Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የልቦን። ታሪኽ ግና ነባሪ’ዩ። እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ወሎዶታት ኩሎም ድማ፥ ብታሪኽ እምበር ብኣካል ኣይረኣናዮምን። ብታሪኽ ግና ንፈልጦም ኢና። እቲ 1983 ዓ/ም (1991) ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ’ውን፥

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ

ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት

ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የልቦን። ታሪኽ ግና ነባሪ’ዩ። እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ወሎዶታት ኩሎም ድማ፥ ብታሪኽ እምበር ብኣካል ኣይረኣናዮምን። ብታሪኽ ግና ንፈልጦም ኢና። እቲ 1983 ዓ/ም (1991) ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ’ውን፥ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ። እቶም ታሪኽ ዝሠርሑ ግና ሰባት’ዮም።

ኣብቲ ቅድሚ 28-ዓመት ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ካብ ዝተዋስኡ ኣቦታት ሓደ’ውን፥ ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ እዮም። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ብጀካ ሓደ ጳጳስ ካልእ ስለ-ዘይነበረ። ሲኖዶስ ንምቛም ዘኽእል ባይታ ነይሩ ዝበሃለሉ ግዜ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፥ ከም መሰጋገሪ ተባሂሉ ሓደ “-ግዚያዊ-ሲኖዶስ-” ዝተባህለ ጉባኤ ክቐውም ከም-ዝተገብረ ይፍለጥ።

ካብቶም ዓበይቲ ሃገር ተባሂሎም ዝተመርጹ ሠለስተ ሰባት ድማ። ሓደ ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ስለ-ዝነበሩ። ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ልቦናን ትዕግስትን ዝተዓደሉ ስለ-ዝነበሩ። ንዘረባ ዝህወኽ ባህርያት ኣይነበሮምን። እዚ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ባህርያት ሒዞም ከኣ’ዮም፥ ን8-ዓመት መመላእታ ኣባል ግዚያዊ-ሲኖዶስ ብምዃን ዘገልገሉ።

ርግጽ’ዩ ምስቲ ናይቲ ሥርዓት፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኢድ ምእታው ተተሓሒዙ ክርአ ከሎ። ኣባላት ግዚያዊ-ሲኖዶስ ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ቀሊል ኣይነበረን። ብዙሕ ፈታኒ ኩኑታት የጋጥም ከም-ዝነበረ’ውን ዝፍለጥ’ዩ። ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ግና ነቲ ዝግበር ዝነበረ፥ ዘይሕጋዊ ኣሠራርሓ ተጻዊሮሞ ክኸዱ ይደልዩ ስለ-ዘይነበሩ። ግልጺ ዝኾነ ተቓውሞ ብምግባር ካብ ዝንገረሎም፥ ኣባላት ግዚያዊ-ሲኖዶስ ሓደ ምንባሮም’ዩ ዝፍለጥ።

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፥ ነቲ ብተጽዕኖ ፖለቲካ መኣዝኑ ስሒቱ ዝርከብ ዝነበረ መሪሕነት መንበረ-ጵጵስና። ብበግዚኡ ሠለስተ ናይ ተቓውሞ-ደብዳቤታት ምጽሓፎም ዝፍለጥ’ዩ። ርግጽ’ዩ ብኹሉ ወገን ዝግበር ተቓውሞ ነይሩ’ዩ። ደብዳቤ ብምጽሓፍ ተቓውሞኡ ክገልጽ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን። መወዳእትኡ ድማ “….ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ፥ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ጉባኤ፥ ኣባል ኣይከውንን እየ….” ብምባል፥ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ክሳብ ምጽሓፍ ዝኸይድ ርሕቀት ዝተጓዕዙ። ከምኡ’ውን ክብደት ሓላፍነት ዝፈልጡን ዝርድኡን፥ ዓቢይ-ሰብ’ዮም ነይሮም ተባሂሉ ክንገረሎም’ውን ግቡእ’ዩ።

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ናይ ሥራሕ ሰብ እምበር፥ ናይ ዘረባ ሰብ ኣይነበሩን። ሓቅን ቅንዕና ድማ ናይ ሕይወቶም መምርሒ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ንሶም እግዚኣብሔር ቤቶም ዝባረኾ በዓል-ምሉእ ጸጋ’ዮም ነይሮም። እዚ ከም ምኽንያት ኮይኑ ግና፥ ካብቲ ክኾኑዎ ዝግብኦም ክርስቲያናዊ ናይ ሕይወት መስመር፥ ከውጽኦም ኣይከኣለን። ካብ ቤተ-ክርስቲያንን ካብ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባንን ከይተፈልዩ ከኣ፥ እቲ ምድራዊ ጉዕዞኦም ፈጺሞሞ።

