Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ!!

መስፍን ሓጐስ ኣብ ሬድዮ ሓርነት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ በጋጣሚ ኣብ ፌይስቡክ ምስ ረኣኹዎ ግድን ክሰምዖ ኣለኒ ብምባል ተኸታቲለዮ። ከም ሓቂ፡ ብፍላይ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ብዙሕ ሰብ ብርክት ዝበለ ነቐፌታ ክውሕዞ ስለ ዝጸንሐ፡ ገለ

መስፍን ሓጐስ ኣብ ሬድዮ ሓርነት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ በጋጣሚ ኣብ ፌይስቡክ ምስ ረኣኹዎ ግድን ክሰምዖ ኣለኒ ብምባል ተኸታቲለዮ። ከም ሓቂ፡ ብፍላይ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ብዙሕ ሰብ ብርክት ዝበለ ነቐፌታ ክውሕዞ ስለ ዝጸንሐ፡ ገለ ዝብላዕ ዘረባ የስምዓና ይኸውን ዝብል ግምት ነይሩኒ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ ቃለመሕትቱ ግን ናይ ኢሳያስ ዜማ ጥራይ የቃልሕ ነይሩ። እቱም ሰባት! ቍሩብ ኣይምኰርን ድዩ? ኣብ ምባል ኣትየ። ካብ ቃለመሕትቱ ገና ኣብ ሰማንያታት ይነብር ከም ዘሎ’የ ተረዲአ። ዘረባኡ ድማ ልክዕ ነቲ ኣብ ሳሕል ከለና ንሰምዖ ንዝነበርና ናይ ኢሳያስ ቃለመሕትት ኣዘኻኺሩኒ። ንመስፍን ሓጐስ፡ ንምዃኑ ሎሚ ሰብ ኣበይ በጺሑ ከም ዘሎ ትፈልጥዶ? ሳላ ተክኖሎጂን ኢንተርኔትን ሎሚ ኤርትራዊ ኣዝዩ ብዙሕ ነገር’ዩ ዝፈልጥ። ብሰንኪ ግጉይን ግፍዓውን ፖሊሲ ኢሳያስ ከም ሕሱም ናብ ስደት ስለ ዝወሓዘ ከም ሳዕቤን ብዙሕ ነገር’ዩ ዝፈልጥ። ስለዚ፡ ኣብ ናይ ሳሕል ኣዝህንህኖት ወይ ኣተሓሳስባ (ሲንድሮም) ወጺእካ ናብቲ ሓቂ ምጻእ ክብሎ ምደለኹ።

MesfinHagosብዝኾነ መእተዊ ከየንዋሕኩ ናብ’ቲ ዝነበረ ቃለመሕትት ክሓልፍ። ትሕዝቶ ሕቶታት ንኣሰላልፋኡ፡ ቀልጢፉ ናብ መሪሕነት ምድያቡ፡ ትግባረ ቅዋም፡ ጕዳይ ጕጅለ 15፡ ናይ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ኣጋጣሚ ዝፈጠሮ ምንባሩ፡ ኵነታት ቃልስን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና እዞም ኣብ ደገ ዘለዉ ደንጕዮምና ከም ዝብል፡ ብዛዕባ ታሪኽ ምጽሓፍን ምስ ምህላው ድኹም ተቓውሞ ትም ምባል ይሓይሽ ኢልካዶ ትፈልጥ. . . ? ዝብል ነይሩ። እቲ ሎሚ ዘገደሰኒ ነጥቢ ብዛዕባ ታሪኽ ምጽሓፍ ዝበሎ ስለ ዝኾነ ግን ናብኡ ከተኵር’የ። እቲ ዘገርም፡ መስፍን ሓጐስ ዝተዛረቦ ሓድሽ ነገር እንተ ነይሩ ንተስፋይ ተምነዎ ከም ሕሱም ምውቃዕ ጥራይ’ዩ። ዕላማ ናይቲ ቃለመሕትት’ውን ብመደብ ናብዚ ኣንፈት’ዚ ዝቐንዐ ይመስል ነይሩ። ምኽንያቱ ሕቶታት ምስ ተወድአ ኣብ ራብዓይቲ ክፋል ቪድዮ፡ ክትብሎ ትደሊ ነገር እንታይ ኣሎ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ዝሃርሞ ኣሎኒ በትረይ ሃቡኒ ከም ዝብሃል፡ ነታ ቍሩብ ደቓይቕ ጥራይ ዝኸደት ቪድዮ ንተስፋይ ተምነዎ ኣብ ምድሃኽ ጸንቂቑዋ። ንገለ ካብቲ ተስፋይ ተምነዎ ኣብ ቃለመሕትቱ ዝገለጾ ቦታታትን ፍጻሜታትን ፈልዩ ብምጥቃስ ነጺጉ። ብወገነይ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሜዳ ስለ ዘይነበርኩ ነዚ ናብ ተስፋይ ተምነዎ ክምልሶ ብምሕዳግ፡ ናቲ ብዛዕባ ታሪኽ ምስናድ ዝምልከት ዝሃቦ ቅያ መልስታት ክሰግር እየ። ታሪኽ ክጸሓፍ ኣለዎዶ ንዝብል ሕቶ መልሲ መስፍን ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፡-

