Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ምእንቲ ሰላም ልቢ እንተኣዕበና ገበናት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣይንርስዖን ኢና

ኣርእስቲ መታን ከይነውሓና፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ኤርትራ ብደገፍ ኣመሪካን ናብ ረብሓ መሓዙታን፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ናይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1962 ብወግዒ ነቲ ካብ ፈለማኡ ዘይምዕርሩይ ፈደረሽን ኣፍሪሱ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ኣዊጁ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኩሉ ሰላማዊ ኣገባብ

ኣርእስቲ መታን ከይነውሓና፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ኤርትራ ብደገፍ ኣመሪካን ናብ ረብሓ መሓዙታን፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ናይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1962 ብወግዒ ነቲ ካብ ፈለማኡ ዘይምዕርሩይ ፈደረሽን ኣፍሪሱ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ኣዊጁ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኩሉ ሰላማዊ ኣገባብ ተጠቂሙ ጸማም እዝኒ ምስተዋህበን ሕቶኡ ብሓይሊ ብረት ምስተመለሰሉን፡ “እምቢ ንጎበጣን ምግሃስ መሰልን” ኢሉ መሰሉን ልኡላውነቱን ንምርግጋጽ፡ ብ1961 ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ተጋድሎ ድማ፡ ነቲ ናይ ምዕራብን ምብራቅን ኩለንተናዊ ደገፍ ዝነበሮ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ደርዒሙን ካባ ሕፍረት ኣጎልቢቡን ኣብ 1991 ብክቡር መስዋእቲ ናጽነቱ ጨቢጡ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ እዋን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ይኹን ብረታዊ ቃልሲ ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝተፈጸመ ቁጠባዊ ገበንን ዕንወትን ይቅሬታ ክብሃልን ክከሓስን መሰል’ኳ ኣንተለዎ፡ ምእንቲ ሰናይ ጉርብትናን ሰላምን ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት ኢሉ ልቢ ስለዘዕበየ ንምቅርሓን ዘስዕብ ሕጋዊ ጉዳያት ቀዳምነት ኣይሃቦን። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ጽቡቅ ድሌት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብቅንዕናን ብልቦናን ምስዝቅበሎ ጥራሕ’ዩ። ይኹን እምበር እቲ ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ቁጠባዊ ትካላትናን ዝወረደ ዕንወት፡ መጻኢ ወለዶ ክፈልጦን ኣካል ታሪኽና ስለዝኾነን፡ ብጭብጢ ተሰኒዱ ክተሓዝን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኣምነሉን ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ብህዝቡ ዝሕለቅ ሕጋዊ መንግስቲ ስለዘየለ ግን፡ ዛጊት ሕጋዊ መንገዲ ኣይተላዕለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ክህደትን ዕሽሽታን ኣሰራርሓ’ዩ ማዕቢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ በደል ኣልዒሊ ሕጋዊ ጠለባት ስለዘይቀረበሉን ስርዓት ህግደፍ ናይ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቅ ናይ ጥልመት ሜላታት ይኽተል ስለዘሎ ድማ፡ ስቅታና ከም ንዕቀትን ስንፍናን ተሓሲቡ ገለ ገለ ሓለምትን ሕዱር ሕማም ዝደገሶምን ኢትዮጵያውያን ንኩናትን ምዝራግ ሰላምን ዘይግብራዊ ምጉት የቅርቡ ኣለዉ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝያዳ ጎሊሑ ዝስማዕ ዘሎ ሃተፍተፍ ድማ፡ መቀጸልታ ናይቲ ንዓመታት ጽውጽዋይ ብምድግጋም ኣብ ባይታ ዘየለ ክውንነት ንምፍጣር ዓባይ ኢትዮጵያ ንኽትህሉ ዝግበር ሃቀነታት’ዩ። ኢትዮጵያ ብዝሒ ህዝቢ ስለዘለዋ፡ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብባዕዲ ስለዘይተገዝአት፡ ንጥልያን ስለዝሰዓረትን ማእከል ሕብረት ኣፍሪቃ ስለዝኾነትን፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ትምክሕቲ ከተርኢ፡ ቅልጽማ ከተወጣውጥን ታሪኽ ክትጥምዝዝን ዘዋጽኣ ኣይኮነን። ካብቲ ብዙሕ፡ ዕብዳንን ብድዐን ምጉት ናይ ገለ ፈላጣት ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ሒደት ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል።

ቀዳማይ፡ ገለ ሓለምቲ ኢትዮጵያውያን፡ ነቲ ኣብ ሓምሳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ጎበጣን ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕግን፡ ከምኡ’ውን ዘጋጠሞም ወተሃደራዊ ስዕረትን ብፍላጥ ሓቢኦም፡ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ከም ናጻ ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ኣይግባእን ይብሉ ኣለዉ።

ካልኣይ፡ ገለ ሓለምቲ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ክንዲ ብዘተን ክልተኣዊ ስምምዕን ተጠቀምቲ ኤርትራ እትውንኖ ወደባት ክኾኑ ዝሓቱ፡ “ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ስለዝኾነት ብዘይ ወደብ ክትነብር ስለዘይትኽእል ወደባት ኤርትራ ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰል ኣለዋ” ብምባል ኣቦኦም ዘየጽንሓሎም ዘይናቶም መሬትን ባሕርን ክውንኑ ይደልዩ። ነገሩ ግን ነቦኻ ርገም ነቦኻ መርቅ’ዩ። ምሁራት ኢና ዝብሉ ብብድዐ ዝተላዕጠጡ ኢትዮጵያውያን፡ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ንባሕሪ ዘለወን ጎረባብተን ሃገራት ክወራን ብሓይሊ ክንጥቀመሉ ክብላን መሰል ኣለወን ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ። ወዳጀ!!

