Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ሰሚናር ኣካይዱ

ኣባላት መሪሕነት ኤምዲሰመ ዝርከብዎም ወ/ሮ ኣድያም ወልዳይ፡ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃምን፡ ኣቶ ኢያሱ ዓንደማርያምን "ብድሆታት ንምትካል ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃ (UNISA) ብዕለት 10 መስከረም 2015 ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዶም። ኣብዚ

ኣባላት መሪሕነት ኤምዲሰመ ዝርከብዎም ወ/ሮ ኣድያም ወልዳይ፡ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃምን፡ ኣቶ ኢያሱ ዓንደማርያምን “ብድሆታት ንምትካል ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃ (UNISA) ብዕለት 10 መስከረም 2015 ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዶም። ኣብዚ ብ “WIPHOLD-Birgalia Bam Research in Electoral Democracy” ዝተወደበ ሰሚናር ሓያለ ተመሃሮ፡ መማህራን ዪኒቨርሲቲን፡ ሰብ ሞያን ዝርከብዎም ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ወከልቲ ፖለቲካዊ ትካላትን ተሳቲፎም።

እቲ ሰሚናር ብዛዕባ ኤርትራ ታሪኻውን ፖለቲካውን ሓፈሻዊ ድሕረባይታ ድሕሪ ምሃብ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጸም ዘሎ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ጭቆና፡ በደልን፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንተሳተፍቲ ብዝርዝር መብርሂ ሂቦም። ብምቕጻል እዚ ኩሉ ሓሊፉ ኤርትራ ናብ ዲሞክራሲ ክትሰጋገር ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተሳትፎ ኤርትራውያን እንዳዓዘዘ ይኸይድ ብምህላዉ ናይ ብሓቂ ተስፋ ዝህብ እዩ ድሕሪ ብምባል፡ ጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ኤርትራ ኣቃልቦ ይህቦ ብምህላዉ ነቲ ቃልሲ ተወሳኺ ድርኺት ዝህብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ተሳተፍቲ ነቲ ሰሚናር ብጽሞና ድሕሪ ምክትታል፡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም። ካብቲ ተሳተፍቲ ዝበልዎ ገለ ንምጥቃስ፡

“ብጽሑፍን ብገለ ገለ ማዕከናት ዜናን ብዛዕባ ኤርትራ ሰሚዐ፡ እዚ ንስኹም ዝሃብኩምና መግለጺ ግና ካብ ትጽቢተይ ንላዕሊ ኮይኑ ረኺበዮ”

“እዚ ዝሃብኩምና መግለጺ ናይ ብሓቂ ዓይኒ ከነንቁሕ ዝሕግዝ እዩ ነይሩ (It was an eye-opener)”

“ክትዛረቡ ከለኹም፡ ከምዚ ዘፍርሕ ፊልም (horror movie) ትርኢ ዘሎኻ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ”

“ሕጋውነት ስልጣን ኢሰያስ ካብ ምንታይ እዩ ምንጩ ትብሉ”

“ስለምንታይ እዩ ኢሰያስ ንሕዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝገብሮ ዘሎ፡ ኣብ ኣተዓባብይኡ ገለ ጸገምዶ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል”

“ጉዳይ ኤርትራ ብዝበለጸ ኣቃልቦን ደገፍን ማሕበረሰብ ዓለም ክረክብ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ”

“እዚ ዝሃብኩምና ሰሚናር ብዝበለጸን ብዝሰፍሐን ኣብ ካልእ መድረኽ ክድገም፡ እቲ ዝርርብ ድማ ቀጻሊ ክኸውን ተስፋ እገብር”

“ናይ ኤርትራ ኩነታት ብትብዓት ከተካፍሉና ፍቓደኛታት ብምዃንኩም ኣድናቆትና ንገልጸልኩም፡ እዚ ሰሚናር ካልኦት ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ኣህጉሮም ዝሰፍሐ ኣፍልጦ ክህልዎም ሓጋዚ ነይሩ”

ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብ መወዳእታ ኣዳለውቲ ናይቲ ሰሚናር፡ ንኣቕረብቲ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም። ኣቕረብቲ ሰሚናር ብወገኖም ድማ ንተሳተፍቲ ብዓቕልን ጽሞናን ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ብምስምዖም፡ ንኣዳለዉቲ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራ ሓሳቦም ንግዱሳት ማሕበረሰብ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ከካፍሉ ዕድል ብምኽፋቶም ምስጋንኦም ድሕሪ ምምሕልላፍ እቲ ሰሚናር ብጽቡቅ መንፈስ ተዛዚሙ።

 

ኤምዲሰመ

11 መስከረም 2015

ፕሪቶርያ – ደቡብ ኣፍሪቃ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT