Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቦ መሰል

ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣቦ ኤርትራዉያን ኣቦ ኹሉ ኣቦ ድኻታት ዎኣቦ መሳኪን ብዘይ ምፍልላይ ወገን ሃይማኖትን ዓሌትን በዓል መዓርግ ኣቦ መሰልን ፍትሕን ኣብ ሕብረተሰብኣዊ መዳያት ተቓላስን ተሳታፍን ኣብ ሽግራት ምፍታሕ ሓጋዝን መኻርን ኣብ ሓጎሳት ኣማዕራግን ኣዋፋርን         #  መግለጺ

ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣቦ ኤርትራዉያን
ኣቦ ኹሉ ኣቦ ድኻታት ዎኣቦ መሳኪን
ብዘይ ምፍልላይ ወገን ሃይማኖትን ዓሌትን
በዓል መዓርግ ኣቦ መሰልን ፍትሕን
ኣብ ሕብረተሰብኣዊ መዳያት ተቓላስን ተሳታፍን
ኣብ ሽግራት ምፍታሕ ሓጋዝን መኻርን
ኣብ ሓጎሳት ኣማዕራግን ኣዋፋርን
        #  መግለጺ ሓጂ ሙሳ ጅግንነትን ኣብ ዝኣምነሉ ጽንዓትን
          ኣብ ሓቅነት ምትግባር ድሕር ኣይብልን
          ካብ ናይ ሓጂ ሙሳ ቃላትን ጥቕስታትን
          ንመሰልካ ምሕታትን ምቅላስን
          ክብረትዩ ንህዝብኻን ንሃገርካን
 ሓጂ ሙሳ ኣቦና ኣባሓጎ ደቅና
ንሕና ብኣኻ ሕጉሳትን ሕቡናትን ኢና
ድሕሪ ቡዙሕ ምጽማም ኣላዓዒልካ ህዝብና
# ኢልካ ብሕግን ፍትሕንያ ትምራሕ ሃገርና
ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ኣይኮነን ዝመርሓና
        እዚ ሓድሽ ኣይኮነን ንሓጂ ሙሳ ኣቦ ተቓለስቲ
        ንታሪኹ እንተሎ ዘይፈልጥ ሓታቲ
        መን ይመስለኩም እዚ ንመሰል ኤርትራውያን ተማጋቲ
      ብዘይ ምፍራህ ወላሞት ይምጻእ ወላ ማእሰርቲ
ኣብ ኣርባዓታት ኣባል ራቢጣ ኤርትራ ንኤርትራውያን
ኣብ ጊዜ ሃይለስላሴ ናይ ተ፣ሓ፣ኤ ከተማዊ ፊዳኢን
             ብኡ መሰረት ውን ኣተወ ኣብ ማእሰርቲ
            ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ተጸሚሙ ቡርቱዕ መግረፍቲ
            ኢዱ ተሰይሩ ከምኡዉን ለሚጹ ከብዲ እግሩ ብመውቃዕቲ
          ስጋብ ሎሚ ይሳቐይ ኣሎ ለይቲ ምስ መዓልቲ
          ተወፋይነቱ ኣሕሊፉ ንኸይህብ ንፊዳኢን ተጋደልቲ
 ገዙኡውን ኩፉት ነይሩ መዕቆቢ ንፊዳኢን
ኣብ ገንዘብ ምውፋይን ምእካብን ንሰውራ ንጡፍን ሓላዪን
             ስድራቤት ጀጋኑ ኢዮም ውፉያት ተቓለስቲ
          ሓጂ ሙሳ ሓው ዶክቶር ጣሃ መሓመድ፨ኑርዩ  ካብቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ
              ብድሕሪ ነጻነት ዉን ካብቶም ጽዑቕ ጉቡኦም ከፈልቲ
              ኣብ ሪፈረንዶም ኣዳላዊ ዎ ካብቶም ንቕዋምና ነደፍቲ ጸሓፍቲ
             #  እንተኾነ ግን ቅዋም ክህልወና ኣለዎ ስለዝበለ ተሰዊኡ ኣብ ማእሰርቲ
 ከምኡ ዉን ሓጂ ሙሳ ኣቦ ስዉእ ሰላሕዲን ሙሳ ኢዩ
ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ወዲ ፩፯ ዓመት ንሜዳ ወጽዩ
        ከም ኩሎም መንእሰያት ቡዙሕዩ ነይሩ ትምኒቱ
        ክዕንድር ክጻወት ኣብ ገዛእ መሬቱ
        ክምዕብል ክማሃር ክረክብ ድልየቱ
        ክወልድ ክዝምድ ከፍሪ የዕበይቱ
                         ወለዱውን ህንጡያት ነይሮም ክርእዩ ኣበቡኡ
                        እንተኾነ ግን ነይሩዎ መብጸዓ ናይ ኣቡኡ
