Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣጋግዮምና…..ትእዛዝ ኮይኑና …..

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጡር: ህይወት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ: ተለዋዋጥን ሓላፍን እዩ። ኩነታትውን ከምኡ። ዓወት ብስዕረት ይትካእ። ክብረት ብሕስራን ይድምደም። ሃብታም ይደኪ: ድኻ ይህብትም። ዳንደ ዝነግሰሉ: ለባም ድማ ከም ባርያ ዝሳቐየሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ዝደልደለ ህንጻ ንዘልኣለም

ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ፍጡር: ህይወት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ: ተለዋዋጥን ሓላፍን እዩ። ኩነታትውን ከምኡ። ዓወት ብስዕረት ይትካእ። ክብረት ብሕስራን ይድምደም። ሃብታም ይደኪ: ድኻ ይህብትም። ዳንደ ዝነግሰሉ: ለባም ድማ ከም ባርያ ዝሳቐየሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ዝደልደለ ህንጻ ንዘልኣለም ደው ኢሉ ኣይነብርን። ቀስ ኢሉ ናብ ዑና ይልወጥ: መጻወቲ ጠበቕን መሓምበጢ ወኻሩን ኮይኑ ድማ ይነብር።

ኣብ ዓለም: ነባሪ እዩ ኢልካ ልብኻ እተንብረሉ ስርዓት ወይ መትከል ወይ ተዮሪ የልቦን: ከመይሲ ኩሉ ነገራት ዚምዕብልን ዚለዋወጥን: ዝኣርግን ዝመውትን እዩ።  ስለዚ እቲ ብምሉእ ሓይልኻ ዝኣመንካሉ ስርዓት ከይተረፈ መወዳእታ ከም ዘለዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ጽንዓትካ ወይ ናይ ዘልሓጥ ምባልካ ኩነታት ግን ሓላፍነቱ እትስከሞ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ነቲ ጉዳይ ክትኣትዎ ከሎኻ: ኣብቲ ጕዕዞኻ ናይ ናይ ስግኣትን ምጥርጣርን ፈተናታትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ስቓይን ሞትን ከም ዚጓነፈካ ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ይግበኣካ።

ይኹንምበር: ኣብቲ ዝኣመንካሉ ነገራት ጽንዓት ምርኣይ: ከም ሰብ መጠን ክብረት ይህበካ እዩ: ኣብ ኣእምሮ ወድሰብ ድማ ከም ኣብነት ኴንካ ንዘልኣለም ትነብር።

እቲ እትኣምኖ ነገራት ግጉይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግን ንኣኻ ቅኑዕ ኮይኑ ስለ ዚረኣየካ: ኩሉ ግዜ በቲ እትኣምኖ ምቕጻል ናቱ ነብሱ ዝኸኣለ ዋጋ ኣለዎ። ዋጋ ዝጎድሎስ: ኣብቲ እትኣምኖ ነገራት ጥሒልካ ኣብ ደቅሰብ ወንጀል ክትፍጽም ከሎኻ ጥራይ እዩ። በቲ ጽንዓትካ ትምስገን: ኣብነት ክትከውን እውን ትኽእል፤ በቲ ገበንካ ግን ኣብ ፍርዲ ክትቀርብ ምዃንካን መቕጻዕቲ ክትቅበል ምዃንካን  ክትፈልጥ ይግባእ።

ኣብ ጀርመን ናዚዝም ምስ ዓነወ: ኣብ ኢራቅ ሳዳም ሑሰን ምስ ተታሕዘ: ሃይለስላሴ ምስ ወደቐ: ደርጊ ምስ ተሳዕረ: በቶም ላዕለዎት ሰዓብቱ: ናይ ምጥዓስን ናይ ቁጠዓን ኩነታት ተራእዩ እዩ። ሓደ ስርዓት ምስ ተገልበጠን ምስ ተሳዕረን እቶም ምስኡ ዝግልበጡ ናይቲ ስርዓት ላዕለዎት ኣባላት: ነታ ህይወቶምን ነታ ዝማህመነት ክብረቶምን ንምዕቃብ ክልተ ምኽንያታት እዮም ዘቕርቡ፤ ኣጋጊዮምና: መሲሉና…፤ ገለ ንህዝቢ ዝገፍዑን ዝቐተሉን ድማ: ትእዛዝ ኮይኑና: ልዕሊ ዓቕምና ኾይኑ ይብሉ። ኣይተጋገኹን: ሕጂውን ነቲ ስርዓትን ፖሊሲታቱን እኣምነሉ እየ ዚብሉ ግን ኣዚዮም ውሑዳት እዮም።

ገለ ካባታቶም ግን: ናይ ቀልጢፍካ ምልዋጥ ባህርይ ዘለዎም ሰባት እዮም። እዚኣቶም ብስእላዊ ኣዘራርባ ከምቲ ኣብ ኩሉ ወርሓት ዝበቝል ኣታኽልቲ እዮም። ኣብ ምቘት ይበቝሉ: ኣብ ዛሕሊ ይዕምብቡ……. በረድ ኣየርግፎም: ጸሓይ ኣየቐምስሎም……..ኩሉ ይሰማምዖም እዩ።

ሓድሓደ ግዜ: እዚ ዘገርም ዓይነት ባህርይዚ ኣብቲ ዚምስረት ሓድሽ ስርዓት እውን ስልጣን ከም ዚወሃቦም ይገብር እዩ። ሰውራ ደቃ ቀቲላ ደቅማታ ትእክብ ዚብሉዎ ሓቂ ድዩ?

ገለ ድማ: እታ ናይቲ ስርዓት ባቡር ገና ኣብ ገደል ኣትያ ከየንከራረወት ከላ ወይ ኣንከራርያ ኣርባዕተ ኣእጋራ ምስ ሰቐለት: ዘዘሊሎምን ፍሑዅ እናበሉን ዝወጹን ናብ ካልእ ሃገር ዝሃድሙን ኣለዉ። ኣዶልፍ ኣይኽማን ሓደ ካብዚኣቶም እዩ ነይሩ።

ቀደም ኣብ ጎረቤት ሃገር ክንምሃር ከሎና ዝረኣኹዎ ተግባር ክሳዕ ሎሚ ይገርመኒ። ሰራቒ ኣብ መገዲ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ኩትሻ መንጢሉ ይሃድም። ሽዑ ኩሉ ሰብ: ሌባ ሌባ እናበለ ይጎዮ። ኣብቲ ናይ ሰብን ማኪናን ዕግርግር ዘለዎ ጎደናታት: እቲ ሰራቒ እውን ባዕሉ ምስቶም ሌባ ሌባ ዚብሉ ጎየይቲ ተሓዊሱ: ሌባ ሌባ እናበለ ይጎዪሞ: ኣብ መወዳእታ እቲ ነቲ ኣብ መንጎ ሌባን ንሌባ ኪሕዙ ዚጎዩ ዘለዉን ዘሎ ፍልልያት ንምምማይ ዝተደናገረ ሰብ: ነቲ ምጕያይ የቋርጾ። ሰራቒ ድማ ምስቶም ዘይሰረቑ ማዕረ ማዕረ ሸናዕ እናበለ ነቲ ሰሪቑ ዝሓብኦ ወርቂ ሒዙ ናብ ቤቱ ይኣቱ።

ብሓጺሩ: ህግደፍ ህግደፍ ትብል ከም ዘይነበርካ: ደሓር ህግደፍ ካብ ስልጣኑ ምስ ተዓልወ: ምስቶም ዘማርሩ ዄንካ: ኣየ እዚ ርጉም ህግደፍ ትብል ከም ማለት እዩ። ሰብ ንነብሱ ካብ ጸገምን መከራን ንምዕቃብ ዘይፈጥሮ ብልሃት የብሉን።

