Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ! (ኤደን ኢያሱ)

ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ!         (ኤደን ኢያሱ) ዝተፈላለዩ ኣህዛብ መንግስታቶም ካብ ዝግባእ ንእሽቶ እንተ’ጉዲሉሎም ይኹን፡ ኣብ ክንዲ ከም ህዝቢ ከም ገላዩ ዝረግጹዎም እንተኾይኖም፡ ኩነታቶም ንምቕያር መንገድታት ሃሰው ካብ ምባል ኣየዕርፉን’ዮም። ብንኡስ ይኹን ብዓቢ መጠን ብምንቅስቓስ ድማ፡ ዝመሽመሹ

ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ!         (ኤደን ኢያሱ)

ዝተፈላለዩ ኣህዛብ መንግስታቶም ካብ ዝግባእ ንእሽቶ እንተ’ጉዲሉሎም ይኹን፡ ኣብ ክንዲ ከም ህዝቢ ከም ገላዩ ዝረግጹዎም እንተኾይኖም፡ ኩነታቶም ንምቕያር መንገድታት ሃሰው ካብ ምባል ኣየዕርፉን’ዮም። ብንኡስ ይኹን ብዓቢ መጠን ብምንቅስቓስ ድማ፡ ዝመሽመሹ ስርዓታት ኣልዮም፡ ብሓደስቲ፡ ንህዝብን ሃገርን ንቕድሚት ከሰጉሙ ዓቕሚ ብዘለዎም ስርዓታት ይትክኡዎም። ገሊኦም ሓይሊ ቕልጽም ይጥቀሙ። ካልኦት ሓይሊ ስልቲ። ገሊኣቶም ዓመታት ይወስደሎም። ንኻልኦት ኣዋርሕ። ገሊኦም ናይ ህይወት መስዋእቲ ይኸፍሉ። ካልኦት ናይ ግዜን ጉልበትን ወዘተ። ኣብቲ ከምዚ ዝበለ ዘይርጉጽነት ጥራሕ ከም ርጉጽ ዝውሰደሉ ኩነት ግን ሓደ ርጉጽ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ከምቲ ተደጋጊሙ ዝንገር፡ ነባሪ ህዝቢ’ምበር፡ ነባሪ ስርዓት ዘየለ ምዃኑ ኢዩ። ህዝቢ ዝፈንፈኖ ዝቖንቆነ ስርዓት፡ ከም ጥሜት ዝሓለፎ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲ ሰብ፡ ባዕሉ ንባዕሉ ተባሊዑ ምሕቃቑ ዝተርፎ ኣይኮነን። ሓደስ እቶም በቲ ስርዓት ብቐረባ ዝጽለዉ ወገናት፡ ባዕሉ ሮማዕ ኢሉ ክወድቕ ክንደይ ግዜ ይወስደሉ ዝብል ሕቶ ከሰላስሉ ዘባኽኑዎ ግዜ፡ ወገኖምን ሓባራዊ ረብሓታቶምን ንምድሓን ክጥቀሙሉ ካብ ዝነበሮም ግዜ፡ ካብ ግዜኦም ምዃኑ ኣይዘንግዑ!

እምበኣር ግዜ ወሳኒ’ዩ ካብ በልና፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ዘባኸናዮ ግዜን ዘባኸናዮም ዕድላትን ዘኽፍሉና ዘለዉ መሪር ዋጋ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንርእዮ ኣለና። ህዝብና፡ ድሕሪ’ቲ ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን፡ ከም ግቡእ ብሓርነት ክድበስ ይትረፍ፡ ንቡር ህይወት ከስተማቕር ኣይተፈቕደሉን። ብዘይዝኾነ ይኹን መሰል፡ ኣብ ዉጹእ ባርነት ተቖሪኑ ክነብር’ዩ ተፈሪዱ። መግዛእቲ ወዲ ዓድን ባዕድን መለሳ ኣይተረኽቦን።

ጻዕራም፡ ተባላሓታይ፡ ርሃጹን ደሙን ንህዝቡን ሃገሩን ዘይበቅቕ፡ ንኽልቲኦም ብግብሪ ኣብ ባይታ፡ ብደሙን ብትንፋሱን በጃ ዝሓለፈለን መንእሰይና፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ናይ ግዜን ዓይነት ስራሕን ገደብ ዘይብሉ ፍሹል ወፍሪ ብምጽማድ፡ ኮነ ኢልካ ዓቕሙን ኣፍራይነቱን ከምዝባኽን ተገይሩ። ጉልበቱ ተመዝሚዙ! ግዜኡ ተሓሺሹ። ከም በዓል ጂዮቫኒ ፕሪሞ ዝበሉ፡ ደሴት ትኣክል ከምዝተመጠወትሎም ዝንገረሎም ዉሱናት ደቂ-ዓይኒ መዓር ኣውፈርቲ’ውን፡ ነጻ ርሃጽን ጉልበትን ኤርትራዊ፡ ኣብ ውልቃዊ ጥቕሞም ከውዕሉዎ ዕድል ረኺቦም’ዮም። ኤርትራውያን ወለዲ ብኣንጻሩ፡ ደቆም ኮስኲሶም ኣዕብዮም ከይኣክል፡ ኣብ እርጋኖም ብዘይጠዋሪ ተሪፎም። ነዛ ንነብሶም ኣለይ-መለይ ክብሉ ኣብ ክንዲ ዝጋደሉ’ኳ፡ ብግዲ ካላሽን እናተሓንገጡ፡ ደቂ-ደቆም ናይ ምዕባይ ጾር ኣብ ልዕሊ ዝባኖም ወዲቑ። ክንደይ ባርነት መሪሩዎም ሃጽ ዝበሉ ደቆም፡ ብተመልከተለይ ከምዝተረሸኑ ሰብ እንተዘይቆጸሮ፡ መሬት ኤርትራ መዝጊቡዎ’ሎ።

መዓስ እዚ ጥራሕ?! ነቭሰን ሪሶርስስ ዝተባህለት ካናዳዊት ናይ ዕደና ኩባንያ ትርከበን ኩባንያታት’ውን፡ ማዕድናት ሃገር ምጉሕጉሐን፡ ስቡሕ መሬትና ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዘይገበረኦ ኣይኮናን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ወዮ ዶ ንመሰል ዜጋታት ኣሕሊፉ ዝህብ ስርዓት ተረኺቡ፡ ካዝናታተን ንምህጣር፡ ሕሱር ጉልበት ዜጋታትና ንምምዝማዝ ድሕር ኣይበላን! ብዘይካ’ዚ፡ ሕሱር ጉልበት ኤርትራዊ ብሰደድ፡ ውሕስነት ናብ ዘይብሉ ዓዲ ዓረብ ተላኢኹ። ደቀንስትዮና ብኽብረት ኣብ ዓደን ሰሪሐን ከይነብራ፡ ከም ሕሱር ኣቕሓ ናብ ናብራ ውርደት ዓዲ ዓረብ ተቓሊዐን። ብዙሓት ካብኣተን ብመግዛእትን ዓመጽን ኣእምሮአን ስሒተን። ገሊአን ካብ ርሻናት ጸዲፈን ህይወተን ኣሕሊፈን። ክንደይ ካልኦት ናብ ዓደን ተመሊሰን ኣብ ክንዲ ከምዝሓሰበኦ ጠወርቲ፡ ኣብ ንእዲ ተደኒሰን ተጠወርቲ ኮይነን! እቲ ዘሕዝን ክፋል ናይ’ዚ ዘሕዝን ዛንታ ግን፡ ጉልበት ኣሕዋትናን ደቅናን ምምዝማዙ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ መስርሕ ህይወቶም ብቐንዳ እንተጠፍአት፡ ኣካሎም እንተጎደለ ይኹን፡ ብሕሱም መግዛእቲ ኣእምሮኦም እንተሳሓቱ፡ ብዘይካ ብዝኸሰሩዎ ምኻድ፡ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሎም ምዃኖም ኢዩ። ተጣባቒ ዝስኣኑ ዜጋታትና ንግዳይነት ተቓሊዖም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝብና፡ ብሓፈሽኡ ከም ሳዕቤን ጋሕማጥ ምሕደራ ስርዓት ኢሰያስ፡ ብድኽነት ተሓስዩ። ናይ ምንባር ደረጃኡ ባይታ ዘቢጡ። ኣቐዲሙ ንመዓልቲ ሰለስተ ግዜ ክምገብ ዓቕሚ ዝነበሮ፡ ሓደ ሻብ’ኳ ደቁ ምዕንጋል ከቢዱዎ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ዘለካ ምዃን ኣብ ሓደ ግዜ ልሙድ ከምዘይነበረ፡ ሓድሽ ተርእዮ ኮይኑ። ብኣንጻሩ፡ መሸላን ሽኮርን ብዝተመጣጠነ ዋጋ ንምርካብ ተባሂሉ፡ ብለይቲ ኣብ ኣፍ-ደገ’ተን ብድኳን ሕድሪ ዝፍለጣ ናይ’ቲ ስርዓት ደዃኩን፡ ተጨሪሕካ ምሕዳር ልሙድ ኮይኑ።

ብሰንኪ ጊላነት ናይቲ ዓማጺ ስርዓት ጠወርቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት፡ ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ገጾም ውሒዞም። ቁጽሪ ዘይብሎም ዕሸላት፡ ኣዴታትን ኣረጋውያንን ብሕሱም ሃለዋት፡ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ናይ እንጌራ ትኳቦ ክምእርሩ ምርኣይ ገኒኑ። እቲ ዕሉል ስርዓት ግን፡ ሃለዋት ዜጋታት ዝዓጦ ስለዘይኮነ፡ ነቶም ጉልባቦም ቐሊዖም ክልምኑ ዝተገደዱ ወገናትና፡ ያኢ ርስሓት ኮይኖም፡ “ጎደናታት ከጽሪ” ብማለት፡ ወታሃደራት ከተማ እናዋፈረ ብምግፋፍ፡ ኣብ መዓስከራት ክዳጉሞም ንምጉያይ፡ ድሕር ኣይበለን፡፡ ነቶም ሽጉራት፡ ኣብ ልዕሊ ጥሜቶም፡ ሃድን ወታሃደራት ከተማ ተወሲኹዎም። እታ ጥሜት’ምብኣር፡ ጥሜት’ያ እታ ኹሉ ዝፈልጣ። እታ ምግፋፍ ከኣ፡ ምስ ጥሜትካን ምስ ዕሸላት ደቅኻን ከም ገበነኛ፡ ምስ ኣማኢት ካልኦት ከማኻ ጽጉማት፡ ኣብ ሓደ ቐጽሪ ተዳጒንካ ምቕናይ ኢያ። ናብ ንቡር ሕሰምካ ንኽትምለስ ድማ፡ ዋሕስ ከተምጽእ ኣለካ። ወዮ ዋሕስ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ምልማን ከይትርከብ ክመኽረካ ጥራሕ ኣይኮነን ዝሕተት። ኣማኢት’ውን ክኸፍል ኣለዎ። እዚ ዘረጋግጾ ሓደ ነገር ኣሎ። ንኢሰያስን ጭፍርኡን ካብ ህይወት ሓደ ኤርትራዊ፡ እተን ዝትሓዛ ኣማኢት ናቕፋ ይበልጻ። ካብቲ ዝጓሳቖል ህይወት እታ ትኽፈል ገንዘብ ክትከፍኦም ምዃና ስለዝኣመነ ከኣ’ዩ፡ ንህዝብና ነዚ ሕሰም ኣቃሊዑዎ። መቸም ንኸምህዝብና ዝበለ፡ ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፡ ዝባንካ ወደቦ’ይርኣዮ ምባል ዝኣመሉ፡ ጸገሙ ሸፊኑ ዝተናበረ ኩሩዕ ህዝቢ፡ ካብዚ ዝዓቢ ውርደት ኣበይ ከይህሉ!?

እምብኣር፡ ግዳይ ጥሜት ይትረፍ፡ ግዳይ ድኽነት ክኸውን ዘይነበሮ ህዝቢ እንተነይሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ቀይሕ ባሕሪ ዝኣክል ምንጪ መግብን ኣታዊ ሸርፊ ወጻእን እንተዘይነብሮ’ኳ፡ ጻዕራምነቱ፡ ኒሑን፡ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሉን፡ ንሕሰም ኣሕሊፎም ኣምበይ ምሃቡዎን። ኮይኑ ግን ህዝብና፡ ደይ-መደይ ኢልካ፡ ብኢዱን ብእግሩን ስለዝተታሕዘስ፡ ካብ 34 ዝበዝሓ ደሴታት ዝሓቖፈ፡ ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተቐኒቱ እናሃለወ ሓሲሙዎ፡፡ ማዕድናቱ ሃብታማት ኣብ ርእሲ ዘለዎም ክዉሱኹ እናገበቱዎ፡ ብጥሜት ተዓጺፉ። እቶት ስቡሕ መሬቱ፡ ምርኡያት ኣገልገልቲ ውልቀ መላኺ ጉልበት ደቁ እናተጠቕሙ እንክጓርቱዎ፡ ብዘይእኽሊ ብምትራፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ርስቲ ኣቦታቱን መነባበሪኡን ዝኾነ መሬቱ ስለዝተመንዘዐ፡ ሕልናኡ ዓሪቡዎ፡ ሻቡ ዕምሩ ዝሓጸረ ኤርትራዊ፡ ኣዲኡ ትቑጸሮ!

እዚ ኹሉ ክኸውን እንከሎ፡ ንሕና ተስፋታትና፡ ባህግታትናን ሕልምታትናን ኣብ መዓሙቕ ልብታትና ጸይርና፡ ካብ ሎሚ ጽባሕ ክሓይሽ’ዩ እናበልና፡ ሓድሕድ ተጸናኒዕና ኢና ሓሊፍናዮ። ከም ሕሱም ተኣባቢድና! ኣብቲ ናይ ህይወት ኣሰር ዘይብሉ ደረቕ ምድረበዳ፡ ዓማቚ ህይወት እተስርር፡ ንቡርነትና እትመልስ ዒላ ኣናዲና። ከይረኸብናያ ምስ ተረፍና ድማ ተደናጊርና። ገዛእን ምረት መግዛእቱን ተጻዊርና ኣሳሊናዮ። ምስ ገዛእ-ርእስና ኣብ ምጉት ተጸሚድና። ናይ ዓድና ነገር፡ ሞት ሕጹይ ኮይኑና፡፡

ፍንጫሕ መሰንገልና ብዘይክስን ፍርድን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ክበልዩ መስኪርና። ንሕና ‘ሎሚ ዶ ጽባሕ ካብቲ ድቕድቕ ጸላም ወጺኦም ብርሃን ይርእዩ? ምስ ስድርኦም ከ መዓስ ኮን ይራኸቡ? ዘይፈልጡዎም ዕሸላት ደቆም መዓስ’ዮም ዝርእዩዎም? ወለዶም ከ መዓስ ኮን ይሓቑፉዎም?’ እናበልና ንዓሰርተታት ዓመታት ተጻኒሕና። ንሳቶም ብወገኖም፡ ‘ህዝብና መዓስ ዩ ዝርህዎ? እቲ ንሕና ንሓርነት ንኸፍሎ ዘለና መስዋእቲ ኸ፡ መዓስ’ዩ ፍረኡ ዝርከብ? ህዝብና ካን ድዩ ንዉጹእ ባርነት ተፈሪዱ ክነብር? በጃኻ ኸ ህዝብና!’ እናበሉ ቃልሶም ብመንፈስ ክቕጽሉ፡ ምሉእ ዕድመኦም ተበሊዑ።

ህዝብና ግን ፍትሒ፡ መሰልን መግብን ጥራይ ኣይኮነን ተሓሪሙ። ኩሉ ዓይነታት መሰረታዊ ኣገልግሎትስ ኣበይ ረኺቡዎ? ኣብ ከተማታት ዝተዘርገሐ መታሓላለፊ ዝስተ ማይ፡ ካብ ዝነቅጽ ብዉሑዱ ልዕሊ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ። ዜጋታት ግን፡ ናይ ዘይረኸቡዎ ኣገልግሎት ማይ ካብ ምኽፋል፡ ዓዲ ኣይዋዓሉን። ናይ ሓይሊ ኤለትሪክ ነገር’ውን፡ ካብ መዕበስ-ኣፍ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

ኣብ’ታ ሃገር ዘለዋ ሆስፒታላት፡ ንስሙ’የን ዘለዋ እንተበልካ ምግናን ኣይኮነን። ኩነታት ኣገልግሎት ጥዕና ሃገርና፡ ሚኒስተር ጥዕና ዝነበረ፡ ነፍስ-ሄር ኣቶ ሳልሕ መኪ፡ ናብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ካብ ዝቕየር ንድሓር ከም ዝብኣሰ’ዩ ዝንገር። ክፍወስ ከይዱ፡ ካብ ዝሓዊ ዝመውት ይበዝሕ። ነብሰ-ጾራት ኣብ ግዜ ወሊድ ብዘጋጥሙ ቀለልቲ ጸገማት፡ ህይወተን ወይ ደቀን ክስእና ምርኣይ፡ ልሙድ ተርእዮ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኮይኑ’ሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ናይ ውልቂ፡ ከምኡ’ውን ካብ 22 ዝበዝሓ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ዝካየዳ ክሊኒካት ዝተወስደ ናይ ምዕጻው፡ ንብረት ናይ ምርሳይ ስጉምቲ ሓደ ዘረጋገጾ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ዕሉል ውልቀ-መላኺ፡ ንህዝብና እንተተኻኢሉ ንምጽናቱ፡ ክሳብ ሽዑ ድማ ንምስቓዩ ብመደብ ክሰርሓሉ ምጽንሑን ምህላዉን ኢዩ። እንተዘይከውን ከመይ ኣቢሉ’ዩ ኣብታ ሃገር፡ ንፈውሲ ማሕላ ቀረብ ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት ይኹን፡ መሳርሒ ሕክምና ዘየሎ እናኾነ፡ ንበዓላትን ፈንጠዝያን መንእሰያት ህግደፍን ካልእን፡ ንመሸመቲ ኣጽዋርን መካየዲ ኲናትን ሚልዮናት ክባኽን ዝውዕል ዘሎ?

እምበኣር፡ መንግስቲ’የ እናበልካ፡ ንህዝቢ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና ክትቅርብ ዘይምኽኣል ሓደ ነገር ኢዩ። ብሞያዊ ሓላፍነቶምን ጻውዒቶምን ንህዝቢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ውልቀ-ሰባት ምእሳር፡ ካብ ስርሖም ምእጋድን ምድፍኦምን ግን ዘይሓላፍነታዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ውን ኢዩ። ኣካል ናይቲ ንኤርትራውያን ናይ ምጥፋእ ዘመተ ስለዝኾነ ከኣ፡ ከነድረናን ክንኩንኖን ይግባኣና።

