Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      7ይ ክፋል         16/11/2013  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     7ይ ክፋል         16/11/2013 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 ኣብ 6ይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ ብዛዕባ’ቲ ብጸጋይ (ከኒሻ) ዝተዋህበና ልቢ ዝርስርስ ናይ ተራድኦን ህዝባዊ ባይቶታትን፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ከመይ ኢልና ናብ ማሕበርነታውን ማዕርነታውን ስርዓት ከም ንኽይድ ዝሕብር ፖለቲካዊ ትምህርቲ ገሊጸ ነይረ። እቲ ናይ ህዝባዊ ባይቶ መዓልቲ ድማ ናብ ህዝባዊ ሓዘን ከም ዝተቐየረ ኢየ ሓቢረ። በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም።

“እዋኑ ክራማት 1978 ኢዩ። ገና ሓዘንና ከይወዳእና ድማ ምዝላቕ ካብ ዞባ ደቡብ ኣርከበ። ብኸምዚ ድማ ሕቶ ህዝባዊ ባይቶ ተሪፉ፣ ኩልና መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን (ቀያሕቲ ዕምባባ) ተሰሪርዕና ጉዕዞ ንዓላን ዓሊ-ገደን ተተሓሒዝናዮ።”

ኣስዒበ ብመንጽር’ቲ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ማዕርነታዊ ትጽቢት ኣብኡ ዝጸንሓኒ ቀዳምይ ገጽ ናይቲ ፖለቲካውን ወታደራውን ሃዋህው ክገልጽ ኢየ።

…. ይቕጽል

ማሕበርነታዊ ኣተሓሳስባ ሰኒቐ ኢየ ኣብ ህ. ግምባር ተሰሊፈ

ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ከም ተጋዳልይ ክጽንበር ከለኹ እምበኣር፣ ኣውራጃዊ ይኹን ዝኾነ ካልእ ፍልልይ ዘይኮነስ፣ ማዕርነታውን ማሕበርነታውን ኣተሓሳስባ ተዓጢቐ፣ ነቲ ናብኡ ንኸይንበጽሕ ዓጊቱ ዝሓዘና መግዛእታዊ ሓይሊ ‘ክድምሰስ ኣለዎ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ስነቐ ኢየ ተሰሊፈ። ኣብቲ ካብ 10 መዓልቲ ዘይሓልፍ ናይ ሰለሙና ወታደራዊ ታዕሊም ይኹን፣ ኣብቲ ካብ ድፋዓት ዓዲገብሩ ክሳብ ግንባር ናቕፋ ዝተገብረ ትንፋስ ዘይህብ ጽዕጹዕ ወታደራዊ ግጥማት፣ ቀደም ዝፈልጦም ዓበይቲ ደቂ ዓደይ ሓለፍቲ ኮይኖም ክጸንሑኒ፣ ኩሉ’ቲ ዝሓለፉዎ ጽቡቕን ሕማቕን ተመክሮኦም ኮፍ ኣቢሎም ከዕልሉንን፣ ካብቲ ሕማቕ ክመሃር፣ ነቲ ጽቡቕ ክስዕቦ ሕውነታዊ መኽሪ ክልግሱለይን ዘይበሃግኩ ኣይኮንኩን።

ከም ገለ ምስቶም ብሓባር ዝዓበና (ናይ ሽዑ ተጋደልቲ) ኣብ እንራኸበሉ እዋን፣ “በዓል መን ረኺብካ? መን ኣበይ ኣሎ? በዓል መን ተሰዊኦም?” ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ቀልጢፎም ኢዮም ዝመጹ። ኣብታ ኣዝያ ሓጻር’ውን ትኹን፣ እታ ግዜ ተፍቅደልና ሓበሬታ ተለዋዊጥና ክንፈላለ ከለና፣ “በል ከይንሓምቕ፣ እዞም ኩሎም ዝተሰውኡላ ሃገር ኣባና በጺሓ ከይትኽሰፍ” ተባሃሂልና ንፈላለ።ካብቶም ቀደም ዝተሰለፉ ደቂ ዓደይ፣ መተዓብይተይ ወይ መማህርተይ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ብኣካል ዘይምርካበይ ድማ ኣብ ኩሎም ገዳይም ተጋደልቲ ዝበጽሐ ዕጫ ኮይኑ ይስመዓኒ ነይሩ። ስኽፍታ ግን ነይሩኒ።

