Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን (ውልቃዊ ትዕዝብቲ) ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      መበል 12 ክፋል         04/12/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 12 ክፋል         04/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ ዝሓለፈ መበል 11 ክፋል ከም ዝገለጽኩዎ፣ እቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ኣብቲ ውድብ ምስ ጀመረ፣ ሓደ ወገን ነዚ ሜላ’ዚ ከም ናይ ሓዋሩ ናይ ስልጣኑ መረጋገጺ ክወስዶ ከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ግን ኣብ መንጎ ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ምንባሩ፣ እቶም ዝነበሩ ላዕለዎት ካድረታት ድማ፣ ነቲ ጉዳይ ንምዕራይ ክብሉ ናብቲ ናይ 60ታት (ዘምነ ክፍልታት) ዝምለሱ፣ እምነቶም ኣብ ህዝቢ ብምግባር፣ ነቲ ኩነታት ተጻዊሮም፣ ‘ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ (ምብራር መግዛእቲ) ምትኳር ይሓይሽ’ ዝብል ምርጫ ከም ዝወሰዱ ኢየ ገሊጸ።

 

እቲ ውድብ ድማ ብዓቢኡ ብደቂ ከበሳ ዝዕብለል፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሓሪ ኮይኑ ከም ዝማዕበለ፣ እቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ሰባት ድማ፣ እቶም ስም ኣመንቲ ክርስትና ዘለዎም መብዛሕትኦም ካብ ሓደ ከባቢ፣ እቶም ኣስማት ኣመንቲ ምስልምና ዝሓዙ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ውሱን ከባቢ ምንባሮም’ውን ገሊጸ ነይረ።

 

ኣብ ብዙሕ ሰብ ‘ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ተመሪጹ?’ ዝብል ሕቶ ከለዓዕል ባህርያዊ ኢዩ። እቲ መልሲ ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ፍሉይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ዕላማን ሳዕቤንን ናይቲ ኣሰራርሓ ቅድሚ ምዝራበይ ድማ፣ ንሎሚ ከም መቐጸልታ ናይዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ኣተዓዳድላ ሓላፍነት፣ ኣብዚ መበል 12 ክፋል፣ ብዛዕባ’ቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝሃቦ ወታደራዊ ማዕረግ ቁሩብ ክገልጽ ኢየ። ኣብቲ ዝቅጽል ክፋላት ድማ ብሰንኩ፣ ኣብ መላእ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘጋጠመ ሳዕቤን ክገልጽ ኢየ።

ወታደራዊ ማዕርግ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ናይዚ ክብ ኢለ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ሓቅነት ዘረጋግጽ ካልእ ፍጻሜ’ውን ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወታደራዊ ማዕረግ ክዕደል ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ፕረዘደንት ኢሰያስ ባዕሉ ንገለ ሰባት ወታደራዊ ማዕረግ ከም ዝዓደለ ኣብ ማዕከናት ዜና ወጺኡ ተዛሪቡ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ናይቶም መኮነናት ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም፦

1.    ጀነራል ስብሓት ኢፍረም          = እባርዳእ   (ሓማሴን)

2. መ/ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንደማርያም    = ኣፍደዩ     (ሓማሴን)

  1. መ/ጀነራል  ተኽላይ ሃብተስላሴ       = ዓዲንፋስ   (ሓማሴን)
  2. መ/ጀነራል   ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ   = ጸሎት      (ሓማሴን)
  3. መ/ጀነራል   ሃይለ ሳሙኤል         =ዓዲመንጎልቲ (ተኸላ -ሰራየ)
  4. መ/ጀነራል   ብርሃነ ገረዝጊሀር       =በራኽ  (ተኸላ – ሰራየ)
  5. መ/ጀነራል   ኣሕመድ ካሪካረ        = ካብ ዓፋር  (ደንካልያ)/
  6. መ/ጀነራል   ሮመዳን ኣውሊያይ     = ካብ ዓፋር   (ደንካልያ)
  7. መ/ጀነራል   ዑመር ጠዊል      = ዓዲ ሹማ (ከባቢ ጊንዳዕ፣ ሰምሃር)
  8. መ/ጀነራል   ኣሕመድ ካካይ      = ካብ ሳሆ (ኣከለጉዛይ)

