Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቦይ ደምሃይ! ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት፡ ዕላል ሓደ ኤርትራዊ ወላዲ!

ኣቦይ ደምሃይ!   ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት፡ ዕላል ሓደ ኤርትራዊ ወላዲ!   ቀዳማይ ክፋል፥   'ደሓንዶ ውዒልኩም ኣቦይ ደምሃይ?' "እግዚኣቢሄር ይመስገን! መዓልካ ዝወደይ?" 'ደሓንዶ ኣለኹም? ከመይ ኣለኹም

ኣቦይ ደምሃይ!
 
ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት፡ ዕላል ሓደ ኤርትራዊ ወላዲ!
 
ቀዳማይ ክፋል፥
 
‘ደሓንዶ ውዒልኩም ኣቦይ ደምሃይ?’
“እግዚኣቢሄር ይመስገን! መዓልካ ዝወደይ?”
‘ደሓንዶ ኣለኹም? ከመይ ኣለኹም…’
“እዋይ! ኣንታ ወዲ ሃብታይ ዓርከይ ዲኻ!? መዓስ ደኣ መጺእካ? ደድ…ደሓንዶ ኣለኻ? ከመለኻ?” እናበሉ ጠዊቖም ምስ ተሳዓሙኒ ኣቦይ ደምሃይ፡ ቅልጥፍ ኢሎም ኣብታ ኣብ ፊቶም ዝነበረት ብላይ ኣጐዛ ዝተነጸፈታ መደብ፡ ኮፍ ንኽብል ሓበሩኒ። ‘ሕራይ ኣቦይ ደምሃይ መዓረይ፡ ከመይ ኣለኹምከ? ጽቡቕ ኣለኹም እምበር ኣይኣረግኩምን!’ ምስ በልኩዎም ፍሽኽታ ኣሰንየ፥
 
“አይ! ኣሪግና’ባ ወይለቦኻ! ትልኽ ንብል ኣለና’ምበር! መዓስ ደኣ መጺእካ?” በሉኒ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱ፡ ንሶምውን ፍሽኽታ ኣሰንዮም።
‘ሰሙነይ ጌረ’
“ሕራይ ግርም! እሞ ብደሓንዶ መጺእካ?”
‘እወ። ደሓን’የ። ብሰላም መጺአ’
“ሊላይ ዝወደይ፡ እንቋዕ በል ብደሓን መጻእካ! ዓመት ዓመት ስለ ትመጽእሲ፡ ዝሓለፈ ዓመት ጊን ከምዘይመጻእካ ምስ ኣስተብሃልኩ፡ ነዛ ሰይቲ ሓውካ ተወኪሰያ ኔረ፡ ‘ነፋሪት ስኢኑስ ሎሚ ዓመት ኣይመጸን’ ኢላትኒ፡ ሓቃ ድያ ኣየር ስኢንካ ተሪፍካ?”
‘እወ። ጽቡቕ ኣላ፤ ነፋሪት ስኢነ’የ ዘይመጻእኩ!’
“እዋእ!  ኣንታ እተን ኣየር ናይዞም ጸዓዱኸ ከምዘን እቶቡስ ናይ ዓድናድየን ዝሰኣና!?”
‘ኣይ! ምስኣን’ኳ ኣይሰኣናን’የን ግን እታ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ካብ ሃገረ ጀርመን ናብ ሃገርና ብዘይጸገም ተመላልሰና ዝነበረት ‘ሉፍታንዛ’ እትብሃል ነፋሪት ጀርመን፡ ብሃንደበት ጉዕዞኣ ደው ስለ ዘበለት’ዩ እቲ ጸገም ተፈጢሩ’ምበር ስለ ዝሰኣና ኣይኮነን!’
 
