Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣየናይ ጀነራል!?

እዚ ኣቐዲሞም ዝተፈላለዩ ሓርበኛታት ማለት፡ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፣ ሓርበኛ የማነ ተ/ገርግሽ፣ ወዘተ. ሕጂ ድማ ሓርበኛን ውፉይን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ ቫካሮ) ከምኡውን ሓው ብርሃነ ኣፍሮ ወዘተ. ኩላቶም ብዛዕባ’ዚ ጀነራል መላኺ፡ ስብሓት ኤፍሬም ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ኩሉ ሓደ’ዩ።

እዚ ኣቐዲሞም ዝተፈላለዩ ሓርበኛታት ማለት፡ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፣ ሓርበኛ የማነ ተ/ገርግሽ፣ ወዘተ. ሕጂ ድማ ሓርበኛን ውፉይን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ ቫካሮ) ከምኡውን ሓው ብርሃነ ኣፍሮ ወዘተ. ኩላቶም ብዛዕባ’ዚ ጀነራል መላኺ፡ ስብሓት ኤፍሬም ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ኩሉ ሓደ’ዩ። ስርሑ ሻጒራይ (መበጻጽሒ ወረ) ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ። ዋላ ባህሪኡ ከምኡ ኣይኹንውን ብገበን ናይዞም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣደራዕ ዝፍጽሙ ዘለው ኣባላት ሰራዊት፡ ከም ሚኒስተር መጠን፡ ቀዳማይ ተሓታቲ ንሱ’ዩ። ነዚ ካብ ጅግና ምቊሕ ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃ ብተማእዛዝነቱ ብመላኺ ተሓርዩ፡ ስልጣን ዓራት ዝወረሰ ስብ’ዚ፡ ብልሳን ማሰኛታት ኣቦታትና፡  ነፍስሄር ኣቦይ ነጋሽ ባይራኡ (ነጋሽ ሳግላን) ነፍስሄር ኣቦይ ተወልደ ማዓሾን ዝብሎ ኣሎኒ።
እዚ መጋድልቱ ሓስዩ ዘእስር
ህዝብናን ሃገርናን *ብኣባይ ዘድፍር        *ብጸላኢ
እዚ ቃል መላኺ ከም ዳዊት ዚዝምር
እዚ *ኣሩኤል ድዩ’ታ ኣብ በለዛ ዝነብር       *ወኻርያ
ጀነራል ትብሉዎ መዓርግ ከሕስር!
ህዝቡ ዓቕሊ ኣጽቢቡ እናተበታተነ
ብምሕደራ ምልኪ ወትሩ *እናመቀነ         *እናተጨነቐ
እዚ ምስ መላኺ ንስልጣኑ ዚወገነ
ህዝቢ ንምጭፍጫፍ ምሒር ዚጨከነ
ካብ ከንቲባ ኣስመራ ሚኒስተር ዝኾነ
ጀነራል ክሰምዮስ ኣይደፍርን ኣነ!
ጀነራል ከመይድዩ!?
ህይወት ሰራዊቱ ብግቡእ ዘይፈልጥ
ትዕበ ትንኣስ *ሓጀት ፍጹም ዘየስልጥ        *ጉዳይ፡ ስራሕ
ኣውያት ውጹዕ ህዝቢ ሰሚዑ ዘጽቅጥ
*ንሻን ናይ ጀጋኑ ብሓሶት ዚቕንጥጥ        *ሽልማት ኣገልግሎት
ብድምጺ መላኺ ባህሪሩ ዘንቀጥቅጥ
ካብ ጠለብቲ ለውጢ ከዲዑ ዘምልጥ
ጀነራል ኣይኮነን *ጽቁንቁን እዩ ጻቕጥ!       *ምጹጹላይ እዩ
እዚ *ንሓወርቲ ከዲዑ ዘሐንኩል            *ንገስገስቲ
ህይወት ዜጋታቱ ብዓመጽ ዘቖምስል
እቲ’ኳ ብኾፉ ወትሩ *ዝዕም ዚብል          *ትኽስ
ንኽድመት መላኺ ወረ ዘቀባብል
ጀነራል ኣይትበሉዎ መዓርግ ከይብልል
ካልእ ድለይሉ ንእኡ ዚመስል!
ኣየ ጀነራል ህግደፍ!
ኣእላፍ ጀጋኑና ዝተሰውኡሉ
ዓለም ብምልእታ *ዝማህተትሉ        *ዝመስከረትሉ
እቲ ስቡሕ መሬትና *ርእሶ ዝፈርየሉ   *ኣርባዕተ ዝጠሬሩ ሓዋይ ስርናይ
*ጠሪሩዎ እንከሎ ወያነ ብሓይሉ       *ገቢቱዎ
ዶባትና ጥሒሱ እናዓንደረሉ
ጀነራል ህግደፍ ግን መላኺ ኪሕሉ
ዶባትና ከኽብር ኣበይ ኣርኪቡሉ!
በል ደሓን ጀነራል!
እቶም ጀጋኑና ንህዝቢ እተዓጥቁ
ድምብርጽ ዘይብሎም ፍጹም ዘይጭነቑ
ከማኻ ምስ ምልኪ ዘይተጨማለቑ
ሎሚ ብጥልመትካ ዋላ እንተ ሓቐቑ
ሽርሕታት መላኺ ምስ ተገልጸ ሓቁ
እቲ ህያው ታሪኾም ከም ፈልሲ ጸዲቑ
ወትሩ ክነብር’ዩ ከም ጸሓይ ደሚቑ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08-12-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Ermias December 10, 2013

    “ነዚ ካብ ጅግና ምቊሕ ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃ ብተማእዛዝነቱ ብመላኺ ተሓርዩ፡ ስልጣን ዓራት ዝወረሰ ስብ’ዚ፡” This is bogus. For one thing, Sibhat didn’t take it away from Ogbe. For another thing, Ogbe Abraha, Drue, or anyone who was EPLF would do the same thing Sibhat is doing right now. Be honest with yourself and free yourself from narrow minded sentiments.

    widket HIGDEF and IA b’kultuf yeryena. Awet n chikun hizbi ertra.

  • berhe December 10, 2013

    Yes what general, this puppet is not fit to be even a wardya or house guard. He is just another messanger boy. He is not fit to do anything else except obey orders.

  • abebahagos17 December 11, 2013

    SIBHAT WOCHO!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!EDIME NI DELEYTI FITIHI WOCHO HIFRET ZIKEDENKUMO NEZI TELAM.

  • Michael Tedla December 11, 2013

    bkedemu sbhat efrem daa hasewi bwshti wshti zhared shufun leba mquanu men key shto.higi eti gzyewun yikerb sle zelo nai hiwet eda eyu ztsbeyom zelo.kab newih ewan kenezeb kelona iyenai dictator eyu bhaben zhalefo emo.kulum bnai hzbi tetsefiom eyom zquafu buzuhat dictatorat mtsebtsbna gn kindey sbat ketilom bselam kenebru elom mhsabom eyu dhar ab mewedata kem temen tktkitom yimotu derbayat kab seb goytnenet zamnu bulshuwat bflai ezom bkalsi zmetsu zbahalu kem bal sbhat butsotom zkedu.ember esayas bal elama eu nhzbi Eritrea nmtsnat ztelake eu.

  • Hidat December 11, 2013

    AKILI TXIBET KOINENI AYKA……….MESINAS ???????ETI MILKET QUAKOKA NIKALE TIXEBuK NEGER TETEKEMELU BKONTU GIZEIKA AYTEHLIF .

  • alamin beyan December 14, 2013

    I am wondering if sebhat earned the general by being loyal or performance.

POST A COMMENT