Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      7ይ ክፋል         16/11/2013  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     7ይ ክፋል         16/11/2013 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 ኣብ 6ይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ ብዛዕባ’ቲ ብጸጋይ (ከኒሻ) ዝተዋህበና ልቢ ዝርስርስ ናይ ተራድኦን ህዝባዊ ባይቶታትን፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ከመይ ኢልና ናብ ማሕበርነታውን ማዕርነታውን ስርዓት ከም ንኽይድ ዝሕብር ፖለቲካዊ ትምህርቲ ገሊጸ ነይረ። እቲ ናይ ህዝባዊ ባይቶ መዓልቲ ድማ ናብ ህዝባዊ ሓዘን ከም ዝተቐየረ ኢየ ሓቢረ። በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም።

“እዋኑ ክራማት 1978 ኢዩ። ገና ሓዘንና ከይወዳእና ድማ ምዝላቕ ካብ ዞባ ደቡብ ኣርከበ። ብኸምዚ ድማ ሕቶ ህዝባዊ ባይቶ ተሪፉ፣ ኩልና መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን (ቀያሕቲ ዕምባባ) ተሰሪርዕና ጉዕዞ ንዓላን ዓሊ-ገደን ተተሓሒዝናዮ።”

ኣስዒበ ብመንጽር’ቲ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ማዕርነታዊ ትጽቢት ኣብኡ ዝጸንሓኒ ቀዳምይ ገጽ ናይቲ ፖለቲካውን ወታደራውን ሃዋህው ክገልጽ ኢየ።

…. ይቕጽል

ማሕበርነታዊ ኣተሓሳስባ ሰኒቐ ኢየ ኣብ ህ. ግምባር ተሰሊፈ

ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ከም ተጋዳልይ ክጽንበር ከለኹ እምበኣር፣ ኣውራጃዊ ይኹን ዝኾነ ካልእ ፍልልይ ዘይኮነስ፣ ማዕርነታውን ማሕበርነታውን ኣተሓሳስባ ተዓጢቐ፣ ነቲ ናብኡ ንኸይንበጽሕ ዓጊቱ ዝሓዘና መግዛእታዊ ሓይሊ ‘ክድምሰስ ኣለዎ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ስነቐ ኢየ ተሰሊፈ። ኣብቲ ካብ 10 መዓልቲ ዘይሓልፍ ናይ ሰለሙና ወታደራዊ ታዕሊም ይኹን፣ ኣብቲ ካብ ድፋዓት ዓዲገብሩ ክሳብ ግንባር ናቕፋ ዝተገብረ ትንፋስ ዘይህብ ጽዕጹዕ ወታደራዊ ግጥማት፣ ቀደም ዝፈልጦም ዓበይቲ ደቂ ዓደይ ሓለፍቲ ኮይኖም ክጸንሑኒ፣ ኩሉ’ቲ ዝሓለፉዎ ጽቡቕን ሕማቕን ተመክሮኦም ኮፍ ኣቢሎም ከዕልሉንን፣ ካብቲ ሕማቕ ክመሃር፣ ነቲ ጽቡቕ ክስዕቦ ሕውነታዊ መኽሪ ክልግሱለይን ዘይበሃግኩ ኣይኮንኩን።

ከም ገለ ምስቶም ብሓባር ዝዓበና (ናይ ሽዑ ተጋደልቲ) ኣብ እንራኸበሉ እዋን፣ “በዓል መን ረኺብካ? መን ኣበይ ኣሎ? በዓል መን ተሰዊኦም?” ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ቀልጢፎም ኢዮም ዝመጹ። ኣብታ ኣዝያ ሓጻር’ውን ትኹን፣ እታ ግዜ ተፍቅደልና ሓበሬታ ተለዋዊጥና ክንፈላለ ከለና፣ “በል ከይንሓምቕ፣ እዞም ኩሎም ዝተሰውኡላ ሃገር ኣባና በጺሓ ከይትኽሰፍ” ተባሃሂልና ንፈላለ።ካብቶም ቀደም ዝተሰለፉ ደቂ ዓደይ፣ መተዓብይተይ ወይ መማህርተይ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ብኣካል ዘይምርካበይ ድማ ኣብ ኩሎም ገዳይም ተጋደልቲ ዝበጽሐ ዕጫ ኮይኑ ይስመዓኒ ነይሩ። ስኽፍታ ግን ነይሩኒ።

እቲ ናይ ምዝላቕ ውግኣት ዕረፍቲ ኣይነበሮን፣ ሓደ ክስዋእ ካልእ የርክብ። ሓደ ውግእ ድሕሪ’ቲ ካልእ ይስዕብ። ህጁማት ጠጠው ክብል ከሎ ናይ ሞርታራት ቡምባ ከም ማይ ይዘንብ። መሬት ብነፈርቲ ይቃጸል። ኣብ ጎንኻ ዝነበረ ብጻይ ዝጀመሮ ዕላል ከይወድአ ብጥይት ይምንጠል፣ ወይ ኣካላቱ ብጁላታት ይጅላዕ። ኣጆኻ ክብለካ ዝጸንሐ ንባዕሉ ጻሕ ኢሉ ክወድቕ ትርእዮ። በዚ ኩነታት’ዚ ድማ ምሉእ ኣቓልቦኻ ናብቲ ኲናትን ሳዕቤናቱን ይጽመድ። ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ’ታ ሽዓ እዋንን፣ ብዛዕባ’ታ ዘለኻያ ግዜን እንተዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ ካልእ ግዜን ካልእ ቦታን ምሕሳብ ካብ ሓንጎል ተጋደልቲ ካብ ዝርሕቕ ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ከኣ 2ይ ወራር ኣብ 1978፣ 3ይ, 4ይ, 5ይ ወራር ድማ ኣብ 1979 በብሓደ እናተተኻኽአ  ሓሊፉን ብዙሕ ህይወት ተማሊኡን ከይዱ። ድሕሪ’ቲ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1979 ዓ.ም. ህዝባዊ ግንባር ተበግሶ ወሲዱ ነቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ሰራዊት ጸራሪጉ ኣፍዓበት ምስ ኣብጽሖ ጥራይ ኢዩ ንመጀመርያ ግዜ (ድሕሪ ምዝላቕ) ተጋዳላይ ራሓት ረኺቡ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዝኣተወ።

