Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን፡ ካብ ማይን ጸባን – ናብ ማይን ዘይትን

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሰላምን ሓቀኛ ናጽነትን ክንጓናጸፍ ትጽቢት ኩልና’ኳ እንተነበረ፡ ብሰሪ ቀይናንን ኣዕናውን ምምሕዳር ሃጸይ ኢሳያስ  ከምቲ ዝሓለምናዮ ኣይኮነን። ዓስቢ ከቢድ መስዋእትና፡ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ ምፍልላይ ስድራቤት፡ ክቱር ድኽነት፡ ስእነትን ክብርን ማሕበራዊ

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሰላምን ሓቀኛ ናጽነትን ክንጓናጸፍ ትጽቢት ኩልና’ኳ እንተነበረ፡ ብሰሪ ቀይናንን ኣዕናውን ምምሕዳር ሃጸይ ኢሳያስ  ከምቲ ዝሓለምናዮ ኣይኮነን። ዓስቢ ከቢድ መስዋእትና፡ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ ምፍልላይ ስድራቤት፡ ክቱር ድኽነት፡ ስእነትን ክብርን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዓያዪ ጉልበትን ተነጽሎ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም  ጎረባብቲ ሃገራትን ከምኡ’ውን ጉቦን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ቀንዲ መለለዬ ሕብረተሰብና ኮይኑ። ካብዚ ውዱዕ ኩነታት ነቂሎም’’ዮም መስለኒ ገለ ኤርትራውያን ”ተጋደልቲ ዘይተወድአ ናጽነት ኣምጺኹሙልና፡ ስርዓት ደርጊ ምሓሸና፡ ኣሕዋትናን ደቅናን ንኸንቱ ተሰዊኦምን ሰንኪሎም” ዝብሉ ሓረጋት ንኽትሰምዕ ቅሳነት ትስእን ። ብዘየወላውል፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና፡ ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቃ ተደቢሳ፡ ቅሳነት፡ ብልጽግናን ክብረትን ኣይሰፈናን። ይኹን እምበር ነቲ ክውንነትን ሓቅን ከምዘለዎ ኣብ ክንዲ ምንጽብራቕ፡ ስምዒት ዝተሓወሶ መግለጺታት ምቅራብ መኣዝን ምስሓት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ደልሃመት ዘውድቅ’ውን’ዩ። እዚ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ዘርእዮ ዘሎ ምልኪ፡ ዕንደራን ትዕቢትን፡ ካብ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ሱር ዝሰደደ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝነበረ ውሁብ ኩነታት፡ ትሑት ንቅሓት ተጋደንቲ፡ ክቱር ሃገራዊ ፍቅሪ፡ እምነትን ኣብ ጸቢብ ቦታ ስለዝነበርናን፡ ሓቀኛ ባህርያት ንምፍላጥ ኣይተኻእለን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ዋላ’ውን ድሕሪ ናጽነት እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ጽልኣት ኣይነበረን። እንተ’ቲ “ተጋደልቲ ዘይተወድአ ናጽነት ኣምጺኹሙልና፡ ደርጊ ምሓሸና፡ ኣሕዋትናን ደቅናን ንኸንቱ ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን’ ዝብል ክንዲ እምባ ተኺሎ ዝኸውን መግለጺ ግን፡ ኣነዋርን ታሪኽ ምምርሳሕን ጥራይ ዘይኮነ ንስውኣትና ዕረፍቲ ምኽላእን ዕዳ ምስካምን’ዩ ዝቆጸር። እቶም ኣብ ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግንባርን ብምስላፍ ኣብ ቅድመ ግንባርን መስመር ጸላእን ንህዝቦምን ንመሬቶምን ዝተሰውኡን ኣካሎም ዝጎደሉን ግን፡ ሞያኦምን ጅንነቶምን መግለጺ ቃላት የብሉን።

