Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣጀንዳ ኢሳይያስን ጭፍርኡን፡ ብመራሕቲ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ይኽሻሕ

ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ብምሓዝ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይሰርሓሉ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ'ቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ

ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ብምሓዝ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይሰርሓሉ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ’ቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ዉድብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንዉድቡ ብምዉካል ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ካብ ቅድሚ 12 ዓመታት ከካይድዎም ዝጸንሑ ምስጢራዉያን ርክባት ዕምቆት ብዘለዎ ዝርዝራዊ ጽሑፍ ኣብ ኣዉራምባ ታይምስ ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣቃሊዑ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ (ብፍላይ ኢሰያስን የማነ ማንኪን)፡ ንምእማኑ ክሳዕ ዘጸግሞ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከምዝስቑርቆሩን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ኤርትራ ክትሓበር ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም ከምዝሰርሑን፡ ብሰሪ ዕንቕፋት መለስ ዜናዊ እዚ ሕልሚ’ዚ ጋህዲ ክኸዉን ከምዘይከኣለን ኣረዲኡ። ንሱ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ዝነደፈትሉ እዋን፡ ኢሰያስ ንዓንቀጽ 39 ካብቲ ሕገ-መንግስቲ ክትለግስን፡ ክልላት ኣብ ክንዲ ቋንቋ ብጂኦግራፊያዊ ኣቐማምታ ተኸፋፊለን ክመሓደራ ተባሂሉ እንተተኣሪሙን፡ እቲ ስርዓተ-ምሕደራ ንኤርትራ’ዉን ዘይሕዉሰሉ ምኽንያት ከምዘየለ ዋላ’ኳ ደጋጊሙ እንተገለጸሉ፡ መለስ ግን ካብቲ ዝነበሮ ተሪር መርገጺ ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ኣይነበረን ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ ` መለስ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ብዘይ መሰል ምግንጻል ክዉን ክኸዉን ስለዘይክእል ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ፡ ምስ ኢሳይያስ በዚ ምኽንያት ኣብ ዓቢ ዘይመቅዳ’ዉን ዘእተዎም ቀንዲ ምኽንያት ምንባሩ ኣብ ዋሽንግተን ምስ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዘካየዶ ምስጢራዊ ርክብ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ኣኸሺሑ ኣሎ። ንሱ  ኣስዒቡ “ካብቲ ዝገረመኒ ነገር፡ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ኢሰያስ ዓባይ ኢትዮጵያ ክርኢ ክሓልም እንከሎ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መለስ ግን ዓባይ ትግራይ ምሕላሙ ኢዩ።“ ይብል።

ንሱ ኣብ’ቲ ልዕሊ 30 ገጻት ዝሓዘ ገና`ዉን ዝቕጽል መግለጺኡ ብኸመይን ኣበይን ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከምዝተራኸቡን፡ ኤምባሲታት ኤርትራን ነዚ ርክባት ኣብ ምጥጣሕ ዝነበረን ተራን ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ። ብፍላይ እኳ ይብል፡ የማነ ገብረኣብ(ማንኪ) ነዚ ዕማም ኣብ ምስልሳል ናብ ወጻኢ ሃገራት ብብዝሒ ብምምልላስ ምስ ሓያለ ካብ መራሕቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ርክባት ከምዘካየደ ኣረዲኡ።

እቲ ብኣብርሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ፡ ነቲ ን12 ዓመታት መመላእታ ሓያለ ኤርትራዉያን ስለምንታይ ኢሰያስን ጭፍርኡን፡ ቍዋም ይኹን ባይቶ ዘይብላ ብምፍጣር፡ ነዚ ኩሉ ዕንደራን ምሕረት ዘይብሉ ጭቖናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የዉርዱ ኣለዉ ዝብል ሕቶን፡ ኣንፈት ኤርትራ ናበይ ምዃኑ ብዘየዳግም መንገዲ ምላሽ ረኺቡ ኣሎ ክብሉ ገለ ካብቶም ነቲ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ዘንበቡ ሰባት ርእይትኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣቐዲሙ መለስ ዜናዊ ምስ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ፖዉል ሀንዘ ኣብ 1990 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠየቕ፡ ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ደርግ ዕጫ ኤርትራ እንታይ ከምዝኸዉን ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ”ጽቡቕ ርክብ’ዩ ዘለና ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘለዎ ስክፍታ ድማ ኩሉ ሳዕ ምስ ኣካፈለኒ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ እምበር ኢሰያስ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትንጸል ኣይደልን ኢዩ። ” ክብል ከምዝተዛረበ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ኣብ 1993 ኢሰያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን ናጽነታ እንተኣወጀት፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይዉሰድ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብቑጠባን ፖለቲካን ንኽትሓብር ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ እንዛረቦ ዘረባ ዘይኮናስ ኣሚና ብዕቱብነት እንሰርሓሉ ጉዳይ ኢዩ ክብል ብዕሊ ገሊጹ ኔሩ’ዩ። እቲ ሽዑ ዝሃቦ መግለጺ ብቪድዮ ስለዝተሰነደ ኣብዚ ሊንክ ንምዉካስ ይከኣል። https://www.youtube.com/watch?v=rthKX-ymawE

