Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይፋልኩምን መልስዎ ደኣ ‘ድምጺ ኣመሪካ’

ኣይፋልኩምን መልስዎ ደኣ ዋሽንግተን— 4ይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንኤርትራ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብሕማም ምክንያት ሎሚመዓልቲ ከምዝዓረፉመንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣፍሊጣ።ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ ቀረባኣዋርሕ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክሕከሙ ከምዝጸንሑ እቲ ዜና ብተወሳኺይገልጽ። ስነስርዓት ቀብሪ  ኣብ ዝቕጽል ቀዳም 26 ታሕሳስ 2015 ከምዝፍጸም እቲ ዜና ብተወሳኺ ይሕብር። ቅድሚ 8 ዓመት ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ እንጠንዮስ ገና ብህይወት እናሃለውክቕመጡ ዝተገብሩ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ጉዳይ ሽመቶም ኣካታዒ ምንባሩ ይፍለጥ:: እዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ዜና ብድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዋሽንግተን ዝተዘርግሐ ኢዩ:: እቶም ብሞያ ጋዜጠኝነት ነዊሕ ዝሰርሑን ምስ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ማዕከናት ዜና ሌላ ዘለዎምን ነዚ ዜና እዚ ከዳልው ከለው ክልተ

ኣይፋልኩምን መልስዎ ደኣ

ዋሽንግተን—

4ይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንኤርትራ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብሕማም ምክንያት ሎሚመዓልቲ ከምዝዓረፉመንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣፍሊጣ።ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ ቀረባኣዋርሕ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክሕከሙ ከምዝጸንሑ እቲ ዜና ብተወሳኺይገልጽ።

ስነስርዓት ቀብሪ  ኣብ ዝቕጽል ቀዳም 26 ታሕሳስ 2015 ከምዝፍጸም እቲ ዜና ብተወሳኺ ይሕብር።

ቅድሚ 8 ዓመት ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ እንጠንዮስ ገና ብህይወት እናሃለውክቕመጡ ዝተገብሩ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ጉዳይ ሽመቶም ኣካታዒ ምንባሩ ይፍለጥ::

እዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ዜና ብድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዋሽንግተን ዝተዘርግሐ ኢዩ::

እቶም ብሞያ ጋዜጠኝነት ነዊሕ ዝሰርሑን ምስ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ማዕከናት ዜና ሌላ ዘለዎምን ነዚ ዜና እዚ ከዳልው ከለው ክልተ ጊዜ ርእዮሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን:: ዜና ንሰማዒ ንጹር ስእሊ ዝህብን ሕቶ ዘየበግስን ክኸውን ኣለዎ:: ኣብ ስልጣን መንግስቲ: ሃይማኖት: ፖለቲካዊ ጉዳያት ብዝምልከት ትሕዝቶ እቲ ዜና ዘይበርሀ እንተኾይኑ: ጠንቂ ናይቲ ዘይብሩህነቱ ክሰፍር ከምዘለዎን ሚዛናውነት ሓልዩ ክቐርብን ይግባእ::

በዚ መንጽር እዚ ኣብ ሳልሳይ ሕጡበ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ድሕረ ባይታ ናይዚ ብድምጺ ኣሜሪካ ዝተዘርግሐ ዜና ዝጎሰዮም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም::

  1. ቅድሚ 8 ዓመት ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊ(ት) ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ
  2. ኣቡነ ኣንጦንዮስ ገና ብህይወት እናሃለው ክቕመጡ ዝተገብሩ
  3. ኣቡነ ዲየስቆሮስ ጉዳይ ሽመቶም ኣካታዒ ምንባሩ ይፍለጥ

