Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውያት ህዝብና!!

ብገዛኢ ኪዳነ ስምዕዎ እዚ ድምጺ ስምዕዎ’ዚ ኣውያት ኣብ እንዳዓለቦና ኣሎ መሪር ብኽያት፡ ወያ ኣደይ ሓዚና ንዓይ ዝወለደት ኣነ ፍረ ማህጸና ሰፊረ ኣብ ስደት።   ወደይ ጓለይ ኪትብል ዘይሙሱል መሲላ መልክዕ ጥራሕ ኮይኑ ስልማት ማሕዘላ፡ ከም ዘይወለደት በይና ተኾርምያ ሰላም ስኢናታ እታ ትምነያ።   መርዓ ውላዳ ክትርኢ

ብገዛኢ ኪዳነ

ስምዕዎ እዚ ድምጺ ስምዕዎ’ዚ ኣውያት

ኣብ እንዳዓለቦና ኣሎ መሪር ብኽያት፡

ወያ ኣደይ ሓዚና ንዓይ ዝወለደት

ኣነ ፍረ ማህጸና ሰፊረ ኣብ ስደት።

 

ወደይ ጓለይ ኪትብል ዘይሙሱል መሲላ

መልክዕ ጥራሕ ኮይኑ ስልማት ማሕዘላ፡

ከም ዘይወለደት በይና ተኾርምያ

ሰላም ስኢናታ እታ ትምነያ።

 

መርዓ ውላዳ ክትርኢ ዝነበራ ሃረርታ

ትምኒት ጥራሕ ኮይኑ ገዛ ሓርቢታታ፡

ጓለይ ወደይ ክትብል ናፍቖት ቀለባ

ብሚሒር ሓዘን ዘንቢሉ’ቲ ልባ።

 

እቲ ወላዲ እቲ ጻዕራም ኣቦ ስድራ

ኣብ ከብዱ ኣትይዎ ርሱን ካራ፡

ኩሉ ጊዜ ዒሕታ ኣብ ጥራይ ከብዱ

ኣብ ስደት ሰፊሮም ኩሎም’ቶም ውላዱ።

 

ገሊኦም ኣብ ሰሃራ ገሊኦም ኣብ ባሕሪ

ገሊኦም ኣብ ህግደፍ ናይ ባርነት ወፍሪ፡

ኣብ ሲናይ በረኻ ረዳኢ ዘይብሉ

መንእሰይ ሃገር ጸቢብዎ ዓቕሉ።

 

ገሊኣ ኣብ ባሕሪ መፍቶት ዓሳ ኮይና

ገልኣ ኣብ ሲናይ ህይወታ ስኢና፡

ኣብ ፎቖዶ ስደት ፋሕ ኢሉ ህዝቢ

ፍረ ኣልባ ኮይኑ ናይ መስዋእቱ ዓስቢ።

 

መሬት ዊዓ ተዛረብ እስከ ክንሰምዓካ

እስከ ንገረና ናይ ውሽጢ ምስጢርካ፡

በዓል መን ኢዮም ኣብ ከርስኻ ዝተረፉ

በብትሪ ተጨፍጭፎም ኣብ ኢድካ ዝዓረፉ።

 

መሬት ደንከል በል እስከ ንገረና ኩሉ

ኣብ ሰፍሕ ጎልጎል ባዳ ኣብቲ ማእከሉ፡

መን ኣሎ ምስኻ ኣብ ውሽጢ ከርስኻ

ብዙሕ ኣስካሬን ሓቚፉ’ሎ ከብድኻ።

 

 

ከመይ ኢዩ ነይሩ እስከ ኣዘንትወልና

ሎሚ ክንውርቖ ታሪኽ ኪኾነና፡

ትምህርቲ ኪኾኖ ሓዲሽ ወሎዶና

እንታይ ሪእኻ እስከ ንገረና።

 

ኣብቲ ርሱን ባዳ ኣብቲ ሰጣሕ ጎልጎል

እንታይ’ዩ ነይሩ እቲ ዓቢ በደል፡

እስከ ንገረና እቲ ዝወረደ ግፍዒ

ሓቂ ንገረና ኣይትበል እንዲዒ።

 

ኣብቲ ጨው ኣብቲ ገምገም ባሕሪ

በዓል መን ኢዮም ዝጠለሞም ምድሪ፡

እስከ ንገረና ኣታ መሬት ዓዲ’ቦይ

ኣታ በሪኽ ቦታ እምባ ሶይራ ጎቦይ።

 

ኣታ መሬት ሰምሃር ክሓተካ ስምዓኒ

ንስኻ’ኮ ኢኻ ናይ ቀደም ዓይኒ እዝኒ፡

ኣፍደገ እንድኻ ኩሉ ዝኣትወካ

ታሪኽ ንገር ኣስምዓና ቃልካ።

 

ኣብቲ ገምገብ  ዘሎኻ ዓቢ እምባገደም

በል እስከ ንገረና ታሪኻት ናይ ቀደም

ኣብ ትሕተኻ ኣዱልስ ምስ ወሽመጥ ዙላ፡

መሬት ፎሮ፡ ኣፍታ፡ ዊዓ ከመይ ኣላ።

 

በል ጎደናታት ባጽዕ ንገር እቲ ዘሎ

ምዕራባዊ ገጽካ መስመር ናይ ደንጎሎ፡

ላዕሊ እትኸይድ መስመር ናይ ነፋሲት

ኣበይ’ያ ወዲቓ ወገነይ ኣምበሲት።

 

ካብ ባጽዕ ትነቅል መስመር ደቀምሓረ

ናይ’ቲ ሕሉፍ ገበናት ሃበናስከ ወረ፡

ኣታ ሃብታም መሬት ጎላጉል ናይ ዓላ

ኣራንቺ መንደሪኒ  ፍረታት ዝቦቑላ።

 

ከተማ ማይ ሓባር መዓከር ውጉኣት

ከመይ ገበረካ ናይ ህግደፍ ክፍኣት፡

ኣናብስ ሃገር እቶም እተረሸኑ

እቶም ህሉዋትከ ከመይ ኮኑ።

 

ምእንቲ ሃገር ኣካሎም ዝሰንከሉ

ህግደፍ ረሽንዎም ብረናት ተኺሉ፡

ኣብ ርእሲ ስንኩላት ጀጋኑ ሃገር

ብኣድራጋ ጥይት ሕማቕ ነገር።

 

ንገረና ኣታ መሬት ናይ ህግደፍ ገበን

ኣደታት ሓዚነን ጉድ እምበር ረኺበን፡

ሰልፊ ተሰሊፎም ወጽዓኦም ክነግሩ

ሞት ተፈሪዶም እንታይ’ዩ ነገሩ።

 

ኣቱም ደቂ ሃገር እንታይ በልኩም ሽዑ

ውጉኣት ጀጋኑ ኣካሎም ምስ ተሰልዑ፡

እንታይ በልኩም ኣብቲ ጸላም እዋን

ተሓቲቱዶ ወዲ መምህር ዓዋን።

 

ውጉኣት ረሽኑ እንካብ ኮነ ነጻ

ሽዑ እንዲየን ኣደታት ዝቐበጻ፡

ምእንቲ ህዝቢ ዝሰንከሉ ጀጋኑ

ኣብክንዲ ክብሪ ጻማኦም’ዚ ኮይኑ።

 

እንታይ በልካ ኣታ ህዝቢ በልስከ ተዛረብ

ውጉኣት ሓርነት ኣይነበሮምን ዲዩ ቀረብ፡

ንዓኻ ነጻ ከውጽኡ እንዲዮም ሰንኪሎም

ምእንታኻ እንዲዮም ጎዲሎም ኣካሎም።

 

ተማሃሮ ዪኒቨርስቲ ኣብ ዊዓ ምስ ወረዱ

ብሓይሊ ተኣሲሮም ናብ ኣጻምእ ምስ ከዱ፡

እንታይ በልካ ኣታ ህዝቢ ሓቁ ንገረና

ከም ዘይብጹሑኻ ኣጽቂጥካ ከም ጓና።

 

ሚንስተራት ጌጋና ንኣርም ምስ በሉ

ጋዜጣታት ሓቂ ከውጽኡ ምስ ነቐሉ፡

ካብ ገዛውቶም ተወጢጦም ከም በጊዕ

ተኣሲሮም ክወርዱ መንገዲ ባጽዕ።

 

እንታይ በልካ ኣታ ህዝቢ ንገር ሓቂ

ተቐቢልካዮ ዲኻ ምህዞ ወዲ ኣፈወርቂ፡

ካብ ወያኔ ጉባ ተቐቢሎም ምስ በልካ

ተቓዊምካዶ ወይስ ሱቕ ኢልካ ኣሚንካ።

 

ጽባሕ ንጉሆ እኮ ታሪኽ ኣሎ ሓታታይ

ኣታ ህዝቢ ኤርትራ ላዕላይ ታሕታይ፡

እንታይ በልካ ተዛረብ ናይ’ቲ ሽዑ

በዓል መን ኢዮም ንኣኻ ዘግድዑ።

 

ንሕና ኣሎና እናበሉ ኣብ ክንዳኻ

በዓል መን ኢዮም ጾምካ ዘሕደሩኻ፡

ውላድካ ገፊፎም ናብ ዊዓ ናብ ሳዋ

እታ ወላድ ከርስኻ ኣትይዋ ጽሙዋ።

 

ናይ እዚ ኩሉ በደል መን’ዩ ተሓታቲ

ደበስ ከሊኡካ ናይ’ቲ ኩሉ መስዋእቲ፡

ኣብ ክንዲ ደበስ ኣብ ክንዲ ክብሪ

ህግደፍ መጺኡ ታሪኽካ መሕሰሪ።

በል እስከ ተዛረብ ጎደናታት ኣስመራ

ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝተገብረ ዓዘራ፡

ከም ኣራዊት ዘገዳም ክህደኑ

ኡይ እንተእናበሉ ሲኖም ደያኑ።

 

ኣቦ ዝበልዖ ስኢኑ እንተለመነ

ትኾቡለይ እንተበለ ዝሰኣነ፡

እንታይ’ዩ እቲ ወንጀል’ቲ ገበን

ምልኪ ነጊሱ ሩፍታ ኣይተረኽበን።

 

ተዛረቢ ኣስመራ ዓባይ ከተማና

በዓል መን’ዮም ዝወደቑ ኣብ ጎደና፡

ኣብ ዓዲ ኣበይቶ እተረሸኑ

መንደቕ ኣፍሪሶም እተበተኑ።

 

ብጃምላ ምቕዛፍ ኮይኑ ኣስፊላካ ብሬን

ተጸፍጺፉ ናይ መንእሰያት ኣስካሬን፡

ካብኡ ዝሃደመ ዕድል ረኺቡ

ስቓይ ጥራሕ ኮይኑ’ቲ ቀለቡ።

 

በል ተዛረብ ጎልጎል ባርካ ጻዕዳ

ወያ ሃገር መሕሰሪኣ ወሊዳ፡

ኣብ ከብድኻ ኣብቲ ሩባ ሳዋ

እስከ ንገረና ዝበጽሔካ ጽዋ።

 

ኣብቲ ልሙዕ ሩባ ናይ ተኽረረት

ኣበይ ተረፈት ኣንጊሃ ዝወፍረት፡

እስከ ንገረና ዝረኣኽዮ መስክር

መን ኢዩ ንምብራስና ዝመክር።

 

ሩባ ሞጎራይብ ደጀን ናይ ሰውራና

እንታይ ተፈጺሙ እስከ ንገረና፡

መንእሰይ ተሰዲዱ ህዝቢ ከፊእዎ

ወገነይ ወገንካ በዚሑ ኣድልዎ።

 

እስከ ንገርና ምልክዕቲ ከተማ ኣቑርደት

ህዝብና ሓሲሙዎ ተመሊሱ ውርደት፡

እቲ ኣብ ከብድኺ ዝወደቐ ጅግና

ሎሚ እንታይ በለ ወረኡ ሃብና።

 

ናብ ደቡብ ኪወርድ ከተማ ባረንቱ

ጎቦ ዱታ ኣሎ መቓብር  ምልክቱ፡

ኣታ ጎቦ ዱታ ኣስካረን ዝጾርካ

በሪኽ እምባ መቓብር ምልክትካ።

 

 

እስከ ንገረና ጎብለል ከመይ ኣሎ

ጂግና ወዲ ሃገር ብርኪ ሊሎ፡

ምእንቲ ነጻነት ሂይወቱ ወፍዩ

ንህዝቡን ሃገሩን ሰላም ተመኒዩ።

 

እዚ ኢዩ ነይሩ ራእይ ናይ መትከሉ

በጃ ህዝቡ ሓሊፉ ከይዓጸፈ ቃሉ፡

ጎቦ ዱታ በሪኽ እምባ እንዲኻ

ኣስካረን ጀጋኑ ዓቅቦ ሕድርኻ።

 

እስከ ክሓልፍ ናብ ከተማ በድመ

ኲናት ተወሊዑ ንህዝቢ ዘሕመመ፡

መራሕቲ ህግደፍ ትዕቢት ነፊሕዎም

ኲናት ባድመ ቀዲዱ ኣንፊስዎም።

 

ወዮ ትዕቢተኛ ማሕላ ጸሓይ ዕርበት

ንህዝቡ ጨቊኑ ዝህውኽ ጎረበት፡

ብጸሓይ ምሒሉ ዕርቂ ሽማግለ

ንባዕሉ ሓሲሩ ንህዝቡ ዘቕለለ።

ወርቂ ተወፍዩ ዶላራት ተኣኪቡ

እምብዛ ረቢሑ ህግደፍ ጸጊቡ፡

መንእሰይ ካብ ትምህርቱ ተገፊፉ

ኣብ ግንባር ባድመ ተሰሊፉ።

 

ኲናት ተወሊዑ ሓዞ ሓዞ ኮይኑ

መራሒ ህግደፍ ተሰሊዑ ቀርኑ፡

ወዮ ዝመሓሎ ዕርቂ ተሓሲሙ

ካብ ፍሉጥ መሬቱ ክለቅቕ ፈሪሙ።

 

ኣየ ውርደት ኣየ እወ ሕስረት

ማሕላ ጸሓይ መዕለቢኡ ሕስረት፡

ሰልዲ ተኣኪቡ ወርቂ ብውንጭሕቲ

ንኲናት ኮይኑ ናይ ህዝብና ሃብቲ።

 

ሃገረይ ስልማተይ እናበለት ብሃብላ

ንደለይቲ ፍትሒ ክትጸርፍ ሰሚዕናዮ ቃላ፡

ኣሎ ተሰኒዱ ንሓዋሩ ታሪኽ ኪኾነና

ህዝብና ተዋሪዱ ብበዓል ሽክና።

 

ደሓን መዓልቲ ኣሎዎ ንኹሉ

ህግደፍ ኪፋኖ መዓልቱ ኣኺሉ፡

ደጊም ቀሪቡ’ዩ ህዝቢ ክሓልፈሉ

እቲ በደሉ ክዛረብ ዓው ኢሉ።

 

ይቕጽል…….

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና፡ ውድቀት ህግደፍን ኮራኹሩን!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Daniel Teclegiorgis March 6, 2012

    ኣቶ ገዛኢ! ጽሑፋካ ንንባቡ ጥዑም ትሕዝትኡ ሙሉእ’ዩ። ንምዕባለ ቛንቋን ንመስርሕ ናይ ለውጥን ክሕግዝ’ዩ። ግዜ ረኺብካ ክትቅጽሎ ተስፋ እገብር።

  • Elssa March 6, 2012

    Mengestu was far better than DIA to the people of Eritrea.

Post a Reply to Elssa Cancel Reply