Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም (መበል 16 ክፋል )

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      መበል 16 ክፋል         19/12/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 16 ክፋል         19/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

 

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ “ካብ ኩሎም ነቲ ግምባራት ዘወሃህዱ ዝነበሩ፣ ነንሕድሕዶም ዝቀራረቡ ላዕለዎት መኮነናትን ፕረዚደንት ባዕሉን፣ ዋላ ሓደ ሓላፍነት ናይቲ ፍሽለት ዝወሰደ ሰብ ከም ዘይነበረ። ብኣንጻሩ ኣብ ኣመራርሓ ናይቲ ኲናት ኢድ ዘይነበሮም ‘ድኽመታትና ንገምግም’ ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፣ ብዘይፈጸምዎ ገበን ክሕተቱ ተዓዚብና። ጉድለታቶም ንግዳም ከይወጽእ ዝዓብጡን ዝሰታተሩን፣ ብስጋን ዓድን ዝቀራረቡ ደቂ ሓደ ከባቢን ንሶም ዝሓረይዎም ሰባትን፣ ብጻዕቂ ኣብ ቀንዲ ሓላፍነት ምቕማጥ እምበኣር፣ ንረብሓ ብምሉኡ’ቲ ህዝብን ረብሓ ሃገርን ዝዘርግ ኢዩ” ብምባል’የ ተፋንየኩም።

 

“ካብዚ ተበጊሰ ድማ ነቶም ዕምሪ ህግደፍ ንምንዋሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ደገፍቱን፣ ንኣወዳድባ ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ርእይቶ ከቕርብ” ምዃነይ ገሊጸ ነይረ። እቲ ጽሑፍ ስለዝነውሐ ግን ኣንባባይ መታን ክከታተሎ፣ እቲ ንደገፍቲ ህግደፍ ዝምልከት ንበይኑ፣ ንደምበ ተቓውሞ ዝምልከት ድማ ንበይኑ ከቕርቦ ዝሓይሽ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ፣ በበይኑ ከቕርቦ መሪጸ ኣለኹ።

….. መቐጸልትኡ ድማ ይስዕብ

ሓበሬታ ንደገፍቲ ህግደፍ (‘ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና’)

እዚ ‘ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና’ ዝብል ጭርሖ፣ ብገለ ደገፍቲ ህግደፍ ክጭራሕ ዝሰማዕናዮ ታሪኻዊ ጥቅሲ ኢዩ። ሃንደስቱ ብመደብ ዘቀናበርዎ፣ ጨራሕቱ ግን ትሕዝቶኡ ብዕምቈት ከይተረድኡ ዝደጋገምዎ ጭርሖ ድማ ኢዩ። ንሃንደስቱ ብቓልዕ ንቃለሶም ስለ ዘለና፣ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ የራኽበና ንብሎም። ንጨራሕቱ ግን እዚ ዝስዕብ ሕውነታዊ ማዕዳና ንልግሰሎም።

ብርግጽ ንስኻትኩም ንሱ ኣይኮንኩምን። ንሱ ግን ህላዌኡ ኣባኹም ኢዩ ዝምርኮስ። ዕድመ ስልጣኑ ብእትህብዎ ደገፍ ይናዋሕ ወይ ይሓጽር። ንስኻትኩም ትማሊ ነይርኩም፣ ሎሚ ኣለኹም፣ ጽባሕ’ውን ክትህልዉ ኢኹም። ዘረባኹም እምበር ውሽጣዊ ስምዒትኩምን ረብሓኹምን ካባና ዝፈሊ የብልኩምን። ንሕና’ውን ብዘይ ናትኩም ደገፍን ተሳትፎን ርግኣት ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተከል ዘይከኣል ኢዩ። ብኸምኡ ከኣ ኢና፣ ኣብ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት እጃምኩም ከተበርክቱ እንብህግ።

ሕጂ’ውን ብርግጽ ንስኻትኩም ንሱ ኣይኮንኩምን። ንሱ እቲ ገበነኛ፣ ንሱ እቲ ሃገርን ህዝብን ዝብትን ዘሎ፣ ንሱ እቲ ጠንቂ ስደትን ዝኽትምናን ኢዩ። ንስኻትኩም ግን ግዳያት ድኣ’ምበር፣ ናይቲ ገበን ተዋሳእቲ ኣይኮንኩምን። እታ ኣብ ሲናይ ዝተሳቐየት ሓፍትኹም፣ እቲ ኣብ ባሕሪ ዝተዋሕጠ ሓዉኹም፣ እቲ ንቡር ሓዳር ከይገበረ ዝኣርግ ዘሎ መንእሰይ ወድኹም ኢዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ድማ ንሱ እምበር ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን። ንሱ ጽባሕ ንጉሆ ከም በዓል ሳዳም፣ ሙባረክ፣ ቀዛፍን መዛንኡን ኣብ ሕጊ ክቐርብ ኢዩ። ንስኻትኩም ሽዑ ከሰስቲ እምበር ተሰከምቲ ገበናቱ ኣይኮንኩምን።

