Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣግእዞ ደቂ ኣንስትዮ

ብ ኣጋጥሚ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ን ተቓላሲት ኤርትራዊት ዜጋ ብ ዓቕመይ ሕጽር ዝበለት ግጥሚ ንከበርክተላ ካብ ውሽጢ ልበይ ዝፈልፈለ ሓጎስ ይስመዓኒ ብፍናና ከኣ ይኾርዕ:: ኤርትራዊት ዜጋ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ከም ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብና ክትጭቆንን ክትምዝመዝን ናይ

ብ ኣጋጥሚ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ን ተቓላሲት ኤርትራዊት ዜጋ ብ ዓቕመይ ሕጽር ዝበለት ግጥሚ ንከበርክተላ ካብ ውሽጢ ልበይ ዝፈልፈለ ሓጎስ ይስመዓኒ ብፍናና ከኣ ይኾርዕ::

ኤርትራዊት ዜጋ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ከም ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብና ክትጭቆንን ክትምዝመዝን ናይ ግድን ነይሩ:: እንተኾነግን ናታ ጭቆና ፍሉይ ዝገብሮ ኩነት ኣሎ ንሱ ከኣ ድርብ ጭቆና ስለዝነበራን ጌናውን ስለ ዘልዋን እዩ::

ድርብ ጭቆና ነይርዋ ክብል ከለኹ ብዘይካ እቲ ሕሱም መግዛእታዊ በትሪ ድሑርን ሃሳይን ትባዕታዊ ጸቕጢ እውን ነይርዋ እዩ:: ኣብ ውሽህጢ እቲ ሕብረተሰብ ከም ኣገልጋሊት ወዲ ተባዕታይ እንበር ዓንዲ ማእከል ናይ ሓደ ስድራቤት ወይ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣይትፍለጥን ነይራ:: መንቀሊ ናይቲ ዝነበረቶ ኩነታት ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ድሑር ባህሊ ነጊሱ ብምንባሩ እዩ::

ሰውራ ኤርትራ ፖለቲካኡ እናማዕበለ፣ ደረጃ ንቕሓት ተጋዳላይ እናለዕለ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ ኣግእዞ ጋል ኣንስተይቲ                 (መሰል ማዕርነት ምስ ወዲ ተባዕታይ) ክዝረብን ክጭራሕን ጀመረ:: ኣብዚ ጥራይ ከይተወሰነ ከኣ ኣንፈታቱ እናማዕበለ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ከም መትከል ንክምዝገብ በቐዐ:: ኣብዚ ደረጃዚ ንክበጽሕ ግን ብ ልሙጽ መንገዲ ሰተት ኢሉ ዘይኮነስ ብክንደይ

ሓርጎጽጎጽን ተሪር ተቓውሞታትን እዩ::

እቲ ዝሕዝን ግን ድሕሪ ነጻነት እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ መሰረትን እምነ ኩርናዕን ረኽቡ ዝነበረ ጉዳይ ኣግዞ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ብሰንኪ ብኩራት ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ሃገርና፤ ጉዳይ ማዕርነት ኣብቲ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረሉ ኩነታት ተመሊሱ ይርከብ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን::

 ኤርትራዊት ዜጋ ብርሃን ገዛና

ፍናን ቃልስና ሓበን ታሪኽና

                                            ሰውራና ጀሚሩ ንመሰል ህዝብና

ህዝቢ ምስተገፍዓ ብባዕዲ ጭቆና

ግፍዒ መሪርዋ ፈጺማ ጨኪና

ሰውራኣ ጀሚራ ብምሉእ ሕልና::

 

ካብ ዝጅመር ሒዛ ብረታዊ ሰውራ

ኣብ ደገ ኣብ ውሽጢ ኣብ ሜዳ ኤርትራ

ብጉልበት ብዕጥቂ ብምዕንጋል ሰውራ

ተሳታፍነታ ዓለም ኣመስኪራ::

 

ቅድመ ግንባር ኮይና ብብረት መኪታ

ድሕረ ግንባር ኮይና ዓንጊላ ነሕዋታ

ሓጺባ ወልዊላ ቸመንቶ እንዳማታ

ሰውራ እግሪ ኣትኪላ ሰውራ ኣዕዊታ::

 

ብስራሕ ዝልለ ጉዳይ ማዕርነትኪ

ብጻዕሪ ዝመጸ ኩሉ ዓወታትኪ

መታን ከይገሃስ ህያው መሰላትኪ

ተኻላኸልዮ ቅናትኪ ዓጢቕኪ::

 

ሮማ 07/03/2012                                   ኣርኣያ ካሕሳይ ማሉ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Semhar March 9, 2012

    We should read and implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

    Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

POST A COMMENT