Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውያትግዳያት ሲናይ ናብ መላእ ዓለምየቃልሕ!

በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግዳያት ሲናይ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ባርባራዊ ግፍዒ፡ሕልንኡ ዘይተተንከፈ ሰብኣዊ ዝዀነ ሃገራዊ ዜጋ ስለዘየለ፡ ምእንቲ ወጽዓ ናይ ዞምንጹሃት ክቕላዕን በደልቶም ብሕጊ ክቕጽዑን መሪር ኣውያቶም ናብ መላእ ዓለም ክቃላሕ ነፍስወከፍ ብኤርትራውነቱ ዝሕበንን ዝቚርቈርን ዜጋ፡

በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግዳያት ሲናይ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ባርባራዊ ግፍዒ፡ሕልንኡ ዘይተተንከፈ ሰብኣዊ ዝዀነ ሃገራዊ ዜጋ ስለዘየለ፡ ምእንቲ ወጽዓ ናይ ዞምንጹሃት ክቕላዕን በደልቶም ብሕጊ ክቕጽዑን መሪር ኣውያቶም ናብ መላእ ዓለም ክቃላሕ ነፍስወከፍ ብኤርትራውነቱ ዝሕበንን ዝቚርቈርን ዜጋ፡ በብዘሎዎ እጃሙ ከበርክት ሰብኣዊ ግዴታ ጥራይ ዘይኰነ ብዓቢኡ ሃገራዊ ሓላፍነት እውን ኣሎዎ።መሪር ኣውያት ግዳያት ሲናይ ናብ መላእ ዓለም ምቅልሑ ዘድሊ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደግፍዒ ንዘልኣለም ዘይርሳዕን ይቕረ ዘይበሃሎን ብምዃኑ ጥራይ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ግፍዒ፡ከምጕሉሕመርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና በቲ መንግስታዊስልጣንብብድዐ ንበይኑ ብምብሓትብህዝቢ ከይተመርጸ ዝገዝእ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍዝወርድ ዘሎ ስቅያትን ውርደትን መጠን፡ እንተላይ ንመንነትን ባህርይን ናይዚ ዓማጺ ስርዓት’ዚብጋህዲ ዝኸሽሕ  ተርእዮ ብምዃኑ ኢዩ።

ቅድሚ ኣውያት ግዳያት ሲናይ ናይ መላእ ዓለም ክቃላሕ እንታይ ክግበር ኣሎዎ? ንዝብል ኣዝዩ ኣገዳስን ውዕዉዕን ሕቶ ብቐጥታ ምምላስና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ንጹሃት ግዳያት ሲናይ ዝተፈጸመ ባርባርነት፡ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና መበል ዕስራንሓደን ዘመንዝተፈጸሙ ኣዝዮም ኣሰቀቕቲግፍዕታት ስለ ዝዀነ፡ እንታይ ከምዝመስል ኣቕደምካ ዘርዚርካምምልካቱ ኣድላዪን ጠቓምን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣውያት ግዳያት ሲናይ ናብ መላእ ዓለም ምቅላሕኣግዳስነቱ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝ ምዃኑ ብግቡእ እትግንዘቦ፡እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ባርባራዊ ግፍዒ ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ እከይ ተግባር ምዃኑ ቀሪብካ ምስ እትዕዘቦ ኢዩ።ኣብ ዓለም ብዙሕ ዓይነት ሞት ኣሎ’ሞ፡ እቲ ንግዳያት ሲናይ ዘጓነፈ ይትርፍ ክዕዘቦ ክትሰምዖ እውን ዘሰቅቕ ሞት ግን ንቡር ሞት ዘይኰነ፡ ኣብ ታርኽ ሓደ ካብቲ ተራእዩን ተሰሞዑን ዘይፈልጥ ሽሕ ሞት ኢዩ። ቀጸልና እስከ ነዚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ደገፍቱን ክንዲ ብትሪ ዝዂንንዎ፡ ከም ዘይምልከቶም ጕዳይ ጓና ኢዶም ብምሕጻብ፡ ዝተወራዘይሉንዝተላገጽሉን ሽሕ ሞት’ዚ እንታይ ከም ዝመስል ቅርብ ኢልና ንርኣዮ።

