Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣንታ ንሕናስ ጹቡቕ ኣለና: ከፊኡ ዘሎስ ናይ ህዝብና

ኣንታ ንሕናስ ጹቡቕ ኣለና ከፊኡ ዘሎስ ናይ ህዝብና Tesfamariam Wel. 03/01/2015Norway   መጸ ድማ በዓል ሓዲስ ዓመት ህግደፍ ከብዱ መሊኡ ክጻወት ርኹባት ዝነበሩ ኣደራዕ ድኽነት ከሕልፎዩ ጸሊም ዓውደ ዓመት   ዘመነ ህ.ግ.ደ.ፍ እንኳን ዝብላዕሲ ኩባያ ማይ ተሳኢኑ ጎሮሮ መተርከሲ ከም ፐንሰሊን ኮይና ከም ፈውሲ ታይተሪፉዋ ክትስቀል ኣብ ፋርማሲ ብሓኪም

ኣንታ ንሕናስ ጹቡቕ ኣለና

ከፊኡ ዘሎስ ናይ ህዝብና

Tesfamariam Wel.

03/01/2015Norway

 

መጸ ድማ በዓል ሓዲስ ዓመት

ህግደፍ ከብዱ መሊኡ ክጻወት

ርኹባት ዝነበሩ ኣደራዕ ድኽነት

ከሕልፎዩ ጸሊም ዓውደ ዓመት

 

ዘመነ ህ.ግ.ደ.ፍ እንኳን ዝብላዕሲ

ኩባያ ማይ ተሳኢኑ ጎሮሮ መተርከሲ

ከም ፐንሰሊን ኮይና ከም ፈውሲ

ታይተሪፉዋ ክትስቀል ኣብ ፋርማሲ

ብሓኪም ክትእዘዝ እያ ተጸኒሖምሲ

 

ጠለ በጊዕ ዝብለዓሉ ዝነበረ ቤት

ደርሆኳ ተሳኢና ንምልክት ልደት

ከሕለፎዩ ተኾርሚዩ ኣብ ጸልማት

ዓመታት ኣቑጺሩ ኣብ ሽግረ መዓት

 

ደርሆ ተሓሪዳ መተካእታ በጊዕ

ዋጋኣ ከቡር ንኹላሶ ዘይትበቅዕ

ሓደ ኪሎ ዘይትምዘን ደም ብላዕ

መጸየቕ ኣፍ ተሓይኻ ዘይተጉስዕ

 

እንዳ ጀነራላት ስቡሕ እናተሐርደ

ተኾርሚያላ ጅግና ዝወለደት ኣደ

ብማዕዶ ትሽትቶ ስጋ ዘዝተ ሓርደ

ጉድ ክንሪ ኢና ህግደፍ ምስተፈርደ

 

መስጣ ዝኹሉ ግፍዒ ንህዝቢብድዐ

ስልጣኑ ኣሚኑ ንግዜኡ በይኑ ተበልዐ

መዓልቱ ቀሪባያ ዘይንብረቱ ዝመንዘዐ

ሎም ዘመን ዓመቱዩ ንጭኩን ዝተወጽዐ

ክርህዎዩ በዞም ስርዓት ሸፋቱ ዝተገፍዐ

 

ቀደም ተበሊዑ ጮማ በብዓይነቱ

ዞም ሓሳዳት ህግደፍ ከይተመስረቱ

ጠሚዩ ኣይፈልጥን ብዝሓለፉ ገዛእቱ

ጽቡቕ ነይሩ በብዓቕሙ ከም ክእለቱ

 

ጥሜት ጥራይ ከይኣክል ነቒጹ ጎሮሮ

መስኪናይ ህዝብና ንመንዩ  ዝነግሮ

ካባና ሓሊፉ ንመን እጸበ መን ክዝክሮ

ህግደፍ እኳ በላዕ በይኑ ስሱዕ ደንቆሮ

ሃባምበር ክንካ ዘይብል ከምዘን ዓጣሮ

 

