Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ሲቪክ ማሕበር – ቦስተንን ከባቢን ነዚ ኣብ መላእ ሃገር ዚካያድ ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ይኹንን።

ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ብዓወቱ ሓጎሱ ከይወደአን፡ ብመስዋእቲ ደቁ ሓዚኑ ከይተደበሰን፡ መብጽዓ ስውኣት ተጠሊሙ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሕጊ-ኣልቦ ውልቀ ምሕደራ፡ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን መዳርግቲ ኣብ ዘይርከቦ ጭቆናን መግዛእትን ወዲቓ ትርከብ። እዚ ሕጊ-ኣልቦ ውልቀ-ምሕደራ’ዚ፡ ጸጋታት ሃገር ተጠቂሙ፡

ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ብዓወቱ ሓጎሱ ከይወደአን፡ ብመስዋእቲ ደቁ ሓዚኑ ከይተደበሰን፡ መብጽዓ ስውኣት ተጠሊሙ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሕጊ-ኣልቦ ውልቀ ምሕደራ፡ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን መዳርግቲ ኣብ ዘይርከቦ ጭቆናን መግዛእትን ወዲቓ ትርከብ።

እዚ ሕጊ-ኣልቦ ውልቀ-ምሕደራ’ዚ፡ ጸጋታት ሃገር ተጠቂሙ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሙ ኣደልዲሉን ናይ ስለያ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩን፡ ስድራ-ቤታት ኣብ ምብትታንን ሃገር ኣብ ምዕናውን ኣብ ቀጻሊ ተግባር ተጸሚዱ ይርከብ።

ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ደርብዩ፡ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ንልዕሊ 23 ዓመታት ክትመሓደር ምግባር፡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ብግፍዒ ምእሳርን ምሕቃቕን፡ ዓያዪ ዓቕሚ ሰብና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ብምቑራን ተስፋ ቆሪጾም ንኣደዳ ሕሱም ስደት ከምዝቃልዑ ምግባር፡ ነጋዶን ክኢላታትን ኣሰናቢዱ ሃገር ገዲፎም እንዳማቶም ሃገር ንኸማዕብሉ ምድፍፋእ፡ ጸጋታት ህዝብን ሃገርን እናመንዘዐ ኣብ ወጻኢ-ሃገር ባንክታት ብመሻርኽቱ ውልቀ-ሰባት ስም ከምዝቕመጥ ምግባር ወዘተ እዚ ኩሉ ገለ ኣብነታት መግለጺ ናይቲ ኣዕናውን በታንን ኣካይድኡ ኢዩ። ኣብዚ ቅንያት’ዚ እንሰምዖ ዘሎና “ምፍራስ ኣባይቲ” በብ ዓዱ (ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ጸሎት፡ዳዕሮቃውሎስ፡ዓዲ ቀይሕ ደቀምሓረ፡ሰንዓፈ፡ወዘተ..) ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ጸይቂ ኣካይድኡ ኢዩ። እቲ ዘስደምም ከኣ፡ ብልዕልና ሕጊ ዘይኣምን ክነሱ፡ ንኩሉ’ቲ ኣቀዲሙ ዝፈጸሞ ይኹን ሕጂ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራቱ ንምሽፋን ዝጥቀመሉ መመኽነይታ፡ ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ዝብል ጉልባብ ኢዩ። ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኮሓል ከምዝበሃል።

ተቐማጦ ዓዲ ቐይሕ ዘርኣይዎ ተቓውሞን መኸተን ከኣ፡ ሓደ መግለጺ ናይቲ ዝተገፍዐ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ግብረ-መልሲ ኢዩ። ብዘርኣይዎ ተባዕ መኸተ ከኣ ጀጋኑ ብኣኹም ተሓቢና ክንብሎም ንፈቱ። ንስድራ ቤት ምዉታት ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብለ።

ይኹን’በር እዚ ኮነ ኢሉ ሃገር ኣብ ምዕናውን ህዝቢ ኣብ ምብራስን ተጸሚዱ ዝርከብ ስርዓት ብዝተበታተነን ዝተጎጃጀልን ቃልሲ ምምካቱ ዘይከኣል ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።

ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታት ዘረጋግጽን፡ ዲሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት ዘውሕስን ፓለቲካዊ ሃዋሁዉ ንምፍጣር ዝሕግዝ ኩሉ ዝሳተፎ መሰጋገሪ መንግስቲ/ስርዓት  ኣብ ሃገርና ክሳዕ ዝምስረት፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና፡ ፖለቲካዊ ፍልልያቱ ንጊዚኡ ኣወንዚፉ ጸጋታቱን ዓቕምታቱን ኣወሃሂዱ ኣትሪሩ ክቃልስ የድሊ።

ስለዚ ዋሕስ ዓወትና ስምረትና ካብ ኮነ፡ ንኣድማዒ ተቓውሞ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መጸዋዕታና ነቕርብ።

 

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማኣታትና

ኤ.ኣ.ሲ.ማ ቦርድ

ቦስተን፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
    • THE NOBLE TEACHER March 24, 2015

      Aziza ,

      ኣንቲ ብርኽቲ ዓዚዛ፣

      “ኣንጭዋ ሞታ ክትትምነስ ኣፍንጫ ኣምበሳ ተሽትት” ይብሃል፣ ባባ ኢሳያስ ካብ መላኺ/dictator ንላዕሊ ነጋዳይ/business man እዩ።ብውሽጢ ውሽጢ ምስ ኢትዮጵያ/ወያነ ስምምዕ ጌሩ ፣ንዓና ድማ ንሓምሳ ዓመት ብዕራይ ወለደ ንኣምን ማህቡላታት፣¨መጀመርያ ብሕጋዊ መገዲ ክንፍትን ኢና ካብኡ ሰረረ ግን ባዕልና ኣብቲ ዝመረጽናዮ ጊዜ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ¨ኢሉ ከዔሽወና እዩ።ወያነ ድማ እዝግሄር እንተጸሊኡሎም ጥራይ እዮም ንባባ ኢሳያስ ዝግልብጡ፣ ንዕኦም እያ ትገዶም ፋሕ ፋሕ ዝበለት ኤርትራ ብኤኮኖምን ጸጥታን ጽላሎት ጋኔን ትኾኖም።እዚ ምቅርሓን ኣብ ሞንጎ ክልተ ኢትዮጵያውያን እዩ።ባባ ኢሳያስ ከም ጃንሆይ ኮይኑ ንኢትዮጵያ ክገዝእ ይደሊ ወያነ ድማ ኣብ ናይ ክልል ፖሊሲ ይኣምኑ።እዚ ኩሉ ንሕና ሲንጋፖራውያን ዝርሃጽናዮን ዝደመናዮን ንባባ ኢሳያስ ነታ ሓቀኛ ኢትዮጵያ (ቀበሌ ኤርትራ ዘጠቓለለት)ንምንጋስ እዩ።ኤርትራ ኣብቲ Equation የላን !!! ኣብ 1981 እቲ ዓረባዊ ናይ ጀብሃ ኣጀንዳ ናብ ኣቢሲንያዊ ናይ ኢሳያስ ኣጀንዳ ተቐየሩ።ብሓጺሩ ባባ ኢሳያስ ዓሻ ኣይኮነን ኣብ ሓዊ በንዚና ዝድርቢ !!!

      I have been saying this for ever, I hope someone will take my reality orientation seriously and come back from fantasy land .

  • Halafi March 24, 2015

    Aziza,
    Issaias has no capacity to respond to any action Ethiopia may had taken or may take in the future. In Short, Eritrea is in a stage where it can not defend its political and economic interests in the region.
    The Ethiopians are in a stage where they know about almost everything that is happening inside Eritrean military camps on a daily basis before Issaias Afewerki and his defense minister, from the Eritrean army officers and army conscripts that are defecting everyday to Ethiopia. Every thing in Eritrea is rotten: army, economy, politics, diplomacy … even the Ghedli/Sawra identity is in its lowest stage. (ask the Ghedli romantics who are clapping from a safe shore).
    Issaias and the Ghedli romantics can protect nothing, be it to the young Eritreans who are suffering in the hand of the Arab slave traders or the Eritrean history and languages. This is one symptom to the one way hell of state-failure that Eritrea may join its “Arab” sisters of Yemen, Libya, Somalia, Sudan and Iraq.

  • AHMED SALEH March 24, 2015

    Weyane received the blessing of Eritreans under Issayas influence to join violent acts inside
    our land in 1980 . That was the begining of humulation we asked for at first place .
    Nothing new to make us wonder what is going on in this issue .

  • Fanko March 25, 2015

    ሃየ በል! ኣቶ ኣርዓዶም፣ ግርም ዝኾነ ትዕዝብቲ እነሆ፤

    “መርገም ወለድስ እንተዘይቐተለ የዕነኒ ክብሉ ሰሚዕኩም ትፈልጡ፡ ህግደፍ ድማ ገዛ መሳኪን ብኽንደይ ጨቖቕታ ዝተሰርሐ ገዛውቲ መሳኺን የዕንው ወርሒዎ።
    ኣምላኽ ድማ ናይ ኢድካ ኣይትስኣን ግዲ ኢልዎ፡ ሓያል ሰዲዱ ነቲ ቐንዲ ምንጪ ድራሩ ዝነበረ ወርቒ ብሻ፡ ነፈርቲ ሓያላት ድዋዕዋዕ ከብልኦ ከለዋ ብሒም ክብል ኣይክኣለን።
    እወ ነቲ ህዝቢ ገዛኻ ከፍርሶ ከለኹ ብሒም ከይትብል ኢሉ ከምዘይፈከረሉ፡ ንሱ`ውን በቶም ሰብ ስረ ዝኾኑ ወያነ ድዋዕዋዕ ከብልዎ ከለዉ፡ ከም መራሒ ሃገር መጠን ከማን ብሒም ኣይበለን።”

POST A COMMENT