Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ’የ፡ ብስመይ ጸውዓኒ ኤርትራዊ በለኒ

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ኣብ ዓድኻ ብስምካን ብስም ኣቦዃን ክትስመ እንከለኻ ዝስምዓካ መንፈሳዊ ቅሳነት፡ ኩርዓትን ዕግበትን ደረት የብሉን። ናብ ዓዲ ኣኮታትካ ኣብ ትገሽሉ’ውን፡ ወዲ ሓፍና ወይ ወዲ ጓልና ተባሂልካ ብኣኽብሮት፡ ክንክን ትረክብ። ብተመሳሳሊ፡ ካብ ዓድኻ ወይ ከባቢኻ

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ኣብ ዓድኻ ብስምካን ብስም ኣቦዃን ክትስመ እንከለኻ ዝስምዓካ መንፈሳዊ ቅሳነት፡ ኩርዓትን ዕግበትን ደረት የብሉን። ናብ ዓዲ ኣኮታትካ ኣብ ትገሽሉ’ውን፡ ወዲ ሓፍና ወይ ወዲ ጓልና ተባሂልካ ብኣኽብሮት፡ ክንክን ትረክብ። ብተመሳሳሊ፡ ካብ ዓድኻ ወይ ከባቢኻ ወጻኢ፡ ብመርዓ፡ ብሓዘን፡ ብንግደት ህዝባውን መንግስታውን በዓላትን ናብ ጎዶቦኻ ምስእትኸይድ’ውን፡ “እንቋዕ ድሓን መጻኹም፡ ክበሩልና ንበሩልና” ትብሃል። ንኣብነት ኣብ መርዓ፡ ንግደትን ካልእ ወራይን፡ ኮፍ መበሊ፡ መግቢ፡ ዝስተን ዝኣመሰለ መስተንግዶ ቀዳምነት ይወሃበካ። መደረ፡ ሳዕሲዕትን ከበሮ ክትሃርምን ከይተረፈ ብደረጃ ዓዲ ወይ ስድራቤት ዕድልን ፍሉይ ጠመተን ይወሃበካ። እዚ ክብርታትን ልምድታትን ካብ ቦታ ናብ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍን ክወራረስን ዝጸንሐ ሓደ ካብ ድንቂ መግለጺ ወይ መለለዪ መንነትና’ዩ።vole

መቸም “ዜርኩም ዜርኩም ንስርዓት ህግደፍ ኢኹም ትወንጅሉን” ዝብሉ ሰባት ኣይስኣኑን’ዮም። እንተኾነ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ኮነ ኢልካ ዝፍጸም መንነትና ይብሕጉግን ይሃስስን ህዝብና ድማ ካብ ዓዱን ባህሉን ክፈናተት ይግደድ ስለዘሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ክንቀፍን ተሓታቲ ናይ ኩሉ ኣበሳና ክኸውንን ሓጥያት ኣይኮነን። ኣብ መዋእል ጨፍላቂ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ወግዓዊ መጸዊዕና ኣብ ክንዲ ኤርትራዊ፡ ከዳዕ፡ ወያነ፡ ጀብሃ፡ ሻዕብያ፡ ተጋዳላይ፡ ሲቭል፡ ደጋፊ፡ ተቃዋሚ፡ ስደተኛ፡ ዋርሳይ፡ ይካኣሎ፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ዝብሉ ንምዕባለን ንሃገራውነትን ንድሕሪ ዝጎቱ ኣስማት ተጠሚቅና ኣለና። ሎሚ ኣብ ግዜ ስርዓት ህግደፍ ብለምለም ዳስ ብኸበሮ ለጋስ ኣብ መበቆል ዓድኻ መርዓን ደርዓን ምግባር፡ ጥሻን ቃጽዖን ክትቅበል፡ ስድራቤትካን ፈተውትኻን ክትበጽሕ፡ ክትመሃር፡ ከም ዜጋ ክንፈገካ ዘይግባእ ግቡእካ ክትረክብ እንተኾይንካ ኣብ ክንዲ ኤርትራዊ ዲኻ ትብሃል፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝወዳእካ፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ከምዝኸፈልካ፡ ደጋፊ ህግደፍ ምኳንካ፡ ህግደፍ ኣብ ዝወደቦን ዝመወሎን ፡ ሰሚናር፡ ጓይላን ዳንኬራን ከምዝተሳተፍካን መረጋገጺ ወይ መስካሪ ክህልወካ ኣለዎ።