ሕራይ: እዚስ ከም ቅቡል ናይ ወድሰብ ባህርይ ጌርና ንውሰዶ: ግን ሰባት ኣብ ኮንተይነራት ዳጒንካን: ረሺንካን ኣጋፊዕካን መጻኢ ህይወቶም ኣበላሺኻን ደሓር ሌባ ሌባ እናበልካ ምስቶም እተበደሉ ሰባት ደድሕሪ ሌባ ክትጎዪ ኣይትኽእልን። ኢድካ ንጹህ ስለ ዘይኮነ: ብሕጊ ክትሕተት ንቡር እዩ።

ኣብዚ እያ እታ ትእዛዝ ኮይኑና እትብል ሓረግ ክትቀላቐል እትጅምር። ቅድሚ ሕጂ ብኣባላት ናዚስታዊት ጀርመንን ካልኦት ኣባላት ግፍዐኛ ስርዓትን ብተደጋጋሚ መገዲ ተቓሊሓ እያ። ትእዛዝ ኮይኑና: ልዕሊ ዓቕምና ኾይኑ:….ወዘተ..

ኣብዚ ጉዳይዚ: ኣዘዝትን ኣተግበርትን ከም ዘለዉ ክንርስዕ ኣይግባእን። እቲ ትእዛዝ (እቲ ገበነኛ ከም ዚብሎ) ካብ ላዕሊ እዩ ዚመጽእ:  ናቱ ስራሕ ግን ምትግባር ጥራይ እዩ። እቲ ትእዛዝ ንታሕቲ እናወረደ ናብኡ ምስ በጽሐ: ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሉ ምንም ከየጕደለ: ግን ከኣ መታን ኪፍቶ ቅሩብ ወሳሲኹ: የተግብሮ። ዝርሸን እንተሎ ጽቡቕ ገይሩ ይርሽኖ። ዝሕነቕ እንተሎ ድማ ግሩም ገይሩ የንጠልጥሎ።

እዚ ገበነኛዚ: ነቲ ካብ ላዕሊ እዩ መጺኡኒ ዚብሎ ናይቲ ውልቀመላኺ ትእዛዝ ከየጕደለ እዩ ዘተግብሮ፤ ትእዛዝ ናይቲ ልዕሊ ኹሉ ኣዛዚ እዩ ኢሉ ዝኣምኖን ኪሳለሞ ዚውዕልን መለኮታዊ ሓይሊ ወይ ኣምላኽ ንምትግባር ግን ይጽግሞ እዩ። ምስራቕን ምሕሳውን ዘይናትካ ምምንጣልን ምዝማውን ንኣኡ ምንም ሕርኽርኽ ዚብሎ ጉዳይ ኣይኮነን። ካበይ እዩ መጺኡ እዚ ኣይትስረቕ: ኣይትሓሱ ወዘተ. ዚብል ትእዛዛት ብምባል ምስ እትውከሶ: ካብ ላዕሊ (ኣምላኽ) ይብለካ: እንታይ ኴንካ ደኣ ዘይትእዘዞ ምስ እትብሎ ግን ዘዕግብ መልሲ ኣይህበካን።

ሕልና እዩ ዘይብሉ ኾይኑ። ሕልና ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ ኣይኣመነሉን። ሕጊ ብመራሕቲ ህዝቢ: ብገዛእቲ መደባት እተፈጥረ በብግዜኡ ዚለዋወጥ መምርሒ እዩ። ሕልና ግን ምስ ሰብ እተፈጥረን ዝማዕበለን ንጽቡቕን ሕማቕን ዘለሊ ውሽጣዊ ሚዛን እዩ።

እቲ ንሓሙሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ኣብ ፎርኖ ኪጥበሱ ትእዛዝ እተቐበለሞ ዘተግበሮ ኣዶልፍ ኣይኽማን: ሕልናኡ ሸይጡ እዩ ከምኡ ዝገበረ። ነቲ ሕልናኡ ዛጊት ንሽመትን ንስልጣንን ኪብል ሸይጡዎ እዩ። ነዚ ናይ ምሻጥ ተግባሩ ድማ: ናይ ፖለቲካን ናይቲ ፓርቲ ርእዮተዓለምን ሽፋን ኣልቢሱዎ። ዝንቡዕ እምነቱ ሓያል ብምንባሩ: ክሳዕቲ ብእስራኤላውያን እተሓንቀሉ ግዜ ምንም ጣዕሳ ኣየርኣየን።

ሕራይ: እቲ ትእዛዝስ ካብ ላዕሊ ወይ ካብ ውልቀመላኺ ወጺኡ ንታሕቲ ወሪዱ ንበል: እቲ ውልቀመላኺኸ ነቲ ትእዛዝ ካበይ እዩ ኣምጺኡዎ?

ኣእምሮ ውልቀመላኺ: ብፍርህን ራዕድን ዝመልአ እዩ። ናይ ገዛ ዕዮኡ: ነቶም ኣብ ታሕቲ ሑሕ ብምባል ዘሰንብዱዎ ንምቍጽጻርን ንምጽናትን እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ እዩ። ህይወቱ ቅሳነት ስለ ዘይብላ: ከይቀደሙኒ ከቃብጾም ወይ ከይቀረቡኒ ከርሕቖም ዚብል ሱር ዝሰደደ እኩይ ድርኺት ኣለዎ።

ካብ ከምዚ ዝበለ ሓንጎል ድማ እኩይ ሓሳባት ጥራይ እዩ ኪውሕዝ ዚኽእል። ምእሳርን ምቕታልን ምብራስን ድማ ባህርያዊ ውጽኢቱ እዩ።

እሞኸ ደኣ: እቲ ትእዛዝ ካበይ ከም ዝመጸ ንምፍላጥ ንላዕሊ ገጽካ ምስ እትድይብ: ኣብቲ ውልቀመላኺ ድዩ ተደሪቱ ዚተርፍ? ኣይፋልን: እቲ ውልቀመላኺ ከይተረፈ ነቲ ትእዛዝ ካብቲ ልዕሊኡ ዝኾነን ኪቆጻጸሮ ዘይክእልን ጽልሙት ኣእምሮን ተሪር ልብን እዩ ዚቕበሎ!

መላኺ ዘይብሉስ: ሰይጣን ይመልኮ!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Tesfai beraki August 27, 2015