ሳልሳይ፡ እቶም ጮማ እናተመገቡ ዊስኪ እናጨለጡ፡ ብድሕሪት ኮይኖም ነቲ ምስኪን ድኻ ኢትዮጵያ ናብ ሓዊ ዝጠብሱን ኤርትራዊ ክጸንት ትእዛዝ ዝህቡ ዝነበሩን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካድራትን፡ ብኽድዓትን ስንፍናን ናይ ገለ ኣዘዝቲ ድኣ ተሳዒርና እምበር ብሻዕብያ ኣይተሰነፍናን ኢሎም ገበናቶምን ድኻማቶምን ክሽፍኑ ይጽዕሩ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ፡ እቲ ኣብ ዘይመሬቱ ክወርር ኣብ ኤርትራ ድራር ጥይትን ኣሞራን ጋሕ ዝኾነ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንሃገሩ ዘወደቅ ጅግና ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ክስርሓሉ ኣለዎ ኢሎም ምግላጾም ኢዩ።

ብርግጽ እቶም ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ምጉት ዝገማድሑን ዘኮማስዑን ዘለዉ ኣካኪ ዘራፍ ዝብሉ ዘለውን ኢትዮጵያውያን፡ መብዛሕቶኦም ነብሶም ፈትዮም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ብምቾት ዝቅመጡን ጸሊምን ጻዕዳን ዘቃይሑን ኢዮም። ብተወሳኺ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ማእለያ ዘይብሉ ገበን ዝፈጸሙን ወይ ዝኣዘዙን ኢዮም። ስለዚ ድሕሪ ከቢድ ደም ምፍሳስን ዕንወትን ኤርትራ ትግባኣና’ያ ኣካል ኢትዮጵያ ኢያ ክብሉ እንከለዉ ኣየምሕረሎምን ጥራይ ዘይኮነ ብሕሉፍ ገበናቶም ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ፡ ክናዘዙ፡ ክቅጽዑን ይቅረ ክብሉን ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ መዋእል ሃይለስላሴን ደርግን ካብ ሓለንጊ ሰውራ ጭርኦም ደጉሎም ዝሃድሙ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣማሓደርትን፡ ዓድታትና ዘባደሙ፡ ህዝብና ብስልኪ ዝሓነቁ፡ ኣጡባት ኣዴታትና ብኻራ ዝቆረጹ፡ ህጻናትን ነብሰ ጾራትን ኣረጋውያንን ብህይወቶም ኣብ ሓዊ ዘቃጸሉ፡ ክብረ ንጽህና ኣሕዋትና ዝደፈሩ፡ ንብረትና ዝዘመቱ፡ ህዝብና ክስደድን ከርፋሕ ናብራ ከሕልፍን ጠንቂ ዝኾኑ’ዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ተራ ወተሃደርን ደቁ ኣብ ዘይረብሓሉ ኩናት ዝገበረን ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ቂም በቀል የብሉን። እዞም ኣቦኦምን ኣቦሓጎታቶምን ዘየጽንሕሎም ብሕጊ ዘየፍቅደሎምን መሬትናን ባሕርናን ዳግማይ ክምንዝዑ ኣብ ርሑቅ ኮይኖም ዘምባሃቁን ዘወጣውጡን ዘለዉ ስሱዓትን ተበለጽትን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክነቅሓሎም ይግብኦ።  ቅድሚ ሕጂ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ንመሬቱን ክጋደል እንከሎ፡ “ኤርትራ ናብ ዓረብ ክትሽየጥ ደልያ፡ ዕሱባት ወንበዴ ብሰሜን ሃገርና ኩናት ኣዊጆሙልና” ኢሉም ዘደናገሩኻን ምሩጻት ደቅኻ ዘጥፍኡልካን ይኣኽለካ። መኣድኻ ገዲፍካ መኣዲ እንዳማትካ ምቁማት መወዳእታኡ ክሳራን ሕፍረትን’ዩ። ንግዚኡ ሓይሊ ኣለኒ ኢልካ፡ ነጋሪት ኩናት ምህራም ብስም ሰላም ዘይናትካ ክትምንጥል ምህቃን ድማ ወትሩ ጥፍኣት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓዊ ምጽዋት ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጸቢቁ ይፈልጥ’ዩ። ስለዝኾነ ንኩናትን ዕንወትን ከም ቀዳምነት ኣይብህግን’ዩ። ቤትካ  ክወርሰካ’የ ዝፍልሐ ደም ኣለኒ ንዝብል መንቀላወጢ ግን ሕጂ’ውን ትኩር ክኸውን ኣለዎ። ንህዝቢ ኢትዮጵያን ነዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ከነረጋግጸሎምን ክንምዕዶምን ንደልዮ፡ ምናልባት ጠላሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይወከሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ብዝኽተሉ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራትን ኮሸምሸም ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስደትን ሓድሕድ ምፍልላይን ክኽውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ግን ጸወታ የለን።  ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ዘይናቶም ዝደልዩን ዝደኸምካን ሃገራዊ ወንኻ ዘጥፋእካን ዝመስሎም ዘሎ ህንጡያት ውሽጣዊ ፍልልያትካ ወንዚፍካን ብዘተ ፈቲሕካን፡ ሕድሪ ስውኣትካ ኣጽንዕ ክብሪ ሃገርካ ኣረጋግጽ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 28 ለካቲት 2019

