Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ ዛዕባ፥ ብፍላይ ኤርትራውያን መናእሰይ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነዚ ጉዳይ ብልዑል ምስትውዓል ፣ ብትኹረት ክትሪኡዎ እላበወኩም ፤ መንእሰይ ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ ብልዑል ትኹረት ክሪኦ እላቦ፤

ኣገዳሲ ዛዕባ፥ ብፍላይ ኤርትራውያን መናእሰይ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነዚ ጉዳይ ብልዑል ምስትውዓል ፣ ብትኹረት ክትሪኡዎ እላበወኩም ፤ መንእሰይ ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ ብልዑል ትኹረት ክሪኦ እላቦ፤

ኣገዳሲ ዛዕባ፥
ብፍላይ ኤርትራውያን መናእሰይ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነዚ ጉዳይ ብልዑል ምስትውዓል ፣ ብትኹረት ክትሪኡዎ እላበወኩም ፤ መንእሰይ ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ ብልዑል ትኹረት ክሪኦ እላቦ፤
…………………………………………………….
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ መዝነት ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ክልል ኣምሓራ፤ ሓለፍቲ ፀጥታ እቲ ክልል ኣምሓራ፣ ገለ ኣምሓሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ናብ ኣስመራ 11 ግዘ ተመላሊሶም እዮም፤ ህዝቢ ብመስኮት ቴሌቪዥን ዝረኣዮ 2 ግዘ ጥራሕ እኳ እንተኾነ 11 ግዘ እዮም ተመላሊሶም፤ እዚ ንሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ ሓቲትካ ብቐሊሉ ምርግጋፅ ዝከኣል ጭቡጥ ሓቂ እዩ፡፡
ናይቲ ኹሉ ምልልስ ቀንዲ ዕላምኡ “ብዚን ብቲን ኮይ’ና ንትግራይ ንጨፍልቃ” ብዝብል ዕላማ ንህግደፍ ኣብ ጎኒ ኣምሓራ ምስላፍ እዩ ነይሩ፡፡
ፈለማ ኣይተ ኢሳያስ ፅቡቕ ገፅ ኣርእዩዎም ነይሩ (ደሓር ቀፂሉሉ ድዩ ኣይቀፀለሉን ርግፀኛ ሓበሬታ ኣይረኸብኩን ፤ ኩሎም ምልክታት ግን ቀፂሉ ክኸውን ከምዝኽእል ክንሓስብ ዘገድዱና እዮም) ፡፡ ደሓር እቲ ምይይጥ “ፖለቲከኛታት ምስ ፖለቲከኛታት፣ ሓለፍቲ ሰራዊት ምስ ሓለፍቲ ሰራዊትን ታሕተዋይ ሰራዊትን ንግበሮ” ዝብል ሓሳብ መፂኡ፡፡
ሰራዊትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤርትራ እዚ “ንትግራይ ብዚን ብቲን ግምባር ፈጢርና ንጨፍልቃ” ዝብል ካብ ሓለፍቲ ፀጥታ ክልል ኣምሓራን ኣምሓሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝመፀ ሓሳብ “ወጊድ!” ኢሎም ነፂጎምዎ፤ “ድሕሪ ሐዚ ምስ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዘዳምየና ዝኾነ ነገር የለን፤ ኣሽንኳይዶ ምስ ሓውና ዝኾነ ህዝቢስ ምስ ዝኾነ ዘይተንከፈና ኣካል ከይድና ክንዋጋእ ኣይንደልን፤ ኲናት ደኺሙና ኣድኪሙና እዩ” ኢሎም ተስፋ ኣቑሪፆምዎም፡፡
ብርግፅ ዕላማ ሰበ-ስልጣን አምሓራ ንትግራይ ምጭፍላቕ ጥራሕ ኣይነበረን፡፡ኣብ ሓደ መድረኽ ሰበ-ስልጣን ብ.ኣ.ዴ.ንን መማኽርቶምን “ኤርትራ ካብ ዝገመትናያ ንላዕሊ ኣዝያ ተዳኺማ እያ ዘላ፤ እቲ ብዓይኒ ፖለቲካ ንቑሕ ዝብሃል ናይ ከበሳ ህዝቢ ፀኒቱ እዩ፤ ብፍላይ ክዋጋእ ዝኽእል ሓይሊ መንእሰይ የብላን፤ ናይቲ ኸበሳ ዘሎ ህዝቢ ቑፅሪ ካብ 1.5 ሚልዮን ዘይዛይድ እዩ፤ ንትግራይ እንተምበርኪኽናያ ንኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኣንበርኪኽና ዓሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ሙሉእ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንኖ ንኽእል ኢና፤ እዚ ክዉን ንምግባር ግን ቕድሚ ኹሉ ግን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ግንባር ፈጢርና ብዚን ብቲን ኮይንና ንትግራይ ንጨፍልቃ፤ ድሕሪኡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ናይ ሰሙናት ጉዳይ እዩ” ክብሉ ከምዝተሰምዑ ዘረጋግፁ ሓበሬታታት ኣለዉ፡፡
እምበኣር ናይቲ ኩሉ ምልልስ ቀንዲ ዕላማ እውን ንሱ እዩ፤ ፈለማ ምስ ህግደፍ ግንባር ፈጢርካ ብዚን ብቲን ኮይንካ ንትግራይ ምጭፍላቕ፤ ድሓር ንኤርትራ (እንኮላይ ንህግደፍ ማለት እዩ) ምጭፍላቕ፤ ካብኡ ንዓሰብን ንመላእ ቀይሕ ባሕሪን ምውናን፡፡
እዚ ኩሉ ብብኣዴን ዝግበር ዘሎ “ናይ ባሕሪ ሓይሊ ነጣይሽ” ዝብል ድፍኢት እውን ካብዚ ተስፋ ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽል ምግማት ኣድላዪ እዩ፡፡
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዓይኑ ዘፍጠጠ፣ ብፖሊሲ ዝተደገፈ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ጎነፅ ክጎሃሃር ዝገበሮ እዚ ምስ ህግደፍ ግምባር ፈጢርካ ንትግራይ ጨፍሊቕካ ሓሊፍካ ንኤርትራ እውን ምጭፍላቕ ዝብል ብኣያታቶም ተፈቲኑ ዝፈሸለ ፈተነ ክገብሩ እዮም ዝህንደዱ ዘለዉ፡፡
ኣይተ ኢሳያስ ብዛዕባ እቲ ሕቡእ ዕላምኦም ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን፤ ብኣምሓሩ ምጭፍላቕ ይደልዮ እዩ ኢለ እውን ኣይኣምንን፤ እንታይ ድኣስ ኣይተ ኢሳያስ እቲ ምስ ገለ ሰበ-ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ት ዘለዎ ሕሱም ፅልኣትን ቂምን ሕነ-ምፍዳይ እዩ ዝለዓለ ቀዳምነት ዝህቦ፡፡ ሕነ ድሕሪ ምፍዳዩ ብዛዕባ ዝመፅእ ብዙሕ ዝግደስ ኣይመስልን።
ብዝኾነ ፅባሕ ኢሳያስ ናብ ጎንደርን ባህርዳርን ክኸይድ እዩ፤ ጎንደርን ባህርዳርን ከይዱ ዝገብሮ ኹሉ፣ ብሕቡእን ብግልፅን ዝፍፅሞ ስምምዕነት ኹሉ ብንቕሓት ንከታተሎ ይኸውን፡፡
ብፍላይ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚ ሓቂ ክርዳእ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣብዚ ንፁር ምስሊ ክሕዝ ይግባእ፡፡ ብወገነይ ብፍላይ እቲ ሰራዊት ንፁር ምስሊ ምሓዝ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀፀልቲ ሒደት መዓልቲታት ብፍላይ ንኽልቲኡ ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ዝረብሕ፣ ናይቲ ህዝቢ ህልውና ኣብ ምውሓስ ልዑል ኣወንታዊ እጃም ዝጻወት ሓደ ታሪኻዊ ናይ ለባም ውሳነ ከሕልፉ፣ ሓደ ናይ ተባዕ ተግባር ክፍፅሙ እዩ ትምኒተይ፡፡
ካብ ትግራይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Habte November 9, 2018

    Hello from tigray
    The Amhara will never stop dreaming about taking back Eritrea

    It will never happen. They loathe hardship. For the last fifty years they used the poor Oromos and Tegaru as cannon fodders to crush Eritrea. It failed miserably. They may try it again but Tigrai and Oromo will not fall to that trap again. The games have changed.

  • Futsum Teferi November 9, 2018

    I am agree with you!

