Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት፡………. ካልኣይ ክፋል።

ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት፡

ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት፡……….  ካልኣይ ክፋል።     16-09-13፡

እዛ እዋን‘ኮ ግዜ ቅልውላው ኢያ። እሞ ዝተሓብአን ዝሕባእን ነገር ብዘይምህላዉ ዝበዝሐ ሰብ ነታ ናይ ‘ ኮነ ‘ ደቒቕ ጥ ራይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ። ኣብዛ ናይ ፈነወ እዋን እምባአር ጋዜጠኛታትና ድማ ነቲ ተዳልዩ ዝተዋህቦም ጽሑፍ እንተኣምበቡ ክንድኡ ሻሕካር ገጽ ክጽወገሎም፡ ሓቃቶም ኢዮም ኣፎም ተኸፊቱ እንተተረፈ፡ ገጾም እንተፈሰመ። ኩሉ ነገር ወልኢ ኮ ይኑዎም‘ምበር እቲ ዝተራእየ ኩነቶም መዓስ መፈጠሮም ኴይኑ። ክትሓትት ተሸቑሪርካ፡ ክትጥምት ተሸቑሪርካ፡ ክትስሕ  ተሸቑሪርካ፡ ከተተንፍስ ተሸቑሪርካ፡ ኩሉ ሳዕ ተሸቑሪርካ! ተሸቑሪርካ…………….. ኣጠቓሊልካ እንክርአ ከምቲ ብሁል “መስተርሆት ኣውርድልና ወርሒ መስከረም“ ኴይኑ ነገራትና!

መቸም ኣነ ድማ እናሓንሳብስ የብዝሖ እንድየ ዝኸውን፡ ኣብ ክንደይ ንሰይሲ ልክዕ ከምዛ ኣብጎድኒ‘ቶም ሓተትቲ ዝነበር ኩ ኴይነ ብዛዕባ‘ቲ ንሳቶም ከይብልዎ ዝተሓረመ ከም ህዝባዊ መንግስቲ፡ ቅዋም፡ እሱራትን ቤት-ማእሰርትን፡ ብዝኣመሰ ልዎ ሕቶታት ‘ይረጋረግ ‘ ብምንባረይ ኢየ ነቲ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ዘቕረብኩ‘ምበር ብግህዶስ ኣይፋለይን! በሉ ሎ ሚ ድማ ዝተረፈኒ እንሆ፡-

11፡-ፕረሲደንትና ንኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝፍጸም ፖለቲካዊ ሸርሒ ዝብሎ ይኹን ሓፈሻዊ ዓለማዊ ፖለቲካ ትዝርብ ው ዒሉ ክሓድር ይኽእል።—ብዛዕባ ግዳማዊ ፖለቲካ ክንድኡ ዝልፍልፍ መራሒ ናይ ውሽጡ‘ሞ ገለኸ እንተዝዛረብ። ኩሉ‘ቲ ዝብሎ ኣብ ውሽጥና ከምዘሎ ምጥቃስ ግን ነብሰ-ቅትለት ክንሱ ብዛዕባ ናይቲ ዕርቃኑ ዝወጸ መሸጣ መንእሰ ያት ዝገበሮ ቃልሲ ከዕግበና ፈቲኑ። መቸም ናይ ኩሉ ክፉእ ተጠቃኒት ኣመሪካ እንድያ፡ ፍልሰት ሰብ ገበን ብምዃኑ ልቡ ዝተነኽአ መራሒ በቲ ሓደ፡ ገዛእ ርእሱ በተን ነፈጽቲ መካይኑ ቀንዲ ኣሳላጢ ንፍጸት መንእሰያት ምዃኑ ዘንጊ ዑ፡ በቲ ካልእ ፕ. ኦባማ ንምንታይ ንዘንፈጾም ሶማላውያንን ኤርትራውያንን ጽላል ዑቕባ ገቲርሎም ስለዘጉሃዮ፡ ጠ ንቂ  ሃዳምነቶም ከምቲ ዝቐሸሸና ዝተረዳእናዮ መሲልዎስ ብዛዕባ ምምላስ ዜጋታቱ ልቡ ዘምሉቕ ጻዕሪ ከምዝገበረ ከዘናግዓና ፈቲኑ። እንተ‘ቲ ዓላማ ምህዞኡ ንጹር ኢዩ። ዶላር ብዋጋ መንእሰይ ምኽዕባት ባቃ!! ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ዓመት ብቑጠባ ክንደይ ዶላር ተሰኪሙ ክምለስ ከምዘለዎ ከምዘይለፍለፈ ድሮ ረሲዕዎ ተገምጢሉ ባህ ክብለና ዱባ ክጸብሓልና!! ክሳብ ካሕሳ ዜጋታት ዝዓለመ ሃበስ-ቀደስ። ዘይነጽፍ ሽሕጣኑ ብስለምንታይ ኣመሪካ ከምኡ ገይራትና?

ንእግረ-መገዱኸ ንምንታይ ብቕዓት ሰራዊት እስራኤል ሎሚ መሊቛ? ዶስ እቲ ናይ ርእሲ ሕማም ኢዩ ደጊሱ ገለ ም ሽጥር ከንቱግ ደልዩ? ስራኤል ድኣ‘ሞ ብቐደማ ንወዲኤርትራ ን “ፈጥኖ-ደራሽ“  ከምትብህጎ መን ይስሕቶ? ዓለም ዘ ደነቐ ብቕዓት ኮማንድስ ቁጽሮም ከምዝግደብ ከምተገብረ ኣይረሳዕናዮን። ‘ዕሽነቶም ‘ ግዳ ኣይከምትጽቢት ገዛእትና ን!………. መንነቱ ኣይስሕትን ኮይኑ ኤርትራዊ።……. ሎሚ ዝተሓስበ እንተኣልዩ ድማ ንርኢ!

12፡- ሕቶ ደቡብ ሱዳን ሓያለይ መጸጽቲ ጥጅኣት ዝተጋህደላ ነገር ኮነት። ንሕና ኣብ ዕድል እንዳማትና  ክንዛረብ ይ ካኣል‘ዃ እንተኾነ መርኣያን ማለትናን ምስኩነታትና ዝመሳሰል እንተኴይኑ መግለጺናን እምነትናን ካብምዃን ዓዲ ኣ ይውዕልን።ሕቶ ደቡብ ሱዳን ከምቲ ናይ ትግራይ ክንዲ ሃገራዊ ዝኸውን ጠለብ ማዕርነት እንተዝኸውን ዝብል እም ንቶ ህ.ግምባር ከምዝነበረ ይዝክር ብወገነይ። ኣብ ጉዳይ ሱዳን ግን ድሒሪ ተፈጻምነት መሰል ሃገር እንታይ ኢዩ‘ቲ ሎሚ ዘለፋልፍ? ታሪኽና ንዘክር፡ ትማሊ ድሕሪ ናጽነትና ነቲ ብረፈረንዱም ዝተወድአ ዓለማዊ ውሳነ ናጽነትና፡ ህዝ ቢ ብዘይፈልጦ ሕቡእ ኣጀንዳ ፈደረሽንዶ ኮንፈደረሽ ዝብል ሰባብ ነዃል ክፍጠር ተፈቲኑ ከምዝነበረ ናይ ትማሊን ገና ዘይዓለወን ትንዕ-ምንዕ በትሪ ጥልመት ርኢና ኢና። ከምርዱእ ፕ. ኢሳይያስ ብዛዕባ ራህዋን ሰላምን ክዛረብ ኢል ካ ምሕሳብ ዘይተልእኾኡ ብምዃኑ ኢ-ሞራላዊ ኢዩ‘ሞ ካብ ማእገር ደቡብ ሱዳንን ከባቢናን እንተዝወርድ ዞባናስ ክ ንደይኮን ምዓለወ። ………ገና ግን፡ እዝግዮ፤ ካብ ፈተና ኣድሕነና ጎይታይ!!

13፡-ፕረሲደንት መወዳእታኡስ ብዛዕባ ናይ 17 ትሪሊዮን ልቓሕ ኣመሪካ ክሻቐል ተሰሚዑ። ንምዃኑ ርእሱ ብምኽኣ ል ዝምካሕ መራሒ ሰበቡ ከየገደሰ ብዛዕባ ልቓሕ ዓዲሃገርከ እንታይ ኣሻቐሎ? ሓገርናኸ እንታይ ዝኣመሰለ ናይ ካሕ ሳ ዕዳ‘ኾን ይህልዋ? ከምቲ እናሽካዕለለ “ጉልቡብ ምርቓ“!  ዝብሎ ኣይግዳዱ ነዚ ‘ሃሳስ‘ ህዝቢ ኣታሊሉ፡ ካን ኣኺል ዎ ቀሲኑ ዝሓደረ ኢዩ ዝመስሎ። ድሓን‘ንዶ መዓስ ንሱ ኮይኑ መወዳእታና!  ናብ ልቓሕ ጥራይ‘ሞ ንመለስ።ርግጽ‘ዩ ልቓሕ ሕማቕ ግዜ ንምስጋር፡ ከምኡ ድማ ንንግዲ፡ ዝኣመሰልዎ መዓላ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ሕመቕ ዘይምልቃሕን ዕዳ ኻ ዘይምምላስን ጥራይ ኢዩ። መንግስትና ግን ንምንታይ ክልቃሕ? ንዕብየት ቁጠባ ሃገር? ንዝተመሓየሸ ደሞዝ ሰራ ሕተኛታት? ንኣገልግሎታት?……ብሓጺሩ ዕብየት ኣይመደባቱን ኢዩ። ዕብየት እንተኣልዩ ድኣ‘ሞ ሃገርና ከመይ ኣቢላ ርእሳ ዘይትኽእል ክትመስል? ከምኡ ድማ ብሰናይ ሕልና ነገር መበቆልን ጉርብትናን ብምህማል ከምሃገር ምህሳስ መንነት‘ውን ኣይዕዉትን ኢዩ። ኩሉ ገዲፍና ድማ ፕረሲደንትና እንተዝደልዮኸ መን ኣሚኑ የለቅሖ? ልቓሕ‘ኮ ንርእ ሱ ሕጋዊ ተሓታትነት መዓላኡን ኣገባብ ኣመላልሳኡን ይሓትት ኢዩ።ፕረሲደንት ንርእሱ ኤርትራ ብዘይምልቃሓ ነቲ መድቆስቲ ከም መርኣያ መንፋዓት ተምይኑ ዘጣቕዕ ህዝቢ ከቢብዎ እንከሎስ እንታይ ኣሻቐሎ?

