Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊት ኣደ

ሓላል ለዋህ በላሕ መስተውዓሊት ርህርህቲ ወላዲት ንደቀይ በሃሊት   ፍሕሹው ገጸባህራ ፍቅሪ ንረክበሉ ልሳና ጡዑም መዝሙር ሂወት ንዘርኣሉ   ደኺመ ከይበለት ደቓ ትዓናግል ንጽባሕ ተቓምት ኣርሒቓ ተስተብህል እንተ ሕጂ ግን ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ገጻ ተጸዊጉ ሕብራ ተደምሲሱ ዓይና

ሓላል ለዋህ በላሕ መስተውዓሊት

ርህርህቲ ወላዲት ንደቀይ በሃሊት

 

ፍሕሹው ገጸባህራ ፍቅሪ ንረክበሉ

ልሳና ጡዑም መዝሙር ሂወት ንዘርኣሉ

 

ደኺመ ከይበለት ደቓ ትዓናግል

ንጽባሕ ተቓምት ኣርሒቓ ተስተብህል

እንተ ሕጂ ግን

ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ገጻ ተጸዊጉ

ሕብራ ተደምሲሱ ዓይና ደም ዝዒጉ

 

ፈናጅል ኣዒንታ ሕብሩ ተቐይሩ

ብገበታ ንብዓት ቀይሕ ደም ኣስፊሩ

 

ከም ቆልቃል ኪትነብዕ ትነብር

ወላድ መኻን ኮይና ስኢና ዝጥውር

 

ጨኒቕዋ ካዕካዕታ ፍርሒ በዚሕዋ

ራዕዲ ጥሜት ጽምኢ ኩሉ ከቢቡዋ

 

እንታይእያ ኣቢሳ ክንድዚ ትውጻዕ

ንስቅያት ሕሰም ሓይኻ ትበልዕ

 

እታ ለዋህ ኣደ ብፍርሒ ጃጅያ

ንሱ ኣይኮነን ኢዳ ሕማቅእያ ተፈድያ

 

ርእሳ ደርሚማ መዋእላ ሓዘን

ብምሒር ቃንዛሕሰም ሓዲርዋ መርዘን

 

ሕብሪ ገጻ ተባላሽዩ ማድዩ

ጸጉሪ ርእሳ ተወዲኡ ጠፊኡ ተነጽዩ

 

ንሕና ኢና ለውጢ መቐይሮ ሂወታ

ንምልኪ ጨካን ስርዓት ንስጎጎ ካብ ቤታ

 

ንበገስ ኩላትና ከነንግሳ ሰላም

ንሓቂ ንገስግስ ንቀንጥጦ ጸላም

 

በጃኹም ንበል ንምለሶ ትብዓታ

ካብ ባርነት ነውጽኣያ ንድረዘላ ንብዓታ።

  ሰላምይንገስ (ወዲደባስ)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • tegadalay March 12, 2012

    way is ASSENA POSTING apicture of people from TGRAY use it for it is propoganda

  • haki ytakeb March 12, 2012

    kkkkkkkkkkk!!!!!!!!Kkkkkkkk!!!!!!THAT IS FANNY.ABOU ENDIYU MEDEBERU.HULUFFAT ENDIYOM ANDA HASSENNA ASSENNA.

  • Michael Aman March 13, 2012

    ብራቮ ኣማኑኤል እያሱ ከምኡውን ጸሓፋይ እዛ ግጥሚ ወዲደባስ

    • ወዲ ደበሳይ May 4, 2019

      ብራቮ ወዲ ደባስ!

      ኣጆኻ እታ ግዜ ኣኺላ ኣላ
      ሽግ ሓርነትና ዝበርሃሉ
      ስርዓት ምልኪ ዝፈርሰሉ
      ኤርትራዊት ኣደ ምስ ደቃ ትራኸበሉ
      ኣኺሉ።

POST A COMMENT