 

ሓበሬታ፦ እዚ ዝርዝር ኣስማት’ዚ ነቶም ኣብታ መጀመርያ መዓልቲ ኢሰያስ ባዕሉ መጀር ጀነራል ዝሃቦም ጥራይ እምበር፣ ነቶም ናይ ብርጋደር ጀነራል ማዕረግ ዝተዋህቦምን ድሒሮም ነቲ ናይ መጀር ጀነራል ማዕረግ ዝወሰዱን ኣየጠቓልልን ኢዩ።

ኣብዚ ብንጹር ከም ዝረአ’ውን 4 ካብቶም 10 ፕረዚደንት ባዕሉ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም መኮነናት፣ ካብ ሓደ ከባቢ ምንባሮምን ድሒሩ ኣብ ወሳኒ ቦታ ተመዲቦም ክሰርሑ ምምዳቦምን ጥራይ፣ እቲ ኣሰራርሓ ብቐንዱ እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ዘተኣታተዎ ምዃኑ ኢዩ። ድሒርና ከም እንርእዮ፣ ካብቲ ዝረኣናዮ ቊጽሪ ንላዕሊ፣ ነቶም ካልኦት ዝተዋህበ ናይ ስራሕ ብጽሒት ብቐንዱ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኢዩ ዘነጽሮ። እቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝጀመሮ ስራሕ ብኡ ንብኡ ንታሕቲ ወሪዱ፣ ሎሚ ዳርጋ ኩሎም ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ሓደ ከባቢ ምዃኖም ዘካትዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ካብ ዓዲንፋስ ጥራይ ንመ/ጀ/ተኽላይ ሓዊስካ 6 መኮነናት ናይ ጀነራል ማዕረግ ኣለዎም። ክልተ ካብኣቶም ሓወቦን ወዲሓዉን ምዃኖም ድማ ነቲ ኣሰራርሓ ዝያዳ ዘነጽር ኢዩ። ንሳቶም ድማ፦

    1. መ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ           = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    2. ብር/ጀነራል ተስፋይ ይስሓቕ (ቀያሕታይ) = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    3. ብር/ጀነራል ሚኪኤል ሃንስ ይስሓቕ       = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    4. ብር/ጀነራል ጸሃየ ካሕሳይ                = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    5. ብር/ጀነራል ሓድሽ ኤፍረም              = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    6. ብር/ጀነራል ዳንኤል ኣብርሃ (ጨዓይ)      = ዓዲንፋስ ሓማሴን

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝዝረብ ዕላል’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ “ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናትን (ሚኒስተራት) ሓለፍቲ ጸጥታን፣ ካብ ኩሉ ከባቢታትን ካብ ክልቲኡ ሃይማኖትን እንድዮም” ዝብል ኢዩ። እንተኾነ ነዚኣ ብንጹር እተብርህ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገዲም ተጋዳላይን ኣባል ናይታ ሚጢራዊት ሰልፍን ዝነበረ፣ የማነ ተኽለገርግስ ንሬድዮ ወጋሕታ ዝሃቦ ቃል ነዚ ይመስል፣-

 