“ብመጀመርታ ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ዝተሳተፉ ብዙሓት ስለ ዘለዉ፡ ንታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መጻኢ ወለዶታት ኣብ ምስግጋር አእጃሞም ከበርክቱ ኣለዎም። ኣነ’ውን ከምኣቶም ዝፈልጦ ታሪኽ እንተ’ልዩኒ እጃመይ ከበርክት ኣለኒ እብል’የ፡ እደሊ እየ’ውን። በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ከምዚ ጐናይ መናይ ኢልካ ዝጠቐስካዮ ናይዚ ዘለናዮ ግዜ ኣቀራርባ ታሪኽ ክርእዮ ከለኹ ‘እንቋዕ’ባ ኣይተዛረብኩ’ ኣብ ምባል በጺሐ፡ ምኽንያቱ ጐናይ መናይ እዩ ዝኸውን። ድሕሪ ሕጂ ንዝጸሓፍ ታሪኽ ድማ ተኣማንነት ከስእኖ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ እየ በጺሐ። ምኽንያቱ ኵሉ ከከም ድላዩ ሃንዲሱ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ሓደስቲ ወለዶታት ተመራሚሮም ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኣይበጽሑዎን ማለተይ ኣይኮንኩን። ኣብኡ ንኽበጽሑ ግን ዘይግባእ ናይ ግዜ ምብኻን ከኸትለሎም’ዩ። ኣነ’ውን ንግዜኡ ናይ ምጽሓፍ ይኹን ናይ ምግላጽ ሸውሃት የብለይን። እዚ ዝዝረብ ዘሎ ድማ መብዛሕትኡ ወላ ጐናይ መናይ ሓቅታት’ውን የብሉን ዝብል እምነት’ዩ ዘሎኒ። ምኽንያቱ ጐናይ መናይ ሓቅታት እንተ ኢልናዮ ቍርጽራጽ እዩ’ምበር ሓቅታትስ ኣለዎ ስለ ዘስምዕ። ታሪኽ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ዘኸትሎ ሳዕቤን … ወዘተ ብምባል፡ መጻኢ ወለዶታት ቅድም ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ብዝቐለለ መንገዲ ክፈልጡዎ ከም ዘለዎ ክግበር ኣለዎ።”

ኣስዕብ ኣቢሉ ‘ታሪኽ ክጸሓፍ እንተ ኾይኑ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህግሓኤን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ተሓዊሶሞ እንተ ዝጸሓፍ’ ዝብል ርእይቶ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ጽንሕ ኢሉ ‘እዚ ማለት ግን ናይ ውልቀ ሰባት ናይ ምጽሓፍ ድሌት ድዩ መሰል ደው ክብል ኣለዎ ማለተይ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ንመጻኢ ወለዶታት ዝጠቅም ክህልዎ ይኽእል’ዩ። እቲ ዝያዳ ከም መወከሲ ክኸውን ዘለዎ ግን እቲ ብኸምዚ ዝገለጽኩዎ ኣገባብ ዝተጻሕፈ ክኸውን ኣለዎ እብል፡ መታን መጻኢ ወለዶ ከይደናገር። እዚ ናተይ ምርጫ እዩ፡ ኣነ’ውን ኣብኡ ከበርክት ምደለኹ። ብውልቀይ ዝጸሓፍ እንተ’ሎኒ ድማ ምጸሓፍኩ ዝያዳ ግን ቀዳምነት ንዑኡ ምሃብኩ። እዚ እንተ ዘይኮይኑ ግን እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ዝጸሓፈሉ ኣገባብ ኣየናይ እዪ ኢልካ ብምይይጥ እንተ ዝውደብ ምሓሸ እብል። ኣነ ከም ውልቀሰብ ገለ ክብል ከም ዘለኒ ይርድኣኒ እዩ። እንተ ኾነ፡ ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ካልኦት ክርእዩለይ ኢለ ወይ ንኻልኦት መጫፈሪ ወይ ካልኦት ንኽሕጐሱለይ ኢለ ዘይኮነ መዓስ እንታይ እገብር ናተይ ውሳኔ እዩ።