ኣብ ቁጽሪ ሓደ ሰፊሩ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ብዝምልከት:- ኣቡነ እንጦንዮስ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኢዮም:: ንሶም ብቅዱስ ሲኖዶስ ቀኖና ሕጊ ቤተ ክርስትያን ብዝእዝዞ ዝተቐብኡ መንፈሳዊ መራሒ ኢዮም:: ፓትሪያርክ ካብ መዝነቱ ዝእለ ብሰለስተ ዓበይቲ ምኽንያታት ኢዩ::

ሀ. ብሞት ለ. ብሕማም ምኽንያት ነቲ መዝነት ብብቕዓት ምፍጻም ምስ ዘይክእል ሐ. ካብ ሕጊን ትእዛዛትን ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ምስ ዝሰርሕ::  ንቅብኣ ፓትርያርክ ዘውርዶ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢዩ:: ስለዚ ድማ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብሂወት ክሳብ ዘለው መንፈሳዊ ግቡኦም ዝፍጽሙ ዘለው ወግዓዊ ፓትሪያርክ ኦርቶዶሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢዮም::ኣቡነ እንጦንዮስ ቅድሚ 8 ዓመት ፓትሪያርክ ዝነበሩ ምባል ንሕጊ ቤተ ክርስትያን ምጽራር ዶ ኣይከውንን::

ለ. ኣብ ተርታ ቁጽሪ ዘሎ ስርዓተ ነጥቢ ስለ ዘይተኸተለ: ክቕመጡ ዝተገብሩ ኣቡነ እንጦንዮስ ዲዮም ኣቡነ ዲየስቆሮስ ንጹር ኣይኮነን:: ምቕማጥ ኣብ መንበር: ኣብ ዙፋን ኮፍ ብምባል ኣብ ስልጣን ከምዘሎ የመልክት::

ምቕማጥ ንሰብ ወይ ንንብረት ካብ ስራሕ ወጻኢ ግበሮ ኣቐምጦ እውን ስለዝበሃል:: ስለዚ ድማ ነዛ ምልእቲ ሓሳባት ጸሓፊኣ እምበር ካልእስ በብዝመሰሎ ክትርጉማ ይኽእል::ብክልቲኡ ሸነኽ እቲ ክቕመጡ ዝተገብሩ ዝብል ቃላት እውን ንእዚ ዝኩርኩሕ ትግርኛ ኢዩ::

ሐ. ኣቡነ ዲየስቆሮስ ጉዳይ ሽመቶም ኣካታዒ ምንባሩ ይፍለጥ ዝብል ኣብ ሳልሳይ ተርታ ዝሰፈረ ጽሑፍ ድማ ካብ እቲ ሽመቶም ንላዕሊ ኣካታዒ ኮይኑ እስማዓኒ:: ስለምንታይ ኣካታዒ ኮይኑ: ኣቡነ ዲየስቆሮስ ብሓይሎም ስለዝተሸሙ: ነቲ ቅብኣ ብመንፈሳዊ መምዘኒ ብቑዕ ስለዘይኮኑ;: ኣቡነ እንጦንዮስ ስለ ዝተቓወምዎም: ሲኖዶስ ስለዘይቀብኣቶም::

ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ትግርኛ: ኩነታት ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ፖለቲካ ከይትኣሳሰር ስግኣት እንተለዎ:  ንቅዱስ ሲኖዶስ ምሕታት ዝሓሸ ኢዩ:: እዞም ብሲኖዶስ ዝተቐብኡ ኣቡነ እንጦንዮስ መንፈሳዊ ግቡኦም ንምፍጻሞም: ብህግደፍ ተሓይሮም ብሕማም ሽኮር ይሳቐዩ ኣለው:: ስለዚ ድማ እቲ ዜና ምሉእ ክኸውን ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ሕግታት ቅብኣ ፓትሪያርክን ምፍላጥ ምተገብአ:: ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ እውን ካብቲ ድምጺ ኣሜሪካ ዘላቶ ከይወጻእካ ኣጻብዕቲ ብምጥዋቕ ምስ መንፈሳውያን መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ምምይያጥ ምተኻእለ::

ዜና ናብ ዝደለኻዮ ማእዝን ከተቕንዖ ዝከኣል እንተኾነ: ቀንዲ ትሕዝቶ  ጎሲኻ ምሕላፍ  ግን ብስነምግባርን ብሃይማኖትን ኣብ ትዕዝብቲ ከምዘእቱ ክልተ ጊዜ ምሕሳብ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Kokhob Selam December 22, 2015

    ልክዕ!

