Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ! ዓድኻ ክዝመትዶ! ዓይንኻ ይዕመት?

ዓዲ እንታይ ማለትዩ? ዓዲ መሰረት ወድ ሰብ እዩ። ካብዚ ተላዒሎም ቀዳሞት “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽሊንከ! ኣብ ዓውዱ” ኢሎም ይምስሉ። ቀደም ደቂ ዓዲ ከመይ ኢሎም ከም ዝመሓደሩ ምስ እንዝክር! ሕጂ ኣብ ምብምንታይ ሃለዋት ወይስ ኣብ ምንታይ

ዓዲ እንታይ ማለትዩ? ዓዲ መሰረት ወድ ሰብ እዩ። ካብዚ ተላዒሎም ቀዳሞት “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽሊንከ! ኣብ ዓውዱ” ኢሎም ይምስሉ። ቀደም ደቂ ዓዲ ከመይ ኢሎም ከም ዝመሓደሩ ምስ እንዝክር! ሕጂ ኣብ ምብምንታይ ሃለዋት ወይስ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዘለና ከነማዛዝን ንኸእል።

እምበኣር፡ ዓዲ እንታይ ትሕዝቶ ኣለዋ? ዓዲ ዝነኣሰት ሓምሳ (50) ገባር ይሃልዋ ንበል። ሓንቲ ዓዲ ክትባሃል ናይ ገዛእ ርእሳ ጭቃ ወይ ዳኛ ኣለዋ። ኣብ ኣመንቲ እስልማን ድማ ቓዲ ሕጋዊ ዳኛ እዩ። ዓዲ ብስድራ ቤታት ትቐውም። ነፍስ ወከፍ ስድራ ቤት ድማ ነብሳ ዝኸኣለት ንብረትን፡ ጥሪትን፡ መሳርዕን፡ ናውትን፡ ዕጥቂ ማሕረስ፡ ዕጥቂ መሳርዕ፡ ዕጥቂ ናውቲ፡ ዕጥቂ መከላኸሊውን ትውንን። ዕጥቂ መከላኸሊ ከመይ ምስ እንብል ከራሩ፡ ጭማራ፡ ዋልታ፡ ኩናት፡ ጎዘሞ፡ ጉራደ፡ ጠበንጃ፡ ከም ግዜኡን እዋኑን ዝፈቕዶ ጠበንጃ ትዕጠቕ።

ንብረት ከም እንስሳ ዘቤት፡ ከብቲ፡ ማል ወይ ኣሓ፡ ጠሌ በጊዕ፡ ኣድገ በቕሊ፡ ፈረስ፡ ኸልቢ ደማሙን ትውንን።

ኣብ ገዛ ኣእካል ከም ኡውን ሓጀት ገዛን ኣለዋ።

ሓንቲ ዓዲ፡ ብሓልው ዓዲ በብተራ “ብኳደረ”  ትሕሎ። ደቂ ዓዲ ኣብ ሕርሻ ምስ ወፈሩ፡ ከተርቲ፡ ወይ ዘመቲ ምስ ዝመጹ! ኳደረ ኣብ ዓዲ ክርስትያን እንተኾይኑ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከይዱ ደወል ይድውል። ኣብ ዓዲ እስላም ሙኣዛን ይእዝን። ኣብ ዘይ ስዓቱ  ክድወል እንከሎ ወይ ክእዘን እንከሎ ናይ ሓደጋ ምልክት ከም ዝኾነ ደቂ ዓዲ ስለ ዝፈልጡ ነናብ ቤቶም ይጎዩ። በብዘለዉዎ ኣብ ክተት ወይ ተጠንቀቕ ይኾኑ። እኹል ሓበረታ ምስተረኽበ ንብረቶምን፡ ዓዶምን ይከላኸሉ።

ጸላኢ ክዘምት ክመጽእ እንከሎ ኩሉ እዩ ዝዘምት፡ ጥሪትካ፡ ከብትኻ፡ ማልካ፡ ኣድግኻ፡ ሰበይትኻ ይዘምት፡ ንዓድኻ ይወርር። ወራሪ ኣይድንግጸልካን እዩ። ካብ ወራሪ ክድንግጸልካ ምጽባይ ንኽቐትለካ ምጽባይ ጥራሕ እዩ። እዚ ቀዳሞት ዘሕለፍዎ መነባብሮ ከመይ ገሮም ይከላኸሉን ከምዝነበሩ ይሕብር።

ናይ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ዘመተኸ?   

ህዝብና ንኤርትራ ሃገሩ ነጻነት ከውጽእ ካብ ኢትዮጵያ ኢሉ ሃገራዊ ቃልሲ ጀመረ። ካብ 1961 ክሳብ 1991 ንሰላሳ ዓመታት ዝመረረን ዝሓሰመን ከቢ መስዋእቲ ከፊሉ ሃገርሩ ነጻ ኣውጽኤ። እንተኾነ፡ ብስም ሃገራዊ ቃልሲ ስዉር ቃልሲ ንጸነተ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለነ፡ መንደላይ ተመን ተጥምጢምዎ ከም ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ኣእምሮኡ ዓዊሩ ክርእዮ ኣይከኣለን።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብዝብል ስም ኣብ ሓሶትን፡ ጃህራን፡ ጸለመን፡ ክፍኣትን፡ ጥልመትን፡ ክሕደትን፡ መደንቆርን ዝትሕዝቶኡ ብስም ሃገራዊ ነጻነት ዝቖመ፡ ኣብ ኩውንነት ዘይተመርኮሰ፡ ብፍርሕን ራዕድን ዝቖመ፡ ብምስጢር ዝኸይድ ማፍያዊ ምምሕዳር ዘለዎ ድርጅት ነበረን ኣሎን።

እዚ ማፍያዊ ድርጅት፡ ንኣባላቱ ልክዕ ከምቲ ማፍያ ዓለም ለኻዊ ዘካይዶ ከማሓድር እንከሎ። ብደጊኡ ሓንሳብ “ለኒነ ማርክሳዊ፡ ሓንሳብ ደምበ ሶሻሊዝም፡ ሓንሳብ ክልሰ ቁጠባ፡ ሓንሳብ ነብስኻ ምኽኣል” ብዝብል መደናጋርን፡ መዔወንን ዝኾነ ኣምር ወይ ርእይቶ ዓለም እናተገለባበጠ፡ ክመጽእ ጸንሔ።

ኣብ ህዝባዊ ዘመተን ዕንወትንከ? ጸረ ሃይማኖት፡ ጸረ ባህልን ትሕዝቶ ዓዲ፡ ጸረ ሕጊ እንዳባ ከካይድ እንከሎ፡ “ገረብ ብሓኽላ” ከም ዝባሃል ብደቂ ዓዲ ብተጋደልቲ፡ ስድራ ቤታት ከፍርሱ ጀመሩ፡ አኩይ ተግባራት ዓመጽ ኣብ ኣብልዕሊ ኣንስቲ ሰብ ሓዳር፡ ስነ ምግባር ዝጎደሎ፡ ጽይፉን ኣነዋር ተግባራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ዓዲ ክፍጽሙ እንከለዉ፡ ዓገብ ንዝበሉ ዓበይትን   ሽማግለታትን፡ ብጸላም ኮነ ብጸሓይ ብርሃን እና ኣጋፍዑ፡ ንገለ ብሂወቶም ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓዶም ብገደል እናኣጽደፉ፡ ኣብ ዓድታት ኤርትራ ራዕዲ ፍርሕን ኣንገሱ።

እዚ ዝገብሩ ድማ ብስም ተጋደልቲ ንሃገራዊ ነጻነት እዩ። ተጋደልቲ መጀመርያ ኣቦኦምን ኣዲኦምን፡ ክሒዶም ተኣማንነቶም ንሰውራ ኮነ፡ ሓው የብሎም ሓፍቲ የብሎም፡ ንሓውካን ፡ ንወለድኻን፡ ንኽትቀትል፡ ትእዛዝ ከተኽብር ቃለ ማሓላ ይፍጸም። “ኣነ ክስዋእ፡ ንስኻ ጽናሕ” ሻህረታዊ ጭርሖ ናይ ዕለታዊ ጸሎት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮነ። ነዚ ዝተዓዘቡ፡ ሕቶ ወይ ርእይቶ ምስ ዘልዕሉ፡ ብሓለው ሰውራ ተውሲዶም፡ ኣብ መግረፍቲ ይሓድሩ። ዉዒሉ ሓዲሩ፡ ብብልሽውና ይኽሰሱ፡ ሰላይ ናይ ጸላኢ ይበሃሉ፡ ሰላዪ ናይ ሲኣይኤ ይበሃሉ፡ ኣውርጃዊ፡ የሚናዊ፡ ዓልየታዊ፡ ወገናዊ፡ ሰላይ ኢትዮጵያ፡ ዝንቡል፡ ..ወዘተ። እናተባህለ ዝተመርጸ ዜጋ እና ኣጸነተ ዓመታት ሓለፈ።