  • Gezae November 9, 2018

    This is the most severe criticism offer of the despicable, non-stop lies of the assenna family propagandist endeavor.
    .It makes me so mad that we often get propaganda and lies not constructive contemporary politic issues and news.
    The rest of us know this is just propaganda and just hollow buzzwords that do not match reality.

  • aditekelezan November 9, 2018

    ክቡር ካብ ትግራይ,
    ቀዳማይ ስለቲ ቅኑዕ ትዕዝብትኻን ስክፍታኻን ከመስግነካ እደሊ. ቀጺለ ድማ “ጎይታይ ራእሲ ሃይሉ ሎሚ ድዩ ደኒንካ ምብካየ ቀደም ነበረ እምበይ ፈሰስ ምንካየ” ዝብል ኣቦታትና ደቡብ ትግራይ ዝበልዎ ክጠቅስ እደሊ !!! ምንም እኳ ተቓወምቲ ኤርትራ ዘይረብሑ ይኹኑ እምበር ,ወያነ “ሕቖ ትምክሕተኛ ከበሳ ኤርትራ ክንሰብሮ እንኤና ብዝብል ,ነቲ ብትግራውነቱ ዝሓንኽ በረኸት ስምኦን ተንኮል ጌሩ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዩሎም እዩ ,ነቶም ካብ እስራኤል ከይዶም ንህግደፍ ክወግኡ ዝኣተዉ ኤርትራውያን , ወያነ , ካብ መሬትና ተበጊስኩም ኣይትወግኡን ኢኹም ኢሉ ተስፋ ኣቑሪጹ ፋሕ ኣቢልዎም !!! ምኽንያቱ እቶም ምስ ተጋሩ ናይ ኤርትራስ ይትረፍ ምስ እንድርታ እኳ ስልጣን ክካፈሉ ዘይደልዩ ገበትቲ ሰብ እንትጨው ,ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ከይዓጠጦም ማሕፉዳታቶም መሊኦም ኣዛብእ ቀትሪ ኾይኖም ኣብ ክትራ ኣቦታትና ተጋሩ ትግራይ ተሓቢኦም ሑሕ ኣምሓራ መጹኻ ኢሎም ናይ ኤፈርት ዘይውዳእ ዶላራቶም ነቲ ካብ ካልእ ዝተፋናቐለ ህዝቢ ትግራይ ሳንቲም ከየጫነውዎ መሕብኢ ጌሮሞ ይነብሩ ኣለዉ!!! ሓው ትግራዋይ , ህግደፍ ድኣ ብቐደሙ ኢትዮጵያዊ እንድዩ , ስልጣን ምስ ኣቢይ ተኻፊሉ ሓንቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክነብር ይኽእል’ዩ!!! ህዝቢ ኤርትራ ድማ ተሓሊልዎ ቀደሙ ሃብትን ክብረትን ኢትዮጵያ ዝውንን ዝነበረ ኤርትራዊ እንድዩ. ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ሓዉ ትግራዋይን ኣምሓራይን ጀሚሩ ክሳዕ ጎምጎፋ ዝጸልኦ ህዝቢ ኣይነበረን ሕጂውን የለን. ቃልሲ ትግራይ ሓቀኛ ወጽዓ ኔርዎ እዩ ,ቃልስና ግን ዳርጋ ናይ ቅንጦት እዩ ኔሩ . ስለዚ ክቡር ትግራዋይ ሓወይ ካብ ዓስ በላስ ዓስ ይቐልል ንወያነ እንዶ ሕተቶም ንምንታይ እቲ ዝገበርዎ ጌሮም ብሕጂኸ እንታይ እዩ መደቦም ሕተቶም…. እምበር ሓቅኻ እቲ ፕላን ንትግራይ ብዓፋርን ኣምሓራን ኤርትራን ዒቕ ዒቕ ኣቢልካ ብኤኮኖሚ ንምቕታል እዩ. እዚ ግን ናይቶም ኩሉ ነገር ክቋጻጹሩ ዝደልዩ ወገናውያን እንትጨዋውያን እዩ.
    ምስ ምሉእ ክብሪ
    ሓውካ ዓዲተከሌዛን
    ካብ ሰሜን ትግራይ ነበር / ኤርትራ

  • selam November 11, 2018

    ካብ ትግዕሩ ተመሃሩ ጸገም ሕብረተሰብ ከይትኾኑ

Post a Reply to aditekelezan Cancel Reply