Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዉያን መንእሰያት፡ ደምኩም ንንግስነት ስዑድ ዓረብ ክሽየጥ ተዳልዩ’ሎ

ነገስታት ስዑድ ዓረብን ኢማራትን፡ መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲመን ኣብ ማያዊ ግዝኣትናን ወደብ ዓሰብን ዘካይዶኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ፡ ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሃገራተን ብምዕዳምን ዝለዓለ መዳልያ ኣብ ክሳዶም ብምንጥልጣልን ሚልዮናት ዶላራት ብምምጣውን፡ እሙናት ሓለውቲ ስልጣነን ንኽኾኑ ሓርየንኦምን

ነገስታት ስዑድ ዓረብን ኢማራትን፡ መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲመን ኣብ ማያዊ ግዝኣትናን ወደብ ዓሰብን ዘካይዶኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ፡ ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሃገራተን ብምዕዳምን ዝለዓለ መዳልያ ኣብ ክሳዶም ብምንጥልጣልን ሚልዮናት ዶላራት ብምምጣውን፡ እሙናት ሓለውቲ ስልጣነን ንኽኾኑ ሓርየንኦምን ዓሲቦንኦምን ኣለዋ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ብ16 መስከረም 2018፡ ብመንጎኝነት ንግስነት ስዑድ ዓረብያ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድን ኣብ ከተማ ጅዳ ዝተኻየደ ርክብ ድማ፡ ረብሓታትን ጽልዋታትን ንጉሳዊ ቤተሰብ ንግስነት ስዑድ ዓረብያ ንምስፋሕን ንምሕላውን እምበር፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትዕራቅን መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽን ኣይኮነን። ብታሪኽ፡ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሰሙን ሓዘኑን ካብቲ ትምክሓሉ ጸጋታታ ኣእዳዋ ምዝርጋሕ ይትረፍ፡ ንስለ ዲፕሎማሲ’ውን ተደናጊጻ ዘይትፈልጥን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣፋ ዘይከፈተትን ሃገር’ያ። ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ትፍለጥ ስዑድያ፡ ብጉልባብ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ንምዕዛብን ስሉሳዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕን ዘካየደቶ 7 ነጥብታት ዝሓዘ ውዕላት፡ ብኣውራኡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዘለዋ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ጥሙሓት ንምትግባር እምበር ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ቅንጣብ ሓልዮት የብላን። ንግስነት ስዑድያ፡ ን20 ዓመታት ኣስቂጣ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተገዳስነት ምርኣያ ድማ፡ ብዘየወላውል እቲ ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራ ዝሰጋገር ዘሎ ንጉሳዊ ስልጣን፡ ብኻልኦት ከይምንጠል ብዋጋ ደም ኤርትራዊ ጽኑዕ ዕርዲ ምስራሕ’ዩ።