ሀ. ኣስማት ሓለፍትና ፈሊጥና፦

ኣብቲ ዝተረኽበ ግዝያዊ ተዛማዲ ናይ ሰላም እዋን (1980ን 1981ን) ከኣ ኢና ኣስማት ናይቶም ካብ ብርጌድ ጀሚርካ ክሳብ መራሕ ሓይሊ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክንፈልጥ ዕድል ዝረኸብና። ኣብቲ እዋንቲ ዝለዓለ ኣወዳድባ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብርጌድ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ድማ ‘ብርጌድ 51’ ትበሃል። ሓላፊኣ ዓሊ ኢብራሂም ኢዩ። ሰለስተ ቦጦሎኒታት ድማ ነይረንኣ። ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ ብሚካኤል ጊለን ሓድሽ ኢፍረምን ትምራሕ። ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ብመሓሪ ጸገዳይን ኣብርሃም ዓንዶምን (ዓፋን) ትምራሕ። ሳልሰይቲ ቦጦሎኒ ብጃበራ ሑመድን ገብርሂወት ዘሚካኤልን (ወዲ ሊቀ) ትምራሕ። እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ሓይሊ (ሓይሊ 32) ከም በዓል ሓሰን፣ ወዲ ምርካብ፣ ወዲ ተስፋይ ዝበሃሉ ሓለፍቲ፣ ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ እዋን ጥራይ ተቐያይሮም’ኳ እንተኾኑ፣ የማነ በርሀ (ወዲ በርሀ) ግን ኣነ ካብ ዝመጽእ ኣይተቐየረን። ሰባት ካብ ‘3ይቲ ሓይሊ’ ምባል፣ ‘ሓይሊ ወዲ በርሀ’ ምባል ይቐሎም። ወዲ በርሀ ኮሚሳር ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣቦ ናይታ ሓይሊ እውን ኢዩ ነይሩ። ኣኼባ ዝመርሕ ንሱ፣ ህጁማት ዝመርሕ ንሱ፣ ዕላል ይኹን ጭርቃን ዝመርሕ ንሱ፣ ኣቦ ጓይላ ዝኸውን’ውን ንሱ ነይሩ።

ሕጂ’ውን ኣስማቶም ጥራይ እንተዘይኮይኑ፣ መን ካበየናይ ዓዲ ወይ’ውን ካበየናይ ከባቢ መን ክሓስቦ። ብዛዕባ ዓድን መቦቆልን ምዝራብ’ውን ኣብቲ ውድብ ‘ነውሪ’ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑና። ይትረፍ ናይ ካልኦት ዓዲ ምሕታት፣ ዓድኻ ምንጋር’ውን ኣብ መንጎ ዕላላት ተኣሳሲሩ ዝመጽእ እንተዘይኮይኑ ኣድላይነት የብሉን። እቶም ብሓባር ንጓዓዝ፣ ሓደ ዝሂወትና፣ ብሓባር ንስራዕ፣ ብሓባር ንበልዕን ንድቅስን ደቂ ሓንቲ መስርዕ’ውን  እንተኾነ መን ኣበይ ዓዱ ዝፈልጥ የለን።

ተጋደልቲ ይኹኑ ሓለፍቲ ክንቀፉ፣ ካብን ናብን ሓላፍነት ክቀያየሩን ክድይቡን ምርኣይ ልሙድ ኢዩ። ብዛዕባ ዓዶምን መበቆሎምን ምሕሳብ ግን፣ ኣብ ሓንጎል ናይ ኩልና ተጋደልቲ ቦታ ኣይነበሮን። ኩሉ ዕላላትና፣ እንመሃሮ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፣ ኣኼባታትን ነቐፈታታትን፣ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጽን ወታደራዊ ጀግንነትን ዘድሃበ ኢዩ። ሰባት ኣብ ኣኼባታት ዝምቡላት ተባሂሎም ክንቀፉን ክህረሙን ብዙሕ እዋን ርእየ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ኣብ ነቐፌታ ዝወርድ ነጥብታት ኣነ’ውን ዝፈልጦን  ዝሰማዕኩዎን ኢዩ። ኣብ ገለ ግን ኣዝዩ ኢዩ ዝገርመኒ። እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ነገራት መን ከም ዘወሃሃዶን ብኸመይ ከም ዝተኣከበን ንምፍላጡ ትሽገር። ኣብቲ ኣሃዱ ብኣካል እናሃለኻ፣ ኩሉ’ቲ ተገይሩ ወይ ተዘሪቡ ተባሂሉ፣ ኣብቲ ኣኼባ ዝወርድ ነጥብታት ጋሻ ይኾነካ። በዚ ድማ ሰማዒ’ምበር ተዋሳኢ ኣይትኸውንን።

ገለ ካብቲ ኣብቲ ኣኼባታት ዝወርድ ነቐፌታታት ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝረአ ተራ ጌጋታት’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ገለ ግን በቶም ካድረታት ተዋዲዱ ስለዝመጽእ፣ ነቶም ዝንቀፉ ሰባት ብውሽጥኻ ትድንግጸሎም። ብኣካል ግን ትርሕቆም። ከምኣቶም ዝምቡል ከይትበሃል። እዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ገዳይምን ምሁራትን ተጋደልቲ ዝገደደ ኢዩ። ንሳቶም ዘረባ ከይሞልቆም ይፈርሑ፣ ንስኻ ድማ ከምኣቶም ዝምቡል ከይትኸውን ትርሕቕ። ክልተኻ ትፈራራሕ፣ ኣይትዘራረብን። ነጻ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ስለ ዘይህሉ ድማ፣ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘርበ ነጥብታት፣ ጭብጢ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፣ ሓቂ ኮይኑ ኢዩ ዝውሰድ። ከም ሳዕቤኑ ንጹሃት ተጋደልቲ ብመንፈስን ብሕልናን ይህሰዩ። ነቐፌታ ካብ ተራ ማኣረምታ ሓሊፉ፣ ዘዋርድ (humiliate ዝገብር)፣ ብዙሕ እዋን ምስ ዝደጋገም ድማ ዝነበረካ ጠባያት (personality) ዘለውጥ ሓያል መሳርሒ ኢዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ጎድኒን ሳዕቤንን ነቐፌታ ኢዩ።

