይና፡ ንድሕነታ ዝዕጠቑላ ጐበዝን ጎርዞን ሕርሚ ኮይኑዋ ትስእን?!!! እቲ ብልሓቱ ካባና፡ ጠንቁ ንሕና ኢና። እቲ ዓሚቱና ዘሎ ጣቓ ኣእምሮን ሕልናን፡ ነታ “ሓራ ተውጽኣና ሓቂ“ ኣሽንኳይዶ ሓንጎፋይ ኢልና ዘንግና ጌርና ንጭብጣን ሒዝናያ ንጐዓዝን፡ ካብኣ ሃዲምና፡ ኣብ ዓዘቕቲ ትርጉም ኣልቦ ፍልልያትን ጫለዳዊ ቆይቍታትን ጠንቀላዕላዕ ክንብል ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ስለ ዘሕለፍናዮን ገና ነሕልፎ ስለ ዝሎናን ኢዩ። ካልእ ምስጢር፡ ካልእ መግለጺ የብሉን።

ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ሜዳ ዝጠጅኦ መርዚ ኦርኒክ ዝሰመዮ ((መዝገብ መንነት) ንደቀባት ዘጥፍኣሉን: ንናይ መንነት ቅልውላው ዘሎዎም ዝሓቝፈሉን ምንባሩ ምንም ኣየስተውዓልናሉን። አረ ገሌናስ ንከላኸሉ ኔርና`ምበር! ዋላ ሕጂ እንተ ኾነስ? በቲ መሳርሒ`ቲ ገይሩ ኣብ ዙርያኡ ሰሪዑዎም ብዘሎ ሓበጀራያት ዕላማኡ ኣብ ፍጻሜ ኣብጺሑዎ እናሃለወ ተሰቊሩና ዲዩ? እንድዒ፡ ኣይመስለንን። ንሓቂ እናሃደምናላሞ ከመይ ኢሉ`ዩ ክስቆረና?!!! ኩሉ መደብ ጥፍኣትና ኣብ ጥርዙ ኣብጺሑ፡ ንኢትዮጵያ ከይዱ ንልኡላውነት ሃገር ከም ዕሸል ኣፍ ልቡ እናሃረመ  ኣብ ዕዳጋ ምስ ኣውረደ፣ ስልጣኑ ንመራሒ ኢትዮጵያ ምስ ኣረከበ፣ ድሕሪኡ ናብ ስዑዳያ ከይዱ ሃገር  መሬታን ባሕራን ኣብ ቍጽጽር ባዕዲ ምስ ኣእተወ፡፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበረ ህዝቢ ብዓቕሙ ተንሲኡ ከይሰሃሎ ማዕጾ ዛላ ኣንበሳ ምስ እንዳ ኣባሓጎታቱ ተሳማሚኡ ምስ ኣኽፈተን፡ ተዓቢሱ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ንመሬቱ  ብጐርፊ ምሕዳግ ዘኸትሎ ሳዕቤን ከይሓሰበ፡  በሽሓት ናብ ኢትዮጵያ ጎሪፉ ፈቐዶ ጐላጕል ትግራይ ተበቲኑ ኣብ ቃልዕ ብዓጸቦ ከም ዝሳቐ ኮይኑ እናሃለወ፡ ድሕሪ`ዚ እንታይ ተረፈ?

ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ክብርና ኣጥፊእና፡ ብህይወትናን ብመጻኢ ደቅናን ደቂ-ደቅናን ንጣላዕ ኣለና። ሕማቕ ታሪኽ፣ ዘሕፍር ታሪክ ንዃኒ ስለምንታይ? ሓድጊ ናይቶም ካብ ተመክሮ ህይወት ልቦና ቀሲሞም፡ ነማኢት ዓመታት ዘይሃስስ ደሞክራዊያዊ ሕግታት ዝገደፉልና ኣበይ ኣበለ? ኣብ መዋእል ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ ሕግን፡ ደሞክራስን ማዕርነትን ብረቂቕን ብዕምቈትን ሃብታም መረዳእታ ክንቀስመሉ እንኽእል ስርዓተ ትምህርቲ ተጐዝጒዝና፡ ኣደዳ ሳዕቤን ድንቍርና ንኸውን ኣለና? ኣብቲ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ተሰራዕና፡ ዕላማ ትምህርቲ ብሃብቲ ስጋ ዓፍቲኻ ክትነብር ዘይኮነ፡ ትርጉም ህይወት ብዕምቈት ንምርዳእ ምዃኑ ዝገልጽ ምዕራፋት ትምህርቲ ኣይተጓነፈና ዲዩ? ብፍላይ እዞም ናይ ዶክተርነት መዓርግ ኣለና ትብሉ ዜጋታት እዛ ተካል ሃገር፡ ብርግጽ ትፈልጡዎ ኢኹም፤ ምርጫኹም ጥራይ ኢዩ ዘይጠዓየ። ምልኣት ህይወት ዘውሕስ፡ ስጋዊ፣ኣእምሮኣዊ፣መንፈሳዊ ሚዛን ምዃኑ ተማሂርኩሞን ትፈልጡዎን ኢኹም። ምርጫኹም ጥራይ ኢዩ ዘይጠዓየ። ፍልጠት ቀሲምኩም ናብ ስጋ ተጓዪኹም፤ ነታ ናብ ውሽጥና ከም ንጥምት ደሪኻ፡ ፍልልይ ቅኑዕን ጌጋን፡ ፍትሕን ገበንን፡ ርህራሀን ጭከናን፡ ንጽህናን ብከላን፡ ፍቕሪ ህዝብን ርእሰፍትወትን፡ ልግስን ስስዕትን፡ ሓልዮትን እንታይ ገዲሱንን ኣነጺራ ትምህረና፣ስልጣን ከም ዘባላሹ፡ ፍጹም ስልጣን ከኣ ፍጹም ከም ዘባላሹ ብግብሪ ተርእየና ምስጢር ህይወት ዝሓቘፈት መንፈስ ግን ፍጹም ረሲዕኩማ!!! ሳዕቤኑ ኸኣ እዚ ሕጂ ህዝቢ ዘጽንት፡ ጥፍኣት ሃገር ዘደንግት ዘሎ ኩነታት ምዃኑ እናረአና ስለ ዝዓወርና፡ እናሰማዕና ስለ ዝጸመምና፡ ክንግንዘቦን ከነወግዶን ጻዕሪ ኣይንገብርን ኣለና። ከምቲ ተሓቚኑ ልኻይ ዘየውጽእ ጸባ፡ ተዛሪብና ብግብሪ ዘይነፍሪ ዜጋታት ካብ ምዃን ንውጻእ። መጻኢ ወለዶ ዝረግመሉ ሓድጊ ሕልፈታት ነረክቦ ኣለና። ዓገብ! ዓገብ! ዓገብ! ንበላ ንነፍስና።

ጥዕና ናይ ገረብ ዝፍለጥ ኣብቲ መጋቢኡ ኣብ ሱሩ ኢዩ፣ ሰራውር እንተ ሓሚሙ፡ ጕንዲ ክጥዒ፡ ጨናፍር ኪዝርጋሕ፡ ኣቝጽልቲ ከጕላዕልዕል፡ ፍረታት ኪቕንጠብ ኣይኽእልን ኢዩ። ከምኡ`ውን ጥዕና ሓደ ሕብረተሰብ ዚልለ ኣብቲ መለለዪኡ ባህሉ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝልለ ናይ ኣማኢት ዓመታት ምዕሩግ ባህሊ ዝውንን ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ። ምእንቲ ናጽነት በረኻ ምስ ወፈረ ግን ኩሉ ተበኪሉ፣ በትሪ ሕጊ ኮይኑ። ክቡር ባህሉ እጥፊኡ ኢዩ ናጽነት ሒዙ ናብ ቤት ኣቲዩ፣ ፍትሒ ተዘሚታ ዘኽቲማ ዝኣተወት ናጽነት። እንተ ኾነ፡ ተቐበልትን ተግበርትን ሕድሪ ክንከውን ዝግብኣና ዝነበረ ህሉዋት ብጓይላን ከበሮን ፈንጠዚያን ተደፊንና ክብራ ኣይረአናዮን፣ ዝጐደላ ኣየስተብሃልናሉን። ናብታ ውሕስነት ህይወት ተረጋግጽ ሓርነት ከነሰስና ኣይከኣልናን። ሃገርና ጻህያይ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ በቚሉ ፍጹም ክሳብ ዝሓንቃ ትም ኢልና ርኢናያ፣ እንታይ ገዲሱኒ መግለጺ ዕለታዊ ህይወትና ጌርናዮ። ዘይዘራእካዮ ስለ ዘይዕጸድ ዝዘራእናዮ ኢና ንዓጽድ ዘለና። ከምቲ ኣብ እዋን ቃልሱ ንናጽነት ህንዲ፡ ማሃትማ ጋንዲ “ህዝቢ ዝበቕዖ መንግስቲ ኢዩ ዝረክብ“ ዝበሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኹሉ ጸልማት ኣድማሳዊ መሰልና እናተገፈፍና፡ ሃገርና እናዓነወትን እናጸነትናን ትም ብምባልና ዘምጻእናዮ መዓት ብምዃኑ ንዓና ዝበቅዕ ፋሺስታዊ ስርዓት ኢዩ ክንብል ኣየድፍርን ዲዩ? ንዓና ዘይብቅዕ እንተ ዝነብርከ ጻህያዩ ከይኣሾኸ ምሒና ምደርበናዮዶ ከይነበርና?