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • ስለ ፍትሒ February 28, 2019

    ትኽክል! ዝውሰኽ የብሉ ዝንከ። ብሉጽ ዝኾነ ምኽሪ። የቐንየልና ጽላል።

  • k.tewolde March 1, 2019

    Different approach same goal-annexation,occupation>>>this time without guns and green helmets,instead fake smiles and hugs and sweet talking among the same predators of the past,somebody thinks they got the job done weakening the Eritrean people to the point of capitulation,they thought wrong,no hiding behind the smokescreen of (MEDEMER),the Eritrean people know exactly who their enemies are and they are going after them in a big way and bring them to justice, and that day is not far away.Thanks Tsilal.

  • UNCLE SYE March 1, 2019

    እንዳ ሽወደን ኣዚለ ክንምሃር ከለናስ ዓርኪ ተምሃራይ ትብሃል መጽሓፍ ነንብብ ኔርና . ሓንቲ ካብተን ዛንታታት “ጽንጽያዶ ንብዕራይ ይኸብዶ እዩ” ትብል ታሪኽ ኔራ.
    ዝኸበርካ ጽላል
    ንሕናስ መን ኣብ ቁጽሪ ምስ ኣእተወና ወይ ኣየናይ leverage ሃልዩና እዩ ,ነዚ ኢልና ኢና እምበር እዚስ ኣይንቕበሎን ክንብል ????, እታ ኤርትራ እንተኾነት ኢትዮጵያዊት ሻዕብያ ኮነ ኢላ ካብ መንእሰያታ ጓሕጊሓታ እያ. እቲ ማዕቀብዶ ዓለማዊ መንግስታትን ውድባት ተጣበቕቲ መሰልን ርእየን ከምዘይርኣያ ወይ ንማለቱ እናውገዛ ዝተገብረ ናይ ምዕራባውያን ውዲት ንኤርትራ ተገንጺላ ኽትነብር ኣየፍቅዳላን እየን . ብዓቢኡ ድማ ህዝብና ,ተገንጸልቲ በረኸኛታት ብሓይሊ ደቁ መንዚዖም ንርኹስ ዕላምኦም ንኽድግፍ blackmail ዝገበርዎ ተረዲእዎ ምድማር እናመረጸ ስለዝኾነ ኣብ ውዱእ ነገር ህዝብና ኣይነተዓናቕፎ , ከም ቀደሙ ምስ ወላዲት ሃገሩ ብሓጎስን ብልጽግናን ይንበር.

    • Danilo March 1, 2019

      ኣቶ ዝበረቀ ጽሓየይ/uncle sye, ኣፈ-ጨለ ሙኽዋን ገንኢ ኣደይ ፈጸጉ ዘጎቡዕ ድዩ ወይስ ዓይኒ ጹሙእ ዘፈርጥጥ ? ኣንታ ! ሕዘለይ እባ ? ብማይ ቡሑቅ ዝዓበየ ዝራብዕ ርጊሒት ኣድጊ ለሚዱ እንታይ እዩ እቲ ጉዱ? ንሙኹዋኑ፡ብኸመይ እኻ ብቀትሪ ትሓልም ።በዚ ሎሚ፡ ንኤርትራውን ዘባህርር ሕልሚ ምድማር የለን ። መሲሉካ ትግዕር ኣለኻ።ድሓር ግን፡ዋይ-ዋይ እንታይ’ሞ ከይትብል ሕድሪ ጎሮረኻ።

      • Hagherawi March 1, 2019

        ኣይተ ሲየ ፥ ኣነ ኤሪትራዊ እየ እንዳበለ ፥ ልክዕ ከም ኣይተ እሰያስ ፥ ብኩቱር ጽልኢ ኤሪትራዊነት ብውሽጢ ዘሳቀ ሰብ እዪ።
        እዞም ናዓና ዝመስሉ ጸላእትና ፥ ብኣግኡ ኣለሊና ክንጥንቀቅ ስለ ዘይካእልና ፥ እንሆ ሎሚ ፥ ኣደዳ ስደትን ሞትን ኮይና ፥ ንሶም ድማ ደስ እሉዎም ፥ ይላገጹ፥ ይዋራዘዩ።

Post a Reply to ስለ ፍትሒ Cancel Reply