እቲ ናይ ምዝላቕ ውግኣት ዕረፍቲ ኣይነበሮን፣ ሓደ ክስዋእ ካልእ የርክብ። ሓደ ውግእ ድሕሪ’ቲ ካልእ ይስዕብ። ህጁማት ጠጠው ክብል ከሎ ናይ ሞርታራት ቡምባ ከም ማይ ይዘንብ። መሬት ብነፈርቲ ይቃጸል። ኣብ ጎንኻ ዝነበረ ብጻይ ዝጀመሮ ዕላል ከይወድአ ብጥይት ይምንጠል፣ ወይ ኣካላቱ ብጁላታት ይጅላዕ። ኣጆኻ ክብለካ ዝጸንሐ ንባዕሉ ጻሕ ኢሉ ክወድቕ ትርእዮ። በዚ ኩነታት’ዚ ድማ ምሉእ ኣቓልቦኻ ናብቲ ኲናትን ሳዕቤናቱን ይጽመድ። ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ’ታ ሽዓ እዋንን፣ ብዛዕባ’ታ ዘለኻያ ግዜን እንተዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ ካልእ ግዜን ካልእ ቦታን ምሕሳብ ካብ ሓንጎል ተጋደልቲ ካብ ዝርሕቕ ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ከኣ 2ይ ወራር ኣብ 1978፣ 3ይ, 4ይ, 5ይ ወራር ድማ ኣብ 1979 በብሓደ እናተተኻኽአ  ሓሊፉን ብዙሕ ህይወት ተማሊኡን ከይዱ። ድሕሪ’ቲ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1979 ዓ.ም. ህዝባዊ ግንባር ተበግሶ ወሲዱ ነቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ሰራዊት ጸራሪጉ ኣፍዓበት ምስ ኣብጽሖ ጥራይ ኢዩ ንመጀመርያ ግዜ (ድሕሪ ምዝላቕ) ተጋዳላይ ራሓት ረኺቡ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዝኣተወ።

ሀ. ኣስማት ሓለፍትና ፈሊጥና፦

ኣብቲ ዝተረኽበ ግዝያዊ ተዛማዲ ናይ ሰላም እዋን (1980ን 1981ን) ከኣ ኢና ኣስማት ናይቶም ካብ ብርጌድ ጀሚርካ ክሳብ መራሕ ሓይሊ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክንፈልጥ ዕድል ዝረኸብና። ኣብቲ እዋንቲ ዝለዓለ ኣወዳድባ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብርጌድ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ድማ ‘ብርጌድ 51’ ትበሃል። ሓላፊኣ ዓሊ ኢብራሂም ኢዩ። ሰለስተ ቦጦሎኒታት ድማ ነይረንኣ። ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ ብሚካኤል ጊለን ሓድሽ ኢፍረምን ትምራሕ። ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ብመሓሪ ጸገዳይን ኣብርሃም ዓንዶምን (ዓፋን) ትምራሕ። ሳልሰይቲ ቦጦሎኒ ብጃበራ ሑመድን ገብርሂወት ዘሚካኤልን (ወዲ ሊቀ) ትምራሕ። እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ሓይሊ (ሓይሊ 32) ከም በዓል ሓሰን፣ ወዲ ምርካብ፣ ወዲ ተስፋይ ዝበሃሉ ሓለፍቲ፣ ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ እዋን ጥራይ ተቐያይሮም’ኳ እንተኾኑ፣ የማነ በርሀ (ወዲ በርሀ) ግን ኣነ ካብ ዝመጽእ ኣይተቐየረን። ሰባት ካብ ‘3ይቲ ሓይሊ’ ምባል፣ ‘ሓይሊ ወዲ በርሀ’ ምባል ይቐሎም። ወዲ በርሀ ኮሚሳር ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣቦ ናይታ ሓይሊ እውን ኢዩ ነይሩ። ኣኼባ ዝመርሕ ንሱ፣ ህጁማት ዝመርሕ ንሱ፣ ዕላል ይኹን ጭርቃን ዝመርሕ ንሱ፣ ኣቦ ጓይላ ዝኸውን’ውን ንሱ ነይሩ።

ሕጂ’ውን ኣስማቶም ጥራይ እንተዘይኮይኑ፣ መን ካበየናይ ዓዲ ወይ’ውን ካበየናይ ከባቢ መን ክሓስቦ። ብዛዕባ ዓድን መቦቆልን ምዝራብ’ውን ኣብቲ ውድብ ‘ነውሪ’ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑና። ይትረፍ ናይ ካልኦት ዓዲ ምሕታት፣ ዓድኻ ምንጋር’ውን ኣብ መንጎ ዕላላት ተኣሳሲሩ ዝመጽእ እንተዘይኮይኑ ኣድላይነት የብሉን። እቶም ብሓባር ንጓዓዝ፣ ሓደ ዝሂወትና፣ ብሓባር ንስራዕ፣ ብሓባር ንበልዕን ንድቅስን ደቂ ሓንቲ መስርዕ’ውን  እንተኾነ መን ኣበይ ዓዱ ዝፈልጥ የለን።

ተጋደልቲ ይኹኑ ሓለፍቲ ክንቀፉ፣ ካብን ናብን ሓላፍነት ክቀያየሩን ክድይቡን ምርኣይ ልሙድ ኢዩ። ብዛዕባ ዓዶምን መበቆሎምን ምሕሳብ ግን፣ ኣብ ሓንጎል ናይ ኩልና ተጋደልቲ ቦታ ኣይነበሮን። ኩሉ ዕላላትና፣ እንመሃሮ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፣ ኣኼባታትን ነቐፈታታትን፣ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጽን ወታደራዊ ጀግንነትን ዘድሃበ ኢዩ። ሰባት ኣብ ኣኼባታት ዝምቡላት ተባሂሎም ክንቀፉን ክህረሙን ብዙሕ እዋን ርእየ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ኣብ ነቐፌታ ዝወርድ ነጥብታት ኣነ’ውን ዝፈልጦን  ዝሰማዕኩዎን ኢዩ። ኣብ ገለ ግን ኣዝዩ ኢዩ ዝገርመኒ። እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ነገራት መን ከም ዘወሃሃዶን ብኸመይ ከም ዝተኣከበን ንምፍላጡ ትሽገር። ኣብቲ ኣሃዱ ብኣካል እናሃለኻ፣ ኩሉ’ቲ ተገይሩ ወይ ተዘሪቡ ተባሂሉ፣ ኣብቲ ኣኼባ ዝወርድ ነጥብታት ጋሻ ይኾነካ። በዚ ድማ ሰማዒ’ምበር ተዋሳኢ ኣይትኸውንን።

ገለ ካብቲ ኣብቲ ኣኼባታት ዝወርድ ነቐፌታታት ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝረአ ተራ ጌጋታት’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ገለ ግን በቶም ካድረታት ተዋዲዱ ስለዝመጽእ፣ ነቶም ዝንቀፉ ሰባት ብውሽጥኻ ትድንግጸሎም። ብኣካል ግን ትርሕቆም። ከምኣቶም ዝምቡል ከይትበሃል። እዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ገዳይምን ምሁራትን ተጋደልቲ ዝገደደ ኢዩ። ንሳቶም ዘረባ ከይሞልቆም ይፈርሑ፣ ንስኻ ድማ ከምኣቶም ዝምቡል ከይትኸውን ትርሕቕ። ክልተኻ ትፈራራሕ፣ ኣይትዘራረብን። ነጻ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ስለ ዘይህሉ ድማ፣ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘርበ ነጥብታት፣ ጭብጢ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፣ ሓቂ ኮይኑ ኢዩ ዝውሰድ። ከም ሳዕቤኑ ንጹሃት ተጋደልቲ ብመንፈስን ብሕልናን ይህሰዩ። ነቐፌታ ካብ ተራ ማኣረምታ ሓሊፉ፣ ዘዋርድ (humiliate ዝገብር)፣ ብዙሕ እዋን ምስ ዝደጋገም ድማ ዝነበረካ ጠባያት (personality) ዘለውጥ ሓያል መሳርሒ ኢዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ጎድኒን ሳዕቤንን ነቐፌታ ኢዩ።

ህይወት ተዛማዲ ሰላም ኣይቀጸለን። እቲ ብኽልቲኡ ወገን ብዙሕ ምድላዋት ዝተገብረሉ 6ይ ወራር ብ15 ለካቲት 1982 ምስ ጀመረ ኢዩ ኩሉ ተጋዳላይ፣ ካብ ተዛማዲ ሰላም ናብ ትንፋስ ዘይህብ ናይ ምትሕንናቕ ውግእ ዝኣተወ። እቲ ኲናት ካብቲ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዃዕተ ድፋዓት ወጻኢ፣ ኣብ ቃልዕ፣ ድፋዓት ዘይተገብረሉ ቦታታት ስለዝተኻየደ፣ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ሰብን በሊዑ ኢዩ ሓሊፉ። ኣነ’ውን ኣብቲ ብስም ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ (የቀይ ከኮብ ዘመቻ) ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ኲናት (6ይ ወራር) ዘፍ ምስ በለ ኢየ፣ ካብቲ ኣብቲ ውግእ ዘጋጠመኒ መውጋእቲ ሓውየ ዝተመለስኩ።

ብርጌድና (ብርጌድ 51) ኣብቲ ሓድሽ ዝተኸፍተ ጸጋማይ ግንባር ናቕፋ፣ ጎዳጉዲ ክትኩዕት ኢየ ኣርኪበያ። ማእከላይ እዚ ናይቲ ብርጌድ ኣብ መንዳዓት ኮይኑ፣ ቦጦሎንና (ቦጦሎኒ 3) ንስሙር ግንባርን ቦሊቦልን ዝበሃል ቦታታት ትቀጻጸር። ሽዑ ‘ብርሃነ ጸሃየ’ ዝበሃል መራሕ ብርጌድ ምስ ዓሊ ኢብሪሂም ተመዲቡ ነይሩ። ሓይልና (ሓይሊ 32) ነቲ ‘ማይ ብኻላሽን’ ዝበሃል እንኮ ዝስተ ማይ ዘለዎ ቦታ ተቖጻጺራ፣ ኣብቲ ‘ስሙር ግምባር’ ዝበሃል፣ ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ኣጸቢቑ ዝኣተወ ቦታ ሒዛ ኢያ ጸኒሓትኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ “ነብሲ ወከፍ ብርጌድ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃንደሳ ክህልዋ” ስለ ዝተደልየ፣ ካብ ነብሲ-ወከፍ ሓይሊ ሓሓደ ሰብ ተሳሒብና። ኣብ ጠናስ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ናቕፋ (እምባልቆ) ዝርከብ፣ ጥዑም ዝስተ ማይ ዝርከቦ ስንጭሮ፣ ናይ መሃንድስነት ትምህርቲ ወሲድና። ድሕሪ ስልጠና፣ ሓደስቲ ሰባት’ውን ተሓዊሶሙና፣ ብደረጃ ጋንታ ተወዲብና፣ “ጋንታ ሃንደሳ” ተባሂልና ድማ ንኹሉ’ቲ ብማእከላይ ሃንደሳ ናይቲ ውድብ ተዘሪኡ ዝነበረ ነቶግቲ እናዞርና ተረከብናዮ። ብኡ ንብኡ ድማ፣ ጸልማትን ግመን ተጎልቢብና ቅድሚ ድፋዓት እናኣተና ተወሳኺ ነተግቲ ኣብ ምዝራእን ኣብ ምቅይያር ናይቲ ቅድም ዝተዘርአ ነተጉትን ተዋፊርና።

ለ. ቀዳማይ ትዕዝብቲ፦

ብእቲ እዋን 1982/83 ዓ.ም ኮይኑ፣ ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርያ ግዜ ብሃገራዊ ጻውዒት መንእሰያት ከሰልፍ ዝጀመረሉ እዋን’ዩ። እዞም ብሃገራዊ ጻውዒት ዝተሰለፉ መንእሰያት ዝኾነ ጉርሒ ዘይብሎም፣ ዳርጋ ኩሉ ዕላሎም በቲ ክስለፉ ከለዉ ዘጋጠሞም ጸገማት ዝተዓብለለ ኢዩ። ኣብ ገለ እዋን መበገሲ ቦታና፣ ኣብ ድሕሪት ማለት ካብ ድፋዓት ፍንትት ዝበለ ስለ ዝኸውን ድማ (ብፍላይ ምሸት) ካብ ቀጻሊ ዋርድያን ምቁጽጻር ድምጽን፣ ብዘይ ስኽፍታ ከነዕልልን ክንስሕቕን ንኽእል ነይርና። ብእኡ መጠን ድማ ምስ ተጋደልትን ሓለፍትን ናይቲ ብርጌድ ክንፋለጥን ከነዕልልን ክኢልና።

ኣብዚ እዋን’ዚ እምበኣር ኢዩ፣ ዕላል ብገለ ምስ መጸ ናይቶም 6ይ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ (ኣብ ከባቢ ሕዳይ ከለና) ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ መበቖል ዓዲ ክንፈልጥ ዝኸኣልና። ዓድታቶም ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

1. ቦጦሎኒ ሓደ =  ኣዛዚ  ►ስዉእ ሚካኤል ጊለ (ወዲ ጊለ)  = እምባደርሆ

ኮሚሳር ►ሓድሽ ኢፍረም (ሕጂ ብር/ጀነራል) = ዓዲ ንፋስ

2. ቦጦሎኒ ክልተ = ኣዛዚ  ►ስዉእ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ)  = እምባደርሆ

ኮሚሳር ► ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) (ሕጂ ብ/ጀነራል = ዛገር

3. ቦጦሎኒ ሰለስተ = ኣዛዚ ►ጃበራ ሑመድ (ሎሚ ኮሎኔል) = ዓዲ-ሹማ (ከባቢ ጊንዳዕ)

ኮሚሳር ► ገብርሂወት ዘሚካኤል (ወዲ ሊቀ) (ሎሚ ብ/ጀነራል)= እምባደርሆ

4. ስዉእ ዓሊ ኢብርሂም ►ኣዛዚ ብርገድ 51 = ካብ ሳሆ፣ ዓዲ-ቀይሕ (ኣከለጉዛይ)

