Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይኮነን ባህልና!

ሓበሬታ፥ ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ነዚ ግጥሚ’ዚ ሕጂ ኪጽሕፍ ዝገደደኒ ነገር ክሕብር ፍቐዱለይ? እቲ ዕላማ፡ ነታ ህግደፍ ገበናቱ ንምሽፋን ኢሉ ‘ሓበሬታ ምሃብ ባህልና ኣይኮነን’ ዝብላ ቃል ንምብዳህ’ዩ። ስለዚ’የ ድማ ናይ ዝሓለፈ ኣብነትታት እናጠቐስኩ ኣቕሪበያ ዘለኹ’ሞ ግዜ ዘይምሕላወይን

ሓበሬታ፥
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ነዚ ግጥሚ’ዚ ሕጂ ኪጽሕፍ ዝገደደኒ ነገር ክሕብር ፍቐዱለይ? እቲ ዕላማ፡ ነታ ህግደፍ ገበናቱ ንምሽፋን ኢሉ ‘ሓበሬታ ምሃብ ባህልና ኣይኮነን’ ዝብላ ቃል ንምብዳህ’ዩ። ስለዚ’የ ድማ ናይ ዝሓለፈ ኣብነትታት እናጠቐስኩ ኣቕሪበያ ዘለኹ’ሞ ግዜ ዘይምሕላወይን ዓቀን ናይዚ ግጥሚ ካብ ግቡእ ማለት ካብ ሸውዓተ ሸሞንተ ስታንሳ (ክፋል ናይ ግጥሚ) ብምብዝሑን ኣቐዲመ ይቕሬታ ይሓትት።
ኣይኮነን ባህልና!
ወያነ ክልተሻዕ ደረትና ጥሒሱ
ኣሕዋትና ኪማርኽ ማዓስከር ደምሲሱ
መንግስቲ’የ ኢሉ ዚጽውዕ ንነብሱ
ስለ ዘየኽበረ ዶባትና ኣውሒሱ
‘ምንም የለን’ ኢሉ ሰሚዕና ኪሕሱ!
ድሕሪኡውን ከምኡ ኣብ ርእሰ ከተማና
ድሩዓት መኻይን ረሻሽ ዝጸዓና
ታንክታት ኣምሪሐን ብማእከል ጐደና
ናብ ፎርቶ ክድይባ ስለ ዝረኣና
ናብ ጉጅለ ህግደፍ ሕቶታት ኣቕሪብና!
እቲ መላኺ ግን ከምታ ናይ ቀደሙ
ኣብ ፈታኒ እዋን ኣጥፊኡ ህጣሙ
ምስ ሓቂን ሓሶትን እናተራጸሙ
ዕሱባቱ ግና ፈቲኖም ክገጥሙ!
ህይወት ምስ መለሰ መላኺ ንዕምሩ
በተን ማዕከናቱ ናይ ሓሶት ኣጽዋሩ
“ሰላም ኣሎ” ኢሉና ዚእሰር ኣሲሩ!
“ጽቡቕን ሕማቕን ዝተገብረ ነገር
ባህልና ኣይኮነን ንህዝቢ ኪንገር
ስለዚ፡ ትም በሉ ዚተገብረ ይገበር
ባዕልና ኣለናዮ ጉዳይ ናይዛ ሃገር!
እናበለ መላኺ ፈቲኑ ኪገንሓና
ሓዊ ኣናኺሱ ክሳዕ ዝጠብሰና
ብዓቕሊ ክንጽበ ከምቲ ናይ ቀደምና
ዳግም ከይሓፈረ ኣፍኩም ሓዙ ኢሉና!
ኣለኹ ኢሉ መላኺ ኣይሞትኩን ብራዕዲ
ፊልም ከም ተሰርሐ ዘየስሕቕ ኮመዲ
ኪነግረና መጺኡ ምስ ተባህለ ግዲ
ዝጠቅም ምህርቲ ዘይተሓፍሶ ዓውዲ
ጠርቋሽ ኔሩ ኢሉዎ ናይ ጥፍኣት መገዲ!
ኣነን ሚኒስተራትን ኣብዚ ተኣኪብና
ፈተና ውሑዳን ወረ ምስ ሰማዕና
ኩነታቶም ክፈልጡ ሰባት ኢና ልኢኽና!
ምስ ኩሎም ሓለፍቲ ፊልሚ እናረኣና
ሰብ ይቐትሉ ኣለው ብተኹሲ ኢሎሙና
ጭንቀት’ዩ ደሓነይ ግደፍዎም ኢልና
ክሳዕ ጸሓይ ትዓርብ ከነዕልል ዉዒልና!
ጸሓይ ዓሪቡ ግን ጸላም ምስ ከደነ
ኩሉ ፈሺሉዎም እቲ ዝተወጠነ
ሰራዊትውን ባዕሉ ምስ ተበታተነ
ንበይኖም ተሪፎም ቀባሕባሕ ምስ ኮነ
ኣብዚኣ’ያ ኣብቂዓ ናይ ዕብዳን ፈተነ!
መሰል ናይ ሓሰውቲ ከነኽብር ኢልና
ሓበሬታ ኣይሃብናን ናብ ህዝቢ ቀሪብና
ብዓንዳ ርእሱውን ካብ ሜዳ ጀሚርና
መግለጺታት ምሃብ ብዛዕባ ጉዳይና
ከም ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን ባህልና!
 