 “ድሮ ጉባኤ ‘እዚ ውድብ በዞም ዘለዉ መራሕቲ ገርካ ክስራሕ ኣይከኣልን ኢዩ። ነዞም ዘለዉ መራሕቲ ሒዝካ ከትከይድ ስለ ዘይከኣል፣ ነዚ ውድብ ኢንስቲቱሽናላይዝድ ክንገብሮ ኣለና።” ዝብል ዘረባ ሰሚዐ ነይረ። እታ ኢንስቲቱሽን’ ትብል ቃል ንቓላ ትርድኣኒ ኢያ። ብኸመይ ይጥቀሙላ ኣለዉ ስለ ዘይተረድኣኒ፣ ሓደ ግዜ ንጴጥሮስ ሰለሞን ከምዚ ክብል ሓቲተዮ። ‘ከመይ ዓይነት ኣሰራርሓ ኢኹም ከተታኣታትዉ ትደልዩ ዘለኹም? እዛ ‘ኢንስቲቱሽናላይዝድ’ ክንገብሮ ኢና’ ትብል ዘረባ ኣይተረድኣትን’ ምስ በልክዎ፣.. “እቲ ክፍልታት ወይ ሚኒስትሪታት ናይ ኤርትራ፣ ሓደ መራሒ ይህልዎ፣ እዚ መራሒ’ዚ ግን ንፈርማ ጥራይ ዘድሊ ሰብ ኢዩ። እቲ ስራሕ ንሱ ኣይኮነን ዝሰርሖ። እቲ ስራሕ ክስራሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ክኢላታት ወይ ምሁራት ሰባት ነቲ ስልጣን ክሕዝዎ ኣለዎም። ንሳዎም ኣጽኒዖም መርሚሮም ምስ ወድኡ፣ ንዕኡ ንፈርማ ጥራይ ኢዮም ዘቕርብሉ። ከምዚ ገርካ እንተዘይኮይኑ፣ እዚ ዘሎ መሪሕነት ዓቕሚ ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ስራሕ ድማ ዕንቅፋት ይፈጥር ስለዘሎ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ፣ እዚ ውድብ ንቕድሚት ክኸይድ ዝኽእል።…” ኢሉኒ።

 … ቃል ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ፣ 7ይ ክፋል

እቲ ግዜ፣ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ ስርዓት ወይ ውድብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። እዛ ሓጻር እትመስል ግን ንብዙሕ ሚስጢራት ናይቲ ኣሰራርሓ ብንጹር ኢያ ትገልጽ። እቶም ድኹማት ዝተባህሉ ሓለፍቲ፣ እቲ ፕረዚደንት ስለዝደለዮም ጥራሕ፣ ባዕሉ ኮፍ ዘበሎም ኢዮም። ዕንቅፋት ዝፈጥርሉ እንተኾይኖም’ውን ንምእላዮም፣ ንምእሳሮም ይኹን ንምቕታሎም ጸገም የብሉን። እንተ’ቲ ‘ክኢላታት ወይ ምሁራት’ ዝብል ዘረባ ግን፣ ኣብ ኤርትራ ምሁርን ክኢላን ክስደድ እምበር ከመሓድር ኣይረኣናን። እታ ‘ክኢላታትን ምሁራትን’ ትብል ሓረግ፣ ‘ብእሙናትን ኣገልገልትን’ እንተ-ተተኪኣ ግን ልክዕ ኢያ ትመጽእ። ጴጥሮስ ንየማነ ዘየግሃደሉ ንእሽቶ ሚስጢር እንተ-ተሪፋቶ ድማ ንሳ ጥራይ ኢያ ነይራ። እቶም ‘ወከልቲ’ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሚኒስተራን ካልኦት ሓለፍትን እምበኣር፣ በቶም ወግዓዊ ሹመት ዘይብሎም፣ ግን ከኣ ፕረዚደንት ብዝሃቦም እምነት፣ ምሉእ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎም ሰባት ተወዲኡ ዝተዋህቦም ዝፍርሙ፣ ስም ጥራይ ዝሓዙ ምስሊታት ኢዮም። እቶም ወግዓዊ ስልጣን ዘይብሎም፣ ‘ወዳእቲ ስራሕ’ በዓል መን ኢዮም? ዝብል ሕቶ ግን ገና ክምለስ ዘለዎ ኢዩ።

