Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣጆኻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ጸበባ ራህዋ’ሎ!

ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፍሉይ ምዕራፍን ዝኽርን’ዩ ዘለዋ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ነቲ ዝስዓር ዘይመስል ናይ ሓያላት ሃገራት ምሉእ ዘይጉድል ኩለንተናዊ ደገፍ ዝነበሮ መግዛኣቲ ኢትዮጵያ ብስሙር ቅልጽሙ ስዒሩ

ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፍሉይ ምዕራፍን ዝኽርን’ዩ ዘለዋ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ነቲ ዝስዓር ዘይመስል ናይ ሓያላት ሃገራት ምሉእ ዘይጉድል ኩለንተናዊ ደገፍ ዝነበሮ መግዛኣቲ ኢትዮጵያ ብስሙር ቅልጽሙ ስዒሩ ልኡላውነቱ ኣረጋጊጹ። ግደ ሓቅን ፍትሓን ንምዝራብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመጠን ንመሰሉን ንመንነቱን ዝኸፈሎ ረዚን መስዋእቲ፡ ዘጋጠመ ሕሰምን ዝተጻወሮ ጸበባን፡ ልዕሊ ሰቡ ክኸብርን ብሰላም ክነብርን ምተገብአ። ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰሉ ንምርግጋጽ ክቡር መስዋእቲ ምኽፋል ከምዘድሊ ኣንጊሁ ስለዝተገንዘቦ፡ ደሙን ዓጽሙን ሂቡ’ምበር ናጽነቱ ብምጽወታ ክልገሰሉ ጉንዖ ኣይሓተተን።  እንተኾነ፡ እታ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ተጋድሎ ዝረኸባ ወርቃዊት ናጽነት፡ ከይመነዋ ካብ ኢዱ ሃደመትን ብደልሃመት ተተክአትን። እቲ ሕሉበይን ውላደይን ኢሉ ንህዝባዊ ግንባር ልቡ ቀሊዑ ዝሃቦን ካብ እግሩ ከይተረፈ ዝተቃለሰን ህዝብና፡ ሎሚ ኣጽናቲኡን ደመኛኡን ኮይኑ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሓንቲ ካብተን ብቀጻሊ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመላ ሰንካም ሜላ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና፡ ዝብላዕን ዝስተን ሓሪሙ ብጥሜት ከሳቅዮ፡ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት መፈጠሩ ከጽልኦ፡ ከይኣቱን ከይወጽእን ናብ ናይ ገዛ እሱር ክቅይሮ፡ ዘዝተወልዱ ደቁ መንጢሉ ኣብ በረኻ ከስፍሮም፡ ከይዛረብን መራሕቱ ከይመርጽን መሰሉ ክግህሶ፡ ብዘይ ፍርዲ ክቀትሎን ንዓመታት ክኣስሮን፡ ኮታስ ቃሕ ዝበሎ ክፍጽም ምሉእ ስልጣን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ዋላ’ኳ እቲ ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝብና ብቀጥታ ህግደፍ ኣተኻ ወጻኻ ክብሎ ዘይክእል እንተኾነ፡ ብተዘዋዋሪ ግን ህይወቱ ክዘርግ ዘይፍንቅሎ እምኒን ዘይኣልሞ ተንኮልን የለን። ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ስደት ዝበታተን ዘሎ ህዝብና፡ ምረት ናብራ ተጻዊሩ፡ ባህሉ፡ መንነቱን እምነቱን ከየጥፍእ፡ ምስ መበቆል ሃገሩ ክይባተኽ ብዙሕ ጻዕርታት’ዩ ዘካይድ። እንተኾነ፡ ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይነይስተ ስለዝኾነ፡ ብፍልስፍና ስርዓት ህግደፍ፡ ሓድነትን ምትእኽኻብን ህዝቢ ኤርትራ፡ መሕጸሪ ስልጣኑ ገይሩ ስለዝወስዶ፡ ባዕሉ ዘይቆጻጸሮ ማሕበረ ኮም ከይምስረትን ቤት ጸሎትን ንኸይህሉን ዕንቅፋታት የካይድ ኣሎ። ህዝብና’ውን፡ ኣብ ክንዲ ንተንኮላትን ጎጃጃልን ሜላታት ህግደፍ ብትብዓት መኪቱ፡ ብዛዕባ ህይወቱን መጻኢ ዕድላት ደቁን ቀዳምነት ሂቡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዕድላት ክጥቀመሉን ኣይክኣለን። ሎሚ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ጎቦ ኣፍሪሱን ተማሂሩን ሃገር ከልምዕን መነባብርኡ ከመሓይሽን መጻኢ ዕድል ስለዘይብሉ፡ ብዝኸዶ ከይጠፍእ የጠራጥር። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ቅርዑይ ምምሕዳርን ቁጠባዊ ሜላታትን ስለዘይብሉ፡ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ወናኒ ዕድሉ ክኽውን ሕልሚ የብሉን። ብኣንጻሩ፡ ቀዳምነታት ስርዓት ህግደፍ፡ መንእሰያት ኣንጻር ኣሕዋቶምን ደለይቲ ፍትሕን ከምዝስለፉን ሓቂ ንኸይፈልጡ ምውዳብን’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ዋላ’ኳ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ስቃይን ሓሳረ መከራን ዝመልኦ ህይወት የሕልፍ እንተሎ፡ ካብኡ ናብኡ ግን እቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝሰንከለን ኣብ በረኻ ከርተት ዝበለን ተጋዳላይ፡ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን መዕቀኒ ዘይብሉ ሕሰም ተቃሊዑ’ሎ። ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ “መጀመርታ እንተለዎ መወዳእታ’ውን ኣለዎ” ኢሉ፡ ነታ ሓንሳብ ዝዓጠቃ ብረት ከየውረደ፡ ብጽንኩር ኩነታት ከይተመልከ፡ ንናጽነት ኤርትራ ዝኣተዋ ምብጽዓ ከይጠለመን ህይወቱ ከይበቀቀን፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክሳብ ካብ ኤርትራ ዝጽረግ ዝተቃለሰ ተጋዳላይ፡ ልዕሊ ሰቡ ክኸብርን ሞሳ ክወሃቦን ግቡእ’ዩ። ሓደ ካብ ጽቡቅ መግለጺን ቅኑዕ ፖሊስን መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ዓውድን ንሃገሮምን ህዝቦምን ልዑል እጃም ዘበርከቱ ዜጋታት ተፈላጥነትን ኣኽብሮትን ምሃብ’ዩ። እዚ ወረጃ ስጉምቲ’ዚ፡ ነቲ ዝመጽእ ወለዶን ንኻልእ ዜጋን፡ ንሃገሩን ህዝቡን በጃ ከምዝሓልፍን ውፉይ ስራሕ ከምዘበርክትን ምትብባዕ’ዩ። ብኣጠማምታ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ “እቲ ዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብል ቅዱስ ዕላማ ቦታ የብሉን። ኣብ 1991፡ ተጋዳላይ ንጸላኢ እግሪ-እግሩ እናስዓበ ኣስመራ ክኣቱ እንከሎ፡ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ፡ ብዕልልታን ናይ ሓጎስ ንብዓትን፡ ንደቁን ኣሕዋቱን ክቅበል እንከሎ፡ ዝነበረ ህሞት መግለጺ ቃላት የብሉን። ብርግጽ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብ ውሽጥን ውጻእን ዝነበረ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጉልበት፡ ብገንዘብን ንዋትን ከምዝተወፈየ ዘጠርጥርን ዘካትዕን ኣይኮነን። ብዘይ ዘየቋርጽ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነትና ክረጋገጽ ኣይምኽኣለን። የግዳስ፡ ቅድሚ ናጽነት፡ እቲ ንተደጋገምቲ መረርቲ ወራራት ጸላኢ ዝምከተ፡ ኣብ ግንባራት ናቅፋ፡ ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል፡ ሓልሓል፡ ጊንዳዕ፡ ባጽዕን ካልኦት ቦታታትን ንዓመታት ከም ውኻርያ ኣብ ጎዳጉዲ ሕሰም ዝተጻወረ፡ ዝተሰውአን ዝሰንከለን ዝወዳደር ፍጡር ኮቶ የለን። ስለዚ ነዚ እፎይ ኢሉ ከየዕረፈ፡ ብርኩ ከይዓጸፈ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ብጅግንነቱን ብቅያታቱን ከይተሓበኑ ሞያኡ ክብሪ ክስእን፡ ናብ ስደት ከምርሕ፡ ክእሰርን “ብኻ ተሰዊአ-ሳሕል ተሪፈ” እናበለ ከስተማስልን እንከሎ፡ ድርብ ሓዘን’ዩ። 99 ካብ ሚእቲ፡ እቲ ካብ መስዋእቲ ብዕድል ዘምለጠ ተጋዳላይን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዳግማይ ኩናት ዝተጠብሰ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ግዳያትን ጊላታትን ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ ቅንጣብ ረብሓ የብሎምን። ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምዕቃብ ኣብ መንጎ ህዝብን ብረት ዝዓጠቀን ኤርትራዊ ጋግ ክፈጥር ይጽዕር’ዩ። እንተኾነ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ሕሰምን ስደትን ዝገብሮ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን፡ ውሑዳት ደቂ መዛምርቱን ተራ ተጋዳላይን ዘሎ ፍልልይ ክደባለቅ የብሉን። ብዘይካ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ብውልቃዊ ረብሓ ምስ ስርዓት ህግደፍ ወጊኖም ህዝቢ ኤርትራ ዘድምዩ ዘለዉ ጠላማት፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ብረት ዓጢቁ ዘሎን ኣብ በርጌሳዊ ንጥፈታት ዝነጥፍን፡ ውጹዕን ፍትሒ ዝጽበን’ዩ።

ሓደ ክከሓድ ዘይግብኦ ሓቂ ግን ኣሎ። እቲ ንስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ዝህቦን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሕሰም ክፍጽምን፡ መህረሚ ዱላ ኮይኑ ዘሎ፡ ሰራዊት፡ ትካላት ፖሊስን ጸጥታን’ዮም። ስደት፡ ማእሰርቲ፡ መስዋእቲ፡ ድኽነት፡ ተስፋን ሰላምን ንምርግጋጽ ዕማም ኩሉ ኤርትራዊ’ኳ እንተኾነ፡ ካብኡ ናብኡ ግን፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት ድሕሪ ናጽነትን ቅያ ዝፈጸመ ህዝባዊ ሰራዊት’ዩ። ተጋዳላይ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ካብ ሓያል ኢዱን ጅንነቱን ተመጣጢራ ዘይተምልጦ፡ ሎሚ ኣብ እዋ ህግደፍ ስለምንታይ ኣእዳዉ ሓጺረን ኣምዑቱ ተዘሪገን? ስለምንታይ ክኣስሮን ክቀትሎን ንዝመጸ ሰይጣን፡ ኣእዳዉ ቀልዓለም ገይረን ወይ ሓኒኸን? ኣብ 1993፡ “ናብራ መሪሩና፡ ደሞዝ ይገበረልና፡ ስድራቤትና ይጠወሩ” ኢሉ ፍትሓዊ ሕቶ ምስ ኣልዓለ፡ ብውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ “ዕሸልን ጠላምን” ተባሂሉን ብብሓደ ተቀፊዱን። ብድሕሪኡ ኣብ ማይ ሓባር ብዘይ መሳለጥያ ተደርብዮም ዝነበሩ ውጉኣት ሓርነት፡ ጸገማቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ንምሕባር ብምርኩስ ናብ ኣስመራ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ ኣብ ከባቢ ነፋሲት ብትእዛዝ መላኺ ኢሳያስ ብኣድራጋ ጠያይቲ ተረሺኖም። ብተመሳሳሊ ኣብ 2001ን ብድሕሪኡን፡ ፍትሒ ይንገስ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ይተሓሉ ንዝበሉ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዜጋታትን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝበልዩን ህይወቶም ከምዝስእኑን ኮይኖም። እቲ ንዓመታት ናጽነት ንምርካብ ዝተጋደለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓሳረ መከራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ሰጥ ለበጥ ክብል ተዲዱ፡ ናብ ስደት ከምዘምርሕ ኮይኑን ብሕሰም መነባብሮን ተሳቅዩን። ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቆጹሩ ወፊሩ ክሳብ ዝኣቱ ይሽቁረር፡ ከይእሰር ይፈርሕን ዝረግጻ መሬት ከይትጠልሞ ይጠራጠርን ኣሎ።

ዝኸበርኩም ኣባላት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ መጀመርታ ዓስቢ መስዋእትኹም፡ መውጋእትኹምን ድኻምኩም ን፡ ናጽነትን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ’ዩ ነይሩ። ሕልምኹም፡ ድሕሪ ናጽነት ሰላም ዝዓሰሎ ሲቪላዊ ህይወት ከተስተማቅሩ፡ ብልጽግትን መሰል  ዜጋታታ ተኽብር ኤርትራ ንምርኣይ’ዩ ነይሩ። ኩሉ ሕልምታትኩምን ባህግታትኩምን ግን ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ። እቶም ኣብ እዋን ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ዝተወልዱ ደቅኹምን ኣሕዋትኩምን፡ ተቀበልቲ ሰላም ዝዓሰላ ወረ ኩናት ዘይብላ ሃገር ተቀቢሎም ኣፍራዛን መጽሓፍን ተኾልኩሎም ኣብ ጎደና ልምዓት ኣብ ክንዲ ዝምርሹ፡ ናብ ዳግማይ ኩናት ተጠቢሶም፡ ኣብ በረኻ ሰፊሮምን ናብ ስደት ኣምሪሖምን። ዝኸበርካ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ትጽቢቱን እምንቱኡን ኣባኻ’ዩ ዘሎ። ድሕነት ሃገርካ ክረጋገጽን መቃብር ስውኣት ብህግደፍ ተዃዒቱ ንጓና ከይወሃብን ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ዝሕሎን ዝረጋገጽን ብኣኻ’ዩ። እቲ ብስርዓት ህግደፍ ንትካላት ወጻኢ ዝሽየጥን ዝልወጥን ዘሎ ባህርያዊ ሃብትናን ልኡላውነትናን ንስኻ ኢኻ ተጣበቀሉ። ኤርትራ’ኮ ዝተረፋ የለን፡ ህዝባ ይጸንት ኣሎ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ለማናይ ኮይኑ ከምዘሎ ኣይጠፍኣካን ኢዩ። ንባዕልኻ’ውን ስደተኛ ኢኻ ዘለኻ። ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕይ ኢልካ ንመሰልካ ከይትጣበቅን ከይትቃወምን፡ ኣብ ሞንጎኻ ሃሱሳት ኣዋፊሩ ንሓድሕድካ ከምዘይትተኣማመን ገይሩካ’ሎ። በቀጻሊ ብስም ዳግመ ምውዳብ ይበታትነካ፡ ይኣስረካ፡፡ ካልእ እዋን ድማ ከምቲ “ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕስ’ያ ዛግራ ትብላ” ዝብሃል፡ ስልጣኑ ንምንዋሕን ሃብቲ ንምግባትን ኣብ ዝደልየሉ፡ “ጅግና፡ ኣውሓሲ ድሕነት ሃገር” ኢሉ ብምውዳስን ብስም ሃገር ተወሪራን፡ ኣብ ኩናት ንኽትጥበስ ሕጹይ ኢኻ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ፡ ጓናን ጨካንን ስርዓት ህግደፍ፡ ንሓድሕድካ ደም ክትፋሰስ፡ ብረትካ ኣንጻር ህዝብኻ ከተቅንዖ ድሕር ኣይብልን’ዩ። ከምዘይትዝንግዖ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንኸብቅዕ ብደለይቲ ፍትሒ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቃስ፡ ብስርዓት ህግደፍ፡ “ሃገር ክሸጡን መንግስቲ ክግልብጡን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ብስለያ ኣመሪካ ዝምወሉን ዝተዓስቡን’ዮም” እናበለ ከጸልምን ሓቂ ክቀብርን ህርግድ ይብል ኣሎ። ብቋንቋ ህግደፍ፡ ኩሉ ንዕኡ ዝቃወም ሰብን ጉጅለን፡ ዕሱብን ከድዓን ዝብል ስም’ዩ ዝወሃቦ። ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ዝለዓለ ብመዓርግ ሚኒስተር፡ መራሒ ሰራዊት፡ ትካላት ስለያን ካድራትን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣቀሚጡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ክግብት፡ ህዝብና ክሓስሞን ናብ ስደት ክበታተንን፡ እታ ክብርቲ ህይወትካ ዝኸፈልካላን ስውኣትካ ዝቀበርካላን ሓላል መሬት ድማ፡ መዐንደሪ ጓኖት ንምግባራ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሉ ትስሕቶ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ፡ ቅድሚ ናጽነት ዝፈጸምካዮ ጅግንነትን ቅያን መጻኢ ወለዶ ክሕበነሉን ክወርሶን ባህጉ ኣይኮነን። ድሌት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሕማምን ድኽነትን ከምትመውት ኣብ ስደት ዘሎ ድማ ብኡ ኣቢሉ ከምዝጠፍእ’ዩ። ኣብ መሬትናን ማያዊ ክልላትናን ወተሃደራዊ ወይ ቁጠባዊ ምትእትታው ናይ ሃገራት ስዑድ ዓረብያ፡ ግብጺ፡ ቻይና፡ ካናዳን ኢማራት ዓረብን ድማ፡ መጻኢት ኤርትራ ናይ ባዕዳውያንን ሃብታማትን እምበር፡ ናይ ዋናታታ ከምዘይኮነት ሓደ ኣብነት’ዩ። ስለዚ፡ ካብ ምስኮነ ሕማቕ ጣዕሳን ምስቁርቋርን፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዘርኣኻዮ ኒሕን ብልሓትን፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ነዞም ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ኣጋንንቲ ህዝቢ ኤርትራ ክምክት ኣለዎ። ዝኸበርካ ሰራዊት ምክልኻል፡ በዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ኰነታት፡ መዓንጣኻ ሓሪሩ ከምዘሎ ፍሉጥ’ዩ፡ ዝተኾምተረ መዓንጣኻ ክርስርስን ህዝብኻ ካብ ዓዘቅቲ ድኽነት ክናገፍን ግን፡ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ገሃነብ ምቅባር’ዩ። ንህዝብኻ ድማ ድሕሪ’ዚ ዝሓልፎ ዘሎ ጸበባ ራህዋ ከምዘሎ ተስፋ ሃቦ።

               ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 4 ግንቦት፡ 2018

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde May 5, 2018

    “በዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ኰነታት፡ መዓንጣኻ ሓሪሩ ከምዘሎ ፍሉጥ’ዩ፡ ዝተኾምተረ መዓንጣኻ ክርስርስን ህዝብኻ ካብ ዓዘቅቲ ድኽነት ክናገፍን ግን፡ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ገሃነብ ምቅባር’ዩ። ንህዝብኻ ድማ ድሕሪ’ዚ ዝሓልፎ ዘሎ ጸበባ ራህዋ ከምዘሎ ተስፋ ሃቦ።”……..what is the chance of this gutsy and intimate call to ricochet through the barracks,dugouts,outposts and front-line fortifications of the EDF and send a seismic jolt and awaken the Eritrean gut.?

  • Wedi Hagher May 7, 2018

    “ካብ ምስኮነ ሕማቕ ጣዕሳን ምስቁርቋርን፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዘርኣኻዮ ኒሕን ብልሓትን፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ነዞም ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ኣጋንንቲ ህዝቢ ኤርትራ ክምክት ኣለዎ።”

    ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 4 ግንቦት፡ 2018

    Lessons from Forto and Wedi Ali group:

    The regime of Iseyas is not much different than Derg in it’s oppression of Eritreans. It’s not that we are where we are today, because of mistakes or wrong choices, but it’s a road taken by Iseyas and his supporters knowing well where they are taking the country.
    So think Higdef can surrender power to people when they protest or someone among top Higdefites will hand power to people, or something can be done by coming to Asmara with tanks is wishful thinking.
    We should not forget that we are dealing with a serial killer and a crime syndicate he built over 40+ years. Higdef is not going to surrender power to people unless it’s defeated in battle field.
    Had Wedi Ali and his group left their tanks in Tzorona and moved to areas from where they can challenge the regime militarily the effect would have been different.
    Two expect Higdef to come to its senses because the country is fast approaching a dangerous precipice is naive. If when hundreds of innocent young people perish in high seas and when the whole world is shocked, they keep silent as if the victims are not even humans, what do you expect from this bloody clique ?

POST A COMMENT