ህይወት ተዛማዲ ሰላም ኣይቀጸለን። እቲ ብኽልቲኡ ወገን ብዙሕ ምድላዋት ዝተገብረሉ 6ይ ወራር ብ15 ለካቲት 1982 ምስ ጀመረ ኢዩ ኩሉ ተጋዳላይ፣ ካብ ተዛማዲ ሰላም ናብ ትንፋስ ዘይህብ ናይ ምትሕንናቕ ውግእ ዝኣተወ። እቲ ኲናት ካብቲ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዃዕተ ድፋዓት ወጻኢ፣ ኣብ ቃልዕ፣ ድፋዓት ዘይተገብረሉ ቦታታት ስለዝተኻየደ፣ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ሰብን በሊዑ ኢዩ ሓሊፉ። ኣነ’ውን ኣብቲ ብስም ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ (የቀይ ከኮብ ዘመቻ) ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ኲናት (6ይ ወራር) ዘፍ ምስ በለ ኢየ፣ ካብቲ ኣብቲ ውግእ ዘጋጠመኒ መውጋእቲ ሓውየ ዝተመለስኩ።

ብርጌድና (ብርጌድ 51) ኣብቲ ሓድሽ ዝተኸፍተ ጸጋማይ ግንባር ናቕፋ፣ ጎዳጉዲ ክትኩዕት ኢየ ኣርኪበያ። ማእከላይ እዚ ናይቲ ብርጌድ ኣብ መንዳዓት ኮይኑ፣ ቦጦሎንና (ቦጦሎኒ 3) ንስሙር ግንባርን ቦሊቦልን ዝበሃል ቦታታት ትቀጻጸር። ሽዑ ‘ብርሃነ ጸሃየ’ ዝበሃል መራሕ ብርጌድ ምስ ዓሊ ኢብሪሂም ተመዲቡ ነይሩ። ሓይልና (ሓይሊ 32) ነቲ ‘ማይ ብኻላሽን’ ዝበሃል እንኮ ዝስተ ማይ ዘለዎ ቦታ ተቖጻጺራ፣ ኣብቲ ‘ስሙር ግምባር’ ዝበሃል፣ ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ኣጸቢቑ ዝኣተወ ቦታ ሒዛ ኢያ ጸኒሓትኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ “ነብሲ ወከፍ ብርጌድ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃንደሳ ክህልዋ” ስለ ዝተደልየ፣ ካብ ነብሲ-ወከፍ ሓይሊ ሓሓደ ሰብ ተሳሒብና። ኣብ ጠናስ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ናቕፋ (እምባልቆ) ዝርከብ፣ ጥዑም ዝስተ ማይ ዝርከቦ ስንጭሮ፣ ናይ መሃንድስነት ትምህርቲ ወሲድና። ድሕሪ ስልጠና፣ ሓደስቲ ሰባት’ውን ተሓዊሶሙና፣ ብደረጃ ጋንታ ተወዲብና፣ “ጋንታ ሃንደሳ” ተባሂልና ድማ ንኹሉ’ቲ ብማእከላይ ሃንደሳ ናይቲ ውድብ ተዘሪኡ ዝነበረ ነቶግቲ እናዞርና ተረከብናዮ። ብኡ ንብኡ ድማ፣ ጸልማትን ግመን ተጎልቢብና ቅድሚ ድፋዓት እናኣተና ተወሳኺ ነተግቲ ኣብ ምዝራእን ኣብ ምቅይያር ናይቲ ቅድም ዝተዘርአ ነተጉትን ተዋፊርና።

ለ. ቀዳማይ ትዕዝብቲ፦

ብእቲ እዋን 1982/83 ዓ.ም ኮይኑ፣ ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርያ ግዜ ብሃገራዊ ጻውዒት መንእሰያት ከሰልፍ ዝጀመረሉ እዋን’ዩ። እዞም ብሃገራዊ ጻውዒት ዝተሰለፉ መንእሰያት ዝኾነ ጉርሒ ዘይብሎም፣ ዳርጋ ኩሉ ዕላሎም በቲ ክስለፉ ከለዉ ዘጋጠሞም ጸገማት ዝተዓብለለ ኢዩ። ኣብ ገለ እዋን መበገሲ ቦታና፣ ኣብ ድሕሪት ማለት ካብ ድፋዓት ፍንትት ዝበለ ስለ ዝኸውን ድማ (ብፍላይ ምሸት) ካብ ቀጻሊ ዋርድያን ምቁጽጻር ድምጽን፣ ብዘይ ስኽፍታ ከነዕልልን ክንስሕቕን ንኽእል ነይርና። ብእኡ መጠን ድማ ምስ ተጋደልትን ሓለፍትን ናይቲ ብርጌድ ክንፋለጥን ከነዕልልን ክኢልና።

ኣብዚ እዋን’ዚ እምበኣር ኢዩ፣ ዕላል ብገለ ምስ መጸ ናይቶም 6ይ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ (ኣብ ከባቢ ሕዳይ ከለና) ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ መበቖል ዓዲ ክንፈልጥ ዝኸኣልና። ዓድታቶም ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

1. ቦጦሎኒ ሓደ =  ኣዛዚ  ►ስዉእ ሚካኤል ጊለ (ወዲ ጊለ)  = እምባደርሆ

ኮሚሳር ►ሓድሽ ኢፍረም (ሕጂ ብር/ጀነራል) = ዓዲ ንፋስ

2. ቦጦሎኒ ክልተ = ኣዛዚ  ►ስዉእ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ)  = እምባደርሆ

ኮሚሳር ► ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) (ሕጂ ብ/ጀነራል = ዛገር

3. ቦጦሎኒ ሰለስተ = ኣዛዚ ►ጃበራ ሑመድ (ሎሚ ኮሎኔል) = ዓዲ-ሹማ (ከባቢ ጊንዳዕ)

ኮሚሳር ► ገብርሂወት ዘሚካኤል (ወዲ ሊቀ) (ሎሚ ብ/ጀነራል)= እምባደርሆ

4. ስዉእ ዓሊ ኢብርሂም ►ኣዛዚ ብርገድ 51 = ካብ ሳሆ፣ ዓዲ-ቀይሕ (ኣከለጉዛይ)

