Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቦይ ደምሃይ! ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥

ኣቦይ ደምሃይ!   ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥   እንታይ ህጹጽ ነገር ስለ ዝተረኽበ'ዩ ግን ሕጂ ድሕሪ 23 ዓመታት፡ ሽማግለታት ብግዲ ዘዕጥቕ ዘሎ!? ሕጂ ንሓደ ክልተ ወርሒ ዘየጸቢ ህውኽ ተዓሊምከ ንምንታይ ኣድለየ? ናይ ኲናት ሓደጋ ከምዘየሎ ባዕሉ ገሊጹዎ'ዩ። እንተ ደኣ

ኣቦይ ደምሃይ!
 
ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥
 
እንታይ ህጹጽ ነገር ስለ ዝተረኽበ’ዩ ግን ሕጂ ድሕሪ 23 ዓመታት፡ ሽማግለታት ብግዲ ዘዕጥቕ ዘሎ!? ሕጂ ንሓደ ክልተ ወርሒ ዘየጸቢ ህውኽ ተዓሊምከ ንምንታይ ኣድለየ? ናይ ኲናት ሓደጋ ከምዘየሎ ባዕሉ ገሊጹዎ’ዩ። እንተ ደኣ ናይ ኲናት ሓደጋ እንተዘየልዩኸ ደቆም ኣብ በረኻ ሰፊሮም ከይኣክል፡ እንደገና ንወለዲ ብረት የሐንጊጥካ፡ ‘ብህጹጽ ናብ ታዕሊም ውረዱ!’ ምባል፡ እሞ ኸኣ ንኣዋርሕ ዝጸዓሩሉ ቀለብ ዓመቶም፡ ምህርቶም ከይሓፈሱ፡ ‘ያላ እኽልኹም ይጓሓፍ ግደፉዎ!’ ብምባል፡ ‘ተበገሱ!’ እናበለ ዝህውኾም ዘሎስ ንምንታይ እዩ!?’ በልኩዎም ዕትብ ኢለ።
 
“ኣንታ ወደይ “ኣይትብከዪ እንድዩ ዘብክየኒ ዘሎ በለት ሰበይቲ” ድዩ ዚብሃል፡ ዘይንሱ ደኣ እንታይ የጨንቐና ኣሎ? ንህዝቢ ሽግር ኣብ ርእሲ ሽግር ኪፈጥር ከይደቀሰ ዚሓድር መራሒ ሒዝካ’ሞ ከመይ ጌርካ’ዩ ክቕሰን!? ንሱ’ኮ ኣግሂዱ ነጊሩና’ዩ! ‘ንኣይ ዘገድሰኒ ዋላ ብኣፍጾምኩም ብረት ተሓንጊጥኩም፡ ብስም እዛ ሃገር፡ ስልጣነይ ክትሕሉዉለይ’ምበር ውራይ ከብድኹምን ዕንጋለ ስድራኹምን ኣይኮነን!’ ኢሉና እኮ’ዩ ብንጹር ቃላት!
 
ኣንታ ከምቲ ግቡኡስ’ኮ እቶም ደቂ ከተማ ኣብ እርጋኖም፡ እቲ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዘዋህለሉዎ ናይ ስራሕ መልዕሎ (ጡረታ) ክጥውሮም፡ ንኣና ነዞም ኣብ ገጠር እንነብር ዘለና ከኣ እቶም ላዕልን ታሕትን ኢልና፡ ምስ ኣእዱግን ኣብዑርን ተጓይና፡ ድንኩል ደፊእና ዘዕበናዮም ደቅና ከብርዩና እኮ’ዩ ዝግባእ ኔሩ! ብሰንኪ’ዚ ርጉም ስርዓት’ዚ ግን ኣይ እቶም ደቂ ከተማ መልዕሎኦም ረኺቦም ተጠዊሮም፡ ኣይ ንሕና ደቅና ኣብሪዮሙና ኣዕሪፍና፡ ኩልና ክሳዕ ሞት ካብ ዓለም ትፈልየና፡ ድራር እለትና ንምምእራር ኣብ እርጋንና ደርገፍ እናበልናስ፡ እንደገና ጠበንጃ ኣብ ዝባንና፡ ምርኩስ ኣብ ኢድና ሒጅና ክንዲ ዕረፍትና ከርተት ክንብል ኣታ! ነዚ ዘይሓልፍ መከራ’ዚ ከነሐልፍ ኢሎምድዮም ደቅና ሓሊፎም ኣታ!? “ካብ ርጉም በቕሊስ ምሩቕ ኣድጊ ይሃበና!” ዝበሉዎ ወለድና’ኮ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼስ ሰብ ምስ ረኸቡ’ዮም።
 
ደሓን ግን ግዲ የብልካን! ነዚ እኩይ ስርዓት’ዚ፡ ዓዲ ምሉእ ብሓደ ኴንና ክንምክቶ ተመሓሒልናሉ ኣለና! ደጊም ከም በጊዕ ተኾብኲቡ ናብ ዘርሓወሉ ደምበ ዝኣትወሉ ሰብ የለን! ዋላ ሓደ ሰብውን ይኹን ጠንቀስ ኢሉ ከይከይድ ተሰማሚዕና ኢና! ስረ ፈቲሑ ዚኸይድ እንተተረኺበ ኸኣ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ባይቶ ዓዲ ‘ፎ!’ ክንብሎ ሙዃንና ንዓዲ ምሉእ ተወጁ’ዩ! በዚ ቆሪጽና ወሲንና ስለ ዘለና፡ እዚ ርጉም ስርዓት ዝጸውዐ እንተ ጸውዐ፣ ዘፈራርሐ እንተ ኣፈራርሐ ድሕሪ ደጊም  ርእሱ ዘድንነሉ ሰብኣይ የለን! እታ ዝገብራ ይግበራ! ካብ ‘ስድራኹም ደፊንኩም ናብ በረኻ ውፈሩ!’ ዚብል ጨካን ሓላፍነት ዘይብሉ ስጉምቲ ንላዕሊ እንታይ ከይገብር’ዩ! ኣንታ ወደይ ከምዚ ዚበለ መንግስቲ’ኮ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን’ዩ!
ርኢኻ ኣለኻ ዝወዲ ሓወይ፡ ኣነ ኣቦኻ ከምዚ ትርእየኒ፡ ሳላ ምርቓ ወለዲ ዝረኸብኩዎ ናይ ዕድመ ጸጋ ተጠቒመ፡ ኣብዘን ዘሕለፍኩወን ናይ መግዛእቲ ዓመታተይ፡ ብዙሓት ጨካናትን ገፋዕትን መንግስታት ርእየ እየ’ሞ ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ስርዓት ግን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን’ዩ! ካብ ጥልያን ጀሚርካ ኩላቶም ባዕዳውያን ገዛእትና፡ ዋላ’ኳ መሰልን ናጽነትን እንተ ነፈጉና፡ ብከብድና ግን ሒጆሙና ኣይፈልጡን’ዮም! እዚ ዳሕረዋይ ገዛኢ መን ኢኻ ትብሎ? ስሙ እካ ጠፋኣኒ ስሙ ትሸረብ! እእእ…” ኢሎም ክዝክሩ ኣቦይ ደምሃይ ንላዕሊ ገጾም ምስ ኣንቃዕረሩ፡ ‘መንግስቱ ሃይለማርያም ድዩ?’ በልኩዎ’ሞ ፍሽኽ ኢለ።
 
“ረኺብካዮ ስምካ ትረኸብ ዝወደይ። እወ ንሱ። ክገርመካ! እቲ ብደቅና ኣብ ኲናት ተሳዒሩ ተረፍ ሕርቃኑ ሕነ  ክፈዲ ኢሉ ብኣልማማ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ግፍዕን መቕተልትን ስጉምቱ ገዲፍካ ብኻልእስ ካብዚ እኩይ ጸላም ተጎልቢቡ በብሓደ ዘጽንተናን ዝበታትነናን ዘሎ፡ ወዲ ላምና ኢልና ብእልልታ ዝተቐበልናዮ ሰብኣይስ ኣጸቢቑ ንሱ ይሓይሽ ኔሩ’ዩ ዝወደይ! እዚ’ኮ መዘና የብሉን! ፍጹም ኣራዊት’ዩ!” በሉኒ ብናብራኦም እናስተማሰሉን ኣመና እናኣማረሩን ኣቦይ ደምሃይ። ‘ደሓን ኣቦይ ደምሃይ መዓረይ ከምኡ ኣይትበሉ፡ ኩሉ ክሓልፍ’ዩ!’ ከም ዓለምና ንቡር ህይወት ንንብረሉ እዋን’ኮ ክመጽእ’ዩ!’ ምስ በልኩዎም ከኣ፡
 
‘ይበሎ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ዝወደይ! ወዲ ሓላላት ኢኻ’ሞ ኣፍካ ይስዓር! ይፍጠረልና! ስድራ ቤት ተጠራኒፍና፡ ቀሲንና ብሰላም ንነብረላ እዋን ጥራይ ትምጻኣልና እምበር ዋላ ጾምና ንሕደር ዝወደይ! ምፍልላይ እዩ ክፉእ! ኣባይና ተፈላልዩን ሰንፈላል ኮይኑን ይንበር! ብሰንኪ እዚ ርጉም ስርዓት ሰንፈላል ኴንና ንነብር ኣለና! እዚ ሕልፈት’ዚ ሓሊፉ እንተ ኣርእዩና ፈጣሪና ደኣ እንታይ ዘይሃብካና ክንብሎ ዝወደይ! እንተ ህዝቢ ከም ልማዱ ሆ ኢሉ ጨቋኒኡ ንምግጣም ከይላዓል፡ “ላም እሳትወለደት፡ ከይትልሕሶ ነደደት፣ ከይትገድፎ ወለደት፣ ብኹሉተገደደት።” ኮይኑዎ ነገራት፡ ዝገብሮን ዝብሎን ጠፊኡዎ፡ ብዓቕሊ ጽበት ዒሕ እናበለ ክጽዓር ይነብር ኣሎ! ኣንታ መዓር ወደይ፡ በዚ ኣብዛ ራድዮ ቀጻሊ እንሰምዖ ዜና ግን ንስኻትኩም እዞም ኣብ ደገ ትቕመጡ ዘለኹም ደቂ ሃገር ኢኹም፡ ‘ኣጆኻ እናበልኩም ነዚ ዝሩግ ስርዓት ተሻድንዎ ዘለኹም እምበር ኣብዚ ሃገር ዘሎናስ ብዘይካ ውሑዳት ሰብ ድግሱን ኣሳሰይቱን፡ ኩልና ቀደም ካብ ልብና ኣውጺእና ቀቢጭናዮ ኢና!” በሉኒ ኩነታተይ ንምምዛን ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱ።
 
‘ኖኖ! ከምኡ ኣይኮነን ኣቦይ ደምሃይ መዓረይ፡ ኣብ ወጻኢ ዋላ ሓደ ኣጆኻ ዝብሎ የብሉን! እቶም ምሳይ ኣለዉ ዝብሎም ከኣ ንብዓል ንኣይ እዩ። ብዓል ኣነ ከኣ መታን ዓመት ዓመት ናብ ዓድና እናተመላለስና፡ ስድራና ክንርእን ምስ ሞትናውን ሬሳና ናብ ዓዱ ምእታው ከይክልክሎን ፈሪህና፡ ነብስና ፈቲና ኢና ኣብ ጽንብላቱ እናተኣከብና ገጽና ነርእዮ ዘለና’ምበር ነዚ መንግስቲ’ዚ ፈትዩ፡ ኣሚኑ፡ ኣጆካ ዝብሎ ሰብስ ፍጹም የለን! ገለ ከኣ ኣቐዲሞም ኣብዛ ሃገር ገዛ ዘስርሑን ንኽሰርሑ ገንዘብ ዝወሰደሎምን ሰባት፡ ንንብረቶምን ንገንዘቦምን ክብሉ ክሳዕ ዚኾነ ዚኸውን ዝስዕቡዎ ኣለዉ’ምበር ደጋፊስ የብሉን ኣቦይ ደምሃይ መዓረይ። እቲ ዝገርም ግን እዚ ሰብኣይሲ ከምቲ፡ “ጥዑይ ኣእምሮ ዘሎዎም ሰባት ብስምዒት ስለ ዘይዕብለሉ፡ ኣብ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ፍሽለት፡ ኣሜን ኢልካ ናይ ምቕባል ባህሪ ኣሎዎም!” ዝብሃል፡ ኣእምሮኡ ጥዑይ እንተዝህሉ ኔሩስ ነዚ ኣብ ኩሉ ዘጋጥሞ ዘሎ ፍሽለት ተቐቢሉ፡ ንምፍታሑ ምተቓለሰ ወይውን ስልጣኑ ንብቕዓት ዘሎዎም ሰባት መረከበ ኔሩ ዚብል ግምት ኣሎኒ። ኣእምሮኡ ግን ጥዑይ ዘሎ ኣይመስለንን!’ ምስ በልኩዎም፡
 
“ክላ ስቕ በል! ጥዑይ የአምሮ ዘሎዎ ሰብዶ ብጭንቀት ወለዱ ይሽናህ’ዩ (ደስ ይብሎ’ዩ?) ዝወደይ!? ግዲ የብልካን ምስ ጥዕናኡ የለን! ኣንታ መዓር ወደይ ኣይኮነንዶ ሰብ ዝኣክል ፍጡር ሰብ ጠፊኡካስ ሓንቲ በጊዕ ወይ ጤል ጠፊኣትካውን ‘ደሓን ንሳ ትጥፋእ! ዘይጠፍኣ ምሳይ ኣሎዋ!’ ይብሃል’ዩ!? ከመይ ዚበለ ሰነፍ ጓሳ’ዩ ሰዲዱልና እዚ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ወደይ! ወይዚ እኩይ! እምበኣር ንኣኻትኩውን ከምዚ ነዞም ኣብዚ ሃገር ዘለና ደቂ ኤለትርያ፡ ኣብ ከተማ ንዝቕመጡ፡ በታ ካብ ምምሕዳር ረዲአት ዝምጽወቱላ ወረቐት ጌሩ ኣሲሩዎም ዘሎ፡ ነቶም ኣብ ደገ ትነብሩ ኣሓትናን ደቅናንውን ናብ ሃገርኩም ከይትኣትዉ ብምኽልካልን ገንዘብኩምን ንብረትኩምን ጅሆ ብምሓዝን’ዩ ቀይዱኩም ዘሎ!?” ብምባል፡ ተገሪሞም ሓተቱኒ።
‘እወ ንሳ’ያ እታ ቀይዲ!’
 
“በል’ስከ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ሽግርናን ወጽዓናን ርእዩስ ከም ቀደሙ መዓትና የቑረርልና’ምበር እንታይ ይብሃል ኮይኑ ዝወደይ!  ኣምላኽ ይወዳኣልና ኢልና ግን ኣፍናን ኢድናን ኣኪብና ክሳዕ ንመውት ትም ክንብል የብልናን ዝወደይ ብሩኽ! ጸይቂ እናረኣየ ፈሪሁ ትም ንዝበለ ሰብ፡ ‘ልቢ የዕብዩ’ እናበልና ከነመኽንየሉ የብልናን። ሕማቕ እናረኣኻ ዓገብ ዘይምባል ንባዕሉ ሓጥያት’ዩ! ኣስተውዕል ዝወደይ ብሩኽ! ኩሉኹም ደቅናን ደቂ ደቅናን ካብዚ ዘለናዮ እዋን ክትመሃሩላ ዝግብኣኩም ዓባይ ትምህርቲ ኣላ፥
 
ንሳ ኸኣ ድሕሪ’ዚ ደፋር ፋኖ’ዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ሰብ መሰል ጋኔን፡ ንምሉእ መዋእል፡ ብሓይሉ ኮነ ኣታሊሉ፡  ዳግም ኣብዛ ሃገር ከይነግስ ክትጥንቀቑ ከም ዘለኩም’ዩ ዝወደይ! እቲ መንግስትና እትብሉዎስ፡ ወትሩ ኣውያትን ስቅያትን ህዝቡ ሰሚዑ ዝረድእ፣ ንዝሓዘኑ ዝድብስን ዘጸናንዕን፣ ህዝቢ ቅድሚ ሓመድን እምንን ሰሪዑ፡ መሬት በጃ ህዝቢ’ምበር ህዝቢ በጃ መሬት ኪቐውም ዚግድድ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ መግስቲ ኪኸውን፣ ብሓጺሩ ኣገልጋሊ ህዝቢ’ምበር ጎይታ ህዝቢ ዚኸውን ከምዚ ዚኣመሰለ ሰብ ይኹን ስርዓት ዳግም ኣብዛ ሃገር ከይፍጠር፡ ወትሩ ምሕላውን ምጥንቃቕን ከይተብኩሩ ሓደራ ዝወደይ! እዚ ወጽዓን ናብራ ከርተትን’ዚ ኣባና ኣብ ወለድኹም በልዩ ንሓዋሩ ክቕበር ኣለዎ!
 
ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ደቅናን ከኣ “ውሕጅ ኪወስድ እናኣስሓቐ፡ ተንኰለኛ ከጥፍእ እናተራቐቐ!’ እዩ’ሞ ብዘረባ’ዚ መቓፍር (ክፉእ ግብሪ) ሰብኣይ፡ ተደናጊርኩም ከይትጠፍኡ ተጠንቀቑ በሎም ዝወደይ! ኣንታ ንዓ በል ንገዛ እቶ? ኣብዛ ገበላ ኮፍ ኣቢለዶ ብዘይገለ እኽለማይ ሃለው እናኣበልኩ ሒጀካ ውዒለ?” ብምባል፡ ካብ መንበሮም ብድድ ምስ በሉ፡ ‘ኖኖ ደሓን ኣቦይ ደምሃይ መዓረይ የቐንየለይ፡ ሰላም ክብለኩም ኢለ’የ ተኣልየ’ምበር ሰዓት ኣኺላትኒ ስለ ዝኾነትስ ሕጂ ቀልጢፈ ናብ ኣስመራ ክምለስ ኣለኒ። ሰናይ መዓልቲ ደኣ ቻው ከይደ’ ምስ በልኩዎም፡
 
