Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቦ ሓድነት እንተሓለፈ መቓልሕ ሓድነት ተሪፉ ‘ሎ!

ኣቦ ሓድነት እንተሓለፈ መቓልሕ ሓድነት ተሪፉ 'ሎ! ትማሊ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ 2014፣ ኣብ መበል 65 ዓመቱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝዓረፈ ዶክተር ተወልደ ተስፋ ማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ኣትሒዙ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቓለሰ

ኣቦ ሓድነት እንተሓለፈ መቓልሕ ሓድነት ተሪፉ ‘ሎ!

ትማሊ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ 2014፣ ኣብ መበል 65 ዓመቱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝዓረፈ ዶክተር ተወልደ ተስፋ ማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ኣትሒዙ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቓለሰ ውፉይ ሃገራዊ ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዝገበሮ እጃም ስለምንታይ ከምዝጎልሕ ግልጽ ምባሉ፣ ንሓድጉ ናብ ውርሻ ክንቅይሮ ዝሕግዝ እዋናዊ ኣስተምህሮ ኣለዎ።

ወዲ ቫካሮ ኣብተን 30 ዓመታት ቃልሲ ዘጥፍኦ ግዜ ከምዝነውሕ፣ ሽዑ ዘካየዶ ጻዕሪ ከምዝዓቢ ፍሉጥ ክንሱ፣ ኣበርክቶኡ ሕጂ ዝጎልሓሉ ምኽንያት፣ ልክዕ ከምቲ ወርሕን ኮኾብን ኣብ እዋን ጸላም ዝደምቁ፣ ኣብዚ ሃገርና ብጥልመት መብጽዓን ሕድሕዳዊ ፍልልይን ግብ ኢላትሉ ዘላ ጸላም መዋእል፣ ኮኾብ ሓድነትን ስኒትን ኮይኑ ምቕልቃሉ እዩ ምንጪ ድምቀቱ።

ስእነትን ሳሕውን ሓድነትን ስኒትን ከም ንኤርትራዊ ገይረን ዘፍርሓኦ የብለንን። ስለ ሓድነትን ስኒትን በዚ ናይ ወዲ ቫካሮ ልብን ቅንዕናን ከተግብሩወን ዝዕጠቑ ውፉያት ግን፣ እንተድኣልዮም ኮይኖም ሳሕቲ እዮም ዝርከቡ።

ወዲ ቫካሮ ሓድነት ምስጢር ዓወት ድሕነት ኤርትራን ህዝባን ምዃና ስለዘለለየ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ወሪዱዎ ዘሎ መዓት ክውድእን ዕድመ ውልቀመላኽነት ከሕጽርን መታን፣ ምስ ምርኩሱ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓለም ተጓይዩ ናብ ልቢ ኤርትራውያን ብምቕራብ፣ ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ተላዚቡን ዘትዩን። እቶም ዝባኖም ዝቐልዑ ገበነኛታት ብቐንዶም፣ ንስሓን ይቕሬታን ዓቐበት ኮይኑዎም ገበን ምቕጻል ኣብ ዝመረጹሉ፣ ዋላ ንተራ ኤርትራውያን ‘ውን፣ ካብ ‘ቲ ናይ ኣቦታትና ምቕሉልነት ብድዐ በደልትና ምውራስ ቀሊሉልና ኣብ ዘለወሉ ዘመን፣ ብግርህናኡ ንዝወዓሎን ዘይወዓሎን ጉዳያት ብኽፉት ልቢ ይቕሬታ ምሕታቱ ንገዛእ ርእሱ ስለ ሓድነትን ስኒትን ኤርትራውያን ዝኾነ ዋጋ ክኸፍል ቅሩብ ከምዝነበረ ዘመልክት ኣውንታዊ ኣስተምህሮ እዩ።