5.  ብርሃነ ጸሃየ   ► እንዳ ደቆ (ኣከለጉዛይ) ኣዛዚ ብርገድ 51 (ድሕሪ 6ይ

ወራር ካብ ሕክምና ምስ ተመለስኩ ምስ ዓሊ ዝጸንሓኒ … ነይሮም።

ነዚ ዝርዝራት’ዚ ክንፈልጥ ዝኸኣልና፣ ገለ ካብቶም ዝመጹና ሓደስቲ መንእሰያት፣ ካብቲ ከባቢ ስለ ዝነበሩ “እዚ እገሌ ዝበሃል ሓላፊ’ኮ ወዲ ዓድና ኢዩ! እገሌ’ውን ኣብዚ ኢዩ ዓዱ…” እናበሉ ብነጻ ከዕልሉ ብምኽኣሎም ኢዩ። ብርግጽ ኣብ እዋን ወይ ድሕሪ 6ይ ወራር ገለ ምቅይያራት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ሕክምና ደንጒየ ስለዝመጻእኩን፣ ድሕሪኡ’ውን ቀልጢፈ ንናይ መሃንዲስ ስልጠና ስለ ዝኸድኩን፣ ብኡ ንብኡ ድማ ቀልጢፉ ሰላሕታ (7ይ) ወራር ስለዝጀመረን ግን ሕጂ ንኹሉ ዝርዝራት ክዝክሮ ኣይክእልን። ሓድሽ ኤፍረም፣ ወዲ ሊቀን ካልኦትን ግን፣ ገና ኣብ ኣብቲ ዝነበርዎ ቦጦሎኒታት ኢዮም ነይሮም።

ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።

ሽዑ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሂወተይ “ስለምንታይ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ጥራይ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ ክኾኑ ኪኢሎም?” ዝብል ሕቶ ክመላለሰኒ ጀሚሩ። ምስቲ ክስለፍ ከለኹ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ሃገራዊ፣ ማዕርነታውን ሓባራውን ኣተሓሳስባ ዝጠዓዓም’ውን ኣይኮነን። እዚ ግን ንበይንኻ ብውሽጥኻ ትሓስቦ’ምበር፣ ምስ ካልኦት እተዕልለሉ ወይ ኣብ ኣኼባታት እትሓተሉ ኣይኮነን። ከምኡ ኢልካ ምሕታት ድማ ብህይወት’ውን ከሕትት ዝኽእል ካልእ ዓቢ ዝምባሌ ኢዩ።

… ይቕጽል

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • ERITRAWIT November 17, 2013

    Mesakine yehwat ktgadelu elkum kedkum ab azektey atekum edom aysanw.

  • ተወልደመድኅን November 17, 2013

    ዝኸበርካ ታደሰ ጽሑፍካ ኣገዳስን መሃሪ ታሪኽ ኢዩ።ተመኩሮኻ ከኣ ብሓቂ ሓደ ካብቲ ታሪኽ ዝበሃል’ዩ።ታሪኽ ኩሉ በብዝወዓሎ’ዩ ዝዝንተ።ኩሎም ዝተጋደሉ ክብሉዎ ዝኽእል ተመኩሮ እንተለዎም፡ገሊኦም ክእለት ኣጸሃሕፋ ገሊኦም ተመኩሮኦም ዋጋ ዘይብሉ ገይሮም ብምሕሳብ፡ገሊኦም ጉድለት ኣብዝጠቅስሉ ግዜ ዝዋረዱን ዝጽረፉን ኮይኑ ስለዝስመዖም ኣይኮነን ክጽሕፉ፡ሃቲትካዮም እተን ናይ ጃህራን ፈከራን እንተዘይኮይኑ ሃቅን ጉድለትን ገጽ ንገጽ ኣነጻጺሮም ናይ ምንጋር ክእለትውን የብሎምን።ትብሎን ትገብሮን ዘሎካ ዘደንቅ ኣዘናትዋ ብመጽሃፍ መልክዕ እንተተውጽ ኦ ጽቡቕ ምኾነ፡ታሪኽ ኮይኑ ምተኦኣቐበ።እዚ ግን ጽባሕ ተመሊስካ ዘይርከብ’ዩ።ኣዘናትዋካ ከይተሰርቐ ከሎ ሕስበሉ።እንተዘየሎ ሰረቕቲ ጽሑፍን ዛንታን ስለዘሎና ኣብ ገሊኡ መጽሃፍ ምስረኸብካዮ ከይትከሰና።

  • fitsum November 17, 2013

    Hasawi koray hankas kemaka Wedi kemaka halefti gurom da Hager kemey giera kitmets kid tirayy netom geldamat deki adika kemu belom ab ends Massimo alewuka lemani kilite melhasu kitmetsi koleka nab england adanagiromuna Eddy hibe tibil nierkas hiji hakegna kitkewin tifitin aloka hankas koray

    • Selamawit November 17, 2013

      Ata lekbat tebay zeytgebr. Meanta enteleka Ab qdmiAu belo. kem sebeyti bdhri computer koyna tsaref. Adgi. Taddese meAs kemaka kserk hankisu. sdi.

    • ERITRAWIT November 18, 2013

      fitsum, Tewelje people like you don’t have anything to say no mebokole it doesn’t concern you aytegergru shut up leave it n deki hager!!!!!!!!!!!!!!!

  • Samsom Teferi November 17, 2013

    Fitsum ant denkoro kab tekedadimka tnekf tarik zeitmehar !!!!!!!!!!

  • fitsum November 17, 2013

    samsom teferi geldam tarik mesiluka ezi denkoro tarik tifelit dika do walas wedi adika eyu ezi koray hankas tesfa sile zeybilu eyu kifelali ziwil zelo ab enda shai koynu nisika win kemu eka tikewin non sense

    • MightyEmbasoyra November 17, 2013

      Fitsum,
      If you want to fix the big problem we have, you need to know the past and the present. By the way, the past issue still exists and look what happened to our beloved Eritrea.
      I don’t know about you but I have lost 4 brothers/sister. They fought for the country to get its independence and defend against the woyane werar (before I knew isayas started it BTW). So, what is your problem if Tadesse is telling us the past? This is the truth of our history. According to his article, he went through so many rounds of wars. Did you?