“እንታይ ረኺቡዋ ደኣ ብሃንደበት ስራሓ ኣቋሪጫ ወደይ?”
‘ምኽንያት ምቁራጻስ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣይፈለጥናያን!’
“እዋእ! ትም ኢልካዶ ብዘይሓበሬታ ህጥም ይብሃል’ዩ!? ሓላፍነት የብሎምንድዮም? እዚ ናይ ሃገርና መንግስቲኸ ሓበሬታ ኣይሃበኩምንድዩ?”
‘ኦይ! መንግስትና ደኣ ‘ሓበሬታ ምሃብ ባህልና ኣይኮነን’ እናበለ ንህዝቡ ሓበሬታ ዘይህብ!’
“ክላ ስቕ በል! ባህሉ ኣይትሕሽ! እንታይ ባህሊ ኣሎዎ ደኣ እዚ መንግስቲ’ዚ ወደይ!? እቲ ካብ በረኻ ሒዙዎ ዝመጸ ባህሊ ሕሰምን መከራንድዩ?” ምስ በሉኒ ቁጥዕ ኢሎም፡ ርእሰይ ደፊአ ትም በልኩ’ሞ፡ ኣቦይ ደምሃይ ዘረባኦም ብምቕጻል፥
 
“ስማዕ እስከ ዝወደይ? ንህዝብኻ ዘድሊ ግቡእ ሓበሬታ ምሃብ ገዲፍካ፡ ጸገማት ዓዲ ሃገር ኣራሪኻ እናኣምጻእካ፡ ‘ኣብ ዓዲ እከለ ብዝተፈጥረ ናይ ዝናብ ዕልቕልቕ ክንዲ ሰብ ሞይቶም፣ ኣብ ዓዲ ኩስቶ ብዝተፈጥረ ባርዕ ሓዊ ክንድዚ ሰባት ሃሊቖም! ወዘተ.’ እናበልካ፡ ብመራኸቢ ብዙሃንካ ንህዝቢ ኤርትራ ሕሰምን መከራን ህዝቢ ዓለም ዘሐጉሶ ክመስል፡ ብስራት ተረኺቡለይ ያኢ ስቓይን መከራን ዓዲ ሃገር ክትነግር ላሕ ካብ ትብልሲ፡ ንህዝብኻ ኣድላዪ ሓበሬታ ዘይትህብ!  ዚብሎዶ ስኢኑ ኣታ? ባዕሉ ዝፈጠሮ ክንዲ ዕጽፊ’ቲ ተፈጺሙ ዝብለና፡ ሕሰምን መከራን ኣብ ሃገርና ከሎስ ብዛዕባ ተፈጥራዊ ሽግርን መከራን ዓለም፡ ወግሐ ጸብሐ ክነግር ዓንገረር ምባልከ እንታይ ይጠቅም ኣታ!?” ብምባል፡ ኮራርምቶም እናሓርቀሙ ነዲሮም ምስ ተዛረቡኒ፡ ክሳደይ ኣቕኒዐ ጠመትኩዎም እሞ፡ ጅማውቲ ገጾም፡ ልክዕ ሓመዱ ብውሕጅ ዝተባሕጎጐ ሰራውር ገረብ ክመስል፡ ናብ ኩሉ ሸነኻት ተገቲሩ ምስ ረኣኹዎ፡ ‘ጽቡቕ ኣለኹም ኣቦይ ደምሃይ መዓረይ፡ ጻሕልኻ እናቀርዓነ ጻሕሊ እንዳማትካ ሙዃስ ጾምካ ከሕድረካ እንተዘይኮይኑ ኣየድርረካን’ዩ! ግን እንታይ’ሞ ይገበር! ኣብዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ኮይኑ ናትና ነገር ኣቦይ ደምሃይ!’ ምስ በልኩዎም፥
 