ዝተፈላለዩ ምንጭታት ማእከላይ ምብራቅ ከምዘረጋግጽዎ፡ ንግስነት ስዑድ ዓረብያ፡ እቲ ኣብ ሓጺር እዋን ብዓወት ክዛዘም ወጢና ኣብ መጋቢት 2015 ዝጀመረቶ ኣዕናዊ ኩናት የመን፡ ሓሳብ ልባ ስለዘይሰመረላ፡ ነቲ ኩናት ንምክያድ እትምድቦ ዘላ ባጀት እናዓበየ ስለዝመጸን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን ትፍጽሞ ዘላ ዕንወት ኣህጉራዊ ጸቅጢ ስለዝበዝሓን፡ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቅጢ ብዓወት ንምውጻእ’ያ ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰራዊቶም ክልእኩ ተፍቱን ብላዕ ትህብን ዘላ። እቲ ብመሪሕነት ስዑድ ዓረብያ፡ ኢማራትን ባርኾት ካልኦት ሰብ ረብሓ ሃገራትን፡ ነቲ ብኢራን ይድገፍ’ዩ ዝብሃል ክፋል የመን ተቆጻጺሩ ዘሎ ምንቅስቃስ ሑቱ፡ ብደብዳብ ነፈርትን ዳርባ ዝተራቀቀ ከብድቲ ኣጽዋርን ዝጀመረ ኩናት፡ ብዘይካ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣሽሓት የመናውያን ምቅታል፡ ምቁሳል፡ ምምዝባልን ምዕናዉ ትሕተ ቅርጽን፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሕልምታት ስዑድያን ኢማራትን ኣይተማልአን ሑቱ’ውን ኣይተደምሰሰን። ብሃብቲ ነዳዲ ዝተሰርነቃን ጎባልል ማእከላይ ምብራቅን  ክኾና ብትምክሕቲ ዝሃላ ዘለዋ ስዑድያን ኢማራትን፡ ኩናት የመን ብዘይ ተሳትፎ ኣጋር ሰራዊት ኣድማዕነት ከምዘይብሉ ድሒሩ ስለዝተሰቆረን፡ ገንዘብ ከፊለን ካብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣዕራብ ዝተዋጽኡ ወተሃደራት ኣሰሊፈን’የን። ኩሉ ፈተነታት ቅጽበታዊ ዓወት ስለዘየምጽአ ድማ፡ ብጉልባብ ሰላም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኣጋርን ባሕርን ሰራዊት ከበርክታ ብታሕቲ ታሕቲ ምስጢራዊ ዝርርብ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ደምን ህይወትን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ የመን መባድልቲ ዶላርን ነዳድን ከኸውን ብጋህዲ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ’ሎ።

“ንዓይ ንኣንጭዋ’ዶ ኣብ ሎቆታ” ከምዝብሃል፡ እቲ ንይምሰልን ንምድንጋርን ቁጠባውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ተኸቲሙ ዘሎ ድራማ ህግደፍን ስዑድያን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ደቁ ዘስእን፡ ቁጠባኡ ዘማስን፡ ምስ ጎረባብቱ ዘባእስን ስምምዓት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብገንዘብ ዝግዝኡ ዕሱባት ወተሃደራት(Mercenary) ኮይኖም ኣብ ቅድመ ግንባራት ተሰሊፎም ኣብ ዘይምልከቶም ጉዳይን መሬትን መዝሓል ጥይት ክኾኑ፡ ሰላማዊ ህዝቢ የመን ከሳቅዩን ንስልጣን ንግስነት ስዑድ ዓረብን ኢማራትን ክሕልዉን’ዮም። ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብዶብ ኣሳቢቡ ብዝወልዖ ኩናት፡ ህይወት 20 ሽሕ ዚጋታትና ሃሊቁ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብሮኦም ተፈናቂሎም፡ ንድኽነት ተቃሊዖምን ኣቦታቶምን ኣሕዋቶምን ዝተሰውኡላ ሃገር ጠንጢኖም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት ለመንቲ፡ ሃገር ኣልቦን ንሓሳረ መከራ ተቃሊዖምን። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝንን ዘገርምን ድማ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ “ዶብና ከይተሓንጸጸን ዝተጎብጠ መሬትና ከይረኸብናን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘተ ዝብሃል የለን” ክብል ከምዘይጸንሐ፡ “ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን፡ ምስ ኢትዮጵያ ሽግር የብልናን፡ ኣሕዋትና ኢና” ብምባል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከየፍለጠ ንስልጣኑ ዘናውሕን ንልኡላዊ መሬትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ውዕላት ፈሪሙ። ስርዓት ህግደፍ፡ ምስ ስዑድያን ኢማራትን ፈሪምዎ ዘሎ ስዉር ውዕላትን መስሪትዎ ዘሎ ዕርክነትን፡ ነቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ሰላማዊ መነባብሮ ተመዛቢሉ ኣብ ውትህድርና ተጸሚዱ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ መታን ከይቀስንን ንዕምሪ ስልጣን ኢሳያስ ስግኣት ስለዝኾኖን፡ ክበታትኖን ከርሕቆን’ዩ ከይደቀሰ ዝሓድር ዘሎ።