ኣብ መዳይ ትምህርቲ እንተርኣና’ውን ከምኡ’ዩ። ኤርትራውያን ዓይነት ትምህርቲ ኢዮም ዝረኽቡ ዘለዉ ዝብል ሕቶ ከም ሕቶ’ውን ዘይምልዓሉ ይሓይሽ። ናብቲ ብዝበለጸ መሰረታዊ ዝኾነ ህላወ ኣብያተ ትምህርቲ ክንከይድ። ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመታት፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ኣብያተ ትምህርቲ ምስርሐን ይፍለጥ። እዚ ነተን ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ወይ መዋእለ ህጻናት ተባሂለን፡ ብለቓሕ ባንኪ ዓለም፡ ከምኡ’ውን ብደገፍ ኢታልያን ኮርፖረሽን ብዝተረኽበ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዶላር ዝተሃንጻ ማእከላት፡ ኣብ ግምት ከይእተኻ ማለት ኢዩ።

ይኹን’ምበር ዝበዝሓ ካብኣተን፡ መውዓል ጥሪት ኮይነን ኢየን ተሪፈን። ገሊአን ድማ ብሓደስተን፡ ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ከይሃባ ተዓጽየን ይርከባ። ነዚ ምስ ትዝክር፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቻርተር፡ ኢሰያስን ጭፍርኡን ብሓቂ፡ “ራኢና ጥሜት፡ ድኽነትን ድንቁርናን ካብ ኤርትራ ምጥፋእ ኢዩ” ኢሎም እንተኾይኖም፡ ጥሜት፡ ድኽነትን ድንቁርናን ንዘልኣለም ካብ ኤርትራ ኣይርሕቃን’የን ማለቶም ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ሎሚ ንኽሓልፈልና ዘይኮነ፡ ንሕልፈትና’ዮም ዝጓየዩ ዘለዉ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ብስም ኤርትራውያን ንምዕባለን ዕብየትን ብዝብል ምኽንያታት ዝወስዱዎ ለቓሕ ኣሎ። እዚ ኣብ ካዝናታት ወጻኢ ኸዚኖሞ ዘለዉ ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ፡ ንዓታቶም ወለድ የጠራቕመሎም ኣሎ፡፡ ንዓና ድማ ሎሚ ኣብ ግቡእ መዓላ ዘይምውዓሉ፡ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ከይኣኽሎ፡ ንጽባሕ’ውን ዕዳ’ዩ ዘጠራቕመልና ዘሎ። ኣብ ዝባናን ዝባን መጻእቲ ወለዶታት ኤርትራ ዝኹምሩዎ ዘለዉ፡ ዕዳ’ምበር ስልማት ኣይኮነን።

ኣብዚ ኩሉ ቅድሚ ምብጽሑ እቲ ውልቀ-መላኺ፡ ሃገርና ከም ሃገር ቀኒዓ ደው ክትብል ክትከሉ ዝነበሮም ከም ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ስርዓትን ሕጋውነትን ዝበሉ ወሰንቲ ኣዕኑድ፡ ከይትከሉ ምእንቲ ወሳኒ፡ ንጡፉን ኣዕናውን ተራ ኢዩ ተጻዊቱ። ነቲ ተግባር ከኣ ብሃውሪ ዘይኮነ፡ ብመደብ’ዩ ውዒሉዎ። ሓደን ቀንድን ካብ ዕላማታት’ዚ፡ ሽርሒ፡ ሕጊ-ኣልቦነት ከምዝስዕርር ገይርካ፡ ኤርትራውያን ብመግዛእቲ፡ ጭኮና፡ ብምረት ናብራን ተስፋ ምስኣንን ተሰኒፎም፡ ነታ ብመስዋእቶም ዘምጽእዋ ናጽነት ኣሕሊፎም ክህቡዋ ንምግዳድ ኢዩ። ጥርዚ ናይቲ ሽርሒ ጎሊሑ ዝተራእየ ድማ፡ ኣብ ሰነ ናይ 2018 ኢዩ፡፡ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብሰላም ኣመሳሚሱ ዘካይዶ ዝነበረ፡ ቅጥዕን ወግዕን ዘይነበሮ ርክባት፡ ናይ ምስሉይነት ጉልባቡ ቀሊዑ፡ ሓቀኛ መንነቱን ዕላማኡን ኣርእዩና ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ንሱ መንግስቲ ኢሉ ዝጽውዖ ናይ ዓንደርቲ ስርዓት፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ንኽህሉ ዝኾነ ሕጋውን ሞራላውን ባይታ ከምዘይብሉ’ውን ብተግባራቱ ድሮ ኣነጺሩልናን የነጽረልና ኣሎን።