“ኢልካ? ጸላኢኻ ይኺድ ዝወደይ! ኪድ በል! ተሃዊኸ ካብ በልካስ ብሻዓኻ ኪድ’ወ ዝወደይ፡ መገዲ ሰላም ይግበረልካ! “ሓጥያት ተናሲሕካ፡ በደል ኪሒስካ፡ መዓት ተማህሊልካ’ዩ ዚፍታሕ!” እሞ ካብዚ ወሪዱና ዘሎ ንስሓ ዘይብሉ መርገም ንኽንጋላገልሲ በብዘለናዮ ደኣ ጸሎት ንግበር! ኤርትራውያን ኣብ ውሉድ ወለዶና ከምዚ ዝበለ ውርደትን ሕስረትን ወሪዱና ኣይፈልጥን’ዩ! ንህይወትና ብገንዘብና ካብ ነጋዶ ሰባት ሸሚትና ነድሕነሉ እዋን እኮ ኢና በጺሕና ዘለና! ካብዚ ዝኸፍእ ሕስረትን ውርደትን ወዲ ሰብ ኣሎድዩ ዝወደይ!? ዘረባ የብሉን! ዘመንና ተመሊሱ፡ ፈጣሪ ኩሉ ዓለምውን ኩላትኩም ስዱዳት ደቅና፡ ናብ ሃገርኩም ተመሊሽኩም ምስ ስድራኹም ተሓቛቊፍኩም ትነብሩሉ ግዜ የምጽኣልና! ኣሜን!!!” ምስ በሉኒ ኣቦይ ደምሃይ፥
 
‘ጸሎት ደኣ ፕረዚደንት ኢሳያስውን ኣብዚ ናይ ትማሊ ቃለ መሕትቱ ምንም ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክእልን ዋጋ ከምዘይብሉን ገሊጹ’ንድዩ! ‘ጸሎት ዚጠቅም እንተ ዚኸውን ኔሩ ከኣ ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ምጠቐሞም ኔሩ!’ ኢሉ ኣናሽዩዎ እዩ።’ ምስ በልኩዎም፥
 
‘ደር! ዘይሰማዕኩዎ። እምበኣር እምነት ዋጋ የብሉን ኢሉዎ!? ንሕና ደኣ ‘ሽማግለታት ናብ መሮር ወፊሮም ክሰርሑ ምርኣይ የሐጉሰኒ’ዩ!’ ምስ በለ፡ ብድሕሪኡ ነዛ ራድዮ ኣጥፊእና ዘይሰማዕናዮ! ‘ጸሎት ዋጋ የብሉን!’ ኢሉ’ምበኣር! ሓቁ! ድያብሎስ ደኣ እንታይ እምነት ኣሎዎ? እሞ ብኸምኡ’ዩ ኣብዚ ናይ 23 ዓመት መሪር ግዝኣቱ፡ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ኣብ ናይ እምነት በዓላት ኮነ ኣብ ቤተ ክርስትያናት ክሳለም ዘይረኣናዮ!? ደሓር ከኣ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ብረት ተሓንጊጦም ስለ ዝተፋለሙድዮም ደኣ ሎሚ ክሳብ ፕረዚደንተ ናይ ኣመሪካ ክኾኑ በቒዖም ዘለዉ!? ሰይጣን ‘ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ጽውጽዋይ እዩ!’ እንተ በለውን ዘገርም የብሉን ዝወደይ! ንዓ ደኣ ኪኸይድ ካብ በልካስ ብግዜኻ ኪድ! ደሓን ኩን ዝወደይ፡ጸሓይ ወልወል፡ ምድሪ ጎልጎል ይግበረልካ! ኪድ ጸላኢኻ ይኺድ ዝወደይ ብሩኽ! “ስእነት ኪበዝሕ ኣብ ሃገር፡ ህዝቢ ነሓድሕዱ ይፋገር!” ስለ ዚኾነ ግን ክሳዕ ናብቲ ትቕመጠሉ ዓዲ ሕግን ፍትሕን ትምለስሲ ገለ ተበለጽቲ ከይረኽቡኻ ደኣ ኣብ ጉዕዞኻ ጥንቅቕ በል ኢኻ ዝወደይ!” ብምባል፡ መሪቖም ኣፋነውኒ ኣቦይ ደምሃይ።
 
