Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣጋግዮምና…..ትእዛዝ ኮይኑና …..

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጡር: ህይወት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ: ተለዋዋጥን ሓላፍን እዩ። ኩነታትውን ከምኡ። ዓወት ብስዕረት ይትካእ። ክብረት ብሕስራን ይድምደም። ሃብታም ይደኪ: ድኻ ይህብትም። ዳንደ ዝነግሰሉ: ለባም ድማ ከም ባርያ ዝሳቐየሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ዝደልደለ ህንጻ ንዘልኣለም

ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ፍጡር: ህይወት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ: ተለዋዋጥን ሓላፍን እዩ። ኩነታትውን ከምኡ። ዓወት ብስዕረት ይትካእ። ክብረት ብሕስራን ይድምደም። ሃብታም ይደኪ: ድኻ ይህብትም። ዳንደ ዝነግሰሉ: ለባም ድማ ከም ባርያ ዝሳቐየሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ዝደልደለ ህንጻ ንዘልኣለም ደው ኢሉ ኣይነብርን። ቀስ ኢሉ ናብ ዑና ይልወጥ: መጻወቲ ጠበቕን መሓምበጢ ወኻሩን ኮይኑ ድማ ይነብር።

ኣብ ዓለም: ነባሪ እዩ ኢልካ ልብኻ እተንብረሉ ስርዓት ወይ መትከል ወይ ተዮሪ የልቦን: ከመይሲ ኩሉ ነገራት ዚምዕብልን ዚለዋወጥን: ዝኣርግን ዝመውትን እዩ።  ስለዚ እቲ ብምሉእ ሓይልኻ ዝኣመንካሉ ስርዓት ከይተረፈ መወዳእታ ከም ዘለዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ጽንዓትካ ወይ ናይ ዘልሓጥ ምባልካ ኩነታት ግን ሓላፍነቱ እትስከሞ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ነቲ ጉዳይ ክትኣትዎ ከሎኻ: ኣብቲ ጕዕዞኻ ናይ ናይ ስግኣትን ምጥርጣርን ፈተናታትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ስቓይን ሞትን ከም ዚጓነፈካ ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ይግበኣካ።

ይኹንምበር: ኣብቲ ዝኣመንካሉ ነገራት ጽንዓት ምርኣይ: ከም ሰብ መጠን ክብረት ይህበካ እዩ: ኣብ ኣእምሮ ወድሰብ ድማ ከም ኣብነት ኴንካ ንዘልኣለም ትነብር።

እቲ እትኣምኖ ነገራት ግጉይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግን ንኣኻ ቅኑዕ ኮይኑ ስለ ዚረኣየካ: ኩሉ ግዜ በቲ እትኣምኖ ምቕጻል ናቱ ነብሱ ዝኸኣለ ዋጋ ኣለዎ። ዋጋ ዝጎድሎስ: ኣብቲ እትኣምኖ ነገራት ጥሒልካ ኣብ ደቅሰብ ወንጀል ክትፍጽም ከሎኻ ጥራይ እዩ። በቲ ጽንዓትካ ትምስገን: ኣብነት ክትከውን እውን ትኽእል፤ በቲ ገበንካ ግን ኣብ ፍርዲ ክትቀርብ ምዃንካን መቕጻዕቲ ክትቅበል ምዃንካን  ክትፈልጥ ይግባእ።

ኣብ ጀርመን ናዚዝም ምስ ዓነወ: ኣብ ኢራቅ ሳዳም ሑሰን ምስ ተታሕዘ: ሃይለስላሴ ምስ ወደቐ: ደርጊ ምስ ተሳዕረ: በቶም ላዕለዎት ሰዓብቱ: ናይ ምጥዓስን ናይ ቁጠዓን ኩነታት ተራእዩ እዩ። ሓደ ስርዓት ምስ ተገልበጠን ምስ ተሳዕረን እቶም ምስኡ ዝግልበጡ ናይቲ ስርዓት ላዕለዎት ኣባላት: ነታ ህይወቶምን ነታ ዝማህመነት ክብረቶምን ንምዕቃብ ክልተ ምኽንያታት እዮም ዘቕርቡ፤ ኣጋጊዮምና: መሲሉና…፤ ገለ ንህዝቢ ዝገፍዑን ዝቐተሉን ድማ: ትእዛዝ ኮይኑና: ልዕሊ ዓቕምና ኾይኑ ይብሉ። ኣይተጋገኹን: ሕጂውን ነቲ ስርዓትን ፖሊሲታቱን እኣምነሉ እየ ዚብሉ ግን ኣዚዮም ውሑዳት እዮም።

