Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣንጻር ሞያኻን ህዝብኻን ምቅላስ ድርብ ገበን’ዩ

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ሞያ ጋዜጠኝነት ኣብ ሕብረተሰብን መንግስትን ብዘለዎ ልዑል ጽልዋን ኣበርክቶን፡ ማዕረቶም ኣካላት መንግስቲ ማለት፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካላት ኢዩ ዝቁጸር። ኣብ መሰል ሰብ ዝኽበረሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለወን ሃገራት፡ ጋዜጠኛ ብመንገዲ’ቲ ልሙድ መራኸቢ ብዙሓን

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ሞያ ጋዜጠኝነት ኣብ ሕብረተሰብን መንግስትን ብዘለዎ ልዑል ጽልዋን ኣበርክቶን፡ ማዕረቶም ኣካላት መንግስቲ ማለት፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካላት ኢዩ ዝቁጸር። ኣብ መሰል ሰብ ዝኽበረሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለወን ሃገራት፡ ጋዜጠኛ ብመንገዲ’ቲ ልሙድ መራኸቢ ብዙሓን ማለት ራድዮ፡ ተለቪዥን ጋዜጣ ኣቢሉ፡ ንሕብረተሰብ ዝጠቅም፡ ሚዛኑ ዝሓለወን ዝተረጋገጸን እዋናዊ ሓበሬታ፡ ኣስተምህሮ፡ መዘናግዒ መደባት ስለዘበርክት፡ ሞያኡ ክብረትን ሚዛንን ኣለዎ።

ብኣንጻሩ ኣብ ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት፡ ጋዜጠኛ ንብልሹው ምምሕዳር ስለዘቃልዕ፡ ንውጹዕ ህዝቢ ስለዝጣበቕ፡ ዝተሓብአ ምስጢር ፍሒሩ ስለዘውጽእ፡ ይህደንን ንስቃይን ንሞትን ይፍረድን። ስለዝኾነ ሞያ ጋዜጠኝነት ኣብ ምልካውያን ስርዓታት፡ እቲ ዝኸበደን ሓደገኛን ዕማም’ዩ። ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ብገንዘብን ካልእ ግዝያዊ ረብሓን ተዓሻሽዮምን ንሞት ፈሪሖምን ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዘራኽሱን መሳርሒ መለኽቲ ሰዓታት ዝኾኑን፡ ንሓቅን ንፍትሕን ዝውፈዩ ግንባሮም ንዓረር ዝህቡ ጋዜጠኛታት ብዙሓት’ዮም።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ቅንጣብ ጩራ ናጽነት፡ ሰብኣዊ መሰልን፡ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን ስለዘየለን፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ክፈልጥን እዋናዊ ሓበሬታ ክረክብን ዝተሓረመ’ዩ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነተን ዝርካበን ባዕሉ ብሒትወን ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንፖለቲካዊ ዕላማታቱን ዕድመ ስልጣኑ ብዘርብሕን ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን የታልል፡ ይሕሱ፡ ይምሕልን ዘይትግበር መብጽዓታት ይድርድርን። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምዕፋን ሓበሬታን ምብሓት መራኸቢ ብዙሓንን ከይተወሰነ፡ ሚልዮናት ዶላርን ንብረትን ህዝቢ ኤርትራ ፈጊሩ፡ ብዘይካ ውልቃዊ ረብሓ፡ መቅሽሽን ገንዘብን ምቅዳም ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ዝረግጹ ጠላማት ኤርትራውያንን ገለ ገለ ወጻእተኛታትን ዓሲቡ፡ ሰማይን መሬትን ኣብ ዘጣብቅ ወፈራ ሓሶታትን መናውራታትን ምክያድ ተጸሚዱ ኣሎ። እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍን ብላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ዝዝርጋሕ መደባት ግን፡ ኣብ ተራ ሓሶትን ጸለመን ጥራይ ዝሕጸር ኣይኮነን። ብቀንዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ንዕቀት ምርኣይን ብሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ምሕጫጭን ዘድሃበ’ዩ። ንኣብነት ስማዊት ሚኒስተር ፍትሒ ስርዓት ህግደፍ ፎዝያ ሃሽም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ  ንደገፍቲ’ቲ ስርዓት ብሓለዋ ፖሊስ ተሰንያ ተካይዶ ኣብ ዘላ ኣኼባታት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሓበሬታ ኣየድልዮን’ዩ” ክትብል ገሊጻ። ፎዝያ ሓቃ’ያ ህዝቢ ኤርትራ ሓበሬታ ኣየድልዮን’ዩ ክትብል። ምኽንያቱ ፎዝያ ካብ ሕቅፎኣ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተመንጢሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቀ፡ ህይወቱ ዝሰኣነን ድሃዩ ዝጠፍአን በዓል ቤት ወይ ሓው የብላን። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓለ ምድረበዳ ሳህራን ቀባሪ ዝሰኣነ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝሳቀ ውላድ የብላን።