ብሓቂ ጨለ ዘረባ እዩ፡ ናብ መን ዝቐንዐ እዩ ዝብል ሕቶ ግን ይስዕብ። ነዚ ሃለውለው ዝበዝሖ ቃለመሕትት እዚ ዝኾነ ብዛዕባ ሃገሩ ዝግደስን ደላዪ ፍትሕን ታሪኽ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘይርድኦ ኣይኮነን። መስፍን ሓጐስ ካብ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ህግደፍ ንጹር መርገጺ ዘይብሉ ሰብ ሓበሬታ ዝደልየሉ ኣይኮነን። ካብ መስፍን ሓጐስ እንተኽኢሉ ታሪኽ ይግለጽ፡ ካብኡ ተረፈ ህዝቢ ብናይ መስፍን ሓጐስ ተደናጊሩ ነይሩስ ናብ ልቡ ከም ዝተመልሰ ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ተስፋይ ተመነዎ ዝገልጾ ዘሎ ታሪኽ ንመንእሰይ ወለዶ ከደናግር እዩ ኢልካ ምዝራብ ግን ሰብ ከይስሕቀካ እንተ ሰሓብካዮ ይሕሸካ ክብል ምኽረይ እልግሰሉ። ትልቅ ሰው ሲሳሳት ቅራሬ የለውም ይብሉ ኣምሓራ ክምስሉ። መስፍን ድማ ሓንሳብ ፋሕ ምስ በሎ ትም ኢሉ ከንከራርው ንርእዮ ኣለና። ዝያዳ ንጹር መታን ክኾነልና ግን ነቲ ዝበሎ በብሓደ ንርእዩ።

–       መስፍን ኣብ ታሪኽ እጃሙ ከበርክት ድሉው ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። በንጻሩ ግን ታሪኽ ክገልጹ ንዝተበገሱ ሓርበኛታት ኢደሰባራ ክገብር ኢና ንዕዘቦ ዘለና። መስፍን ሓጐስ ይኹን ከም በዓል ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ደቂ መዛሙርቱ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ይኹን ታሪኽ ህግሓኤ ክግለጽ ፍጹም ከም ዘይደልዩ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዓው ኢሎም ገሊጾም እዮም። ንህዝቢ ንምድንጋር ግን ብዛዕባ ታሪኽ ምስናድ ክሕተቱ ከለዉ፡ “እወ ታሪኽ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ብግቡእ ክስነድ ኣለዎ፡” ብምባል ከም ሃሌሉያ ዝደጋገም መልሲ እዮም ዝህቡ። ንኣብነት ኢሳያስ ህቡብ ነቲ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ንዓመታት ደኺሙ ዝጸሓፎ ኣይንፈላለ፡ ከምኡ’ውን ካብ ፈደረሽን ክሳብ ማቴንዞ ዝብል መጻሕፍቲ፡ ኣብ 2007-2008 ምስታ ብማሕበር መንእሰያት እትዳሎ መጽሔት መንእሰይ ቃለመሕትት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ከም ዘባጨወሉ ጭቡጥ ኣብነት እዩ። እቲ መጽሓፍ ግን ባህላዊ ጕዳያት ህግደፍ ኣሚኑሉ ይጸሓፍ ዝተባህለ እዩ ነይሩ። ምናልባሽ ኢሳያስ ዘይደልዮ ንደሞክራሲ ዝምልከት ትሕዝቶ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተጻሕፈ ክኸውን ይኽእል ከምኡ ኢሉ ከቋናጽቦ ዝተሰምዐ።

–       እቲ መስፍን ጐናይ መናይ ኢሉ ጠቒሱዎ ዘሎ ነጥቢ ግን ክዛረቦ መሕፈሮ። ንተስፋይ ተምነዎ ድማ፡ “ተዓወት ተስፋይ፡ ንሕና ክንገልጾ ዝግብኣና ገሊጽካዮ፡ ኣጆኻ! ዝኾነ ሓበሬታ እንተ ደለኻ ድማ ሕተት ክተሓጋገዘካ እየ ክብል ምተገብኦ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ጌጋ መግለጺ ወይ ዘይኮነ ፍጻሜ እንተ ጠቒሱ ድማ፡ ብውልቂ ረኺቡ ኣድላዪ ሓበሬታ ክህቦ ምተገብኦ ነይሩ። እቲ ዘገርም ዝኾነ ነቲ ናይ መስፍን ቃለመሕትት ዝሰምዐ ሰብ ብተገራጫውነት ናይ ትሕዝቶኡ እዩ ዝግረም። ምኽንያቱ፡ ተስፋይ ተምነዎ ንዘቕረቦ ዝርዝራዊ ታሪኽ ጐናይ መናይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓቅታት’ውን የብሉን ኢሉ ክዛረብ ከም ዘይጸንሐ፡ ድሒሩ ክጽሕፍ መሰሉ እዩ፡ ሓቅታት ክህልዎ’ውን ይኽእል’ዩ፡ ንመጻኢ ወለዶታት’ውን ክጠቅም ይኽእል’ዩ ክብል ተሰሚዑ። ብዛዕባ’ዚ ዝጋጮ ቃላቱ ብዙሕ ክትንትን ኣይደልን ምኽንያቱ ኣብ ላዕሊ ብንጹር ሰፊሩ ስለ ዘሎ። ከም ዝርድኣኒ፡ እቲ ኣውራ ንመስፍን ዘዛርቦ ዘሎ ነጥቢ፡ ተስፋይ ተምነዎ ብህግሓኤ ከም ምስጢር ተሰቲሩ ዝነበረ ታሪኽ ዘርኢ ምድሪ ስለ ዝገበሮ እዩ። መራሕቲ ህግሓኤ ኵሉ ነገር ክምእከልን ክምስጠርን ኣለዎ ዝብል ውሽጣዊ መምርሒ’ዩ ዘለዎም። ዘይከውን ኮይኑዎም’ምበር ህዝቢ ክንዲ ፍረ ጣፍ ብዛዕባ ታሪኽ ክፈልጥ ኣይደልዩዎን እዮም። ብዛዕባ ዝኾነ ፍጻሜ ክሕተቱ ከለዉ ድማ፡ “ግዜን ኵነታትን ምስ በሰለ ክግለጽ’ዩ፡” ዝብል መልሲ እዮም ዝህቡ። መስፍን ድማ እዛ ምልእቲ ሓሳብ’ዚኣ መውጽኢት ኣፉ እያ። ብኸምዚ እነሆ ህግሓኤ ካብ ዝውለድ ልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ሓሊፉ ታሪኽ ዝብሃል ኣይረኣናን።

–       ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ከም ዝብሃል መስፍን፡ ‘ታሪኽ ምጽሓፍ ከምዚ እንተ ኾይኑ እንቋዕ’ባ ኣይተዛረብኩ፡’ ኢለ ክብል ካብ ሓደ ጓሳ’ምበር ካብ ሓደ መራሒ ነይረ በሃሊ ክወጽእ ዘይግብኦ ቃላት ኣምሊቝ። ነዚ ግን ድሒሩ ታሪኽ ክጽሕፉ ንዝተዋጽኡ ሰባት እንተ ተወዲቦም ግን ዓቕመይ ከበርክት እኽእል’የ ክብል ኣፍሪሱዎ። እሞ እቲ ዝድለ ዘሎ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ዝኾነ ሰብ ብዘይተማእከለ መንገዲ ታሪኽ ክጽሕፍ ወይ ክገልጽ የብሉን እዩ ዝብለና ዘሎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ዝኸውን፡ ነቲ ኣብ 1995 ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኢሉ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ቅንጥብጣብ ዘይኮነ ስብርባር ነይሩ ክብሃል ዝኽእል መጽሓፍ ክጠቕሶ ዘይደፈረ። ምኽንያቱ ኣልኣሚን ታሪኽ ዘይኮነ ውዳሴ ማርያም እዩ ጽሒፉ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣልኣሚን ኣብቲ መጽሓፍ ብዘይካ ኣብ መጽሔትን ጋዜጣን ቤትትምህርቲ ካድርን ዝተማሃራናዮ ካልእ ሓድሽ ነገር ኣይጸሓፈን። እቲ መጽሓፍ ብህግደፍ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ተባሂሉ ስለ ዝተዘርግሐ ደፊሩ ዝነቕፎ ሰብ ኣይተረኽበን። መን ክደፍር! ግን ከኣ መጽሓፍ ዘይኮነ ናይ ህግደፍ መዘክር እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ መስፍን ይኹን መሰላቱ ዝደልዩዎ ታሪኽ ንህግሓኤ ጥራይ ዝውድስ ወይ ዘጣቕዕ ክኸውን ኣለዎ።