ተጋዳላይ ብድልየቱ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ተሰሊፉ ከብቅዕ! ጉዳይ መስዋእቱን ጉዳይ ሃገሩን ከምዘይምልከቶ ኮነ። “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል” ንመስዋእቲ ተቐርብ እናተባህለ፡ መስዋቲ ከንቱ ክስዋእ ጸንሔን ይቕጽልን ኣሎ።

ተጋዳልይ ህዝባዊ ግንባር፡ ሕነ ዘይፈዲ ፍጥረት እንክኸውን ተመልመለ። መሰሉ ኣጥፊኡ፡ መሰል ስድራ ቤቱ የጥፍእ። ስዒቡ መሰል ዓዱን ደቂ ዓዱን የጥፍእ። ቀጺሉ መሰል ወረዳኡን፡ ኣውርጃኡን፡ ተደማሚሩ መሰል ሃገሩ ከጥፈ ንርእዮ ኣለና። “ግበር ኣይትግበር” ሓጻር ትእዛዝ።

ንምዃኑ፡ ሃገር እንታይ ማለት እዩ ኢልካ ንተጋዳላይ ወይ ሰራዊት ሳዋን ኣብ ስደት ዝርከቡ ሓፋሽ ውድባት ሓቲትካዮም መባአታዊ ሕቶ ኣይምሉስ እዮም። መዛረቢ ቃላት ዝወሃባ ብቤት ጽሕፈት ፖሊቲካው ድርጅት እዮም ዝምልሱ። ኣበይ ዓድኻ? ምስ እትብሎም ኤርትራ አዩ። እንታይ እዩ ኤርትራዊ ማለት ምስ እትብሎ ህዝባዊ ግንባር ዝገብሮን ዝዛረቦን ምድጋም እዩ። ንህዝባዊ ግንባር ዝወቅስ ወይ ዓላማኣ ዝሓትት፡ ትሕቲ ሃገራውነት፡ ሸያጥ ዓዲ፡ ከዳዕ፡ ወያነ፡ ዓጋመ፡ ተረፍ መረፍ ጀብሃ፡ ሓሙሻይ መስርዕ፡ ጰንጠ፡ ጂሃድ…ወዘተ   እዩ መልሶም።

መሰል ዜጋ ኣይምልከቶም እዩ። ቅድም ዶብ ክሕንጠጥ ኣለዎ። ወያነ ሰራዊቶም ከየውጽኡ።

 

ዓድታት፡ ኤርትራ ስድራቤተን ተዘሚተን፡ ወለዲ ደቆም ተዘሚቶም፡ መርየቶምን፡ ንብረቶም ተዘሚቶም፡ ጥሪቶም ተዘሚቶም፡ ሰቡኡት ኣንስቶም ተዘሚቶም፡ ቆላዑ ወለዶም ተዘሚቶም፡ ወለዲ ደቁ ስእኑ፡ ኣንስቲ ሰቡእተን ስኢነን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝምርዓወን ስእኒነን፡ መንእሰይ ተስዲዶም መዕለቢ ስኢኖም ፈቐዳኡ ይሞቱን፡ ይግፍዑን ዋና ስኢኖም፡ ንዓለም ገረሞ!!!! ኤርትርዊ፡ “ጎበዝዶ! እዋዘ እዋዘ ዓዱ ከይ ሓዘ፡ ይባሃል ከምዘይነበረ።

ፈዳይ ሕነ ዘይብላ ሃገር ኮይና ተሪፋ። ናይ ኤርትራውያን ሕማም ድዩ ጽላለ ክርድኣካ ኣይክእልን። ካብ ዝተማህረ የብሉ ካብ ዘይተማህረ ሕልና ዘይብሎም ዜጋታት እናኾኑ ክኸዱ ክትሪ የሕዝን። ሰብ ባጀላ፡ እምበርዶ! ሰብ እዮም ዝባሃሉ ብዙሓት እዮም። ይገርም የተዓዛዝዝብ ድማ። ኣብ ዓዲ ነጻነትን፡ ኣብ ዓዲ ሕግን፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ ሕልኖኦም ሸይጦም ዝበልዑ ዉሑዳት ኣይኮኑን።

እዚ ኹሉ ዘመተ ኣበይ ከደ ኳደረ ዓዲ? ኣበይ ከደ ሙኣዝን ዓዲ? ሓቲትካ መልሲ ዘይርከቦ ዓድን ሃገርን ኤርትራ ጥራሕ እያ ካብ ዓለም ንበይና ብዜጋታታ ዘይትግደስ ኮይና ትርከብ። ኣብ ዘበነ ሻዕብያ ኣቦኻ ቀቲሉልካ ኣብ ክንዲ ሕነ ዝፈዲስ፡ ምስ ቀታል ኣቡኡ ይዕሽከር። ንኣድማ ገረሞ!!!! ናይ ኤርትርውያን ነገር ዘርዚርካ ኣይውዳእን።  

ስርዓተ ማፍያ ኣስመራ፡ ንሃገርና  ኤርትራ ናብ ክልል ቀይሩ ናብ ኢትዮጵያ፡ ክሕውሳ እና ርኤኻስ፡ ስቕ ኢልካ ይሕደር? ንምዃኑ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሰራዊት ኣእምሮ የብሎም ኣይብልን? ሓበረታ ጎዲልዎም ግና ክብል ይኽእል። በዚ ዘበን እዚ ስልክን፡ መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ዝተዘርጋሓሉ፡ ኒሕ ዘይብሉ ሰራዊት ክኸውን ይግባእዶ?

ንምኒስተር ብርሃነ ኣብርሄ ኣብ ዝሰደዶ ቃላት ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ረኺበዮ። እንተኾነ ከም ቀዳሞት ብጸቱ ከይምንጠል ድማ ይፈርሓሉ። ንትብዓቱን፡ ንኣመራርሔኡን ይንእዶ፡ ኣጆኻ ክብል ይደፍር። “ኣሳፊሕካ ሞትየ፡ ተኾርሚኻ ሞትየ፡ ንዓናይ ንባሕሪ ንሓደ ዓመትየ” 1974 ዝድረፍ ዝነበረ ዘኪረ። ኣጆኻ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሄ ቱታ!!! ቱታ!!!!ቱታ!!! ኣጽንዕ ኩናትካ ምስ ዋልታ!!!!!!

ዶክተር ደብረጽዮን ንልዕላውነት ኤርትራ ምሕላውን ምኽባሩን ክብሪ ይሓብካ፡ “ወዲ ጭዋ ጭዋ እዩ” ጭውነት ህዝቢ ኤርትራ ብምኽባሩ ዝተመስገነ ይኹን።

ኣብ ስዑዲ ዝግበር ስምምምዕ ብመራሒ ማፍያ ኤርትራ ምስ ዶክተር ኣብይ ናይ ኢትዮጵያ ዝግበር ስምምዕ ከምዘለዎ። ይኹንንን!!!!!!

ዓወት ንደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ!!!!!

 

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ

ዘብሄረ ሰራየ ኢንድያናፖሊሲንድያና

15 መስከረም 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Hagherawi September 17, 2018

    “ኣብ ዘበነ ሻዕብያ ኣቦኻ ቀቲሉልካ ኣብ ክንዲ ሕነ ዝፈዲስ፡ ምስ ቀታል ኣቡኡ ይዕሽከር። ንኣድማ ገረሞ!!!!”

    ሃይለ ገብረ ትንሳኤ

    Very true. Here a story.
    A elderly man was falsely accused of harboring hate for the EPLF and collaborating with ELF and the enemy. His accusers were well connected so he was killed in his own village by agents of the front.
    His elder son was not present but knew from a close relative about his father’s accusers.
    He joined the EPLF and after some years its security apparatus. It was then that some of those implicated in his father’s death sought refuge in Sudan. Those who could not escape died in Halewa Sewra (or rather Halewa Iseyas)

  • Genet Original September 18, 2018

    I say it is time to go after the fake Eritrean Saba, the wife of the vampire and her family. I think she needs to pay for this all crimes.

    • Simon G. September 19, 2018

      I couldn’t see my comment but this was what I have asked earlier…
      Genet Original
      Just curious here:
      1. What do you mean by Fake Eritrean? She is full Eritrean by both her mother and father. Unless you mean something else.
      2. Why would you go after her? She is a victim like all of us. DO you think DIA shares with her? I doubt it but let’s hear from you.

      • Genet Original September 20, 2018

        Simon G
        It is all about proximity and motive. She watch him, while he is sleeping. OMG, Simon G, what would you do, if you have that proximity?
        How do you know she is a victim? what makes you think he doesn’t share with her? He is a 70 something murderer who is probably napping all the time. She has a responsibility. she should know better. she needs to stop the nonsense and end our misery today. If she doesn’t feel the Eritreans children and mothers cry and pain, she is a fake Eritrean. Enough is Enough!! Saba needs to do her deed. She owes the Eritrean people a great deal.
        She has been with a murderer for more than 40 years.
        It is time to hold her accountable.

  • k.tewolde September 18, 2018

    ‘እንተኾነ፡ ብስም ሃገራዊ ቃልሲ ስዉር ቃልሲ ንጸነተ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለነ፡ መንደላይ ተመን ተጥምጢምዎ ከም ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ኣእምሮኡ ዓዊሩ ክርእዮ ኣይከኣለን።’…….that very mendelay continues to tighten its grip and asphyxiate the life of every Eritrean today paving the way for those former and new predators and welcoming them to their old colony which he kept in arrested development since its inception. Haile Wedi Seraye you make me proud every time because some of my prominent uncles come from Kola Areza, there is nothing wrong mentioning from which corner of Eritrea you came from because that is how the fabric of the nation was woven,not by transplants,forced insemination or born in the red light district….which are the tyrants majority base today.

  • Teclay September 18, 2018

    ሰላም ኣቶ ሃይለ
    ልክዕ ኣሎኻ ኣብቲ ብዛዕባ ዓዲ ዝበልካዮ ዝውስኾ የብለይን ።እቲ መልሲ ዘይረኸብኩሉ ግን ፣እቶም ደቂ ሓገረሰብ ምሁራት ፣ነቲ ኩሉ ኣብ ዓዲ ዝተሃንጽዎዓ ሞራልን ንኺን ደርብዮም ፣ጃጅዮም ,,,,ባርያ ናይ ውልቀሰብ ,,ክኾኑ ከምይ ነብሶም ገይርሎም ፧፧ብፍላይ ድሕሪ ናይ መንካዕን ናይ የሚንን ፍሉጥ ዶ ኣይኮነን ??ኢሳያስ ኣታሊልኒ ዝብል ሓሳዊ እዩ ።ኢሳያስ ክልተ ምርጫ ጣራይ እዩ ዝህብ ነይሩ…1,, ሙሉእ ባርያ …2,,ትቕንጸል ።።።እቲ ሕቶ እንድሕሪ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ክገብሮ እየ ፣ኢልካ ናብ በረኻ ወፊርካ ፣እሞ ንባዕልኻ ኣብ ዝገደደ ባርነት ኣቲኻ ን40 ወይ 50 ዓመታት ኣብ ጊላነት ኣንተ ኣሕሊፍካዮ ።ከመይ ምስ መውጽ ሓራ ክሰማማዕ ይኽእል???
    እቲ ካልእ ዝተረፈ ህዝቢ ኸ ፣ኣብ ባርነት እንኮሎ ፣ናይ ኢሳያስ ባዓላት— ማለት ብዓል ናጽነት ፣በዓልቲ ስውኣት ወዘተ ከመይ የኽብር።ስለዚ ኢሳያስ ኣብ ሓንጎልና እዩ ኣራጢጡ ኮፍ ኢሉ ጸኒሑ፣ ሕጂ ኣብ ጸድፊ ምስ ደርበያ ተረዲእዋ።
    ሕጂ እውን ንኡሽቶይ ዕድል ኣሎ፥
    1,,ኢትዮጵያ እንተዘይተረጋጊኣ።።2,,ብዘይቶጉላባነት ንተጋሩ ፣ብኣኹም ጠፋእና ፣ብ ኣኹም ለማዕና ምባሎም
    እንተዘየሎ ግን መጽነቲ ኣሜን ኢልካ ምቕባል እያ.

    • k.tewolde September 18, 2018

      Teclay you think you are slick don’t you,good try.At end of the day, Eritrea’s fate will be determined by its people who gave everything to make it a reality, you as Ethiopian of Tgrai origin have the right to choose however you want to be governed without sticking your nose in a sovereign neighbor nation’s business.It is people like who blurred the Eritrean political spectrum to begin with.Now can you please take yourself and people like you from the Eritrean equation and go clean up what is going on in your own home and warn the people there the Lucifer from up north is coming after them.

  • Nebro September 18, 2018

    መምህር ሃይለ

    ናይ ብሓቂ ለባም ስርዓትን ያታን ከበሳ ነዚ ድንጉር ወሎዶ ከተመሓላልፍ ምፍታንካ

  • Nebro September 18, 2018

    1. ብሕማቕ ስነምግባር ዝፍለጥ፡ ዘማዊ፡ ሓሳዊን፡ ብቓጻ ኣንስቲ ዝዕምጽ፡( ካብ መዳ ዝጀመር ረፒስት) በየነ ርእሶም ንኣደ-ደቑ ንሰናይት ደበሳይ የእስር።
    2. ዕልልቲ ሓሳዊት ኣረጊት ኣመንዝራ ኣስካሉ፡ መንቐሪዮስ ንኣቦ- ደቓ ሓኺም ሰናይ ክፍለየሱስ ናብ ካርሸሊ ኣፋንያ ተዳኻር ።
    3. ጓል ኣንከረ ንጅግና ፈርዖን ወልዱ ኣፋንያ ንኢሳያስ ትዉድስ ።
    4. ጓል ሚርያም ሓጎስ ኣዲኣ ኣብ ማአሰርቲ አንዳበለየት፡ ኣብ ኣመሪካ መንእስይ ህግደፍ ( YPFDJ)
    5. ስድራ ዳዊት ኢሳቕ ንሓዉና ታጋድዱሉ ኣለኹም፡ ኣፍኩም ሓዙልና ይብሉ( ኢሳያስ ያኢ ሽወደናዊ ኢዩ ኢሉ ምሕረት ዝገብረሎም መሲሉዎም)።
    6. ስድራ ዓንደ ሕሸል “ እሞ ሎም ከፊኡና ኢልና ዶ ነዘዕበየንና ውድብ ሕቖና ክንሕቦ ኾይና?” ይቡል ኣብ ምብጻሕ ናይቲ ብዘይ ሓደ በደል ንዓመታት ዝተሞቖሐ ወዶም ኣብ ካርሸሊ ክበጽሕዎ ምስኸዱ።

    ዓዲ ዃንዳባ ንኽልተ ብሉጻት ደቓ የጥፋኣላ ኣሎ ኢሳያስ፡ ኣብ 1970ታት ህቡል ዝነበረ ንሓርበኛ ምሁር ንዶክተር ኢዮብ ገረኽስቶስ ብየሚን ኣመሳሚሱ ቐቲሉላ። ሕጂ ድማ ንብርሃነ ኣብርሀ ኣሰር ኢዮብ ክስዕብ ኢዩ። ዃንዳባ ሕጂኽ ኢንታይ ትብል ትህሉ?

    ዘገርም ኢዩ ናይ ኤርትራ ነገር!

    • Simon G. September 19, 2018

      ጌጋ ከምዝገብር ዘሎ ይርደኣናዩ ግን ወዲ ላምና ስለዝኾነ ኣንጻር ኢሳያስ ኣይንዛረብን ይብሉ።
      ማዕረ ህዝቦም ድማ በብሓደ ካብ ኤርትራ ይጠፍኡ።
      Well, that is the reality in Eritrea. Sad but true.

  • Simon G. September 19, 2018

    Haile TG,
    This is very sad but completely true. I have no idea what’s wrong with us anymore.
    The abnormal thing is considered normal.
    ተሓዋዊሱና

POST A COMMENT