ከምዝፍለጥ ስዑድያን ኢማራትን ብዘለወን ሃብቲ ዝተራቀቀ ኣጽዋር ብምሽማት፡ ብደብዳብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን ኣረሜናዊ ግፍዕታት ይፍጽማ’ኳ እንተለዋ፡ ዛጊት ኣጋር ሰራዊተን ኣብ ቅድመ ግንባር ኣየሰለፋን ህይወቱ ዝሓለፈ ዜጋ’ውን የብለንን። ዜጋታት ስዑድያን ኢማራትን ደቂ ዓይኒ መዓር ስለዝኾኑ፡ ኣብ መጋየጺ ቦታታት ከም በጻሕቲ ሃገር ክዛወሩን ክሕሽሹን እምበር ብረት ተሰኪሞም ምስ ሑቱ ክዋጉኡን ክሞቱን ነውሪ’ዩ። ስዑድያን ኢማራትን፡ ካብ ድኻታት ሃገራትን ብዛዕባ ህዝቦም ሓልዮት ዘይብሎም ስርዓታት፡ ወተሃደራት ብገንዘብ ቆጺረን ንግስነተን ክሕልዋን ሃብቲ ካልኦት ክግሕጣን ሃነፍነፍ ይብላ ኣለዋ። እዚ ኣብ መንጎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ስዑድያን ኢማራትን ብጉልባብ “ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ሓቢርካ ምስራሕ” ተባሂሉ ተፈሪሙ ዘሎ ምትሕግጋዝ ድማ፡ ኣብ ግንባራት ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ስራሕ ስለዘይብሉን ኣብ ኣጻምእን ጎቦታትን ናይ ምውጋእ ክእለት ስለዘለዎን፡ ንተዋጋእቲ ሑቱ ክስዕር ብቅዓት ኣለዎ ዝብል ልዑል ትጽቢት ናይ ስዑድያን ኢማራትን ኣሎ። ስዑድያን ኢማራትን፡ ነቲ ካብ ኢራን፡ ቱርክን፡ ቀጠርን ዝኣመሰላ መቀናቅንተን ሃገራት፡ ጽልዋታተን ንምግታእን  ዞባታት ቀይሕ ባሕርን ውሽመጥ ዓደንን ተቆጻጺርካ ብቁጠባውን ወተሃደራውን መዳያት ዓብለልልቲ ንምዃን‘የን ንገለ መራሕቲ መቁሽሽ ብምሃብን ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንምሕግጋዝ ዝብል ባዶ መብጽዓ ብምእታውን  መደባተን ዘተግብራ ዘለዋ። ከምዝዝከር። ካብቶም ኣብ 11 መስከረም 2001፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዘካየዱ 19 ሰባት፡ እቶም 15 ስዑዳውያን ስለዝነበሩ፡ ካብኡ ንድሓር እቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝምድናን ምትእስሳርን መንግስታት ስዑድያን ኣመሪካን እናሻሕከረ’ዩ መጺኡ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ንግስነት ስዑድ ዓረብያ ዝነበራ እምነትን ጸጥታዊ ምትሕግጋዝን ባይታ ዘቢጡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ስዑድያ እቲ ንሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ብቀውዒ ዓረብ     (Arab Spring) ዝፍለጥ ናዕቢ ስለዝሰግአትን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጽገናዊ ለውጥታት ክትገብርን፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝጸንሓ ክፉእ መልክዓ ከተጸብቅን ትጽዕር ኣላ።

