Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገልግሎት ስደተኛታት ደንማርክ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ብዛዕባ ዝነበረ መደምደምታ ሓሳቡ ከምዝቐየረ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ስደተኛታት ደንማርክ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዘምለጡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ካብቲ ስርዓት ዝወርዶም ሓደጋ ስለዘየልቦ፣ ቀጥታዊ ውልቃዊ ስግኣቶም ክሳብ ዘየረጋገጹ ኣብ ደንማርክ ዑቕባ ከምዘይወሃቦም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ብዛዕባ ዝነበረ

ኣገልግሎት ስደተኛታት ደንማርክ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዘምለጡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ካብቲ ስርዓት ዝወርዶም ሓደጋ ስለዘየልቦ፣ ቀጥታዊ ውልቃዊ ስግኣቶም ክሳብ ዘየረጋገጹ ኣብ ደንማርክ ዑቕባ ከምዘይወሃቦም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ብዛዕባ ዝነበረ መደምደምታ ሓሳቡ ከምዝቐየረ ምግላጹ The Local  ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ስደተኛታት ደንማርክ፣ ነቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምዝርግሑ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት፣ እንተላይ ካብ ኣባላት ፓርላማ ናይቲ ሃገር ቀጻሊ ነቐፌታታት ክበጽሖ ከምዝቐነየ ይፍለጥ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ውን ድሮ ክሽቅጠሉ ጀሚሩ ጸኒሑ እዩ።

ኣገልግሎት ስደተኛታት ደንማርክ ሓሳቡ ከምዝቐየረ ንምግላጽ ብዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ መሰረት፣ እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጦም ዝስደዱ ኤርትራውያን ‘ውን ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ግምት ክወሃቦ እዩ።

ኣገልግሎት ስደተኛታት ደንማርክ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ሃገሩ ናይ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብዝሒ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ናህሪ ምስ ኣርኣየ እዩ ነቲ ናብ ዘይቅኑዕ መደምደምታታት ዝነበሮ ዝንቡዕ ጸብጻብ ብሃታሃታ ኣዳልዩዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Tekle Haile December 15, 2014

    ንመጋበርያ ህግደፍ አብ ቦሎኛ አኼባ ተጌሩሎም አብ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ጸገም የለን መንግስትና ለውጢ ይገብር አሎ እንታይ ደአ እቶም አብ ኤውሮፓ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ጸገም እምበር ካልእ ሽግራት የብሎምን ብምባል ሓደ መጋበርያ ስርዓት ኢሳያስ ንህዝቢ ዓለም ከደናግር ፈቲኑ ንዘሎ ህሉው ኩነታት በዚ ሎሚ ምሺፋን ዕርቃንካ ምውጻእን ምውራድን ዘይተርፍ እዩ እሞ ካብ ጌጋኹም ተማሂርኩም ምስ የዋህ ህዝብኹም ኩኑ ከም ቀደም ይመስለክን ማይ ውሕጅ ይወስደክን አንቱም መዳናጋርቲ ይአኽለኩም ሕልና ይሃልኹም ናይ ሎሚ ተበለጽቲ ናይ ጽባሕ ነደይቲ
    የቐንየለይ ካብ ደላይ ፍትሒ

  • ogbai December 15, 2014

    ‘ድሕሪ ማይ ናብ ባዓቲ’ ከምዝባሃል ሃገረ ዴንማርክ ካሎኦት ሃገራት ዓለምን ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና፡ ብዝካኣልን ዓቕሚ ክተሓባበራ ብዙሕ ፈተናታት ኣካይደን እየን። ሃገርና ብጭኻሮና ክንሃንጻ ኢና፡ ኩለን ልእኻት ኣገልገልት CIA, እየን ብማለት ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናያት ማሕበራት ዝሰጎጎን ብዓሉ እዩ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ምፍሕፋት ሕጂ እዚዶ እቲዶ ኢልካ ብምስምስ ጥዑይ ዘምድና ክፍጠር ዘካኣል ኣይመስለንን። መተዕዛዘቢ ጥርሕ ፈተነታት ክካይዳ እየን፡ ደጊፈንኦ ኣይደጊፈንኦ ከኣ ዘመጽእ ልውጢ ዘሎ ኣይምስለንን። ኣብ ሕሉፍ ናይ ትማሊ ታሪኽ ሊብያ ቀዛፊ ክንደይ ቀይሕ ምንጻፋት ብ ናይ ምዕራብ መንግስታት ተጌሩ ንይሩ እዩ። መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ስለ ዘይመለስ ግን ናይ ድሓን ኩን መፋነዊ ዕድመ ድራርን ክምዘነበረ ንዘስተውዕል ርሑቕ ኣይኮነን። ብርለ ሓንሳብ ምስ ንቕዔ ተመሊሱ ኣቕሓ ኣይከውንን እዩ። ካብ ናይ ምክልኻል መስመር ውጺእና ናብ ናይ ምጥቃዕ መስመር ክንሰጋገር ጊዜ ይጠልበና ኣሎ።

  • dan December 15, 2014

    Ogbai i agree with you

  • dan December 15, 2014

    ደንማርክ ንጸገምና ፈሊጣቶ ኣይፈሊጣቶ እንታይ ተምጽኣልና ለውጢ ኣሎ ? እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድና አዩ ዘሎ ኣሕዋት።

  • ande December 16, 2014

    ንስርዓት ህግደፍ ንምስዓር ሕቶ ሓንቲ ረፍዲ ኢያ እንተሓቢርናን ብሓባር እንተተበጊስናን

  • yonas December 16, 2014

    Eta meshrefet.net ktgEr eya keniya,ab eritrea wala hanti tsegem kemzeyele.esurat fthi kwmzeyrekebu,michiway,miktal,netsa media…wlke melaki kemdlayu kemzgber,kuwam kemzeywle kulu keygeletset si nay norway aysalesti bhgdef zrekebuwo haberieta ktfnun ketewdekdkn keniya.aye meshrefet net=shabait.com=hgdf=isayas tembienay=hasot.

  • atobrhan December 18, 2014

    Eti keribu zelo haberera aziu nitsur u ewanawi silezikone agedasi u. Siriat higdef hizibi kitiemo kemzeydeli megletsi zediliyo aykonen silezi ni wegenatina bizelena kinhigiz nihiber.hagerna selam yewrdelna

  • atobrhan December 18, 2014

    Eti keribu zelo habereta aziu nitsur u ewanawi silezikone agedasi u. Siriat higdef hizibi kitiemo kemzeydeli megletsi zediliyo aykonen silezi ni wegenatina bizelena kinhigiz nihiber.hagerna selam yewrdelna

  • Yohannes December 22, 2014

    There is only one solution for this mess and disaster in Eritrea. Let us revolt and destroy the current Mafia governance in Eritrea. The power of the populace can do that. Just revolt and penetrate the security apparatus of the system. The Barbarian PFDJ mafia members can easily go to oblivion.

POST A COMMENT