ዕዳጋኣካላት ሰብነት ሓደ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚኣብ ናይ ዓለም ጸሊም ዕዳጋልዑል ሕክምናዊ ጠልብ ዘሎዎም ዕዳጋታት ኢዩ። እዚ  ዘስደምም ዘይሕገዊ ዕዳጋ’ዚ፡ ብቐንዱ በተን ኣብ ናይ ሓሺሽንግዲ ዝተዋፈራ ብወንጀለኛታት ዓበይቲ ናይ ማፍያ ስድራቤታት ዝውነናን ዝወሓደራን ዓለምለኻዊ ውድባትዝሰላሰል ጸሊምዕዳጋ ይኹን ድኣ’ምበር፡ እቶም ኣበየቦትኡ ማፍያዊ ስርሓት ዘካይዱ ዘሎዉ ኣባላት ካብቲማፍያዊ ንጥፈታት ክካያደሉ ዝተመደበ ፍሉይ ከባቢታት ዝተመልመሉ ኢዮም። እቲ ኣብ ከባቢ ሃገርና ማፍያዊ ንጥፈታት ከካይድ ዝተዋፈረ ዞባዊ ውድብ፡ እቲ ኣብ ምስሪ ዝመደበሩ ብኣዕራብ (ብበደዊን ምስራውያን ሲናይ) ዝእለን ዝክየድን ኰይኑ፡ ዝርጋሐኡ ካብ ኤርትራ (ኣስመራ) ክሳብ ምስሪ (ሲናይ) ዝበጽሕን ማእከል ዕዳግኡ ኸኣ ብዓቢኡ ኣብ ካይሮን ተልኣቪቭን ዘተኰረን ኢዩ።  እቶም ብፍላይ ምስዚ ማፍያዊ ውድብ’ዚ ዝተሓባበሩ ዘሎው ባእታታት፡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ራሻይዳን ከምኡ’ውን መሻርኽቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን (ጀነራላትን ሌተና ጀነራላትን) ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትንኤርትራ (ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍን ሚስትርታትን) ብቐጥታዝተኣሳሰሩ ነጋዶን (ደለልትን መጠውትን) ኢዮም። ዓማዊል ናይቲ ኣብ ካይሮ ዝመደበሩ ዕዳጋ ኣካላት ሰብነት፡ሃብታማት ኣዕራብ ክዀኑ እንከሎዉ፡ ዓማዊል ናይቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዘሎ ዕዳጋ ኣካላት ሰብነት ከኣ ሃብታማት እስራኤላውያንን (ኣይዳውያንን) ኤውርጳውያንን ኣመርካውያንን ኢዮም። እቶም ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ኣባላት ማፍያ ዝቀዳድምሎም ዘሎዉ ኣካላት ሰብነት፡ እቶም እዝዩ ልዑል ጠለብ ዘሎዎም ከምኰላሊትን ኣዒንትን ከምኡ’ውን ልብን ጸላም ከብድን ዝኣመሰሉ ኣካላት ኢዮም። እዞም ኣካላት እዚኣቶም፡ ካብ ብገርሆም ወይ ከኣ ብምትላል ዝተጨውዩ ንጽሃት ስደተኛታትን ዓንጋሊ  ዘይብሎም ጭው ዝበሉ ድኻታትን  ብዘይንሕስያ ከም እንስሳ ሓሪድካ ካብ ከስዐኦም ብምምዛዝ ብናጻ ይመንዝዑ ድኣ’ምበር፡ኣብ ዕዳጋታት ኣካላት ሰብነት ንነፍስወከፍ ኣካል ካብ 50 ሽሕ ክሳብ 100 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ብዝተመን ዋጋ እዮም ዝሽየጡ። እቶም ኣብ መሕረዲ ጋብላታት ሰብ ምድረበዳ ሲናይ፡ ነቶም ኣብ ኢዶምወዲቖም ጀሆታቶም ዝዀኑ ግዳያት፡ ብዘይፍርሃት ፈጠሪ ብህይወቶም እናእወዩ ዝሓርድዎም ዘሎዉምስራውያን በደዊን ሲናይ’ኳእንተዀኑ፡ ንኣሕዋቶም ከም ገበርቲ ሰናይ”ናብ ትደልይዎ ቦትታት ክትብጽሑ ከነሰጋግረኩም ኢና” ብዝብል ምኽኒት፡ ብትሕቲ ጣውላ ናይ መበጻጽሒ ክልተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ  ካብ ነፍስወከፍ ግዳይ ተኸፍሎም ክነሶም፡ ኣሕሊፎም ንባርነትን ሕርዶትን ብምሃብ ዘረክብዎም ዘሎዉ ጨካናት ተሓባበርቲ፡ እቶምኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ሕልነኣም ዘዕረቡ ኣረመናውያን ባእታታት ማለት ደቂ ሃገሮምን መራሕቲ መንግስቶምን ኢዮም።

እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኖም፡  ከም እንስሳ ተሓሪዶም ኣካላት ሰብነቶም ንኽሽየጥ እናፈለጡ ብስስዐ ናይ ሓራም ገንዘብ ዓዊሮም ንኣሕዋቶም ኣሕሊፎም ብምሃብ፡ ብናይ መንግስቲ መካይን ተጠቒሞም እናጓራቱናብ ሰዳን ኣምሊቒም ዘብጽሕዎም ዘሎዉ ጕጀለ ኣረመናውያን ባእታታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን (ጀነራላትን መኰናትን) ሰበሰልጣን መንግስትን ኤርትራ ክዀኑ እንከሎዉ፡ እቶም ናብ ሱዳን  ምስ  ኣተዉ  ኣአንገድቶም ኰይኖም ተቐቢሎሞም ከብቅዑ፡  ከም ባራዩ ተጨውዮም ካብ ሓደ ጕጀለ ራሻይዳ ናብ ካልእ ጕጅለ ራሻይዳ እናተሸጡን እናኣመሓላለፉን ናብ ሕቚፊ ባርባራውያን በደዊን ሲናይ ከም ዝወድቁ ዝገብሩ ዘሎውኸኣ፡ እቶምደለልቲ ንገንዘብ ዘምልኹነጋዶ ኢዮም።ግዳያት ሲናይ፡ ከይሃድሙ ብሰብ ብረት ተሓሊዮም ብምድረበዳ ሰሃራን ቀይሕ ባሕርን ተጓዒዞም፡ ኣብ መዳጐኒታት ሲናይ በጺሖም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር  እቶም ባርባራውያን በደዊን ምስ ኣተዉ፡ ብሕታዊ ንብረቶምን ገንዘቦምን ምዝማቶም ከይኣክል፡ በሰንሰለትተኣሲሮም እናተገርፉን እናተዓመጹን ክሳብታ ዝሕረዱላ ወቕቲ ብጽምኣትን ጥምየትን ተገሪፎም’ዮም ዝምህምኑ። ኣብዚከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣነዋሪ ዘይሰባዊ ተግባር፡ እቶም ባርባራውያን በደዊን ነቶም ኣብ ውጻኢ ዝርከቡ መቕርብን ፈተውትን ናይቶም ግዳያት ብምድዋል፡ ምእንቲ ዘሰምብድ ኣውያቶምን ቃንዛኣምን ሰሚዖም ዝጠለብዎ ዓቐን ገንዘብ ንክኽፍልዎም፡ቊልቊል ኣፎም ደፊኦም ብርሱን ሓጺን እናተኰሱ ከበሳብስዎም እንከሎዉቅጭጭ ከይበሎም፡ ብህያው ንኣውያቶምን ቃንዛኣምንኣብ ቴሌፎን የሰሚዕዎም ምንባሮም ጥራይ ኣይኰነን።እንታይ ድኣ፡ እንተላይ ብፍላይ ነተን ደቀንስትዮ ኣሓትና ንበይነን ፈልዮም ብጕጀለ  እናተበራረዩ ብኣዝዩ ዘጽይፍ ስድነት ብምዕማጽ፡  ኣብ ልዕሊኣን ድርብ ግፍዒ ይፍጽሙ ምንባሮም ኢዩ። እቲ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቅንስትዮ ኣሓትና ዝተፈጸመ ድርብ ግፍዒ፡ ንመንነት ኤርትራውነትና ኣብ ምፍትታን ከይተሓጽረ፡ ንከራማ ሰብኣውነትና እውን ዝደፍር ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣዝዩ  ዘተሓሳስብ ዕቱብ ጕዳይ ኢዩ።

ባርባራውያን በደዊን ሰናይ፡ንገለ ካብቶምከም ባሮቶምብምስርጣይከበሰበስዎም ዝወረሑ ግዳያት፡ ማለት ነቶም ክሳብ ሰላሳ ሽሕ ዶላር ኣመርካ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማዶም ከሐውሉ ዝኸኣሉ ዕድለኛታት፡ ለቒቖም ናብ እስራኤል የሳግርዎም ድኣ’ምበር፡ ነቶም ረዳኢ ዘይረኸቡ ዝበዝሑ ግዳያት ኣካላት ሰብነቶም መዝሒቖም ንዕዳጋ ንምውራድ ብዘይ ገለ ስቅቕታ ብህይወቶም እናሰምዑን ኣናረኣዩን ኢዮም ዝሓርድዎም። ኣብ መንጎ እቶም በበደዊን ሲናይ፡ ብዓሌታዊ ንዕቀት ብጃምላ  “ኣፍርቓ”  (ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን)  እናተባህሉ ዝጽውዑ ግዳያት፡  ሓሓሊፎም ዜጋታት ሱዳንን (ደቢብ ሱዳን) ኢትዮጵያን ሶማልን ይሃልዉ ድኣ’ምበር፡ መብዝሕትኦም ካብቶም ግዳያት መንእሰያት ኤርትራውያን ኢዮም። ብክቡር መስዋእቲ  ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ሃገርና ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነትብሰንኪ ምልካውን ጨቋንን ዓማጽን ኣመሓዳርራ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ብቚጽሪ ዋሕዚ ሰደተኛታት ኣብ ዓለም  ቀዳመይቲ  ሃገር ኰይና ሰለ ዘላ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ መጻወድያ ባርባራውያን በደዊን ሲናይ ኣትዮምህይወቶም ካብ ህይወት ዝዀኑ ዜጋታት ኣፍረቃ ንላዕሊ ሓሲሩ ብኸንቱ ዝቐዝፉዘሎዉ ግዳያት፡ ኤርትራውያን ዜጋታትምዃኖም ዘገርም ኣይኰነን።ምኽንያቱ፡እቲ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታቱ ዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ባርባርዊ ግፍዕታት ንላዕሊ፡ ብሕሰምናይ ሶማላውያን ዜጋታት’ዩ ዝሓምምን ዝግደስን። ኵሉ ከም ዝፈልጦ፡ ፍተውቲ ሃገርና ኤርትራኣብ ዕሸል ዕድመኣ ኣደዳ እገዳ ሕብራት ሃገራት ዓለም ዝዀነት፡ ብስለ ሃገራዊ ጕዳያ ዘይኰነት ብስለ ሃገራዊ ጕዳይ እንዳማታ ማለት ብስለ ሃገራዊ ጕዳይ ሶማልያ (ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ንስምዕታ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ጸማም እዝኒ ብምሃብ ንኣልሸባብ ይድግፍ ብምህላዉ)ኢያ። እዚ ኸኣ ብልቦና ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ዕሙታት ሰዓብቱን መዘና ዘይብሉዘሐብን ጨለጅግነታዊ ሞያ ‘ዩ!

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግዳያት ሲናይ፡ ባርባራዊ ግፍዕታትብምስራውያን በደዊን ይፍጸም ከም ዘሎ ምስ ተሰምዐ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኤርትራውያን ግዳያት ብኸመይን ንምንታይን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ብዘየገድስ፡ ተቐላጢፉ ህይወቶም ከድሕን ክጓየ’ዩ ዝግባእ ኔሩ። እንተዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራንመንነቱን ባህርዩን ዝኸሽሕን ዘኽስፍን ኣብነት ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ካብ ህይወት መንእሰያት ዜጋታትና ንላዕሊ ስምዓቱ ስለ ዝዓዘዞ፡ መጀመርያ ነቲ ወረ ዜግነት ናይቶም ግዳያት ንምኽዋል “ኣብ ልዕሊ ጸሊምቲ ኣፍሪቃውያን ብበደዊን ሲናይ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ተፈጸሙ” ብምባል ሸፈፍ ኢሊ’ዩ ክሓልፎ ፈቲኒ። ጸኒሑ እቲ ወረ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ተወዓወዐን ዳርጋ ኵሎም እቶም ግዳያት ሲናይ ብዘየወላውል ኣገባብ (ብህያው ቪድዮን ድምጽን) ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ምስ ተረጋገጸን ድማ፡ኣብ ክንዲ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ካይሮ ዘሎ ኤምባሲኡ ንመግስቲ ግብጺ ህጹጽ ሓገዝ ሓቲቱ ክረድኦም ዝህቅንን ንወጽዓኦም ብመንገዲ ማዕከናት ዜናታቱ ናብ መላእ ዓለም ኣቃሊሑ ነቶም ገበኛታት ናብ ቤት-ፍርዲ  ሰብሃዊ ገበናት ዓለም ንምቕራብ ንእከይ ተግባራቶም ደው ንምባል ህርድግ ዝብልን፡ ነቶም ግዳያት “ባዕላቶም ከም ጽንብላሊዕ ብጽጋቦም ኣብ ሓዊ እናፈለጡ ዝተጠብሱን ሃገራዊ ግቡኣቶም ንኸየማልኡ ዝሃደሙን ከዳዓት’ዮም” ብምባል፡ ክዘልፎምን ከባጭወሎምን ክዅንኖምን’ዩ ኣርኪቡ። ንኣብነት፡ መራሕ ሃገር ኢሳያስ ኣፍወርቂብጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ብዛዕባ ምኽንያት ዋሕዚ ስደተኛታት ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ ከይሓፈረ “እቶም ካብ ኤርትራ ይስደዱ ኣሎው ዝበሃሉ ዘሎዉ ዜጋታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጥዒምዎም ክሸራሸሩ ኢዮም ዝኸዱ ዘሎዉ” ብምባል’ዩ ሓጪጩሎም። እዚ ኸኣ ብጭቡጥ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ብዝዀነ ንዜጋታቱ ዘጋጥሞም ሽግራት፡ ዋላ’ውን ናብ ሞት ዘብጽሑን ዕድል ዘይህብን ይኹኑ፡ ከምቶም ባርባርራውያን በደዊን ሲናይ ቅንጣብ ሰብኣዊ ርህራሀን ሓልዮትን  ዘይብሉ ስርዓት ምዃኑ ዘረጋግጽ ክትሃድመሉ ዘይትኽእል መርትዖ ኢዩ።

መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግዳይት ሰናይ ዝወረደ ዓለም-ብዓለሙ ዘዛረበ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ ባዕላቶም ብጽጋቦም ኣብ ነብሶም ዘውረድዎ መዓት’ዩ ብምባል ነቶም ግዳያት ይሰልበጦም ድኣ’ምበር፡  ነቲ ግፍዒ ላዕለዎት ወተደራውያን ሓለፍትን ሰበስልጣን መንግስትን ስርዓቱ ብስዉር ዝተሓባበርዎን ብኣሽሓት ዝቚጸር ገንዘብ ዝሓፍስሉን ዘሎዉ ዝተወደበ ማፍያዊ ስርሒት ምዃኑ ማንም ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። እዞም ንኣሕዋቶም ኣሕሊፎም ብምሃብ ብርኡይ ዓመጽን ሸፈጥን ኣእላፋት ዝድልቡ ዘሎዉ ኣባላት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ምስ ዕሉላት  ገበነኛታት ዓለምለኻዊ መርበብ  ማፍያ ብምትሕባር ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዘኽስስ ይቕረ ዘይበሃሎ ታሪኻዊ ወንጀል ይፍጽሙ ሰለ ዘሎው፡ዋላ’ኳንዘልኣለም ከይተፈልጡን ከይተሓተቱን ዝነብሩ እንተመሰሎም፡ በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ከም ዝበሃል፡ ውዒሎም ሓደሮም ብእከይ ተግባራቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከም ዝቃልዑን ኣብ ቅድም ሕጊ ቀሪቦም ከም ዝፍረዱን  ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኣብ መንጎ እቶም ግዳያት ሲናይ፡ ውሑዳት ብዕድመ ዝደፍኡን ቆልዑን’ኳ እንተነበሩ፡ መብዛሕትኦም ማዮም ዘይሰተዩ መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን ኢዮም። ዳርጋ ኵሎም ከኣ ካብቲ ኣብ ሃገርና ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንተቓውሞ መንእሰያት ንምቕሃምን ንመንግስታዊ ቊጠባዊ ውጥናት ንምስላጥን ብፍላጥ ዝተኣወጀ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝተሰምየ ካብ ባርነት ዘይፍለ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ዘምለጡ ኢዮም። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ካብ ” ሃገራዊ ኣገልግሎት” ኣምሊጦም ክስደዱ ዝተገደዱ፡ እቲ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ከም ባራዩ ብግዲ ገፊፉን ቀይዱን ኣብ መወዳእታዘይብሉ ማእቶታዊስራሓት ብምውፋር፡ ንጉልበቶም ብናጻ (ብዘይ ክፍሊት) ዝምዝምዝ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ዝዀነ ስፍራ ብዘይ ፍቓድ ወረቐት ተወዝ ኢሎም ከይንቀሳቐሱ ዝሕርምን ዘብቃዓሉ ደረት ግዜ ዘይብሉን እውን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሓደ ካብቲ ዕማማት ናይቲ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ስለ ዝዀነ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንኣባላት “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ይፍተዉ ኣይፍተዉ ኣብ ዝደለዮ ወተሃደራዊ ስርሕታት ንኽጥቀመሎም ከምዝተመልመለ ዕቑር ተደራብን ተካእን ተዋጋኢ ሓይሊ ጌሩ’ዩ ዝቖጽሮም። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ዝዀነሓንሳእ ኣብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝተዋፈረመንእሰይ፡ንውሓት ዘገልገለሉ ዓመታት በዘየገድስ፡ ብዘይ መንግስታዊ ትእዛዝ ብወለንታኡ ኣብ ዝዀነ እዋንን ኩነታትን ክፋኖ ይኹን ንወጻኢክገይሽ ዝፍቀድ ኣይኰነን። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ኲሎም እቶምብፍታዎም ኰነ ብዘይፍታዎም ናብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝተዋፈሩ፡ ከም ውፉያት መጠን ኣብ ክንዲ ብሓልዮትን ብክንክንን ዝተሓዙ፡ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ከይተረፈ ተጋሂሶም ብምጕብዕባዕን ብምድሃልን ኣብ ርእሲምትሓዞም፡ክሳብ ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እናተኸላበቱብምኽርታት ብገዛእ መንግስቶም ዘይምለስ ዕድመ ንእስነቶም ይስረቑ ስለ ዘሎዉ፡ እንትርፎ ተሰዲድካ ካብ ዓዲ ምርሓቕ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክነብሩ ፍጹም ተስፋዝበሃል የብሎምን። ስለዚ፡ከምቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ደገፍቱን ዝብልዎ፡ ኤርትራውያን መእሰያት ድሕሪ ናጽነት ብውሕዱ  ክሳብ ክልተ ሽሕ ኣብ ወርሒ ሃገሮምራሕሪሖም ዝስደዱ ዘሎዉ፡ጽጋብ ሰንጠቕዎም ወይ ከኣ ክናፈሱ ኣስወንዊንዎምዘይኰኑ፡ ኣብታ ሓራ ኰና’ያ ዝተባህለት ሃገሮም ስማዊ እምበር ሓቀኛ ናጽነት ስለ ዘይብሎም ኢዩ። እዚኸኣብዘየማትእ፡ ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ጌና ናጻ ከም ዘይወጻአ’ዩ ዘመስክር።

ስለዚ፡ ጠንቂ ኣበሳ ግዳያት ሲናይ ብቐጥታ ምስቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራውያን ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተበየነ ደረት ግዜ ዘይብሉን ካብ ባርነት ዘይፍለን “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝተጠመቐ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ዝተኣሳሰረ ከም ምዃኑ መጠን፡ኣሉታዊ መዘዛቱ ብግቡእ ክግምገም ዝከኣል፡ ነቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብዚ ሕሱም ኣደራዕ’ዚ ንምምላጥ፡ “ንምንታይ ናብቲ ሓደገኛ ናይ ስደት ጕዕዞ ብብዝሒ ይውሕዙ ኣሎዉ?” ዝብል ርሱን ሕቶ ፍሉይ ኣተኲሮ ብምሃብ ምስ እትምልሶ ኢዩ። መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብቲ ንሓድሽ ወሎዶ መንእሰያት ኤርትራውያን ዘጓንፎም ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ስደትን ምብስባስን መቕዘፍትን ዝተመርኰሰ ብምዃኑ፡ ቅድሚ ዂሉ ነገርኣደራዕ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ብትሪ ክብዳህን ቅቕላዕን ዘሎዎ እዋናዊሃገር-ጠቀስ ጕዳይ ኢዩ። ከም እዋናዊሃገር-ጠቀስ ጕዳይ መጠን፡ ኣደራዕ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ብቐሊሉ ዕሽሽ ኢልካዝሕለፍ ወይ ከኣዘገም ኢልካ ክፍታሕዝውንዘፍ ጕዳይ ኣይኰነን።ክንዲ ዝዀነ ኸኣ፡ ኵልና ብጕዳይ መጻኢ ዕድል ሃገርና ብልቢ እንግደስ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ድሕነት መንእሰያት ኣሕዋትና ድሕነት ቀጻልነት ህላወ  ፍተውቲ ሃገርና ኤርትራ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ሲናይ ዝወርደ ባርባራዊ ግፍዒ መግናሕቲ ኰይኑና ተሪር ተቓውሞና ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ምዉቕ ደገፍና ኸኣ ንውጹዓት መንእሰያት ኣሕዋትና ንምርግጋጽ ብዘይ ውዓል-ሕደር  ብሓቦን ጽንዓትን ንለዓል።