5.  ብርሃነ ጸሃየ   ► እንዳ ደቆ (ኣከለጉዛይ) ኣዛዚ ብርገድ 51 (ድሕሪ 6ይ

ወራር ካብ ሕክምና ምስ ተመለስኩ ምስ ዓሊ ዝጸንሓኒ … ነይሮም።

ነዚ ዝርዝራት’ዚ ክንፈልጥ ዝኸኣልና፣ ገለ ካብቶም ዝመጹና ሓደስቲ መንእሰያት፣ ካብቲ ከባቢ ስለ ዝነበሩ “እዚ እገሌ ዝበሃል ሓላፊ’ኮ ወዲ ዓድና ኢዩ! እገሌ’ውን ኣብዚ ኢዩ ዓዱ…” እናበሉ ብነጻ ከዕልሉ ብምኽኣሎም ኢዩ። ብርግጽ ኣብ እዋን ወይ ድሕሪ 6ይ ወራር ገለ ምቅይያራት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ሕክምና ደንጒየ ስለዝመጻእኩን፣ ድሕሪኡ’ውን ቀልጢፈ ንናይ መሃንዲስ ስልጠና ስለ ዝኸድኩን፣ ብኡ ንብኡ ድማ ቀልጢፉ ሰላሕታ (7ይ) ወራር ስለዝጀመረን ግን ሕጂ ንኹሉ ዝርዝራት ክዝክሮ ኣይክእልን። ሓድሽ ኤፍረም፣ ወዲ ሊቀን ካልኦትን ግን፣ ገና ኣብ ኣብቲ ዝነበርዎ ቦጦሎኒታት ኢዮም ነይሮም።

ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።

ሽዑ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሂወተይ “ስለምንታይ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ጥራይ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ ክኾኑ ኪኢሎም?” ዝብል ሕቶ ክመላለሰኒ ጀሚሩ። ምስቲ ክስለፍ ከለኹ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ሃገራዊ፣ ማዕርነታውን ሓባራውን ኣተሓሳስባ ዝጠዓዓም’ውን ኣይኮነን። እዚ ግን ንበይንኻ ብውሽጥኻ ትሓስቦ’ምበር፣ ምስ ካልኦት እተዕልለሉ ወይ ኣብ ኣኼባታት እትሓተሉ ኣይኮነን። ከምኡ ኢልካ ምሕታት ድማ ብህይወት’ውን ከሕትት ዝኽእል ካልእ ዓቢ ዝምባሌ ኢዩ።

… ይቕጽል

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • ኣበል ብርሃነ November 17, 2013

    ታደሰ ኪዳነ ጹሁፍካ ቢታሚ ኣብ ሃኪ ዝተመርኮሰ ን ኩሉ ችራም ባህሪን ተባይን ናይ ተጋዳላይ ህ ግ ብ ር ዝተካፈለ ሃከነት ዘለዎ ኢዩ ሲለ ዝ ክጺሎ አብለካ ሚስጋናይ ዊን ወሰን የብሉን ሃኪ ዪዘረብ ዪነገር ብመን ብዝፈልቶ ኢዩ ኣጎካ አብል ብ ወገነይ

  • dekibat November 17, 2013

    We were forbidden not to talk about our ADI, awraja but the dictator and his generals and halawa sewra new every single person each one of us where we are from. When we join Gedli, we were asked which adi , awraja we are from on the on the form when they fill it and that information is circulated among those halawa sewra so they can eradicate us and claim that we were killed by enemy fire. On the other hand if you asked back which ADI they will kill you and labeling as MENKA.The smart Eseyas used foolish Hamsein people to wipe out and ethnic cleanse Akeleguzay and Seraye people and once he done that Eseyas turned against Hamasein and Hamsein people wre now wiped out by their own deeds. Eseyas took their land sold to foreigners and other rich eritreans from different erea , he sold their girls, women to arabs, Sudanese, rashaida s and dismantled their HIGI end aba and customs and cultures and now the hamasein people are crying very loud and they realize that he is purely Tigraway and they were tricked into believing that he was from hamasien.Too bad they have been tricked tiwice by Tigrawot. When is the Hamsein people apologise to the rest of eritreans for protecting Eseyas as if he was hamasein . Eseyas new that the only people who cauld fool is Hamaein (sorry to say that but it is true) , We all know that long time the Tigraway war lord tricked the Hamsien war lord and killed him after he invited him to make peace.Hamsein people were tricked again by Tigraway Eseyas that he was from hamaein. That is hard to swallow. But we the Akeleguzay and Seraye people should be compassionate for what is happening to hamasien people because they are our brothers and sisters.

    • Zaul November 18, 2013

      ደቂባት ፣ ንመን ክጥዕሞ ፧ I’m so disappointed in this kind of nonsense.

  • yonas27g November 17, 2013

    ባውላይ ክፍላይ
    “ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፎሱ”፡ባውላይ ሓውና፡ሓንቲ ጽብቅቲ ሓሳብ ጽሒፍካ ኣለካ ንሳ ድማ “ኣብዚ ሕጂ እዋን በደል ሓጎስ ክሻ ፡የማነ ቻርሊ፡ሜጀር /ጀ ጠዓመ (መቀለ)፡ሜ/ጀ ተስፋልደት፡ዘምሕረት የውሃንስ፡ጀነራል ወዲ ካሳ፡ሜ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል፡ሓጥያት ኣከሎጉዛይ ክ’ከውን ኣይከእልን”።
    ደቂ እተን ካልኦት ኣውራጃታት ድማ ብዛዕባ ደቂ ዓዶም ዝፈጸምዎ በደላት ተሓተቲ ኣይኮኑን፡ ብሙሉኡ ህዝቢ ኤረትራ ኣብዛ ሓሳብ እዚኣ ከምዝሰማማዕ ኣይጠራጠርን’የ፡ስለዚ ታደሰ እታ ዝረአያ እንተጸሓፈ ነውሪ የብሉን መስለኒ ፡እዞም ንህዝቢ ኤረትራ ዝበደሉ ግና ከከም ኢዶም ከም ዝሕመልዋ ተተሰማሚዕና ጸገም ዘለዎ ኮይኑ ኣይስማዓንን ፡ወዲዚ ኣውራጃ እዚ’ዩ’ ን’ኣውራጃና በዲሉ እሞ ኢልካ ኣብቲ ወለሓንቲ ኢድ ዘይብሉ ሰብ ብሽም ወዲ ዓዶም ኢዩ ኢልካ ሕንን ምባል ግና ናይ ደናቁርዩ።

    • MightyEmbasoyra November 17, 2013

      yonas27g,
      +1 and Amen to that!

    • ባዉላይ ክፍላይ November 18, 2013

      ሓዉና ዮናስ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ዘረባ ቅዱሱን ናይ ከም ዓብየት ዝቅደዱን’ዩ። እቲ ነገር ግን፡ ሓደ ኣብ ከምዚ እትብሎ ዘሎኻ ዝኣምን ሰብ፡ ነቲ ዝተገብረ በደል፡ ኣብ ልዕሊ ኣየናይ ወገን ብዘየገድስ፡ በመነጽር ኣዉራጃዉንት ክርእዮ ኣይምተገብኦን። ኣነ እቲ ጸሓፊ እንተዝኸዉን፡ ንኹሎም እቶም ሰምዩዎም ዘሎዉ ሰባት፡ እንድሕሪ ዘይግብኦም ቦታ ተዋሂቡዎም ኮይኑ፡ ከም ብኣጋጣሚ ዝተኣኻኸቡ ኣገልገልቱ ወይጦታቱ ጥራይ ገይረ ምስ ገለጽክዎም። ዝያዳ ንምብራህ ዝኣክል፡ ኣብ ሓደ ካልእ ኣሃዱ፡ ወይ ክፍልታት፡ በጋጣሚ ደቂ ኣዉራጅኡ ዝበዝሕዎ መራሕቲ እንተዝጸንሕዎ ኸ ከምዚ ዝርእዮ ዘሎን፡ ገይሩ ጽሒፉዎ ዘሎን ምጸሓፎ ዶ ይመስለኻ፧ ኣይኮነን። እዚ ሕጂ ጽሒፍዎ ዘሎ ነገር ነቲ ኣቀዲሙ ክበጽሖ ደልዩ ዘሎ መደምደምታ ምንጻፈ ሙዃኑ እዩ። እቲ ዘሕዝን እቲ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ኣብቲ ካልእ ድማ ተመሳሳሊ ስምዒት ይፈጥር ሙዃኑ’ዩ። ዝበዝሑ ሓለፍቲ ዉልቀ ሓለዉቲ ኢሰያስ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ ሓደ ኣዉራጃ’ዮም። መነጽር እዚ ጸሓፋይ ሓዉና እንተንልቃሓ’ሞ ከምናቱ ገይርና እንተንርእይ፡ ክንደይ ኩፉእ ትርኢት ከኸዉን እዩ። ብሓቂ ግን እቱ ቁኑዕ ስእሊ ኩነታት ኤርትራ ኣይህብን። ስለዚ እቲ ምጽሓፍ ኣይጽላእን፡ እቲ ትጽሕፎ ግን ናይ ብሓቂ ወካሊ ድዩ፡ ናይቲ ዓቢ ስእሊ ወካሊ ድዩ ምሕሳብን ምሕታትን ቀንዲ ነገር ይመስለኒ። የቀንየለይ።

      • ተወልደመድኅን November 18, 2013

        እንታይ ዓይነት ሰብ’ዩ እዚ ባውላይ ዝብሉዎ።ንምዕባለ ህዝቡን ሃገሩ መዲና ሰላምን ዝበለጸት ሃገር ክገብር ዝኽእል ዓቕምን ፍልጠትን ዘለዎ ንኽገብሮ’ውን እዋኑ ብዙሕ መንገዲ ተከፊቱሉ ከሎ፡ዘይጥቀመሉ።ኣብ ክንዲ ስለምንታይ ከም ኡ ይግበር ኔሩ ኢሉ ምሕታት፡ኣብተን ቀደም ምእንቲ ንምግዛኣ ክጥዕሞም መኦኣል ኢሳያስን ካልኦት ገዛኣቲ ዝተጠቀምሉ ኣገባብ ዕንክይክይ ይብል። ከይብሉኒ ኢልካ ዝግደፍ ነገር የለን።ክፍለጥ ዘለዎ ኣንተኾይኑ ሎሚ ክፍለጥ ኣለዎ።ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተሰርሀ ተኦኣቢጡ ጸኒሑ ሎሚ ንደቂ ዒይስራ ክብድል ጸኒሑ’ዩ።እዚ በደልዚ ድሮ ናይ ምሕላፍ ምልክት የር ኢ ኣሎ።ኣብዚ ምሕላፍዚ ግን ፍርዲ እንተዘየልዩ ነገራት ከምቲ ዝጸንሖ ዓባቢጥካ ምሕላፍ ነቶም ዝተወልዱ ዘይኮነ ነቶም ዝውለዱ ከባኣሶምን ሽዑ ምስክር ኣብዘይብሉ ክተሃላለኩ፡ምትእምማን ኣጥፊኦም ተተፋነንቲ’ዩ ክገብሮም።ስለዚ ነዚ ዝመጽእ ለውጢ ኅልናና ኣንጺህና ንቀበሎ።ከምዚ ኣንተዘይገበርና ከም ቀደምና ብግስ ንብል’ሞ ናብ ኮለልን ናብቲ ዝተበገስናሉ ኢና ክንምለስ።ስለዚ ኣቶ ባውላይ ነዚ ምቅይያር ኣተሃሳስባካ ኣንጺህካ ተቐበሎ።እዚ ታደሰ ዝበሎ ንስካ ዝሃነጽካዮን ዝሰራህካዮን ኣይኮነን ይመስለኒ።ድፋዕ ስልጣኖምን ክኾኖም ዝሰርሑዎ ኣለው።ስለዚ ካልኦት ዝሰርሕዎ ንዓካ ቆጭቆጭ ክብለካ የብሉን።ኣቦካ ይኹን ሃውካ ኣንተገበሮ ንሳቶም ዝሕተትሉ’ምበር ን ኣካ ዝምልከት ኣይኮነን።

      • Mahta November 19, 2013

        Bawlay, well said!

  • Zaul November 18, 2013

    ህዝቢ ከበሳ ፤ ኤርትራ ናትኩም ጥራይ ድያ መሲልኩም ፧ ካልኦት ኣውራጃታት የለዋን ድየን ፧ ባዕሉ’ዶ ሰብ ይበርስ’ዩ ወደይ???

    • Asghedom Woldeghiorghis November 18, 2013

      Zaul, you are right when you say so, the only Eritreans are Kebessa “the lost people of Tigrai and Agsme.
      the awrags akrloguzai, Hamadien , Sersye. According ‘ Dekebst’ they call it
      Mdre hamassien. Or some times ” Baheri Negasi” the Krbessa people think that eritrea is only Asmara, I don’ t know when they are to understand the the history of eritrea formed by Itslian government. The people who understand its owen History are kebessa.
      Good bless and save them from this ignorance

  • Zaul November 18, 2013

    Once upon a time, there were four oxen that grazed and slept in a place far from any human habitation. White, black, grey and red were the colors of their hides. When they lay to sleep in the open at night, they preferred to face east, west, north and south and in a circle so that there was no opening for the enemy to sneak in and eat them.

    The wild animals in the surroundings didn’t like the idea. They wanted an easy catch but it escaped them.
    Enter the fox, who told the wild animals that if they could let it eat with them of the spoil, it would find a way to solve the problem.

    “Just promise me,” he said.
    “Promise,” shouted the wild animals (yummy!)
    So the fox went over to where the oxen grazed and said:
    “Look, honorable oxen, it is because of the white ox that you are being vulnerable, for white is the enemy of darkness.”

    “Good,” bellowed the oxen and told the white ox to leave.
    The next day, the same fox approached the three remaining oxen and said:
    “So far so good, your life has improved now, but the grey ox……tsk, tsk…..for due to its visibility at night, it is a real problem.”

    “Good,” hollered the oxen, and got rid of the grey ox too.
    The next day, the fox came for inspection:
    “Look, Mr. Black [ox],” went on the fox. ” I think if you were just alone no one would see you at night, so why not ask the red ox to leave you alone.”

    “Okay,” roared the black ox, and kicked out the red ox and told it never to come back again.
    When night fell, the black ox slept alone. And along came the wild animals marching and drooling all over, for a meal fit for a prince.

    And can you guess who came to dinner?
    The crafty fox, of course.

    Moral: There are always bad people bent on destroying you. Unity creates strength. Don’t abandon your friends even if it seems that by so doing you may benefit for some time.

  • asmrafiat November 18, 2013

    tarke ythaife yerame N.B ENFLTKA ZYMTHAFE GGA EYO TADSE MTHFO ENBARE TBKE EYO .NMTAIE WLDO MBGASE YKAWNE NKLO 100 KB 100 SLNTBA EYO ERITERAWIANE TGMNA KTLO TKTTAL THFKA KBE WDHZBE BIRMINGHAME

  • asmrafiat November 18, 2013

    TAODSA KLO ZHLFA KFILATE ALEWO AGOKA KTILO BZHE YTKMNA ALO KLO BDFRAITE THFO KBE WDE HZBE BIRMINGHAM

  • abeba November 18, 2013

    ATUM SEBAT SEB SIRE ENTEKONKUM GIDA BIZAEBA HAGER ZETIZAREBU MISAKUM EZA HAGER OROMAY FELALEYTI HIMAKAT .