ገለ ካባታቶም ግን: ናይ ቀልጢፍካ ምልዋጥ ባህርይ ዘለዎም ሰባት እዮም። እዚኣቶም ብስእላዊ ኣዘራርባ ከምቲ ኣብ ኩሉ ወርሓት ዝበቝል ኣታኽልቲ እዮም። ኣብ ምቘት ይበቝሉ: ኣብ ዛሕሊ ይዕምብቡ……. በረድ ኣየርግፎም: ጸሓይ ኣየቐምስሎም……..ኩሉ ይሰማምዖም እዩ።

ሓድሓደ ግዜ: እዚ ዘገርም ዓይነት ባህርይዚ ኣብቲ ዚምስረት ሓድሽ ስርዓት እውን ስልጣን ከም ዚወሃቦም ይገብር እዩ። ሰውራ ደቃ ቀቲላ ደቅማታ ትእክብ ዚብሉዎ ሓቂ ድዩ?

ገለ ድማ: እታ ናይቲ ስርዓት ባቡር ገና ኣብ ገደል ኣትያ ከየንከራረወት ከላ ወይ ኣንከራርያ ኣርባዕተ ኣእጋራ ምስ ሰቐለት: ዘዘሊሎምን ፍሑዅ እናበሉን ዝወጹን ናብ ካልእ ሃገር ዝሃድሙን ኣለዉ። ኣዶልፍ ኣይኽማን ሓደ ካብዚኣቶም እዩ ነይሩ።

ቀደም ኣብ ጎረቤት ሃገር ክንምሃር ከሎና ዝረኣኹዎ ተግባር ክሳዕ ሎሚ ይገርመኒ። ሰራቒ ኣብ መገዲ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ኩትሻ መንጢሉ ይሃድም። ሽዑ ኩሉ ሰብ: ሌባ ሌባ እናበለ ይጎዮ። ኣብቲ ናይ ሰብን ማኪናን ዕግርግር ዘለዎ ጎደናታት: እቲ ሰራቒ እውን ባዕሉ ምስቶም ሌባ ሌባ ዚብሉ ጎየይቲ ተሓዊሱ: ሌባ ሌባ እናበለ ይጎዪሞ: ኣብ መወዳእታ እቲ ነቲ ኣብ መንጎ ሌባን ንሌባ ኪሕዙ ዚጎዩ ዘለዉን ዘሎ ፍልልያት ንምምማይ ዝተደናገረ ሰብ: ነቲ ምጕያይ የቋርጾ። ሰራቒ ድማ ምስቶም ዘይሰረቑ ማዕረ ማዕረ ሸናዕ እናበለ ነቲ ሰሪቑ ዝሓብኦ ወርቂ ሒዙ ናብ ቤቱ ይኣቱ።

ብሓጺሩ: ህግደፍ ህግደፍ ትብል ከም ዘይነበርካ: ደሓር ህግደፍ ካብ ስልጣኑ ምስ ተዓልወ: ምስቶም ዘማርሩ ዄንካ: ኣየ እዚ ርጉም ህግደፍ ትብል ከም ማለት እዩ። ሰብ ንነብሱ ካብ ጸገምን መከራን ንምዕቃብ ዘይፈጥሮ ብልሃት የብሉን።

ሕራይ: እዚስ ከም ቅቡል ናይ ወድሰብ ባህርይ ጌርና ንውሰዶ: ግን ሰባት ኣብ ኮንተይነራት ዳጒንካን: ረሺንካን ኣጋፊዕካን መጻኢ ህይወቶም ኣበላሺኻን ደሓር ሌባ ሌባ እናበልካ ምስቶም እተበደሉ ሰባት ደድሕሪ ሌባ ክትጎዪ ኣይትኽእልን። ኢድካ ንጹህ ስለ ዘይኮነ: ብሕጊ ክትሕተት ንቡር እዩ።

ኣብዚ እያ እታ ትእዛዝ ኮይኑና እትብል ሓረግ ክትቀላቐል እትጅምር። ቅድሚ ሕጂ ብኣባላት ናዚስታዊት ጀርመንን ካልኦት ኣባላት ግፍዐኛ ስርዓትን ብተደጋጋሚ መገዲ ተቓሊሓ እያ። ትእዛዝ ኮይኑና: ልዕሊ ዓቕምና ኾይኑ:….ወዘተ..