    ሰላም መምሀር ኣማኑኤል
    ጽሑፍካን ኣበርኩቶኻን ንዘንበቡዎ መንአሰያት፣ጠቓሚን ማዕዳ ዝሓዘለን ኢዩ፣አንተኾነ አቶም አንፈለጡ አብ ሓዊ ዝጠበሱና፣ተጣዒስና ጥራይ
    ዘኮነስ፡ ነታ ሃገር ኣብ ዳግማይ ደም ከአትዉዋ አዉን ዝሓስቡ ኣይሰኣኑን። ናይ ነዊሕ መደብ ዝጸንሖም ንምጥፋአ ህዝብናስ ይትረፍ ንጞረባብቲ ሃገራትናውን ናብ ኩናትን ህውከትን ከአትዉ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣሕዋትና፣በኸመይ ዝመሰለ ናይ ኣአምሮ ሚዛን አዮም ከምቶም ጠቒስካዮም ዘሎኻ ዝተፈላልየ ምኽንያት ክህቡ? አዞም ፍሉያት ጉጅለ ናይ መሪሕነት ህግደፍስ ካብቶም ናይ ካምፖጅያ ጭክነ መራሕቲ
    ኣብ ግዜ ፖልፖት ብዘይ ጣዕሳ ክሓልፉ ዝሃቀኑን/ዝሃቀናንዶ ኣይመስለካን?ልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ደም ንጹሃት ኤርትራዊያን ዘፍሰሱስ፣
    ሙሉአ ኣአምሮን ሓንጎልን አንተዝነብሮምሲ ናብዚ ገበን’ዚ ድዮም ምኣተዉ? አዝከረኒ ጴጥሮስ ንይ ሓው ጣህ ስራጅ ንይ ዓሳ ንግዲ ከግድፎ አንከሎ፣ ፔጥሮስ ትጋገ ኣሎኻ ነዚ በዓል ሞያ ወዲ ደሴየት ዳህላክ አቲ ነቶም ሰብ ጀላቡ ዝህቦም ሓገዛት ንስኻትኩም ኣይክትገብሩዎን ኢኹም፣ስለዚ ነቲ ኣፍልጦ ናይ ስራሕን ንግዲን ዘጥረየ ኤርትራዊ ኣግዲፍኩም ንሚኒስትሪ ምክልኻል ክትህቦም’ሲ ጌጋ ኢዩ’ሞ ኣይትዓሹ ምስበልኩዎ ንስኻኮ ናይ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ የብልካን ስለዚ አንተዘይተዛረብካ ይሓይሽ ይብለኒ።
    ኣብ ከተማ ናብ ባንክ ብስራሕ ምስከድኩ አቲ ማናጀር ናይ ባንክ ጸዊዑ ስማዕ ምስ ጴጥሮስ ርክብካ ኣደልድል፡ ስለምንታይሲ አዚ ሰብዚ ምስዞም ዓፋርን ትግረን ሳሆን አንታዩ ርክቡ አናበለ ብዛዕባኻ ብዙሕ አዩ ዝሓትት ዘሎ ይብለኒ።
    አቲ መል አኽቲ’ኳ አንተተረደኣኒ፡ ርክባተይሲ ንሱ ኣይኯነን ዝውስነለይ ኢለዮ ናብ ጉዳየይ ተመለስኩ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ፡ ንታሪኽ ገዲፈ፣ ኣብ መወድአታ ርክብና ግን ከም ሰብ ተጋግአዩ ናብ ጥፍኣት ተጸጊዑ ከምዘሎ ምስተ ዓዘብኩ ኣደንጊጹኒ፡ አሂ ደኣ ወድ ሰሊየ
    ንኢሰያስ ክኣስረካ መታን ኢድካ ኣጣሚርካ ዲኻ ክትጸንሖ ኢለ ምስሓተትኩዎ፡ ወይ ኣአምሮ ስሒቱ ወይ ድማ ጌጋ የብለይን’ሞ
    ንዓይ ዝትንክፍ የለን ብዝብል ዓሻ ድፍረት ተደሪኹ፣ ጸገም የለን መምህር ኢሉኒ፣ ኡሩብ ጸኒሐ ስማዕ ነብስኻ ኣውጽአ ንደቅኻ ሕሰበሎም በልኩዎ ዘሰክፍ የለን ዝብል መልሲ ሃበኒ ደጊሙ። ንስኻ ምኽሪ የድልየካ ኢዩ፣ ኣብ ገዛ ናይ ኣደይ’ሞ ምጻአ ጎጎ ናየደይ አናበላዕና ምክረይ ክልግሰልካ ስለዚ ሃደራኻ ንይደቅኻ ሂወት ኣይተበላሹ፡ በልኩዎ። ብደም ዝሰኸሩ ኣህዋትና ከይተጣዕሱ ይነብሩ ከምዘለዉ ንኣይ ኣይተሓብኣኒን ግና ስለምንታይ ዝብል ሕቶይ ክምለስ ኣይተኻአለን፥ ምክንያቱ፡ አዚ ሰብ’ዚ ዓርከይ ወይ መተ ዓብይተይ ኣይነበረን፡ ግናኸ ክጋገ ስለዝረኣኹ ደኣምበር ኤርትራውነተይ ዝኸሓደኒ ሚኒስተር ናይ ሃብቲ ዓሳ ብምንባሩ አንታይ ኣአተወኒ፣
    ምበልኩ ነይረ። ጥፍኣት ናይ ተጋደልቲ ዘይገደሶም ሃለፍቲ ህግሓኤ (አንዳ 72)ኣብ ነብሶም ምድሓንን ድሕነት ዉላዶምንሲ ኣይተ ዓወቱን። ስለምንታይ ህዝቢ ኣጥፊአካ ነብስኻ ምጥፋአ፡ ስለምንታይ ኮን ነዚ መንገዲ መሪጾም ይኾኑ? ጣዕሳኸ ትህልዎምዶ ትኸውን?
    ደጊምና አንተንራኸብከ፥ኣጋግዮምና…..ትእዛዝ ኮይኑና …..ድዩ ክብለኒ? ተስፋ አገብር ንሱ ብሂወት ኣነውን ከምኡ ደጊመ ክሓቶ’ሞ ካልአ መልሲ ክህበኒ።ስለዚ ቅድሚ ኹሉ ኣይትቀደም ስለዝኾነ ኣነ ቅድሚ ንሱ ስጉምቲ ናብ ልዕለይ ምውሳዱ ናብ ቦታይ ተመሊሰ ብስላም አነበር ኣሎኹ፣ ግና ንሱ አንተዓሸወስ ከምቲ ናቱ ኣይሓስብን ምኽንያቱ ንሱ ብዘይፍርዲ ተቐፊዱ፣ ብጾቶ’ውን ከሙኡ፡ ሰብኣዊ
    ሕልና ስለዘሎኒ ንኽፍትሑ ምስ ካልኦት ደቂ ሃግር ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልና አሱራትን ይፈትሑ…ይፈትሑ… አናበልኩ ኣቤቱታ ናብ ዓለም ምቕራብ ኣይከቇርጽን ኢየ።