ብዘይ ውዓል-ሕደር ክንለዓል ዘሎና ጽባሕ ዘይኰነ ሎሚ ኢዩ። ምኽነያቱ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ሲናይ ዝወረደ ባርባራዊ ግፍዒ ኣብ ርሑቕ ዘይትፈልጦ ቦታ ዝተፈጸመ ከይከውን ኣብ እንፈልጦ ከባቢና (ምድረበዳ ሲናይን ሳሃራን)፣ እቶም ግዳያት መንእሰያት ዘይብጽሑና ጓኖትከይኰኑብስጋ ዝቕንጥዉ ቆመና ኣሕዋትና፣ ከምኡ’ውን እቶምነዞም ማዮም ከይሰተዩ ኣብ ንእስነቶም ዝተቐዝፉ ግዳያት መንእሰያት ተመሻጢሪም ኣሕሊፎም ዝሃብዎም ባዕዳውያን ከይኰኑ፡ “ጀጋኑ ሓርበኛታት መራሕቲ” ተባሂሎም ብገርሂ-ልቢ ዝምጎሱ ዝነበሩ መኰንናት መንግስቲ ሃገርና ብምዃኖም፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ በደል ዝፍደ ደንጊጽካ ዝርንዛሕ ብምንባዕ ወይ ከኣ እህህ ኢልካ ብምቝዛም ኣይኰነን። ካብ ስእነትዓቕሚ ዝተላዕለ፡ ገፋዕቶም መስጣኦም ክረኽቡ መረረኻን መርገምካን ናብ ሰማያዊ ጐይታ ምብጻሕ ንቡርን ግቡእን’ኳ እንተዀነ፡ እቲ  ኣብ ጸው-ዝበለ ምድረ-በዳ ሲናይረዳኢ ስኢኑ ሰማይ ዝዓረገ መሪርብኽያቶምን፡ እቲ ብኸንቱ ዝባኸነ ክቡር ህይወቶምን፣ እቲ እናሰምዑን እናረኣዩን ዝፈሰሰ ንጹህ ደሞምን፣ እቲ ኣዒንቱ ምብንቋሩን ኣካላት ሰብነቱ ምምዝሓቑን ከይኣኽሎ፡ ንቡር ስኢኑ ፍርቁ ጥራይ ዝተቐብረ ሬሳኣምን፣ከምኡ’ውን እቲ “እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ!” ዝብል ዓቢ ትርጕምን ልቦናን ዝሓዘለ ኣብ ኣኻውሕ ዝተሓርድሉ መሮር ዝተውቕረ መልእኽቶም፡ ተኸርሚኻ ክትሓዝንን ክትዝሕትልን ወይ ከኣከተዕዘምዝምን ከተስተማስልን ዘርድእ ጻውዒት ዘይኰነ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደን ጌና’ውን ዝወርድ ዘሎን ግፍዕታት እናተደጋገመ ከይቅጽል ሓንሳእ ንሓውሩ ደው ንምባል፡ ዝግደፍካገዲፍካ ስጉምቲ ንምውሳድ ብድድ ኢልካ ፍሕትሕት ክትብል ዝድርኽ ህጹጽ ሃገርዊ ጻውዒት ኢዩ። ነዚ ኣብ ውሽጢ ነብስኻ ኣትዩ መትንታት ሰብኣውነትካ ዝትንክፍ ህጹጽ ሃገራዊ ጻውዒት’ዚ፡ ሰሚዑ ከም ዘይሰምዐ ጸማም እዝኒ ዝህብ ኤርትራዊ ዜጋ እንተሎ፡ ብሓቂ ብጕዳይ ሃገሩ ዝቝርቈር ሃገርዊ ኣይኰነን ጥራይ ዘይኰነ፡ ፈጺሙ ብስቅያት ሰቡ ዘይስቀቕን ሕሰሞም ዘይስቆሮን ጨካን ፍጡር’ውን ኢዩ።

ኣብ መደምደታ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ  ንጹሃት ግዳያት ሲናይ ዝተፈጸመ ባርባርነት፡ ንኸይቅጽል እንታይ ክንገብር ኣሎና? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግቡእ’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከይተመለሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣድላዪ ሕቶ እውን ኢዩ። ዝዀነ ብሓቂ  እቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ግዳያት ሲናይ ዝወረደ ዘስካሕክሕ ባራባራዊ ግፍዒ ዘስካሕክሖን ዘስተንከሮን  ኤርትራዊ ዜጋ፡ ደው ንምባሉን ንገበርቲ እከይ ገበነኛታት ኣብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብን፡ ብውሕዱ ነዘን ዝስዕባ ስጕምታት ንምውሳድ ድኻሙን ጉልነቱን ከምኡ’ውን ገንዘቡን ግዜኡን ከይቆጠበበብዓቕሙን በብዘሎዎን ክጽዕር ይግባእ፦