ንሱ ሃገር ዝብትን ኢዩ፣ ንስኻትኩም ግን ኣሕዋትን ኣካል ናይቲ ዝብተን ዘሎ ህዝብን ኢኹም። ብዝኾነ መንገዲ ንስኻትኩም ንሱ ኮንኩም ተሰከምቲ ገበናቱ ክትኮኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ንሱ ንኣሕዋትኩም ‘ዓጋመ’ እናበልኩም ክትጻረፉ ሚዒዱኩም። ብስም ‘ጀሃድ’ ሰባት ከተቋናጽቡ ምሂሩኩም። ‘ትርፍራፍ ቅያዳ ኣል ዓማ’ እናበልኩም ኣሕዋትኩም ክትድህሉ መኺሩኩም። “ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስቲ ንሕና ሓለፍቲ ስለ ዘለና፣ ቀኒኦሙልና ኢዮም ዘዕገርግሩ ዘለዉ” እናበለ ከነሃህረኩም’ውን ይስማዕ ኢዩ። ገለ ካባኻትኩም’ውን ‘ጽሩያት ኤርትራውያን’ ብምባል ነብሶም ክውድሱ ሰሚዕና። ‘ብኣጃክስ’ ዲዮም ‘ብላክስ’ ተሓጺቦም ኣይንፈልጥን። ብዙሓት ካባኻትኩም ንማዕዳታቱ፣ ምኽሩን ትምህርቱን ሰሚዖም መሰል ምስ ዝሓተቱ ኣሕዋቶም ተባኢሶም ኢዮም። ካብ ጽልእን ቅርሕንትን፣ ግዝያዊ መንፈሳዊ ዕግበትን ሓሊፉም ግን ዝረኸብዎ ፋይዳ የለን።

‘ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና’ ስለ ዝበልኩም፣ ሓለፋ ካልኦት ኣሕዋትኩም ካብን ናብን ኤርትራ ትመላለሱ ኣለኹም። ብዙሓት ካባኻትኩም ምስ ሓለፍቲ ህግደፍ ብዘለዎም ቅርበት፣ ኣብ ኣብያተ-መንግስቲ ኣትዮም፣ ጉዳያቶም ከይተጸገሙ ዘሳልጡ ይህልዉ ይኾኑ። ኩሉ’ዚ ግን ኣብ ሓደ ቅዋማዊ ስርዓት ብሕጊ እትረኽብዎ ተራ መሰል እምበር፣ ብሰበ-ስልጣን ዝወሃብ ትኳቦ ወይ ጉንዖ ኣይኮነን። ገለ ሰበ-ስልጣን ኣዝማድኩምን መቕርብኩምን ስለ ዝኾኑ፣ ንዓኣቶም ንዘይምቕያም ጸግዒ ህግደፍ ዝሓዝኩም’ውን ኣለኹም። እንተኾነ ካብኣቶም ንላዕሊ ኣብ ሲናይ ዝተቐብሩን ኣብ ባሕሪ ዝተዋሕጡ ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ኣዝዮም ይበዝሑ። ንሓደ ሓውኻ ብዋጋ ካልእ ሓውኻ ከተጥፍእ ዘይቅቡል ኢዩ’ሞ ዓገብ እንተበልኩም ይሓይሽ።

ነቶም ኣብ ደገ ኮንኩም፣ ኣጋፈርቲ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ህግደፍ ትኾኑ ዘለኹም ድማ ሓደ ነገር ወስ ከብል። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፣ ሎሚ መብዛሕትኦም ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ኣምባሳደራት ህግደፍ ተወለድቲ ሓደ ከባቢ ኢዮም። ኣምባሳደራት ኣመንቲ ምስልምና’ውን ልክዕ ከምኡ። ካብተን ብዙሕ ዕግርግርን ፍልልያትን ዝረኣለን ሃገራት ናይዘለዉ ኣምባሳደራት ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ከም ኣብነት ንምጥቃስ፦