  • Biniam November 17, 2013

    ኣታ ሓውና ወይ ኣቦና እንታይ ታሪኽካ ባዕሊኻ ተካፍእ ። አዚ አንዳ ፈለትካ ቲቃለስ አንተ ኔርካ አሞ ሓደ ገልዳም ዶንቆሮ ሰብ ሲለ ዚኾንካ ናትካ ታሪኽን ኣታሃሳስባን ስለ ዘይጠቕመና በጃኻ ኢለካ ታሪኽካ ኣብ ጁባኻ። ቁሩብ ከማን ደገ ወጺኻ ኣይቲመይሪን ሚኽኒያቱ ኩለን ሃገራት ነዚ ናትካ ኣተሓሳስባ ገዲፈንኦስ ከም ዓሌታውነት ወሲደንኦስ ኣብ ምቅላሱ ይቃለሳ ኣለዋ ስለዚ ንድሕሪት ኣይትመለስ ታሪኽ ስውኣት ከይ ሓተካ። ኣሕጽር ኣቢልካ አንታይ አዩ ዲለትካ ቢ ሃይማኖትን ኣውራጃውነቲን ኪኒታፋነን አሞ ድሕሪኡ አቲ ድሌትካ ባዕልኻ ቀጽሎ።

  • eritrean November 17, 2013

    Whatever happened in ghedli ended in victory! What happened to tegadelti now is the mystery. I know they are there. Why don’t they do something if what we hear is true?

  • ባዉላይ ክፍላይ November 17, 2013

    ስለ እቲ ጽሑፍካ ምስጋና ተቀበል። ታሪኽ ብናትካ ዒንቲ ከምዚ ዝገለጽካዮ ይመስላ። በዒንቲ ካልእ ግን ከምዚ ንስኻ እትገልጾ ዘለኻ ኣይኮነን። እቲ ዝገርም ግን ኣብቲ ጽሑፍካ፡ ኩሎም እዞም ጠቂስካዮም ዘለኻ ሓለፍቲ ማዓስ ተሰሊፎም ክትገልጾ ነይሩካ። ህ.ግ. ዋላኳ ድሒሩ ብኻብ ኩሉ ኣዉራጃታት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ዝቆመ እንተነበረ፡ ኣብቲ መጀመርያ፡ ንቅቡልን ፍሉጡን ምኽንያታት ብካብ ደቂ ካርነሽም ከም ዝተዓብለለ ርዱእ’ዩ፤ ብፍላይ ድማ ዓዲ ንፋስን እምባደርሆን እተን ኣብቲ ከባቢ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘለዋ ዓድታት። ስለዝኾነ ድማዩ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ኣብ ምንጋር ስዉኣት፡ እዘን ክልተ ዓድታትት፡ ካብተን ኣብ ኤርትራ ዝበዝሕ ዘሰዋኣ ዓድታት ኮይነን ዝተረኽባ። ምናልባት ሓሲብካሉ ትፈልጥ ዶ ዚ፧ ጽባሕ ንግሆ እዚ ኹሉ ምስ ናይ ሰነዱ ክወጽእ’ዩ።
    ብመንጽር እዚ ድማ ጀብሃ ክሳብ መጨረሻ ነይራ እንተትኸዉን፡ ብብዝሒ ኣብ ከባብ ኣከለጉዛይን ሰራየን ዓሪዳ ስለ ዝነበረት፡ ዝበዝሑ ተጋደልታ፡ ነቶም ደቂ መታሕትን ሰምሃርን ገዲፍካ፡ ካብዘን ክልተ ኣዉራጃ ክነብሩስ ርዱእ ምኾነ ነይሩ።
    ካልእ ዘይሓተተክዮ ሕቶ ግን ከኣ ኣሎ። ሰለምንታይ እዮም እቶም ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ እንዳ 51 ካብ ሓደ ኣዉራጃ ነይሮም ክትብል ነይሩካ። ነቲ ቀዳማይ ሕቶ ካብ ኣልዓልካ፡ ነዚ ‘ዉን ከተልዕሎ ነይሩካ። ድሒሩ ‘ዉን ተዘይተጋግየሲ ኣድሓኖም ናይ ዓሊ እብሪሂም ኮምሽነር ኮይኑ ተመዚዙ። እዚ ኸ ገሪሙካ ዶ፧
    እንተ እቲ ታሪኽ ምንጋር ጽቡቅ’ዩ። ናብ ዘየድሊ ከከምዝጥዕመካ ምጥምዛዙ ግን ንኩሉ ብፍላይ ድማ ነታ ሃገር ኣይጥዕምን። ናይ ጽሑፍካ መደምደምታ ድማኒ ገና ብኣጉኡ ተወዲኡ’ዩ። እሰያስን መሻርኽቱን፡ ካብ ዝኾነ ይኩን ኣዉራጃ፡ እዞም ሕጂ ዘለዉን እቶም ናይ ቀደምን፡ ተሰከምቲ ሓጥያቶምን ኣበሳታቶምን፡ ባዕሎም ንሳቶም እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ በደል ሓጎስ ክሻ፡ የማነ ቻርሊ፡ ሜ\ጀነራል ጠዓመ (መቀለ)፡ ሜ\ጀነራል ተስፋልደት፡ ዘምህረት ዮዉሃንስ፡ ጀነራል ወዲ ካሳ፡ ሜ\ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ሓጥያት ኣከለጉዛይ ክኸዉን ኣይክእልን። በምነጽሩ ድማ እቶም ካልኦት ጀነራላትን ሓለፍትን ናይ ሓማሴንን ካልኦት ኣዉራጃታትን፡ ተሰካምቲ ሓጥያቶም ንሶም ጥራይ እዮም። ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ትርጉምን ፋዕራን ክህልዎ ድማ ኣይክእልን፡ ብዘይካ መሊስካ ላምባ ምንስናስ ነቲ ዘሎ ኣዉራጃዊ ሃልሃልታ ሓዊ። እንተ ነኸሰ ድማ ንኹላትና ብሓንሳብ ከምዝልብልበና ጥራይ ምፍላጥ’ዩ። እቲ ትብሎስ ዘየድሊ እምብዛ ጎዳኢ ዉጽኢት ከይህልዎ ኣቀዲምካ ምሕሳብስ ናይ ለባማት’ዩ። አንተ እቲ ምሕንጣጥ ኩሉ ክሕንጥጥ ይኽእል ሙኻኑ ምፍላጥ ደኣ።
    ኣብ መጨረሽታኡ ድማ ናይ ኩለን ዝነበራ በራጊድ ከምዚ ገርካ ዘርዚረካ እንተትጽሕፍ ድማ ኩሉ ሙሉእ ስእሊ ምስ ሃለዎ።
    ወደሓንካ

    • MightyEmbasoyra November 17, 2013

      Ato Bawlay,
      I think we should give Tadesse some time to complete his fine articles. I don’t think his plan is to blame or isolate the people of hamassien. He is stating the history.
      Most of the items you have listed are correct. Even though those criminal generals are from karneshim, they are killing/imprisoning/torturing the people of karneshim the same way as other Eritrean people. These criminal generals/colonels are just criminals, greedy human beings. They don’t care about anyone but themselves. As you also stated those criminal generals in the office of the president or internal affairs are from akele guzay and they are as criminal as the other generals and they don’t give a damn about the people of akele guzay or any other Eritrean people.
      However, EPLF was created in Ala not in karneshim and there were many fine brilliant fighters and isayas killed them and replaced them by those today’s harestot generals. Also, when it comes to how many people are martyred during independence or post independence, you need to calculate it as ratio or %. 100 people from Big village of 1000 residence is = 10 people from Small village of 100 people.
      BTW if you count by just absolute #s, Digsa and Emba Derho are the top 2 martyrs.
      Just to be clear, I am the product of these 3 awrajas.

    • Sorobeti November 17, 2013

      በምነጽሩ ድማ እቶም ካልኦት ጀነራላትን ሓለፍትን ናይ ሓማሴንን ካልኦት ኣዉራጃታትን፡ ተሰካምቲ ሓጥያቶም ንሶም ጥራይ እዮም።

      Very fair and realistic

    • ተወልደመድኅን November 17, 2013

      ሓውና ባውላይ ክፍላይ ነገር ከምዝተረዳእካዮ ኢዩ።ኣቦታት ክምስሉ ባኣሲ ከመይ ይጅምር ቶኻቲካ ብከመይ ይድቅስ ሸልል ኢልካ ዝበሉ ይመስለኒ።…….ታደሰ ኣብታ ዝነበራ ከምዚ ኔሩ ይብል ኣሎ።ተመኩሮኡ ክገልጽ እንተኾይኑ ከኣ ነቲ ሃቂ፡ነቲ ሽዑ ዝሃስቦን ዝሰምዖን ዚነበረ ክጠቅስ ኣለዎ። ከምቲ ናይ ፈኸራን ናይ ኣካኪ ዘራፍ ባህሪ ዘለዎም ዝጥቀምሉ ወይ ከምቲ ናብ ጉሁም መሊሱና ዘሎ ሕማቕን ቅር ዝብል ሃቢእካ ከዋዊልካ ብጽቡቕ ጥራህ ዘይተዛረበ ወይ ዘይጸሃፈ ትብል እንተኾንካ ዝብለካ የብለይን።ጸጋይ ገብሪሕይወት ዝተባህለ፡” ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ።ሕማቕ ታሪኽ መሃሪ ” ዚብል ሰፊሕን መሃሪ ዝኾነ ጽሑፍ ኣብ ኣሰና ኣስፊሩ ኔሩ።ስለዚ ታሪኽ ክትንተን ከሎ ኩሉ’ዩ ክወጽእ ዘለዎ።ከም ኡ ኣይነበረን ትብል እነተኾንካ ዝብሎ የብለይን።ግን ነቲ ታደሰ ዝብሎ ዘሎ፡ኣብ ክንዲ ጓል መንገዲ ተናዲ ስለምንታይ ከም ኡ ኮይኑ ኢልካ ንርእስካ ሕቶ ክተቅርብ’ምበር ንታደሰ እናጸረፍካ ናብ ምክልካል ኣይእቶን’ዩ።ዘይተረዳኣካዮ ወይ ከም ሕቶ ዘቕረብካዮ ብርሃነ ጸሃየ እናደቆ ከባቢ ደቀምሃረ ኣከለጉዛይን፡ዓሊ ኢብራሂም ከባቢ ዓዲቐይሕ ካብ ክልተ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓደ ኮሚሳርዮ ደቂ እምባደርሆ ዝፈላልዮ ብዙሕ ኣለዎ።ብሽም ገፊሕን ዝተፈላለ እምነት ምስ ብሔር ዘለዋ ኣከለ ጉዛይን ሓንቲ ዓዲ እምባደርሆን ዘሎ ፍልልይ ጠፊኡካ ኣይብልን።ግን ወይ ንህልኩም ዓፍራ ወይ ባህ ኣይበል ናብ ምቑሻሽ ኣቲኻ።…..ኣብ መወዳኣታ ኣከለጉዛይ ዝበልካዮም ተር ኣቢልካዮም ኣሎኻ።ኣብ ናይትማሊ ህግን ናይ ሎሚ መንግስቲ ኣኤርትራ ንህዝቢ ኣኤርትራ ሚስጢር ዝኮኖ ኣሎ።እቲ ሽግርና ከኣ ሚስጢር’ዩ።ሚስጢር ጸላኢት ስምምዕን ፍቕርን’ያ።ፍቕሪ ኣብዘለዎ ምሕባእ ምክዋል ዝበሃል የለን።ስለዚ ታደሰ ናቱ ተመኩሮን ኣብ ገድሊ ከሎ ዚረኣዮ ምስዚ ሕጂ ትብሎ ዘሎካ ዘራኽብ የብሉን።……..ምኽረይ ንዝረኣየ ዝረኣዮ ምስተዛረበ ኣይረኣኻን ኢልካ ኦኣይኑ ኣይተንቁሮን ኢካ።ሰሚዐ ንዝበለ ኣይሰማዕካን ኢልካ ኣዝኑ ክተጽምሞ ኣይትኽእልን።ካብዚ ጽሑፍዚ ዝርደኦ እንተሎ ብነጻ ኮንካ ምዛራብ’ዩ።ነጻ ኮንካ እንተተዛሪብካ ፍርሂ ተወጉዱ ሌላ ይመጽእ።እንተተኸባቢርና ከኣ ፍቕሪ ይውለድ፡እንተተኣማሚና ከኣ ከም ሃገርን ህዝብን ቀጻልነት ይህልወና።ግን ንዝረኣየ ንዝሰምዐ ብፍላይ ዓድካ ትንክፍ ምስ’በለልካ ከም ቆፉኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ህሙም ክትብሉ ጽቡቕ ኣይኮነን።ኣዚ ዘርእዮ እንተሎ ዝረኣናዮ ኣይንዛረብ’ዩ፡እንተዘይተዛሪብና ደኣ ብምንታይ ክንላለ፡ምሉእ ሕይወቶም ቁስሊ ሃዚሎም ኣከለጉዛይ ብምዃኖም ጥራህ ዝተዋረዱን ዝተጸርፉን ቁስሎም ከራግፉ እንተዘይሰሚዕናዮም ጽሑፎም እንተዘየንብብናዮ ደኣ ከመይ ኢልና ፍቕሪ ክነጥሪ።ብቁስል ከብዶም ገዲፍካ ኣይክየድን።ሕሙምን ቁስሉን ጎዳዲእና በዳሊ ኣለሊና እንተዘይኪኢልና ደኣ ከመይ ኢልና ተኣማሚና ቀጻልነትና ክነረጋግጽ።እዚ ክብል ከለኹ ባኣሲ ዞድም ኣይኮነን።ምእንቲ ብእምነት ንቕድሚት ክንስጉም መጻወቲ ስዑዳውያንን ሱዳናውያንን ጽባሕ ከኣ መጻወቲ ኤውሮጳውያን ሓበሽ ብምዃና ማንቲ ከንጽረፍ ንዳሕረዎት ወለዶ ፍቕሪ ዘለዎ ውሑስ ኩነታት ምእንቲ ክንገድፈሎም ሕሉፍ ምፍራዱ, የድሊ።ንክልተ ብ ኡሳት ክትዓርቆም ኣንተኾንካ ብሱል ዕርቂ የድሊ።ኣቦታትና ኣብ በሪኽ ዘሎ ነፋስ ይሰዶ፡ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይሰዶ ዝብል ኣዘራርባ ዋጋ ዘይብሉ ምስዓብ ውሑስ ኩነታት ክንገድፍ ዝሕግዝ ኣይኮነን።ንሕና ነቲ ሕሉፍ ፈሊጥና ምፍራዱ፡ካብቲ ፍርድቲ ከኣ ውሑስ ኩነታት ምፍጣር።ዩ።ስለዚ ነባሪ ሰላምን ፍቕርን ቀጻልነትን ትምነ እንተኾንካ ከም ታደሰ ይኹን ካል ኦት ዝጸሃፍዎ ምንባብ እንታይ ከምዝነበረ ከመይ ከምዝነበረ ምርዳእ’ምበር ነነጢርካ ወገናዊ ኣውራጃዊ ምባል ተመሊሱ እንታይነትካ ዝቀሎ’ዩ።ጥልያን ክምስሉ ( chi lo dice cento volte lo è ) ይብሉ።እዚ ማለት እቲ ብዙሕ ግዜ ደጋጊሙ ዝጻረፍ ንሱ ከም ኡ ስለዝኾነ’ዩ።ስለዚ ጓል ዓዱ ንዝተሓጸየ ወገናዊ፡ምስ ወዲ ዓዱ ዝተራእየ ብሕታዊ ጉዳይ ወገናዊ ተባሂሉ ኣብ ኣኼባን ኮማትን ብዙሓት ጦቕማዕ ኣቢሎሞ።እምበኣር ወገንነትን ኣውራጃውነትን ኣብ ሃላፍነት ሃገር፡ኣብ ከምዚ ታደሰ ዘምጸኦ ጉዳይ ተራኣዩ ኢዩ ክንቀፍን ክውቀስን ዚግበኦ።ስለዚ ንስካ ባውላይ ናይቲ ጉዳይ ሰራሒ ኣይኮንካን፡ምስቶም ሃላፍነት ዝነበሮም ክተዓሪ ትኽእል’ውን ኣይኮንካን ይመስለኒ፡ከምዚ ከማይ ካብቲ ጉዳይ ወጻኢ ኣንተኾንካ፡ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኢልካ ንመላሲ ግደፎ።