  • sara November 18, 2013

    In self-Defence,
    I have no words but say, You said it all!! this what exactly happened to our brothers and now to whole Eritrean ppl. some of this ppl still existed. I don’t blame Eseyas for everything because some of this less intelligent knew that he was tigray but they were power hanger and willing to eliminate any smart Eritrean from their way.
    Its true they were fooled for sure because they lost both.
    We have to fight and pray to help all Eritrean to be open mined and respect one another regardless of their AWRAJA.
    if we can not eliminate this stupidity and AWRAJAWNET, we will disappear from this planet and there will be no Eritrea and Eritrean.

    • Genet November 19, 2013

      Sara
      Well said sister!
      I don’t think it is that hard to eliminate the problem of REGIONALISM in Eritrea. First We need to talk about it openly and honestly. We need to agree on the existent of REGIONALISM among us. If any Eritrean say there is no REGIONALISM in Eritrea, then the person is part of the problme of REGIONALISM. We need to ask ourselves, what is the cause of REGIONALISM? Is it because of not enough resources for every Eritreans? Is there is a severe mistrust of one another? Why? What is the history of REGIONALISM in Eritrea? Why one region is wory of another region being in control? Our people have to be comfortable, to talk about their exeprance. This includeds both group of Eritreans; the people who tend to be regionalist and the people who are victims of regionalism. Let us ask, for the past 100 years, what is the history of REGIONALISM? Have our people been marginalized? How? When? Where? By who?

      There is noting wrong to be proud of where you came from. All Eritreans, we should be proud and eomfortable where we came from. If any body thinks, he or she is entitled to control every thing and marginalized other Eritreans, it is not going to be tolerated. We should talk about it frankly. The past 22 years are a lost year for our country and people. We are going to start from square one. There is enough resource for all us in Eritrea. We are only about five to six millions people. There is enough lands and resource to support us. What ever we were told about the other regions, is not all accurate. It is time to find out for ourselves the truth about our people. Mr Tadase, brought a good topic and timely. However, in my opinion, he seems to be sidetracked to almost saying AWRAJAWNET OR REGIONALISM POLITICS is may be justified. I wanted him to honestly, wide open the discussion of AWRAJAWNET or REGIONALISM. Encourage all Eritreans to list the problmes and find solutions. We all need to know that many of us who live in the diaspora know, how it feels to be marginalized in schools, Universities, colleges and work place. This is not the era of our parents or grand-parents. This is the Era of new Eritrean generation with unique, real life experience and exposures of the outside world. We know what it means to be marginalized and we will never tolarate it in our country.
      Genet

  • dekibat November 18, 2013

    Every eritrean should be proud of his awraja because that is our identity,heritage, blood and bones. Being proud of who you are does not mean superiority over others.When a child a girl or boy do some thing bad, the first question people ask is who is his/her father and the people from that adi tell the bad girl or bad boy that they strayed from their culture or they tainted their customs and adi Bahli and will try to keep them in line with their BAHLI customary adi. So you have to see it in a positive way. If we kept that tradition believe me not a single human trafficker and girls raper will dare to do bad things to eritreans for fear people from the same adi as the trafficker will hunt him down for giving their awraja /adi bad name. Only the people who wants to do bad things and wild things unchecked hate the awaraja and adi questions just like Eseyas. Put is this way if eritrea is going to disintegrate completely like Yugoslavia and somalia there will be a lot mess. secondly discussing bad history eliminate repetition of it.thirdly if you do not recognise and respect our historical awraja borders it is laughable to go to international court to make ethiopia to respect our borders.Fourth would you like some one to call you by numbers such as no. 1, 2, 3 etc… instead of mehari,Zewdi, kefaly, munir etc so that no one can be identified as christian or muslim, hamsein, seraye or akeleguzay. If they did that it will make you resentful to the point that you will carry a gun to protect your name and dignity.so stop the nonsense reasoning of debub,semein mibarak mierab names given by the colonial dictator of tembein and his royal family.We are proud of our awrajatat and no one has the right to abolish our identity.yes eritreans should defend their land as one against foreign colonial occupation Eseyas and his countrymen but internally we all have our own land and heritage which should be respected.Treat all awrajatat like brothers who have their own families and children, so simply someone is you brother does not mean you automatically inherit his wealth , they have their own children. we do not want to go to the failed communism and socialism attitude where no one has has sense of identity and belonging, where the strong, reach and smart people take poor man’s land deceiving him as we are one under communism.

POST A COMMENT