–       መስፍን ታሪኽ ገድሊ ህግሓኤ ታሪኽ ህዝቢ እዩ ኢሉና። ከምኡ ዝኣምን እንተ ዝኸውን ደኣ’ሞ ስለምንታይ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ዘይገድፎ? እምበር ታሪኽ ህዝቢ ምዃኑ ደኣ ተጨውዩ ኣሎ ኢና ንብል ዘለና’ምበር ንሕና’ውን ታሪኽ ህዝቢ ምዃኑ ኢና ንኣምን። መራሕቲ ህግሓኤ ግን በንጻርቲ ዝብሉዎ ፍጥር ክብሉ ኣትሒዞም ታሪኽ ኣብ ምጽሓፍ ደንደላታት እዮም ዘርእዩ? እቲ መልሲ ጠንቂ ድማ ቀሊል’ዩ። ኣብ ታሪኽ ተሓኤ ይኹን ህግሓኤ ማእለያ ዘይብሎም ብስዉር ይኹን ብግሁድ ዝተቐንጸሉ ተቓለስቲ ኣለዉ። ስለዝኾነ፡ እቶም ዝምልከቶም ገበነኛታት ቀንጸልቲ ካብዛ ዓለም ብሞት ከይተፈልዩ ታሪኽ ሰውራ ክጸሓፍ የብሉን። ድሕሪ ሞቶም ድማ ብዛዕባ ታሪኽ ዝፈልጥ ክህሉ ስለ ዘይክእል ታሪኽ ህዝብናን ታሪኽ ጀጋኑን ከይተሰነደ ይተርፍ ማለት’ዩ። እዚ ንኸይከውን ታሪኽ ዝፈልጡ ሓርበኛታት በብዓቕሞም ዝፈልጡዎ ክገልጹ እንተ ፈተኑ፡ ጐናይ፡ ቅንጥብጣብ፡ ሓቅነት ዘይብሉ ብምባል ከቃናጽቦም ፈቲኑ። መስፍን ሓጐስ ክፈልጦ ዘለዎ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። ታሪኽ ናይ ዝኾነ ህዝቢ፡ ቦታ ወይ ውልቀሰብ ብሓደ ግዜ ወይ ብሓደ ሰብ ኣይውዳእን’ዩ። ታሪኽ ከም ጸሓፊኡ እዩ ዝብሃል ዘረባ ከም ዘሎ ፍለጥ። ስለዝኾነ፡ ሓደ ታሪኽ ዝፈልጥ ሰብ ከም መረዳእታኡ ይጽሕፍ፡ ሓደ ካልእ ከኣ ነቲ ዝቐደመ ታሪኽ ዝድግፍ ወይ ዝነጽግ ክጽሕፍ ይኽእል። ህዝቢ ድማ ነቲ ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእዮ ክኣምን መሰል ኣለዎ። ካብኡ ተረፈ ታሪኽ ብኸምዚ ክጸሓፍ ኣለዎ፡ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ መምርሒ ምሃብ፡ መን መርዓት ምስ በለኪ ትኰሓሊ እዩ። መስፍን ዝብሎ ዘሎ ኣገባብ ኣብ ግዜ ሰውራ ብክፍሊ ዜናን ፕሮፓጋንዳን ህግሓኤ ጥራይ እዩ ዝግበር ነይሩ። ኣብ ዘለናዮ መዋእል ግን ታሪኽ ዝፈልጥ ሰብ፡ ናይ ምጽሓፍ ክእለት ኣለዎ እንተ ኾይኑ ክጽሕፍ ይኽእል እዩ። ነዛ ነጥቢዚኣ ድማ ይኣምነላ እዩ። መስፍን ኣሪጉ ግዲ ኾይኑ ይተሓዋወሶ ነይሩ። ሓደ ነገር ክብል ጸኒሑ ተመሊሱ የፍርሶ። ብሓፈሻኡ ዝኾነ ሰብ ታሪኽ ኣብ ዝጽሕፈሉ እዋን ህዝቢ ባዕሉ እዚ ታሪኽ’ዚ ጌጋ እዩ፡ ቅቡል ኣይኮነን ብምባል ኣይክቕበሎን እዩ። ተስፋይ ተመንዎ ድማ ብዘቕረቦ ዝርዝራዊ ታሪኽ እዚ ዘይብሃል ናእዳ ከም ዘትረፈ ክትፍልጥ ይግብኣካ።

–       ታሪኽ ክትጽሕፍ ከለኻ ክርእዩልካ ኢልካ ከም ዘይኮንካ ትጽሕፍ ተዛሪብካ ጽቡቕ ዘረባ እዩ። ንሕና’ውን ሰብ ክሕጐሰልካ ጸሓፍ ኣይንብለካን ኢና። ጥራይ ጸሓፍ፡ ግን ውዳሴማርያም ዘይኮነ ካብ ውድዓዊ ኵነታት ተበጊስካ ክትጽሕፍ ኣለካ ኢና ንብለካ። ጥምዕ ጥምዕ ዘይኮነ፡ ነቲ ትጽሕፎ ታሪኽ ከም ጽሩይ ማይ ቀዲሕና ጽጽው ክነብሎ’ምበር ከም መድሃኒት ወይ ዓንዴል ፊት ክንብሎ ኣይንጽበን። ባዕልኻ ገለ ክብል ከም ዝለንስ ይርድኣኒ እዩ ካብ በልካ፡ ኣብ ክንዲ ጐናይ መናይ ጽሒፎም ኢልካ ተበግሶ ንዘርኣዩ ተባዓት ተቈናጽብ፡ ሃየ ትፈልጦ ዘበለ ታሪኽ ጸሓፍ’ሞ ዕረፍ! ንታሪኽ ህግሓኤ ድማ ኣሉታውን እወታውን መዳያቱ ብትብዓት ቅልዕልዕ ክተብሎ ፈትን። ተስፋይ ተምነዎ ታሪኽ ኣየናሕስን እዩ፡ ጨካን እዩ ኢሉካ እዩ። ስለዚ፡ ኣጆኻ ኣይትፍራሕ! ትባዕ! ክንደይ መኦኣልቲ ኢኻ ተሸቝሪርካ ክትነብር። ናይ ናይዝጊ ክፍሉ እናጕሃየናስ ናትካ ክድረብ ከሎ ሃየንታ እዩ።

