Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጄነቭ ኣብ ዘዳለዎ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ኣብ ዝግምግም ቅድመ ኣኼባ ተሳቲፎም።

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት፡ ማለት ስድሪ፡ ረሊዝ ኤርትራ፡  EHDR- UK ከምኡውን  HUMAN RIGHT CONCERN  ዝተባህላ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 26-29 ሕዳር 2013 ኣብ  ዘዳለዎ ቅድመ ምድላዋት ኣኼባ ( pre-session)

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት፡ ማለት ስድሪ፡ ረሊዝ ኤርትራ፡  EHDR- UK ከምኡውን  HUMAN RIGHT CONCERN  ዝተባህላ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 26-29 ሕዳር 2013 ኣብ  ዘዳለዎ ቅድመ ምድላዋት ኣኼባ ( pre-session) ናይቲ ኣብ ዝመጽእ 18 ለካቲት ዝካየድ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ይሳተፉ ኣለዉ። ከምኡ እውን ንዓንቀጽ 19 (ንመሰል ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ) ብዝምልከት ፓትሪክ ሙታሕ ዝተባህለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ገምጋሙ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዝሳተፋ ዘለዋ ሲቪክ ማሕበራት ነቲ ኣብ 2009 ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ምሕጽንታ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ምርኩስ ብምግባር እየን ገምጋመን ኣቕሪበን። ኣብቲ ሽዑ ዝተኻየደ ገምጋም ካብ ዝቐረበ ሰብኣዊ መሰላት ጠቀስ ዛዕባታት መንግስቲ ኤርትራ ን62 ነጥብታት ኪቕበል እንከሎ ን18 ርእይቶታት ተቓዊሙዎ፡ ንካልእ 56 ነጥብታት ከኣ ምላሽ ከይሃበ ሰጊሩዎም ነይሩ። እንተኾነ ካብ ሽዑ ኪሳዕ ሕጂ ኩአንታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እናኸፍአ እምበር ኪመሓየሽ ኣይተራእየን። እቶም ተሳተፍቲ ሲቪካውያን ማሕበራት ከኣ፣ ንጉዳይ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዓመጽ ደቀንስትዮ፣ ዕፈና ኣምልኾን እምነትን፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ሽርበትን፣ ሽርሒ ፍልሰትን ንግዲ ሰባትን ብዝምልከት ርእይቶኦም ኣቕሪቦም።

ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራ ካብቲ ኣብ 2009 ዝነበረ ብዝኸፍአ መልክዕ ግህሰት ዜጋታት ዝፍጸመላ ሃገር ሙዃና ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዝተፈላልየ መዓስከራት ስደተኛታት ብምብጻሕ ንባይቶ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻባ እተቐርብ ዘላ ፍልይቲ ልእኽቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ ሸይላ ኪታሮዝ  (Sheila B. Keetharuth) ነቲ ኩነታት ብምረት ትገልጾ ኣላ። ንሳ ካብቶም ቀንዲ ግዳያት ግህሰት ሰብእዊ መሰላት ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣዘራሪባ ከምዝረኸበቶ፡ ኣብ ሃገሮም ሓርነት ዝተነፍጎም ውሕስነት ዝሰኣኑ ከምኡውን ብኹሉ ዓይነት ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ዝተተንከፉ ካብ 2000-3000 ዝግመቱ ኤርትራውያን ወርሓዊ ካብ ሃገር ይወጽኡ ምህላዎም ጠቒሳ።

ንሳ ብተወሳኺ “ኤርትራውያን፡ ዋላኳ መግቢ ዕለቶም ኪረኽቡ እውን ዝሽገሩ እንተኾኑ፡ እቲ ቐንዲ ምኽንያት መሰደዲኦም እቲ ደረት ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኢሰብኣዊ መቕጻዕትን ማእሰርትን ሙዃኑ” ንምንጭታት ጠቒሳ ትገልጽ ኣላ።

ኣብቲ ገምጋም ኤርትራ እትርከበን ከም ኣፍጋኒስታን ካምቦዲያ ቺለ ዶሞኒካ ሪፓብሊክ የመን ቬትናምን ዝርከበአን 12 ሃገራት ቐሪበን ኣለዋ። እቲ ገምጋም ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ሓሓደ ሰዓት ዕድል ዝህብ ኮይኑ፤ ኣብቲ ገምጋም ከኣ ሲቪካውያን ማሕበራት ርእይቶአን ንኸቕርባ ካብ 5-10 ደቒቕ ዕድል ይወሃበን።

ቅድመ ምድላው ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ ኣባል ሃገራትን ሲቪክ ሶሳይትን ዝሳተፈኦ ኮይኑ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ናይቲ ቐንዲ ኣኼባ ዝካየድ ቅድመ ምድላው እዩ። እቲ ኣኼባ፡ እተን ንገምጋም ዝቐርባ ሃገራት ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ናይ ምምሕያሽ ምሕጽንታ ብኸመይ ከምዘመሓየሸኦ ገምጊሙ ሓዲሽ ምሕጽንታ ከውጽእ ትጽቢት ኪግበረሉ እዩ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ቅድመ ምድላው ኣኼባ፡ ካብ ሲቪካዊ ማሕበር ስድሪ፡ ዶ/ር ጋይም ኪብረኣብ፤ ካብ ረሊዝ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ሰላም ኪዳነ፤  ካብ  EHDR- UK ኣቶ ኖኤል መድሃኔ ከምኡውን ካብ  HUMAN RIGHT CONCERN ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ከምኡውን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፓትሪክ ሙታሕ ይሳተፉ ምህላዎ ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • sara Araya November 30, 2013

    እዘን ተጣበቕቲ መሰላት ነዚ ጉዳይ ብፍላይ ድማ አብ አቶ ኢሳያስ አፍወርቂ ናይ ፍጻመ ህልቂት ወዲ ሰብ ክሲ ክምርታሉ ይጸውዕ። ኢሳያስ እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ህልቂትን ስደት ምኻኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ክንሱ ናብ አይ ሲ ሲ ቤት ፍርዲ ዘይቀርበሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ። እዚ አብ አፍደገ ዓዲ ጥልያን ዘጋጠመ ህልቂት መቐጸልታ ናይ አብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ህልቂት ምኻኑ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ፡፤ አብ ዓዲ አብየቶ ዝተፈጸን ዝፍጸም ዘሎን አብ ትሕቲ ኮንቴነራት ዘለው አሸሓት ሰባት ጉዳይ….ወዘተ ክቐርብ ይግባእ።

    ቻርለስ ቴለር ካይቤርያ ዝፈጸሙ ግፍዒ ምስ ኢሳያስ ዝፈጸሙ ክነጻጸርን ናብ ሕጊ ክቐርብ ይግባእ።

  • ERITRAWIT November 30, 2013

    The picture above we are seen is how our people and jeganue yehwat Beating. people doing this you will pay the price!!!!!! All civic mahber kbret yhabkum we Eritrean we proud of you!!!!!!

Post a Reply to ERITRAWIT Cancel Reply