መንግስቲ፡ መሰላት ዜጋታቱ ኣኽቢሩን ሓልዩን፡ ግቡኣት ክሓተካ እንከሎ ሓላልን ፍትሓውን’ዩ። ዘይሓፍር ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ኩሉ መሰላት ሓሪሙን ኣንጸርጺርካ መበቆል ሃገርካ ከምትሓድግ ኣገዲዱን ክንሱ፡ ኣብ ስደት እግሪ እግርኻ ብምስዓብ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከይሃበ፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ክትከፍል ምግዳድ፡ ህግደፍ ዘይባሮኾን ዘይቆጻጸሮን ማሕበረ ኮም ከይትምስርት ምትዕንቃፍን ምፍርራሕን፡ ኣብያተ ጸሎት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን መራሕተንን ብስርዓት ህግደፍ ክምእዘዛን ካብ ዘይጠቅም ኣታዊታተን ገንዘብ ክኸፍላን፡ ናብ ዓድኻ ከይትኣቱን ምስ ሞትካ ኣብ ትውልዲ ዓድኻ ሓመድ ከይትለብስን ጸሎተ ፍትሓት ከይግበረልካን፡ ኣብ ስደት ንዝዓብዩ ደቅኻ ባህሎምን መንነቶምን ክትምህሮምን ናጻ ማሕበራት ከትምስርትን ኣብ ዝህቀነሉ እዋን፡ ሕንፍሽፍሽ ምፍጣርን ህዝቢ ኤርትራ ብጥምዩ ብሚልዮናት ዶላር ሰለይቲ ምዕሳብን መጸናጸኒ መሳርሒ ምግዛእን፡ ልኡኽ ጥፍኣት ኢሳያስ ካብ ዝነጥፈሉ ዘሎ ርኹስ ተግባር’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ እታ ዝበርትዐት ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመላ መርዛም መሳርሒት፡ ጥዑይ ኣእምሮ ሰብ ብምትላል ጠምዚዝካን ብረብሓ ሰሪቅካን፡ ሓድነት ህዝቢ ምዝራግ፡ ኤርትራዊ ኣንጻር ረብሕኡ ከምዝቃለስ ምግባርን ሓቂ ምቅባርን’ዩ። ንዘመናት፡ ምእንቲ’ታ ሕሉብናን ንጹፍናን ኤርትራ፡ ክብረት ህዝባን፡ ኣሕዋትናን ኣቦታትናን፡ ብስም ኤርትራን ምእንቲ ኤርትራን ተሰዊኦም፡ ብሓባር ተቀቢሮምን ሰንኪሎምን። እቲ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ድማ፡ እቶም ብህይወት ዘለና፡ ሕድሪ ስውኣት ቀጥ ኣቢልና ኣብ ክንዲ ንፍጽም፡ ኣብ መጻወድያ ስርዓት ህግደፍ ተኣሲርና፡ ብስም ደጋፊ ተቃዋሚ ምፍልላይናን ምስሓቅ ሸራፋት ምዃናን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ተመንዩዎን ብንዕቀት ተደሪኹን፡ ስድራቤት መቃቂልካ ኣብ ምግዛእ’ዩ በጺሑ። ስርዓት ህግደፍ፡ መታን ንኸገልግሎ መንበሪ ጋዛ መዛወሪ ማኪናን ፍቃድ ንግድን እንተሂቡኒ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተተሪፈ ኣብ ወጻኢ ክሕከም እንተተፈቂዱኒ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ክገይሽ እንተኽኢለ፡ ናይ መጓዓዝያ፡ መደቀስን መግብን ከፊሉ ክስዕስዕን ጓይላ ከዳምቅን እንከለኹ፡ ሓወይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሓን ሓፍተይ ብነጋዶ ሰብ ትተዓመጽ፡ መሳቶይ ኣብ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ይብለዩ፡ ኣብ ነብሰይ ስለዘይበጽሐን ብኽቱር ስስዐን፡ ምስ እዝነይ ይጸምም፡ ምስ ዓይነይ ይዓውር ምስ ልበይ ይድንቁር ምስ ምሓዉረይ ይለምስን ይስረን። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣኼባታትን ነተን ብላዕለዎት ካድራት ህግደፍ ዝሃቡኒ መርዛማትን ሕሱራትን ቃላት፡ ኣሕዋተይን መተዓብይተይን ንምድሃልን ንምንዋርን ይጥቀመለን። ንኤርትራዊ ድማ ብሓቀኛ ስሙ ክጽውዎ ይኸብደኒ።

