Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ መላኺ ኢሳያስ ዝመረጸልና መራሒ ክንቅበልን ክንሓስርን ወይ ንመሰልና ክንቃለስ ክንውስን ኣለና

ኤርትራውያን፡ መላኺ ኢሳያስ ዝመረጸልና መራሒ ክንቅበልን ክንሓስርን ወይ ንመሰልና ክንቃለስ ክንውስን ኣለና ኣብዛ እንነብረላ ዓለም፡ ህርፋን ስልጣን፡ ገንዘብ፡ ወልፊ መስተ፡ ዕጸፋርስን ዝሙትን፡ ካብተን ንኣእምሮ ሰባት ብምግዛእ ዘዋልኣን ኣብ ጸገምን ገበንን ዘውድቃን ዘለዋ ተርእዮታት’የን። በዘን ድኻታት ዘረስዓ፡

ኤርትራውያን፡ መላኺ ኢሳያስ ዝመረጸልና መራሒ ክንቅበልን ክንሓስርን ወይ ንመሰልና ክንቃለስ ክንውስን ኣለና

ኣብዛ እንነብረላ ዓለም፡ ህርፋን ስልጣን፡ ገንዘብ፡ ወልፊ መስተ፡ ዕጸፋርስን ዝሙትን፡ ካብተን ንኣእምሮ ሰባት ብምግዛእ ዘዋልኣን ኣብ ጸገምን ገበንን ዘውድቃን ዘለዋ ተርእዮታት’የን። በዘን ድኻታት ዘረስዓ፡ ፍትሒ ዝዕምጽጻ፡ ሕጊ ዝጥሕሳ፡ ትዕቢት ዘንግሳን ሃብትን ክብርን ካልኦት ወገናት ዝምንዝዓ ዕንቅፋታት፡ ህቡባት ሰባትን መራሕትን ታሪኾም ዝብልላን ብገበን ዘሕትታን’የን። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓደ ምዕራፍ ናይ ህይወት ተዛዚሙ፡ ናይ ውርደት፡ ማእሰርቲ፡ መቅጻዕቲ ገንዘብ; ምውራስ ንብረት፡ ብሓፈሻ ዝበላዕካዮ ምለሶ ይኸውን ማለት’ዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ንህዝብና ዝረግጽ; ብህርፋን ስልጣን ዝዓወረ መላኺ ኢሳያስ ድማ ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ስልጣን እንከሎ ኩፉእ ስምን ኣፍልጦን ይሃልዎ፡ ሓደ መዓልቲ ተራ ሰብ ከምዝኸውን፡ ከምኡ’ውን ብሕሉፍ ገበናቱ ከምዝናዘዝ ፍሉጥ’ዩ። ዓቢ መዝነትን ዝናን ዘይብሎም ሰባት’ውን፡ ብዕዉር ስስዐን ምድንጋርን ካብ ጽጉማት፡ ድኻታትን መሳኪንን፡ “ናብ ዝደለኽሞ ሃገር ንኽትከዱ ወረቅትኩም ከነሳልጠልኩም ወይ ብሰላም ከንወስደኩም” እናበሉ ኣሽሓት ገንዘብ መንዚዖም ዝሽረቡን ኣሉ ዝብሉን ኤርትራውያንን ደቂ ካልእ ሃገራትን ውሑዳት ኣይኮኑን። ንኣብነት ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ናብ ካናዳ ወይ ኤውሮጳ ዘእቱ ሰነድ(visa or travel document) ንምስላጥ ወይ ብመንገዲ ምድረበዳ ሳህራን ማእከላይ ባሕርን፡ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ምሒሎም ጥሒሎም ዝጠልሙን ኣብ ዘይውሑስ ቦታ ህይወት ሰብ ራሕሪሖም ዝኸዱን ኤርትራውያን ምርኣይ ልሙድ ገበን ኮይኑ’ሎ። ብኣንጻሩ፡ ገለ ሰባት ብህይወቶም እንከለዉ ዝፈጸምዎ ሓጥያትን ኣበሳን ብትብዓትን ብቅንዕናን ይቅረ ይብሉ። ምናልባት ድሕሪ ሞት ንሓጥያተኛታት ሲኦል ንጻድቃናት ድማ ገነት ኣሎ ዝብል እምነት ስለዘሎ፡ እዞም ብህይወቶም እንከለዉ ብዘይካ እከይ ጽቡቅ ዘይሰርሑ፡ ኣብ ኣንፋን ዕርበታን ናይ ሞቶም፡ ሓጥያቶም ኣብ ምድራዊት ዓለም ኣራጊፎም ምስ ጻድቃናት ተጸጊዖም፡ ኣብታ መንነትካ ትንጸረላ ወይ ትሕተተላ ናይ ተፍትሽ ቦታ ክሓልፍዋ ይፍትኑ።

እዚ ብመራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ምዕልባጥን ዘይንቡር ባህርያትን ጠባያትን ድማ ከምቲ “ሞትካ ተቃሪቡ’ዩ፡ ሃየ ኣቁሑትካ ጠርንፍ ተበገስ” ዝተባህለ ሰብ ዝመሳሰል’ዩ።  መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ኢሂወደግ ድማ ብፍላይ፡ እንታይነትን ኣካይዳን ስርዓት ህግደፍ ኣጸቢቁ ይፈልጥ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ጸገማትን ቀዳምነታትን ህዝቢ ኤርትራ ከይፈትሐን፡ ኣብ ገዛእ ህዝቡ ቅንጣብ ተገዳስነትን ሓልዮትን ከየርኣየ፡ “ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተሪኻዊ ምትእስሳር ኣለና፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝኸሰርናዮ ይኣኽለና” ኢሉ ክመጻደቅ እንከሎ፡ ምስሉይነትን ንዓይ ንኣንጭዋ ኣብ ሎቆታ’ዩ። መላኺ ኢሳያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ 20 ሰነ 2018፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺታት ብዙሕን ንሓድሕዱ ዝዋቃዕን’ዩ ነይሩ። እቲ ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ ዝዓይነቱ መርገጺታት መላኺ ኢሳያስ፡ ንኢትዮጵያ ሓንሳብ ጸላዊት፡ ሰላማዊት፡ ጸጋ ዝመልኣ፡ ካልእ እዋን ድማ ከዳሚት፡ ድኻ፡ ወራሪት ምባል፡ ናይ ጥዕናን ብስለት ኣእምሮን ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰላም፡ ፍትሕን ምዕሩይ ጉርብትናን ምትእስሳርን ዝኣምን እንተኾይኑ፡ ርክባቱን መጻኢታቱን ምስቲ ወትሩ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝወከሎ ስርዓት ክኸውን እንከሎ’ዩ ዘምሕረሉ’ምበር፡ ብኣንጻሩ ምስ ጨርቁ ዝደርበየ ዕሉል፡ ቀታልን ኣሳርን ሰላማውያን ሰባት፡ ዓምጻጺ ፍትሕን ሕጊ ኣልቦን ጽባሕ ንዝሓልፍን ስርዓት ክኸውን ኣይግባእን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክውንነትን ውሽጣዊ ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ኢሉ ብጉልባብ ጉርብትናን ሰላምን መታን ንቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ረብሓታቱ ምስ ህግደፍ ዝምስርቶ ዝምድና ፈርካሽ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ለውጢ፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ፍቅሪ ፡ ማዕርነት ዝብላ ቃላት እናዘመረ ምስ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ዘይወከሎን ስርዓት ህግደፍ፡ ሕግብግብ ክብል እንተመሪጹ ድማ መዘዙ ዳግማይ ዕግርግርን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከብድን ሕቆን ምዃንን፡ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ብቀንዱ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝሕለን ጉዕዞ ልሙጽ ክኸውን ማለት ዘበት’ዩ። “ወዲ ኣፎም፡ ኢሱ” እናበልካ ኣብ ኣደባባይ ንውልቀመላኺ መላኺ ምውዳስን ህያባት እናሃብካ ምስካርን፡ ካብ “ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕ ዛግራ ትብላ” ካልእ ትርጉም የብሉን። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቀኛ ኢሳያስ፡ ቀታልን ኣሳርን ደለይቲ ፍትሒ፡ ገባቲ ስልጣን፡ ጨፍላቂ ጥርዓን ኤርትራዊ፡ ብሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዝድሰት፡ ትዕቢተኛን ህልኸኛን ድኣምበር፡ ደላይ ሰላም፡ ገባር ሰናይን ሓላዪ ህዝቢ ኤርትራን ኣይኮነን፡ ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን’ዩ።

