Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይረሳዕናዮን፡ ከመይልናኸ ክንርስዖ!

ኣብ 2003 ኢያ ነይራ እዛ ኣብ ዩቱብ (Gedim Tegadalai Sium Woldemariam, Hzbawi Gnbar/ PFDJ) ኢልኩም ክትረኽቡዋ ትኽእሉ ናይ ተ/ይ ስዩም ወልደማርያም (ግሪፒ) ዓማሚት ምስሊ ኤርትራን ቃልሳን ትገልጽ ቃለ-መጠይቑ ዝተፈነወት። ትረኻ ግሪፒ ምስ ሓድሽ ዓላማ ህግደፍ

ኣብ 2003 ኢያ ነይራ እዛ ኣብ ዩቱብ (Gedim Tegadalai Sium Woldemariam, Hzbawi Gnbar/ PFDJ) ኢልኩም ክትረኽቡዋ ትኽእሉ ናይ ተ/ይ ስዩም ወልደማርያም (ግሪፒ) ዓማሚት ምስሊ ኤርትራን ቃልሳን ትገልጽ ቃለ-መጠይቑ ዝተፈነወት። ትረኻ ግሪፒ ምስ ሓድሽ ዓላማ ህግደፍ ዝጻረር’ኳ እንተነበረ ንምንታይ’ዩ ሰልፊ ህግደፍ ድሕ ሪ ፍጻመ 2001 ከምኡ ዝኣመሰለ ጎስጓስ ዘካየደ ንኩል ና ምስጢር ብዘይምንባሩ ንጎድኒ ገዲፍና፡ እንተ ስዩ ም ቅድሚ 13 ዓመታት ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ሃገራዊ ቃል ሲ ካብተረኸ፡ ብዛዕባ ናይቲ ድሕሪኡ ዝተፈጸመ ዘለ ናዮ ሓድሽ ዓላማን መድረኽን ክዛረብ እንተዝዕደልከ እንታይን ብኸመይንኮን መዕለለና?  . . . .

ከም ዝሰማዕኩዎ ንሱ ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደ ልትን፡ ኣብ ዕርዲ ዱባለ ንነዊሕ ዓመታት መኪቱ ዝ ተዓወተን ሓርበኛ ኢዩ። ብሕማቕ ኣጋጣሚ ድማ ን ሱ ሓደ ካብቶም ክድቆሱን ክልቀሙን’ምበር ክዓብዩ፡ ክረኣዩን ክስምዑን ዘይተደልዩ ሓርበኛታት ምንባሩ እ ፈልጥ። ሞት ኣብያቶ ናጽነት ምስረኣየ’ውን ክምዕርግ ኣይተሓሰበን ኮይኑስ፡ ኣብቲ ኮለኔልነት ብዘምቢል ዝተዓደለሉ እዋ ን’ውን ካፒቴኑ ከምዝለጠፉሉ እዝከረኒ። ንምንታይ ክሳብ ክንድኡ ክውገንን ክነኣኣስን ተደልዩ ግሪፒ?

ማእከል ቀልሳ ምዕጎ ድሙ-ድሙ ዝነበረ ወደባቴ፡ ድሕሪ ናይ 2001 ግጥምን ስዕረትን ናይ ኤርትራውነትን ዕሱብነትን፡ በቲ ሓደ ብዛዕባ ኣብ ልዕሌናን ብጾትናን፡ በቲ ካልእ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ክስዕብ ተኣሚሙ ዝነበረ ብርሰት ህ ዉኽ ብሂላት ከይንብሎ ከውግዓና እንከሎ፡ ኣብ ነዊሕ ንዝኸይድ ጥምጥም ምጽማድና ከምተረዳእናዮ እናሓደረ ሎሚ’ ውን ይራኣየኒ። ግናስ ኣብ ምርጫ ፍታሕ ናይቲ ዘጓነፈና ፈተነ ስለዝተገዳዳዕና ንግዜኡ’ውን እንተነበረ ሽዑ’ሞ ኤርትራ ውነት ከምተሳዕረት’ውን ተጋሂድልና ኢዩ።

ኣሻቡ ከኣ ሎሚ፡ ድሕሪ’ቲ በቲ እዋን ብኢድ ወጻእተኛታት ከይተረፈ ብውሕልነት ተጸኒዑ ብትእዛዝ ወካሊኦም ክፍጸም ንዝተወስደ ማእሰርትን ብርሰትን ተጋደልትናን ህዝብናን፡ ቅርሲ ናይቶም ሓርበኛታትን ውዕሎኦምን ብገለ ቀሪም ተጋደል ቲ ነበር ክዝንቶ ክትሰምዕ ብርቂ ዝመስለሉ እዋን በጺሕና!

ግዲ የለን፡ ምንም’ኳ ናጽነት ናይታ “ምስርሕቲ” ዝብሉዋ ኤርትራ ዳግም ዝግምገመሉ መድረኽ ከምተበጽሐ ‘ዘስተምሁ ሩና’ ናይ ውሽጥን ግዳምን ‘ሊቃውንቲ’ ክረኣዩ ነቲ ከም ቀሪም ፍቐደኡ ወዲቑን ተሰንድዩ ዘሎ በዓል ውዕሎ ህዝብና እን ተዘይሓደሶ ግናስ ከየተዓዛዘበ’ኳ እንተዘይሓለፈ ናብ ኣፈታትሓ ጠንቂ ዝዓለመ ዕጥቂ ምዕዳሙ ድማ ግድን ኮነ።

ግዜ ሓሊፉ፡ እቲ ‘ኩሉ ግዜ ዕዉት’ መራሒና ነታ ብዋጋ ናጽነት ኤርትራ ክዓትራ ክሓልም ዝሓድር ዝነበረ ስልጣን ‘ብሰ ንኪ ወያነ’፡ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ነብሲ-ሄር ጠ/ሚኒስተር መለስ ከምዝበርዓነቶ እናኣዘኻኸርኩ፡ ንምሕጋዙ ተዓሊሙ መለስ ምስተኣለየ’ውን ኢሳይያስ ንወያ መዋእሉ ዝተጸበያ ሕልሙ ንምጭባጣ ብዘተኣማምን ጥበብ ክዛዝም ናብ ዘኽእሎ ህግደፋዊ ትሕተ-ሃገርነት ኣገባብ ቃልሱ ተሰጋገረ።

ከምቲ ኩሉግዜ ንሪኦ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ቲ ህዝቢ ዝርእዮ መንግስታዊ ቅርጽን ተልእኾ ትካላቱን፡ እንኮላይ ብዘይ’ቲ’ቶም ምስጡራት ዝፈልጡዎ ናይ ሓደ-ንሓሙሽተ ሰልፋዊ ውደባን፡ ናይ ባዕሉ ዕሱብ ተልእኾኡ ዝፍጽመሉ ም ሒር ዝተሰወረን ዝተጠናነገን ብሕቱው ጃንዳ ውዳበ ከኣ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብቲ ሰብን እዝግን ዝሪኦ ወግዓዊ ጨንፈር ምርምርን ስነዳን ብዛዕባ ሃገርናን ቃልሳን ጽጹይ ታሪኽ ከምተሰነደን ገና’ውን ዝተርፎ ስለዘሎ እናተጸንዐን፡ ፕረሲደንትና ግና ከም ኣምባሳደር ወጻእተኛታት መጠን ብደርማስ ትእዛዙ ነቲ ሕጋዊ ዕዮ ኣደስኪሉ ኪኖ ታሪኽን ሰራሕቲ ፖሊሲን ብምሕላፍ ከምታ ዝተቓልዐት 03 ትባሃል ንምስሉ ትውርቕ ናይ ሓሶት ትካሉ፡ ካልእ ብኢደ-ወነኑ ዝሰርሓ ነቲ ንቡር ታሪ ኽ ትድምስስ፡ ዘይነበረ ሓድሽ ምስሊ ትስእልን ታሪኽ ትጅልሕን ጉጅለ 03 ሰሪሑ ኣሎ። ብከምዚ ጥበብ ንመንእሰያት ሃገ ርና ከሀውትቱ ካብ ተላእኩ ሰባት እንተተዓዚብኩሞም ሰብ ንጹህ ልቢ ተቓለስቲ መሰልን ኣብ ኩሉ ዝጸንሑን ከምኡድማ ክልቲኡ ባህርያት ማለት ንቡር ዝድምስሱን ዘይናህናን ዘይድላይናን ከስንቑና ዝህቅኑን ‘ጀጋኑ’ ሓደስቲ ሰብ ኩርንዒት ካድ ረታት ከምተዘርግሑን ተቕልቡ ከምዘለኹም ርግጸኛ ኢዩ።