እቲ ብጉዳይ ዶብ፡ ካብ ስድራቤቱ ተነጺሉ፡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣይንሓዳር ኣይንመርዓ ኮይኑ ህይወቱ ምምራሕ ተሰናኺሉ ካብ ሞት ዘምለጠ መንእሰይ ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ግሉጽነት ዝጎደሎ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዓስቢ ድኻሙ ክካሓስን ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለስ ኩለንተናዊ ሓገዝ ክግበረሉን እምበር፡ ስልጣን ህግደፍ ከናውሕ ዕሱብ ሰራዊት ኮይኑ፡ ኣብ ዘይኣምነሉን ኣብዘይመሬቱን ደሙ ከፍስስን ክመውትን ኣይግባእን። ትጽቢትን ሕልምን ናይቲ ንዓመታት ብረት ተሓንጊጡ ኣብ ተጠንቀቅ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ዕድላት ትምህርቲ፡ ስራሕን ቅሱን ህይወትን ተፈጢሩሉ ብሰላም ህይወቱ ክመርሕ’ዩ ዝምነ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ጁባታቱ ዶላር ንምምላእን ህርፋን ስልጣኑ ንምርዋይን፡ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ብሕቡእን ብምትላልን፡ ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቃላያት፡ የመን፡ ጁቡቲ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ሰራዊት ኤርትራ ልኢኹ ግደ ሞትን ምምራኽን ዝገበሮም፡ ሕጂ’ውን ድሕር ኣይብልን’ዩ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቶም ብመንግስቲ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ኣብ ኩናት ዝተማረኹ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ንኽፍትሑን ሰብኣዊ መሰሎም ንኽሕሎን ዝጣበቀሎም፡ “ምሩዃት የብለይን” ብምባል’ዩ ኽሒድዎምን ጠሊምዎምን። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ብጽሞና ክሓስበሉን ተባዕ ስጉምቲ ክወስደሉን ዝግብኦ ጉዳይ፡ እዚ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ተንኮላት ስርዓት ህግደፍ ምብርዓን’ዩ። ዝኸበርካ መንእሰይን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ህግደፍ፡ እቲ ብህልኽ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዶብ ኣመኽንዩ ዝወልዖን ህይወት ኣሽሓት ዘህለቀን ኣስካሕካሒ ኩናት፡ በሰላኻ ከየሕወኻን ቃንዛኻ ከይተደበስካን ሕጂ’ውን ደምካን ህይወትካን ንንግስነት ስዑድ ዓረብ ኢማራትን ክሽየጥን ገንሸል ክትከውንን መጻወድያ ተዳልዩልካ ከምዘሎ ኣስተውዕልን ካብ ምስኮነ ዓሕ ምባልን ምጥዓስን፡ ንድሕነትካን ክብርኻን ቆራጽ ስጉምቲ ክትወስድ ኣለካ። ሞት ሓንቲ’ያ፡ ኣማውታ ግን መልክዕን ዓይነትን ኣለዋ። ካብ ኣብ የመን ዕሱብ ሰራዊት ኮይንካ ትመውት፡ ብኽብረት ንመጻኢ ወለዶ ትስየመሉን ኣብ መሬትካን ጅግንነት ፈጽም።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 24 መስከረም 2018     

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Hidat September 25, 2018

    እቲ ርክብ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵይ ኣብ ዋይት ሃዉስ ነይሩ ተዝከዉን ‘ከ እንታይ ኢልካ ምጻሓፍካ ኔርካ?????

    • Genet Original September 25, 2018

      Hidat
      There is no Eritrean”s leader or leaders. Only a sick dictator who is selling our county. Eritrea.

    • Geza haki September 25, 2018

      ፅቡቕ ሕቶ ኢካ ሐቲትካዮ ግን ክምልስ ኣይክእልን እዩ ክምልስ ዝክእል ሰብ ከምዚ ሰዲ ፁሑፍ ኣይፅሕፍን አዩ ካብኡስ ይምዕድ አለኩ ኢሉ እዩ።

    • k.tewolde September 25, 2018

      Zikeberki Hidat, what if this was an Eritrean with Muslim faith signing the deal,what would be your view? that mirrors your question and the answer is looking back at you.The dollar is powerful and versatile can speak different languages including Tigrigna and Amharic.>>>>>Tsilal keep writing your stellar articles because it is doing more damage to the enemy fortifications than the bunker busting aerial ordinance.