ኢሉና መላኺ ኣብ ቲቪ ቀሪቡ
ብግህሰት መሰል ሰብ ነፊሑ ኣፍ ልቡ፡
ህዝቢ ዘይምሕባር ኣብ ጉዳይ ሃገሩ
በዚ ድሑር ህግደፍ ባህሊ ተቖጺሩ!
መንከ ኣሎ ናብ ህግደፍ ዚጸሉ ኣእዛኑ
እንተ ሓበረውን መዓስ ሓቂ ኮይኑ!
ጅግና ወዲ ዓሊ ግን ታንክታቱ ሒዙ
ናብ ኣስመራ ኣትዩ ነዊሕ ተጓዒዙ
ነደታት ኤርትራ ንብዓተን ደሪዙ
ሓዘነን ኪድብስ ብፍትሒ *ሓዊዙ   *ኣሐጒሱ
ኣብ ፎርቶ ደይቡ ዕሱብ ኣናዚዙ!
ማዕከናት ዜና ህግደፍ ሓቂ ዘየድምጻ
ብዘይጭበጥ ተስፋ ህዝቢ ዘናወጻ፡
ብስረ እቲ ሓየት ጅግና ወዲ ዓሊ
ሕቶ ህዝቢ ኣድሚጸን ብዓውታ ትማሊ!
ኩላቶም እሱራት ቅጽበት ኪልቀቑ
ኣብ ግብሪ ኪውዕል ቅዋምና ጸዲቑ
ሽም ንህቡ ኪመርጽ ህዝቢ ቆጽሊ ኣውዲቑ
ጅግና ወዲ ዓሊ መላኺ ኣጨኒቑ
ጠለብ ህዝቢ ኣቕሪቡ ሽጉጡ ዓጢቑ
ቃልሲ ሓርነትና ብደሙ ኣድሚቑ
ስለ ሓፋሽ ህዝቢ ገንሸልና ወዲቑ!
ስቓይና ንኺድምደም ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 07/04/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Sahil April 8, 2013

    Thank you መሲናስ for exposing the true color of the mad dog Isayas.
    From the beginning of the revolution he was against our revolution.
    1973 there was a revolutionary movement trying to implement the rule of law in Eritrea, and after independence the G15, G13 have tried to implement constitution but unfortunately they were killed and terrorized by the tyrant dictator Isayas and his blind followers HIGDEF.
    The tyrant dictator Isayas grew up with out love, with no affection, no religion and education.
    He was dropout from school. He repeatedly smacks his mom and his siblings. Finally they gave him to his grand mom, who worked inda siwa. He grew up in a dysfunctional family with out father and mother. That’s why he is what he is. A psychopath.
    The tyrant dictator suffers from chronic mental disorder with abnormal or violent social behavior.

  • Sahil April 8, 2013

    Thank you መሲናስ for exposing the tyrant dictator Isayas wedi Berad and his blind followers HIGDEF. We must throw away Isayas’s doctrine; his burned flag that replaced our National Liberation Flag, the flag of our martyrs, the flag of our forefathers. We must discard his zobas that replaced our historical provinces; etc
    God bless Eritrea, wedi Ali, Mesina and the courageous Eritrean demonstrators allover the world.
    Let freedom ring in Eritrea!
    The Eritrean Liberation Flag will rise up again!
    Eritrea will be the land of the free and the home of the brave!!

  • Meretse Asmelash April 9, 2013

    ምርኩስ ኣደይ ኢታይ ፍርቃን ባላ ፡ ፍርቃን ጢላ

POST A COMMENT