“ዝግበር ነገርስ’ወ የለን። ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ደኣ ባዕሉ ምሕረቱ ይልኣኸልና’ምበር ከምዚ ኢልካስ ኑሮ ኣይኮነን ዝወደይ! ጸላኢና ተፈላልዩ ይንበር! ደቂ ኤለትርያ ድሕሪ ናጽነት ኣይጠዓመናን! ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና፡ ተፈላሊና ብናፍቖት ንነብር ኣለና! ኣንታ ትማሊ እንዶ ግዳ ብሰንኪ’ዚ ርጉም ሰብኣይ ምስ መርሃይ ዓርከይ ተባኢሸልካ!” ብምባል፡ ሃንደበት ነቲ ኣሲሮሞ ዝነበሩ ጅማውቲ ገጾም ፈቲሖም ፍሽኽ በሉ።
 
‘ምስ ኣቦይ መርሃይ ደኣ እንታይ ኣባኢሱኩም?’ ሓተትኩዎም ኣነውን ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትኩ።
“ኣንታ ወደይ፡ ያኢ እዚ መራሒና ልቢ ሰብ ዘሎዎ መሺሉኒስ ሓንቲ ነገር ክገብር ይሓስበልካ። ኪኪኪኪኪ…” ኢሎም ኣብ መንጎ ዘረባኦም ምስ ሰሓቑ ኣቦይ ደምሃይ፡ ኣነውን ምሳኦም ሓቢረ ፍሽኽ በልኩ።
“ሙኻን እዛ ትሪኣ ዘለኻ ጠንቃም ራድዮ እያ መምጽኢት ነገር!” ብምባል፡ ናብታ ኣብ ጎድኖም ዝነበረት ንእሽቶይ ራድዮ እናኣመልከቱ እንደገና ሰሓቑ። ‘ራድዮ ደኣ ከመይ ኢላ?’ በልኩዎም ኣነውን እናሰሓቕኩ።
 
“ብኣምሆይ ምስዛ ሰይቲ ወዲ ወደይ፡ ብሓደ ወፊርና ኣብ ግራትና ጣፍ እናዓጸድና ከለና፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ዝኾና፡ ሓደ ዝመልክዐን መኻይን ሃንደበት መጺአን፡ በዛ ወሰን ግራትና ሽውሽው ኢለን፡ ደሮና ደፊናና ምስ ሓለፋ፡ እዋእ! ኣንቲ ጓለይ፡ እንታይ ዝኾና መኻይን ድኣ’የን እዚኣተን ኣዒንትና ሓመድ ደፊናና ዝሓለፋ? ኢለ ነዛ ጓለይ ይሓተልካ፡ ንሳ ኸኣ ‘ናይ ፕረዚደንተ ኣሳያስ እየን ኣቦይ’ ትብለኒ። እዋእ! ኣሳያስ ደኣ እንታይ በዚ ግራተይ ዘሐልፍ ኣለዎ!? ይብላ ነገራቱ ገሪሙኒ። እዛ ጓለይ ትቕብል ኣቢላ፡ ‘ናብ ዲጋ ዓዲ ሃሎ’ዩ ዚኸይድ ዘሎ ኣቦይ’ ትብለኒ እናሰሓቐት።
 
ናብ ዲጋ ዓዲ ሃሎ ደኣ እንታይ ኪገብር? እንተበልኩዋስ፡ ‘እቲ ዲጋ’ኮ ንሱ’ዩ ዘሀንጾ ዘሎ!’ ትብለኒ ማለት’ዩ። ገሪሙኒ!  ኣንታ ወደይ፡ እዚ ሰብኣይሲ እንታይ ድዩ ምህሮኡ!? ሓጽብን ጽርግያን ዚሰርሕ መሃድስ ባዕሉ! ኣባይቲ ሰሪቱ ዚሃንጽ ባዕሉ! ኪኢላ ሕርሻ ባዕሉ! ወንጭፍ ዘይሓዘ’ምበር ሓላዊ መሸላ ባዕሉ!  ፈቐዶ ሕርሻ እናዞረ፡ ዘይግራቱ ዚኾልል ኣባ ጉምባሕ ንሱ! ንዱፍ ስድቢ (ቅዋም) ቀቲሉ፡ ሓድሽ ስድቢ ዚነድፍ ኪኢላ ሕጊ ባዕሉ! ዳኛ ሃገር ባዕሉ! ኲናት ዚመርሕ ጀነራለ ባዕሉ! እዋእ! ኩሉ ባዕሉ! ክንደይ ክፍሊድዩ ተማሂሩ ኣንታ!? ኣብ በረኻ ኣብ ገድሊዶ ኣይኮነን ኔሩ? መዓስ ኣርኪቡሉ እዚ ኩሉ ምህሮ!? እቲ ከም መራሕ ሃገር ምስ ዓለማት ርክብከ መዓስ የርክበሉ?” በሉኒ ኣቦይ ደምሃይ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱ ብምግራም።  
 