ኣብ መዋእል ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ዘገልግልን ሓቂ ዘንጸባርቅን መራኸቢ ብዙሓን ስለዘየለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነተን ህግደፍ ዝቆጻጸረንን ሓሶት ዝድራረንን፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ቲቪ ኤረን ጥራሕ’ዩ ኣእዛኑ ዝጸምምን ኣዒንቱ ዝዓውርን። ሎሚ ኣብ ዝበዝሕ ክፋላት ዓለም ዝርጋሐ ኢንተርነትን ኤለክትሪክን ኣስፋሕፊሑ ስለዘሎ ኣብ ዓለምን ከባቢኻን እንታይ ይፍጸም ኣሎ እዋናዊ ሓበሬታ ክትረክብን ሓቂ ከተረጋግጽን ቀሊል’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣገልግሎት ኢንተርነትን ኤለክትሪክን ከይረክብ፡ ካብ ዓለም ክንጸልን ሓሳቡ ብናጻ ከይገልጽን ብስርዓት ህግደፍ ስለዝተፈርደ፡ ኣብ ጸልማት’ዩ ዝነብር ዘሎ። ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብናን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ንኸደናግርን፡ ካድራቱ ካብ ኤርትራ ኣናኣዋፈረ፡ ኣብተን ብስም ኤምባሲ፡ ሃብቲ ኤርትራ ዝዝረወለንን ዝሕባኣለንን ሃገራት ጃፓን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ስዑድ ዓረብያ፡ ኬንያ፡ ቻይና፡ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ እቲ ስርዓት ዝምወልን ዝቀናበርን ኣብ ፋይስቡክ; ትዊተርን ዩቱብን ብሽሓጢ ኣቀራርባ ንስርዓት ህግደፍ ዝውድስ መደብ ምዝርጋሕ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ቃንዛን ሓጎስን ህዝቦም ከየንጸባርቁ ብውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዕድል ስለዝሰኣኑ እምበር ተስፋ ዘለዎምን ምዑታትን ጋዜጠኛታት ብዙሓት’ዮም። ንኣብነት እቶም ኣሰናዳእትን ኣባላትን ናይተን ኣብ ናጻ ኤርትራ ክፈረያ ዝጀመራ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት፡ ንስለ ሓቅን ፍትሕን ብርዕታቶም ስለዝመዘዙ፡ ኣብ 2001 ግዳይ ማእሰርትን ሞትን ህግደፍ ኮይኖም’ዮም። ሕመረት ጽሑፈይ ነቶም ኣብ ጎድኒ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ንሓቀኛ ሞያ ጋዜጠኝነት ዘፍኩሱ፡ ነቲ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕታት ዝኽሓዱን ነቲ ንመሰሉን ንኽብሩን ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ዘነኣእሱን ስነምግባሮም ዝጸየቁን ስም ጋዜጠኛታት ዘለዎም ብተግባር ግን ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝርሓቁ ዓገብ ንምባል’ዩ። ነቶም ኣብ ሓንጎል ውልቀመላኺ ኢሳያስን ኮራኩሩን ኣትዮም ጨካን ፖሊሲታት ህግደፍ ዘተግብሩን ሕሰም ህዝብና ዘጋድዱን ብዛዕባ ጽባሕ ዘይሓስቡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ስነጥበባውያንን ስለዘለዉ፡ ሕልና ክገብሩን ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ክብሉን ንምዝኽኻር’ዩ።

