Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላት ካበይ ናበይ!

ዓለም-ለኻዊ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላት፣ ሎሚ አብ ድያስፖራ ኣበየከተማኡ ዝርአ ዘሎ ደያቢ ናይ ናጻ-ህዝቢ (አብ ፖለቲካውያን ውድባት ዘይተወደቡ) ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ኢዩ። ንምጥቃሱ ክጥዕመልና መታን ህዝባዊ ምንቅስቓስ እንተበልና ተመራጺ እመስለኒ። ኣውራ ግና ብዛዕባ‘ዚ ምንቅስቓስ‘ዚ ግቡእ ግንዛቤ ምግባር

ዓለም-ለኻዊ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላት፣ ሎሚ አብ ድያስፖራ ኣበየከተማኡ ዝርአ ዘሎ ደያቢ ናይ ናጻ-ህዝቢ (አብ ፖለቲካውያን ውድባት ዘይተወደቡ) ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ኢዩ። ንምጥቃሱ ክጥዕመልና መታን ህዝባዊ ምንቅስቓስ እንተበልና ተመራጺ እመስለኒ። ኣውራ ግና ብዛዕባ‘ዚ ምንቅስቓስ‘ዚ ግቡእ ግንዛቤ ምግባር ንዅሉ በዓል-ጕዳይ ጠቓሚ‘ዩ። መን‘ዩኸ በዓል-ጕዳይ? ሰብ-ጕዳይ ማለት አብዚ ኵሎም ብኤርትራ ዝግደሱን ብኣስጋኢ ኵነታት ህዝባ ዝሓሙን ማለተይ‘ዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዋላ‘ኳ ብመሰረቱ ንኵላትና ደቂ ሃገር ዝተናኽፍ እንተኾነን ንኣረጊት ተመክሮና ዝብድህ እንተመሰለን፣ ብቀዳምነት ግና ጸረ-ህግደፍ ዝዓለመ ተበግሶ‘ዩ። ህግደፍ እስትራተጂካዊ ጸላኢ ናይ ኤርትራን ኤርትራውነትን‘ዩ። ህግደፍ ንዘገምታዊ ምህሳስ ልዕላውነት ኤርትራ ዝተላዕለ ሓይሊ‘ዩ። አብ ቅድሚ‘ቲ ፈንጺግዎ ሓቂ ዝለበሰ ልዕላውነትና ደው ክብል ስለ ዘይከአለ ድማ ናይ „ዓወት ንሓፋሽ“ መርሆ ተጎልቢቡ ናይ ህዝቢ ሰውራ ዝሰረቐ ሓይሊ‘ዩ። ህግደፍ፡ ብስም ሰውራ፣ ጸጋታት ሰውራ ዝሓነቐ፤ ብስም ህዝቢ፣ ህዝቢ ዘማሰነ፡ ጸረ-ሰውራ ሓይሊ‘ዩ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ከአ ደለይቲ ለውጢ ብሓድነት ጸረ‘ዚ ናይ ምልኪ ሓይሊ‘ዚ ክንብድህ ይህልወና።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብጠባዩ (in character) ጸረ-ገዲምነት‘ዩ። ፖለቲካውያንን ገዳይም ውድባቶምን – ጥርዓናትን ኣቤቱታን ህዝቢ ብዘየገድስ – ዛጊት አብ ናተይ-ናትካ ምስሕሓባት ሓይሎም የዳኽሙ አለዉ። እዚ እንተዘይነብር ህዝቢ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ምንቅስቓሳት ከበግስ ተደላይነት ኣይምነበሮን። ህዝቢ „ንጠለባተይ ካብ ጸመሙ እምኒ ይዅኑ“ ዝብል ዘሎ ይመስለኒ። እሞ ነዚ ክሳዕ ሕጂ ገና ብጠባይ (in character) ዝተባህለ ፍልልያት ናብ በራሄም (in essence) አቢሉ ከይድይብ ፖለቲካዊ ውድባት ቅድምያታተን ክተካኸል ምመዓድኩ ኣነ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብጠባዩ ጸረ-ኮለል ዝብል ተመክሮ ውልቀ-ሰባት እውን‘ዩ። ብስም ህዝቢ ኣልቦ ገደብ ዝነብሑ „ናጻ-ሰባት“ እውን ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ዝኻዕበተ ፖለቲካዊ ወፈራታት ከካይዱን ክዝርጉን ይርኣዩ ኢዮም። አልቦ መጽናዕትን ውድዕነትን ራዕድን ሽበራን አብ ልዕሊ ህዝቢ ክነዝሑ ንዝነብሩ „ናጻ-ሰባት“ እንተዀኑ‘ውን ህዝባዊ ምንቅስቓስ  ሓላፍነት ዘሰክሞም እመስለኒ። ስለዚ ናብዚ መዳይ እውን ተግባርነትን ምክብባር ሓድሕድን ከነጥሪ ክህልወና‘ዩ ምበልኩ ኣነ። እምበኣር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንባዕሉ ውሽጣዊ ዲስፕሊንን ወድዓዊ መደብ-ዕዮን ክጽዕድ፣ ንባዕሉ ከተያ ካብ ናይ ጠባይ ምውጣጥን ምብዛሕ ውደባታትን ክገብር …ወዘተ ክህልዎ‘ዩ።

ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝኸደን ናይ ኣማኢታት ኣሽሓት ህይወት ዝበልዐን ናይ ቃልሲ ጕዕዞ አብዚ ዝግብኦ ገምጋም ምሀቡ ኣሸጋሪ‘ኳ እንተዀነ፣ ብእስትራተጅካዊ መዐቀኒታቱ ንምኽምታእ ግና ባዕላዊ ቁርብነትና ጥራይ‘ዩ ዝገትኣና። ንዅላቶም ሸርሕታት (ከምሹ ግሩሃት ዘይብቕዓታት) በዲሁ ድማ ውድዕነት ቃልሲ ወትሩ ምስ ደቂ ቅዋምን ሕግን፣ ምስ ሰውራውያንን ደሞክራስያውይንን፣ ምስ ስምረታውያንን ሃገራውያንን ምስ  ወገነ‘ዩ። ነዚ ምልላይ ዝተሳእኖ ሓይሊ ተቓውሞ ንምእራም ከአ‘ዩ ሎሚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተላዒሉ ዘሎ። እዚ እንታይ ይሕብረና? ህዝቢ ዝጎርሓሎም እስትራተጂካዊ ሓቅታት ምብሳሎም‘ዩ። ማለት ህግደፍ ጸረ-ልዕላውነትን ኤርትራውነትን ምዃኑ ብሓደ ሸነኽ፣ ውድባት ተቓውሞ አብ ሓቂን ቅኑዕ እስትራተጂን ምህላወን ከአ ብኻልእ ህዝቢ እናለለዮ መጺኡ‘ሎ። ስለዚ ሎሚ ብዘይ ዕጣይ-ምጣጣይ ህዝብን ፖለቲካዊ ውድባቱን ብሓድነታዊ ብርኪ ክሰርሑ ክህልዎም‘ዩ። ማለት ብስም ህዝባዊ ተበግሶ ይቀላቐል ብስም ጀብሃ-ሻዕብያ ከይዱ ከይዱ መዕለቢኡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ‘ዩ፤ ውድባት‘ውን ከምኡ ይዕበያ ይንኣሳ፣ ናብ ኢትዮጵያ ይሃልዋ አብ ቦለኛ ከይዱ ከይዱ መዕለቢኣን ሓደ‘ዩ፡ ማለት ግምባራዊ ውደባ ከአ‘ዩ። ካልእ ኩሉ ዘይእስትራተጂካዊ ፍልልያት ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ‘ዚ እስትራተጂ ክበሊ ግዱድ‘ዩ።

እምበኣር እቶም አብ ሰሜን ኣመሪካን ከናዳን፣ አብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣ ከምኡ እቶም አብ ኣውስትራልያን ኣፍሪቃን …ወዘተ ተላዒሎም ዘለዉ ተበግሶታት (ህዝባዊ ምንቅስቓስ) ካብ ንጽባሕ ንሎሚ ተራኺቦም መርበባቶም ከተኣሳስሩ ኣለዎም። ንእግረ መንገድና‘ውን ብዛዕባ መንእሰያትና ንኣብነት አብ እስራኤል ዘለዎም ጸበባታት ንምርኣዩን ፕላን-ቢ ቀሪብካ ንምጽናሕን ክብቃዕ‘ዩ። ማለት ክንዲ ናብ ህግደፍ ንምምላስ ዝግደዱ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድዩስ ንመንግስታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ኣረሳሪስካ ምጽናሕ የኽእለና። ብሓደ ዝሰመረ ልሕጺ  ኣንበሳ ይኣስር‘ዩ ዝበሃል!

ብድሓን ምጹና፣ ሰሲንኩም ጹንሑና!

ኃውኹም

Teclesenbet Teclai

Bonn, Germany

ghidetecle@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • L.T January 10, 2014

    But Tekle-Senbete then we know at last what you Weyane’s dog next 100 years will you be about..hackers—male….want to sleep with Weyane with your sniff campaign.We have seen so far that you had devoted many years and it is so horrid things-the only problem is your fault,guilt,shame,uppbringing and classic grip as we know again from EPLF 1072-82.To you and to your closest we want to raise a note of cautionif you have time,energy andmaney to buy samba I think you should that dance with each other.

  • selamwit January 10, 2014

    l.t., if i would asking something honestly, would you answer me?
    I think you would not. or show me if i am wrong.
    here is my answer:

    do you hate ethiopians (“weyane”)?
    do you believe in genetics?
    do you support iseyas?
    how can this go together: iseyas has ethiopian gens. i don’t mean this as marking, this fact!

    (I pressed by mistake the buttom that is why it seems you have a vote – you don’t have.)

  • Teclesenbet January 10, 2014

    ምሕረት የውርደልካ L.T.!
    What an ill-bred of human soul?!!
    None of your sentences convey anything tangible, my dear. By the way: Why don’t you go to school and use your time and energy to learn something of benefit for yourself? Even if a school won’t change your awful character, but at least you could argue properly your input,instead of scratching such nonsensical mumbo-jumbos.
    God bless Eritrea!

    • selamawit January 10, 2014

      l.t., like i new you are to GUTLESS to answer my questions…
      what a riduculous personality! 🙂

  • Godamat January 10, 2014

    “…ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድዩስ …” says the fool!

POST A COMMENT