    • tesfu abraham August 29, 2015

      ከማኹም ዓበይቲ ሰባት (ብኣተሓሳስባ)ይብዝሑልና
      ዕቢ ትምህርትን ሓበሬታ እዩ’ሞ ካብ ምጽሓፍ
      ድሕር ኣይትበሉ ሓደራ።ደጊመ ንጽሑፍኩም ከይድነቁ
      ክሓልፍ ኣይደልን።

  • Mahta August 29, 2015

    zkeberka beraki nsom eko beja hzbi eyom halifom. kuwam ytegber eyom elom. lewty ,dimokrasawit hager kthnex eyom telibom. nsom nety tegadelulu elama ab mewdaetu kbexih ente koinu tegadelty mukanom geregagxu alewom. tegadalay malet kea ane hji kzrzrela aidelin nska tfelto eka. nsom ab metkelom eyom teasirom. nebsom ente zfetwu neyrom kemtom hzbi ena tebedele riesom adninom ab wshty hager ykun ab dege znebru zelewu ftuhat sre.mneberu nerom nay behaki gn nsom jeganu eyom ade welida tmken kemom.beja hzbi halifom.nwlud welodo kea tarikom kem hawelty kxehafn ksrahn kulu halafnet eu.

  • Alex August 29, 2015

    ሰላም ኩቡር መምህር፡ መቼም እቲ ትህቦ ትምህርታዊ ቃላትካ ኣዙ እየ ብሀንቆውታ ዝጽበዮ ብጣዓሚ የቅኔልና ድማኒ ኩቡር መምህር።

  • መርሃዊ August 29, 2015

    አዛ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብኩ ዓውለማ አቲብል መደብ ቢ ኣማኒ ኤል ሳህለ ዘኪረ ቢጣዕሚ ዘሕጉስ ዩ ሎሚ አዊን ቢቲ መሃሪ ዚኮነ ኬእለቲን ሞያን ኒህልው ኩነታት አሪትራን አሪትራዊን ዚድህሲስ ሚንባበይ። ኣብ ቕጻሊ አዊን ኣብ ሚክቲታልኩም ከምዚርከብን ዓቕመይ ቢዘፍቅዱ ኣብ መኣዲኩም ኪሳተፍ ኪቡራት የሕዋት። የቕንየለይ ሲለ ሃገራዊ ኒሕኩምን ሞያዊ ሊግስኹሚን ቢሓፈሻ።

Post a Reply to መርሃዊ Cancel Reply