እቶም ክንክሰስን ክንሕመን ዝግብኣና፡ እቶም ኣብ 1991 ናጽነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ ወሰን ዘይብሉ ሓጎስና ዝገለጽና ዋጋ ናጽነት ዘስተማቀርንን ግን ከኣ ንመንሽሮ ሕብረተሰብና ህግደፍ ሰጥለበጥ ኢልና ክሳብ ሎሚ ንጓዓዝ ዘሎን ኩልና ኤርትራውያን ኢና። ቅድሚ ንኻልኦት ምውንጃልን ኣብ ሃዋህው ምህውታትን ድማ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ንምውጋድ እንታይ ጌርና ኢልና ነብስና ነብሲ ማትና ንሕተት። ብፍላይ እዞም ብፍላጥ፡ ብጥቅምን ኣርሒቅካ ካብ ዘይምሕሳብን፡ ብስም ጀብሃ፡ ሻዕብያ ደድሕሪ ሰረገላ እናተጓዓዝና ንምዕባለ ሃገርና ዝዕንቅጽ፡ ንሓድነት ህዝብና ዘላሕልሕ ወግሐ ጸብሐ ብመዓር ዝተለበጠ መዓር ነኮማስዕ ዘሎና ሰባት፡ ኩሉ ውልቃዊ ሕማማትናን ዕቃበታትናን ወንዚፍና ብሓንቲ ኤርትራ ክንሓስብ’ዩ ዘምሕረልና። ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ ጀብሃ ድዩ ሻዕብያ፡ ቀቢላዊ ድዩ ሃይማኖታዊ፡ ሃገራዊ ድዩ ወይ ዘይሃገራዊ፡ እንኮ መምዘኒኡ ተግባራቱን ሃገራዊ ኣበርክቶኡን ክኸውን ስለዘለዎ፡ ግዳማዊ ፍርዲ ምሃብ ኣቋሪጽና ምስ ግዜ ክንስጉምን ሃገራዊ ረብሓ ከነቀድምን ኣሎና። ብዘይማትእ፡ መራሕቲ ህግደፍ ጠጃእቲ ተንኮልን ሕሰምን ስለዝኾኑ፡ ክንውንጅሎምን ሓላፍነት ከነሰክሞምን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር ዘብለጭልጭ ቃላት፡ ስምዒትን ቅርሕንትን ንበይኑ ፍታሕ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ዘይተወድአ ናጽነት ኣምጺኹሙልና፡ ስርዓት ደርጊ ምሓሸና ምባልን ናብ ስደት ምምራሕን፡ ኣብ ሓደ ጽላል ምጥርናፍን ጸላኢኻ ምብዳህን’ዩ እቲ ነባሪ ፍታሕ። ከምቲ ነቲ ካባና ብዓሰርተ ኢድ ዝተዓጻጸፈና መግዛእቲ ኢትዮጽያ ብስጡም ስምረትናን ጽንዓትናን በዲህና ኣላሽ ዘበልናዮን ናጽነትና ክንጎናጸፍ ዝኸኣልናን፡ ሎሚ’ውን ካብ ሚእቲ ዓመት በጊዕ ሓንቲ መዓልቲ ኣንበሳ ምዃን’ዩ ራህዋ ዘምጽእ። ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ማይን ጸባን፡ ማይን ዘይትን ኮይንና ክንቅጽል እንተመሪጽናን ግዜና ኣብ ሓድሕድ ምንቛት እንተኣሕሊናዮ ግን፡ ብዘይካ “ጸርፊ’ሞ ዝገደፍና የብልናን እንተ እተን ኣሓ ግን ተዘሚተንየን” ካብ ምባልን ማይ ክትዓሙኽ ካብ ምፍታንን ካልእ ፋይዳ የብሉን። ስራሕ ተባዓትን ለባማትን፡ ካብ ዕድመ ሃጸይ ኢሳያስን ስዓብቱን ዘናውሕ ንጥፈታት ምክያድ፡ እታ ቅድሚ ናጽነት ወኒንናያ ዝነበርና ዕምርትን ጽንዕትን ጽላል፡ ህልዋትን ስውኣትን ብሓባር ከነጽልለላ ኣሎና። ስምረትን ምጽውዋርን።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሓምለ 01, 2015)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Eritra June 1, 2015

    “እቶም ክንክሰስን ክንሕመን ዝግብኣና፡ እቶም ኣብ 1991 ናጽነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ ወሰን ዘይብሉ ሓጎስና ዝገለጽና ዋጋ ናጽነት ዘስተማቀርንን ግን ከኣ ንመንሽሮ ሕብረተሰብና ህግደፍ ሰጥለበጥ ኢልና ክሳብ ሎሚ ንጓዓዝ ዘሎን ኩልና ኤርትራውያን ኢና። ”

    ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

    Please let’s be fair. How do you say “all of us”(ኩልና), while the fact is that a lot of innocent people were made to disappear starting from 1991, for voicing their concern. The monster was created by the people, now he is eating them, what else did you expect to happen ?

  • Matusala June 1, 2015

    PFDJ lost everything. They used to tell us we are working for tomorrow but where is today before you talk about tomorrow? PFDJ changed our country like concentration camp of WW2, the world must act fast against PFDJ and Esayass before things get all out of hand and also out of control in Eritrea.

  • ERITRAWIT June 2, 2015

    Mensey,ayatatkan ahatkan demom zefseswo naka eu nerew.Entay mo abotatna kmselew kab fetawyey da halweney enber kab selayey baley alekew yblew Nerom Ezey mes terekebe eu. Ajoka Ab nay Isaias Mesawedya ayt-to. dem yehwatna nay kedemen nay hjen B kentew keykeyd.

POST A COMMENT