  • Arre December 22, 2015

    Just useless comment. The language is perfect and the statements clearly are transcending the message.

  • smerr December 22, 2015

    ezias kemti eritreawian ab kolilin mnkas negern nehlfo gizene n voa msana negerat tekatuku mbal eyu
    bwegeney ezi megletsi ekul truf eyu neti 10 amet zbelee guday hji topik terekibwo elka mhtwtaw adlaynet yeblun degol kulu kemti nska tdelyo mdlay eyu tsihufka ezi eko niaka tsiray aykonen zmlkat ezi habereta ab nay voa zena duro seb anbibwon rieto tsihiflun alo

  • Semere Gaim December 22, 2015

    Sounds like the author forgot that Tigrigna is spoken in Eritrea and northern Ethiopia, where “ለ. ኣብ ተርታ ቁጽሪ ዘሎ ስርዓተ ነጥቢ ስለ ዘይተኸተለ: ክቕመጡ ዝተገብሩ ኣቡነ እንጦንዮስ ዲዮም ኣቡነ ዲየስቆሮስ ንጹር ኣይኮነን:: ምቕማጥ ኣብ መንበር: ኣብ ዙፋን ኮፍ ብምባል ኣብ ስልጣን ከምዘሎ የመልክት::” is perfectly normal language in their news cast always. There is nothing inappropriate about the language for those audience. VOA has the responsibility to use language spoken in both areas.

  • hailino December 22, 2015

    Degol,
    You have said it all.

    Thanks!!!

  • HARNETNA December 22, 2015

    nkulu gzye allewo !

  • Semharr December 22, 2015

    ቡነ ኣንጦንዮስ ብሂወት ክሳብ ዘለው መንፈሳዊ ግቡኦም ዝፍጽሙ ዘለው ወግዓዊ ፓትሪያርክ ኦርቶዶሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢዮም::
    እዞም ብሲኖዶስ ዝተቐብኡ ኣቡነ እንጦንዮስ መንፈሳዊ ግቡኦም ንምፍጻሞም: ብህግደፍ ተሓይሮም ብሕማም ሽኮር ይሳቐዩ ኣለው::

    ቅድሚ 8 ዓመት ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ እንጠንዮስ ገና ብህይወት እናሃለውክቕመጡ ዝተገብሩ
    ኣቡነ ዲየስቆሮስ ብ ISAYAS ስለዝተሸሙ: ነቲ ቅብኣ ብመንፈሳዊ መምዘኒ ብቑዕ ኣይኮኑን;:

  • gansheraanbetha December 23, 2015

    dogol aytsemeanene dika kab mexhaf si meda wred imo tewagaiy kun sebay kun

    • Zemuy December 23, 2015

      nsikasi bmixihaf indika melsi tihib zeleka. nebsika Habieka bwaga kaloot Harinet delika weidima kurkur naiti zelo siraat iKa malet iyu.
      Zemuy

  • Tsega December 23, 2015

    Hi Eritreans, we know the case of Eritrean Orthodox Church Aba Antonios “please please please ” again and again respect each other. We know what happened from 1998 – 2001 in Asmara and all in Eritrea.

  • Zemuy December 23, 2015

    Thank you Degol Dirar. You have exactly pinpointed the reasons. VOA journalists do not have the required experience and knowledge to work as journalists. They are not capable to interpret the right issues of the Eritrean religious matter.

    I do not have any word to add to your point, but I advice VOA people to learn from the points you discussed.

    Zemuy

POST A COMMENT