Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይትጋደፍኒ መረተይ! ስምዕዮ ኣውያተይ!

መረተይ! ተቐበሊ ምሕጽንታይ ምዓልታዊ ብጠላማት ይቕዘፉ ስለ ዘለዉ ደቀይ ስምዕዮ ኣውያተይ! ስለዚ እስከ ንገሪኒ መረተይ! ተሓተቲ ዶ ክብላ ንማሕጸነይ ንከብደይ’ዶ ከላግበላ ጭንቀይ! ‘ከብዲ ኣደ ጉራምራ’ ክደግም ምስላ ወለደይ ተሓትት ዶ ክብሎ ንብዓል ቤተይ ኣብ እርጋኑ ተዓጠቕ ዝተባህለ ከማይ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዝቕመጥ ክሳብ ዝርከብ

መረተይ! ተቐበሊ ምሕጽንታይ

ምዓልታዊ ብጠላማት ይቕዘፉ ስለ ዘለዉ ደቀይ

ስምዕዮ ኣውያተይ!

ስለዚ እስከ ንገሪኒ መረተይ!

ተሓተቲ ዶ ክብላ ንማሕጸነይ

ንከብደይ’ዶ ከላግበላ ጭንቀይ!

‘ከብዲ ኣደ ጉራምራ’ ክደግም ምስላ ወለደይ

ተሓትት ዶ ክብሎ ንብዓል ቤተይ

ኣብ እርጋኑ ተዓጠቕ ዝተባህለ ከማይ

ኣብ ትሕቲ ዓራት ዝቕመጥ ክሳብ ዝርከብ ከኣላይ

ኣይትጋደፍኒ መረተይ! ከይጸንት ህዝበይ

ብ ‘ንሕና ንሱ!’ ዝተጠመቑ ጸላእተይ

ከይምሓው ሱረይ

ኣጽኒዕኪ ሓዝለይ

ኢዶምን እግሮምን ኣሲርኪ ንጦርጦሶም ስደድለይ

 

መረተይ! ዋሕስ ህልውናይ

ድቃስ ዶ ከሊኡኪ ኣውያተይ!

ዝደርጓሕኩዎ ኣብ ፈቐድኡ ምስ ወደቐ ሬሳ ደቀይ

ብጥይት ህግደፍ ምስ ተመልዓሰ ብተመልከተለይ!

ጻሕ ኢለ፡ ኳሕኲሐ ብክልተ ኣእዳወይ

ሓመድ እናነስነስኩ ኣብ ርእሰይ

ከቕርብ ምሕጽንታይ

ክናሳሕ ከኣ  ፍቐድለይ ናይ ልበይ

ኣውያት ሰሚዑ ዝረድእ ዝነበረ ህዝበይ

ክንዲ ኣውያት ሰሚዑ ክረድእ ዝጎዪ ናባይ

ቅርብ ዝብል’ኳ ስለ ዝሰኣንኩ ኣብ ጥቓይ

ዝስለፍ ኣብ ጎድነይ

ምስ ጨነቐኒ ከምቲ ዝጨነቖ ዓረበታይ

ኢየ ናባኺ ዘሕለፍኩዎ ጭንቀይ

ታሪኽ ኣስመራ

ናይ ሰሚረን ዘስምራ

ከም ዝነበረት’ዩ ዝፈልጥ ህዝበይ

ሎሚ ግን እንድዒ ናበይ ከም ዘበለ ታሪኻ ናበይ

ብደም ደቂ ህዝቢ ዝተጸየቐ ጽርግያ ኣስመራ ርእዩ ጥራይ

ክንዲ ቀተልቲ ደቀይ ተጓይዩ ዝዓግተለይ

ነዲሩ ክንዲ ዝልዓል ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ

እንታይ ይብሃል ገገዛኻ ዓጽኻ ሞት ምጽባይ!

ደቁ መንጢሉ ጌሩዎም ጊላዋይ

ዕድምኡ ሙሉእ እምኒ ዝሽከም ዝወርድ ማይ

ካብ ኮፍ ኢልካ ምማት ክፍትን ዕድለይ

ኢሉ ዘማዕዲ ናብ ስደት ጥራይ

ህዝባ ክነብረላ ዘይከኣለ ዘይብላ መንእሰይ

25 ኢዮበልዩ ከብዕል ኢሉ ከኣ ይሸባሸበለይ

ስለዚ ተሓተት ዶ ክብሎ/ላ ንጎረቤተይ

ተሓትት ዶ ክብሎ ነቲ እናሰምዐ ዘጽቀጠ ወገነይ

ህዝቡን ሃገሩን እናጥፍአ ጣልማይ ወደይ!

ገበን ንዘይብሉ ውላደይ!

ኣብ ቅድሚ ዓይነይ!

ብቐትሩ ምስ ጸልመተኒ ምድረሰማይ

ናብ ጽሉላት ክሕወስ ምስ ቀረብኩ ኣባዲ ዘይብለይ

ኢየ ዘቕረብ ዘለኹ ምሕጽንታይ

ምስ ሰኣንኩ ልበይ ዝመልሰለይ

ሃጽ ክብል ምስ ቀረብኩ ዓጽየ ገዛይ

ስለዚ መረተይ ስልማተይ

ኣርክቢ! መዋጽኦ ፍጠርለይ

ግዝኣተ ሕጊ ዝተኽሉ ስሑላት ውለድለይ

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • k.tewolde April 8, 2016

    Mother’s grief. KEBDI ADESI GURA GURA. May be one of your children will answer your call.

  • sami April 8, 2016

    ሰላማት

    ኣነ መጽሓፍየይ ምኽንያት ብዛዕባ ብዕለት 07/04/2016 ኣብ ኣሰና ንዘውጻእኩሞ “ኣይትጋደፍኒ መረተይ፦ ስምዕዮ ኣውያተይ” ኣብ ዝብል ዘርእስቱ ወጺኡ ንዘሎ ስእሊ ናይ ዓባይ ሰበይቲ ዝምልከት እዩ። እዚ ስእሊዚ ንኽተውጽእዎ ፍቓድ ዘሃበኩም ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን ምኽናያቱ እዛ ኣደ እዚኣ ስእላ ኣብዚ ኣቕሪብክሞ ዘለኹም ንምጥቃዕ ፍቓድ ኣይሃበትን ከምእዉን ነዛ ሰብ እዚኣ ኣብ ሓደጋ ኣቃሊዕኩማ ከምዘለኹም ብግቡእ ክትፈልጡ ከምዘለኩምን ነዚ ኩነታትዚ ድማ ተሓተቲ ምኻንኩም ኣቀዲመ ክሕብረኩም እደሊ ስለዚ ኣብ ካሊእ ዝምልከቶ ናይ ሕጋዊ ቦታ ከይበጻሕና ከለና ንጌጋኹም ብምእራም ቀልጢፍኩም ካብቲ ተጠቂዕዎ ዘሎ ቦታ ክትኣልይዎ ከምዘለኩም ኣጥቢቐ የተሓሳስበኩም ኣለኹ።

    * ዝኾነ ሪኢቶ ምስ ዝህልወኩም ብኣድራሻይ ክትጽሕፉለይ ትኽእሉ ኢኹም. Thanks

    ነዚ ጉዳይ ዝምልከተኒ ወዳ

    • k.tewolde April 9, 2016

      You are one litigation happy phony Eritrean attempting to extort money any way possible.Where do you rank on HGDEF’S human trafficking network. Dirty ,cheap infiltrator! How come you did’t disclose your address? I would have sent you a few change for burger and fries.That lady in that picture is our mother and she did not produce a child like you, so you ain’t our brother or sister. So get the heck out of here.Nice try.

  • KL April 10, 2016

    To : K Tewolde,
    Your comment and your behaviour are not acceptable. The person has clearly explained publishing the photograph of his mum without her consent and against her will is gross violation of her fundamental human right and the publisher is putting her in high risk and coercion. The mum does not even know when and where this photograph was taken and she does not know either if her photo is published on this site.
    The way you commented and the dirty language you used shows how ignorant, irresponsible and cheap person you are and You lack the most basic human values and moral standards. Your life is like a vessel out of control. You need to shape yourself before you shape others.
    If you are looking for a change to come in your country, you need to change yourself first.
    “Be the change you want to see in your country”

    • k.tewolde April 10, 2016

      I must have hit a smart chord, sorry!’lack of basic human values and moral standards’,moi? how? where? This photograph did’t show up in this website for the first time as so many random sad pictures of the old and the young depicting the misery of that country,you mean they all have to take legal action? are you telling us not to tell the story or be politically correct? have you seen the video of a young Eritrean woman that lost her mind running stark naked in the streets of TELAVIV? you want to sue the Israelis? you know what,this is the change I want to see in my country, to speak you mind , to express yourself sometimes without even being politically correct, to criticize and absorb constructive criticism…..and my post above exhibits exactly that. Nice try human values advocate, sorry if I used blunt language, not dirty language.

POST A COMMENT