      • ባዉላይ ክፍላይ November 18, 2013

        ሓዉና ተወልደ መድህን፡ ስለቲ ተገዲስካ ምጽሓፍካ ምስጋና ዉሰድ። እንተ እቲ ዳእላን ዘለፋን ኣይመድለየካን። ነቲ ክትብሎ ዝደለኻሲ ብዉርዙይ ኣገባብ ክትብሎ ትኽእል ከም ዝነበርካስ እቲ ኣዋድቃ ቃላትካ ይእምት’ዩ። ብወገነይ እቲ ዝመስላኒ እየ ጽሒፈ፡ ንጽሓፋይ ዘባጨኽሉ ወይ ዝዘንጠልክሉ ኣይነበረን። ነቲ ዝጸሓፎ ነገር ግን ክዝንጥሎን ክነቅፎን መሰለይ’ዩ። እናቆናጸብካ ምጽሓፍ እቲ ዝቀለለ’ዩ፡ ኩሉ ሰብ ዝኽእሎ ድማ። ብዝኾነ፡ ሕጂ ዉን እቲ ነጥበይሲ ዝሓዝካዮ ኣይትመስልን። ነዚ ሓዉና ክትጽሕፍ ኣይነበረካን ዝበሎ የልቦን። እኳ ድኣ ብደንቢ እንተኣምበበካ’ዩ እቲ ጽሑፈይስ፡ ምስጋና ዉን መጢወዮ እየ። ኣነ ዝበልኩስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ንኡስ ክስተት ነቲ ዝነበረ ብሙሉእ ኣይዉክልን’ዩ እየ ዝበልኩ። ካብታ ንሱ ገሊጽዋ ዘሎስ፡ ካብቶም 7 እቶም 5 ደቂ ካረነሽም ብምንባሮም ሙኽኑይ ኣይነበረን’ዩ። ኣብዚ ግን ብዛዕባ ቁንጣሮ ሰባት ኢና ንዛረብ ዘለና። ክምለሶ ዝነበሮ ብዙሕ ነገራት እዉን ነይሩ። ኣሰላለፋ እዞም ሰባትን ካልእን። እቲ ዝገርም ግን እቲ ሕቶ ዝያዳ ክኸዉን ዝነበሮ፡ እቶም ካልኦት ኣዉራጃታት ስለምንታይ ወላ ሓደ መራሕ ሓይሊ ከማን ዘይነበሮም ኣብ እንዳ 51.። እዚ ስእሊ’ዚ ናይቲ ዓቢ ስእሊ ገድሊ ኣየንጸባርቅን እዩ። ካለኦት ኣሃዱታትን ክፍልታትን ሃሰዉ እንተንብልስ መሊኡ፡ ካብ ካልእ ኣዉራጃ ወይ ወረዳ ዝዕብልልዎ፡ ምተረኽበ እዩ እቲ ነጥቢ። ደሓር ኣይትጋገ እዚ ናይ ሕጂ መንግስቲ መቀጸልታ ህ.ግ. እዩ። እቲ ቀደም እዉን ከምዚ እናገበረ እዩ መጺኡ። ኣብ 90 ዝነበረ ህ.ግ. መቀጸልታ ኣብ 80 ህ.ግ. እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ 80 ዝነበረ ድማ መቀጸልታ እቲ 70 ዝነበረ። ኣካይድኡ ኣይለወጠን። ኩሉ እቲ ዝገበሮስ፡ መንካዕ፡ የሚን፡ ካልእ ንኣሽቱ ምንቅስቃሳትን ኣበላልዖን ኩሉ ልክዕ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ እዩ። ሓደ ነዊሕ ገመድ እዩ። እታ ምስላ ጥልያን ድማ፡ ኣዝዩ ሓቂ እያ። ንኻልእ ጥራይ ዘየኮነስ፡ ብኣኣ ድማ ንነብስኻ ምዕቃን ጽብቅቲ ትመስለኒ። ብዝኾነ ግን ከሉ ዝተበደለ ኤርትራዊ ፡ ካበይ ብዘየገድስ፡ ስለምንታይ መግለጺ ክረኽበሉ ናይ ግድን እዩ። ብኣበሳን ኣደራዕን ካልኦት ኤርትራዊያን ዝሕጎስ ሰብ ዉን ክህሉ ኣይክእልን። ብኢሰያስ ዝተበደለ ግን ሓደ ወገን ጥራይ ምንባሩ ጌርካ ምቅራቡ ታሪኽ ምጥምዛዝ ጥራይ’ዩ። ልክዕ ከም ደቂ ኣከለጉዛይ፡ ክንደይ ጀጋኑ ደቂ ካልእ ኣዉራጃታትን ብሄራትን ተበሊዖም’ዮም። ካብቲ 50 ባ ካብቲ 40 ኢለካ ምቁጻርን ምዉድዳርን ድማ ነቲ ርዝነት ጀግንነትም ጥራይ ሙፍኳስ’ዩ። እቲ ጸላኢ ኤርትራ ሓደን ጉጅልኡን’ዩ። ሕጅዉን ንማንም ኣይዉክልን። እዚ ዘይቅበል ድማ ‘እዛ ኣባጉምባሕ ዝግራ’ያ ሞ ክንበልዓ’ ዝብል ጥራይ’ዩ። ወዳሓንካ።