ነዚኣ እትመሳሰል ኣብ ኣስመራ ከለኹ፣ ዝሰማዕኩዋ ሓቤረታ’ውን ኣላ። እቲ ግዜ ኣብ ሚኒስትሪታት ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝጣየሱሉ ዝነበሩ እዋን ኢዩ። ፋዱስ ኮይኑ ኩሉ ሰራሕተኛ ከካብ ቤት-ጽሕፈቱ ናብ ምስሑ ዝወጻሉ እዋን። ሚኒስተር እገሌ’ውን ከም ሰቡ ካብ ቤት-ጽሕፈቱ ወጺኡ፣ ኣብቲ ግዳም ሓደ – ኣብ ትሕት ዝበለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ዝፈልጦ ሰብ ይርኢ’ሞ፣ ጸዊዑ ምዉቅ ሰላምታ ድሕሪ ምሃቡ “ስራሕ ከመይ ኣሎ?” ኢሉ ይሓቶ። እቲ ተጋዳላይ ገሪሙዎ፣ ነታ ሽዑ ዝተቐበላ “ተጣይስካ” ትብል በቲ ሚኒስትሪ ዝተዋህበቶ ደብዳቤ የርእዮ። እቲ ሚኒስተር ሰንቢዱ “እዋእ! ኣነ ድኣ ዘይፈለጥኩ!” ብምባል ነቲ ዝተጣየሰ ተጋዳላይ ደብዳቤኡ መሊሱሉ። እቶም ከም ወከልቲ ዝተቐመጡ ሚኒስተራት እምበኣር፣ ናይ ሚኒስተር ስም እምበር፣ ናይ ሚኒስተር ስልጣን የብሎምን።እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ኲናት ደው ኢሉ፣ እቲ መንግስቲ ካብ ውሽጡ ነቒዑ ህግደፍ ኣብ ቅልውላው ምስ ወደቐ፣ ኣብ ክቱር ስግኣት ዝወደቐ መራሕ ሃገር፣ ነቶም ዝኣምኖምን ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝዓደሎምን ጀነራላት ኣብ ጥቕኡ ከቐምጦምን ህዝቢ ከበሳብሱ፣ ምሉእ ስልጣን ክህቦምን ርኢናዮ። እቶም በብግዜኡ እናተቐያየሩ፣ ብባርኾት ኢሰያስ ኣብ ኣስመራ ተቐሚጦም፣ ንኹሉ ጸጥታውን ስለያውን ንጥፈታት ናይቲ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ብምግባር፣ ንምልእቲ ከተማ ኣስመራ ቀጥ-ቀጥ ከብሉዋ ዝጸንሑን ዘለዉን ጀነራላት፣ ተወለድቲ ሓደ ከባቢ እምበር፣ እቶም ኣብያተ-ጽሕፈቶም ካብ ናቕፋ ንዓሰብ፣ ካብ ዓሰብ ድማ ንባረንቱ ዝተቐያየረ ተወለድቲ ካልእ ከባቢ፣ እዚ እምነት’ዚ ክወሃቦም ኣይረኣናን።

ኩልና ክም እንሰማማዓሉ፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ፣ ክብ ዝበለ ወታደራዊ ማዕረግ እምበር፣ ሲቪላዊ ስልጣን ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ካልኦት እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ፣ ንይስሙላህ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም ሰባት፣ ካብቲ ወታደራዊ ጽፍሕታት ተኣልዮም፣ ገሊኦም ኮሚሽነራት ስፖርት፣ ካልኦት ድማ ኣብ ተራ ሲቪላውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክቀያየሩ ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ንሳቶም’ውን ኣይተኣምኑን። እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ። ዕላማን ሳዕቤንን ናይ ኩሉ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣሰራርሓ ድማ ኣብ ዝስዕብ ክፋል ክገልጾ ኢየ።

 

… ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • ኣይበልናን'ዶ December 4, 2013

    ከም ኩሉ ግዜ ርእይቶኻ ባድናቒት ይቕበሎ።ጽሑፉካ’ውን ከም’ኡ።……..“እቲ ክፍልታት ወይ ሚኒስትሪታት ናይ ኤርትራ፣ ሓደ መራሒ ይህልዎ፣ እዚ መራሒ’ዚ ግን ንፈርማ ጥራይ ዘድሊ ሰብ ኢዩ። እቲ ስራሕ ንሱ ኣይኮነን ዝሰርሖ። እቲ ስራሕ ክስራሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ክኢላታት ወይ ምሁራት ሰባት ነቲ ስልጣን ክሕዝዎ ኣለዎም። ንሳዎም ኣጽኒዖም መርሚሮም ምስ ወድኡ፣ ንዕኡ ንፈርማ ጥራይ ኢዮም ዘቕርብሉ ” ዝብል ርእይቶ ግን በቲ ገሊጽካዮ ዘሎኻ ክትግመት ዘይትኽእል’ያ።ልክዕ’ዩ ሓደ ስራሕ ሓላፊ ወይ ሚንስተር ኣይኮነን ዘጽንዖ።ንሱ ናይቶም ኣጽናዕቲ ኣዋሃሃዲ’ዩ።ንሳቶም ኣጽኒዖም ምስ’ጽደቕዎ፡ንሱ እቲ ሓላፊ ነቲ ዝተጸንዐ ኣብ ስራሕ ክውዕል ዓቕሚ ሰባትን ባጀትን ይሰርዕ።ኣብ ገሊኡ ነቲ ዝተጸንዐ ሒዙ ምስ ሚኒስትርታትን ወይ ካልእ ኣካላት ዝጋጮ ከይከውን ይመያየጠሉ።እዚ ማለት ንምዕባለ ዚተባህለ ንባህሊ ይጎድእ፡ንረብሃ ኣሀግር ዚተባህለ ንኅብረተሰብ ስለዚሃሲ ኩሎም ኣባላት ሚንስትሪ ነቲ ዝተጸኖአ የጽድቕዎ ወይ ዝቕየር እንተለዎ ይቕይሩዎ።ሰለዚ መብዛሕቱ ግዜ እቲ ከም ሓላፊ ወይ ሚንስተር ኮይኑ ዝረአ ናይቲ ዝተጸንዓ ኣወሃሃዲ፡ነቲ ዝተጸንዐ ኣብ ግንሪ ክውዕል ይኽእሉ ብቕዓት ኣለዎም ዝተባህሉ ሰባት ምምዳብ’ምበር ንሱ ወሳኒ ኩሉ ኣይኮነን።ሓላፊ ንዝተጸንዐ፡ተረዳዲኡ ክውስኸሉ ወይ ተረዳዲኡ ክንክየሉ’ምበር ክስርዞ’ውን ኣይክእልን ስለዚ፡ኣታ ናይ ጴጥሮስ ሰሎሙን ኣበሃህላ ብኩፉእን ብካልእ መንገዲ ክትግለጽ ኣይከኣልን።ግን ነዚ ቦታዚ ዘድሊ ሰብ ኣብዘይብሉ ኢሳያስ ናብ ረብሕ ኡ ከውዕሎ ከምዝኽእል ፍሉጥ’ዩ።

  • fithawi December 4, 2013

    Amazing!

  • ሓይሊ'ኣብ December 4, 2013

    ጀነራል ስብሓት ኢፍረም = እባርዳእ (ሓማሴን)

    2. መ/ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንደማርያም = ኣፍደዩ (ሓማሴን)

    መ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ = ዓዲንፋስ (ሓማሴን)
    መ/ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ = ጸሎት (ሓማሴን) መ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ = ዓዲንፋስ ሓማሴን……..እዚኣቶም ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለው ዚበሃሉ ፍሉጣት ጀነራላት’ዮም።ህላዌ’ዚኦም ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።ቀጺሉ’ውን ዓዶም እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ምዃኑ’ውን ዘይፈልጥ የሎን።ስለዚ ኩሎም ካብዚ ቦታዚ ምዃኖም ብልሒ ስለዘለዎም ድዮም ወይስ ብውልቀ መላኺ ዝተሓረዩ ኢዮም።እዚ ንህዝቢ ወይ ንዓታቶም ዝውክል ኣይኮነን።እቲ ሕርያ ወይ እቲ ኣድልዎ ዘለዎ ኣሰራርሓ ናይቲ መዓርግ ዚሃቦም ህዝቢ በታቲኑ ክገዝእ ዝደለየ ሰብ’ዩ።ንሳቶም ካሮት ተቀቢሎም መጻወቲ ይኾኑ ምህላዎም ዘይምፍላጦም ቅድሚ ብጾቶም ቦታ ምሓዞም ዘይምስትውዓሎም ጥራሕ ዘሕዝን።