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ ኣቦ ኣርባዕተ-ኣዋልድን፥ ሓሙሽተ ኣወዳትን እዮም። ዳርጋ ዝበዝሑ ደቆም’ውን ኣብቲ ቃልሲ ሃገር ኣሳቲፎም እዮም። ሕጂ መንገዲ ሰማይ ኣቕኒዖም ይኸዱ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ ከኣ፥ ንብሙሉኣቶም ደቆም ንድሕሪት ገዲፎም ክኸዱ ዝተዓደሉ ወላዲ እዮም። እዚ ከምዚ ዝበለ ዕድል ከኣ፥ ዉሑዳት እግዚኣብሔር ዝባረኾም ወለዲ ዝረኽቡዎ ዕድል እዩ። ኩሉ ነገር ከኣ ኣብ ንጽሕና ልቢ’ዩ ዝምሥረት። ስለዚ ከኣ’ዩ “-ንጹሓት ልቢ ንኣምላኽ ክርእዩዎ እዮም’ሞ ብፁዓን’ዮም-” ተባሂሉ ዘሎ (ማቴ. 5/8)

ብዝተረፈ ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፥ ትውልዲ-ዓዶም ኣርባዕተ-ኣሥመራ ኮይኑ፥ ካብ ገዛ-ስርንስር እዮም። ካብቶም ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ዝበሃሉ ሓደ ስለ-ዝነበሩ ድማ። ኣብ መበል 102-ዓመት ዕድሚኦም’ዮም ዓሪፎም። ክሳብ መወዳእታ እዋን ድማ፥ ምስ ምሉእ ኣእምሮን ጉልበትን ‘ዮም ሕይወቶም ክመርሑ ጸኒሖም። እቲ ናይ መወዳእታ ሰዓት ከም-ዝኣኸለ ምስ ተረድኦም ድማ፥ ነቶም ኣብ ቀረባ ዝተረኽቡ ደቆም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙናት  ኮይኖም ክርከቡ ብምምዓድ፥ ምስ ኩሉ’ውን ብፍቕርን ምጽውዋርን ክነብሩ’ዮም፥ ኣጽኒዖም ከም- ዝተላበዉዎም ዝነገር።

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስን ወይዘሮ ሓረጉ ቀሺ ዑቕባ-ዮሓንስን ዝፈረዩዎም ብዙሓት ኮይኖም። ደቂ ደቆም ዝወለዱዎም ክርእዩ’ውን ጸጋ ረኺቦም እዮም። ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ ጽላል-ዓደቦ ዝነበሩ ኮይኖም። ብንዳቦኦም ኣዚዮም ዝተፈትዉን ዝኸበሩን ወረጃ ምንባሮም’ውን፥ ምሉእ ዓደቦኦም ይምስክረሎም’ዩ። ነውርን ዓመጽን ዝጽየፍ ባህርያት ስለ-ዝነበሮም’ውን። በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንልዕልና-ሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ሥርዓት። ከም ኩሎም እቶም ኣብ ናቶም ዕድመ ዝርከቡ ወለዲ። ብእህህታን ኣስተንትኖን ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ፥ ኣብ ምዅሕኳሕ  ምጽንሖም ‘ውን ዝፍለጥ’ዩ። ከመይሲ ብሃገርን ብሕዝብን ዝመጸ ድቃስ ይወስዶም’ዩ ዝበሃሉ ኣይነበሩን።

ስለዚ’ውን “-ቅኑዕን ሕያዋይን ኩን እሞ፥ ነዊሕ ዕድመ ክትረክብ ኢኻ-” ተባሂሉ ከም-ዘሎ። (ምሳ. 21/21) እዚ ቅዱስ ጽሑፍ’ዚ፥ ኣብዞም ክቡር ኣቦና ፍጻሜ ረኺቡ ንርእዮ ኣሎና። ሰብ ኮይኑ ካብ ሞት ዝተርፍ ስለ-ዘየልቦ ግና፥ እንሆ መንገዲ-ሰማይ ኣቕኒዖም ከይዶም ኣለዉ’ሞ። እቲ ሕያው ኣምላኽ፥ ነቶም ሕሩያቱ ዘዳለዎ ኣኽሊል-ሕይወት ክዕድሎም ጸሎትናን ተስፋናን እዩ።

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Nahom Solomon June 17, 2019

    The great and very kind man Aboy T/giorgious BaAtay left us very beautiful and very brilliant
    children like sister Abeba, brother Petros, brother Pawlos and others, so he didn’t die without replacement.