ብዛዕባ ሃገራውነት ዝመጸ ርግጽ ተባሂሉ እንተኾይኑ ብሓቂ ኣምልኾ ኢዩ። ኣምልኾ ሃገር ጥራይ ከይመስለኩም። ብኣው ራኡስ ኣምልኾ መራሒና‘ምበር!! ነዚ ፈንጠጋር እምንቶ ጸራሪብካ ናብ ንቡር ምምላሱ ሽርሕታት ሰልፊ ህግደፍ ይኹን ፖለቲካዊ መናውራኡ ጸጊምና ኣይፈልጥን። ንእዋኑ ጸጊሙ ዘሎ ስእነት ‘ኣርሓ‘ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ መጨረሽታኡ “ከምግሉጽነት ዝመስልዎ ነገር የለን፡ ካብኡ ክትሃድም ክትብል“……፡ ከምዚ ሰሚዑ “ገለዶኾን ብገለ መልክዕ ንራህዋ ይዕጠቕ“ ኢልካ ንዘየሎ ተስፋታት ቃላት ናይቲ ትማልን ቅድሚ-ትማልን ዝፈለጥናዮ ኢሳይያስ ጽባሕን ድሕሪ-ጽባሕን ዝሓሸ ክኾነልና ዝጽበ እንተኣልዩ ንተጸባይ ይጭነቆ። እምበር ንሱስ ሰራውሩ የለ ጨናፍሩ። ጉንዱ ከይተ ረፈ ደሪቑን፡ ከም ገረብ ኣውሊዕ ድማ መሸፈኒ ቅላጡ ነጺሉን ኢዩ። ኣኸለ!!

ኣስተውዕሉሉ‘ንዶ። መርኣያ‘ኮ ኣለዎ‘ዚ ዝብሎ ዘለኹ። ንኣብነት ንሱ ዝጽበ ምቅብጣር፤ ህዝቢ ዝጸልእ ምጥባር፡ ንሱ ጽላ እቲ ክፈጥር፤ ህዝቢ ክምክት ንሰላም ክጽዕር፡ ንሱ ናይ ኣፍ ሸፈጠ-ድለላ ይኹምር፤ ህዝቢ ብእምነት ንዕቤት ይጽዕር፡ ….. “ተራባሪብና ካንዶ ኣኸለ“………ትብል ጣዕመ-ዜማ ገድሊ‘ካ ብልጭ በለትኒ!

ምዃን ሓቀይ ኢየ። ነገር ምጥባር፡ ነገር ኣሽካዕላል እንድዩ፡ ንዘይግሉጽን ዘይትግበርን ፖሊሲታት ከምዝፍጸም ተመሲሉ ህዝቢ ምጥባር ንርእሱ ኣሽካዕላልዶ ከይኮነ። ፕረሲደንትና ሓንቲ ነገር ሒዙ ክንሱ ከም ወናኒ ከፈር “ኣብ ዝርዝራት ክኣ ቱ ኣይደልን ኢየ፡ ከምኡ ዝበሉ በዓልመን ኢዮም? ኩሉ ኣብዚ ጐደናታት ዝበሃል‘ኮ ይፈልጦ ኢየ“…..እናበለ ከምስል ሰማ የ-ሰማያት እንተጠመተ፡ ንሳቶም‘ሞ ከይጠልሙ ክብሉ ነቲ ዝሃውተተ መራሒኦም ሰብ ዘምሰልዎ ደቂ-ኤርትራ ኢዮም። ግደፍ ንገዛእ መራሒኦምስ፡ ዕድሎም ጠሊማቶም “ደቂ ማይ-ጠላሚት“ዃ እንተተባህሉ፡ ውዕል ከይጠልሙ ክብሉ ኮንጎ ዝዘመቱ፤ ኮርያ ዝተደርገሙ፡ ሮማ ዝመተሩ፤ ኣብ ማእከል ኣዲስ-ኣበባ ዝዓንደሩ፡ ኮታ ክንደይ ክንደይከ ክበሃል ውዕሎኦ ም። ንሳቶም‘ኮ ጀግንነት ዝሕላገቶም ኣብ ጽንኩር ዝንድሩ ኤርትራውያን መናእሰይ ኢዮም። መንግስቲ ነቲ ናይ ጨራሩ ኣባይቲ ብናይሰብ ክቕይሮ ካብዘይከኣለ ፍታሕ ዘይረኸበ ህዝቢ ንግዚኡስ ግድን ኣብ ናይ ጨራሩ ይድርገም!! እንተ መን እሰያት ግን ገና እንዳ ደይእቶ ክኣትዉ ኢዮም። እቲ ህግደፋዊ ንዕቀትን ላግጽን ገዲፍና ድማ ኩሉ‘ቲ ኣብ ወጻኢ ፖለቲካ ዊ ተቐባልነት ረኺቡ ብሰላም ከምዝነብር ዕድል ዝረኸበ ብሳላ መስዋእቶምን ደሞምን ምዃኑ ክስወጦ ኣለዎ።

ንብዓት ኣስከሬን መንእሰያት መንካዐ-የሚን ሰማይ ዓሪጉ “ ኤህ ድኣ ኤርትራስ ኣይሕለፈልኪ“ ክብል ተራጊሙ እንተኢሎ ምኹም ከይትጋገዩ ኣይከምኡን። ሓቂ ኢዩ ድማ ምርጋም እንተ ኣድልዩስ ነታ ሃገር ዘይኮነ፡ ነቶም ዝተረከቡዋ ግን ድማ ከውሕሱዋ ዘይብቑዓት ጣልማያት፡ ዕሱባት ጥራይ ኢዩ። ቀዳሞት ተገደይቲ ብሳላ መስዋእቶም ሃገር ከምተተኽለት ኣሚ ኖምሲ ከም መንፈሳውያን ተቓለስቲ መጠንከኣ ዳግማይ ምስ ዘመናውያን ግዳያት ኣሕዋቶም ሰሚሮም “እዚ‘ውን ይሓል ፍ“ ብዝብል ጭርሖ ሓድሽ ናይ ቃልሲ ቃል-ኪዳን ዘጽንዑ ዘልኣለማውያን ህያው ተቓለስቲ ከምዝኾኑ ዘይምዝንጋዕ። ን ሕና ህሉዋት ድማ ብመንፈሶም ንጸንዕ፡ ብሕድሮም ንምርሽ ክሳብ‘ታ ዝሓለፉላ ዓላማ ንበጽሕ ፈልከት የለን። እንተ‘ቲ ኣ ሽካዕላል ከምመጽረይ ኣፉ ዝጥቀመላ መራሒ‘ሞ  ኣፉ ከየጽረየ ኣብ መስርሕ ኣሽካዕላል እናኣሽካዕለለ ክሓልፍ ኢዩ።

ከምዚ ናይ ዓርከይ “እዋእ! እቲ ባጫኸ እንታይ ኣምጽኦ“ ኢልኩም እንተዘይተዓጅብኩም ነገር መራሒና ኣብዛ ናይትማሊ ቃለ-መሕትቱ ቁርጹ ዳሕዲሕዎ ከምዘሎ ዘማትእ የብሉን። ብጭቡጥ “ትገብርዋ ድኣ ግበሩ‘ምበር ብወገነይሲ ፍታሕ ዝበ ሃል የብለይን“ ኢዩ‘ኮ ኢሉ።

-፡ ‘‘ማይ ዝጸገሞ ናብ ማይ ይኺድ‘‘ ማለቱ‘ስከ ተንትኑዎ። ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ህዝቢ ኣብ ከም ኤፍራጢስ ጢግሪ ስ፡ ከም ኣፍላግ ሚሲሲፒ ኣማዞን ዝኣመሰልዎ ይዓስል ከምዝነበረ ክትርኸልና ተጋዲሉ።

እምባእ! ጉድ‘ኮ ኢዩ። ትማሊ ትማሊ ህዝቢ ይተኣከብ፡ መንግስቲ ማይ ክኹዕተሉ፡ ትምህርቲ፡ ሕክምና ዝኣመሰለ ኣገል ግሎት ክኸፍተሉ ኢዩ“……..ክበሃል ከምዘይጸንሐ ሎሚ ፈቐዶ ማይ ዝርከበሉ ፋሕ ይበል፡ ይበተን“ ኢልካ ዘረባስ ምስ እ ንታይ ትትርጉምዎ? ኣብከባቢ ማይ-ባድ ቀይሕባሕሪ ዘይምቅሮ ህዝቢ ናበይገጹ ከብል ማለቱኮን ይኸውን? ብጉልቡብ ዘ ረባኡ ዝልለ መራሒና ናብ ለጠቕታ ሸበሌ ላንጋኖ፡ ናብ ኣባይ ኣዋሽ ገጽና ክንምርሽዶኾን ይምዕደና ይህሉ?                                                                                                      -፥ ብዛዕባ ወርቂ ቢሻ ዝመጸ፡ ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ሓንትስ ኣብ ፍርያት ንብጻሕ እምበር ዃርታ ማርሻ ደርጊምና ክንሕ ምበብ ኢና“ ከምዘይበለ፡ ሎሚ  ወርቂ ክገሓጥ ምስጀመረ “ካብ ጸገማት ሓሊፉ ዝገበረልና የለን“ ጥራይ ከይኣክል ብወር ቂ ዘንባሁቕ እንተ ኣልዩ የንባሁቕ“ ማለቱስ ኣብርእሲ ጻልጣ ሽፍትነት እንታይ ማለቱ ኮን ይኸውን? እተን ከክንዲ መሽረ ፈት ዝተጸበያ ከፈልቲ ክልተ-ምኢታዊት እኖታት ጥራይ ዘይኮነ ብሙሉኡ ህዝቢዶ ከይ ኮነ ተጸብዩ? እሞ መራሒና ድኣ እቲ ግኒ ወርቂዶኾን ለኺዕዎ ትብሉ?                                                                                         -፡ ብሰለስተ ኣርባዕተ ዝተሰርዓ መካይን ዘሕልፍ ጽርግያ ክስራሕ ከምዝረኣዮ ጠቒሱ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ “ግን ብሰንኪ ነዳዲ ሎሚ ኣይኮነን ዝስራሕ“ ይልቅበላ።“ዘመናዊ ኢንተርኔት ክዝርጋሕ ኢዩ“ ክብል ጸኒሑ “ግን ሎሚ ኣይኮነን“ ይውስኸላ። ብጎበዙ ዘየርኣየ መራሕ ሃገር መዓስ ድኣሉ ትንግርቲ ምዕባለ ከርኢ? ዶስ ዝተቐናጀወ ድራማ ኣልዩ?

ንዲፕሎማሲ ዝምልከት፡ ከምቲ ርዱእ ኣብ ፖለቲካ ንእዋኑስ ሓቂ ኢያ ትዋላእ። እንተኾነስ ዋላ‘ዃ ምሒር እንተተደለየ ሓቂ ብድፈኖ ድፈኖ ስለዘይትቕበር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓቂ ትርፎ እዋናዊ ከቢድ ጽልኢ፡ ነባሪ ዓወት የብላን። ግናኸ እቲ ረዚን ጽልኢ‘ውን ሓጺናዊ ፍቕሪ ክፈጥር ግድን ኢዩ። እዋናዊ ቃላ-ኪዳን ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን ናይዚ ከም ግሩም ኣ ብነት ክጥቀስ ይከኣል ።

ምስ ጎረቤት ኢቲዮጺያ ንዝፍጠር ዝምድና ዝተሰምዐ ሸፈፍ-ሸፈፍ ኣበይ‘ሞ ጥራይ‘ንዶ እታ ንህዝብና ዓብዒብላ ዘሎ መ ኽደን ድስቲ መግዛእቲ ትኽፈት ይግበራ! ባዕሉ መምጽኢ ጽልኢ ከምዝኾነ ዝፈለጥናዮ መራሒ ባዕሉ ፍቕሪ ከምዘይፈጥ ር ኣጸቢቕና ስለንፈልጦ፡ ሽዑ ንዝመጽእ ልዝብን ዲፕሎማስን ጥራይ የብቃዓና። እምበር ሕጂ‘ውን ብስም ባድመ ናይ ኤ ርትራ ኮይ ና፡ ከምቲ ንጉስና ዝበሎ “ጸሓይ ባድመ ኣይዓረበትን“ ተባሂሉ ወዮ ዘዝዓሸወ ህዝብና /ብፍላይ ግሩሃት ኣዴታ ት/  ድግድጊት ተተዓጢቑ ብስም ዓወት ባድመ ሸኾርተት ክብላ ዝሰሓል ዘሎ ሸበድበድ ከይገረመና ኣይተረፈን። ብሰበብ ምሕንጻጽ ዶብ ዝተጠጅአ ውዲት ከምዘለዎ ከይደቀስና ንሓልሞ ጉዳይ ብምዃኑ። ኩሉ ወዲሃገር ድማ ብእዋኑ ክሓስበ ሉ ንምሕጸን። እንተ‘ቲ ሰላም‘ሞ መወዳእታኡ‘ኮ ናብ ጣውላ ኢዩ ዝምጻእ። ንእዋኑ ከታልል ዝበቕዐ ጥራይ እንተዘይኮይ ኑ ኣብ ብዓለሙኸ መን ኣሎ ኢዩ ብስሪኡ ዝሓደረ? ግደፍዶ‘ዞም መራሕቲ ጥልቁዓት ሃገራት፡ ናይተን ስቡሓት‘ውን ብዘ ይሰላም ካልእ መወዳእታኡ ጥፍኣት ጥራይ ኢዩ። ኮነ ምስተባህለ ከኣ ክንሪኦ  ኢና።