ግናኸ ከምቲ “ሓርበኛ ኣይነብርን፡ ታሪኹ’ዩ ዝውረስ” ዝተባህለ፡ ብጾትና’ኳ እንተተቐትሉን እንተሓለፉን ታሪኽ ግና ኣይ በርስን ኮይኑስ ወዮ ፕረሲደንትና ከይሓሰበሉ ተናጢሩን ተደጒሉን ዝጸንሐ ቁልዒ ሃገራዊ ቃልሲ ናብ ባርዕ መንእሰይ ኤ ርትራውነት ብምዕራጉ፡ እንሆ ናይ ውሽጥን ግዳምን ህዝብና ዝደማመጸሉ እዋን ስለዝበጻሕና ምስጋና ይኹኖ ፈጣሪ።

ከምኡ ከኣ ኣብዛ እዋን’ዚኣ ስዩም ግሪፒ ዋላ’ኳ’ቲ ኣብቲ እዋን ናዕቢ ንእሽቶ ኮለኔልን ምህሮን ሂቦም ታሪኽ ከስተምህር ንሳዋ ገጹ እንተነቖቱዎ፡ ሎሚ ብዛዕባ’ዞም ንሓርበኛ ተጋዳላይን ስዉእን ኣብ ሽፍትነት ከምዝሞተ፡ ስለዚ ሓዳስ ኤርትራ ክሰርሑልና ክዕጠቑን ክእንጎቱን ዝውዕሉ ዘለዉ ‘ዘመናውያን ጀጋኑ ተጋደልቲ’ ክዛረብ ኣብ ቅድሚ’ታ ወዛም ጋዜጠኛ (ኢታይ ምቁር) ወይ መሰላ ቀሪቡ ብሕቶታት ክዘባዘብን ክምልስን እንተዝዕደል፡ ከም እምነተይ ንርእሱ ኣካል ናይቲ ዝብ ሎ ዝነበረ ምስሊ ቃልሲ ብምዃኑ፡ ከምኡ ድማ ዋላ’ውን መልሓሱ ኣብታ ኣብ 1994 ብወያ ሓዳስ ሰልፊ (ህግደፍ) ንህዝ ብና ዝተቐረቡሉ ‘ገንኢ መዓር’ እንተዘልሕሱዋ፡ ንሱ’ሞ ቅድም፡ ሽዑን ንሓዋሩን ዘይምስርሖ ነባሪ እምነትን ታሪኽን ስለዝ ውንን፡ ነዛ ዘላ እዋንን ነዚ ተጋሂዱ ዘሎ ምስሩሕ ታሪኽ፡ ዓላማኡን ካድረታቱን ብከመይኮን ምገለጾም?

ዕድመን ጥዕናን ይፍጠረሉ፡ ከምኡ ድማ ዓይኒ ናይቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘየአድቦ ‘በዓል ኣርባዕተ መንፈርፈር’ ኣባይ ይድፈነሉ ንስዩም ግሪፒ!!

ሰነድ ታሪኽ፡

10.08.16፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea August 16, 2016

    Thank you for the valuable information, keep it up.

POST A COMMENT