Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)   ኤርትራ ሃገርና ናጽነት ኣብ ዝረኸበትሉ ዓመት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን መሳርሕቱን ንቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደ ሚካኤል ንኸረኽብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ቢተወደድ ኣስፍሃ ይኸዱ፡፡ቢትወደድ ድማ ጃንሆይ

ኣቱም ሰባት ኢሳያስ መባልዕትና ኣይኮነን (ብዶ/ር ምስግና ገብረመድህን)

  ኤርትራ ሃገርና ናጽነት ኣብ ዝረኸበትሉ ዓመት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን መሳርሕቱን ንቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደ ሚካኤል ንኸረኽብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ቢተወደድ ኣስፍሃ ይኸዱ፡፡ቢትወደድ ድማ ጃንሆይ ዘበርከትሎም ካባ ለቢሶም ምስ ክዳውንቲ ሓበሻ ዝለበሱ መሰሰይቶም ኮይኖም ተቐበልዎም፡፡በዓል ወዲ ኤፍሬም ከኣ ሰምቢዶም፣ቢትወደድ ንሕናኮ ተገዳልቲ ኢና ክብሪ ሰብ ኣይንደሊን ኢና ይብልዎም፤ቢትወደድ ከኣ ትቕብል ኣቢሎም “እዚ ክብሪ ንኣኻትኩም ኣይኮነን፤ነዛ ሓዳስ ሃገር ኤርትራን ንህዝባን ኢና ክብሪ ሂብና ” በልዎም፡፡

ኣቦይ ጋይም ወልደማርያም ሓዎም ነቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ኣሜሪካ ድሓር ድማ ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበረኒ ከም ዓቢ መምህረይ እየ ዝርእዮም፡፡ሓደ እዋን ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ ሮማ ሻሂ እናሰተዩ ከዕልሉ እንከለዉ ቢተወደድ ኣፍስሃ ሕልፍ ኪብሉ ስለ ዝረኣይዎም፣ክሓብርዎም ምስ ዓደምዎም “ኣስፍሃ ሰድያኻ እምበር ተወሲዳ” ምስበልዎም “እንተ ኪኢሎማስ ገዲፍናሎም ኣሎና ” በልዎም፡፡ በዓል ኢሳያስ ግና 20 ዓመት ዕድል ተዋሂብዎም ካልእ ይትረፍ ዓሰብን ባጽዕን ከማሓድሩ ኣይክኣሉን፡፡ብርግጽ ኢሳያስ ንህዝቡ ክመርሕ ዘይከኣለ፣ ብህዝቡን፣ መሳርሕቱን ብጎረባብቲ ሃገራት ተመዚኑ ፎኺሱ ዝተረኽበ፣ንታሪኽ ኤርትራ ዝደንከለ ንህዝቡ ናብ ሕስራንን ድኽነትን ዝመለሰ ኢዩ፤ሃብታምን ክቡርን ባህልናን  መርኣያ ዝኾነ እምነት ህዝብና ዘዕነወ ዓሻ መራሒ እዩ፡፡ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ንህዝብን ዓለምን መግለጺ ክህብ እንከሎ  ከም ግቡእ ንገዛእ ርእሱ ወኪሉ አይኮነን ዝዛረብ፤እንታይ ድኣ ንመንግስትን ህዝብን ወኪሉ እዩ ክዛረብ ዝግብኦ፡፡ኢሳያስ ግና ንመሪሕነቱ ዜይበቕዕ ኣከዳድና፣ጠገለ ዘይብሉ ካብ ሓደ ዓንተር ገዛውቲ እኳ ዘይትጽበዮ ዘረባን፣ነቲ ክቡር ባህልና ዘይውክል ዓጀውጀውን፣ እዩ ዘቓልሕ፡፡ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ዝብላ “ከደምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ” ትብል ኢያ፡፡ኣብዚ ዘለናዮ  መበል 21 ክፍለ ዘበን ነተን ኣብ ኣባይትና ዘገልግላ ኣሓትና ምውጽኡ ፍንፉንን መቕለሊኻን መገመቲ መንነትካን ዝኾነ ጽዩፍ ቃል ኢዩ፡፡ኢሳያስ ግና ብዘይ ገለ ስክፈታ ወርትግ የቃልሓ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ፣ “ካብ ንሃገር ዝገዝእ ንገዛእ ርእሱ ዝገዝእ ይሕይል” ከምዝብሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ገዛእ ርእሱ ክመልኽ ዘይከአለ፣መንፈሳዊ ጸገም ዘለዎ፣ዕቡይ ሰብ እምበር ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን፡፡ኢሳያስ እቲ ዓቢ ጸገሙ ምክሪ ሰብ ዘይምስማዕ፣ጌግኡ ዘይእመን፣ቂመኛን በደል ዘይሓድግ ሕንጊድ ምኳኑን እዩ፡፡ በዲሎምኒ ኢዮም ንዝብሎም ብዘይ ገለ ንሕስያ ዝኣስርን ዘጽንትን መንደላይ ተመን እዩ፡፡ ብ1986 እተሓትመት “Eritrea the Agony of My People” እትብል መጽሓፈይ ደጋጊሙ ዘንበባ ወረጃ ኤርትራዊ ምሁር ዶ/ር ሓድሽ(ናይ ሓቂ ሽሙ ኣይኮነን) ሓደ እዋን ምስግና፤ “ኤርትራ ድሕሪ ነጻነታ ምድራን ህዝባን ካብቲ መግዛእቲ ደርጊ ዝነበረ  ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ስለ እትወድቕ ካልአይቲ ስቓይ ኤርትራውያን እትገልጽ መጽሓፍ ንክትጽሕፍ ተዳሎ ” በለኒ፡፡ ኣብቲ እዋን  ካብ ክቱር ሕርቓን ከም ሓደ ጸላኢ ጌረ ርእዬዮ ኔረ፡፡ ዶ/ር ሓድሽ ግና ዘረቡ ቀጺሉ ከምዚ በለኒ፤ “ ኢሳያስ ወዲ ገዛውተይን መማህርተይን ኢዩ ኔሩ፡፡ ኣብ ልኡል መኮነን ታሽዓይ ክፍሊ ተመሃሮ እንከሎና ኢሳያስ ዘለዋ ጉጅለ ሓበራዊ መጽናዕቲ ኣባላ ስለ ዘይነበርኩ  መቓድውተይ ካልኦት ስለ ዝነበሩ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ከም ጸላኢኡ ይርእየኒ ኔሩ፡፡ክልተ እዋን ድማ ደይ መደይ ኢሉ ሓንኵሉ ኣውደቐኒ፤ሳልሳይ እዋን ከም ኣመሉ ምስ ኣድበየለይ ተዳልየ ጸኒሐ ብበላሕ እምኒ ተንኳዕኩዎ፡፡ ደሙ ከይጸረገ ውዒሉ ምስ ተፈደስና ኣብ ከባቢ መደበር ኣድብዩ ጸኒሑ ይፈግኣኒ ኣብ ሰሙኑ ድማ የዕሩኽትና ከተዓርቊና ይፍትኑ እንተ ኢሳያስሞ ሞት ይሓይሽ ዕጭ ሓንፍፈኩ ይብል፡፡ኣነ ድማ ካብ ገጽ ኢሳያስ ምርኣይን ካልእ ሓደጋ ኣብ ነብሰይ ዘምጽእ ኢለ ንቀዳማዊ ኃይለ ሥላሴ(ቀ.ኃ.ሥ) ይቕየር፡፡ ኣነን ኢሳያስን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓሊፍና ምስ መጻናውን ከተዓርቊና ይፍትኑ ሕጂውን ኢሳያስ ዕጭ ሓንፈፍኩ ይብል፡፡ ብድሕሪኡ ኢሳያስ ናብ ሜዳ የምርሕ ኣነ ድማ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺበ ናብ ሃገረ አሜሪካ ኣምራሕኩ፡፡ ብበዓል ኢሳያስ እትምራሕ ኤርትራ ኣይ ሃገረይን፣ ሃገር ደቀይን ደቂ ደቀይን ኢለ ከኣ ይውስን፤ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ ከኣ ፈጺመ ኣይጠዓስን፡፡” እዚ ዘይልወጥ መንነት ኢሳያስ ከምዝኾነ ብዙሕ መርትዖታት ከተቕርብ ምተኻእለ፡፡ ጴጥሮስ ሰሎሞንን በዓልቲ ቤቱ ኣስቴርን ኣቡኡን ኣዲኡን ኣይቐተልሉን፡፡ ኢሳያስ ግና ወዲ ሰሎሞን ምስ ኣሕረቖ ንሰበይቱን ደቑን ኪቐጽዕ ኢዩ ወሲኑ፡፡ ሎሚ ኣስቴር ኣብቲ መሰክሕ መሓዩር ህግደፍ ተዳጕና፣ደቓ ፍቕሪ ወለዶም ከይረኣዩ ዘኽቲሞምን እቲ ጀግና ኣቦኦም እተጋደለሉ ብጅግንነቱ ከኣ ዝፍለጠሉ መሬት ኤርትራ ብሰንኪ ምፍርራሕ ዑሱባት ካድረታት ህግደፍ ራሕሪሖሞ በኣጻምእ፣ብቁርን ኣስሓይታን ካብ ዘይንሕፉ ኣራዊት መሮር ኣምሊጦም ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ፡፡

 

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሓደ ኮንፈረንስ ምስ ሓደ ጀርመናዊ ብዓል ስልጣን ንራኸብ እሞ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ነበር በራኺ ገብረሥላሰ ጽቡቕ ሌላ ከምዝነበሮ የዕልለኒ፡፡እዚ በዓል ስልጣን ጀርመናዊ ድማ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተራኺቡ ብዛዕባ እዚ ምዕሩግ ኣምባሰደር ነበር ኣቶ በራኺ ምእሳር ከረዳኣኒ ሓተትክዎ ይብል፡፡ ኢሳያስ ከኣ ገለ ከይሓነኸ፣ “ኣነ በራኺ ኣብ ኣውሮጳ ከምዘሎ ኢየ ዝፈልጥ ኔረ ንመጀመርታ እዋን ምእሳሩ ካባኻ ሰሚዔ” ምስ በለኒ ኢሳያስ እቲ ዘደንግጽን ዘሕዝንን ሰብ ኮይኑ ረኺበዮ ኢሉ ኣዘንተወለይ፡፡ኢሳያስ ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገርን ተቋዋምን ተዓረቕ እንተድኣ ኢልካዮ ትርጕም ዕርቂ ስለ ዘይፈልጦ ነቶም ኣታዓረቕቲ ክልተ ዕድል ኢዩ ዝህቦም፡ወይ ምእሳር ወይ ድማ ምቕታል፡፡ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ንኢሳያስ ብዛዕባ ዕርቅን ሕድገትን ንክምህርዎ ነዊሕ  እዋን ወሲድሎም፡፡ ኢሳያስ ግብሪ ይቕረታ ከይፈጸማ ከኣ ኣቦይ ወልደኣብ ናብ ዓዲ ኩሉ ሰብ ኸዱ፡፡ መለስ ዜናዊ ግና ብስራሕ ናብ ኣስመራ መጺሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰለስተ ሳዕ ኣብ ብብርኩ ተደፊኡ መርቑኒ ኢልዎም መሪቖም ከኣ ኣፋነውዎ፡፡ኢሳያስ ምርቓን ምኽባር ዓበይትን ዘይፈልጥ ብምህሮ ማርክስ፣ሌኒንን ማኦን እተጠመቐ ንሃብታም ባህሊ ህዝቡ ዝሓምተለ ሰብ ኢዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን እተን ኮሚኒሰት ሃገራት ነዚ ዘድከየንን ዘቖንቖነን መምሪሒአን ጠንጢነን ብምዕባለ ኣብ ምግስጋስ ምህላወን ኤርትራን ኮሚኒስት ኮርያን ግና ኣብ መዓሙቕ ድኽነት ይጥሕላ ምህላወን ኢዩ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን ልዕሊ ሺሕ ዓመት ዘለዎ ሃብታም ሕግን ስርዓትን ዘሎና ህዝቢ ኢና፡፡ ነቲ ኣቦታትና ዝሓገግዎ ኣጽኒዕና እቲ ኣድላይን ኣገዳስን ወሲድና ንሃገርና ክንሃንጽ ይግብኣና፡፡ሓንቲ ቻይናውያን ዝፈትውዋ ምስላ ኣላ፤ኣብታ “እታ ጸባብ ድልድል” እትብሃል ንምሕዳረን ክኸዳ ክልተ ወኻሩ ተራኻባሞ ንድሕሪት ክምለሳ ኣይከኣላን የማነ ጸጋም እንተራኣያ ከኣ ጸድፊ ኮነን፡፡ ብድሕሪኡ ባእሲ ይገጥማ፤ምስስዓር ምስ ሰኣና ቁሩብ እንተ ጸኒሔን ድማ ብዓል ነብሪ መጺኦም ከም ዚጎባብጥዎን እተረድአት  እታ ሓንቲ ለባም ወኻርያ ብርክኽ ትብል እሞ እታ ሓንቲ ዘሊላታ ትሰግር ብሰላም ድማ ናብ ምሕዳረን ክኣ ይኸዳ፡፡ሎም ድማ ከም ህዝብን ሃገርን እንተ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተ ኣብ ስደት ለባማት የድልዩና፡፡ግራዝማች ካሕሳይ ኣለማዬሁ ክምስሉ  እንከለዉ “ንህብን ሃመማን ሓደ ይመስሉ፤ንህቢ መራሒ ስለ ዘለዎ ግና መዓር ይምገብ፤ሃመማ ከኣ መራሒ ስለ ዘይብሉ ኣብ ጎሓፍ ይምገብ ”ብሉ፡፡ህዝብና ካብ ጎሓፍ ናብራ ከነውጽኦ እንተድኣ ኮይኑ መገብቲ መዓር ክንከውን እግዚኣብሄር ይሓግዘና፡፡

ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • halengi February 26, 2014

    aye doctorat nai lebzeben thenihna entay kinseme ina blash fegewo fegeyo nekulgizie ab zelokumo tirefu doctor

  • Suleiman Salim February 26, 2014

    ኢሳያስ መባልዕትኹም ኣይኮነን ዶ ኢልኩም? ኣይመባልዕትኹም ኣይመሳትይትኹም ብዝያዳ እኳ ደኣ ምሳኹም ዘቕርቦ ነገር የብሉን።

    • Elssa February 26, 2014

      ሱለይማን
      ልክዕ አሎኻ ጎይታኻ አስያስ ውኻርያ፡ ደ/ር ምስግና ድማ ርግቢት።
      ስለ’ዚ ርግቢትን ውኻርያን ዘመሳስሎም ነገር የለን።

      • belay nega February 26, 2014

        Elssa,

        “ልክዕ አሎኻ ጎይታኻ አስያስ ውኻርያ፡ ደ/ር ምስግና ድማ ርግቢት።”

        እሞ ካብቶም ንድሩዕ ኩሉ ጅግንነቱ ረሲዖም በታ ሓንቲ መዓልቲ ተጋግዩ “ተጠላቂና” ዝበላ ጥልቁይ ዝብልዎ አይትሕሽን ኢኺ

  • Habte Kifle February 26, 2014

    Dear brothers and sisters,
    Let us take care of the people who are intentionally trying to take us out of our way by either distorting the articles, or by Personality assasination!! or by speking garbage!!
    Dr. Misghina has wrote a nice article that portrays the personality of our “president/desroyer”

    If any one has a different view he is free to put it but not in sisniter way!!!
    Assenna is ready to accomodate any honest and not sisnister and FELALAYI opinions!!!

  • abeba February 27, 2014

    ኢሳያስ መባልዕትኹም ኣይኮነን ዶ ኢልኩም? ኣይመባልዕትኹም ኣይመሳትይትኹም ብዝያዳ እኳ ደኣ ምሳኹም ዘቕርቦ ነገር የብሉን።

  • Suleiman Salim February 27, 2014

    ማይቲ

    ስጋዕ ሕጂ ኣንባብየይ ስለ ዝኾንካን ብዝያዳ ድማ ከም ሓዊ ስዉኣት ስለ ዝፈልጠካ እንዳ ጸረፍካኒ ሸለል ክብለካ ጸኒሐ። ሓንሳእ ካብ መስመረይ ክወጽእ ነዚኣ ዝድረብየልካ ዘለኹ ኩዕሶ ተቐበል፡

    በል ሉጢስ ምስ ማይቲ እያ ትሳማማዕ ማለት —> ማይቲ ሉጢ!!!

    ካብ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)
    ናብ ማይቲ ሉጢ ( ጸያፋት ከም ማይቲ ሉቲ ዝፈልጥዎ )

  • ንኣምን February 28, 2014

    ብጣዕሚ ጽቡቕ ጽሑፍ። እዛ ጽሕፍቲ ኣጸቢቓ ነቲ ጠባያት ኢሳያስ ትገልጽ እያ። እዚ ሰብ ንምዕናው እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ዝበቅዕ ሰብ ኣይኮነን።

  • Zmeroro March 1, 2014

    Mebalie’tina aykonen tray diyu wey’s ketfeaana iyu te’atiku? Atum sebat intay aynet zereba iyu? Sebay – zelo zeyelo hailu tetekimu adi inaatfe’s mebalitna try aykonen ilka ydemdem! Betami zehizin iyu!

  • Mesinas March 2, 2014

    ዝኸበርኩም ዶ/ር ታሪኻውን መሃርን ጽሑፍ፤ ብፍላይ ድማ እቲ ምስላን ትንታነኡን መሲጡኒ። ኣስተምህሮኹም ከይፍለየና ድማ እላቦ።

POST A COMMENT