–       ኣብ መጨረሽታ መጻኢ ወለዶ ከይደናገር ኢልካ ዝተመጻደቕካዮ ግን ኣብ ቦታኡ ከም ዘየሎ ፍለጥ። ምኽንያቱ መራሕቲ ሰውራ ህግሓኤ ኩኑ ህግደፍ ንመንእሰይ ኤርትራ ክተደናግሩዎ ዝከኣለኩም ጌርኩም ኢኹም። ሕጂ ቍሩብ ክሓስብን ከስተውዕልን ምስ ጀመረ ድማ ጠፋእና! ብምባል ዳግማይ ክተደናግሩዎን ፋሕፋሕ ክተእትዉሉን ሓድሽ ሽርሒ ክትኣልሙ ትረኣዩ ኣለኹም። ኣብ መጨረሽታ ንመስፍን ሓጐስ ዘለኒ ለበዋ፡ ሓቂ እንተ’ለካ ነቲ ሓቅነት ዘይብሉ ትብሎ ታሪኽ ኣብ ሓደ ናጻ መድረኽ ምስ ተስፋይ ተምነዎ ተራኺብካ ክተእምኖ ፈትን’ሞ ህዝቢ ይፍረድኩም። ነዚኣ ከም ክትገብራ ትብዓት ከም ዘይብልካ ግን ርግጸኛ እየ። ምኽንያቱ መራሕቲ ህግሓኤ ንጸላኢኹም ፊትንፊት ክትገጥሙሉ ድፍረት የብልኩምን። ስራሕኩም ኵሉ ግዜ ድሕሪ መጋረጃ እዩ። ሓቂ ዘለዎ ሰብ ከምቲ ካልኦት መራሕቲ ይኹኑ ታሪኽ ዝፈልጡ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ ቅሉዕ መድረኽ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ክዛረብን ሕቶታት ክምልስን ቅሩብ ክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ተረፈ ዳኛ ዘይብልካ ኣብ ሬድዮ ሓርነት ቀሪብካ ንሰባት ምውንጃል ትርጕም ኣይህልዎን ጥራይ ዘይኮነ ዝቕበሎ ሰብ’ውን የሎን። ዓይኒ መንእሰይ ንዝኸፈቱ ኣብነታውያን ሓርበኛታት ወጊድ! በሎ። ንተስፋይ ተምነዎ ድማ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ይቕሬታ ክትሓቶ እላበወካ።

ኣምላኽ ንመስፍን ናብ ልቡ ይምለሶ!

ተቐቢሩ ዝተርፍ ታሪኽ የሎን!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • demas April 21, 2013

    ኣነስ ታሪኽ ህግሓኤ ታሪኽ ቅትለትን፣ ቅንጸላን፣ ክድዓትን ስለዝኮነ ብዘለዎ አንተተረፈ ዉን ምሓሸ ምበልኩ። ከምታ ናይዝጊ ዝበላ ዝዉረስ ታሪኽ የብልናን ይትረፍኩም ምስኡ ይሰማማዕ አየ። ምክንያቱ አቲ ታሪኽ ቅንጸላ ምስተገንጸለ ተረሲዑ ንዓመታት ሃሲሱ ዝነበረ ሓዘን ስድራበታት ከላዕል ስለዚኮነ። ካልእ ባዓል መስፍን ሎሚ ናይ ተቃዋሚ ማስኬራ ተከዲኖም አንተመጹ ገበናቶም ግና ብማስኬራ ክዕበጥ ኣይክእልን አዩ። epdp=pfdj

    • zemen beraki April 21, 2013

      ክቡር ሓው ደማስ! ኣነስባ ከምዚ ሃው እስጢፋኖስ ዝበሎ እቲ ታሪኽ ወላ ናይ ቅንጸላ ይኹን ክግለጽ ኣለዎ እብል። ምኽንያቱ መን ቀንጺሉ መንከ ተቐንጺሉ ክፍለጥን ክሕተትን ስለ ዘለዎ። ካብኡ በለ እቶም ቀንጸልቲ ወይ ሰዓብቶም ታሪኽ ክደግሙን ክስልሱን ክፍትኑ እዮም። ረሳሕ ታሪኽ ንኸይድገም ታሪኽ ክጸሃፍን ክትንተንን ኣለዎ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ታሪኽ ኣብ ውሽጥቲ ናይ ቅንጸላ ታሪኽ ከም ዘሎ ምፍላጥ ድማ ኣገዳሲ እዩ።

  • abeba April 21, 2013

    bimegemeria neti kulu gize etihibena tsufuf tsuhufka aziye yemesgineka.estifanos hawey MESFIN HAGOS eko bi medeb nab WETSAE zimetsie seb eyu silemintay ena nihina kulu gize nidenager kabzieom tsubuk kintsibe yebilnan ajokum nihina tiray deleyti fithihabirna nisirah eti gize endakerebe eyu zimetsie zelo.

  • asmeret April 21, 2013

    In his soft-spoken way, Mesfin was actually trying to defend himself. As an outcome of the EPLF leadeship,that’s the only way he knows. Indirect & subtle. He left most important issues aside and concentrated only on irrelevant ones that mean nothing as compared to the 37 parts that were recounted by Tesfay Temneo. Who cares if Isayas had met Tikuu Ahdego or not ? Such events should be subjects to simple corrections or advices and not at all for intentional purposes of bringing the whole of Temnao’s credibility to a question mark. This was too transparent and certainly a mistake that turned the blame back to him. Politcs nowadays takes a bit more openness and straight-forwardness than in the old days. Mesfin can still change this and fix the damages.

  • Mesinas April 21, 2013

    ዝኸበርካ ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ ሰላም፡ ብመጀመርያ ነዚ ዘበርከትካዮ ኣገዳሲ ስራሕ እናኣድነቕኩ ብዙሕ አመስግነካ። ክቡር ሓው ኣብ ትንተናኻ ከምዚ ኢልካ ኔርካ፥ መስፍን ኣሪጉ ግዲ ኾይኑስ ይተሓዋወሶ ነይሩ። ሓደ ነገር ክብል ጸኒሑ ተመሊሱ የፍርሶ።’ ኢልካ’ሞ ንኣይ ከም ዝመስለኒ ግን ስለ ዝኣረገ ዘይኮነስ እቲ መግለጺ ሓሶት ስለ ዝኾነ’ዩ እዩ ሓዋዊሱዎ’የ ዝብል። ባህሪ ሓሳዊ እውን ከምኡ’ዩ። ካብዚ ቀጺለ ንመስፍን ሓጐስ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፥ ታሪኽ ሕጊ ወይ ቅዋም ኣይኮነን ብኸምዚ ንጽሓፎ ወይ ብኸምዚ ንስራሓዮ ኢልካ ብጉጅለን ብርእይቶ ህዝብን ዝንደፍ። ታሪኽ ይሕመቕ ይጸብቕ ከም ዘለዎ’ዩ ኪቐርብ ዘለዎ። ከምቲ መስፍን ሓጐስ ዝበሎ ብሓባር ወይ ድማ ብጉጅለ ኴንካ ዘይኮነስ በብውልቂ፡ ንሓድሕድ እናተመላላእካ’ዩ ኪጽሓፍ ዘለዎ።

    66 ምዕራፋት ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስውን እንተኾነ ንገዛእ ርእሱ ብሓደ ሰብ ኣይተጻሕፈን። ብዝተፈላለዩ ነብያት’ዩ ተጻሒፉ። ናይ ኩላቶም ጽሑፍ ከኣ ተመላሊኡ’ምበር ኣይተጋጨወን። እቲ ምንታይሲ ሓቂ ስለ ዝኾነ። ስለዚ፡ እዚ ክቡር ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ ገሊጹዎ ዘሎ ታሪኽ ኸኣ ሓቂ ምዃኑ ምስዚ ሕጂ ንሕና መንእሰያት ኣርኪብናሉስ ብዓይንና ንርእዮን ብእዝንና ንሰምዖን ዘለና ታሪኽ ብምግንዛብ ኢና ሓቅነቱ ኣረጋጊጽና ንኣምን ዘለና’ምበር ንተባዕ ተራኺ ተስፋይ ተምነዎ ስለ ዝኣመነዮን ንኻልእ ድማ ስለ ዝኸሓድናዮ ኣይኮነን። ስለዚ ኣቶ መስፍን ሓጐስ ካብቲ ተሓቢእካሉ ዘሎኻ በዓቲ ወጺእካ ታሪኽ ኣብ እዋኑ ማለት ሎሚ ኪትገልጽ ከም ዘለካ’የ ኪሕብረካ ዝደሊ። ምኽንያቱ፡ ደሓር ከምቲ ሕጂ ናይ ደርጊ ይኹን ናይ ካልኦት ገፋዕቲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቶም ‘ከምዚ ይገብሩ ኔሮም፡ እዚ’ባ ፈጢሮም’ ብምባል ዝንገረና ዘሎ ትርጉም ኣልቦ ትረኻ ከይከውን።

    ኣቶ መስፍን ሓጐስ ከኣ ይቕሬታን ምሕረትን ህዝቢ ኤርትራ ክረክብ እንተኾይኑ ኣብቲ ዝሓለፈ ጸይቂ ስራሓት ኢሳያስ እንተ ብድሌት እንተ ብውዲ ብቐረባ ስለ ዝተሳተፈ ኣቐዲሙ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ኪሓትት ኣለዎ። እዚ ግን ሎሚ እንተዘይጌሩዎ ጽባሕ ኪገብሮ’የ ብምባል ግዜ እንተ ኣባኺኑ፡ ኣብቲ እከይ ስራሕ ማዕረ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስለ ዝተዋሰአ ምስኡ ናብ ፍርዲ ህዝቢ ኤርትራ ምቕራቡ ኣይተርፎን እዩ። ኣብ መወዳእታ ብዓለቕ (ርእይቶ) ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ ክዛዝም። ‘እቲ መስፍን ጐናይ መናይ ኢሉ ጠቒሱዎ ዘሎ ነጥቢ ግን ክዛረቦ መሕፈሮ። ንተስፋይ ተምነዎ ድማ፡ “ተዓወት ተስፋይ፡ ንሕና ክንገልጾ ዝግብኣና ገሊጽካዮ ኣለኻ፡ ኣጆኻ! ዝኾነ ሓበሬታ እንተ ደለኻ ድማ ሕተት ክተሓጋገዘካ እየ ክብል ምተገብኦ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ጌጋ መግለጺ ወይ ዘይኮነ ፍጻሜ እንተ ጠቒሱ ድማ፡ ብውልቂ ረኺቡ ኣድላዪ ሓበሬታ ክህቦ ምተገብኦ ነይሩ።’

    የቐንየለይ። ሓው መሲናስ

  • Kombishtato April 21, 2013

    I liked this sentence, thank you for coining a new phrase.