ካብ ኣቦይ ደምሃይ ተፈልየ፡ ብመንጎ’ቲ ብየማነ ጸጋመይ ተኾሚሩ ዝነበረ ቅሚጦታት ኣዝመራ ኣቢለ፡ ናብ ኣስመራ ገጸይ ጉዕዞይ ምስ ጀመርኩ፡ እታ ኣብ መወዳእታ ዝበሉኒ ቃል፡ ማለት፡ ‘ንስሓ ዘይብሉ መርገም!’ ትብል ዘረባ ኣቦይ ደምሃይ ኣብ ሓንጎለይ እናተመላለሰት ስለ ዘሸገረትኒ፡ ‘እዋእ!’ ኢለ ንበይነይ ኣድመጽኩ። ‘ከመይ እዩ እዚ ነገር!? እቶም ባዕዳውያን ገዛእትና’ኳ ከምዚ ጌሮም ብሓሳረ መከራ ዘይቀጽዑናስ እዚ፡ ‘ንናጽነት ህዝቢ ተቓሊሰ ተዓዊተ’የ!’ ክብለና ዘይርብርብ ናትና ንብሎ መንግስትናስ ብኸምዚ ከሳቕየና በየናይ ምኽንያት’ዩ!? ከመይ ጌሩኸ ይኸውን!? ‘ከተማን ገጠርን የዳላድል ኣለኹ’ እናበለ ንውቁብ ከተማታትና የዐኑ ኣሎ!፣ ‘ሃብታምን ድኻን የማዓራሪ ኣለኹ’ እናበለ ንሃብታማት የድኪ ኣሎ! ናይዚ ሰብ’ዚ ነገር’ኮ ምርዳእ ኣቢዩና! ሓቆም’ዮም ኣቦይ ደምሃይ፡ ‘ንስሓ ዘይብሉ ፍጹም መርገም!’ ዝበሉዎ። ገለ ክንንሳሓሉ ዝግብኣና ዘይፈለጥናዮ’ሞ ሕጂ ብመንግስትና ንቕጻዓሉ ዘለና ሓጥያትስ ክህልወና ኣለዎ! ከምዚ ዚበለ መወዳእታኡ ዘይፍሉጥ፡ ንስሓ ዘይብሉ መርገምዶ ኣሎ’ዩ!? ነዛ ቃል ብድምጸይ እንደገና ዓው ኢለ ደገምኩዋ። ንዓኣ ከም ኣርእስቲ ተጠቒመ ከኣ ንበይነይ እናተጓዓዝኩ፡ ነዛ እትስዕብ ናዕታ ክውርቕ ተቐሰብኩ።
 
 
ንስሓ ዘይብሉ መርገም!
 
ኣንታ መርገም ስንቁ ከመይድዩ ፍጥረትካ
ብመሬትን ባሕርን ህዝቢ እናኣጥፋእካ
ስልጣንካ ኪትሕሉ ሰይጣን ተቐይርካ
ዘይጻሕልኻ ከተኽውስ ናትካ እናኣቐርዓንካ
ህዝቢ ነዛ ዓይኑ ፍጹም ጸይኑካ
ዓለም ብዓለማ ካብ ፈንፈነትካ
ወረ ዘይትሕባእ ክሳዕ ግዜ ሞትካ!
 
ፍጻመ ዘይብሉ እንትርፎ ጅማሮ
ውጽኢት ስራሕካ እናኾነ ዜሮ
ሕመቕካን ፍሽለትካን ብጓይላ  ኪትሰትሮ
ጽንብላት ሰሪዕካ ክትድስቕ ከበሮ
እዚ ኹሉ ውርደትስ ከመይ ኢልካ ትጸሮ!?
 
ኣብቲ ግዜ ሰውራ ሰብ ከይፈለጠካ
ተንኰላት ኪትኣልም ተዕብየሉ ስምካ
*ደማሒ ኣብቲ ጫካ ኪትሓድር ውዒልካ    *መላኺ
ብመስዋእቲ ጅግና ዓወት ምስ ሰማዕካ
ዘይትሓፍር ምስሉይ ወትሩ ከም ልማድካ
ናብ መድረኽ ትቕልቀል መሃንድስ መሲልካ!
 
ኤርትራዊት ኣደ ደቃ ምስ ሰብኣያ
ብሓይሊ መንጢልካ ንበይና ኣትሪፍካያ
ብጓህን ሓዘንን *ከሊ ከዲንካያ       *ጸሊም ክዳን
ንብዓታ ጸንቂቕካ ደም’ኮ ኣንቢዕካያ
ዘይትእለ ግዳ ደበስ እንተ ኮንካያ!
 
ቅዋም ከይተተግብር ቀይዲ ከይኰነካ
ድሌትካ ኪትፍጽም መሰል ሰብ ረጊጽካ
ብጉልባብ ባድመ ኲናት ምስ ከፈትካ
ብልዝብ ኪትፈትሖ እንተተለምንካ
ደምና ከተፍስስ ‘ኣይትሓዙኒ’ ኢልካ!
 
