Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ጸገም ከምዘየጋጥሞም ጸብጻብ ሕብረት ኤውሮጳ ምሕባሩ ኣሩዥ ሺቫ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እስራኤል ጠቒሱ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም በቲ ስርዓት ጸገም ከምዘየጋጥሞም፣ European Asylum Support Office ዝተባህለ ትካል  ሕብረት ኤውሮጳ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምሕባሩ ኣሩዥ ሺቫ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እስራኤል ጠቒሱ። እቲ ናይ እስራኤል ጋዜጣ፣ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2016 ዝወጸ፣

ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም በቲ ስርዓት ጸገም ከምዘየጋጥሞም፣ European Asylum Support Office ዝተባህለ ትካል  ሕብረት ኤውሮጳ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምሕባሩ ኣሩዥ ሺቫ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እስራኤል ጠቒሱ።

እቲ ናይ እስራኤል ጋዜጣ፣ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2016 ዝወጸ፣ ብ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾና ሃገራት ገምጋም ዝተገብረሉ ጸብጻብ፣ እቶም ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታት፣ “ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝግበረሎም ዘሎ ኣተሓሕዛ ካብ ናይ ቅድም ዝሓሸ እዩ” ንዝብል መስመር ናይቲ ጸብጻብ ብምጕላሕ እዩ፣ ነቲ እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ንምጥራዝ ዘለዋ ድሌት ዝድግፍ ዜናዊ ሓበሬታ ኣቕሪቡ።

ሃገራት ኤውሮጳ ንገዛእ ርእሰን፣ ብፍላይ ድሕሪ ሕድሕዳዊ ውግእ ሶርያን ህውከት ማእከላይ ምብራቕን ብዋሕዚ ስደተኛታት ዓቕለን ምስ ጸበበን፣ ነቲ ዝጻወራኦ ዝነበራ ብዝሒ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ንምጕዳል፣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኤርትራውያን ብስርዓት ህግደፍ ዘይቃዶ ዝንቡዕ ጸብጻባት ከቐርባ ድሕሪ ምጅማረን ብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማዕከናት ዜና ሃገራተንን ነቐፌታታት በጺሑወን እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ “ ስርዓት ህግደፍ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ” ኣብ መፋርቕ 2016 ዝዘርግሖ ምስክርነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጠቓለለ ጸብጻብ ብፍላይ ነቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ይኹን እስራኤል ንውልቃዊ ኣጀንዳአን ክብላ ንኹነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት  ዘርእያኦ ዘለዋ ክሕደት ብድሆ ኮይኑዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT