Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣየ እንተትምለስ

ኣየ እንተትምለስ ኣየ እንተትምለስ ዋላ ንሰዓትታት ምረኣኻዮ ናይ ህዝቢ ስቅያት እቲ ሃጽ ኣቢሉ ዘጽደፈካ ኩሉ ኣይተቀየረን እንሆ ከምኡ ኢሉ ። ኣየ እንተትምለስ ንካልኣይ እዋን ምተረዳእካ ጌጋ ልኡም ምዃን ምቀየርካ ስልትኻ ብቅጽበት ኣብ ዓዲ መትከልካ ክንዲ ስደት ። እንተትምለስ ሓቂ ንክትነግር መብራህካሎም ተገዲድካ ዶብ ከምእትሰግር እምበር

ኣየ እንተትምለስ

ኣየ እንተትምለስ ዋላ ንሰዓትታት

ምረኣኻዮ ናይ ህዝቢ ስቅያት

እቲ ሃጽ ኣቢሉ ዘጽደፈካ ኩሉ

ኣይተቀየረን እንሆ ከምኡ ኢሉ ።

ኣየ እንተትምለስ ንካልኣይ እዋን

ምተረዳእካ ጌጋ ልኡም ምዃን

ምቀየርካ ስልትኻ ብቅጽበት

ኣብ ዓዲ መትከልካ ክንዲ ስደት ።

እንተትምለስ ሓቂ ንክትነግር

መብራህካሎም ተገዲድካ ዶብ ከምእትሰግር

እምበር ምርጫኻስ ምስ ስድራኻ ክትነብር

ቁራስ ተካፊልካ ቀሲንካ ክትሓድር ።

እንተትምለስ ክትሰምዕ ዝብሉኻ

ብገላዩ ህግደፍ ጠላም ተጠቂንካ

እቶም መኻናት ሕልና ጸጊቡ ኢሎሙኻ

ሃገሩ ዘውሓሰ ጅግና ክነስኻ ።

ኣየ እንተትምለስ ክትርኢ ደጊምካ

ዓቀብ ተጌሩሉ ከይምለስ ሬሳኻ

ንዓኻ ከይኣኽሎ ንሬሳኻ ጸሚዱ

ዝፈልጦ ስኢኑ መላኺ ዓቢዱ ።

እንተትምለስ ክትርኢ ኩነታትና

ብዝገጠመካ ኩነታት ነዲርና

ክንገጥሞ ጀሚርና ኣባይና ሓቢርና

ዝቀረበ ይመስል ስምረት ናይ ህዝብና ።

ኣየ እንተትምለስ ክትምዕድ ነሕዋትካ

ስደት ከም ዘይፈትሖ ሽግርና ገሊጽካ

መፍትሑ ናብ ዓዲ ከም ዘሎ ምሳና

ጥራሕ ንጠራነፍ ንቃወም ሓቢርና ።

ዝኽሪ ንግዳያት ላምፕዱዛ ቀዳማይ ዓመት

ሃብተ ክፍለ 01/10/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas October 15, 2014

    ብዓቐኑን ትሕዝቶኡን ዚድነቕ ናዕታ! ይበል ስራሕ ክቡር ሓው ሃብተ! ብሓቂ ብሉጽ ስራሕ! ልዑል ምስጋና ንኣኻ ይኹን ክቡር ሓው!

POST A COMMENT