Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣደይ ዘውዲ ዓሪፋ – መስዋእቲ ኣማረ ወዳ ከይተነገረት

  ታደሰ ኪዳነ         በርሚንግሃም           30/04/2016 ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2012 ዓ.ም “ብህይወት መኣዛ መን`ዩ ተሓታቲ?” ዝብል ሓደ ዓንቀጽ ጽሒፈ ነይረ። መኣዛ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ማሙቕ ገዝኦም ማይ ፍልጠት ክሰትዩ ዘይተዓደሉ፡ ብኣንጻሩ እታ ናይ ካልኣይ ደረጃ መወዳእታ ዓመተ-

 

ታደሰ ኪዳነ         በርሚንግሃም           30/04/2016

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2012 ዓ.ም “ብህይወት መኣዛ መን`ዩ ተሓታቲ?” ዝብል ሓደ ዓንቀጽ ጽሒፈ ነይረ። መኣዛ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ማሙቕ ገዝኦም ማይ ፍልጠት ክሰትዩ ዘይተዓደሉ፡ ብኣንጻሩ እታ ናይ ካልኣይ ደረጃ መወዳእታ ዓመተ- ትምህርቶም፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወታደራዊ ሓለዋ ክመሃርዋ ዝትፈርዱ ጨላቕዕ  መንእሰያት ኤርትራ ኢያ። ትዕድልቲ መኣዛ ግን ኣብ ሳዋ ኣየብቀዐን። ካብ ዶባት            ኤርትራ ብራሻይዳ ተጨውያ። ጨወይቲ`ውን ዝያዳ መኽሰብ ግዲ ረኺቦም፡ ናብ  በደዊን ከም ዝሸጡዋ፡ እቶም 28 ሽሕ ዶላር ዝሓተቱ በደዊን ድማ፡ ዕስራ ሽሕ ዶላር ምስ ተኸፍሎም፡ እንተስ ብማህረምቲ እንተስ ብኻልእ ምኽንያት፡ እታ ጭልቅዕ መንእሰይ ኣብቲ ኣእዊኻ ዘይተስምዓሉ ምድረ-በዳ ሲናይ ከም ዝሓቀቐት ገሊጸ ነይረ።

ኣብቲ “ካብ ኣማረ ክሳብ መኣዛ – ፍረ ሓርነታዊ ቃልሲ ብመንጽር ሓንቲ ስድራ” ኢለ ዝጸሓፍኩዎ ክልተ ተኸታታሊ ጽሑፋት ድማ፡ ታሪኽ መኣዛ ምስ ታሪኽ ሓዎቦኣ ተጋዳላይ ኣማረ ትኩእን፡ ኩነታት ኣቦሓጎኣን ዓባያን ኣተኣሳሲረ ተሪኸ ምንባረይ ኣዝክር። ኣማረ ካብ ኣቦኡ ኣቶ ትኩእ ምራጭን፡ ኣዲኡ ወ/ሮ ዘውዲ ሃብተሚካኤልን ዝተወልደ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 1973/76ን፡ ብስም መንካዕን የሚንን ወይ ተረፍ መረፍ መንካዕ ተባሂሎም ዝተኣስሩ`ሞ፡ ንሱ ዝኣንፎም ዝሓቀቑ መንእሰያት ተጋደልቲ ኢዩ። ሞት ናይ ኣማረ ግን ኣብቶም ቀተልቱን፡ ንቅትለቱ ዝኣዘዙን ሓለፍቲ ጥራይ ብሚስጢር ዝተታሕዘ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ጭው ዝበለ ሰናጭሮ ሳሕል፡ ቀተልቲ ባዕሎም ኣንተ ዘይተለፋሊፎም`ከ በየን ክፍለጥ።

እቲ ሓቂ ንሱ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ኣብ 1974/76 ዓ.ም ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ክዝንብዩ ምስ ጀመሩ፡ እታ “ወደይ ኣብ ህዝባዊ ሓይሊ ኢዩ ተሰሊፉ” ትብል ዝነበረት ወላዲቱ (ኣደይ ዘውዲ ሃብተሚካኤል)፡ ‘ንኣማረ ዝመስል ቀይሕ ተጋዳላይ በዚ ሓሊፉ!” ኣብ ዝሰምዓትሉ ቦታ እናኸደት፡ ትፈትዎ ውላዳ ክትረክብ ኮለል ኢላ ኢያ። ሓደ ግዜ `ኣብ ዓላ ተራእዩ` ምስ ሰምዐት፡ ሕምባሻን መዓርን ሒዛ ንጎላጉል ዓላ ወረዳ። ክትረኽቦ ግን ኣይከኣለትን። ድሕሪኡ “ንዕኡ ዝመስል ተጋዳላይ ኣብ ወኪ-ዛግር ርኢናዮ” ምስ በልዋ፡ “ይፈትዎ ኢዩ” ዝበለቶ ክዳውንቲ ሒዛ ኣብ ገጠራት ካርነሽምን ደምበዛንን ኮሊላ። ሽዑ`ውን ኣይረኸበቶም። ሓደ ግዜ`ውን “ብጾረና ሓሊፉ!” ዝብል ወረ ሰሚዓ፡ ክትረኽቦ ድማ ተሃንፊፋ። ኣማረ ግን ኣብ ኩሉ ኣይነበረን።

ኩሉ`ዚ ኣነ፡ “ናጽንት ኤርትራ ዘረጋግጽ ወድብ ኢዩ!” ኢለ፡ ናብቲ ውድብ ቅድሚ ምስላፈይ ኢዩ። ብሓቂ`ውን እቶም ብትምህርትን ብዕድመን ዝዓብዩኒ ኣማረን መዛኑኡን`ውን ዝኣመኑዎ ውድብ ምስላፈይ፡ ዘኹርዕ እምበር ዘጣዕስ ኣይነበረንን። ኣብቲ ውድብ፡ ተኲሶም ጸላኢ ዝቐትሉ`ምበር፡ ብቓጻ ብጾቶም ዘሕቅቑ ሰባት ምንባሮም ግን እፈልጥ ኣይነበርኩን።

ኣብ 1978 ዓ.ም “ህዝባዊ ግምባር ካብ ደቡብ ከዝልቕ ኢዩ። እተን ቀያሕቲ በሊዐን ሓራ ዝኾና ከተማታት ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲን ድግሳን ድማ ተመሊሱ ጸላኢ ክሕዘን`ዩ” ምስ ሰማዕና፡ ኩልና ናይቲ ከባቢ መንእስያት፡ ሽግ ናጽነት ብእኡ ገይራ ንሓዋሩ ከይትጠፍኣና ደድሕሪኣ ክንስዕብ ወሲንና።

ሰሉስ መዓልቲ ኢዩ ዝነበረ። ልዕሊ 100 ንኸውን መንእሰያትን ቀያሕቲ ዕንባባን፡ ኣብ ቅርዓት ዓድና ንተኣኻኸብ ምንባርና እዝከር። ሽዑ እቶም ዝጽበዮም ዝነበርኩ መዛኑየይ ክሳብ ዝመጹኒ፡ ንዕኦም`ውን ክፋነዎም ስለ ዝነበረኒ፡ ናብቲ ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ዝነበረ ገዛ እንዳቦይ ትኩእ ከይደ። ንዕኦም ተፋንየ ክወጽእ ከለኹ፡ እቶም ቅድመይ ኣማረ፡ ኣየለን ተኽለሃይማኖትን ዝበሃሉ ሰለስተ መንእሰያት ደቆም ዘሰለፉ፡ ራብዓይ ቀይሕ ዕንባባ ዝነበረ፡ ስምኦን ዝበሃል ውላዶም`ውን ሽዑኡ ምሳይ ዝብገስ ዝነበረ ኣቦይ ትኩእ፡ ከምዚ ክብሉ ተላብዮሙኒ።

“ስማዕ ዝወደይ፡ ደርጊ ንሕብረት ሶቬት ሒዙ ኣሎ። ሕብረት ሶቬት ንሂትለር ዝሰዓረት ሓያል ሃገር ኢያ። ንስኻትኩም ከኣ ምስ ኣመሪካ ወይ እንግሊዝ ተጸግዑ። በይንኹም ከይትኾኑ . . “ ክብሉ ጸቒጦም ተዛሪቦሙኒ። መሪሕነት ናይቲ ለበዋኦም ከብጽሓሎም ዝለኣኹኒ ውድብ ግን፡ ኣይኮነን ንዓይ፡ ሓድሽ ዝስለፍ ዝነበርኩ ተራ መንእሰይ፡ መኽሪ ዓበይትን ፈላጣትን`ውን ዘይሰምዕ፡ ‘ብጽፍርና` ጥራይ ዝጭርሕ ምንባሩ`ሞ ኣበይ ፈሊጦም።

ኣብ 1991 ዓ.ም ሰራዊት መግዛእቲ ተደምሲሱ፡ ምልእቲ ኤርትራ ሓራ ምስ ኮነት፡ ስድራ ቤት ኣቦይ ትኩእ`ውን፡ ንልቦም ዝድብስ ምቕሊ ረኺቦም። ካብ ኣርባዕተ ደቆም፡ ኣየለ (ፊዳ) ብህይወት ኣትዩ ኣጸናኒዑዎም። ገና ብወግዒ`ኳ እንተ ዘይተነግሩ፡ መስዋእቲ ናይቶም ዘይመጹ ስለስተ ደቆም ከም ቅቡል ዝወሰድዎ እመስለኒ። ኣብ 1994 ዓ.ም ኣስማት ስዉኣት ክንገር ምስ ጀመረ ግን ጸግም ተረኺቡ። ኣማረ ኣብቲ ዝርዝር ኣይነበረን።  እቲ ኣብ 1973 ዓ.ም ብልዑል ሃገራዊ ወኒ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ ኢሎም ዝኣምንሉ፡ `ተራእዩ` ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኮለል ዝበሉሉ ኣማረ ወዶም፡ ኣበይ ነጢቡ? ካልእ ጓሂ፡ ካልእ ሸቐልቀል!!!

ኣቦይ ትኩእ እንተስ ልቢ ኣዕቢዮም፡ እንተስ ዝበጽሕዎ መደምደምታ ነይሩዎም፡ ብዙሕ ኣይተዛረቡን። ኣደይ ዘውዲ ግን፡ “ስሙ ተደናጊሩ ናብ ካልእ ከይዱ ኢዩ ዝኸውን” ኢላ ግዲ ሓሲባ፡ ኣስማት ስዉኣት ዝሓዘ መዝገብ ይርከቦ ኢዩ” ናብ ዝበለቶ፡ ኣብ ዓዲ-ቀይሕ፡ ሰገነይቲ፡ ደቀምሓረ፡ ኣስመራን ካልእን ዝርከባ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ፡ ስም ኣማረ ዝሓዘ መዝገብ ክትረክብ ኮለል በለት። ስም ኣማረ ግን ኣብ ኩሉ ኣይነበረትን። ብወገነይ፡ ኣብቲ ትኸዶ ዝነበረት ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ናይ ኣማረ ስም ክትረክብ ከም ዘይኮነት፡ ኣማረ ግን ከም ኩሎም ካልኦት ስዉኣት ኣብ ሳሕል ከም ዝተሰውአ ከረድኣ ፈቲነ። ኣቦይ ትኩእ`ውን ደሓርሲ ባዕሎም ዝበጽሕዎ ኢዮም ዝመስሉ። ሓደ ግዜ ኣብ ዕላልና “ኣንታ ወደይ ኣነስ ነጊረያ ኢየ። `ባዕሎም ኢዮም ቀቲሎሞም፡ ወድና ጥራይ ከኣ ኣይኮነን` ኢለያ ኢየ፡ ግን ምስማዕ ኣብያ” ክብሉ ተዛሪቦሙኒ ነይሮም።

ኣደይ ዘውዲ ግን፡ ብእኡ ትዓግብ ኣይነበረትን። ኩለን`ተን ዝጠርጠረተን ቤት ጽሕፈታት በጺሓ ምስ ቀበአት፡ ንሳ`ውን ዘፍ ኢላ። ኣእምሮኣ ግን ፍጹም ኣይቀሰነን። እቲ ካብ ማሕጸና ዝወጸ ውላዳ፡ ከምዛ ዘይተፈጥረ ፍጹም ሃሲሱ ክተርፍ ከመይ ኢላ ክትቅበሎ!! መጣፍኦ ወዳ ከይፈለጠት ከመይ ኢላ ክትቀብጽ!! ገለ ለውጢ መጺኡ ሓቁ ክትፈልጥ እናተጸበየት ከኣ ኢያ ረቡዕ 27 ሚያዝያ፡ ኣብ መበል 97 ዓመታ ነዛ ዓለም ተፋንያታ። ሞት ናይታ ሳልሳይ ወሎዶኣ ዝረኣየት ኣደይ ዘውዲ ንቡር ኢዩ። ኣቲ ዘይንቡር ዝገብሮ፡ ንዓኣ ጥራይ ዝተኸወላ ዓቢ ሚስጢር ከይፈለጠት ምሟታ ኢዩ።

እቶም 103 ዓመት ዘሕለፉ፡ ኣቦይ ትኩእ ግን፡ እንተስ ብህይወቶም ከለዉ ኩነታት ኣማውታ ወዶም ክንገሮም፡ ወይ ሓቁ ከይፈለጡ ኣሰር በዓልቲ ቃል ኪዳኖም ክስዕቡ፡ ኣብ ትሕቲ በዓልቲ ሓዳር ጓሎም ይእለዩ ኣለዉ። እቶም ሃገር ንምምጻእን፡ ምስ መጸት`ውን ንምዕቃባን ኣማረ፡ ኣየለ፡ ተኽለሃይማኖትን ስምኦንን ዝበሃሉ ኣርባዕተ ደቆምን፡ ኣማኑኤልን ደምሳስን ዝበሃሉ ክልተ ደቂ ወዶምን ዝኸፈሉ ኣቦይ ትኩእ፡ ኣምሳያ`ቲ ኩሉ ዝኸፈልዎ ዋጋ፡ ሓቂ ርሒቓቶም ትነብር ኣላ። ኣየለን እቶም ክልተ ደቂ ሓዉን፡ ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት ዝሰዓቡ ኢዮም።

ኣብ ሳዕል ኢዩ። ንሓደ `ምስ ኣማረ ተኣሲረ ነይረ` ዝበለኒ ተጋዳላይ፡ ኩነታት ማእሰርቲ ኣማረ ምስ ሓተትኩዎ “ኣማረ ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝኣተወ ኣይመስለንን። ብጥቆማ ኢዩ ተኣሲሩ። ንዓና . . “ (ምስ ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ተጋደልቲ ማለቱ ኢዩ) “. . `ብህይወት ክትወጹ እንተ ኾንኩም፡ ተጋጊና ኢና` በሉ፡ ሓቂ ከተውጽኡ ክትብሉ ከይትሓቁ` ኢሎም ዝመኽሩ ሰባት ረኪብና ኢና ወጺእና። ኣማረን ካልኦትን ግን `ዘይንኣምነሉ ጉድለት ኣይንስከምን` ኢሎም፡ ኣብ ዝኣምንሉ ሓቂ ሓቒቖም” ክብል ገሊጹለይ ነይሩ። እቲ ነዚ ዝተረኸ ገዲም ተጋዳላይ፡ ብህይወት ኣትዩን ናጽነት ርእዩን`ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ብምልኡ ናይ ገድሊ ዕድሜኡ ግን ዝግበኦ ክብሪ ዝረኸበ ኣይመስለንን።

እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ፡ `እቲ ኣደይ ዘውዲ ክትረኽቦ ዘይከኣለት ስም ናይ ኣማረ ወዳ ዝሓዘ መዝገብ፡ ኣበይ ኣሎ?` ዝብል ኢዩ። በወግዒ`ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብ እሙናት ምንጭታት ከም ዝረኸብናዮ፡ መልሱ “ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ተጋሒዙ ኣሎ” ዝብል ኢዩ። ኩሎም`ቶም ኣብቲ ጭው ዝበለ ሰናጭሮ ሳሕል፡ በቲ ውድብ ዝሓቐቑ ተጋደልቲ፡ ኣስማቶም እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ሒዙዎ ከም ዘሎ ኢዩ ክንገር ጸኒሑ። እቲ ፕረዚደንትን ቤት ጽሕፈቱን ድማ፡ ካሳብ`ዛ ዕለት እዚኣ፡ ብጩቕ ኢሉም ብዛዕብኦም ኣይተዛረቡን።