  •  ኣብቲ ኣብ ዓበይቲ ኣደባባያትን ኣብ ቅድሚ ኤምባሲታት ምስርን ኤርትራን ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት ብኣካል ብምስታፍ፡ ናይ ተቓውሞ ድምጽኻ ብዓውታ ንመላእ ዓለም ምስማዕ፣
  •  ንሰብኣዊ መሰላት ንዝጣበቓ ኣህጉራውያን ውድባት፡ ንጕዳይ ግዳያት ሲናይ ኣቓልቦ ሂብን ክከታልኦን ናብ ዓለም ከቃልሐኦን፡ምስኣተንጽኑዕ ቀጻሊርክባት ብምምስራት ኣድላዪ ሓበሬታታትን ሰነዳትንምብርካት፣
  • ንጕዳይ ግዳያት ሲናይ ዝምልከት፡ ብቪድዮን ብድምጽን ዝተቐርጸ ሰነዳትንኣብ እንተርነትን ኣብ ጋዜጣታትን  ዝወጽአ ጽሑፋትን፡ ኣብ ሓደ ጠርኒፍካ  ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ንኽነቕሓሉ ምዝርግሕ፣
  • ኣብ መንጎ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ድሕሪ ሕጂ ኣብ ተመሳሰሊ ናይ ማፍያ መጻወድያ ከይወድቁ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ሲናይ ዝወረደ ባርባራዊ ግፍዒ ተማሂሮም ክጥንቀቑ ቀጻሊ ጎስጓስ ምክያድ፣
  • ቀንዲ መንእሰያት ኤርትራውያን  ናብ ስደት ብብዝሒ ዝውሕዙሉን ካብ ቅብጸት ዝተላዕለ ኣብ ሓደግኛናይ ማፍያ መጻወድያ ዝወድቁሉን ዘሎዉ ምኽንያት፡ብሰሪ’ቲ ካብ ባርነት ዘይፍለን መወዳእታ ዘይብሉን”ወተሃደራዊ ኣገልግሎት” ስለ ዝዀነ፡ መዘዝ ናይዚ ጠንቂ’ዚሓንሳእ ንሓዋሩ ንኽውገድ ብውሽጥን ብደገንኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተጽዕኖ ምግባር፣
  •  ባርባርነት ግዳያት ሲናይ፡ ነቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ  ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ብኣዕራብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብዙሕ ከይተዘርበሉን ከይተቐለበሉን ክፍጸም ዝጸንሐ ካብ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝመንጨወ ታሪኻዊ ገበን፡ ማለት ንንጽሃት ዘጋታት ኣዘንጊዕካ ብምስራቕ  ከም ኣቕሓ ብምሻጥን ብምልዋጥን ኣሕለፍካ ንባርነት ንሕልፈቶም ምሃብ፡ ገና ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ከም ዘሎ ዘረጋግጽ መርኣያ ሰለ ዝዀነ፡ ጕዳይ ግዳያት ሲናይ ውልዕ ኢሉ ዝጠፍእ ማሕታ ኰይኑ ከይተርፍ፡ ብቐጻልነት ሰለም ኰነ  ክምህ  ከይበልና እናቐሳቐስና  ክሳብ ፍትሒ ዝርከቦ ህያው ጕዳይ ከም ዝኸውን ምግባር፣ከምኡ’ውን
  • እቲ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ሲናይ ዝወረደ ግፍዒ ንመንትነትን እንታይነትን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘቃልዕ ፍጸመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብሓልፍነት ዘሕትት ታሪኻዊ ገበን  ከም ምዃኑ መጠን፡ጕዱን ኣዛኡንብዅሉ መልክዓት ክኽሻሕናብ ውሽጢ ሃገርናን ናብ ምላእ ዓለምን ብምዝርጋሕ፡ኣብቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ከም  መነሃሃርን መበራትዕን ድርኺት ኰይኑ ንኸገልግል ከይተሓለልካኣበርቲዕካ ምጽዓር።

ብያሲን ዑመር ( yassinomer01@gmail.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Selamawi December 11, 2011

    There is not doubt that the PFDJistas will claim that the regime has nothing to do with predicaments of these Eritrean souls. They have said that so many times in their history. Only God knows how many Ertireans were deliberately killed in prisons, in unnecessary wars – including but not limited to the so called Badme war…

    The question is this: if the PFDJ regime and its security apparatus is able to control every individual citizen how is it possible for these human traffickers to operate freely in Eritrea.
    Had there been this level of freedom, really, then the PFDJ regime would have been overthrown long time ago. It is mind-boggling to see Eritreans descend to this level of cruelty under PFDJ.
    All Eritreans, including the regime’s supporters should say not to this. The trouble is that these supporters seem to think the PFDJ is one of them and they perceive it represents their interest. How wrong they are!

    Hey deki hager! You have no interest in an organization determined to destroy your country! Eritrea should export products but not human kidneys and other organs, and human slaves! This is the legacy of PFDJ. Wake up! And Simmerr!!!

    • ahmed saleh December 12, 2011

      PFDJ declared secretive war againsi its own people once they assured themselves
      the political power is in control. Our people particularly the youth coexistence within
      society had been treated with violence and dehumanization in the hands of some
      individuals from the authority. Those corrupt high rank millitary officers who should
      empowered to protect them look the other way or join in the ill- will behaviors to fatten their pocket. It is heart breaking to think about our youngs are in seige in
      their own land as criminals. We will keep speak out for the side of our people’s
      rights and dignity and against the forces hypocrisy and fanaticism.

POST A COMMENT