Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣያ ዚጠለቦ!

ናይ ዝተላኣኹዎ ጸብጻቦም ከቕርቡ ኣያ ኣብ ዚጠለቦ ካቢነ ይእከቡ ሓፋሽ ዘይሰምዖ ምስጢር ተዛሪቡ ምዒዱ የፋንዎም መልእኽቱ ኣንቢቡ! ህዝቢ ከይዕምጽ እንተደኣ ጸጊቡ ውሕስነት መግቢ ኢልኩም ምህርቱ ኣክቡ ብተስፋ ኣንብርዎ እናበልኩም ቀሪቡ ዘዕረምርም ዘማርር እንተተረኺቡ ክርዳድ ኣብቲ ስርናይ ከይፈሪ ዓንቢቡ ሕማም ከየልገበ ቀልጢፍኩም ወሽቡ ብቕጽበት ይመሖ ግዜ

ናይ ዝተላኣኹዎ ጸብጻቦም ከቕርቡ

ኣያ ኣብ ዚጠለቦ ካቢነ ይእከቡ

ሓፋሽ ዘይሰምዖ ምስጢር ተዛሪቡ

ምዒዱ የፋንዎም መልእኽቱ ኣንቢቡ!

ህዝቢ ከይዕምጽ እንተደኣ ጸጊቡ

ውሕስነት መግቢ ኢልኩም ምህርቱ ኣክቡ

ብተስፋ ኣንብርዎ እናበልኩም ቀሪቡ

ዘዕረምርም ዘማርር እንተተረኺቡ

ክርዳድ ኣብቲ ስርናይ ከይፈሪ ዓንቢቡ

ሕማም ከየልገበ ቀልጢፍኩም ወሽቡ

ብቕጽበት ይመሖ ግዜ ኣይትሃቡ!

ኢሉ ይሰዶም ኣያ ብጥብቂ ኣጠንቂቑ

ካብ ምስጢር መልእኽቱ ቃልውን ከየምሉቑ

ሕማቕ ከይቃላሕ ጥራይ ጸጽብቑ

ዋላ ኣብ ግዜ ሓዘን ፈትኑ ክትስሕቑ

ፈተና ከይመጽእ ንኸይትጭነቑ

ብሒም ንዝበለ ጨዊኹም ኣሕቕቑ!

መባእ ናይዛ ሃገር ስውኣት ጀጋኑ

ተቐባሊ ሕድሪ ኣምባገነን ኮይኑ

ጨካናት መልሚሉ ሓዎም ዝርሽኑ

ዓንዲ ናይዛ ሃገር እኖሆ ይዓኑ

ይበታተን ኣሎ’ወ ናብ በብወገኑ

ማህጸን ኣደታትና ወላድ መኻን ኮይኑ

ሃየ ሰብ ሕልና ካብ ምጽናት ኣድሕኑ!

ካብ ሓውኹም ተስፋማርያም ገረሱስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Tesfa-ldet December 24, 2011

    Dear Assenna Team !

    I wish you Merry Christmas and thank you for the tireless efforts you are making for you people!

  • danny December 24, 2011

    Well written poem. I enjoyed reading it and thank you Tesfamariam Gereyessus

  • Taddesse T Gebremussie December 26, 2011

    Marry Christmass Assenna Eritreans are proud of your tireless work with Sallina Radio Wegahta.
    Happy New year see you 2012 in Eritrea Asmara.
    The All Mighty GOD Bless Eritreans.

  • HZBAWI December 27, 2011

    አያ ዚጠለቦ ድአ አብ አኼባ ጥራይ ማዐስ ኮዪኑ
    አረቒ ውን አለው ግስም ዘብሉዎ አያ ጌሩዎ ናበሉ
    አልኮሊዛቶ ጀነራላት ስጋብ አብ ስሪኦም ዝሸኑ

  • ምሕረቱ ሃብተ December 27, 2011

    Excellent poem .bravo T.M !!!