‘እዚኣስ ንኣይውን ትገርመኒ’ያ ኣቦይ ደምሃይ መዓረይ! ግን ብተመኩሮ ከይከውን በጺሑዎ! ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት እኮ’ዩ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ዘሎ! ምስ  መራሕቲ ዓለማት ከኣ ብሰንኪ’ቲ ፈንጠጋር ጠባዩ፡ ዋላ ሓደ ዝራኸቦ መራሒ የብሉን!’ በልኩዎም ፍሽኽ ኢለ።
“ሓቅኻ ኢኻ ንሱ’ዩ ዚኸውን’ወ፡ እዛ ሃገር ኣብ ክንዲ ብምሁራት ትመሓደርዶ ብምኩራት ጓሶት እናኣመሓደረ በሰሮ ጌሩዋ ኣየሎን! ኣየ’ባ ክዕበዩልካ ኣብቱ ቤት ጽሕፈቶም ኮፍ ኢሎም እንተ ትርእዮም! ምንም ኣፍልጦ ዘይብሎም ባጊራት (ፍጹም ድሑራት) ክነሶም፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ካብ ጥንቱ ጥቅምቱ ብሕግን ፍትሕን ዝመሓደር ዝነበረ ጭዋን ንቑሕን ህዝቢ ተገቲሮም፡ ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ‘ኣታ ሰብኣይ፣ ኣቲ ሰበይቲ’ እናበሉ ክዝንጥሉ ከለዉ ክጽልኡኻ! ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ጠበንጃ ተሰኪሞም ናብ ጸላኢ ቦምባን ዓረርን ስለ ዝሰንደዉስ ልዕሊ’ቲ ንቑሕ ህዝቢ ንቑሓት ኮይኖም ያኢ፡ ወግሐ ጸብሐ እናኣከቡ ‘ንቕሓትኩም ክብ ኣብሉ!’ እናበሉ እልበትና (ሓሳረ መከራና) ክብ የብሉዎ ኣለዉ! ኣንታ ወደይ ከይተፈለጠኒዶ ናብ ካልእ ኣላግሸካ? ናብታ ዝጀመርኩልካ ምስ ዓርከይ መርሃይ ዘባኣሰትና ጉዳይ በል ክመልሰካ” ብምባል፡ እንደገና ፍሽኽ በሉኒ።
 