እቶም ኣዒንትና ኣዒሚትና ህግደፍ ወይ ሞት ንብል ዘለና ኤርትራውያን፡ ምስቶም ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ ዝብሉ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብስጋን ብደምን ኣሕዋትን መታርፍትን ኢና። ናይ ሓባር ጸላኢ እንከለና ድማ በላዕቲ ሰብ ከነፋሪ እምባና ከነፍርስን ዘርእና ከነጽንትን ተዋሳእቲ ወይ ተዓዘብቲ ክንከውን መሰልናን ክብርናን ኢና ንሸይጥ ዘለና። ንሕና ደቂ መሬትን ወነንቲ መሰልናን እንከለና፡ ንሓደ ከዳዕን ጨካንን ኢሳያስ ጉምብሕ ጥልዕ ክንብለሉ የብልናን። ነቲ ከማና ስለ ኤርትራ ሓልዮት ዘለዎ ወገንንና ብስሙ ኤርትራዊ ኢልና ክንጽውዖ እምበር፡ ጓና ኢሳያስ ክሕጎሰልና ንናትና “ከዳዕ፡ ተቃዋሚ መንግስቲ፡ ወያነ” ኢልና ዘይናቱ ስም ኣይንሃቦ። “ስጋ እንተወዲቃ ሓመድ ሒዛ ትትስእ” ከምዝብሃል፡ ምስቲ ብእከይ ተግባራቱ ጽባሕ ታሪኽ ዝጉሕፎን ወለድና ዘዘኽትም፡ ኣሕዋትና ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣይንመራሳሕ። ምስታ ንመዋእል ትህሉ ኤርትራ ዝተርፍ ታሪኽ ሰሪሕና ነዛ ዓለም ንፋነዋ። ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ ስለዝኾነ፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝወሃበና ዘሎ ብደም ስውኣት ዝተላዕጠጠ ሕብስቲ፡ ሃብቲ ይኹን ካልእ መወናወኒ፡ ንሕሙም ታሪኽና ክፍውሶ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ንመሰል እሱራት፡ ንሰብኣዊ ክብሪ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ፡ ንሕሰም ህዝቢ ኤርትራ፡ ግፍዕታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንምቅላዕ፡ ህዝብና ረዳኢ ክረክብ ኣፉ ከፊቱ ዘአዊ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ከምኡ ኤርትራዊ ክትከውን እምበር ህግደፍ ክትከውን የብልካን።

ድሓር ድማ ንሕሰብ እሞ፡ ክንስደድን ክብረትና ክቅንጠጥን ንዝቀሰበና፡ ነታ ርሂጽናን ለሚናን እንበልዓ ዝቃጸጸናን ከይሓልፈልና ከይደቀሰ ዝሓድርን መንግስቲ፡ ከመይ ኣቢልና ኢና ከም በዓል ጽቡቅ ውዕለትና ክንሓስቦ? ኣንቱም ሰባት፡ ክሳብቲ ዕድልና ኣጸቢቅዎን ሕሰምና ኣኺሉ’ዩ ዝብለናን፡ ስለምንታይ ኢና ከብድን ሕቆን ንኸውንን ንሓድሕድና ንመናጨትን? ከማኻ ኤርትራዊ እንከለኹን ግፍዕታት ህግደፍ ኣናኣሳቀየንን፡ ዓገብ ስለዝበልኩ፡ ኣብ ክንዲ ኤርትራዊ ኢልካ ሓቀኛ ስመይ ትጽውዓኒ፡ ስለምንታይ ኢኻ ከዳዕን ዘይሃገራውን ዝብል ስም ተጠምቀኒ እስከ ንገረኒ? ብዘይካ ኤርትራ፡ ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ትሕበነላ ካልእ ሃገርን መበቆልን ኣለካ ድዩ? ህይወት ስደት ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑ ኣስተምህሮ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ፡ ሕሰም ስርዓት ህግደፍ ዘይጠዓመት ስድራቤት፡ ዘመድ፡ ሓትነ፡ ኣሞ፡ ጓል ሓዎቦ ከምዘለካ ርግጸኛ’የ። እሞ’ኸ ንመሰለይ፡ ንመሰልካን መሰል ካልኦት ኤርትራውያንን ድምጸይ ስለዘስማዕኩ ዲኻ፡ ሓቀኛ ኤርትራዊ እንከለኹ ኤርትራዊ ኣይኮንካን ትብለኒ ዘለኻ? ድሓን ዝሓለፈ ሓሊፉ ብዝመጽእ ኣይትድገመኒ ኢልና፡ ኣብ ክንዲ ክልተ ኤርትራ ንኸውን፡ ሓንቲ ኤርትራ ንሓደ ዕላማ፡ ኣባይና ንምጽራግ፡ ራህዋን ሰላምን ንምስፋን ምዕባለ ንምምጻእ ብሓባር ኤርትራውያን ንኹን። ኣንታ ምስ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ሕግብግብ ትብል ዘለኻ፡ ኤርትራውነትካ ተረጋግጸሉ እዋን ኣኺሉ’ዩ። ኣነ ኤርትራዊ’የ፡ ብስመይ ጸውዓኒ ኤርትራዊ በለኒ፡፡ ንስኻ ድማ ብተግባር ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ ኩን ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ኣይተተኩር ብዛዕባ ጽባሕ’ውን ሕሰብ። 

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 26 መጋቢት 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde March 27, 2019

    I am Eritrean to the core,mind and soul,pure bred from the heartland,can recite over 10 generations back thanks to my grandfather who use to make me sit beside him and do the counting,a proud former liberation fighter who gave my prime years to free my people from the invaders south of the border,born to a self made Asmarino businessman and his beautiful wife,the middle son of a respected and decent urban family of 11 brothers and sisters……..I am just as Eritrean as can be,no party of riffraff group can change or grant that.I will live and die Eritrean.Like I said before,no double dipping,no oscillating on either side of the border.Eritrea first and foremost!! with its natural and intact borders of the land and seashores.

  • Hagherawi March 27, 2019

    “ስርዓት ህግደፍ፡ መታን ንኸገልግሎ መንበሪ ጋዛ መዛወሪ ማኪናን ፍቃድ ንግድን እንተሂቡኒ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተተሪፈ ኣብ ወጻኢ ክሕከም እንተተፈቂዱኒ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ክገይሽ እንተኽኢለ፡ ናይ መጓዓዝያ፡ መደቀስን መግብን ከፊሉ ክስዕስዕን ጓይላ ከዳምቅን እንከለኹ፡ ሓወይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሓን ሓፍተይ ብነጋዶ ሰብ ትተዓመጽ፡ መሳቶይ ኣብ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ይብለዩ፡ ኣብ ነብሰይ ስለዘይበጽሐን ብኽቱር ስስዐን፡ ምስ እዝነይ ይጸምም፡ ምስ ዓይነይ ይዓውር ምስ ልበይ ይድንቁር ምስ ምሓዉረይ ይለምስን ይስረን። ”

    You said it all, brother.
    You defined a typical Higdefite.
    The most stupid animal.
    A tool in the hands of his country’s worst enemy.
    The ultimate looser.

  • Hagherawi March 27, 2019

    ስነሓሳብ ህግደፍ ዘደንቆሮም ዜጋታትና ፥ ግዜኦም ኣብ ኮቦሮ ምህራምን ሳዕሲዕትን ፥ ከማኡውን ንደቂ ሃገር ኣብምዝላፍን እዪ ክሓልፍ ጸኒሑ።
    ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ከም መቃልሕ ካብ ምድጋም ዝሓልፍ ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ኣይጸነሖምን።
    ካብ ናይ ህግደፍ ሰይጣናዊ ሓጹር ወጺኦም ፥ ስቃይ ህዝቦም ከም ዘብቅዕ ክገብሩ ፥ ጊዜን ዕጫን ሕጂ ናቶም እዩ።

POST A COMMENT