ወዲ ቫካሮ፣ ጥልመት ኣብ ዝሳዕረረሉ እዋን እምነት፣ ዘይምትእምማን ኣብ ዝገነነሉ እዋን ሓድነት፣ ግብዝና ኣብ ዝበዝሓሉ ግዜ ምቕሉልነት ኣዘውቲሩ  ብሕሉፍ ጌጋታቱ ከይተቐየደ ሃገራዊ ምትእኻኻብ ኤርትራውያን ንምቅልጣፍ ዝገበሮ ጻዕሪ እዋናውን ኣድላዪን ምንባሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ወጻኢ ዝነበር ህዝቢ ብቑጽሩን ብድምጹን ኣውንታዊ ምላሽ ብምሃብ መስኪሩዎ እዩ።

ነቲ ክቡር ሓውን ኣቦን ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዘካየዶ ምንቅስቓስ ዝያዳ ድምቀት ዝውስኸሉ ካልእ ረቛሒ እንተልዩ፣ ብሕማም ተወጺዑ ክንሱ ካብ ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝዓቢ ሓያል ሓቦ ምርኣዩ እዩ። ኣብቲ ናይ ሓድነት ዋዕላታቱ እቲ ብምርኩስ ዝትንስእ ዝነበረ ውጹዕ ኣካላቱ ብዘይምርኩስ ንሰዓታት ደው ምባሉ ነቲ ዝበሃጎ ዕላማ ሓድነት ንምዕዋት ዝሓየለ መንፈስ ከምዝነበሮ ዘረድእ እዩ።

ወዲ ቫካሮ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ኮኾብ ሓድነት ኮይኑ እንተዘይቅልቀል፣ ሓዘንቱ ውሑዳት ሞቱ ግን ብዙሕ ምኾነ፣ ብሓደ ሞት ጥራይ ዘይኮነ ብኽልተ ሞት ምተበኽየሉ ነይሩ። ብናይ ነብሱን ናይ ታሪኹን ሞት።

ወዲ ቫካሮ ታሪኹ ኣድሒኑ ክብሃል ከሎ ታሪኻዊ ገበን ነይሩዎ ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ፣ ነቶም ንቓልስን ተወፋይነትን ኣሽሓት ኤርትራውያን ጨውዮም ኣብ ብዓቲ ታሪኽ ተሓቢኦም፣ ሃገር ዝጋሰሱ ህዝቢ ዘፍልሱ ዘለዉ ገበነኛታት፣ ” ኣይፋል፣ ስለዚ ኣይተቓለስኩን፣ ኣነ ምሳኹም የለኹን” ኢሉ ዓመጽን ምልክን ኮኒኑ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ብምባል እዩ ታሪኹ ካብ ሞት ኣውጺኡ። ነቲ ዕጫ ኩሉ ወዲ ኣዳም ዝኾነ ብሓይሊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ ዘልኣለማዊ ዕረፍቱ ክቕበሎ ጥራይ ኳ እንተነበሮ፣ ነቲ ብሓይሊ ሰብ ክፍጸም ዝከኣል ዓሚሙ፣ ታሪኹ ኣድሒኑ ምሕላፉ ብዓል ጸጋ እዩ።

ንወዲ ቫካሮ ካብቶም ምስ ታሪኾም ዝሞቱ ብዙሓት መቓልስቱ ዝፈልዮ ሓደ ቁምነገር ከኣ እዚ እዩ። ወዲ ቫካሮ እቶም ግቡኦም ፈጺሞም ዝሓልፉ ትእምርቲ ሃገራውነት ዝኾኑ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ዘሰከሙዎ ሕድሪ ከይጠለም ናብ ሕሉው ውለዶ ከሰጋግሮ ኣምላኽ ንዝሃቦ ዕድል ክጥቀመሉ ኸሎ፣ ውልቀመላኺ ዝሃቦም መዓርግ ስልጣን ከይቦኽሮም፣ ንሕድሪ ናይቶም ኣብ መሳርዕ በራጊዶምን ክፍለ ሰራዊታቶምን ዝተሰውኡ ኣሽሓት ንጹሃት መንእሰያት ኤርትራ ጠሊሞም ምስ ታሪኾም ዝሞቱ መዛኑኡ ብዙሓት እዮም።