እቶም ሓላፍነቶም ረሲዖምን ብጥቅሚ ዓዊሮምን፡ እታ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ወትሩ ክሰርቅን ካብ ሓቂ ክሃድምን ዝጥቀመላ ሓረግ፡ “ካብ ገድሊ ዝተወርሰ ባህሊ ብዙሕ ምስራሕ እምበር ብዙሕ ምዝራብ ኣይለመድናን” ትብል ስነ ሓሳብ ዝደጋግሙ ጋዜጠኛታትን ጨለታት ካድራትን፡ ። ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ከይሓፈረ፡ ስርዓት ህግደፍ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ግሂሱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ሓሪምዎ ከምዘሎ ዝተሰውሮም ኣይመስለንን። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና በብዝጥዕሞ ኣገባብ፡ “ሕጊ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ” ኢሉ ኣንጻር ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ተቃውሞ ዘስምዕ ዘሎ ህዝብና፡ “ንሕና ስራሕና ኣብኩርና ነቶም ስራሕ ዘይብሎም ኣይንምልስን ኢና”፡ ምባል ድማ መርገም ናይቶም ካብ 2001 ጀሚሮም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉ፡ ብነጋዶ ሰብ ዝሕረዱን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝበልዩን ዘለዉ ኤርትራውያን ክፈርዶም’ዩ። ስም ጋዜጠኛ ለቢሶም፡ ኣሰር ናይቲ “ኣይከስርናን፡ ኣዞም መንእሰያት ናብ ሊብያ እንታይ ክገብሩ ከይዶም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገራት’የን ኢሉ ዝሓስብ እንተሉ ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ፡ ስንኩላን ሓንቂቆም” ኢሉ ብሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዘባጩ ምልካዊ ኢሳያስ ምኽታሎም ድማ ዘሕዝን’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ስም ህዝቢ ኤርትራ እናልኣዓለ’ዩ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ቀጥታዊ ገበን ከምዝተፈጸመ ዝልፍልፍ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ’ዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥልመትን ጭካነን ዝፍጽም ዘሎ እምበር፡ ማሕበረሰብ ዓለም ወይ ካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ምውሳን ዕድሉን ዝኾነ ተራ ዘይብሉ በየናይ ኣገባብ’ዩ ብማሕበረሰብ ዓለም ወይ ግዳማዊ ጸለመን ክስን ክቀርበሉ?፡ ኣብ ክንዲ’ቲ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት ተበታቲኑ ዘሎ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቆሪኑ ዘሎ መንእሰይ፡ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩ  ኣብ ትሕቲ መሬት ንዓመታት ዝሳቀ ዘሎ ኤርትራዊ ፍትሒ ክረክብ ምምጓት፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ምሽቃጥ ነውሪ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን ክልተ ዝተነጻጸሉ ጉዳያት ኢዮም። ህግደፍ ድማ ወካሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጠንቂ ሞት፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ሕማምን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ክዛረብን ክሕለቅን ሞራላዊ ሓላፍነት የብሉን።