መላኺ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ጸርፊ፡ መግናሕትን ሓንቂቅኩም ምባልን፡ ፍሽኽታን ምስጋናን ኣንጸባሪቁ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ከይዱ ኣፍልቡ እናሃረመ መልኣኽን ፈቃርን ክመስልን እንከሎ፡ ኣእምሮኡ ስሒቱ ከይከውን ዘጠራጥር’ዩ ነይሩ። እዚ “ዝብእስ ኣብዘይ ዓዱ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ” ዝዓይነቱ ፍቅርን ሕግብግብን መላኺ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ጉዳይ ኣዘኪሩኒ። ኣብ ገለ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ገለ ሕልና ዘይብሎም ውልቀሰባትን ትካላትን፡ ብዕድመ ምድፋእን ብስእነት ጥዕናን፡ ናይ ምዝካርን ምስትውዓልን ጸገም ዘለዎም ሰባት ብምድንጋርን ኣብ ናይ ሓሶት ሰነድ ክታሞም ከምዘንብሩ ብምግባርን፡ ቀዋምን ተንቀሳቃስን ሃብቶም፡ ናይ ጥሮታ፡ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነትን ኣብ ባንኪ ዝተቀመጠ ጥረ ገንዘብን ይዘምትዎ፡ ክሳብ ቅትለት ይበጽሑ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ውርሻን ይግብኣንን ይከራኸሩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕድመ ዝደፍአ ወይ ብሕማም ዝተደነሰ ሰብ ስለዘይኮነ፡ ኩሉ’ቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍጽሞ ዘሎ ውዕላትን ዘካይዶ ዘሎ ሸረኽረኽን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቀትን ጥራሕ’ዩ ዘንጸባርቅ። ስለምንታይ’ሲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበረ እንተገበረ ብሒም ዝበሎ ሰብ ስለዘይረኸበን፡ ብውልቃዊ ረብሓ ንግዚኡ መሳርሒ ዝኾንዎ ኮራኩር ቆጺሩ ስለዘሎን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ካብ ዓቀኑ ዝሓለፈን ሕጊ ዘይተኸተለን ኮሸምሸም ጠባያት መላኺ ኢሳያስ፡ መንነቱን መሬቱን ኣሕሊፉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይህብ ዓቢ ስግኣት ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህላወ ኤርትራ ዘህስስ ውዕላት ይፍርምን ይመባጻዕን ከይህሉ ይፈርሕ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ወትሩ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉን ተሓቢኡን ዝፍጽሞ ንሃገር ዝምልከት ውዕላት፡ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ዝወከሎ ባይቶ ስለዘይዋስእሉ፡ ኢሳይስ ሰኺሩን ብፍቅሪ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ተዘኒቡን፡ ከየንበበ ንህዝቢ ኤርትራ ሸይጥዎ ከይከውን የስግኣካ።

እቲ ዝዓበየ ዝፍጸም ዕዮ ገዛ ግን፡ በዓል ውራይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣይኮነን። ብዘየማትእ ምጅማር ንቡር ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንኽልቲኡ ህዝብታት መስተርሆት ዝፈጥርን ጥፍኣት ህይወት ሰብ ዘወግድን’ዩ። እንተኾነ ኤርትራውያን እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ማንካ ዘይተላዕሎ ጸገማት ዝፈትሕ ስለዘይኮነ፡ እቲ ቁስሊ ዳግማይ ከምዝረክስን ከምዝደምን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ዶባት ዘሎ ተተኮስቲ ክጽረግ ቀሊል’ዩ። ኣብ ልቢ ሰብ ዝተሰረተ ቂም በቀልን ክፍወስ ግን ውሕሉል ኣተሓሕዛ የድልዮ። ብግቡእን ብቅንዕናን እቲ ጠንቂ ኩናትን ህልቂትን ኮይኑ ዝተባህለ ጉዳይ ዶብ፡ ብቀዳምነት ክፍታሕ ኣለዎ። እቲ ብጉልባብ ዶብ ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰያትና ዝበልዐ፡ ቁጠባና ዘዕነወ፡ ህዝብና ናብ ስደት ዝበታተነ፡ ናብ ድኽነት ዘእተወ ኩናት፡ ስለምንታይ ዕሽሽ ተባሂሉ፡ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ብተብተብ ይግበር ኣሎ ንህዝቢ ኤርትራ ክግለጸሉ ኣለዎ።  ኣይከም መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ክኢላ ዓቅሚ ኣብ ምህናጽ ቁጠባ ሃገሩ ክዋሳእን ናይ ዕርቅን ኢሂን ምሂን መኣዲ ዘተ ዕድል ኣይህብን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳዩ እንታይ ይግበር ኣሎ ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን። ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ዝምድና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳዩ ካብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክሰምዕን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቤላበሎው ክህውትትን ከም ንቡር ተወሲዱ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ተዋሳኢ ኣይኮነን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ ቃሕ ዝበሎ ዝፍጽም። ንኣብነት ከም ዓስቢ ምምጣው ወደባትናን ባሕርናን ንረብሓታት ስዑድ ዓረብያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ መላኺ ኢሳያስ ብኢማራት ዓረብ ዝለዓለ ሽልማት ክወሃብ እንከሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንወደባትን ካልእ ህብትናን ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ብተብተብ ውዕል ሰላም ስለዝኣተወን፡ ናይ ነገስታት፡ ካባ፡ ድርዕቶ፡ ጥሪትን ካልእ ህያባትን ተለጊሱሉ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ መላኺ ኢሳያስ ብህልቂትን ስቃይን ኤርትራውያን ብገበን ክኽሰስን ኣብ ፍርዲ ክቀርብን እምበር፡ ከም ሃዋርያ ሰላም ክቁጸርን ክምጎስን ኣይግብኦን’ዩ። ዓለም ምስ ረብሓኣ ስለዝኾነት ግን፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምብትታን ስድራቤታትን ዕሽሽ ብምባል፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ወረጃ ኣምሲላ ትገልጾ ኣላ። “ዝሓለፈ ሓሊፉ ብዝመጽእ ኣይትድገመኒ” ከምዝብሃል፡ ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ድኽመታትና ክንጥዓስን ከነስትማስልን ዘይኮነ፡ ሕጽረታትናን ብልጫታትናን ገምጊምና ሕማምና ሓቢርና ክንፍውስን ምስ ክውንነት ዝሰማማዕ ተባዕ ስጉምቲ ምስእንውስድ ጥራሕ’ዩ እቲ እንኮ ፍታሕ። ብእዉጅ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ናይ ኤርትራ ወዳኢ ነገርን መራሕን ክኽውን ምሉእ ስልጣን ሂብዎ ኣሎ። መግለጺ መላኺ ኢሳያስ ብዝተተርጎመ ይተርጎም፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንሪኦ ዘለና ንጹር ጉዳይ፡ ንመሰልን መንነትን ህዝብና ዝረግጽ፡ መንእሰያትና ናብ ዳግማይ ኩናት ክጥበሱን ጊላታት ክኾኑን ምቹእ ኩነታት ዘጣጥሕ ጥራሕ’ዩ። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ይኹን ቅልውላው ኣድህቦ ከይሃብና፡ ኣብ ውራይና ነትኩር። ስርዓት ህግደፍ ብፍላጥ ናትናን ቀዳምነታትናን ረሲዕና ኣብ ጓል ዘረባን ዘይመሰረታዊ ጉዳያትን ከምነተኩርን ከምንህውትትን ይገብረና ከምዘሎ ከነስተውዕል ኣለና። ኤርትራውያን ድማ ክልተ ምርጫ’ዩ ዘለና፡ ነቲ ብዘይ ፍቃድና መላኺ ኢሳያስ ዝመረጸልና መራሒ ክንቅበል፡ ክንሓስርን መንነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ፡ ዘርሚ ዘርሞ ክንበታተን፡ ኣብ ሕሉፍ ክንጠዓስ፡ መስሓቅ ሰብ ክንከውን፡ መዕንደሪ ጓኖት ክንከውን ብደውና ክንዝመት ወይ ከኣ ኣብ ሕፍርቲ ሃገርና መታን ብኽብረት ክንቅመጥ፡ ህያብ ስውኣትና ናብ መጻኢ ወለዶ ከነመሓላልፍ፡ ንመሰልናን ንናጽነትናን ክንቃለስን ወነንቲ ዕድልና ክንከውን ምውሳን’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 30 ሓምለ 2018

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde August 4, 2018

    (“ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕ ዛግራ ትብላ”)……I remember one time a good friend of mine who I used to tell I don’t eat pork served me this well garnished oven seared golden pork chop with fluffy medley of rice and olive oil seasoned sticks of asparagus and said, enjoy! it is brisket,O boy did I dig in and licked the last stain on the plate.Folks,they are coming from the wood works salivating at this beautiful little nation of ours to lick it dry and one old man is serving it on MEBLI’E INJERA. What do you do Hzbi Eritra!? listen and act upon the prudent voices like Tsilal before time runs out and the window of opportunity slams shut like it did several times before, only this time might be for good.

POST A COMMENT