    “ስለዚ፡ ኣብ ናይ ሳሕል ኣዝህንህኖት ወይ ኣተሓሳስባ (ሲንድሮም) ወጺእካ ናብቲ ሓቂ ምጻእ ክብሎ ምደለኹ።”

  • Kombishtato April 21, 2013

    If you want to read the Geeze characters, please copy and paste the article at:

    http://www.lexilogos.com/keyboard/amharic.htm

    ———
    The article has several news items in it, such as:
    1. These days, many Asmarino families do not know the where about of their young children, many under the age of 12 years, most probably victims of kidnapping. Because of this, many posters of lost children with pictures and the headline of ” zre’aye Aynu ybrah ” is being plastered everywhere in the city.
    2. Lack of drinking tap water is still a serious problem in Asmara, because of this hospitals and hotels are in very bad condition. It is normal to see in Asmara burst water main lines or sewage lines in may open streets.

    Below is my private comment

    [Compare the Shifta bandits who arrived from Sahil and Barka with the Ethiopian military dictator of mengistu hailemariam. The fact is Mengistu was busy fixing schools, water and main lines destroyed by these shiftas in the middle of the Ghedli destructive wars, while the shiftas can not fix anything while there is no war at all.

    Mengistu was paying full salary to Eritrean employees when the factories and industries in eritrea were idle because of the shifta wars while the shiftas can not pay now descent wages to the warsays who are slaving day and night in every shifta endeavor.

    Aren’t these shifta worse than the dictator Mengistu? These blood sucker bandits make Mengie look like an angel.
    Compare also the pristine clean Asmara under Haileselassie and even under Mengie. What kinds of gangs did descend from barka and sahil? where are Ghedli romantics hiding now?]

  • wedi zibolo April 21, 2013

    Mesfin is the same face of Isayas. I cannot expect him good lesson except like his master discredit the heroes, that is the mission of pfdj. Mesfin still you are imagining like long time syndrome wake up and understand the world is a narrow filter. Before you address your message think wisely. You lie your whole life you cannot confess. What crime you are committed you scare that hard. Our people is merciful we will forgive you if you believe your mistake. Do not try to cover history. You enjoy western democracy but you limiting to those who speak the truth. Still you are dreaming what you done when you was in power.

  • HOPE LESS ERITREA April 21, 2013

    All this is a sub-issue…not worth debating….The history of EPLF is our history,and can only be told in its entirety after the Fantasy filled new Eritrea is being established…were people can debate it without fear of retaliation.
    It will make people regret for initiating the destructive gedli…but then in hindsight it is easy to see that we had suffered the brutality of Ethiopian govts. of plenty of food ,relative freedom of speech ,children belonging to their parents ,not to the state ..as it now happens in Eritrea.The higher education with special quota for Eritreans. Derghi feeding us while starving Tigreans & wollos ..all the ¨oppresion¨ that happened to us by ¨cruel¨Ethiopia was unimaginable.
    Now, we have a govt. that cares about our cholesterol…we eat only ones.One bun for family of five.
    WE love our Eritrea.

  • A.A Yassin April 21, 2013

    Mesfin Hagos Hamassienay sle zKone Issaias Afeworki Abraham ‘yu nab dege l’ikhwo ‘ndiKum tblu beAl WEDI TEMELSO?? kkkkkkkkk!!

    General Mesfin Hagos bmennetu yKorE ‘mber ayHafrn ‘yu:: Hameyti HamiKum HamiKum r’se-qtlet feSmu wala zgdso seb yelon::

  • Selam April 21, 2013

    ብጣዕሚ እዩ ዘገርም፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን፡ አብ ሕድሕድና ዘሎ ጽልእን ሕድሕድ ዘይምክብባርን፡ርእይቶ መስግፍን ሐጎስ ብዛዕባ political history of Eritrea better to be handled by professional researchers with participation from both Fronts, for me that is a good idea. ኩላትና ጽሐፍቲ ውይ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ አይኮናን፡ ስለዚ ካብ በብሐደ ብጥርኑፍን ሚዛን ዘለዎ መጽናዕቲ እንተዝግበር ዝብል፡ እይቶ ሐደ ሰብ መሰሉ እዩ፡ ንስኻ ክትሰምዖ ዝደለኻ ስለዘይተዛረበ ክትነቅፎ፡ ቁሩብ ብሕታዊ ጽልኢ የርኢ። አድህቦና ናብ ክንዲ፡ ከመይ ጊርና ህዝብና ነድሕን ዝብል ዝኸውን፡ ከመይ ጊርና ንመስፍን ማዕረ ኢሳያስ ናብ ህዝቢ ከጽላእ ንገብር ዝብል አርእስቲ ክተቐድም፡ ብሐቒ፡ ምስ መስፍን ባዕላዊ ጽልኢ አለካ።

POST A COMMENT