Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን – ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ: በርሚንግሃም (10ይ ክፋል)

  ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      10ይ ክፋል         26/11/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

 

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     10ይ ክፋል         26/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ ዝሓለፈ 9ይ ክፋል፣ ብዛዕባ የማነ በርሀን ዓሊ ኢብራሂምን ኢየ ተዛሪበ። ነቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ዝጸንሐ ኣብ ታሪኽ ንውልቀ-ሰብ ዝወሃብ ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዘይጸንሐ፣ ንዕኡ ንምስዓር ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ ታሪኽ ናይ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ህዝቢ ዝመርሑ ውልቀ-ሰባት ስለዝኾኑ፣ ሰባት ከከም ኣበርክቶኦም ክግለጹ ጽቡቕ ይመስለኒ። በዛ ትስዕብ ሑጥበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም።

“የማነ በርሀን ተስፋልደት ስዩምን ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም እምበር ካልኦት ከም በዓል ኢያሱ (ዓዲ-ቢደል) ወዲ ዘረፋ፣ ዑቕባይ (ዓድታቶም ኣይፈልጦን ኢየ) ብርሃነ ካሕሳይ (ዳሕራይ መራሕ ጋንታ)፣ ኪዳነ ገብረስላሴ (ቂጣው) ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣድናቖት ዝገደፉለይ መራሕቲ መሳርዕን ምክትላቶም ምጥቃስ’ውን ግቡእ ይመስለኒ። ኩሎም እዚኦም ግን፣ ገለ ኣብነታት ናይቶም ኣሽሓት ተጋደልቲ ጥራይ ኢዮም።”

መቐጸልትኡ ይስዕብ …

 

ጨንፈር/ ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ካብ ሓይልታት ድሕሪ ምውጽአይ፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ (ጨንፈር ትምህርቲ) ከም ዝተመደብኩ ክብ ኢለ ገሊጸ ኣለኹ። ኣብ መጀመርያ ሚያዝያ 1983፣ ኣነ ናብቲ ኣሃዱ ቅድሚ ምምጽአይ፣ እቶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ ዓበይቲ ተማሃሮ፣ ብገለ ኣባላትን መማህራንን ተሰንዮም ብስም ‘መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ’ ናብቲ ብድሕሪ መስመር ዝፍለጥ፣ ሓውሲ ሓራን ተወራራሲ ቦታታትን ፋሕ ኢሎም ነይሮም። ምምሕዳሮም ድማ ብዞባታት ዝተጠርነፈ ነይሩ። እቲ ዞባታት ነቲ ኣብ መንጎ ቀንዲ ጽርግያታትን ዓበይቲ ከተማታትን ዝርከብ፣ ጸላኢ ብቐሊሉ ዘይበጽሖ ከባቢታት የጠቓልል። እቲ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ እምበኣር፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝተባህለ ጸቢብ ቦታታት ተቐርቂርካ፣ ምስ ወፍሪ ወዶ-ገባን ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ስልኳታትን እናተቖራቖስካ፣ ኣብ ዝከኣለሉ ቦታ ጥራይ ዝግበር፣ ፖለቲካ ዝዕላምኡ ወታደራውን ኣካድያሚያውን ስራሕ ኢዩ ነይሩ። ምስ ብርትዐን ድኻምን ጸላኢ፣ በብግዝይኡ ዝቀያየር’ኳ እንተነበረ፣ እቲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብኣጠቓላሊ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

 

ዞባታት- ዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት፦

  1. ዞባ ሱዳን፦ እዚ ነተን ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝነበራ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ዝመሃሩለን ኣብያተ-ትምህርቲ የጠቓልል።

  1. ዞባ ሳሕል፦ ነተን ኣብ ሓራ መሬት ማለት ኣብ ሳሕል፣ ከም ባቕላ፣ ሮራ፣

ኣግራዕ፣ ከባቢታት ናቕፋን ካልእ ከባቢታትን ዝነበራ ኣብያተ-

ትምህርቲ የጠቓልል።

  1. ዞባ ባርካ፦ ካብ ጽርግያ ከረን ኣፍዓበት ንምዕራብ፣ ካብ መስመር ከረን

ኣቑርደት ድማ ንሰሜን ኣብ ዘሎ ከባቢታት ማለት ንከባቢታት

ኣስማጥ፣ ማርያ ቀይሕን ማርያ ጸሊምን፣ ሸርኢት፣ ሃበሮ ወዘት

የጠቓልል።

  1. ዞባ ጋሽ ባርካ ፦ ንከባቢታት ሸላሎ፣ ተኾምብያ፣ ኣውጋሮ፣ ሃዳሙ፣ ዓዲ ተኽላይ፣

ዓዲ በርበረ ወዘት የኣጠቓልል።

  1. ዞባ ምዕራብ፦ ንከባቢታት ደምበላስን፣ ከባቢታት ማይድማን ትኹልን..

የጠቓልል፣

  1. ዞባ ሰሜን፦ እዚ ድማ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ከረን ንደቡብ ዝርከብ፣ ካብ

ምቁጽጻር ጸላኢ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት ማለት ንከባቢታት ላዕላይን

ታሕታይን ዓንሰባ፣ ከምኡ’ውን ንገለ ዓድታት ላዕላይ ባርካ ማለት

ገርገር፣ ጉርዒ፣ ዓዲ-ዑመር፣ ሸበቕ፣ ዴዳ፣ ዒን፣ ክሳብ ከባቢ መንሱራ

ይዝርጋሕ።

  1. ዞባ ደቡብ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ኣስመራ – ዓዲ-ዃላ ንምብራቕ፣ ካብ

መስመር ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ ድማ ንደቡብን ምዕራብን ማለት ንከባቢታት መረታ-ሰበነን መረታ ቀይሕን፣ ተድረር፣ ትምዛኣ፣ እገላሓጺን፣ ክሳብ ጾሮና ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ ንሰሜን ድማ ንከባቢታት ዓላን ዓደረሶን’ውን የጠቓልል።

  1. ዞባ ምብራቕ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ጊንዳዕ – ባጽዕ ንደቡብ ክሳብ ደንከል

ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንከባቢታት ፎሮ፣ ኣፍታ፣ ዙላ፣ ኢዶፋይለ፣ ባዳ፣

ወዘተ የጠቓልል።

  1. ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ጊንዳዕ – ባጽዕ ንሰሜን፣ ካብ

መስመር ከረን ኣፍዓበት ድማ ንምብራቕ ኮይኑ፣ ንከባቢታት

ሸባሕ፣ ሽዕብ፣ ገድገድ፣ መትከል ኣቤት፣ ሰለሙናን ከባቢታት

ሰሜናዊ ባሕርን የጠቓልል።

 

… ብዘይካ እዚ ኣብ ላዕሊ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፣ ሓደ ንመዓስከር ስደተኛታት ሰለሙና (እንዳ ህዝቢ) ዝከታተል ኣካል ከም ዝነበረ’ውን ይዝረብ ኢዩ። ኩሉ’ዚ ኣከፋፍላ’ዚ ናተይን፣ ነዚ ናይ ሕጂ ጽሑፈይ ክሕግዘንን ድኣምበር፣ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ናይ ጨንፈር ትምህርቲ ከም ዘይኮነን ኣንባቢ ክርድኣለይ እፈቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም እቶም ብህይወት ዘለዉ፣ ነቲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብንጹር ዝፈልጡ ኣብ ኤርትራ ስለዘለዉ፣ እቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ድማ ክዛረቡ ዘይደልዩ ወይ ድማ ክረኽቦም ዘይከኣልኩ ኢዮም። ስለዚ ከኣ ኢየ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ከቕርብ ዘይከኣልኩ። ኣብቲ እዋን’ቲ መማህራንን ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነትን ምስ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተዘራረብኩሉ ግን ክገልጽ እፈቱ።

 

በብግዜኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዞባታት፦

ነዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ዞባታት በብእዋኑ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ሓለፍቲ (ዋላ’ውን ንሓጺር እዋን) ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም። ሕጂ’ውን ኣብ ስደት ኮንካ ዝተማልአ ጽፉፍ መጽናዕቲ ከተካይድ ስለ ዘይከኣል፣ ገለ ዝተረስዐ ወይ ጌጋታት ክህሉ ከም ዝኽእል ክገልጽ እፈቱ። እዚ ግን ካብ ናተይን ካብ ገለ መሳርሕተይ ዝነበሩ መማህራንን (ካብ ዝዘከርናዮ ጥራይ) እጽሕፍ ስለ ዘለኹ፣ ንዝፍጠር ሃጓፋት ቦታ ንምግዳፍ ድኣምበር፣ ‘ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ’ ንምባል ኣይኮነን። እቶም በብከባቢኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ እምበኣር፦

 

ቃልኣብ ሃይለ፣ ጎይትኦም ተስፋዮናስ፣ ተስፋማርያም ተኸስተ – ወዲባሻይ- (ሕጂ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ እስራኤል)፣ ጸጋ ጋይም (ጓል-ሻምበል)፣ ወልደ-ማይክል፣ ሃይለ ኣልኣዛር፣ ሓኽሊ ዝበሃል (ሕጂ ስሙ ዘይዝክሮ)፣ ሃይለ መብራህቱ፣ ሃይለማርያም ኢዮብ፣ ገብረስላሴ ዮሴፍ፣ ጎይትኦም (ደጎም)፣ ዑስማን ሳልሕ (ናይ ሕጂ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ መጀመርያ እዋን)፣ ወዘተ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ሓላፍነት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ትሰርሕ ዝነበረት’ውን ኣስመረት ሃብተሚካኤል ነይራ። ንኹሉ’ቲ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝካየድ ዝነበረ ትምህርታዊ ንጥፈታት ዘወሃህዱ ዝነበሩ ድማ ጴጥሮስ ሃይለማርያምን መሓመድ ኑር ኣማንን ከም ዝነበሩ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መማህራን ይዛረቡ። ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮም ዘለኹ ሓለፍቲ፣ ብዘይካ ሓኽሊ (ኣቐዲሙ ካብቲ ጨንፈር ዝተቐየረ) ክሳብ ናጽነት ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ዝነበሩን፣ ብህይወት ዝኣተዉን ኢዮም።

 

እዞም ክብ ኢሉ ኣስማቶም ተገሊጹ ዘሎ ሓለፍቲ፣ ነቲ ብኸበሳን መታሕትን ዝፍለጥ ጅኦግራፍያዊ ምክፍፋል ወይ’ውን ንክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታትን ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራን ብልክዕ ዘንጸባርቑ‘ኳ እንተዘይኮኑ፣ ብውሑዱ ግን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹን፣ ምስቲ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ወፍርታትን ስልኳታት ወዶ-ገባን እናተዓጻጸፉ ነቲ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዘወሃህዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኢዮም። ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፣ ከም ሓላፊ ናይቲ ጨንፈር (ጨንፈር ትምህርቲ) ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ናይ ሎሚ ሚኒስተር ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኢዩ።

 

ድሕሪ ናጽነት

ህዝባዊ ግምባር ኣስመራ ኣትዩ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዘቖመሉ እዋን፣ እቲ ብደረጃ ጨንፈር ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ትካል፣ ክፍሊ ትምህርቲ ተባሂሉ ኢዩ ክጽዋዕ ጀሚሩ። ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ (ሎሚ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ተኣሲሩ ዘሎ) ድማ፣ ንዑስማን ሳልሕ ተኪኡ፣ ከም ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ ተመዲቡ። በራኺ ብደረጃ ሚኒስተር ከም ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ (ደሓር ሚኒስትሪ) ድሕሪ ምምዳቡ፣ ኣብ ማ/ ቤት ጽሕፈትን ኣብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን ከም ሓለፍቲ ኮይኖም ዝተመደቡ ሰባት – ኣስማትምን መበቆል ዓዶምን እዞም ዝስዕቡ ነይሮም።

 

ማእ/ቤት-ጽሕፈት

  1. በራኺ ገብረ-ስላሴ = ሽማ-ንጉስ – ካርነሽም — ሚስተር ትምህርቲ
  2. ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ-ባሻይ) = ሽማ-ንጉስ – ካርነሽም ንቃልኣብ

ሃይለ ተኪኡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን

  1. ሰመረ ሰሎሙን (ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ) = ዓዱ ኣይፈለጥኩዎን —

ንጴጥሮስ ሃይለማርያም ተኪኡ ሓላፊ ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ

ሰብን (HRD)

  1. ተስፋሚካኤል ገራህቱ = ሕምብርቲ — ሓላፊ ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ

 

ሓለፍቲ ኣውራጃታት፦

  1. ሃይለ ኣልኣዛር = ጻዕዳ ክርስትያን – ሓላፊ ኣብያተ ትም/ኣውራጃ

ኣስመራ ( ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣስመራ ንበይና ከም ሓንቲ ኣውራጃ

ትመሓደር ነይራ ኢያ)

  1. ኣስጎዶም ካሕሳይ ዳምር = ደቂ-ሸሓይ (ዓንሰባ)፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ

ሓማሴን (ንከተማ ኣስመራ ገዲፍካ ኩለን ዓድታት ሓማሴን)

  1. ነፍሲሔር ሃብቶም ጉዱም = ዓደኮሎም – ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ሰራየ
  2. ኣብርሃም ርእሶም = ዓዲ-ተከለዛን (ደምበዛን) ሓላፊ

ኣብ/ትም/ኣው/ኣከለጉዛይ

  1. በኹረጽዮን ሃብተሚካኤል = ደርሰነይ (ዓንሰባ)፣ ሓላፊ ኣብ/ትምህርቲ

ኣውራጃ ሳሕል

  1. ግርማይ ገብርሂወት = ነፋሲት፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ደንከል
  2. ኣብርሃም ተኽለ = ዓደልገስ – ሰራየ፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ሰምሃር
  3. ወልዱ በርሀ = ዓዲ ቀሪጫ (ኣከለ-ጉዛይ)፣ ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ

ኣውራጃ ጋሽን ሰቲትን

  1. ኣብ ከረን ዝነበረ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣው/ሰንሒት ንግዝይኡ ኣይዘከርኩዎን

 

ኣስማትን ከባቢያዊ መበቆልን ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ኣብ/ትምህርቲ፣ ብውሑዱ 3 ካብቶም ኣብ ወሳኒ ቦታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝነበሩን፣ ሓለፍቲ ናይ 6 ካብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን፣ ተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ንመብዛሕትኦም ኣብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኣካድያምያውን ወታደራውን ስራሕ ብተዓጻጻፍነት ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣሊኻ ወይ ኣደስኪልካ ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፣ ብመደብ ልዕልና ተወለድቲ ውሱን ከባቢ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምስቲ ክብ ኢለ ኣብ ብርገድ 51ን 58ን ነይሩ ዝበልኩዎ ኣወዳድባ ሓለፍቲ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ድማ፣ ብገርሂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣጋጣሚ ሕቶ ኢዩ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን።

 

… ይቅጽል

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • ተኽለሰንበት November 27, 2013

    ኣዚ ወዲ’ዚ ኮኣብጡ’ዮም መኦኣል ወዲ ገራህቱ ብሽም ባውላይ ሰብ ኮ0ለል ከብሉ ዝቐነዩ።ዝተዛረብካዮ ቀለም፡ዚረገጽካዮ ለምለም ይግበረልካ ታደሰ’የ፡ሓይልኻን ሃቦካን ይጽናዕ።

    • wei gud November 27, 2013

      ታሪኽ ካብ ኣብ ተራ ዝነበረ ተጋዳላይ ንጽበ ካብቶም ሰራሕቱ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነበር እንተ ንረኽቦ ኣዝዩ ምስ ተማሃርና ካብ መራሒ መስርዕ ዝነበረ ካብ ናይ ሓይሉን ደቂ ሓይሉን ሓሊፍ ስፍሕ ክብል ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ ብከም ዝዕለሉኑ ክዕብለል ናይ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ስለ ዝኸውን ዘይተጻረየ ናይ ምኻን ትኽእልኡ ኣዝዩ ልዑል ስለዝኸው ሓደገኛ ኢዩ።
      ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉልይ ኮይኑ ነገሩ!!!
      ኣነ ዝበልኩዎ ኮይኑ ናይ’ዚ ጽሓፋይ ነገር፣ ንኩሉ ምንቅስቓሳት ኣበርን ኢንታን ኣብ ምውጻእስ ሓጋዚ’ዶ ኮን ንብሎ? ኣሰና ከም ዓቢ ማዕከን ዜና ነዚ ወዲ ከምዚ ኣብ ክንዲ ንሓድነት ንምፍልላይ ዘተባብዕ ጽሑፋት ምትእንጋድ’ከ ንመን የርብሕ’ዶስ ሓባራዊ ወፍሪ ኣየምስልን’ዶ? እዚ ሎሚ ኣውራጃዊ ፖሎቲካ ዝብል ትማሊ መንእሰይ ዝበሃል ዕድመ ገደቡ ነዚ ይመስል ዝብል ብሃበ ተረኽበ ዝተሓንጠጠ ዝመስል ንረብሓ ህዝቢ እንተ ኢልና ነዛ ሓዳስ ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ን ለውጢ እትብል ናይ ህዝባዊ ግንባር ተጋደልቲ ዝነበሩ ጥራይ ኢዮም ዳግም ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ ዝዓይነቱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተቓለስቲ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሚሒር ንዕቀት ዘለዎ ወፍሪ ዓቢ እጃም ንዝጻወት ዓገብ ምባል ባህልና ኢዩ’ሞ ዓገብ ሞያዊ ሓላፍነት ኣይትዘንግዕ ክብል ይፈቱ።

  • ተ.መድኅን November 27, 2013

    ግርም ኣሎካ ተኽለሰንበት ብሽም ባውላይን ማሕታን ክጻረፍን ክወራዘን ዝቐነየ ብፍሉጥ ወይ ወዲ ገራህቱ’ዩ ወይ ከኣ ወዲ ባሻይ’ዩ።ኣብ ገሊኡ ኣበይ ክትበጽሕ ደሊካ ኢካ እታ ሃንካስ ዝብል ዘድመጹ ካብ ሃዲኦም ሃዲኦም’ዮም።ምኽንያቱ ኣብ ሕሉፍ ስራሖም ይፋለጡ ስለዝኾኑ።

  • yafet November 27, 2013

    ደቂ ካርነሽም ይኹኑ ደቂ ሓደግቲ ኣገዳሲ ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ጸገም ሰብኣውነት ዘይምህላው እዩ። ደሓር ካኣ እዞም ጸረ ሕዝቢ ኤርትራ ንካርነሽም ኣይውክሉ ወላ ጽልማ። ዝኾነ ኤርትራዊ ካብ ካብ ኣከለ ድዩ ካብ ሓማ ወይ ካብ ደንከል ይኹን ጥራይ ንረብሓ ኤርትራ ይስራሕ። ኣበይ እሞ እዞም ኩሎም ኣብ ስልጣን ዘለዎ ካብ ሓደ ኣውራጃ ኮይኖም ንህዝቢ ብሰላም የንብርዎ። ህግደፍ ሃይማኖት የብሉ ዓዲ ወላ ኣውራጃ። ጸገሞም ኣነ ይፈልጥ ኤርትራ ብዘይካና ዘምሓድራ የብላን ምብላም ጥራይ እዩ ጸገሞም። ወላ እቶም ተወጺዕና ካብ ህግደፍ ተፈሊና ትብሉ ከማን ዘይ ቦታ ኢኹም ዘይረኸቡኩም እምበር ሓደ ኢኹም። በጃኹም ግደፉና።

  • hager November 27, 2013

    ዘይኣኽለና እዚ ነገር እዚ ናይ ቅድሚ 30-40 ዝነበረ ኣካያዳ ገድሊ ኣምጺእካ ነገራት ምፍሕታር ጽቡቅ ኣይኮነን ሕጂ ዘሎ ቌንቌ ሓድነት እዩ።

    • ተ.መድኅን November 28, 2013

      ስማዕ ሃገር…….፡30-40 ዝገበረ ጉዳይ’ዩ ኣብዚ ዓዘቕቲ ኣውዲቑና ዘሎ።ዓሚ ጽቡቕ እንተዘይሰሪሕካ ሎሚዘበን ጽቡቕ ነገር ክትሃፍስ ኣይከኣልን።ሃረስታይ ኣቐዲሙ ኣብ ክረምቲ ጸጊኡ፡ኣብ መጋቢትን ማዝያን ኣልዒሉ ግራቱ እንተዘየላሲሉሱዎ ጽቡቕ ብቑሊ፡ኣብ ቐውዒ ርቡሕ እቶት ክሃፍስ ኣይክእልን።ንውላድካ ኣብ ኣግሪ ተኽሉ ይኹን ዝስዕባ ኦኣመታት ቅኑዕ መንገዲ እንተዘየትሒዝካዮ ምስ ኦኣበየ ጸፉፍ ውላድ ክኾነልካ ኣይክእልን።ሰለዚ ኣብቲ እዋንቲ ኩነታት ዝጠልቦ ጽቡቕ እንተሰሪሒካ ጽቡቕ ኣብ ኢዳካ’ዩ።ብካልእ ኣዘራርባ፡ንሃደ ወተሃደር ኩሉ ዘድሊ ስንቕን ኣጽዋርን ኣዒጢካ እንተሰዲድካዮ እቲ ኦኣወት ኣብ ኢድካ’ዩ።……..ስለዚ ሓድነት ነገራት ሓቢኢካ ብዕበጦ ዓባብጦ ኣይመጽእን’ዩ።ዝመጽእ እንተዝኸውን ህግ ንነዊሕ ዓመታት ህግደፍ ከኣ ን20 ዓመት ሃቢኦም በቲ ዝተገብረ ቅያ ጥራሕ ክዛረቡ ኣነሆ ኣብ ህልም ዝበለ ዓዘቕቲ ኣጥሒሎምና ይርከቡ።ብዘይካኡ፡ኣብ ነጻነት ዝተወልደ ኤርትራዊ ናይቲ ተሓቢኡ ዝጸንሀ ጉዳይ ኮይኑ፡ሎሚ ኣብ ሲናይን ኣውያቱ፡ኣብ ቀላይ ሜድተራንያን ንዓሳታት ባሕሪ፡ኣብ ሰሃራ ከኣ ንራዋዩ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።ስለዚ ሓድነት ነገራት ብሚስጢር ሒዝካ ስለዘይክየድ፡ንሕና ብግልጺ ንዛረብ።ብግልጺ እንተተዛሪብና ሌላ ይርከብ፡ድሕሪኡ ምክብባር።ካብ ምክብባር ከኣ ፍቕሪ ይጅምር።ፍቕሪ ናብ ምትእምማን ወሲዱ ሓድነት ይተርር።ካብዚ ሃድነትዚ ከኣ ከም ህዝብን ሃገርን ቀጻልነትና ይህልወና።……ሎሚ ኣብዚ ሕማቅ ኣዋን ኩሉ ኣተሃሳስባናን ኣረኣኣያናን ናብ ሃቂ ናብ ቅንዕና እንተጠሚቱ እቶም ዝውለዱ ዳህረዎት ወለዶ ሰላም ዘለዎ ኅብረተሰብ ኣብ ኢዶም ይኸውን።………መልእኽቲ ታደሰ ናብ ሃድነት’ምበር ናብ ባኣስን ግጭትን ዚመርህ ኣይኮነን።እቲ ዝብሎ ዘሎ ስለዝነበረ ይዛረብ ኣሎ።እቲ ንሱ ዝብሎ ዘሎኮ ብውሽቲ ውሽቲ ኮይኑ’ምበር ኩሉ ዝግምቶ’ዩ። ብናትካ ሚዛን ታደሰ ንዝተቃለሰሉ ግደ ስንክልና ንዝኾነሉ ጉዳይ ሃዊ ክመልስ ጽሒፉዎ ኢልካ ት ኣምን።መን’ዩ ኸ ሎሚ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ኣልዒሉ ጉራደን ዋልታን ከልዕል።ጉራደን ዋልታን ምልዓልን ታሪኽ ምትራኽ ይኹን ንዚነበረ ይዕበ ይን ኣስ ጉዳያት ክትፈልጥ ምጽዓር በበይኑ ኢዩ።ሎሚ’ኮ ህዝቢ ገለ ተረዲኡ ኢዩ።ተፈሊጥና ዝብል ሕማም’ኮ ምልክት ሓድነት ኣይኮነን።ስቓይ፡ፍርሂ፡ጣዕሳ’ዩ።ንዝነበረ ከኣ ንቅሩብ ግዜን ንቅሩብ ሰባትን ጥራሕ ክትሃብ ኣሎም ትኽእል፡ንኹሉ ግዜን ንብዙሓት ሰባት ክትሓብ ኣሎም ኣይከኣልን።ስለዚ ሎሚ ኣይተዘርበሉን ጽባሕ’ውን ክዝረበሉ’ዩ።ወይ ብገለ መዳይ ክዛረብሉ’ዮም ብውሽጢ ውሽጢ።ስለዚ ታደሰ ዝብሎ ዘሎ እኮ፡ከምቲ ኣብ መሻሕሳሕ ዝቑሎ እንጣጢዕ፡ሙቐትን ረስንን ምስወቕዕ ጠጣዕ ኢሉ ዚነጥር፡እቲ ተሓቢኡን ተዓቢጡን ዚጸንሐ ጉዳይ ረሲኑ ተቖልዩ ባዕሉ’ዩ ንመኽደን መሻሕሻሕ ጢሒሱ ዚነጥር ዘሎ።ስለዚ ካብዚ እዋንዚ ሓሊፉ ንካልእ እዋን ክሰጋገር ዘይክእል ኣርእስቲ’ዩ።……………………የቐንየልና ታደሰ