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እቲ ብኣብራሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ ህልዉ ኩነታትና፡ ናበየናይ ኣንፈት ነምርሕ ከምዘለናን ብዕቱብ ንምርዳእ ዓቢ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡  ትርጉሙ በብኽፋል ከነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
61 COMMENTS
  • Hitzit October 29, 2013

    Mihretu: If on the final analysis, you are agame go to awaraja Agame and claim a piece of land. Yes because of migration a country might be inhabited by various nationalities or comers. But once migrants settle in a host, their great grand children do not look back wards and confuse their identities, unlike of you, provided you are the right person from the locality of Hamasien. Shame on you.

  • mik October 29, 2013

    I think I agree with abay tigray eritrea and tigray together we will be strong nation. Tigray has got 500mega watts electricity power 3 international universities. And large industrial zones manufacturing different types of commodity

  • john October 29, 2013

    Antum Sebey Entay Ena Koyna Nnhedhdna Knweqaqes Tsehay Areibatna , Beka B Kalaet Ab Gegezana Koyna Asmat Knewahahab,Hade Haki N Hizbi Eritrea Xelai Abzi Ewan Nxeur Eyu Eseu Ka Menghesti Eritrean Mesrhtun Eyom, Kabu Halifka Mewkekas Gen Netti Essu Z delyo Divide & Rule Ab Gebri Mweal Do Aykonen. Slezi Netti Zey Snemgber Zmelo Reyto Kenalaleyo Ygebana , Slementay Eyu kemzi xhefu Elna N meramer Kendi Natu Reyto Kemtti Natu Tetekimka Reyto Mhaeb Kemzeylo Do Metmat Do Aymhashen Cause Sometimes in Some Situations To Be Silent Is More Fruitfull than To Talk Alot. Amlak N Hezbi Eritrea Ydengex,

  • Pleroma Righteousness October 31, 2013

    Nai Meweda’etta Echa Ertra Esaias Afwerki Zwsinelu Ewan Abqi’u Eyu….Mnalbat Kebalashu Yftn Ykhewn ……Isaias Afwerki Hlmu Ketegbr Intay Zeygebere….ERTRA GNA NHLMTAT ISAIAS ZEYTEBUKUL KEWHI KOYNA EYA…. Isaias Afwerki Ab Biet Mestte Teshogitu Ms Sekhere Zzarebo Tedegagemti Kalat ‘Neza Hager SOMAL Kgebra’ye….Ezi Mushmush Hzbi ….etc… Eyu.Isaias Hlmu Kab Zmewut Ametat Koynu allo…… Bejakhum Hji Dehri Isaias Zela Ertra Ewe Hadas Ertra Ner’ay !

  • Truly Truly i say to you October 31, 2013

    If you have patience to listen carefully a mad man, you will found out even a crazy man can speak the truth. That is exactly what cow face aka Mehrtu Habte is practicing here. To be honest cow face didn´t mistaken when said, “ወያነ ይኹን ሻዕብያ ደምሒት ኩሎም ኢትዮጵያዊ ሓይሊ እዮም፣ንሕና ድማ ንዘይጠፍ ኣና ነጻነት ዝጠፋእናን ንጠፍእ ዘለናን ኮንዶም ኢና ።ክሳዕ ልቢ ንዕድግ ድማ ክንጠፍእ ኢና። ” (His speaches Woyane, PFDJ and TPDM are Ethiopians not Eritreans has absolute truth. This is why for Isayas the Grand Ethiopian Renaissance Dam which is expected to produce a 6000MW electricity too little for him , but he wishes for Eritrea, a 20, 30, 40 MW more than enough. For him Eritrea even has no any ports and islands, thanks for his dysfunctional acts! From his mockery of speech, it is not hard to guess what kind of person or national is ruling our country. Dear my countrymen after this Lampaduza incident we should not let this wolf with sheep skin to exist more. No later than before end of 2013 this cursed DIA-blos should to be eliminated by any means!

  • michael tedla October 31, 2013

    essayas must be captured before running away like maybe like sadam if he can find a hall ..and get rid his maffia groups look Israelis their not like us they different politics they stick to gether lets do that before goes like 50th and struggle for another 40years .thanks

  • weldeamlak October 31, 2013

    Please. Asena allow me to state some words and suggestions is it fear to do like that according our culture I mean to list our brothers and sisters who died in the sea of Italy I think it was better to consult people before you issue the list with great and high respect your fallower and attendant

POST A COMMENT