    • In Self-Defence - Apply to HIGDEF! November 17, 2013

      You are dead wrong. 37000 out of 65000 are from Akeleguzay. Not hmassien. Anbd also you are dead wrong that – DIGSA has the higest number of SUWAT in Eritrea and second Embaderho. Ketafi.

  • Seare November 17, 2013

    Tadesse,
    The north eastern part of Eritrea (Sahel, Semhar and north eastern parts of Hamasien and Akele Guzay) is the cradle and area of influence of EPLF.
    Most likely this is the reason why you had lots of leaders from that area.

    I wish EPLF had its base somewhere else. At least most of the Hidmos of these areas would stand today and thousands of young ( in the 70ies) men and women would be in the US or Europe to help their families

    That you didn’t make it to the leadership, well that could be due to Awraja problem as you have said:-)

  • Almaz Gual Asmera November 17, 2013

    ፍጹም ሓቂ ኪወጽእ ከሎስ እንካ ፈርፈር እዩ ዘብለኩም። እቲ ክቡር ተቓላሳይ ተስፋይ ተምነዎ’ውን እኮ ነቲ ሚስጥርኩም ገላሊህዎ እዩ። ኩሉ ግዜ ዝታለል ሕዝቢ የልቦን። ሃገር ከኣ በቶም ብገርህነትን ብዕላማን ግንባሮም ዝሃቡ እኮ እያ መጺኣ። ምስ መጸት ናብ ገሃነም ዝቐየርኩምዋ ኸኣ እቶም ብተንኮል፣ ብሓሶትን ብቕጥፈትን ትመርሑ ዝነበርኩም ኢኹም። ኪትዛረብ እኳ መሕፈረካ፣ ሕልና ድኣ ቀደም ቆሊኹም በሊዕክምዋ ኢኹም እምበር። ድሕሪ ደጊም ግብርኹም ኪስዕበኩም እዩ፣ ካልእ መዋጽኦ የልቦን፣ ትልኽ እንዳበልካ ናብ መቓብር ምኻድ እያ። እቲ እከይኩምን ገበኑምን ካብ ሕዝቢ ኤርትራ ሓሊፉ ንዓለም ኣስደሚምዎ እዩ። ወዲኒ ንወዲኒ ተእኪብኩም …ሃገር ኣባኻትኩም ኪትወድቕ መርገም እዩ።
    ተጋዳላይ ታደሰ ጸባ ስተ፣ እንጌራ እዝጊ ተዓደል። ታሪኽ መምህር እዩ። ታሪኽ ካብ ስምዒትን ሻራን ወጺኡ ብቕንዕና ዘዘንቱ ኸኣ ጅግናን መስትውዓልን ጥራሕ እዩ።

    • In Self-Defence - Apply to HIGDEF! November 17, 2013

      “We were forbidden not to talk about our ADI, awraja but the dictator and his generals and halawa sewra new every single person each one of us where we are from. When we join Gedli, we were asked which adi , awraja we are from on the on the form when they fill it and that information is circulated among those halawa sewra so they can eradicate us and claim that we were killed by enemy fire. On the other hand if you asked back which ADI they will kill you and labeling as MENKA.The smart Eseyas used foolish Hamsein people to wipe out and ethnic cleanse Akeleguzay and Seraye people and once he done that Eseyas turned against Hamasein and Hamsein people wre now wiped out by their own deeds. Eseyas took their land sold to foreigners and other rich eritreans from different erea , he sold their girls, women to arabs, Sudanese, rashaida s and dismantled their HIGI end aba and customs and cultures and now the hamasein people are crying very loud and they realize that he is purely Tigraway and they were tricked into believing that he was from hamasien.Too bad they have been tricked tiwice by Tigrawot. When is the Hamsein people apologise to the rest of eritreans for protecting Eseyas as if he was hamasein . Eseyas new that the only people who cauld fool is Hamaein (sorry to say that but it is true) , We all know that long time the Tigraway war lord tricked the Hamsien war lord and killed him after he invited him to make peace.Hamsein people were tricked again by Tigraway Eseyas that he was from hamaein. That is hard to swallow. But we the Akeleguzay and Seraye people should be compassionate for what is happening to hamasien people because they are our brothers and sisters”

      Hammsien are trikeck twice by Tigreans

1 2 3

POST A COMMENT