  1. በየነ ርእሶም፣ ብዋጋ በዓልቲ ኪዳኑን ኣደ ደቁን (ሰናይት ደበሳይ) ስልጣኑ ዝመረጸ፣–ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ከንያን ከባቢኣን →  ወክድባ
  2. ተስፋማርያም ተኸስተ–ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ኢስራኤል→    ሽማንጉስ
  3. ተስፋሚካኤል ገራህቱ –ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ብሪጣንያ → ሕምብርቲ
  4. ዮናስ ማና – ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ስዊድን           → ገረሚ
  5. ሰለሞን መሓሪ – ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ሆላንድ         → ዛግር
  6. ፋሲል ገብረስላሴ – ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ግብጺ         → ወኪ

ንሳቶም ኣምባሳደራት ንምዃን ዝተመርጹ፣ ካብሰቦም ንላዕሊ ናይ ዲፕሎማሲ ትምህርቲ ስለዝተማህሩ፣ ወይ’ውን ልዕሊ ሰቦም ብቑዓት ስለዝኽኑ ዘይኮነስ፣ ብመደብ ህዝቢ ብከባቢ ክፈላልዩ ስለ ዝተደልየ ኢዮም ተላኢኾም። ሰባት ካብ ምክፍፋል ሓሊፎም፣ ምስሊ ኤርትራ ዘመሓይሽ ዝሰርሕዎ ግብራዊ ስራሕ’ውን ኣይረኣናን። ንሳቶም’ውን ነታ ስልጣን ዝተዋህቡዋ፣ በብዝምባሌኦም ብዝተወልድሉ ከባቢ ከም ዝተሓርዩ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ኣብዚ ኣብ ወጻኢ መጺኦም ድማ፣ ልክዕ ከምቲ ዝተባህሎም ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ካልኦት ብቕዓትን ትምህርትን ዘለዎም፣ ብቕንዕና ዝሰርሑ ደቂ‘ቲ ከባቢ’ውን እዚ ዕድል’ዚ ኣይወሃቦምን ኢዩ።

ንዓኣቶም ኣሰኒኹም ኣብ ኩሉ ኣኼባታት ህግደፍ እትእከቡ፣ ካብቶም ውሑዳት ደገፍቲ፣ እቶም ዝበዛሕኩም ደቂ’ቲ ከባቢ ምዃንኩም’ውን ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኣብቲ ካብ ኤርትራ ክሳብ’ዛ ዘለኹማ ሃገር እትበጽሑ ማዕረ ኩሉ ኤርትራዊ ተሳቒኹም። ናብቲ ዑቕባ ዝሃበኩም ሃገር ምስ በጻሕኩም’ውን ማዕረ ኩሉ ኤርትራዊ ናብ ሲናይን ካልእ መንገዲ ስደትን ኣሽሓት ገንዘብ ከፊልኩም። ሎሚ ግን ምስቶም ትማሊ ኣብ ኲናት እግሪ-መኸልን ጎላጉል ባድመን ኣብ ጎንኹም ዝሞቱ፣ ዝተወግኡን ብጾትኩም ዝነበሩን ኣሕዋትኩም ፊት ንፊት ትፋጠጡ ኣለኹም። ዓገብ፣ ነቲ ትማሊ ዘይሕጋዊ ኲናት ኣዊጁ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኣተሓሕዝኡ’ውን ቅጥዒ ዘይነበሮ፣ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ጠንቂ ህልቂት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ ክትንዕንግሉ ግቡእ ኣይኮነን። ሕጂ‘ውን ንሕና ብዘይካኹም እንተኽሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት የለን። ንስኻትኩም’ውን ብዘይካና ቅሳነት ዘለዋ ሃገር ክትህልወኩም ኣይኮነትን። ስለዚ ህግደፍ መጽለሊ ክትኮኑዎ ይሓተኩም ኣሎ’ሞ፣ ‘ንስኻ ንበይንኻ ንሕና ድማ ምስ ህዝብና’ በልዎ።

መወዳእታን መበል 17 ክፋልን ኣብ ቀጻሊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Kabbire December 21, 2013

    Interesting, I am not sure about the list
    someone said Zemhret Tesfahanes, not sure. Tadese may know.
    Mart said:

    Taddese,
    Last time Thomas asked you about the security generals (like Abrha kassa, Tesfaldet Habteslasie,Simon Ghebredingil, Teame Goitom …….) , but you didn’t give him a convincing and complete answer. Let me ask you on my side How about ambassador Araia Desta(UN) Alem Tsehaye (India)