  • Yohannes Tseggay Berhe June 17, 2019

    ኩልኹም ዝተፈተኹም
    ብጾትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ደቀቦይ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ፡

    እዞም ክቡር ኣቦና ጽቡቕ ኣብነትን ታሪኽን ገዲፎሙልና ብምሕላፎም፡ ዋላኳ ፍቕሪ ወላዲ ዘይጽገብ እንተኾነ፡ ነቲ ጸጋ ዝመልኦ ኣምላኽ ዝዓደሎም ህይወት እናዘከርኩም፡ ንሓድሕድኩም ክትጸናንዑን፡ በቲ ዝገበሩዎን ኣብ ስድራቤት ዝተኸሉዎን ፍቕሪ ክትሕጎሱን ክትሕልዉዋን፡ ሰናይ ትምኒተይን ትምኒት ስድራቤተይን ኢዩ።
    ንኹልኹም ቤተሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ብቐረባ ሓቢርና ዝሰራሕናን፡-ጳውሎስ፡ ጴጥሮስን ኣበባን፡ ጽንዓት ይሃብኩም።

    ንክቡር ነፍስሔር ኣቦና እግዚኣብሔር ኣብ የማናይ መንበሩ ይቀበሎም።

    ሓውኹም ዮውሃንስ ጸጋይ
    ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ኢለን ዓንደማሪያም

  • Kiki Tzeggai June 17, 2019

    Abboy Baatai was a father figure to me since my teen-age years. In a world where many were seeking fame, he remained humble. That he was doing well, one could notice by the way his children had when calling him “Abboy”. At no time I remember him as a father that scolded; he was a comrade with his boys and a friend with his daughters. I included.
    I – personally – had so many questions that needed answer to and each I received from him. Now that you are gone – dear Abboy Baatai- I know you can still hear me because we will talk through our hearts.

  • Tedros Tecle June 18, 2019

    ብሞት ክቡር ኣቦና ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ዝተስመዐና ሓዘን እንድገለጽና እዞም በዓል ጸጋ ኣቦና ንስድርኦምን ደቆምን ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ጠሊ ክገድፋልና ንምነ ንብሙልኣት ስድራ ቤት ጽንዓት ይሃብ
    ቴድሮስ ተኽለ
    መምህር ትኩእ

  • መሪጌታ ዮሓንስ ተድላ June 19, 2019

    ኣቦይ ተስፋ-ጊዮርጊስ ዓሪፎም እምበር ሞይቶም ዝበሃሉ ኣይኮኑን። ከምዚ ዝኣመሰለ ወርቂ ዝኾነ ታሪኽ ንድሕሪት ገዲፎም ዝኸዱ ብዙሓት ኣይኮኑን። እቲ ታሪኽ ሕይወቶም ከም-ዘረጋግጾ ግና። ንሶም ኣብቲ መሰረት ቤተ-ክርስቲያን ንምጥጣሕ ዝተገብረ ውረድ ደይብ። ግቡኦም ፈጺሞም ዝሓለፉ ከም-ዝኾኑ። እቶም ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡዎ ተዛሪቦሙሎም ኣለዉ። እዚ ከኣ ነቦይ ተስፋጊዮርጊስ ዓቢ ምስክርነት እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ከኣ ታሪኽና ስለ ዝኾነ። ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ዓቢ ታሪኽ ገዲፎም ሓሊፎም ኣለዉ። መን መን ከም ዝነበረ ክንገረሉን ክጸሓፈሉን ከኣ ግቡእ እዩ። ነቦይ ተስፋጊዮርጊስ በዚ ታሪኽ እዚ ክንፈልጦም ኣይጸናሕናን። ተጊሆም ዝጽሕፉ ስለ ዝተረኽቡ ግና። ውርሻ ታሪኽ ረኺብና ኣሎና። እቲ እምቢ-! ምባል እውን፣ ትማሊ ይበሃል ከም ዝነበረ። ካብ ታሪኽ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ተማሂርና ኣሎና። በዚ ጽንዓትን ትብዓትን እዚ ከኣ። ነዞም ክቡር ወላዲ ከየመስገናዮም ክንሓልፍ ኣይንደልን።