መንግስቲ ኢቲዮጺያ ድሮ ነቶም ብስም ምስሊ“ሰላማውያን ተቓወምቲ“ ጣጢሖም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ከምትጉሕፎ ም ይትንባህ ኣሎ።“ብዓንተቦኡስ ኣብኡ ኣብ ረብሓ ሃገር ዝተመስረተ ተቓዋሚ መዓስ ነይሩ“ ክትብሉ ትኾኑ። ብመሰረት ናይ ገለ ኢቲዮጲያዊያን ፖለቲከኛታት መግለጺ‘ሞ ብዛዕባ‘ቶም ኣብ ሃገርና ዝዓስከሩ ተቓወምቲ ዝገርም መግለጺ ክስማዕ ቀንዩ ኢዩ። ኤርትራ ንስርዓት ኢቲዮጲያ ንምውዳቕ ዘይትኣደነ ወተሃደራውን ፊናንሳውን ወጻኢ ከምትገብረሎም ክትሰም ዕ ኣብ ቃራና መኣዝን ከቑመካ ይኽእል። ሓቂ እንተኾይኑ ስለምንታይ? ሓሶት እንተኾይኑ‘ውን ስለምንታይ?

ሕቶታትና ከይተመለሱ ነገር ድሮ ክልቲአን ሃገራት ክሰማምዓ ከምዝኽእላ ዝብል ኣፍ የውጽእ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ መቸ ም ነቲ ዝተነጽፈ ምንጻፍ ኣይህረረሉ‘ምበር ክርእዮስ ጸኒሑ ኢዩ። ነገራቱ ድማ ናይዋዛ ተሰጋሪ ኣይነበረን። ድሮ‘ኮ “ ኣንድ ህዝብ፡ ኣንድ ሰንደቅ ዓላማ፡ ኣንድ ሃገር“ ዝብል ህግደፋዊ ‘መፎክር‘ ክቃላሕ ጸኒሑ ኢዩ።

“ዋእ! እዞም ቅንጅታውያን ከመይቢሎም ጭርሖ ህግደፍ ይድሕድሕዎ ኣለዉ? ‘ዃ ብናጽነት ኤርትራ ዘይኣመኑ“! ኢሉ ዘዝሓሰበ ዘበለ ገና ከይቀሰነ እንከሎ ሕቶ ሰላም ካብመጸስ በሉ ካልእ ሕቶ ድማ ምንቃሉ ኣይተረፈን። ከምዚ ዝብል፡-

ወዮም ክቱር ዝዓጠቑ ደምሒታውያን ኮኑ ካልኦት ከድኣ ንኣዲስ ኣበባ ዲዮም ክጠኑ ወይስ ናብ ቤተመንግስቲ ኤርትራ?

ዝኾነ ኮይኑ ፖሊሲ ህግደፍ ክቕየር ከምዘይኮነ ርዱእ ኢዩ። ክቕየር እንተኾይኑ ድማ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ከምዝ ኾነ ኣየጠራጥርን። ከመይሲ ፍቕሪ ነፍሲ-ሄር ጠ/ሚ. መለስን ፕ.ኢሳይያስን ናብ ጽልኢ ሓራምዝ እንድዩ ተቐይሩ፡ ዋላ‘ኻ ንግዚኡ ገለ ነገር ከስርሕዎ ይደልዩ እንተኾኑ፡ ከምቲ ናይ መለስ ምፍላይ ግድን ድማ ናይ ኢሳይያስ ምስዓብ ክወልድ ኢ ዩ። ሰውራ ደቃ ከምትበልዕ መጠን ምብላዕ ምብልዑስ ጠላሕ ክብላ‘ሞ ቀሲና ንነባሪ ሰላም እንተተዓጠቐት ማለተይ ኢ የ‘ሞ ከይተመነኹዎ ኢየ ደልየዮ እብለኩም!

መጨረሽታኡ ብዘረባ ዓርከይ ክፋነዎኩም። ንሱ መቸም መልሓሱ ዓንዴል እንድይ፡ ከምዚ ኢሉ ኣውጊዕኒ፡-

“ህዝቢ ከምቲ ቀደሙ ብእኽብካብ ድማጻውያን ዝጥበር ኣይነበረን። ካልእስ ይትረፍ እተን መሲልወን “ሓማሸናይ ኮኾብ ሸማይ ይብላኻ‘ለዋየ“……… ክብላ ዝጸንሓ ኣዴታት ከይተረፋ ሎሚ ምስጢሩ እለዝበርሃለን፡ ከይተፈለጠንን ከይደለየኦን “ያዕ በልዎ! ቀደሙስ ዘይ ተጋጊኹም‘ምበር  ወዲ-ምንታይናስ ኮይኑ“ ክብላ ጀሚረን ኣለዋ። እተን ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ኣ ብ ዝኾነ ውራይ ብሓደ ዝሕብሩ ክዳን ኣጊጸን ብስም ማሕበር ዓዲ ዝተጠርነፋ ዝመስለን ኣዴታት ድማ ብሓቂ ተደናጊረ ን ኢየን። ዝኾነ መነ-መን ምዃነን ዘገድሶ ዘበለ መቸም፡ ንምፍላጠን ዝኣክል ስራሓት ሰፈይቲ መኪና ድዮ ነገር ሰፈይቲ ሰባት ምዃኑ ከይተገደስኩም፡ ነቲ ብላዕሊ ላዕሉ / MADE IN ERITREA/ ዝብል ጣቛ ወጻኢ ናይ መንነት መግለጺ ጽሑፍ ድቢዛአን ምስዝግምጥሎ፡ / MADE IN HAMASHEN/ ዝብል ጽሑፍ ከንብብ ይኽእል“ ክብል ኣቘጢዕኒ።