ታሪኽ ኣማረን ስድራቤት ኣቦይ ትኩእን፡ ናይ ሓንቲ ካብ ብዙሓት ስድራ-ቤታት ኤርትራ ታሪኽ ምዃኑ ድማ ንእግረ መንገደይ ክገልጽ እፈቱ።

እቲ ዘገርም ድማ፡ እቶም ንኣማረን ብጾቱን ብቓጻ ዘሕቀቁ፡ ሰብ ዝመስሉ ኣራዊት፡ ድሒሮም ቆልዑ ወሊዶምን ስድራ ገይሮምን ኢዮም። ደቆም ዝፈትዉን ዝከናኸኑን ምዃኖም`ውን ዘካትዕ ኣይመስለንን። ንኻልኦት ወለዲ ወላድ-መኻን ገይርካ ከተብቅዕ፡ `ደቀይ የፍቅር ኢየ` ክትብል፡ ግርምቢጥ ሰብኣዊ ፍጡር ኢዩ`ሞ፡ ሓቂ ንፈልጠሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን።

ብወገነይ፡ ንኣደይ ዘውዲ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ፡ ንኣቦይ ትኩእ ድማ ሓቂ ንኽፈልጡ መዋእል ይወስኮም` እብል። ንኹሎም ቤተ-ሰብ ድማ ጽንዓት ይሃቦም።

ታደሰ ኪዳነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Yakob habte May 2, 2016

    Zeytesemie enber zeytegebre yelbon diyu zibehal Gena Ezi Eti Gelé kab zesdemim ab hade beteseb ziwerede eyu Eti zegerm kindey kab Hizbi Eritrea eyu kemzi ziaynetu mekera Ahlifus lomiwin entekone hade aynet tarik zidgem kemzelo zeyfelit mesdemim tiray elka eyu zihlef
    Ente Isaias kisab zelo mik nay tiray

  • Tesfay May 2, 2016

    Mengti semay yewarski nay zelalem erefti yhabki

  • Aslawi azmarino May 2, 2016

    Netab kab bzuh

  • filimon May 2, 2016

    እግዚኣቤሄር ንዉጽዓት ኣይገድፎምን ኢዩ
    ኣብ ምድሪ ሕማቅ ተረከቡ ኣብ ሰማያት ዓስቦም
    ኣለዎም
    እቶ ከምዚ ዓይነት ዝገበሩ ኣቦታት ድማ እግዚኣቢሀር ነብሶም ይምሓር
    ኣምላክ ሰላሙ የዉርደልና

  • kidane May 2, 2016

    Ab alem eti zeyele bedel ab Eritrea alo

  • lemlem May 2, 2016

    Really touching unfortunatable event.

  • Simon G. May 2, 2016

    RIP mother Zewdi. I hate to say that my mother is still waiting to hear about her tegadalay son’s situation, just like you.
    My condolences to the family and thank you Tadesse.

  • kalie ayki-bilin iye,iti gizie melsi nay-zi hito zi gina lomi iyu,hiji,hiji.haye sebeinetkan,sebnetkan iteflitelu iwanu lomi iyu.

  • በረኸት ፍስሓየ May 3, 2016

    ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ፡ እንታይ ይብሃል ኮይኑ ግን ዝሞቱ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ። ጉጅለ እሰያስን ሰዓብቱን ግን ኢድኩም ኣይትስኣኑ ፡ ርሑቕ ኣይኮነን እቲ ግዜ ።

  • hiwet Tesfaldet May 6, 2016

    Btami zehzn mknyatu tarik nay endaboy Tkue sle zfelto. Aeyele noay megadltey koynu bqereba kae yfelto neyre. kulu gzie dfue ydfae . xgum kae kulu gzie xegem zeygedfo mkanu eyu zehzn nay eza Oelemna neger.
    Aedey Zewdi kae kabten efoy keybela zHalefet Eritreawit aede eya emo Mngste semay yewarsa. N Sdrabiet kae xnoat yhabku.

POST A COMMENT