ህዝብና ጸልሚቱዎ ሲሒቱ ኣእሙሮ

ዘይፈልጦ ሕማማት ኣሕዲሩ ዘይነበሮ

ብዙሕ  ሕማም ኣጥርዩ ሽኮር መንሽሮ

ብዝሒ ደም ሕማም ልቢ ዘይትቆጻጸሮ

 

ህግደፍ በላዕ ሰብ ናይ ከተማ ኣራዊት

ስርሖም ስራሕ ጋኒን ሸየጥቲ ኮላሊት

ማይ ገዲፎም ዝሕጸቡ ብደም ኣሕዋት

መስለኩምዶ ምሽቱ ዲክታቶር ዝዕወት?

 

ንግዜኡ ድላይኩም ዕበዱ ስኸሩ ሳዕስዑ

ብሰይጣናዊ ተግባር ዓንድሩ ከም ቆልዑ

ብህዝቢ ሓጭጩ ተላገጹ ቁማር ተጣልዑ

ግን ስልጣንኩም ኣብቂዑዩ ከይትዝንግዑ

መገድኹም ጽረጉ ህዝቢ ከይሓነነ ተጸግዑ

 

ህግደፋዊ ብህግደፍ ተቖሪንካ ትነብር

ጽንዓት ይሃብካ እምበር ታይሞ .ገበር

ናይ ህግደፍ ሕሰምሲ ንደርጊ የዘኻኽር

ቀራን ተንኮለኛ ፍጥረት እከይ መጋብር

 

ቀሪብናና ጽናዕ ኣንታ ዉጽዕ ህዝቢ

ኣይትፍራሕ በሎ ኣግሂድካ እምቢ

ታይ ትጽበ ድሕሪ ምሻጥ ኩሊት ልቢ

ንጽዓር ንምጉሓፉ ህግደፍ ከም ከልቢ

ሸያጥ ናውቲ ኣካል ደቅ ሰብ ጸረ ህዝቢ

 

ብዓያሹ ህግደፍ ተበጽቢጽና

ካብ ኣድጊ ጥርልካ ናብ መኪና

ብፍረኖ ዘይብለን ኣጽሚሞሙና

ደቂ ህዝቢ ጉድምበር ረኺብና

 

ጃንዳ ህግደፍ ንብረት መናጢላ

እናኸተረት ጁባ ደቅሰብ ኣንኲላ

ከይሰርሐት ሚልዮናት ኣዋህሊላ

ካብ በዓቲ ናብ ዘይትፈልጦ ቪላ

 

ኣባይቲ ሃገርና ብሸፋቱ ተወሪሩ

ካብ መድሕኑ ተቐብረሉ ተባሪሩ

ካብ ዓደቦኡ ተደርብዩ ደገ ሓዲሩ

ወደባት መሬቱን መንነቱን ተሃጊሩ

 

ብዘመነ ህግደፍ ህዝቢ ተዳሂሉ

ንብረቱ መንዚዖም ናተይናብሉ

ንዘይፈልጥዋ ደቀስመራ ክመስሉ

ሱኩፋት ወገን ሱልጡናት ክባሃሉ

ግዜ ንጸበ ጽባሕ ኣበይ ከምዘብሉ

መሬት ንዋንኡ ምኳኑ የስተውዕሉ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም.ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • AHMED SALEH !!! January 4, 2015

    ” Anti nihnas xibuk alona ,
    Kefiou zelos nay hizbina ”
    Intay emo yigheber kab tekhahadna
    Amlakh resiEna diyablos merixna
    Baelna ziweresnayo mergem do aykonen
    Hagherna zikhonet kurusha nay ghanien
    Teberaber hizbey astewEl temeramer nidihnetka
    Mikhri lebamat Ahwat nihadnetn nikhibretkan
    hanti igrikha ab mekabr sigab meAs iyu nabra
    Kab haki zirehake kal alem dikmetna behabera
    Haye dea ni fikrn halyotn kab hasawit dankera .

POST A COMMENT