Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ: ኣርቶዶክሳዊ ቤተክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ከተማ ሮቶርዳም – ሆላንድ

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብታ ብህግደፍ እትመሓደር፡ ኣብ ከተማ ሮቶርዳም ሆላንድ እትርከብ ኣርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኪዳነ-ምህረት ኤርትራ፡ ዝምልከት ሓደ ንብዙሓት ዘሰንበደ፡ ዘይንቡር ዜና ተዘርጊሑ። ንሱ ካኣ ካብተን ናብቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝመላለሳ 22 ዝኾና ትሕቲ-ዕድመ ደቂ ኣንስቲዬ ጠኒሰን ኣለዋ

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብታ ብህግደፍ እትመሓደር፡ ኣብ ከተማ ሮቶርዳም ሆላንድ እትርከብ ኣርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኪዳነ-ምህረት ኤርትራ፡ ዝምልከት ሓደ ንብዙሓት ዘሰንበደ፡ ዘይንቡር ዜና ተዘርጊሑ። ንሱ ካኣ ካብተን ናብቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝመላለሳ 22 ዝኾና ትሕቲ-ዕድመ ደቂ ኣንስቲዬ ጠኒሰን ኣለዋ ዝብል እዩ። እዚ ዜና’ዚ ብማስ-ሜዳያ ናይ ሆላንድ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እቲ ጉዳይ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ጉዳይ’ዚ ብፖሊስ ሆላንድ ገና ይምርመር ኣሎ። ሓቅነት ኣለዎ’ዶ የብሉን ንዝብል ሕቶ፥ ፖሊስ ሆላንድ ውጺኢት መርመርኡ ክሳብ ዝሕብር ብዓቅሊ ምጽባይ ከድልይ እዩ። እቲ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት ግን እቶም በዚ ጉዳይ’ዚ ብቐዳምነት ኽሕተቱ ዝግበኦም ሰባት፡ ነቲ ፍጻመን ዜናን ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ከልግብዎ ይፍትኑ ብምህላዎም እዩ። ካብዚኣቶም ቐንዲ ካኣ ኣቶ ተኽሊት ግርማጽዮንን ቐሺ ኣፈወርቂን እዮም። ኣቶ ተኽሊት ግርማጽዮን ተጋዳላይ ህግ ዝነበረ ሒጂ ድማ ስለያ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ሆላንድ ኣሉታዊ ንጥፈት ዝነጥፍ ዘሎ ሰብ እዩ። ንሱ ናይታ ኣርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ሮተርዳም ዋና ጸሓፊ እዩ። ካላኣይ ድማ ሓላፊ እታ ቤተ-ክርስቲያን ቀሺ ኣፈወርቂ ዝብሃሉ ኢዮም። እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት፡ መዓልታዊ ናብ ኤምባሲ ህግደፍ ጸብጻቦም የቕርቡ። እምባኣርከስ፡ እዚኣቶም፡ ካብቲ ቐንዲ ሕቶታት፡ ናይ ህዝቢ ንኽሃድሙ፡ “እዚ ጸለመ ተቓወምቲ/ደለይቲ ፍትሒ እዩ”፡ ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ። እዚ ጸለመ’ዚ ብዘይካ እዞም ዝተጠቕሱ ውልቐሰባት፡ ብገለ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉን፡ ግን ካኣ ልሳን ህግደፍ ዝደግሙ ይቓላሕ ኣሎ። እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ እድ ከምዘይብሉ ብሩህ’ዩ፡ ብዓቢኡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ዝሃበ ኣካል (COA) ኩዋ ዝብሃል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፍ ናይ መንግስቲ ሆላንድ ትካል’ዩ። ካብዚ ተቐቢለን ካኣ ቡዙሓት ትካላት ሜድያ ነዚ ሓበሬታ ብሰፊሕ ናብ ህዝቢ ኣቕሪበን ኣለዋ።