ህዝብና ክቐስን ክትምዕብል ሃገርና
ዉሉድ ምስ ወላዲ ክንነብር ቀሲንና
ሕልፈትካ መላኺ ኪኸውን ደበስና
ግዜ ከይወሰድካ ቀልጢፍካ ኪደልና!
 
ብዶብ ኣመኽኒኻ’ወ ኲናት ምስ ወላዕካ
ሰላም ከይትገብር ብጸሓይ ምሒልካ
ህይወት መንእሰያት ብከንቱ ኣጥፊእካ
ኣብ ክንዲ ትፍረድ ናብ ሕጊ ቀሪብካ
ገና ኣለኻ ኣብ ስልጣን ሓታቲ ዘይብልካ!
 
ኣብዛ ንነብረላ ሓጻር ዓለም
ምልኪ ዝፈጠሮ ከቢድ ጸገም
ስቓይ ርኢና’ሞ ክደጋገም
ንስሓ ዘይብሉ ፍጹም መርገም
ከም ናትካ ግን የለን ዝተላዕጠጠ ደም!
 
ኣንታ ሰነፍ ጓሳ ጨካን ዝልብኻ
ኣበሳ ዘይብለን ጥሪት ኣባጊዕኻ
ምስ ኣሳቐኻየን ኣብ ደምበ ዓጺኻ
ብደጐል ዘሊለን ወጺአን ንበረኻ
ቀለብ ዝብእን ዓሳን ኮይነን ብሰንክኻ!
 
ኣንታ ህዝበይ፥
ንሱ ንመንበሩ ስውእ ንሃገሩ
ብረት ተሓንጊጦም ምስ ዝናሩ
ልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ መሮር ክሰፍሩ
ዕላማ *ዘላሚ ንስልጣን ምንባሩ      *ጨቋኒ
ስውእ ከይፈለጦ ሓመድ ተቐቢሩ
ርጉም  ድያብሎስ ግን ሰብ ኣደናጊሩ
የሳቕየና ኣሎ መሰልና ደፊሩ!
 
ኣሕዋት ኤርትራውያን ሰብኣይ ሰበይትና
ኣብ ሰላምን ራህዋን ክንነብር ቀሲንና
ብፍቕርን ስኒትን ኢድን ልብን ኴንና
ነዚ ርጉም ቊርዲድ መጻይ ንጹህ ደምና
ህዝብናን ሃገርናን ከይለኻኸመልና
ገጢምና ንስዓሮ ግዜ ከይወሰድና!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 18/01/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • change January 18, 2015

    Mesinas, I love you so much my dear brother. This is a great message which is I like it a lot, please please keep doing these, because you have a great talent and may God bless your heart and thank you so much brother.

  • A.. Temesghen January 19, 2015

    Sorry but very boring and just waste of time. Adey Letebrahan a well known and respected shop keeper used to say “Sirah ziseane usur adgi yiHiluw”. In English roughly ‘unemployed person would watch or guard a chained donkey’. No wonder diablos Essayas is having easy time and lots of sleepful nights with our men like mesinas just entertaining with stupid writings and poems. Sorry but this is my true feeling.

    • A.. Temesghen January 19, 2015

      correction/addition : please read Adey Letebrahan a well known and respected shop keeper of Mendefera.

      • ERITRAWIT January 19, 2015

        Mesinas hawey,
        Meskenay aboy Demhay Isaias da netom tehtey 40 amet nab Sinai,Sudan Ethiopia,Sahra…. abarerew netom akmey zeyblom 40-70 ka ab weshetey albabom atfew hager keseneta ztebegese deyablos eu.
        well done keep it up you hard work is appreciated by real Eritrawian Zega!!!!

    • Biniam Kidane January 19, 2015

      A.Temesghen,
      I absolutely agree with you brother/sister. This so called ERITRAWIT must simply be WEYANAWIT. Unless all her family are in Tigray and she has no contact in Eritrea, our Eritrean people back home are without running water, no electricity, no freedom, no bread and almost in starvation (unless she is going to tell us that starvation is only for Ethiopians and not for “real ERITRAWIAN ZEGA”) while she gets entertained by her Messinas. What a joke! One correction for you A.Temesghen though of Ade Letebrihan’s saying is that it should be “Zerikebe” and not ‘Sirah ziseane’. Zerikebe (like Messina) esur adgi yiHiluw.

      • ERITRAWIT January 19, 2015

        Biniam Kidane,
        Why would I be in Eritrean web-sit if I were WEYANAWIT to hear Eritrean problem? I don’t think so probably I will be in Djibouti to collect my containers. leave WEYANAWIAN is it my fault or mesinas if you don’t have water, Electricity and bread what did you do to sort it out?????? go and fix your problem if you are a man the guy he is only sharing what is really going on in our country.

  • Simon G. January 19, 2015

    This weekend, an Ethiopian women just told me something I had hard time to swallow: Eritreans, don’t call yourselves heroes. One lunatic person is killing you all with low or no resistance. Heroes??? Heroes my ass, she said. Well, I can’t argue with that.
    what she doesn’t know or understand is that isayas is still alive and kicking because of those idiots of Nhna nsu, nsu nhna. How can she? This is not normal. How are these talking animals still stick with him? I have no explanation beside how extreme ignorant they are. I am ashamed to call them my fellow Eritreans. These are shameless and ignorant Eritreans. How else should I label them. Do you have a better name for them?

    • weldu birhan January 19, 2015

      Simon G ,

      I feel we are fighting against a hidden agenda that is being instilled in us by cia weyane and Isaias. Tell the Ethiopian women ,how about mengistu made the shit. we were the ones that removed mengistu for them ,unfortunately we are going down ,the sabotage is great ,the west is in it too .big time.eritrean heroism is undeniable only equated to that of Israel ,unfortunately Israel is working with Isaias for it´s national interest I do not blame her.

    • rezen January 19, 2015

      Subject: ኣቦይ ደምሃይ! ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥ by መሲናስ on January 18, 2015

      Commentary: 19 January 2015

      Quotation: “ These are shameless and ignorant Eritreans. How else should I label them. Do you have a better name for them?” by Simon G. January 19, 2015

      Suggestion: Perhaps “መርገም”?
      Why? I have no idea. If I did, I would have been the recipient of the Nobel Prize in Theology or on the Unknown

      Hi Simon G,
      I promised, in my last communication, to ‘see you in the new year’. Here I am with my usual diatribe. Hey! I see, you are still kicking (so to say). OK, fair game’. But do not under estimate my “መርገም”, my genius contribution!!! It is deep into the Soul of the Eritrean psyche.

      Your conversation, over the week end, with an Ethiopian woman is very interesting and admirable. Simon, let me say the following in all honesty. Please accept it as just that: I admire your courage, confidence, tolerance and sense of freedom to be able to have a conversation with anyone under the sun and, in particular, with the so called ‘enemy people, enemy country’. Only a person with assured confidence in himself/herself would be able to face squarely, in a dignified manner, the so-called ‘enemy people’ (or differences of opinions) without going into tantrum of empty bravado and string of insults……….

      We have seen it all! And there is no doubt in mind that a person of that toxic inclination is devoid of any rational thinking; hence, always falls into the comfortable zone of polemics. He/she can’t help it! As the saying goes, that is the way it is! And it is this phenomenon that plagues Eritrea to its suffocation to death: “መርገም” >>> sheer bravado can never conquer that curse. On the other hand, admittance of REALITY & TRUTH and working tirelessly to conquer self-induced diseases can go a long way to recovery. Are Eritreans – of all sociological make-up – ready to go that PATH? Past history does not come as a supporting cane in that voyage.

      Today Monday, 19 January 2015 is Martin Luther King, Jr. Day. By the way, did you see the Cinema SELMA? The Black people of America have come a long way through a harsh struggle and loss of countless heroes dyeing for their Liberty, Freedom and Equality under the Constitutional law of their New Country — the United States of America. They prevailed. They still have a long way to fulfill their dream completely in the “American Dream”. In passing it should be mentioned (with great sadness) that the Black people of America never had deserving helping hand from their brethrens in the Continent of Africa. That says a volume!

      Speaking of Africa, let us go back to Eritrea – one of the failed states of Africa (isn’t it???). Eritreans in their own bizarre way are deeply alienating themselves from the world as Issayas, the self-appointed president, put it: “ንሶም ናቶም ደሞክራሲ ኣለዎም፥ ንሕና ናትና እለና።”. It is a classical example of arrogance –which, sad to say, is not strange even to the “proud” Eritreans themselves!!! In the mean time Diaspora Eritreans are struggling to revive a meaningless and still-born Constitution with these wishful thinking words “ህዝቢ ኤርትራ ቅዋም ኣጽዲቑ: ዲክታተርነት ሲዒሩ ንቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ቃልሲ ይርከብ”[demo.archive.assenna.com, 16 /01/2015). AMEN or INSHALAH !!!
      THE END

  • ERITRAWIT January 19, 2015

    Simone G,
    denagule elna tekebesnawom yehayshe.

  • weldu birhan January 19, 2015

    great drama & nothing more, great drama though.

POST A COMMENT