ኣብዚ ኪርሳዕ ዘይግብኦ ሓቂ ኣሎ። ዘለናዮ እዋን ዕጥቂ ንሓርነትን ፍትሕን ተዳኺሙሉ ዘሎ እዋን እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ እዋን ወጥሪ በተግ ኢሎም ንምልኪ ዝምክቱ፡ ኣብነት ትብዓት ኮይኖም በጃ ህዝቦም ዝሓልፉ ኣብ መላእ ዓለም ይረኣዩ ኢዮም። ካብ ርሑቕ ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ሃገር ቱኒዝያ፡ ኣንጻር ጭቆና ብውልቁ ተላዒሉ፡ ኣብ ኣደባባይ ብሓዊ ንህዝቡ ሞባእ ከፊሉ፡ ተቓውሞኡ ኣብ ሃገር ከይተሓጽረ፡ ናብ ሊብያን ግብጽን ዶም ጸጊሩ ባርዕ ምንቅስቓስ ዝፈጠረ ተኣምራታዊ ኣብነት ስርሳዕ ኣይኮነን። ኤርትራ ሃገርና`ውን ሰዓብቲ ደኣ ኣይረኸቡን እምበር፡ በዚ ኣብነት`ዚ ዝዝከሩ ናይ ቀረባ ጊዜ፡ ከም ወዲ ዓሊ፣ ኣቦና ሓጂ ሙሳ፣ ጅግናን ሓቀኛን  ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ካብ ሕምብርቲ ስርዓት ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንቓልሲ ዘበራብር መስዋእቲ ከፊሎም ኢዮም። ከምቲ ዘይልመድ ሞት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትን፡ ናይ ኣሽሓት ጥፍኣት ምድረባዳ ሰሃራን፡ ሲናይን፡ ማእከላይ ባሕርን ከም ልሙድ ዝተሰግረን ዝስገር ዘሎን፡ መስዋእቲ እዞም ኣብነታውያን ጀጋኑ እውን ከንቱ ኮይኑ ይሓልፍ ኣሎ። ለባማት ቀዳሞት ከምዚ ምስ ተዓዘቡ እኳ ኢዮም – “ናይ ምዉታት ይጽንሓልና፡ ናይ ሕልፈታት ይበኸ“ ዝበሉ።  ሕልፈታት ዝብል ቃል ብደውካ ናይ ሙማት ኮይኑ፡ ልዕሊ`ቲ ኣካላዊ ባህሪያዊ ሞት ዝኸፍአ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብረና። ምስ ተወለድካ ኣብ መዓልትኻ ሞት ዘይተርፍ ባህሪያዊ ጕዕዞ ኢዩ። እቲ ዘሕትት፡ ኣብ ከምዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ፡ ተምበርኪኽካ ትም ኢልካዶ ትመውት፡  ወይስ ደው ኢልካ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ንተጻባኢኻ በዲህካ ትኣሊ ኢዩ። እሞኸ ድኣ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ሎሚ ኣጐልቢቡና ዘሎ ህያው ሞት ምዃኑ ብኸመይ ንዝንግዖ ኣለና? ታሪኽ ኣይነኽፍእ! ሃየ ንበራበር!!!

ሕጂ`ውን ንጽልግልግ ፍጹም ከይጸልመተ ናብ ብርሃን ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። ንፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጠረ መጥፊእና ትርጉም ኣልቦ ፍልልያትን ጫሌዳዊ ቆይቊን ኣወጊድና፡ ብኽፉት ኣእምሮን ብመትከላዊ ኣተሓሳስባን ዘቲና፣ ኣብ ክንዲ ብጸቢብ ውድበይ ውድብካ፡ ብሃገርን ህዝብን ብምሕሳብ፡ ንሓደ ቅዱስ ዕላማ ብሓደ ድምጺ ምቅላስ ጥራይ ኢዩ ዝሓተና ዘሎ። ካብዚ ወጻኢ፡ ከም ዘይነበርና ምጥፋእ`ዩ። ጥዑይ ሕልናን ሓያል ሃገራዊ ኒሕን ዘሎዎ ኤርትራዊ ክጽመሞ ዘይግባእ መልመስቲ ኣእምሮን ሕልናን ኢዩ`ሞ፡ ንሕልፈታትና ብኣድማዒ ቃልሲ ኸተመ ንግበረሉ።

መንእሰያት ሃገር ንድሕነት ህዝቦም ፍትሒ ተዓጢቖም፡ ታሪኽ ቀዳሞት ስዒቦም ትንሳኤ ሃገሮም ህያው ዝገብሩ ይግበሮም!!!

 

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ግብራዊ መጎስን ክብርን ንስዉኣትና!!!

ጥቅምቲ 16፡ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde October 18, 2018

    Honorable Mr. Ogbay I wish you a robust health so that you can continue writing messages that inspire and infuse sense into the soul of every Eritrean.Fact is,the tyrant might have clouded the Eritrean mind for now,but the fundamentals of our fathers and forefathers legacy that was instilled in us still remains intact deep in our conscience,and yes,your priceless articles and quaint originality proves that.Lets not take rare prudent citizens like Mr. Ogbay for granted.

  • Ogbai Ghebremedhin October 18, 2018

    K. tewolde,
    Thank you for your consistent kind comments.

POST A COMMENT