ቤት ኣምላኽ፡ ከምቲ ግቡእ፡ ብዘይ ፖለቲካዊ፡ ኣውራጃዊን ካልኦት ፍልልያትን ኣድልዎን፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንኹሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ፡ ክህብ ይግባእ። መንግስቲ ካብ ቤተክርስትያን ኢዱ ከውጽእ፥ ቤተ ክርስትያን ካኣ ካብ ፖለቲካ ኢዱ ከውጽእ ይግባእ። ምኽንያቱ እዚ ክልተ ስራሕ ፍጹም ሰለዘይቓዶ። እዚ ሰለዘይኮነ ግን፡ ኣብ ዓለም ዘለዋ ኤርትራውያን ኣብያተክርስትያናት ኦርቶዶክስ ብሰንኪ ጣልቓ ምእታው ህግደፍ ይሕመሳ ኣለዋ። እምባኣርከስ፡ ኢድ ኣእዳውነት – ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኩለን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ – ኣብ ዲያስፖራ/ወጻኢ ዘለዋ፡ ኣብያተ-ቤተክርስትያናት ኦርተዶክስ ኤርትራ ጎሊሑ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብዛ ናይ ከተማና ኦርተደክሳዊት ቤተክርስትያን’ውን ምፍልላይን ባእስን ንብዙሓት ኣመንቲ ዕረፍቲ ዝኸልኤ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ስለዝኾነ ካኣ፡ ኣብዛ ቤተ-ክርስቲያን  ዝነበረን ዘሎን ዕግርግር ነቶም ብቀረባ እንፈልጦ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ንኣብነት ብሰንኪ ሻራን ምፍልላይን ሓደ ጉጅለ ተፈልዩ ናቱ ዝኾነ ቤተከርስትያን ከፊቱ ኣሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓያለይ ዓመታት ንመግዝኢ ቤተክርስትያን ተባሂሉ፡ ብህዝቢ ዘተዋጽኤ ገንዘብ ማእለያ የብሉን። ካልእ ይትረፍ፡ ኣብ ሓንቲ ዓመታዊ ንግደት እታ ቤት ክርስትያን ዝዋጻእ ሞባእን ወፈያን እንተዝጽብጸብ እኳ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ፡ እዩ። ኣበይ ኣትዩ እዚ ኹሉ ገንዘብ? ነቲ ቤት ክርስትያን ንምግዛእ ዝተዋጽኤ ገንዝብ ብናይ ቡዛሓት ግምት ሓደ ይትረፍ፡ ክልተ ቤተክርስትያናት መግዘኤ ኔሩ። እዚ ኮይኑ ግን እቲ ዘተዋጽኤ ገንዘብ ንሓንቲ ቤተክርስያን እኳ ምሽፋን ሲኢኑ፡ ብምዋላን ለቓሕን ተደናገጽቲ ሆላንዳውያን ቤተክርስትያናትን ውልቐሰባትን እዩ ተገዚኡ። እዚ ካልእ ኣብነት – ህግደፍ ከም ሕሱም ቁርዲድ ኣብታ ቤት ኣምላኽ ርእሱ ኖቒቱ የማስና ከምዘሎ ዘጉልሕ ኣብነት እዩ።  ኣብ ክንዲ እቲ ቐንዲ ጠንቒ ምእላይ፡ ነቲ ካልኣዊ ጉዳይ፡ ወይ ነቲ ሳዕቤን ንምሽፍፋን፡ ኣባላት ህግደፍ ይጓየዩሉ ምህላዎም ዘገርም እዩ።  ካልእ ምስዚ ዝተኣሳሰር ጉዳይ – ክልተ ዓመት ይገብር ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ተፈጸሙ ተባሂሉ ዝውረ ዝነበረ ነገር ኔሩ። ንሱ ካኣ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ሓደ ኣገልጋሊ ዝነበረ ዲያቆን ንሓንቲ ኣብኡ ትመላለስ ዝነበረት ጎርዞ ደፊርዋ ተባሂሉ፡ ንክምርዓዋ ከም ዝተገደደን፡ ንሱ ግን ኣይፋሉን ኣነ ኣይኮንኩን ወድኹም’ዩ ደፊርዋ ብዝብል ክሳብ ቤት-ፍርዲ ዝበጽሔ ጉዳይ ኔሩ። ካልእ ሓደ ኣገራሚ ሞሎኮታዊ ተርእዮ ኔሩ። ንሱ ድማ ዓመትን መንፍቅን ይገብር፡ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝተፈጸመ ተኣምር ኔሩ። ዝናብ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ በዚ መጺኡ ዘይተባህለ በርቂ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ-ክርስቲያን ዝነበረ መስቀል ሃሪሙ ናብ መሬት ከም ዘውደቆን ኣብ ሰብን ንብረትን ሓደጋ ከም ዘይወረደን፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ህዝቢ ቁጠዕ ኣምላኽ ብግህዶ ሪኢና ክብል ጀምሩ ኔሩ። ኣባሃህላይ ዝያዳ ንጹር ንምግባር፡ እዚ ዘጋጠመ ዘይንቡር ናይ ትሕቲ-ዕድመ ኣሕዋትና ጥንሲ፡ ፈጻሚኡ ብዘየገድስ፡ ኣብዛ ቤተ ክርስትያን ፍታሕ ዘድልዮ ማእለያ ዘይብሉ፡ ጸገማት ከምዝነበረን፡ ገና’ውን ከምዘሎን፡ ተቓውምቲ / ደለይቲ ፍትሒ በዚ ጉዳይ እዚ ፍጹም ክጥቐሱን ክውቐሱን ከምዘይብሎም ንምሕባር ዝኣክል’ዩ።

እዚ ዝቐነየ ዕግርገር፡ ረስኑ ገና ኣይዛሓለን።  ካብ ሞንጎ እቶም ሽማግለ ናይቲ ቤተ-ክርስቲያን፡ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ቀዳም ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ምሕዳር ክቃወሙ ከለዉ፡ እቶም ኣቀዲመ ኣስማቶም ዝጠቀስክዎም  ክልተ ሰባት፡ ግን ብሓላፍነቶም ነቶም ካብ መዓስከር ስደተኛታትን “ካብ ርሑቅ ዝመጽኡ እዮም” ብዝብል ምኽንያት ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ክሓድሩ፡ ብሓይሎም ኣፍቒዶምሎም። ከም ተኽእሎ፡ እዘን ጥንሲ ኣጋጢምወን ዝባሃላ ዘለዋ ናኣሽቱ ኣሕዋትና፡ ኣብ ቤተክርስያን ክንሓድር ኢና ኢለን ኣማኻንየን፡ ኣብ ካልእን ይሓድራ ኔረን ክኾና ይኽእላ። እቲ ምምሕዳር እቲ ቤተክርስትያን፡ ዋላ እቲ ናይ ምሕዳር መደብ እንተፍቐደ፡ ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ማዓስከር ስደተኛታት ብምትሕባባር ግቡእ ምቑጽጻር ክገብረሉ ይግባእ ኔሩ። ሰለዚ እቲ ጉዳይ ሓቒ እንተኮይኑ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ እቲ ቤተክርስትያን ክሕተት ይኽእል። እዚ ሒጂ ኣጋጢሙ ዝብሃል ዘሎ ጸገም እምባኣር፡ መቀጸልታ ናይቲ ዘይጹፉፍ ምሕደራ እታ ቤተ-ክርስቲያን ክኸውን ይኽእል።

ምስ’ዚ ረስኒ ሎሚ ቕነ ካልእ ህዝቢ ክፈልጦ ዘለዎ ጉዳይ እንተሎ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ገበርትን-ሓደግትን ዝተጠቕሱ ሰባትን ኣብ ሞንጎ እቶም ሓሙሽተ ሽማግለ ዘሎ ፍልልይ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ብምብጽሑ እዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ እቶም ሓሙሽተ ሰባት፡ ኣኼባ ጸዊዖም ኔሮም። እቶም ዝተጠቕሱ ክልተ ሰባት አብቲ ኣኼባ ክመጽኡ ፍቃደኛታት ብዘይምንባሮም፡ በዚ ተግባራት ዝተቆጥዑ ሽማግለታት፡ መፍትሕ ናይቲ ቤተ-ክርስቲያን ቐይሮ’ሞ። ቀሺ ኣፈወርቂ በቲ ተግባራት ብምኩራዩም ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 17-01-2016 ቆልዓ ከጠምቑ ንዝመጹ ሰባት፡ “እዞም ሽማግለት መፍትሕ እንተዘይሂቦሙኒ ኣየጠምቅንየ” ኢሎም ብምሕንጋድ ቆልዓ ከይተጠመቀ ገዝኡ ከም ዝተመለሰ ኣብቲ ውራይ ስለዝወዓልኩ ዝምስክሮ ፍጻመ እዩ።

ገለ ባርኔጣ ተቓወምቲ ወድዮም፡ ነዚ ጉዳይ ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ዝጥምዝዙን ዝምዝምዙን ኣይተሳእኑን። ካብዚኣቶም ቐንዲ ዝጥቐሱ፡ ጸጋዝኣብ ገብረገርግስ፡ ሃብቶም ዮውሃንስን ኮይኖም ካልኦትውን ኣጣቓዕቲ ኣይተስኣኑን። ጋዓት ወዲ ዓከር / ማሸላ ከብልዑና ግዲ ደልዮም ኮይኖም፡ ጎነፍነፍ እናበሉ፡ ኣሓ/ከብቲ ኣብ ዘይዋዓልኦ ክቦ ከናድዮ ሃሰው ክብሉ ይውዕሉ ኣለዉ። ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ኮረሻ ቪኦኤን መስከረም ዶት ኔት ተወጢሖም፡ ሓለይቲ ህዝቢን ቤተክርስትያንን መሲሎም ሽም ደለይቲ ፍትሒ እናክፍኡ፡ ሽምን ሞቕሽሽን ክረኽቡ ዝርህጹ ዘለዉ፡ መላኻዕቲ ንሪኢ ኣለና። ከም ስዋኣ ዝጠዓመላ ማኣምን ብዙሕ ሸብድበድን ሪኢና። ዶክተር ኢየ ባሃላይ ግን ካኣ ዘይኮነ መደናገሪ ኣቶ ጸጋዝኣብ ወልደገርግስ፡ ያኢ ሓቒ ከጻሪ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ሆላንድ መጺኡ ከምዘሎን፡ ተኣምር ከርእየኩም እየ ኢሉ ይግዕር ምህላዉ መርበብ ሓበሬታ መስከርም ገሊጹ ኣሎ። ወይ ስራሕ ዘይብልካ ክትከውን ክጥዕም! ኣቦይ ጸጋዝኣብ ክኸውን ክኸውንሲ ሞቖምያኹም ሒዝኩም፡ ኩታኹም ደሪብኩም፡ ህዝብና ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክወርዶ እንተትምህለሉን እንተትጽልዩስ ዝያዳ መምሓረልኩም። እዚኣቶም ከምዚ ዓይነት ጸይቒ ስራሕ ክግብሩ መጀምርታኦም ኣይኮነን። እዚ ክብል ዘኽኣለኒ ምኽያት እታ ቅድሚ ሒጂ ንዑደት ተወልደ ተሰፋማርያም (ወዲ-ቫካሮ) ንምፍሻልን ንምቑንጻብን ዝፈተነት ሓንቲ ጉጅለ ሃሱሳት ኔራ። እዛ ጉጅለ ብመንገዲ ዮስኣብ ቀለሙ ኣቢላ ካብ ኢድ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንመሳለጢ ዝኾና 22.500 ኤሮ ሞቕሽሽ ተቐቢላ። እቲ ገንዘብ ዝተቐበለ ነጋሲ ጸጋይ ምዃኑ፡ ከከንደይ ከምዝተማቐሉ ግን ንሳቶም እዮም ዝፍልጥዎ። (ኣይተሓዙለይ እቲ ተቐባላይ ብዙሑ ስለዝሕመ እየ ከምዚ ዝብል ዘለኹ!) ቐንዲ ተዋሳእቲ እዛ ጉጅለ፡ ነጋሲ ጸጋይ፡ ጸጋዝኣብ ወልደገርግስ፡ ለምለም ጸሃየን እዮም። ቐንዲ ዕማም እታ ጉጅለ፡ ኣብቲ ህዝባዊ ዘተ ዘይድሊ ሕቶታት ምልዓል፡ ክትዘርግ ምፍታን፡ ምስተወድኤ ካኣ ዘይነበረን ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ጸብጻብ ምቕራብ ኔሩ። እቲ ቐንዲ ጸብጻብ ዘቕረበ ብ ነጋሲ ጸጋይ {ዮሴፍ- ዓይኒ ዑንቒ ናይ ብርዒ ስም ማለት’ዩ} ደላይ ፍትሒ ተመሲሉ ሰባት ከዳናግር ዝጸንሔ፥ ሕጂ ግን ኣግሂዱ ዕሉል ህግደፍ ምዃኑ ዘፍለጠ እዩ ኔሩ። እቲ ዘመተ ከይተበገሰ ፉሹል እዩ ኔሩ። ኣብ መስከረም ኩፉት ናይ ኦውድዩ ላይቭ ዘተ ምስተገብረ፡ ሓቒ ሒዙ ክምክት ዝኻኣለ ኣይነበረን። ሕጂውን እንተኮይንሎም፡ ነዛ ፍሽልቲ ናይ ሃሱሳት ጉጅለ ክጥቐሙላ ይፍትኑ ኣለዉ። ካብቲ ጀሚሮምዎ ዘለዉ ወፈራ ኣብ መዓሰከር ስደተኛታት እንዳኸዱ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኮይና፡ ብህዝቢ ዝተመረጽና ሽግር ናይዚኤን ደቅና ንክንፍትሕ ዝመጽኣና ኢና ብምባል  ኣበይ ከም ዘለዋ፡ ምስ ብዓል መን ይቀራረባ ከም ዝነበራ ንክፈልጡ ዝተላእኩ ክንሶም ደለይቲ ፍትሒ ተመሲሎም ሰባት የደናግሩ ኣለዉ። ኣብ ርእሲ ባዓል ዋጣ ዝዋጢስ፡ ኣይክዋጥን ከውጠጢ! ፖሊስ ሆላንድ ነቲ ጉዳይ ሒዞሞ ከለዉስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ከነጻሪ ምባልሲ ኣይግድን። ካልእ ዘየድሊ ነገር ከይትፍንቕሉ እሞ፡ ነዘን ቖልዑት ኣብ ክንዲ ፍታሕ ካልእ ጸገም ደሪብኩም፡ ጾር ከይትውሱኹለን፡ ኣቐዲመ ምኽረይ ይልግስ።

ኣብ መውዳእታ፡ ከማሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ቤት-ኣምላኽ እቲ ዝግባእ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክህብ እንተኮይኑ፡ ካብ ዝኾነ-ይኹን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ነጻ ክኸውን ይግባእ። ከምዚ ስለዝኾነ ካኣ እቲ ቤተክርስትያን ናይ ኩሉ ህዝቢ እዩ፡ ንደለይቲ ፍትሒን ንደገፍቲ ህግደፍን ብማዕር እዩ ዝብጽሖ፡ ንኹሉ ድማ ኣገልግሎት ክህብ ይግባእ። እዚ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣገልጋሊ ስርዓት ምስ ዝኸውን ግና፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይጠፍእ፡ እዚ ኩሉ ንሪኦ ዘለና ነውሪታት ይኽሰት፡ መጻወቲ ጓሓሉ፡ ይኸውን። ውድቐትን ርኽስተን ቤትክርስትያን ንደለይቲ ፍትሒ ባህ ዘብል ኣይኮነን። ህዝቢ ካኣ ነዚ ተረዲኡ፡ ብዘረባ ተበለጽትን ጓሓላሉን ከይሰድዔ፡ እቲ ቤተክርስትያን ዋንኡ ባዕሉ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ኩሉ ሽግራቱ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዳዕሮ ኮይኑ፡ ከምቲ ናይ ኣቦታት፡ ተላዚቡ ክፈትሖ እላቦ።

ዮሃንስ ዕቕቡ (ጆን) ሮቶርዳም ሆላንድ 28-01-2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • BerheTensea January 31, 2016

    The PFDJ puppets are capable of doing criminal acts. The PFDJ is too clever in passing the blame to others because they think that the people are too stupid and coward to understand issues.
    The people or the community members must do everything to solve this shameful act.
    The community members must understand that PFDJ is against unity and progress,, it is only interested to use them for fund raising purposes,
    People must wake and open their eyes.
    As far as the PFDJ hasusat in that town are concerned, they are registered for future retribution and or pay back time.
    For every illegal and anti people act now there will be strong and pain full reaction later.

    • Tsega February 2, 2016

      Are you sure these happened in Orthodox Church? What I clarifay to you the PFDJ puppets are not only in Orthodox Church you can get in Catholic and Muslim religious. Why you respect other religious why your dirty poletics interfer in Orthodox Church. You are shamfull.

      • Yakob Minsassie February 2, 2016

        Selam Tsega. You have to read carefully, before you jump to conclusions. The news came from COA – a Dutch organization responsible for asylum seekers. It is not the author of this article. what he is saying is clear. The justice seekers are not responsible for is being said about the Orthodox church. He loves the Orthodox church as much as yourself.

        • AHMED SALEH !!! February 2, 2016

          Sorry Tsega
          Eritrean Moslems,Catholics and protestants have never let politics
          interfere in their religious affairs . If you are indeed concerned
          about integrity of your church , look around the damages done so
          far by betraying your PATRIARCH and church principles instead we
          run from facing the truth .

        • Tsega February 3, 2016

          Dear Yakob don’t be shamfull even now, do you know what crime have done and happening in other religious, but we don’t care about those crimes. He can not love Orthodox Church they are insulting the Orthodox Church and the bliever of Orthodox Church. Even Assenna founder they made big mistake announced in thier web site.

  • Arre January 31, 2016

    Excellent report.

  • Hayle berhe January 31, 2016

    Hagern mengstin felalikum reayu.Hager målet mengstin keykone hzbi eyu

  • Simon G. January 31, 2016

    What do you expect from priests with guns? They still think they can do as if they are in today’s Eritrea.

  • Emyhs merhawit February 1, 2016

    Well done. you have to continue to work with to aware our citizens there. The PDFG will continue doing evil that is the way they live. If you come to the point i.e semirka they will no more exist.

  • WEGAHTA February 3, 2016

    The most immature article. seriously, why would some one panic if the name listed down the article go extra mile to find out the truth. Forget supporter and opposition groups, one may feel responsible to do what it takes to keep the holy place holy. if the Netherlands police are doing their job, Fine let them do. That doesn’t meant Eritreans are forbidden to involve….. Unless otherwise the writer has his own hidden agenda to attack individuals or something beyond it.
    Assenna, COME ON ….. We like your website, we respect you, You are one of the matured Eritrean fighters we have. Don’t allow such stupidity in your website men!!!!

  • Eyor February 6, 2016

    Orthodox church is the church of generation not the church of government.Those who are trying to deminize churches are simply weaked ppl!you must prepare yr retirment home in mekele!

  • Eyor February 6, 2016

    Orthodox church is the church of generation not the church of government.Those who are trying to deminize churches are simply weaked ppl!

Post a Reply to WEGAHTA Cancel Reply