ብዘይሃገር ክብረት የለን ክንብል እንከለና፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት፡ ኣብ ገዛእ ዓድና፡ ከም ደቀ-ባት ንቡር ተሓሪምና ምንባር ክንጻወሮ ኣይግባእን ማለትና’ውን ኢዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ቀዳሞት ጸላእትና ኢሰያስን መጫፍርቱን ምዃኖም ካብ ኣረጋገጽና፡ ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ’ዩ’ሞ፡ ካብዚ ንላዕሊ ከይንምናዕ፡ ዓቕምታትና ኣዋሃሂድና፡ ሃየ ሓቢርና ንምናዕ!

ክሩሁ ኢዩ! ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራን ድማ ንዘልኣለም ክነብሩ ኢዮም!

መስከረም 5/2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Mekonen September 6, 2019

    Eden Iyasu..well said sis.Ajoki soon we will previel!

  • k.tewolde September 6, 2019

    ‘MERETEY ZEFREYO SEWIT NAY GRATEY,FELFILU ZIWETSI’E MA’EDIN WEDEBATEY,GUANOT YIBELE’EWO MOSOBAT NAY ADEY….’ Yemane Barya ,it looks like some just saw it coming a while back,my favorite Eritrean crooner,why did you have to tell us in a subtle way,you could have said it blatantly, this way we don’t have to endure over half a century of bloody mayhem. Where do those clairvoyants go. Thanks Eden for your impeccably written article.

    • Gezae September 7, 2019

      YOU DO NOT KNOW YOUR POSITIONS AS WELL AS EVEN YOU DO NOT GLANCE YOUR SURROUNDINGS. YOU ARE CERTAINLY POLITICAL DILAPIDATION…………………. AFTER ALL YOU DO NOT HAVE MENTAL PROPENSITY/ RATIONALITY TO WRITE AND SPEAK ABOUT ERITREA, ERITREAN GOVERNMENT AND THE GREAT & PROUD PRESIDENT OF THE STATE OF ERITREA PIA. AS WE ALL KNOW YOU, YOU ARE AN ASSEMBLAGE OF AWOL, ESCAPEES, BACKSLIDERS & WOYANE CARPETBAGGERS.
      EVIDENTLY, AS YOU YOURSELVES SAID SOME OF YOU ARE DONKEYS & SOME OF YOU ARE FOXES & NONE OF YOU CAN CHALLENGE THE LIONS OF NAKFA.

      • k.tewolde September 8, 2019

        As long as your mind is a battlefield of predatory animals,you will never think as a human being my friend,you simply are a turntable with the needle stuck in one track.It is a new era,come out of the foxhole,the scruffy old ‘lion’ has gone rogue and is eating his cubs and surrendering swaths of our prime real estate to the hyenas south of the border and across from the red sea.What does it take for people like you to be current and prudent,360 joules of electricity to the frontal lobe?

  • Aba thimmer September 8, 2019

    Lion of nakfa, fox of Adi halo, rotten rat of Sawa and more homosexual beecher of Awasa rapresents only himself. What makes me wonder is, how lion if…,become a fox or rat is mysterious gen of TEMBEN? i leave the answer to mr GEZAE.

Post a Reply to Gezae Cancel Reply