  • tesfay tekle November 27, 2013

    Xeba site,xeba astiKana. The core cause of our disaster is clearly seen that HIGDEF is a collection of regionalists, with a few other elements put as catalists (meteHafsti). ANd yet they label others as regionalists. zengi Haqi tQeTn imber aytsbern.

  • Mahta November 27, 2013

    Teweldemedhen, bea`na do jemireka zereba lomes??? we have the right to criticize the writer,you don’t need to feel bad, at least if you think the truth is in your side…at a time I did used a rough words, sorry about that, but I think Bawlay did his best with his convincing words. The fact is you don’t want to listen, it seems it matter of choice for you rather than a matter reality. May be you and your friend the writer see things from one angle, us from a different one. I`m just hoping that the angles are not the troubled regions! Not in my case anyway…

  • ERITRAWIT November 27, 2013

    Dear Tadese,
    Thank you again you observation in Gedley time,and it is true. what I don’t understand is even if they were most of them from one area I didn’t see them or doing any good for the area they came from. they are even doing worse for example Flipose is from tselot if he is? from what I see in Asmera and heard he is the one doing all the killing from the prison camp tererazing the whole area. what I want to say is I think we should dig deep down. I believe they are only use in it GOLBAB(COVER) it is good you bring this issue people they may see it in different ways but if we don’t talk about it we wouldn’t know who our enemy are and it is clear they are not good to any one why do we have to divide?????? Thank you Tadese.

  • MightyEmbasoyra November 27, 2013

    መአረምታ፥ ጽርግያ “ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ” ዝባሃል የለን። ጽርግያ “ኣስመራ – ሰንዓፈ” ምባል ልመድ። መስመር “ኣስመራ – ዓዲ ዃላ” ቅኑዕ ካብ ኮነ, I think you should get the point- to keep geography correct.

    • tieziti November 27, 2013

      MightyEmbasoyra on November 27, 2013 at 6:46 pm said:

      The writer might not be willing to write the city that you mentioned.

    • Selamawit November 27, 2013

      Why Amsara Senafe? If you think the whole road you should say Asmara – Zalambesa, if not I don’t see any wrong in Taddese’s assertion. EPLF had never administered the area between Adikeyh and Senafe before 1990. So during the time within which Taddesse is narrating all the branches of the education were right and left of Adikeyh.

      • MightyEmbasoyra November 27, 2013

        Then, you have to say Asmara – Rama, from Adi-Quala said. How about that?