ኣብዚ ጉዳይዚ: ኣዘዝትን ኣተግበርትን ከም ዘለዉ ክንርስዕ ኣይግባእን። እቲ ትእዛዝ (እቲ ገበነኛ ከም ዚብሎ) ካብ ላዕሊ እዩ ዚመጽእ:  ናቱ ስራሕ ግን ምትግባር ጥራይ እዩ። እቲ ትእዛዝ ንታሕቲ እናወረደ ናብኡ ምስ በጽሐ: ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሉ ምንም ከየጕደለ: ግን ከኣ መታን ኪፍቶ ቅሩብ ወሳሲኹ: የተግብሮ። ዝርሸን እንተሎ ጽቡቕ ገይሩ ይርሽኖ። ዝሕነቕ እንተሎ ድማ ግሩም ገይሩ የንጠልጥሎ።

እዚ ገበነኛዚ: ነቲ ካብ ላዕሊ እዩ መጺኡኒ ዚብሎ ናይቲ ውልቀመላኺ ትእዛዝ ከየጕደለ እዩ ዘተግብሮ፤ ትእዛዝ ናይቲ ልዕሊ ኹሉ ኣዛዚ እዩ ኢሉ ዝኣምኖን ኪሳለሞ ዚውዕልን መለኮታዊ ሓይሊ ወይ ኣምላኽ ንምትግባር ግን ይጽግሞ እዩ። ምስራቕን ምሕሳውን ዘይናትካ ምምንጣልን ምዝማውን ንኣኡ ምንም ሕርኽርኽ ዚብሎ ጉዳይ ኣይኮነን። ካበይ እዩ መጺኡ እዚ ኣይትስረቕ: ኣይትሓሱ ወዘተ. ዚብል ትእዛዛት ብምባል ምስ እትውከሶ: ካብ ላዕሊ (ኣምላኽ) ይብለካ: እንታይ ኴንካ ደኣ ዘይትእዘዞ ምስ እትብሎ ግን ዘዕግብ መልሲ ኣይህበካን።

ሕልና እዩ ዘይብሉ ኾይኑ። ሕልና ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ ኣይኣመነሉን። ሕጊ ብመራሕቲ ህዝቢ: ብገዛእቲ መደባት እተፈጥረ በብግዜኡ ዚለዋወጥ መምርሒ እዩ። ሕልና ግን ምስ ሰብ እተፈጥረን ዝማዕበለን ንጽቡቕን ሕማቕን ዘለሊ ውሽጣዊ ሚዛን እዩ።

እቲ ንሓሙሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ኣብ ፎርኖ ኪጥበሱ ትእዛዝ እተቐበለሞ ዘተግበሮ ኣዶልፍ ኣይኽማን: ሕልናኡ ሸይጡ እዩ ከምኡ ዝገበረ። ነቲ ሕልናኡ ዛጊት ንሽመትን ንስልጣንን ኪብል ሸይጡዎ እዩ። ነዚ ናይ ምሻጥ ተግባሩ ድማ: ናይ ፖለቲካን ናይቲ ፓርቲ ርእዮተዓለምን ሽፋን ኣልቢሱዎ። ዝንቡዕ እምነቱ ሓያል ብምንባሩ: ክሳዕቲ ብእስራኤላውያን እተሓንቀሉ ግዜ ምንም ጣዕሳ ኣየርኣየን።

ሕራይ: እቲ ትእዛዝስ ካብ ላዕሊ ወይ ካብ ውልቀመላኺ ወጺኡ ንታሕቲ ወሪዱ ንበል: እቲ ውልቀመላኺኸ ነቲ ትእዛዝ ካበይ እዩ ኣምጺኡዎ?

ኣእምሮ ውልቀመላኺ: ብፍርህን ራዕድን ዝመልአ እዩ። ናይ ገዛ ዕዮኡ: ነቶም ኣብ ታሕቲ ሑሕ ብምባል ዘሰንብዱዎ ንምቍጽጻርን ንምጽናትን እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ እዩ። ህይወቱ ቅሳነት ስለ ዘይብላ: ከይቀደሙኒ ከቃብጾም ወይ ከይቀረቡኒ ከርሕቖም ዚብል ሱር ዝሰደደ እኩይ ድርኺት ኣለዎ።

ካብ ከምዚ ዝበለ ሓንጎል ድማ እኩይ ሓሳባት ጥራይ እዩ ኪውሕዝ ዚኽእል። ምእሳርን ምቕታልን ምብራስን ድማ ባህርያዊ ውጽኢቱ እዩ።

እሞኸ ደኣ: እቲ ትእዛዝ ካበይ ከም ዝመጸ ንምፍላጥ ንላዕሊ ገጽካ ምስ እትድይብ: ኣብቲ ውልቀመላኺ ድዩ ተደሪቱ ዚተርፍ? ኣይፋልን: እቲ ውልቀመላኺ ከይተረፈ ነቲ ትእዛዝ ካብቲ ልዕሊኡ ዝኾነን ኪቆጻጸሮ ዘይክእልን ጽልሙት ኣእምሮን ተሪር ልብን እዩ ዚቕበሎ!