ንጸላኢ ክምክት ንነጻነትን ሓርነትን ክቃለስ
ህዝብና ኣብ ገዛእ መሬቱ ቀሲኑ ክድቅስ
       ዉሉድ ወለዶ ብሰላም ክነብር
       ወለዲ ጀጋኑ ክካሓሱ ዎ ጻምኦም ክኸብር
ሓጂ ሙሳ ኣቦን ሓውን ጀጋኑ ስዉኣት
ኣውሪሱ ናይ ሙሉእ ህዝቢ ሓደራታት
 # ለበዋኹም ኣብ ግብሪ ኵዕልዩ በለ ንኹሎም ሰማእታት
         ሓጂ ሙሳ ካብ ሞት ወይ ማእሰርቲ ዘፍይፈርህ ጅግና
         ተቓላሳይ ኣንጻር ገዛእቲ ይኹን ውነና
         ንስኻ ኣይኮንካን ገበነኛ
       #   ይኸብር እንበር ይእሰር ዶ ዝበለ መሰልና
ኩቡር ሓጂ ሙሳ ንስኻ ዶ ትእሰር
ናይ ቃልስታትካ ጻማ ዘውዲ ትሽለም እንበር
           ኣብ ሃይማኖታትና ወላ ኣብ ባህልና
          ካብ ዓበይቲ ኣቦታትና ኣዴታትና ምኽሪ ምውሳድ ዩ ልምድና
          መሰልና ውን ይብል፣ ንዓበይትና ዘየኽብር ነይ ካባና
  እንቢ ንምልከት እንቢ ንምግፋፍ መሰላት ምባልካ
ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ሃገራዊ ሰሚዑ ቓላትካ
ኩሉ ፈታው ሰላም ኤርትራዊ ኢሉ ኣለና ምሳኻ
ርእዮም ከኣ ክንድምንታይ ከምዝብርትዕ መቓልሕካ
ንስኻ ኢኻ ዓብይና ኣርኣያና መራሒና ኢኻ
           እቶም ገበቲ ዓመጽቲ መሰል ገፈፍቲ
          ናዕቢ ህዝብና እዮም ዝፈርሁ ለይቲ ምስ መዓልቲ
          ክፍኣቶም ከኣ ይኣልሙ ናይከፋፊልካ ግዛእ ስልቲ
          እዚ ግን ፍሉጥዩ ንኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዘመናት ኢሎም ኢና ሓንቲ
ሓጂ ሙሳ መሓመድ። ኑር ኣቦ ሃገራውያን
ኢሉ ናይዚ ስርዓት መሳርሒ ኣይንኹን
ናይ ጉጅለ ህግደፍ ገበናት ደረት የብሉን
         በዚ መሰረት ኢሉ ኣቦና ሙሳ እንቢ ንምልከት
        እንቢ ንጽቕጠት ንምግፋፍ መሰላት
        ቃልሲ ህዝብና ስሩዕዩ ንነጻነት ዎ ንሓርነት
 ዝበዝሕ ህዝብና ሰፊሩ ኣብ ስደት
ቡዙሓት መንእሰያትና ውን ኣብ ሳሕራእ ኮይኖም ኣገዳ ሞት
ብሰንኪዚ ቡዙሕ ህዝና ይነብር ኣሎ ኣብ ስቅያት
        ቡዙሓት ዉን ተሸይጡ ክፍሊ ኣካላቶም
        ቁጽሮም ዘይፍለጥ ውን ኣብ ባሕርታት ጠሊቖም
        ኣዋልድና ውን ተዓሚጸን ተወጺዐን ብርህራሀ ዘይብሎም
       ዝተረፉ መንእሰያትና ውን ንስደት ኮይኑ ጠመቶኦም
 እዚ ኹሉ ሽግራት ህዝብና ብጠንቂ መንዩ
ኣብ ምንቲ ምንታይከ ቓልስና ተጠውዩ
ህዝብ ናይዚ ሕቶ መልሲ ወናኒ እዩ
        እዚ ብልሽው ስርዓት ብስም ስዉኣትና ይሽቅጥ ኣሎ
       ዝኾነ ኾይኑ ስዉኣትና ዝበልዎ እንተሎ
      ብድሕሬና ህዝብና ክጥዕሞ መሰል ሃገራውያን ክሕሎ
      ሃገርና ክትምዕብል ሕግን ፍትሕን ዝኸለሎ
      መሪሕነት ናይ ህዝቢምበር ግሊ ወይ ጉጅለ ዘይዕብልሎ
ኣቦታትና ኣዴታትና ክላዓሉ ክኸብሩ
መንእሰያትና ክሰርሑ ክማሃሩ
ሸቃጦና ክሽቁጡ ኣብ ኩሉ ክዋፈሩ
ሓሮስቶትና ክሓርሱ ጥበበኛታትና ከማዕብሉ ክምህሩ
ተፈጥሮ ሃብትታትና ብፈላጣትና ክድህሰሱ ክፋሓሩ
ፍርያቱ ኸኣ ክዕደል ንህዝና ብዘይምፍልላይ ንሓዋሩ
እንተኾነ ግን እዚ ስርዓት ይሰርሕ ብኣንጻሩ
      ወጻዒ ጉጅለ ኣስፋሕፊሑ እስሪቤታት
       ኣብክንዲ ምዝርጋሕን ምህናጽን ቤትምህርታት
ንመሰል ህዝቢ ሓታትን ተማጋትን ኣብእስርቤት ተዳጊኑ
ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሙሉእ ዕድሜኻ ኮይኑ
መንእሰያትና ናብሮኦም ከይመርሒ ተኾነኑ
ንስደት መረጹ ሕልምታቶም ድሕሪ ምብታኑ
እንተኾነ ግን ህዝብና ኢሉ ይኣክል
 ወጊድ ንጽቕጠት ንምልኪ  ሕጊ ኣልቦ ዎ መሰል
 ብውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ሃገርና ኣይትምራሕን
# መራሒ ሃገርና እዩ ሕግን ፍትሕን
# ሓላፍነት ተሰከመ ክኸውንዩ ናይህዝቢ ሓላዪን ኣገልጋልን
ኣይነፍቅድን ድሕሪ ሕጂ ንገባትን ዓማጽን
ህዝባዊ ሰራዊትና
      ፍሉይ ጻዉዒት ንህዝባዊ ሰራዊትና
      ከምኡውን ነኽባሪ ሕጊ ፖሊስና
      ንስኻ ኢኻ ሓላው ደረትና፣ ዶባትና፡ ዎሕግታትና
 ህዝባዊ ሰራዊትና ንገረኒ በጃኻ
መሰልካ ሕልውድዩ ኩሉ ጉባኣትካ
ወላ ናይ ውልቂ ወይ ጉጅለ ኢያ እታ ትፈትዋ ዓድኻ
ኣበይከሎ እቲ ምሳኻ ዝነበረ ብጻይካ
      እቲሓደ ጠፊኡ እቲሓደ ተኣሲሩ ሰሚዕና
      እቲሓደ ኣብ ሳሕራእ መይቱ ብጻዩውን ተሸይጡ ኢሎሙና
      እታ ብጸይትኻን፣ቲ ብጻይካን ዘጋነፎም ክንጸውዮ ኣይንኽእልን ኢና
 እቶም ኣቦኻን ኣዴኻንከ መንከሎ ድኣልዮም
ሕጂስ ድሕሪዚ ቡርቱዕ ቓሌሶም ይግቦኦም ነይሩ ክሓልፈሎም
እቶም ኣካሎስንኩላን ብጾትካ ኸ ከመይ ኣሎ ናብሮኦም
ሕጂስ ድሕሪዚ ቡርቱዕ ቓሌሶም ይግቦኦም ነይሩ ክሓልፈሎም
እንተኾነ ግን ጉጅለ ህግደፍ ኣይሓስቡን ብዘይካ ንዐኦም
       ኣንታ እዚኹሉ ኣብምንቲ ምንታይ
       ኣይተቓለስናን ዲና ብሓንሳእ ብምትሕልላይ
       ንፈትዋ ሃገርና ንኽትሕሉ መሰልካ መሰለይ
       ሕጂግን ሓርነታዊ ቓልስናዩ ንሃገርና ኣማዕባላይ
       ወጊድ ንጽቕጠት ብሓባር ኬና ብዘይምፍልላይ
ህዝባዊ ሰራዊትና ብህዝብኻ ፍትው ኢኻ
ሕጂውን ኣርእይ በጅኡ ምኻንካ
መሳርሒ ህግደፍ ኣይትኹን በጃኻ
# ብረትካ ኣይቀንዕን ኣብገጽ ኣሕዋትካ ዎ ስድራኻ
       ህዝባዊ ሰራዊትና ሓርበኛዊ ቓልስኻ ከይተርፍ በኒኑ
       ኣብጎኒ ህዝብኻ ደውበል ዓወታትካ ከይተርፍ መኺኑ
  ህዝባዊ ሰራዊትና እንታዩ ትጽቢትካ
ከምዚ ዘለኸዮ ተቐጺልካ ባርነትዩ ጊደኻ
ወይዉን ንስደትዩ ክኸውን ጠመታኻ
ብውልቂ እንተተቓዊምካ ብህግደፍ እስርቤት ከይኮን ገዛኻ
ተላዓል ብሓባር ፍትዉ ወዲ ህዝቢ እንዲኻ
# ሕብረትን ስምረትንዩ መግለጺ ናይ ኣቦታትካ
  ቤት ትምህርቲ ድያእ
 ተማሃሮን ወለድን ቤት ትምህርቲ ድያእ ዕዙዝ ሰላምታይ ይብዻሕኩም
       ቀጻልነት ሓርነታዊ ቓልስና ጀመርቱ ንስኹም እንዲኹም
       ሓጂ ሙሳ ዘቦኹም ዘባሓጎኹም ዕድለኛታት ኢኹም
  ኣብ ዓውደ ፍልጠት ህንጡያት ደለብቲ
ኣብ ጉቡእካ ምኽፋል ድሕር ዘይበሃልቲ
ንመሰሎምን መሰል ህዝቦምን ተማጎቲ
ንጎባጢን ወጻዕ ህዝቡን እንቢ በሃልቲ
ናይ ኣቦታቶምን ኣባሓጎታቶምን መንገዲ ሓቂ ሰዓብቲ
        ሓጂ ሙሳ ንስኻን ብጾትካን ኣፍሪኹም ዓቢይ ሃፍቲ
       ንቤትምህርትናን እሱራትናን ኣሕሊፍና ኣይንህብን በሃልቲ
ፍሉይ ሰላምታ ነዴታትን ኣሓትን ኣኽርያ
ጅግንነተን ኣብ ቅድሚ ገባቲ ሓይሊ ብጉሉህ ዘርኣያ
መሰላተንን መሰል ሃገራውያንን ካብ ምሕታት ፍጱም ዘይእለያ
ደቅኽንን ደቂደቅኽንን ኮይኖም ንመንእሰያትና ኣርኣያ
 ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዋኣትና
ነጻነት ንኹሎም ውጹዓት እሱራትና
ጊዜ መጽዩዩ ምህናጽ ነጻ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራና
ፍትሕን ሕግን ዝነገሳ እያ ትኸውን ሃገርና
                                   ሳልሕ ዮሱፍ  ሓሊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • shilan March 3, 2018

    Let him rot in prison where he truly belongs this evil jihadi taliban, unashamedly he declared evil jihadi Sha’ria law in our beautiful, civilized Christian Habesha Eritrea. He should get lost with his savage evil muslim followers to his stinking barbaric Arab world of Afghanistan, Libya, Syria, Iraq, Somalia or Sudan if he wants his barbaric jihadi Sha’ria laws and filthy hijabs. He should be grateful (these ungrateful beasts) that we allowed them their evil mosques in Eritrea.

    • k.tewolde March 3, 2018

      You forgot Saudi Arabia the epicenter of Shari’a law and Muslim faith,I wonder why?.Looking at your comment above,I can tell you are one of those with a cross tattooed on the forehead and a ma-hawk haircut with a cottage cheese odor ,you are the epitome of disgrace to Christianity and grotesque facade of hate diametrically equivalent to ISIS with deeply ingrained Islamophobia.

    • S0l March 3, 2018

      Shilan Tekhlay,
      ደሞዝ ወሲኾምካ ዶ ሕጊግደፍ

  • zeregabir March 3, 2018

    Father Mussa was not Objective. He didnot observe the situation. So many young Eritreans are under arrest as a result.
    Every Eritrean knows that the regime be austed but how?
    Not alone you spoke like Haji, you are in detention if you laugh.

  • Noor March 3, 2018

    Mashallah Aki Saleh Yousuf Hali

    Hiji Mussa is a man and spoke out in front of this dictatre Isys. Never mind about this orthodox Christian. They are wekaru because they are all like to be slaves and wedi Afewarki knows them properly. Hjii Mussa has passed away this morning in HGDF prison Allah yerhamu .

    • k.tewolde March 3, 2018

      All men die eventually,I see it in my profession everyday,what makes the death of Haj Mussa unique and those like him is, they are immortal,their passing away germinates a new life on others,they are the endless spring water of hope and inspiration where the downtrodden go to quench their thirst.I am heavy hearted today.

    • Mohamed March 3, 2018

      I don’t know who you are, but please, if you are Eritrean stop making divisive comments.
      A few Tigreyans or Eritreans of Tigreyan decent are busy on this forum to create a wedge among Eritreans along sectarian lines.
      Unless you are one of them posing as Eritrean you should not make such irresponsible comments.

  • Mohamed March 3, 2018

    My message above was for Noor.

POST A COMMENT