    • Sarah December 4, 2013

      Why is it that these days, people think that the civil and military officials take orders and they are not responsible? Really? They are the ones who do all the dirty jobs of the few! but they do it willingly! so they are as responsible as their bosses.
      It is just unnerving when someone says the ministers are powerless. Do they have chains around their legs? NO they could leave. BUT they don’t want to. Because they want to be called ‘minister’ ‘Director’ and to have power over their own people. What they do not know is that with ‘Shabia’ the words come at a price. You have to sell your SOUL first to get them!!!
      Our tragedy DOES NOT COME FROM ONLY ONE MAN!
      It is not Isaias who is raping, selling young people, torturing Eritreans in prisons. He has willing helpers. They could have said. ‘No, I am not doing this’. So please stop protecting the evil-doers!
      As for Tadesse,
      I think your LIST is missing some officials who are not from Hamasien. Or is your article about Hamasien only? I hope not. Please keep on writing. Many of us want to know what your end goal is.

  • lilay December 4, 2013

    i was reading all the comments gave to previous part, meaning part 11,i see people act like nothing happening. and some of them said that the writer create this story from his own mind set. some of them they just want hide it. they talked like Eri Tv we are one and united. BUT PEOPLE LET ME ASK YOU ONE QUESTION.
    WHY EVERY BODY IS TALKING ABOUT UNITY, IF UNITY IS NOT A PROBLEM?
    WEDI TKABO TALKED ABOUT UNITY
    WEDI VEKARO TALKED ABOUT UNITY
    WEDI TEMNWO TALKED ABOUT UNITY
    WHY THESE PEOPLE WANTED US TO UNITED IF WE ARE UNITED?
    PLZ LETS FACE THE REALITY,TALK ABOUT THE PROBLEM AND SOLVE IT.

    • Eritreawit December 4, 2013

      lilay, i agree with you about talking about the regionalism problem specially kebesa people.
      so we don’t repeats the same as those fools, that they thought the dictator is from thier AGDO, I say this becuse our country is so small we all are realated if we like it or not, i admire the kola eritreans they are so FOR ERITREA NOT FOR THIER AGDO. WAKE UP PEOPLE.

  • negassi December 4, 2013

    The last comment from Lilay is the catch 22 in Eritrea. We all united as Eritreans. We all want Eritrea united, but we want Eritreans to realize our differences as well. We shouldn’t be scared about our differences. It can be solved with constitution that recognize our difference. Then and only then we will respect each other and will be more united.

  • halengi December 4, 2013

    tigadel dika nereka wala adi ketetaik ika tiwel nerka?

  • tesfay tekle December 4, 2013

    TADESSE, Xeba Site nhzbi ertra xeba astiKayo

  • HABTE December 4, 2013

    Tadesse
    keep it up expose the ugly face of our gehdli. Unless we know all about it and talk about it openly we will never be in peace within ourselves.

  • rezen December 4, 2013

    First: It is commendable for Mr. Taddese Kidane to come up with a ‘taboo’ subject of ‘awrajanet’ In meida, it was forbidden to identify one’s legitimate and rightful identity.a natural fact. But not in Issayas’ essential agenda!

    Now, let us be frank, please. Issayas Afewerki Abraham manipulated the entire ghedli NOT by himself but in the presence and cognizance of his intelligent comrades in broad daylight.One could go on … and on … and on …….to describe the absurdity of it all, but what would be the point! Eritrea has been a dysfunctional entity and will keep on being so unless the CORE PROBLEMS of the arbitrarily forged landmass are recognized, accepted and researched for solution. And that would be a miracle.

  • HALAL December 4, 2013

    ETI HEMAM BELEKE’E YEGELEX ALO ETI QUSKALI EZI IYU. QUSLIKA HABIEKA MEKAS TRFU EZI ZELENAYO IYU .
    NEZI ZBEHAL ZELO MESENBEBU ZHAMU SEBAT KNDEY KON YKONU? GERHETAT GEDIFKA ETOM ZBEZHU RESAHE HANGOL ZEHAZU IYOM MELSOM KEA HABAL BELIYA KEYTQDMEKI IYU.YEHEZEN IYU.
    ANTA BZUH IYUKOZELO WERE GENA ETI GUD GENA AYWEXEN ALO GENA GENA.GZIYE TRAHE GZIYE KULU ETIGUD JEMIRUENBER AYTEWEDE’EN BYYY.

1 2 3

POST A COMMENT