ቀዳሞት፡ “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በሰር ከይኣለኻ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ በሰር ከተውጽእ ኣይከኣልን’ዩ” ከምዝበልዎ፡ ህግደፍ ብጥሮተኛታት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓደ ሓደ ምሁራትን ኢትዮጵያ፡ “ታሪኽ ይጥምዘዝ ኣሎ” ኢሉ ኣበራቱ ክጉልብብ  ልዕሊ’ቲ  ብሓደ ሓደ ኢትዮጵያውያን ዝግበር ዘሎ ዘየለ ታሪኽ ምጥምዛዝን ምዝላልን፡ ስርዓት ህግደፍ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘሎ ገበን ይዓቢ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኮነ ኢሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘየለ ክውንነት ክፈጥር ከይደቀሰ ዝሓድር ብብዙሕ ገበን ዝሕተት’ዩ። ንኣብነት፡ “ፍትሒ ይንገስ” ኢሎም ንመሰሎም ዝተጣበቁ ኤርትራውያን፡ “ዕሱባት ወያነን ኣመሪካን ጅሃድን” ኢሉ ኣብ ትሕቲ መሬት የስፍሮም። ንምሩዃት ኩናት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉ፡ ኣብ ከባቢና ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ኤርትራውያን፡ ዝኽሕድ ካልእ እዋን ድማ “ጸጊቦም” ኢሉ ዘጸልም፡ ስርዓት ህግደፍ እምበር ጥሮታ ዝወጹ ጀነራላት ኢትዮጵያ ዝበልዎ ኣይኮነን።  እቶም ንባዕሎም ጮማ እናጎመዱ ዊስኪ እናጨለጡ ንምስኪን ኢትዮጵያዊ ናብ ሓዊ ዝጠበሱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጨፍጨፉን ንብረቱ ዘዕነዉን ካብ ታሪኽ ዘይተማህሩ ኢትዮጵያዉያን፡ ኣብ ጥቃ መቃብሮም ኮይኖም ዘይጭበጥ ሕልሚ በጨቅ እንተኣበሉ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን፡ እቲ ቅልውላው መንነት ብዘንቀሎ ብሕዱር ሕማም ዝሳቀ ዘሎን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ትሃኑ ዘውጽእ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብምቁር ቃላት ወኪል ህዝቢ ኤርትራ’የ እናበለ ንህዝቢ ኤርትራን መንነቱን የጥፍእ ምህላዉን ካብ ኤርትራውያን ደገፍቲ ምርካቡን’ዩ ኢዩ።

ጋዜጠኛታት መሳርሒ ውልቀሰባትን ኣብ ምጭፍጫፍ ህዝብና ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣማኻሪ ውልቀመላኺ ኢሳያስ የማነ ማንኪ ክኾኑ ኣይግብኦምን። ነቲ ስርዓ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ዘይእዉጅ ስነ ኣእምሮኣዊ ኩናት ንምዕዋት፡ “ኣብ ሓንጎል ሰብ ዘሎ ኣተሓሳስባ ክትስዕሮን ከተዳኽሞን ነብሱ ከምዘትሕት፡ ከምዝህውትት ክብርታቱ ከምዝብከል ክትገብሮ ኣለካ” ዝብል ፍልስፍና ከነተግብር የብልናን። ኤርትራውያን ጋዜኛታትን ስነጥበባውያንን ኣስተውዕሉ፡ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሕሰም ተኸቢቡ ዝነብረሉ ዘሎ ጽንኩር እዋን፡ ጸግዕኹም፡ ክእለትኩምን ብርዕኹምን ነቲ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ንሓዋሩ ዝነብር ህዝብኹምን ሃገርኩምን እሙናትን ውፉያትን ኮይንኩም ኣለናልካ ክትብልዎ እምበር፡ ናብ ኤርትራ መገሺ ወረቀት ከይትኽልከሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዛኹም ከይውረሰኩም ኢልኩም፡ ምስቲ ዘይነብርን ጽባሕ ዝሓልፍን ውልቀመላኺ፡ ሕጊ ኣልቦን ብልሹውን ስርዓት ህግደፍ ክትምጉሱን ከተሰዉዱን ጥልመትን ዘይሞያውን ተጣዒስካ ዘይምለስን ኣጸያፊ ተግባር’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 18 መስከረም 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT