Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ መግለጺ – ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር– ዞባ ሱዳን

          ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር-- ዞባ ሱዳን ኣገዳሲ መግለጺ ናብ ተቓለስቲ መንእሰያት:- ኣብ መንጎ ሃገራዊ ጉዳይና ካብ ልክዕ ንላዕሊ ኣብ ዝተሓላለኸ ልዑል ደረጃ በጺሕሉ ዘሎ ህሞት: ማእከልነት ሱዳን ካብ 02-05 ሓምለ 2013  ኣኼባ ኣካይድና::

          ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር– ዞባ ሱዳን
ኣገዳሲ መግለጺ
ናብ ተቓለስቲ መንእሰያት:-
ኣብ መንጎ ሃገራዊ ጉዳይና ካብ ልክዕ ንላዕሊ ኣብ ዝተሓላለኸ ልዑል ደረጃ በጺሕሉ ዘሎ ህሞት: ማእከልነት ሱዳን ካብ 02-05 ሓምለ 2013  ኣኼባ ኣካይድና:: መሪሕነት ዞባ ሱዳን  ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት በዲህናን ክሳብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ዝረጋገጽ ቃልሲ መንእሰያት ኤርትራ ብዝለዓለ ናህሪ ንምዕራጉ ወሲንና ቆሪጽና ተላዒልና ኣለና::
መሪሕነት ዞባ ሱዳን ኣብ ምምስራትን ምዕዋትን መድረኽ መኣዲ-ዘተ ደብረዘይቲ ከምኡ ‘ውን ዋዕላ ጎንደር ዝተሳተፈ: ተዓዛቢ ናይቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ሓርጎጽጎጽ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ:: ገና ብግስ ከይበልና ኣብ መንጎ መሪሕነት ማሕበር ዘጋጠመ ዘይምቅዳው፤ ኣሉታዊ ጽልዉኡን ናብ ምስሓብ ኣባልነት መንእሰያት ዓፈርን ዞባ ሱዳንን ገለ ካብቲ ተርእዮታት ኢዩ ነይሩ::
መሪሕነት ዞባ ሱዳን ብወገንና ጋግ ንምጽባብ: መኣዲ-ዘተ ደብረዘይቲ ይኹን ዋዕላ ጎንደር ንምዕዋት ዝከኣለና ጽዒርና ኢና:: ንኹሉ ተጻብኦታትን ኣግላሊ ሓሳባትን መሪሕነት ጸይርና ምኻድና ኩሉ ዝፈልጦ መስካሪ ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ:: ኪኖ ኣሉታዊ ባህርያት ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ኣካል ማለት ( ድርቅና: ግትርናን ዘይተጻዋርን ባህርያት) ከምኡ ‘ውን ብውልቃዊ ቃሕትኡ ናይ ምኻድን ምውሳንን ልምድን ጸይርና መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጽእ ከም ዝጸዓርና ክነሕብር ንፈቱ:: ኣብ መወዳእታ ግን ድሕሪ እዚ ኩሉ ፈተነታት ህሉው ኩነታት ማሕበር ድሕሪ ምግምጋምን በቶም ኣብ ክልቲኡ ዋዕላታት ዝተሳተፉ ወከልቲ ዝምእከል ሓደ መሪሕነት ክንምስረት ወሲንና ኣለና::
መንእሰያት ደገፍትና፡
ከምቲ ብኸፊል ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኩነታት ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሕሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ብኣንጻሩ ምስ መርገጽታትና ዝሳነ መርገጽን ኣረኣእያን ዘለዎም መንእሰያት ምሳና ደው ኢሎም ዘለዉ ከምዘለዉ ክንሕብር ንፈቱ :: ብምቕጻል ከም ወከልቲ ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር- ዞባ ሱዳን ኣካል እዚ ማሕበር ኮይንና ናይ ምቕጻል ድሌት ኮነ ቅሩቡነት ከም ዘይብልና በዚ ኣጋጣሚ ንገልጽ:: ብመንገዲ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ዝተወስዱ በይንያዉ ዉሳኔታትን ስጉምታትን ብዙሓት እኳ እንተኾኑ: ብፍላይ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘይወግዓውን ዘይተማእከለን ዑደቱ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሃቦ መግለጺ ግን ከየተሓሳሰበና ኣይተረፈን:: ንሱ ኣብ መደርኡ “ዘይሰመረ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ኣይሳተፍን ኢዩ” ብምባል ነቲ ብዙሕ ጻዕርን ሃልክን ዝፈሰሶ ማሕበር ኣብ ክንዲ ክፉትን ኣሳታፍን ሓቛፍን ዝኸውን: ብመንገዱ ጥራሕ ከምዝዉሰን ኣርጊጹ ሓቢሩና ኣሎ ::  እምበኣር መሪሕነት ዞባ ሱዳን ነዚን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው ዝሓለፈ ወርሒ ተመስሪታ::
ኣብዚ ኣኼባ ብተወሳኺ ንህሉው ኩነታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብዕምቆት ክንመሚ ኣኽኢሉና ኢዩ:: ከም ዝፍለጥ ኣብዘን ዝሓለፋ ቅሩባት ዓመታት ህላወ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዓቢ ዝርጋሐ እኳ እንተርኣየ ንድሌትን ትጽቢትን ናይቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጭቆን ዘሎ ህዝብና ዘማልእ ግን ኮይኑ ኣይተረኽበን ኣሎ:: ነዝን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው ማሕበርና ነዚ ዝስዕብ ውሳኔ ኣሕሊፋ:-

ንሃረርታን ድሌትን ህዝብና ዝምልሽ ኣሳታፊ ሓቛፊ ጉባኤ እተዳሉ ንኹሉ መስፈሪታት ዘማልአት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትቀውም ዝብሉ ይርከብዎም::
በቲ ካልእ ሸነኽ ማእከልነት ሱዳን ምስ ህልውቲ መሪሕነት ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ምስንዳእ ዝመጽእ ጉባኤ ካልእ ዝኾነ ዘራኽብ ወይ ዘተኣሳስረና ነገር ከም ዘይብልና ኣብዚ ኣኼባ ኣስሚርናሉ ሓሊፍና ኣለና:: ብተወሳኺ እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ወኪል ዞባ ሱዳን ኣብ መሪሕነት ስምረት ‘ውን እንተኾነ ካብ መዝነቱ ስሒቡ ከምዘሎ በዚ ኣጋጣሚ ነፍልጥ:: ማሕበርና ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ: ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መሪሕነት ዝምእዘዝ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ብእንካ ሃባን ዝሰርሕ: ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝቃለስ ዘሎ ማሕበር ኢዩ:: ብተወሳኺ ማሕበርና: ንባህላውን ማሕበራውን ብዙሕነት ሃገርና ዝኣምን: ንምስሊ ኤርትራ ብዘንጸባርቕ መንገዲ ንምስራሕ የእዳዉ ዝዘርገሐ ማሕበር ኢዩ:: መርኣያ ናይዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ምስ ዝነጥፉ: ኣብ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ምስ ዝህቅኑ ሃገራውያን ባእታታት ድማ ይሰርሕ:
ማሕበርና እምበኣር ኣብዞም ልዒሎም ዝተገልጹ መሰረታውያን መትከላት ምርኩስ ብምግባር ዝርጋሔና ኪኖ ሱዳን ምስ ኣብ ኣውስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡ ተቓለስቲ ብምትእስሳር ቃልሲና ንምዕዋት ኣብ ጎኒ እታ እትቐውም ኣሳናዳኢት ሽማግለ ደው ከም ንብል በዚ ኣጋጣሚ ነረጋግጽ::

ተቓላሳይ ሓፋሽ ህዝብና፡
ፖለቲካዊ ተርእዮ ኤርትራ ኣብ ትካዘን ተስፋ ምቑራጽን በጺሑሉ ኣብ ዘሎ ደረጃ: በቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈነዎ ክፉእ ነዝዒ እሞ ምስ ርእሰ ምቁጽጻር ዘጥፍኣሉን ሰንደልደል ዘበሎን ምንቅስቓስ ፎርቶ ጥሪ 21 ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ሰባት ኣብ መንነቶምን ድሕረ- ባይታ ኣባልነቶምን ዝተሰረት ብሃውሪ ምእሳር ከም ዝተራእየ ገምጊምና:: ብመንጸር እዚ ምዕባሌታት ግን ብኣንጻሩ ተራ ተቓውሞ ንክቱር ህርፋን ንለውጢ ናይቲ ክቡር ዋጋ ሂቡ ደቁ ሞባእ ዝኸፈለ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝዳረገሉ ደረጃ የለን:: ስለዚ ኢዩ ከኣ ኣኼባና ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብና ንምድሓን ግቡእ መሪሕ ተርኡ ንምጽዋት ብቑዕ ኣገባብ ቃልሲ ተጠቒሙ ንኻልኦት ኣብ ምስሓብ: ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያንን ሲቪካውያንን ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ጠርኒፉ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕድል ብምኽላእ ኣንጻሩ ከቃልስ ንምሕጸን፤፤

                                                ደምዳሚ ኣዋጅ
ኣገደስቲ ውሳኔታትን ውሽጣዊ ለበዋታትን ኣኼባ
1. ኣብ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንወከልቲ መዓስከር ስደተኛታት ዓፈር ኣብ ኢትዮጵያ: ልክዕ ከም ናይቶም ካልኦት መዘንኦም መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ እሞ ኣብ ኣሳናዳኢት ዝተወከሉ ቦታ (ውክልና) ምሃብ ኣድላዩነት ከም ዘለዎ ብምእማን
2.ምቛም ናይ ዘተ ሽማግለ: ምእንቲ ምስ ካልኦት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ምንቅስቓሳት መንእሰያት እሞ ድማ ምስ ማእከልነት ሱዳን ምንም ርክብ ዘይብለን ምዝርራብ ክከኣል
3.  ንምምሕዳራውን ውድባውን ስርሓት ተካይድ: ኣካያዲት ኣካል መሪሕነት ምቛም:
4. ወግዓዊ ኣፈኛ ማእከልነት ሱዳን ምምራጽ
5. ምንዳፍ መቕየዲ ስነ-ምግባር ንኣባላት ማእከልነት ሱዳን ኣብ ውሽጢ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንዝመጽእ ጉባኤ: ምኽንያቱ ከኣ እቲ ኣብ ደብረዘይቲ ዘጋጠመ ጌጋታት ምእንቲ ከይድገም ንምክልኻል
አብ መወዳእታ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዘሐዝን ሰብኣዊ ተግባራት ብመልክዕ ንግዲ መሸጣ ደቂ-ሰባት: መንእሰያትና ግዳይ ኮይኖ ተቓሊዖምሉ ዘለዉ ኩነታት ኣኼባና ንጉጅለ ገበነኛታት ስርዓት ኢሳይያስ ምሉእ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ ኣሎ:: በዚ ኣጋጣሚ ‘ውን ንዝምልከተን ውድባት: ማሕበራት: በዓል-መዚታትን መንግስትታትን ነዚ ዝፍጸም ዘሎ ባርባራዊ ገበናት ደው ንክብል ክሰርሓ ተማሕጺኑ::
ብተወሳኺ ንቃልስን ኣስተዋጽኦን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት: ምስ ማእከልነት ሱዳንን ምስ ሕሱም ናብራ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዘሕልፉ ዘለዉ ደው ምባሎም መርገጺ ምውሳዶም: ከምኡ ከኣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዲያስፖራን ንዝቃለስ ዘሎ ህዝብናን ጥምረት መንእሰያት ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ነሞግስ::
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ሕፍረትን ስዕረትን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

ኣኼባ መሪሕነት ማእከልነት ሱዳን
05/07/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Med July 19, 2013

    You call it press release or give any other names, but no sensible person can mislead by this useless article. I would like to mention some important points:
    1. They call it EYSNS Zoba Sudan, how can you form opposition in Sudan while they are accusing the authorities of Sudan is sided with the Eritrean tyrant in power and arrested some of their members?
    2. It is clear from the press release that this people have power hunger nothing especial
    3. The baseless accusation of the EYSNS leadership is completely an acceptable
    4. The journey made by the leadership was really productive journey and it works in all matters all members and non-members who attended the meeting were satisfied
    5. Those who release the press, have never ever done tour to promote people for struggle, anywhere since they became opposition in Sudan ages ago, the leadership of EYSNS shows a lot of progress in a short period of time
    6. Please stop being obstacle of the struggle, instead encourage for those who can work if you can’t make it.
    7. Finally I want make sure that: EYSNS will win and never go back ward until the death of PFDJ.

  • Awet sewra July 19, 2013

    I SUPPORT this IDEA From Kabire:
    ካባኹም፣ ካብ ቦለቲካ ዳያስቆራ ደኣ እንታይ ክንጽበ፤ ሰብ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ። ንስኻትኩም ከም ዋሃዮታት ባክተርያ፣ ኣብ ክልተ ክልተ እንዳ ተፈንጨልኩም ምፍራይ እንተዘይኮይኑ።
    ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ። ሓራካ ኔራ፣ ጀብሃ ኮይና። ካብ ጀብሃ ህዝባዊ ሓይላታት፤ ካብኡ ሻዕብያን ኣልዋሕዳ ሳበን፤ ካብኡ ዑበላይት መንካዕ የሚን ፋሉል ዓጂብ ሳግም እንዳ ዓብደላ። ሕጂ ኸኣ ህግደፍን ከንተመንቱን ተሪፊኩም።
    ንስኹም ሰብ ክትልክሙ እምበር ቁምነገር ዘይብልኩም ኢኹም። ሰውራዶ ገድሊ እንዳበልኩም ክንደይ ሰብ ንገደል ደርቢኹም። ሕጂ ከኣ ሰብ ኩላ ባርያ ዓረብን ህግደፍን ኮይና። ብላሽ. TRUE– you have no the capacity and will to solve the problem of the Eritrean people..leave alone and do your business please…you hopless young Eritreans in Diaspora..

  • Harnetna2013 July 20, 2013

    These individual persons in sudan calling themselves Zoba, are a criminal gangs associated with Rashaida and PFDJs. How on Earth you think opposition can be in sudan in this time except those pfdj collaborators!
    These individual 3-5 persons are deliberately sent to destroy and divided the progress of EYSNS otherwise they can not make any difference by leaving EYSNS. However we will recognize them as ZOBA SUDAN a terrorist group of YPFDJ.

  • SAM July 22, 2013

    ዝገርም እዩ
    ቅድም ቀዳድም መን ምስ ወከሎም እዮም ኣብ ክንዲ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኮይኖም ዝዛረቡ::
    መንከ ኣፈኛ ናይ ኣሕዋትና ዓፈር ገበረኩም?

    ሕማቕ ኣማኻሪ ግዲ ረኺቦም ኮይኖም ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋራጮ ሓሳባት እዮም ኣቕሪቦም ኣብዚ ትሕዝቶ ጽሑፎም::
    ምስ ስምረት የለኹን እንዳበልካ ኣባል ናይ ኣዳላዊት ሽማግለ ክኸውን እየ ምባል።

    ጥቅሲ ካብቲ ዝበልዎ ክጠቅስ “ንሃረርታን ድሌትን ህዝብና ዝምልሽ ኣሳታፊ ሓቛፊ ጉባኤ እተዳሉ ንኹሉ መስፈሪታት ዘማልአት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ብዘይ ቅድመ፡ኩነት ክትቀውም ዝብሉ ይርከብዎም”“ ወዳጀ ትእዛዝ

    ዓመት ምሉእ ንዑ ስርሑ እንዳተባሃልኩም ግዜኹም ኣብ ምኒንን ኣብ ዘይ ስነ ምግባራዊ ስርሓት ኣጥፊእኩምሲ ነቲ ከም ፈለግ ኒል ብናህሪ ዝጓዓዝ ዘሎ ምንቅስቃስ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ክትብሉ ናይ ብሓቂ ዘሕፍር እዩ:: እቶም ጸዋራትን ክሳብ ሕጂ እሩሩ ክብሉኹም ዝጸንሑ መራሕትና መልሲ እንተዘይሃብኹም ንሕና ኣባላት ሱቕ ኢልና ንሪአሉ ምኽንያት የሎን::

    መራሕቲ ስምረት እንታይ ዓይነት ሓለፋታት ከምዝገበሩልኩም ባዕልኹም ትፈልጥዎ ኢኹም እንተ ኾነ ግን ክትርድእዎ ኣይካኣልኩምን:: በቶም ኣብ ኣውሮፓ ኮይኖም ዝዝውርኹም ተመሪሕኩም ምኻድ ካብ መረጽኩም ግን ጻዕዳ ይጽናሕኩም ኢና ንብለኩም:: ኣነ ከም ተራ ኣባል: ናትኩም ኣብቲ ማሕበር ምህላው ኣየገድሰንን እዩ ምኽንያቱ ነቶም ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኣብ ትሕቲ እዚ ማሕበር ዘለዉ ስለ ዘይትውክልዎም:: ኣብዛ ጽሕፍቶኹም ብጀካ ናብ ስምረት ዘወጣወጥኩሞ ታህዲዳትኩም ናብ ህግደፍ ዝቐነዐት ቃል ዋላ ሓንቲኳ ትኹን የላን:: ቃልሲ ዳኣ መዓስ ንፍትሒ ምስ ዝቃለስ ኮይኑ: ቃልሲስ ጸረ ህግደፍ እዩ:: ስለዚ መርገጺኹም ኣነጽሩ:: እንተ እቲ ስምረት መንእሰያትሞ ቀጻሊ እዩ:: ካብ ጸቢብ ኣታሓሳስባ ወጺእና ኩሉ ኣቓልቦና ጸረ ህግደፍ ይኹን። ወዳሓንኩም

  • tesfagergis August 12, 2013

    megletsikum rienayo mesdemem yu imo seb ehgoselkum do mesilkum ab srah tsegemat kemzelo manim zeyshto u tsegemat kum gin ab goni smret meneseyat konkum kitfethiwo nerikum kabeu halife ziblekum intehalinu gin dkumat ekum ente eti simret gin kikitsil yu eti lewti kea fetikum tseliekum kab eysns u natkum mifnchal kea minalbat senkelkel yeblena yikewun inber aykewdikenan u mo nab libkum yimlekum mikniyatu simret malet ekub dimir nay delyti fithi yu hanti gin kezekakirekum ab deleyti fithi nab siltan kididim yelen wedehankum wedi yacob swizerland

POST A COMMENT