ወዲ ቫካሮ ብዘይካ ‘ቲ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ ኣቐሚጡዎ ምሕላፉ ምሉእ ብምሉእ ዘይተዓወተሉ ነገር እንተልዩ፣ እቲ ኩልና እንብህጎ ሓድነትን ምትእኽኻብን ኤርትራውያን እዩ። ነቲ ሓዲጉልና ዘሎ እጃም ምምላእ ከኣ ቀዳማይ ዕላማና ክኸውን ይግባእ። ኣቦ ሓድነት እንተጎደለና፣ መቓልሕ ሓድነት ገዲፉልና ኣሎ ‘ሞ፣ ነቲ ብህዝባዊ ድሌትን ምትእምማንንን ዝሰልጥ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ ብኽፉት ልቢ ዕማምና ንቐጽል። እቲ ናይ ወዲ ቫካሮ ኣብነታዊ ኳ እንተኾነ፣ ነዚ ኣብነት’ዚ ክንስዕቦ ዝግብኣና ግን ብዙሓት ኢና ‘ሞ ኣምላኽ ይሓግዘና።

ን ሓርበኛ ተቓላሳይ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) መንግስተ ሰማያት ይቀበሎ

ንቤተሰቡ፣ ፈተውቱን ደለይቲ ፍትሕን ጽንዓት ይሃብ

 

ኣማኑኤል ኢያሱ

 

24 ሕዳር 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Alem October 24, 2014

    Dr. Tewelde (Wedi Vacaro) in his tour around the world….he warned us not to renew the old Eritrean ID. Let us Respect his word!!! We don’t need new Eritrean ID that is designed as money making machine for Wedi Berad, Kisha and Yemane Monkey and to give citizenship to DEMHIT bodyguards! SAY NO TO ERITREAN ID!!!!
    This ID will not serve more than a year…because HGDEF with its leader Wedi Medhin Berad and his cousins Kisha and Monkey will disappear very soon!!!

  • Awate October 25, 2014

    We need to remember wedi vacaro, as a hero and stand for the poor, voice for the voice less. He was a man of principle

  • B. Michael October 25, 2014

    Alem
    What is …”the old Eritrean ID”? Please explain. I am not infomred about Wedi Vaccaro’s recommandation.Thanks

  • Alem October 25, 2014

    B. Michael, Wedi Vacaro said that there is a plan by HGDEF to replace the Eritrean ID (so called Menent that is used as a visa when u enter Eritrea) by new one and he warned us not to replace it.

  • habtom October 25, 2014

    U r right let us campghen not to take the new ID card it is going to be
    Business

  • hakee October 26, 2014

    Our identity has been stolen by Tagaru we need to replace it. It is not a political issue it is our identity we need to keep it clean from the people who are dividing us. We all need to participate in this new id. This government will be gone soon but we will have all our record in safe place. We will not have the people who are using our id. There are so many people who are using this new id as political agenda. Once we have it now we will know who is not Eritrean when this government is gone.

    • david October 27, 2014

      God bless the soul of our brother. We all need to stop talking and concentrate on the problems we have and find solutions as one people. We need to pray for unity and truth.

  • robi November 4, 2014

    Hi Asena, wedi vacaro dea nay jigna jigna mot eyu moitu tarik serihu n hzbu tesfa hibu mengedi haki n hzbu zmehare emo kea zkone Eritrawi ksab leyti lomi ab kdmi hzbu keribu hatituwo zeyfelit ykreta gberluy b flat kone b zeyflat n zbedelkukum mbalu hatyatu aragifu eyu nab mengste semayat amrihu zelo ksen father VACARO. we will miss you for ever, beal wedi medhin berad kea guhaf zkone hatela tarik teshekimom n zmetsie weledo endakesesomin endaregemomin knebir eyu. nabari tarik ember nebari seab yelen ,kulu b mealtu kem shimia mekiku ktefie eyu abza alem shimina tarikna tray eya titerif ab semay kea n beal wedi tsomakit suwa abza gehaneb esat kdrgemuwa eyom nayzi kulu bkyat kolia ,sebeyti kikefluwo eyom ente ab meret ente ab semay.

Post a Reply to david Cancel Reply