ብተግባር ህግደፋዊት ሃማደኤ ዘይምሽጋር ጥራይ። እንተ‘ዚ ጸቢብ እዋን፡ ምልክት ናይ ኩሉ ክወድቕ ዝተጋደመ ስርዓት ብምዃኑ ጽባሕ ዝፈጥሮ መቐይሮ ስለዘለዎ ኣይንተሓሰሞ ኣይንፍራሃዮ‘ውን። መጻኢት መስከረም ድማ ትሕዞኣ ሒዛ ከተ ፍ ክትብለና ኢያ‘ሞ ኣምላኽ ድማ ክሳብ ሽዑ ከይሸረፈ ከይጎረፈ ሓብሒቡን ተኸናኺኑን ከራኽበና ኢዩ።               ኣሜን!!                                                                                                                        ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና!                                                                                                            ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Meretse Asmelash September 16, 2013

    ሰላም ጎደፋ

    “ዎዮ ዘይፈልጥ ንዑቕ ምዃነ
    ዝሰገደ ይመስሎ ርእሲ እንተደነነ”

    ኢሰያስ ኣፈዎርቂ ዝነግሮ ዘበለ ኹሉ እቲ ዘይገብሮ እዩ ኢሉ ዝኣምን ገለ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኣሎ። በቲ ካልእይ ወገን ከኣ የሎን ንሱ ኩሉ’ዃ እንተዘይ ኮነ ገለ ክፋል ካብ ዝገብሮ ይሞልቖ እዩ ዝብል ኣሎዉ። ሳልሳይ ክፋል ከኣ ኢሰያስ ን መደርኡ ዶቦላ እዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ዝኾነ ኮይኑ ኩሎም መምክንያቶም ኣሎዎም። ኣነ ግን በለጽ ደኣ ከየስምዕ እምበር ኩሎም ሓቖም ምበልኩ። ምክንያቱ ኢሰያስ ካብቶም ዓይነቶም ክልለዩ ዘይደልዩ መራሕቲ እዩ። ንሱ ክዕወተላ እየ ንዝበላ ግዜ ሓርዩ፡ እዚ ኩሉ ተረኪቡ ዘሎ ሳላ ውሕሉል መሪሕነተይ እዩ፡ ኣነ ሓላው ደምበኩም እየ። ኣንጻረይ ኩሉ ዝግበር ዘበለ ፈተነ ሓንሳብ “ኣንጻር እዛ ደም ዝእድያታ ሃገር ኢዩ፡ ሓንሳብ ትከደን እምበር ዓይነት እድያትታ ብዘየገድስ ዝዓይነቱ ምስ ግዜ ይሳነየልይ እዩ ዝበሎ ዘረባ ንህዝቢ ኤረትራ ጸጸኒሑ ሓደጋ ከውድቀሉ ጸኒሑ ኣሎ። ሎሚ ግን ኩሉ ክርድኦ ዝክእል ዓይኑ ዘፍጠጠ መደረ እዩ ጌሩ።
    ዝሰምዖ ዘበለ ሓፈርኹላ ነዛ..(ሕፍረተይ) ኢዩ ኢሉ። ለከ መዓልቱ ዘእከለ ጥንሲስ ወይ ከምሰቡ ወይ ለኪሙ ምሕራሱ ዘይተርፎ ክብል ይስማዕ ኣሎ።
    ቅድሚ ጫፍ ብርዔይ ምስሓበይ ኣብ ዙርያ 2 ዓበይቲ ነጥብታት ዘልዓልካየን ኮለላ ከካይድ ፈትየ ኣሎኹ።
    1. ማይ ዝጸምኤ ፈለግ ይስዓብ፡ ዝብል ዘረባ ኣመትኡ ሓጺር ድዩ ነዊሕ። ብትውጻእ ወዲ ሓቂ ኣየናይ ፈለግ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ክለዓል ዝግብኦ እዩ።
    2. ኣብ ኣስታት መጨረሻ ናይ ቃለ-መጠይቅ ሰዓት ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኣልዒሉ ዝተዛረቦ ዘረባ መስደመም እዩ ኔሩ።
    ነቲ ደቡብ ሱዳን ዝረከበቶ ናጽነት፡ ኣነ ብሚዛነይ “ናጽነት” ዘዋጽኦም ኣይኮነን። ንደቡብ ሱዳን ምስ ሰሜን ሱዳን ብሓንሳብ ጠሚሩ ዘካይድ መንገዲ እንተ ዝርከብ ዝሓሸ መንገዲ ኔሩ። እዚ ከኣ ኮንፊደረሽን በሎ፡ ፈደረሽን በሎ፡ ክልተእዊ ምትሕግጋዝ (ኮመን ወልዝ) በሎ ዝዓይነቱ ኣዘራራባ ወይ’ን ብኣገላልጽኡ ኣበይ ዝኣመተ እዩ? ንሱ ንዓዲ ሃገር ጽቡቅ ብከምዚ መንገዲ ካብ ተተምነየ ትምኒቱ ነብሱ እንታይ ኮን ይከውን? መልሱ ኣደራዕ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ኣይኮነን? ንኩሉ ዝምልከት ኩሉ ክዋሳኣሉ ከሎ እዩ ዘጸብቅ።
    ኢሰያስ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት መብዛሕትኡ ግዜ ዝብሎን ዝገብሮን ጽባሕ እታ ዝሓለመላ ለይቲ እንኮነ ካብ ዝከይድ ዓመታት ኣቝጽሩ ኣሎ። ብቅጽበት ሕልሙ ከተግብር ዝጓየ ከኣ ነበሱ ጥራሕ ኣይኮነን ዝልክም። ካብ ከቢድ ድቃስ ካብዚ ንላዕሊ ዘበራብር የሎን። ደሓንዶ ሓዲርኩም እምበር ደሓን ሕደሩ ድሕሪ ደጊም ኣየዋጽእን እዩ።

    ብገፊሕ መገድን ብቀለምን ብርዕን
    ሕልሚ ህግደፍ ይጸርገፍ ይበርዕን

  • yonas27g September 16, 2013

    ጎደፋ ፦እንታይ ኣለዎም ደአ ናቤተመንግስቲ ክጎዩ ?ሬስኡን ጥላም ጫምኡን ተሸኪሞመን ናብ ዓዶም ክኸዱ፡ሃሃሃሃሃሃ

  • ተወልደመድኅን September 16, 2013

    መጻኢት መስከረም ድማ ትሕዞኣ ሒዛ ከተ ፍ ክትብለና ኢያ‘ሞ ኣምላኽ ድማ ክሳብ ሽዑ ከይሸረፈ ከይጎረፈ ሓብሒቡን ተኸናኺኑን ከራኽበና ኢዩ።……..ኣሜን ኩሉ ግዜ ኣብ መስከረም ጽቡቕ ክንሰምዕ።ግን ኣየነይቲ መስከረም’ያ ጎደፋ።እዛ ዘሎናያ’ሞ ኣብ መወዳኣታ ድያ ገለ ክተበስረናስ እታ ትመጽእ ናይ 2014 መስከረም’ያ።

  • fithawi September 16, 2013

    Ehhhhimmmm,
    Aye zeyhalfela Hager. Mefenafino kon’na ember terefna.
    Ezi ab hizbna teatatyu zelo guuezuy atehasasiba tserigu miteakikab yigberelna. Kab tarikk Somalawyan yedhinena. Bihatsiru libi nigber! Entezeykone shigirna kiwidae zeykone hadish melkea hizu keymetsena zefirih eyu. “anta ferihe, ferihkum do kemzi kemay!” diyu zibele hade tewasaay adina.
    Senay amet ygberelna.

  • Keren September 17, 2013

    There is no doubt that the politics of Eritrea produced more refugees per capita in this world until the Arab chaos or civil wars started in 2011.
    There are also many people: Ethiopians, Sudanese and Djiboutians even Egyptians who claim asylum as “Eritreans”. On top of this, many young people of Eritrean parents who were born outside of Eritrea and lived only in the Arab world are claiming asylum in the Ferenji/West because of the Arab bloodshed, racism and civil wars raging in the Arab world. They say the Christian West is better politically, culturally, educationally than the racist savage Arab world.
    The murderer evil Abdela Idris of the defunct Jebha told his entire sub-tribe that was living in Egypt and Sudan to ask asylum in England to get better education in English because the Arabic education of the Arab world is inferior and no Arab would hire you except as drivers to their concubines. Idris Abdela, like many Abeed cowards, is the man who want the poor Eritreans to study in Arabic language by burning Eritrean languages. Abdela told them “all respected and rich Arabs study in English and French, like the Turabis, Gadafis, Mubareks, sadiq al Mahdis, Saudi royal family, Hafez Assad, Yemeni Salahs, Kuwaiti shieks, bin Ladens, Sadami, Emerites …” He even told them Issaias, Drue, Bayrus and Sabbe are refined because they studied in English in Addis and Asmara.
    I know this first hand because his nephew was a student of my friend in a community college in London, UK.

POST A COMMENT