    • haile-ab December 22, 2013

      ንሱ ዝበለ……ካብተን ብዙሕ ዕግርግርን ፍልልያትን ዝረኣለን ሃገራት ናይዘለዉ ኣምባሳደራት ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ከም ኣብነት ንምጥቃስ፦…..እዚ ማለት ኣብዘን ሃገራት እዚአን ዘሎ ውዳበን ኣብ ኡ ዘለው ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዝብሉ ብዝሒ ዘለዎን ክሳብ ምትህርራም ዝበጽሑ ማለትዩ።እዚ ማለቱ በቲ ዓደይ ወዲ ኦኣዳይ ዝብል ጉልባብ ዝተሰርሀ ማለትዩ።ንዝኾነ ጽሑፍ ብቅኖና እንተንቢብካዮ ይርዳእ’ዩ።ብውሽጢ ክትክውሎን ክትሃብ ኦን ዘሎካ እናደፍ ኣካ እንተንቢብካዮ ግን ኩሉ መሪር ኩሉ መወቃሲ ኩሉ ኣንጻር ሃገራዊ ሃድነት ኩሉ ናይ ኣውራጃውያን ኮይኑ’ዩ ክስመኦኣካ።ዝኾነ ጽሑፍ ከኣ ኅልና ኣንጺህካ ምንባብ የድሊ

      • sarah December 22, 2013

        Haile ab,
        Being a critical reader is a quality that help both the reader and writer. Readers always come with a knowledge they have already acquired. This helps them to assess, accept or/and reject as well as question the new information. Do not think that readers come with white slate where any one can write. Only infants can come blank as far as knowledge is concerned.
        So we need to be patient when people demand for more information or when they want further clarification.
        The article definitely needs some serious amendments. Patience, let us ask questions. That is how human beings mature.

  • kibrom December 22, 2013

    Kabbire and Thomas. please read this. I think Tadesse has already answered your question. politics is not mathematics. it is analysis.
    ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝዝረብ ዕላል’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ “ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናትን (ሚኒስተራት) ሓለፍቲ ጸጥታን፣ ካብ ኩሉ ከባቢታትን ካብ ክልቲኡ ሃይማኖትን እንድዮም” ዝብል ኢዩ። እንተኾነ ነዚኣ ብንጹር እተብርህ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገዲም ተጋዳላይን ኣባል ናይታ ሚጢራዊት ሰልፍን ዝነበረ፣ የማነ ተኽለገርግስ ንሬድዮ ወጋሕታ ዝሃቦ ቃል ነዚ ይመስል፣-

    “ድሮ ጉባኤ ‘እዚ ውድብ በዞም ዘለዉ መራሕቲ ገርካ ክስራሕ ኣይከኣልን ኢዩ። ነዞም ዘለዉ መራሕቲ ሒዝካ ከትከይድ ስለ ዘይከኣል፣ ነዚ ውድብ ኢንስቲቱሽናላይዝድ ክንገብሮ ኣለና።” ዝብል ዘረባ ሰሚዐ ነይረ። እታ ኢንስቲቱሽን’ ትብል ቃል ንቓላ ትርድኣኒ ኢያ። ብኸመይ ይጥቀሙላ ኣለዉ ስለ ዘይተረድኣኒ፣ ሓደ ግዜ ንጴጥሮስ ሰለሞን ከምዚ ክብል ሓቲተዮ። ‘ከመይ ዓይነት ኣሰራርሓ ኢኹም ከተታኣታትዉ ትደልዩ ዘለኹም? እዛ ‘ኢንስቲቱሽናላይዝድ’ ክንገብሮ ኢና’ ትብል ዘረባ ኣይተረድኣትን’ ምስ በልክዎ፣.. “እቲ ክፍልታት ወይ ሚኒስትሪታት ናይ ኤርትራ፣ ሓደ መራሒ ይህልዎ፣ እዚ መራሒ’ዚ ግን ንፈርማ ጥራይ ዘድሊ ሰብ ኢዩ። እቲ ስራሕ ንሱ ኣይኮነን ዝሰርሖ። እቲ ስራሕ ክስራሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ክኢላታት ወይ ምሁራት ሰባት ነቲ ስልጣን ክሕዝዎ ኣለዎም። ንሳዎም ኣጽኒዖም መርሚሮም ምስ ወድኡ፣ ንዕኡ ንፈርማ ጥራይ ኢዮም ዘቕርብሉ። ከምዚ ገርካ እንተዘይኮይኑ፣ እዚ ዘሎ መሪሕነት ዓቕሚ ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ስራሕ ድማ ዕንቅፋት ይፈጥር ስለዘሎ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ፣ እዚ ውድብ ንቕድሚት ክኸይድ ዝኽእል።…” ኢሉኒ።
    … ቃል ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ፣ 7ይ ክፋል

    እቲ ግዜ፣ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ ስርዓት ወይ ውድብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። እዛ ሓጻር እትመስል ግን ንብዙሕ ሚስጢራት ናይቲ ኣሰራርሓ ብንጹር ኢያ ትገልጽ። እቶም ድኹማት ዝተባህሉ ሓለፍቲ፣ እቲ ፕረዚደንት ስለዝደለዮም ጥራሕ፣ ባዕሉ ኮፍ ዘበሎም ኢዮም። ዕንቅፋት ዝፈጥርሉ እንተኾይኖም’ውን ንምእላዮም፣ ንምእሳሮም ይኹን ንምቕታሎም ጸገም የብሉን። እንተ’ቲ ‘ክኢላታት ወይ ምሁራት’ ዝብል ዘረባ ግን፣ ኣብ ኤርትራ ምሁርን ክኢላን ክስደድ እምበር ከመሓድር ኣይረኣናን። እታ ‘ክኢላታትን ምሁራትን’ ትብል ሓረግ፣ ‘ብእሙናትን ኣገልገልትን’ እንተ-ተተኪኣ ግን ልክዕ ኢያ ትመጽእ። ጴጥሮስ ንየማነ ዘየግሃደሉ ንእሽቶ ሚስጢር እንተ-ተሪፋቶ ድማ ንሳ ጥራይ ኢያ ነይራ። እቶም ‘ወከልቲ’ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሚኒስተራን ካልኦት ሓለፍትን እምበኣር፣ በቶም ወግዓዊ ሹመት ዘይብሎም፣ ግን ከኣ ፕረዚደንት ብዝሃቦም እምነት፣ ምሉእ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎም ሰባት ተወዲኡ ዝተዋህቦም ዝፍርሙ፣ ስም ጥራይ ዝሓዙ ምስሊታት ኢዮም። እቶም ወግዓዊ ስልጣን ዘይብሎም፣ ‘ወዳእቲ ስራሕ’ በዓል መን ኢዮም? ዝብል ሕቶ ግን ገና ክምለስ ዘለዎ ኢዩ።

  • isak December 25, 2013

    ኩቡር
    ጽሐፋይ ብምጽሐፍካ ኣይጽላእን ግን እንታይ ይጽሕፍ ኣለኩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ኣገዳሲ ዩ ኣርእስቲ ጽሑፉካ ውልቃዊ
    ትዕዝብቲ ዘይኮነስ ውልቃዊ ስሚዒት ክትብሎ ኔርካ መክንያቱ እዚ ኩሉ ዝርዚርካዩ ናትካ ሕማምዩ ብንጽሃት ስውኣት
    ተጋደልቲ ደቂ ዓዲ ወይ ከባቢ ከምዚ አብ ሓደ ኔሮም አለውን ኡልካ ክትጽፍ ምክኣልካ እንታይ ዓይነት ስብ ኢካ ገምጊምናካ አለና ንሃገር ምልእቲ በዞም ዝገለጽካዮም ክትውክሎም የለካን ጥራይ እየ ዝብለካ መክንያት መጽርሐፉካ ርዱእ ዪ ምስ ሳልሳይ ርእሱ ዝተሰወ ምኪኤላ ጊለ ምስ ካልአይ ርእሱ ዝተሰወአ ወዲ ጸገይ ክምኡውን ካልኦት አቲ መጀመርያ ደቂ ሓደ ዓዲ ምካኖብም የሕሚምካ ብምስውኦም ድማ ጀጋኑ ኢልካዮም ስለዚ አነ ሓንቲ አምነት ክህበካ ንኩሉ ጽሑፍካ ካአ ተፍርሶን ትምልሶን አብ 09 ቀይሕ ባሕሪ ዝስርሑ ዝነበሩ ሰለስተ የሕዋት ሓላፉኦሰም ናይ ሕጅ እሱር አብቱ ግዜ ሚንስተር ንግድን ኢንዱስትሪ ዝነበረ ዑቁበ ገአብርሃ አብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ሰለስተ የሕዋት ማለት ማና ተስፋጼን ደስቱ ተስፍጼን ፍስሃየ ተስፍጼን ነዚም እንተይ ክትብሎም ኢካ ኩሎም ደቀምሐረ

Post a Reply to isak Cancel Reply