መላኺ ዘይብሉስ: ሰይጣን ይመልኮ!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • gerimuna August 26, 2015

    Anta Amanel iti zehufkas kemai geru eyu kulu bkelil zake kebditom ekeiat zeherhre. Isyas jejWi kemzekone saebtu lekomth lehasti teref biyatu dehar kahadit zebelka gere teredio.Aman baman yesmamae.
    Nbruh senatzehufka yedenkn.
    We love you.

  • Jermay beraki August 26, 2015

    Great man Amanuel, he is expossing the wicked characterstics of this paranoid man (mr dictator).

  • yemane johar August 26, 2015

    General Futsum aka wedimemhr keb isaias tezaz teKebilu ntom sle harnetn nexanetn zsenkelu bTeyayt zKetele eyu. XbaH ke entay kbl eyu?

  • simon August 26, 2015

    አማን ብጣዕሚ አድኒቀዮ ጽሑፋትካ ከማኻ ይብዙሑልና:: ይበል በርትዕ

  • A H August 26, 2015

    ሰይጣንከ መን ይመልኮ? ወይስ ሰይጣናውያን ንሕና ኢና።
    ኩሉ መግለጺኻ ጽቡቕ ኔሩ፡ ኣማስያኡ’ኸ? ይግደፋውያን ትንተና ሰለ ዘይፈትዉዋ፡ መፍትሕ ወይ ዕረብያ ጥፋኣቶም እስከ ንበላሓት።

  • sami August 26, 2015

    ዝጓሓፍ ዘይብሉ ጽሑፍ ብራቮ ኤማ

  • ERITRAWIT August 26, 2015

    ኩቡር ሃው ኣማንኤል ከምዚይ ዝበልካዮ ሃኪይ ኢዮ። ኣብታ ብ ኢሳያስ ተሰሪሃ ዝነበረት ፊልም ሞይትው ምስ ተባህለውን ዋ ንሰላትና ከይንህግስ ኢናምበር ሃገር ዳ ሃኒክው ኮዮ ሂዝዋ ኔሪው ክብልው ሰኒሆም፡ ኣለክው ኣይመትክን ደኪሰ ኢየ ነረ ምስ በለ ካ ዋ ብጀካ ዚይ ነዛ ሃገር ዝህዛ የለን ዝበልው ኣብዝኮነ ሳኣት ዝቦክልው ኩሉ ዝሰማሞኦም ብዝሃት ኢዮም።
    ብሃንከውታ ንስበየካ ኣብ ከሳሊይ።

  • Dawit kflezghi August 26, 2015

    Dawit k,
    ኩቡር ሓው ኣማኑኤል ሳህለ፡
    ቅድሚ ዝአገረ ኩሉ ሰሰናዩ ንዓኻ ይኹን፡
    ብሓፈሻ ምስ ዑዙዝ ኣድናቆተይ፡ ኣጆኻ፡ ቀጽሎ፡ሃናጽን ጎስጓስን፡ ስነ ፍልጠታዊ ልቦናኻ፡
    ህጠር!
    ህጠር ኣይትዕበረና ይሃብካ ጥዕና፡
    ክርዳድ ዘርከቦ ስርናይ ማና ርስቲ ዓዶቦና፡
    ኪኖ ጸልማት ብርሃን ኣማዕዲና፡ ኣሰዬ ኣሰና፡
    ኣለኹምና ኣለዋና ዕርድና ጽላልና፡
    ኤርትራዊ ዜጋ ብኒሕ ዝማላለስ፡
    ስንቅን ዕጥቅን ንፍትሒ ዝቃለስ፡
    ስቓይና ከኸትም ኑቡርና ክምለስ፡
    ኣብ ጥምሮ ሪኢቶይ ብዓቅመ፡ትሕዝቶይ፡
    ኣጀኹም ኣጂና ይሕዋተይ ኣሓተይ፡

  • k.tewolde August 26, 2015

    You are right on the money Emma.The ship is taking water slowly, and sinking, but painstakingly slow, and taking a lot precious lives with it.It hurts!

  • yohannes August 27, 2015

    Selam Haw Amanuel,
    It is difficult to put into words the excitment I feel when reading your post. It is life transforming and your an inspiration to every Eritrean.
    However, I disagree with you respectfully that no five million Jewish died in second world war. It is a monumental hoax. More gentiles died than the jewish people.
    We have to liberate our conscience from these accumulated shackles of decades of misinformation.

POST A COMMENT