“ከምቲ ዝበልኩኻ ‘እዘን መኻይን ናይ ፕረዚደንተ እየን’ ምስ በለትኒ እዛ ጓለይ፡ ሓንቲ ነገር ሓሰብኩልካ”
‘እንታይ ሓሲብኩም ኣቦይ ደምሃይ?’ በልኩዎም ኣነውን ህውኽ ኢለ።
“ከምቲ “ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ዑና ዓዲ ኣርእዮ።” ዚብሃል ዝወደይ፡ ኣነውን ፕረዚደንተ ኪምለስ ከሎ ተጸብየ፡ ንሱ ደቅናን ደቂ ደቅናን ስለ ዝመንጠለና፡ እቤራት (ሽማግለታት) ወለዲ ብርክና ዓጺፍና ብጥምየት ከይንመውት ምእንቲ፡ ምርኩስ ተደጊፍና፡ ሰለይ እናበልና፡ ኣእካልና ክንእክብ ንወፍር ከም ዘለና ማለት፡ ሕልፈትና ብግብሪ ከርእዮ’ሞ፡ ‘ኣነ ደቆም ኣብ በረኻ ስለ ዘስፈርኩሎም እኮ’ዮም እዞም ወለዲ፡ ኣብ ግዜ እርጋኖም ከዕርፉ ዝግብኦም፡ ናብ መሮር ዝወፍሩ ዘለዉ ኢሉ ብምድንጋጽ፡ ገለ መፍትሒ እንተ ኣምጸኣልና ኢለ ሓሲበ፤ ነዚኣ ንኽፍጽም ከኣ ምሉእ መዓልቲ ተጸብየ፡ ኣማስይኡ መኻይን ፕረዚደንተ ብማዕዶ ተመራሪሐን ክመጻ ምስ ረኣኹወን፡ ነታ ብጸጋማይ ኢደይ ተደጊፈያ ዝነበርኩ ምርኩሰይን ነተን እዛ ጓለይ ዝዓጸደተን’ሞ ብየማናይ ኢደይ ዘገብልወን (ዝእክበን) ዝነበርኩ እንዳእትን (ሓደ ሕቋፍ እተዓጽደ እኽሊ) ደርብየ፡ ብድኻም ጣዕ ከም ዝበልኩ ከርእዮ ኢለ፡ ብክልተ ኢደይ ሕቖይ ደጊፈ፡ ንድሕሪት ገጸይ ምስ ተጠላዕኩ፡ ከይተፈለጠኒ ንድሕሪት ገጸይ ፍንሽር ኢለ ይወድቀልካ። ሻቡ ኣበይ ከም ዝጸንሐት ሰራም ጽንጽሕለ፡ ኣብዛ ሱር መቐመጫይ ስለ ዝወቓዓትኒ፡ እነኹልካ ሰሙነይ ሕቖይ ተታሒጀ!” ብምባል ምስ ኣዕለሉኒ፡ ዋላ’ኳ በቲ ዝሰርሑዎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ድራማ ተደኒቐ ክስሕቕ እንተደለኹ፡ ‘ወዲቐ ሕቖይ ሓሚመ’ ምስ በሉኒ ግን ኩነታቶም ልበይ ስለ ዝተንከፈኒ፡ ገጸይ ብሕርቃንን ድንጋጸን ተቐያይሩ፡ ርእሰይ ደፊአ ኣስናነይ ሓርቀምኩ።
 
‘እዋይ! እሞ ደሓንዲኹም? ሕክምናኸ ተራኢኹማዶ?’ ምስ በልኩዎም እንደገና ክሳደይ ኣቕኒዐ ከኣ፡
“ደሓን’የ። ሕጂ ደኣ ገዲፋትኒ እንድያ፤ ሓውየ እየ። ትማሊ፡ እዛ ትርእያ ዘለኻ ሰራም ራድዮ ‘ፕረዚደንተ ኣሳያስ ንረቡዕ ቃለ መሕተት ከካይድ’ዩ’ ክትብል ምስ ሰማዕኩዋ ከኣ ግርም፡ ገለደኾን ናይዛ ብኣምሆይ ብዓይኑ ዘርኣኹዎ ሽግርና መፍትሒ ይዛረብ ይኸውን ኢለ ክሰምዖ ተሃንጢ’የ ቀንየልካ። ሰዓት ሸሞንተ ቅድሚ ምእኻላ ከኣ ዓርከይ መርሃይ ቈልዓ ልኢኹ ‘ንዓ ስዋ ስተ’ ስለ ዝበለኒ፡ ነዛ ትሪኣ ዘለኻ ባትሪ ጸሓይ እናጸለኹ ዜና ዝሰምዓላ ራድዮ ሕጀ ናብ እንዳ መርሃይ ዓርከይ ከይደልካ።
 