  • Hidat September 25, 2018

    “”ደምካን ሂወትካን ንንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኢማራትን ክሽየጥንገንሸል ክትከዉንን መጻወድያ ተዳልይልካ ከምዘሎ ኣስተዉዕል””ሕጂ’ከ ሓድሽ ምህዞ መንእሰያት ፋሕ ንምባል ዝመሃዝካዮ ድዬ ዝሰምዓኩም ኣበይ ከይትረክቡ ስደትንወረ ስደትን ነበረ ክከዉን እዬ።………ዋርሳይ ዞም ሰባት መንዮም ትብል ሙዚቃ ደጋጊምካ ስምዓያ።

  • Hidat September 25, 2018

    Genet Original……….”ንመንግስቲ ኤርትራ ክንዓልዎ ሓሲብና ኣይኮነልናን እቲ መራሒ ዲክታቶር እዬ ኢልናዉን ንኤርትራካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክንንጽላ ፈቲንና እዚዉን ኣይሰርሓን ሕጂ ግን ምስኡ ምስራሕ ኢዩ ዘዋጻኣና ድሮ ኣብ ምትሕግጋዝ ኣቲና ኣለና””።ኢላ ጽሒፋ ሓንቲ ጋዜጣ ናይ ኤሮፓ።

    • k.tewolde September 25, 2018

      Hidat ,warsay ziwereso yeblun,except like you admitted siqayn ,mekeran,sidetn…why you keep lashing at somebody like you who is displaced by the same people who displaced you living in exile unless you are one of those flown here in the west first class with the dirty blood money stolen by the regime and doing the the dirty work for them,if that is the case,ask for a raise for your services because, they just got paid big bucks that you have no right to know how much and where it is going. Nikid Trah!

  • Hidat September 26, 2018

    k.Tewelde ዓገብ ምባል ነዉሪ ድዩ??እቲ ጽሑፍ ኣንቢብካዮ ዶ?ብዛዕባ ዋርሳይሐልዮት ዘለዎ ሰብ ከምዚ ዓይነት ጽሑፋት ክርኢ ከሎ ዓገብዓገብ ክብሎ ኣለዎ ።ኖንን ተመሊስካ ተታባብዖ ከምዚ ዓይነት ዝጽሕፍሰብመንዩ?????ናትካድማዝበልከዎን ዝሓሰብክዎን ካብ ዘይሰመረ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትበቆላ ተኮይኑ ኣካይዳካካልእ ክትምልሽ ኣይትክእልን ኢካ….

    • Simon G. September 27, 2018

      ህድኣት:
      Let me try this…….
      ኢሳያስ ‘ኳ ናታትኩም ጸገም ‘ዩ ምርዳእ ኣቢዎ። እንታይ ተገበርኩዎም ይርደኦም ኢሉ ካን ጋን ተሰሪሑ።
      =============================
      ገበን ዘይብሎም ሰባት ተቐተለ
      ቅዋም ተፍረሰ
      ከም ድሌቱ ውግእ ተኸፈተ (with many neighbors)
      ነባራት ተጋደልቲ ተዳጎነ
      ጳጳስ ተኣሰረ
      ገዛውቲ ተፍረሰ
      ወደባት ተሸጠ
      ፓርላማ ተፍረሰ
      ናቕፋ ተኣሰረ (literally)
      ሕጂ ድማ ኤርትራ ብሃገራ ናብ ኢትዮጵያ ተረከበ

      እሞ: እንታይ ተገበረ ኢኹም ትበራበሩ?

Post a Reply to Hidat Cancel Reply