  • gomida November 27, 2013

    ታሪኽ ካብ ኣብ ተራ ዝነበረ ተጋዳላይ ንጽበ ካብቶም ሰራሕቱ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነበር እንተ ንረኽቦ ኣዝዩ ምስ ተማሃርና ካብ መራሒ መስርዕ ዝነበረ ካብ ናይ ሓይሉን ደቂ ሓይሉን ሓሊፍ ስፍሕ ክብል ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ ብከም ዝዕለሉኑ ክዕብለል ናይ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ስለ ዝኸውን ዘይተጻረየ ናይ ምኻን ትኽእልኡ ኣዝዩ ልዑል ስለዝኸው ሓደገኛ ኢዩ።
    ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉልይ ኮይኑ ነገሩ!!!
    ኣነ ዝበልኩዎ ኮይኑ ናይ’ዚ ጽሓፋይ ነገር፣ ንኩሉ ምንቅስቓሳት ኣበርን ኢንታን ኣብ ምውጻእስ ሓጋዚ’ዶ ኮን ንብሎ? ኣሰና ከም ዓቢ ማዕከን ዜና ነዚ ወዲ ከምዚ ኣብ ክንዲ ንሓድነት ንምፍልላይ ዘተባብዕ ጽሑፋት ምትእንጋድ’ከ ንመን የርብሕ’ዶስ ሓባራዊ ወፍሪ ኣየምስልን’ዶ? እዚ ሎሚ ኣውራጃዊ ፖሎቲካ ዝብል ትማሊ መንእሰይ ዝበሃል ዕድመ ገደቡ ነዚ ይመስል ዝብል ብሃበ ተረኽበ ዝተሓንጠጠ ዝመስል ንረብሓ ህዝቢ እንተ ኢልና ነዛ ሓዳስ ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ን ለውጢ እትብል ናይ ህዝባዊ ግንባር ተጋደልቲ ዝነበሩ ጥራይ ኢዮም ዳግም ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ ዝዓይነቱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተቓለስቲ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሚሒር ንዕቀት ዘለዎ ወፍሪ ዓቢ እጃም ንዝጻወት ዓገብ ምባል ባህልና ኢዩ’ሞ ዓገብ ሞያዊ ሓላፍነት ኣይትዘንግዕ ክብል ይፈቱ።

  • MightyEmbasoyra November 27, 2013

    I think you have made your point. EPLF was playing the regional card and at the same time he blames others for even mentioning it by name. This is the famous divide and conquer method that any dictator use – nothing new or this is not isaya’s invention.
    So, let’s not dwell on it any more, otherwise this will go to “wereda” level, very soon and it will be a chain reaction.
    Speaking of weredas, few yrs ago, I have visited a family friend, for one of the national holidays in the us, and few people were invited. As you know, after few mins, the discussion turned about Jebha/Shabia/HGDF and the top leaders. One of the senior guys was blaming the Jebha leaders for being wegenawian. Another senior guy replied, well, Dr. Fitsum (that’s the first time I have heard about him but I think he was very famous in Jebha Aabay) was from region. Yes, but he is either from Adi-Keyih or Senafe. Then, the other guy replied him with “So? He is from Akele”. And he continued by saying “ኣየ ሃብተ ድማ ካብ ከባቢ ደቀምሓረ ‘ተዘይ ኮይኑ፣ ካልእ ኣከለ ጉዛይ ኮይኑ ከማን ኣይስመዓካን ዩ። ወረ ጽንሕ ኢልካስ ናብ ዓድታት ደረጃ ክትወሪድ ኢኻ ምስ በሎ ኩል ስብ ስሒቑ”

    NB: 1/3 of my family side is from Akele (between Segeneyti and Decamhare – just to be exact). In case you think I am being wegenawi 🙂

    • ሸዋይነሽ November 30, 2013

      “(አ)ልሸሹም ዞር ኣሉ!”—ምስበለ፣—“ቀልቀሎ-ቅል፣ ቅል-ቀልቀሎ!” ይሏል፣ — እቲ (ኣ)ምሕርኛ፣ ትርኻት ሓሸውየ ከምዚ ከማኻትክም ዒቕ ምስበሎ፤— ጨጕሪ ጥራሕ ክትፍልጹ ንበሩ!— ቅንይ ኢልኩም ብጎዶቡን ደንበን ኣብ ምጽብጻብ ተሰጊሩስ ብውሻጠን ኳናን ኣብ ምውግጋን ክሳብ ዝብጻሕ።

1 2 3

POST A COMMENT