እታ ሰይቲ ስውእ ወዱ ወሓለ’ያ ክገርመካ! ትሕዞኣ ሙዉት ተንሲኡ’ዩ ዚበልዖ! ብዓል ቤታ ክልተ ቈልዑ ገዲፉላ ኣብዙ ምስዞም ጎረቤትና ዝተገብረ ኲናት ስለ ዝተሰውአ ደኣ ምስክነይቲ! ዓለም መበት ኮይና ተሕልፎ ኣላ’ምበር፡ ኣዝያ ንፍዕቲ’ያ! ሻቡ ሰዓት ሸሞንተ ምስ ኣኸለ  ኣነን ዓርከይ መርሃይን ጥዑም ስዋኣ እናሰተና፡ ነዛ ራድዮ ከፊትና፡ ቃል ፕረዚደንተ ምስማዕ ንጅምረልካ፡ ኣብቲ ፈለማ’ኳ ብዛዕባ ምንታይ ይዛረብ ከም ዝነበረ ምርዳእ ስለ ዝኣበየና ንኣኡ ገዲፍና ኣብ ዕላልና ኢና ኣቲና ኔርና፡ ሃንደበት ግን እቲ ሓታቲ፡ ብዛዕባ ምዕጣቕ ህዝባዊ ሰራዊትን እዋን ቀውዕን ምስ ሓተቶ፡ ‘ዝግ በል ዓርከይ መርሃይ! ኣብዚኣ ኣቐዲመ ንሰሙን መመላእታ ዘሐንከሰትኒ ንእሽቶይ ስራሕ ሰሪሐላ ስለ ዘለኹ ጽን በል ኣስመዓና!’ ምስ በልኩዎ፡ ዓርከይ መርሃይ፡ ኣነ ኣቐዲመ እንታይ ከም ዝገበርኩ ስለ ዘይተረድኦ፡ ተገሪሙ ናባይ እናጠመተ፡ እዝኑ ምሳይ ናብዛ ራድዮ ጸለወ።
 
ኤእ! ኣይሰማዕ’ዩ! ከምዚ ዝበለ ዓይራ (ጭርቃን) ብህይወት ደቂ ሰባትዶ ኣሎ’ዩ ወደይ! ኣንታ፡ ልቢ ሰብ ዘይብሉ ኣራዊትዶ ይገዝኣካ’ዩ!? ሽማግለታት ደቂ ሰማንያን ሓሙሽተን፣ ሰማንያን ሸውዓተን፣ ደቂ ተስዓ ከምኡውን ኣደታት ናብ መሮሮ ወፊሮም ክሰርሑ ምርኣይ ከም ዘሐጉሶ ከይሓፈረ ምስ ገለጸ፡ ትሩፍ ድሕሪ ደጊም! ካብዚ ሰብ’ዚ ፍጹም ድንጋጸን ተስፋን የለን! ኣይወግሓልናን’ዩ! ኢለ ጸርጸር ምስ በልኩ፡ ዓርከይ መርሃይ ኩነታተይ ምርዳእ ኣብዩዎ፡ ‘ኣንታ ዓርከይ እንታይ ኢኻ ኴንካ? እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻኸ? እንታይ ኢኻ ጌርካ?’ እናበለ ተረቢጹ ይሓተኒ’ሞ ኣነ ኸኣ ሰቲረያዶ ትም ይበል፡ እታ ዝገበርኩዋ ኩላ ይነግሮ።
 
‘ክላ ግደፈና ዓርከይ ደምሃይ! ሕማቕ መዓልቲ ውዒልካ! ኣይንስኻ እንዲኻ ደኣ’ሞ መፍትሕ ሽግርና መሊስካ ረጊጥካዮ! ንጸገማትና መሊስካ ጸገም ወሲካሉ! እሳያስሲ ያኢ ድኻምካ ርእዩ ክድንግጸልካ! ብሂል ወለድና ዘንጊዕካዮ ኣለኻ ደምሃይ ዓርከይ፡ “እፈትወካ’የ እናበለ ዝጸልእ፡ እጸውም ኣለኹ እናበለ ዝበልዕ፡ እህብ’የ እናበለ ዝኸልእ፡ እዝጊ ነዚኦም ይጸልእ!’ ዝበሉዎ’ኮ ንከም ብዓል እሳያስ ዝኣመሰሉ ናይ ዘረባን ናይ መብጽዓን ጨለታት ንምግላጽ ሙዃኑ ዘንጊዕካዮ?’ኢሉ ርእሲ ርእሰይ ምስ በለኒ፡ በዚ ዕቡይ መራሒ ሓፊረን ተዋሪደን ትም’የ ዝበልኩልካ!” ብምባል፡ ርእሶም ደፊኦም ዝን ምስ በሉ ኣቦይ ደምሃይ፡
 
 ‘ኖኖ ኣቦይ ደምሃይ መዓረይ፡ ደሓን ከምኡ ኣይትበሉ። ብሰንክኹም ኣይኮነን ከምኡ ኢሉ። ንሱ ብተፈጥሮኡ ጨካን ስለ ዚኾነ’ዩ። ወረ እንታይ ህጹጽ ነገር ስለ ዝተረኽበ’ዩ ሕጂ ድሕሪ 23 ዓመታት፡ ሽማግለታት ብግዲ ዘዕጥቕ ዘሎ!? ሕጂ ንሓደ ክልተ ወርሒ ዘየጸቢ ህውኽ ተዓሊምከ ንምንታይ ኣድለየ? ናይ ኲናት ሓደጋ ከምዘየሎ ባዕሉ ገሊጹዎ’ዩ። እንተ ደኣ ናይ ኲናት ሓደጋ እንተዘየልዩኸ ደቆም ኣብ በረኻ ሰፊሮም ከይኣክል እንደገና ንወለዲ ብረት የሐንጊጥካ፡ ‘ብህጹጽ ናብ ታዕሊም ውረዱ!’ ምባል፡ እሞ ኸኣ ንኣዋርሕ ዝጸዓሩሉ ቀለብ ዓመቶም፡ ምህርቶም ከይሓፈሱ፡ ‘ያላ እኽልኹም ይጓሓፍ ግደፉዎ!’ ብምባል፡ ‘ተበገሱ!’ እናበለ ዝህውኾም ዘሎስ ንምንታይ እዩ!?’ በልኩዎም ዕትብ ኢለ።
 
ኣብ ካልኣይ ክፋል ይቕጽል…
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-01-2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Ghebrehans T. January 12, 2015

    Haw Messinas,
    Your article reminds me of a weird Amhara tradition. When somebody dies in an Amhara society instead of leaving the relatives and friends to grieve calmly and genuinely they would hire a professional mourner called “Alakashe” who is not related or even knows the deceased person, but with help of sketchy biography the Alkashe will use his/her usual tricks of professional to steer some emotion and make the people gathered cry. Your effort in your article represents such a banal act. As many of your vociferous articles this one is still one dimensional. We wait and see your second part Mr Messinas.

  • med January 12, 2015

    Amusing article Haw Mesinas! what u said is exactly what the dictator is doing. Overall it is our weakness he is doing his dream job to extinct Eritreans and to diminish the hope of our society. Lets try to hold each other to save the nation I think the time is ticking for completion of our hope to wrads the end. If we are not acting now I think we will regret and mourn for ever.

  • Berhane January 14, 2015

    Hawena Mesinas,

    You have expressed the feeling of all Eritreans!!! Any Eritreans feeling is the same way. Indeed a great explanation. Proud to have somebody with you caliber in being a voice to the voiceless people… Keep up the good work.

  • Sawaforto January 18, 2015

    Esaias(JEMSPON)POLPOT Nefahito his oll

POST A COMMENT